Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክልተ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ተሸሪቦም።

ኣብቲ 27 ሕዳር ኣብ ናይሮቢ ዝጀመረ ዞባዊ ኣህጉራዊ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ፣ Cecafa፣ ክሳተፉ ኬንያ ዝገሹ ዛጊት ኣስማቶም ዘይተነጸረ ክልተ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ’ታ ሃገር ከምዝተሸርቡ ነቲ ኣህጉራዊ ውድድር ሸፈነ ዝገበራሉ ዘለዋ

ኣብቲ 27 ሕዳር ኣብ ናይሮቢ ዝጀመረ ዞባዊ ኣህጉራዊ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ፣ Cecafa፣ ክሳተፉ ኬንያ ዝገሹ ዛጊት ኣስማቶም ዘይተነጸረ ክልተ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ’ታ ሃገር ከምዝተሸርቡ ነቲ ኣህጉራዊ ውድድር ሸፈነ ዝገበራሉ ዘለዋ ዝተፈላለያ መርበብ ሓበሬታታት ኣፍሊጠን።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እቶም ክልተ ተጻወቲ፣ ትማሊ ቀዳም 30 ሕዳር ናይ ካልኦት ጋንታታት ውድድር ንምዕዛብ Nyayo ኣብ ዝተባህለ ስታድዩም ምስ ኣተው እዮም ኣብዚኣ ኣተዉ ከይተባህሉ ተሸሪቦም።

Goal ጎል ዝተባህለ ኣብ ስፖርት ዘተኵር መርበብ ሓበሬታ ንመግለጺ ዋና ጸሓፊ Cecafa Nicholas Musonye ጠቒሱ ሎሚ 1 ታሕሳስ 2013 ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፣ እቲ ጉዳይ ን Cecafa በጺሑዎ ከምዘሎን፣ ንሰበስልጣን ኬንያ ብኡ ንብኡ ሓቢሮም ከምዘለዉን ይገልጽ። ዋና ጸሓፊ Cecafa “ካብ ናይ ኤርትራ ልኡኽ ኩሉ ግዜ ተመሳሳሊ ሽግር የጋጥመና ምህላዉ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ” ከምዝበለ ‘ውን ይጠቅስ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ዞባዊ ውድድር ዳርጋ ብምሉኦም ኣባላታት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ’ታ ሃገር ድሕሪ ምሽራቦም፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተቱ መርበብ ሓበሬታ ጎል የዘኻኽር።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ በቲ “ኣይተሳተፍካን” ከይብሃል፣ በቲ ድማ ካብቲ ብስፖርተኛታት ኤርትራ ብተደጋጋሚ ክበጽሖ ውርደት ከምልጥ፣ ንዝበዝሑ ኣባላት ናይዛ ብሃታ ሃታ ዘቖማ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ብዝነብሩ ስደተኛታት ኤርትራውያን ከምዘቖማ፣ ካብ ኤርትራ 6 ተጻወቲ ጥራይ ከምዝሓረየ፣ ኣብ ዝሓለፉ ዜናታትና ኣሰና ደጋጊምና ገሊጽናልኩም ኔርና። ይኹን እምበር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ’ቲ ዝፈርሖ ውርደት ከምልጥ ኣይከኣለን።

ብሰንኪ ‘ቲ ስርዓት ኢሳይያስ ብዘይብቑዕ ምድላው ንስለ ምስታፍ ጥራይ ኢሉ ሰናኒዑ ሃገራዊት ጋንታ ብምቛም ዝኣተዎ ውድድር፣ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ጸወታኣ 3 ብ ባዶ ብሱዳን ከምዝተሳዕረት ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Dani December 2, 2013

    eritawmet
    Well if all people flee the country, then the country will be left with people who can not defend the country oreople who can not bring change. Instead encouraging people to leave the country we should tell them and stay because they are the main instrument of change. I know you and me will never bring a change because we are not directly affected.
    peace!

  • Haile Michael December 2, 2013

    ተወናጨፍ! ኣርክብ ጥራይ ኮይና መሬት። እንታይ ድኣ ክገብሩ መሳኪን? ዕድለኛታት እዮም መህደሚ ዝረኸቡ። ወይልና! እቶም መህደሚ ዕድል ዘይረኸብና። ኣታ በጃኹም ደገፍቲ ህግደፍ ዓዲ ኣቲኹም ሃገር ረኣይዋ። ኣታ በጃኹም ካብ ስድራቤትኩም ሓበሬታ ሕተቱ። “ሓቂ ድዩ እቲ ዝውረ ዘሎ? ሓቂ ድዩ እቲ ዝበሃል ዘሎ? ሓቂ ድዩ እቲ ኩሉ ዝበሃል ዘሎ ጸገማት?” ኢልኩም ነቶም ኣብ ዓዲ ዘለዉ ትኣምኑዎም ሰባት ሕተቱ። እዝንኹም እንዳሰማዓ እንተድኣ ተጽቅጡ ሃሊኹም የእዝንኩም ይደፈና!ዊዒሉ ሓዲሩ ኪወግሕ እዩ። ሓቂ ምስ ነገሰ ድማ እንታይ ኢልኩም ከምትምልሱ ክንሰምዕ ኢና። “ተገዲደ” ከምዘይትብሉ ርግጸኛ እየ “ኣብ ዓዲ ዘሎ ገዛይ ከይውረሰኒ”? እንድዒ እንሪኤኩም ኢና። ቀሪብና ኢና!

    • ERITRAWIT December 2, 2013

      Haile Micheal,
      My brother they know everything most of them they were with Derg Esepa and they are following Isaias Ajenda.

  • sammy December 3, 2013

    ክልተ ዘይ ኤርትራውያን(ተጋሩ) ተፃወቲ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ኤርትራ ተሰዊሮም። ዶ ኾን ትብል ቲቪ ኤሬ?

POST A COMMENT