Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ካብ ጉዪይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ” – ካልኣይ ክፋል

ካብ ጉዪይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ፡ እንተወሓደ ብሰልስተ ነገራት ማለት ብውልቃውነት /ስሰዔ ንዓይ ይጥዓመኒ ናይ ካልእ እንታይ ገደሰኒ ብዝብል ኣተሓሳስባ፡  ብድሑርነት ማለት ዓለም ብግሎብ ደረጃ ኣብ ትወናጨፈሉ ዘላ ህሞት፡ ንሕና ግን ብዓሌትን ወረዳን

ካብ ጉዪይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ፡ እንተወሓደ ብሰልስተ ነገራት ማለት ብውልቃውነት /ስሰዔ ንዓይ ይጥዓመኒ ናይ ካልእ እንታይ ገደሰኒ ብዝብል ኣተሓሳስባ፡  ብድሑርነት ማለት ዓለም ብግሎብ ደረጃ ኣብ ትወናጨፈሉ ዘላ ህሞት፡ ንሕና ግን ብዓሌትን ወረዳን ኣብ ትሕተ ሃገራውነት ተዓምጺጽና ብምህላውና ከምኡውን ብሕሱም ፍርሕን ሽቕረራን ኣብ ትሕቲ ራሕ ኢድ ህግደፍ ወዲቕና ንዋረድ ምህላውና ኣተንቢሀ ነይረ።

ሎሚ ድማ ኣቲ ኩነታት ከምዘለዎ ኮይኑ፡ መፍቲሒኡ እንታይ ኢዩ ናብ ዝብል ኣድሂበ ክዛረብ ወይ ሓሳይ ክገልጽ ክፍትን ኢየ። ሽግርና  ዘይተዘርበ እንተዘይኮይኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ዘይተፈጸመ ግፍዕታት ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን። ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ኣብያተ ትምህርትን ሕክምናን ኣብያተ ማእሰርቲ ይበዝሕ፡ ሰሓቕን ዕልልታን፡ ብኽያትን ሓዝንን ይበዝሕ፡ ካብ ጽጋብን ሓይልን፡ ጥሜትን ድኻምን ይዛይድ፡ ኣብ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ሕጋዊ ነገር የልቦን፡ ብሕጊ ዝስራሕ ነገር የለን ኩሉ ሽፍታ፡ ኩሉ ሰራቒ፡ ዝኸድካዮ ቤትጽሕፈት ኩሉ የጓጥጠልካ እትጠርዓሉ በዓል ስልጣን የልቦን ምኽንያቱ ኩሎም ኣብ ብዕልግና ዝተቘማጥዑ  ሓደ ካብቲ ሓደ ዘይሕሹ ውርደተኛታት ስለ ዝኾኑ።

ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር ክልውጦ ዘለዎ ነገር ብዙሕ ኢዩ፡ ሱር በተኻዊ ለውጢ።  ሱር በተኸዊ ለውጢ ክብል ከሎኹ ንኹሎም ነቶም ኣብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ነውርዶም ማለት ኣይኮነን። ንሱ ንቤት ፍርዲ ዝግደፍ ኢዩ፡ ሰብ ከከም ገበኑ ዝፈርድ ወይ ናጻ ክብሃል፡ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ምስ ተተኽለ ንቤትፍርዲ ዝግደፍ ጉዳይ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ፡ ሱር በተኽ ዝኾነ ለውጢ ምምጻእ ግን ናትና ስራሕ ኢዩ።

ነዚ ኣብ ግዜ  ህግደፍ ዝማዕበለ፡ ዘይስነ ምግባራዊ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ኮነ ኣብ ምምሕዳራዊ ኣከባቢ ዘሎ  ዘይቅኑዕ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ደቂ ሰባት ዝገፍፍ፡ ምዝንጣልን ጸርፍታትን፡ ብሓፈሻ ኣብዛ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ህግደፍ ትዝወር ዘላ ኤርትራ ዘሎ ንጥፈታት ሱር በተኻዊ ለውጢ የድልዮ ኣሎ። ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ጽርይትን ንጽህትን ኤርትራ ክርኢ ዝብህግ እንተ’ሎ ኮይኑ፡ ንዘወርቲ ናይዚ ሕጂ  ዘሎ ምምሕዳርን፡ ኮተቶምን  ኣብ ናይ ጎሓፍ ጎማ ኣእቲዩ ዳግም ከምዘይቅልቀሉ ጌሩ ክጉሕፎም ይግባእ።

ነዚ ለውጢ እዚ ግን መንዩ ከምጽኦ? ብናይ መን ሓላፍነትከ ክካየድ ይግበኦ? ዝብል ሕቶ ክመጽእ ግድነት ኢዩ፡ ኣብዝኾነ ቃልሲ  ቀንዲ መሪሕ ኮይኑ ንሰውራ ዝመርሕ ኣካል ማሕበረ ሰብ ዝኾነ መንእሰይ ጥራይ ኢዩ።

መንእሰይ ዝምረጸሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ፡

  • መንእሰይ ውዑይ ሓይሊ ስለ ዝኾነ ቀንዲ ሕመረትን ሞተርን ሰውራ ኢዩ፡ ብዘይ መንእሰይዝዕወት ሰውራ የለን።
  • መንእሰይ ንነገራት ቀልጢፍካ ናይ ምርዳእን ናይ ምልዋጥን ተኽእሎ ስለ ዘለዎ።
  • መንእሰይ ብሓላፍነትን ብሓልዮት ሓዳርን ብዙሕ ዘይተኣስረ ስለ ዝኾነ።

በዚ ምኽንያታት እዝን ካልእን መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገርን ኣብ ምውዳቕ እዚ ባርባራዊ ገፋዒ ዝኾነ ስርዓት ኢሰያስ ቀንድን ዋናን ኮይኑ ክዋሳእ ይግባእ።

ካብ ገለ ገለ መንእሰያት፡ ዝስማዕ ንዘይ ምቅላስው’ን ከም መመኽነይታ ዝጥቀሙሉ፡ ዘረባታት ይስማዕ ኢዩ፡ ንሱ ኸኣ፡ ቀደም ዝተጋደሉ፡ እንታይ ረኺቦም፡  ስድራ ስዉኣት ደቂ ስዉኣት፡ መን ቍሊሕ ኢልዎም?  ንስንኩላት መን ደጊፎውም?  ዘይተደርብዮም ዘለዉ ኣነኸ ንወዲ መን ኢየ ዝጋደል? ንወድ መን ክስዋእ? ንወዲ መን ክስንክል ዝብል ጉጉይ ኣበሃህላ ኦዩ። ርግጽ ኢዩ እቲ ዝተባህለ ኩሉ ሓቂ ኢዩ።

እቲ በደል ግን፡ ናይቶም ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ደቆምን ወለዶም ዘይኮነ፡ እቲ በደል ናይቲ ሕድሪ ዝጠለመ ስርዓት ኢዩ።  ሎሚ መንእሰይ ክጋደልን ከም ብሓድሽ ነዚ ዝርዓት እዚ ብዓመጽ ክገጥሞ ዝግደደሉ ምኽንያት እውን፡ እቲ ዝተባህልን ካልእ መሰላት ህዝብን ኤርትራ ስለ ዘይተተግብረን ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ቅዋም ዘይብላ፡ ወይ ከኣ ቅዋማ ብዓመጽ ዝተቐትለ ሃገር  ስለ ዝሓዝና ኢና ከም እንደገና ክንቃለስ ንሕተት ዘሎና።

መሰል ዝተጋደሉን መሰል ህዝብን ዝሕሎ ኸኣ ቅዋማ ዝተሓለወ ብሕጊ ዝቖመት  ንሕጊ ዝግዛእ ስርዓት ምስ እንተክል ጥራይ ኢና ብዛዕባ መሰል እንሓትት።

ሕጂ’ውን ናጽነት ኣምጺእና ንሓደ መራሒ ገዲፍናሉ፡ እንተደኣ ክንከይድ ኮንና፡ ከምታ ኣብ 91 ዝረኣናያ ናጽነት ክትከውን ግድነት ኢዩ። ሕጂ ግን ርግጸኛ ኢየ: እታ ሕጂ እንጽበያ ሓርነት: ህዝቢ ዘማእከለት፡ ብህዝቢ፡ ንህዝቢ ዝቖመት ሓርነታዊት ኤርትራ ከም እትኸውን ጥርጥር የብለይን።

ስለዚ መንእሰይ ንወዲመን ኢየ ዝጋደል፡ ዝብል ስንኩል ሓሳባት ካብ ኣእምሮኻ ኣውጺእካ ክትነጥፍን ግዜ፡ ብዓቢኡ ኸኣ እቲ ብገፋዕቲ ዝርገጽ ዘሎ ህዝብኻ፡ ህዝቢ ኤርትራ የሓተካ ኣሎ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ፡  ኤርትራ ትገብረለይ እንተደኣ ኮይና፡ ክገብረላን ክሞተላን ምባል ዘይኮነ ሃገራዊ ኤርትራዊ ስለዝኾንካ ጥራይ፡ ሓላፍነትን ህዝቢ ናይ ምድሓን ዓቢ ዕማምን ኣሎካ። ንስኻ ኣዚ ምስ ገበርካ እቲ ህዝብኻ ዝደልዮን ዝብህጎን ዘሎ ሓርነት ምስ ኣጓናጸፍካዮ ከኣ፡ ሃገርካ ከም ዓቕማ ዋጋ ድኻምካ ትኸፍለካ። ቅድም እቲ ፈረስ ክጋልብ ኣለዎ፡ ድሕሪኡ ኣቲ ዓረብያ ይስዕብ። ንሕና ክንጋልብ ኣሎና እቲ ኪኾነልና እንደልዮ ከኣ፡ ልክዕ ከምቲ ዓረብያ ክስዕበና ኢዩ፡ ማለት ኢዩ።

ልዕል ኢለ መንእሰይ ቀንዲ ተዋሳኣይን ቀላስን ናይዚ ምንቅስቓስ ንሓርነት ከኸውን ይግባእ ኢላ ኣስሚረ ኣሎኹ።

ኣበይን ብኸመይን ናብ ዝብል ሕቶ ክንመጽእ እውን ግድነት ኢዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰልን ሓርነትን ክናፍቐን ካብ ዝጅምር፡ ልዕሊ 15 ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ፡ ቅድሚኡውን መሰል ነይርዎ ማለት ኣይኮነን፡ ካብቲ ኣዝዩ ክመሮን ክፍለጦን ዝጀመረሉ ግዜ ስለዝቘጸርኩ ኢየ እምበር እቲ ምረትስ ካብ ምፍጣር ህዝባዊ ሓይልታት ዝጀመረ ኢዩ እንተተባህለ ዝጋነን ኣይኮነን። ካብኡ ንደሓር  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዝተፈላላዩ መራሕቲ፡ ዘይዕዉት ውዳበን ምጥርናፍን ከካይድ ከም ዝጸንሔ ዝዝከርዩ። ኮይኑ ግን ንጡፍ መሪሕነት ብዘይምርካቡን ብጥርኑፍ ብዘይምውዳቡን ብዓቢኡ ከኣ መንእሰያት ስለዘይተሳተፍዎን ኣብ ዕንክሊል ጸኒሑን ይርከብን ኣሎ።

ሕጂ ግን ብርእይቶይን እምነተይን፡ መንእሰይ ዝመርሖ ውዳበ  ተቐልቂሉ ኣሎ፡ መሪሕነት ስምረት፡ መሪሕነት ሰራዊት ሕድሪ ብመንእሰያት ዝምራሕ ዘሎ ምንቅስቓስ ኢዩ፡ መራሕቱ እውን ኣኼባታት ብምክያድ ዓላማታት ናይዚ ምንቅስቓስ እዚ ንምድሓን ሃገር ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይዛረቡ ኣለዉ። ሕጂ ዘድሊ ናይ መንእሰያት ተሳትፎ ኢዩ። ሎሚ ከም ትማሊ ንኹሉ ኣበራት እና ኣውጻእና ንዘይምስታፍና ምኽኑይ ክንገብር ክንፍትን ዘይኮነስ፡ ንተሳታፍነት ኣብ ቃልሲ ድልዋት ክንከውንን ንምድሓን እዛ ሃገር ክንለዓል ኣሎና። ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ፡ ኣንጻር ገፋዕቲ ወዓል ሕደር ከይበልና ከነህጥሮ ኣሎና።

ርግጽዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣበይ ምስ መን ክውደብ ከምዘለዎ ዝነግሮ ኣነ ከምዘይኮንኩ ይርደኣኒ ኢዩ፡ እቲ ሕቶ ግን፡ ንምድሓን ሃገር ካብ ኮነ እቲ ዓላማ፡ ንዝተጀመረ ከነህጥር እምበር ሓሓሊፍና ዘየዕውተና ውዳቤታት እንገበርና ክንበታተን ኣየዕውተናን ኢዩ በሃላይ ኢየ። ስለዚ ነዚ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መሪሕነት ወኒኑ ዘሎ መሪሕነት ስምረትን ሕድርን፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓላምኡ ንኽወቅዕ ናትና ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተሳታፍነት ግድነት ከድሊ ኢዩ። ብፍላይ ከኣ መንእሰያት።

 

እቲ ካልእ ከም ቀንዲ ነዚ ቃልሲ እዚ ዘድልዮ ተሳታፍነቂ ኣንስትዮ ኢዩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ንናጽነትን ሓርነትን ኩሉንትነአን ወፍየን ተጋዲለን ክነሰን እንተኾነ እቲ፡ ድርብ ጭቆና ኣብ ዘመነ ህግደፍ ክልተ ዕጽፊ ኮይን ኡ ተደሪቡ ኢዩ መጺኡወን ዘሎ፡  ንሳተን ከደምቲ፡ ንሳተን፡ ተዋጋእቲ፡ ንሳተን መርወይቲ ስምዒት መኮንናት ህግደፍ፡ እንተ ኣብየን ዝወርደን መከራ ኸኣ ካብተን ዘጋጠን ምስምዑ የሓይሽ። ስለዚ ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ኣብ ጎድኒ ኣሕዋትክን ደቂ ተባዕትዮ ኮንክን እጃምክን ከተበርክታ ዝግበኣክን ምዃኑ ከዘኻኽረክን እፈቱ ። ሓደ ሰወራ ብዘይ ተሳታፍነት ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዘይተሳታፍነት ህዝቢ፡ ክዕወት ኣይክእልን ኢዩ። ፍርቂ ክፋል ህዝቢ ኤርትራን፡ ብድርብ ጭቆና ከም ዝተጮቅንክንን መጠን ንግፍዓዊ ምሕደራ በቃ የኣክል ኢልክን እትለዓላሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ። ግዜኽን ብሎሚ ጽባሕ ክሓልፍ የብሉን። ወዮ ደኣ ብተንኮለኛታት መራሕቲ ህግደፍ ኣብ ዋናታቱ ከይበጽሐ ተጨውዩ እምበር፡ ቀዳማይ ናጽነት ኤርትራ ብተሳታፍነት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ኢዩ ዝተዓወተ፡ ምኽንያቱ ተሳታፍነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ፡ ንደቂ ተባዕትዮ ተቓለስቲ ጽንዓትን ሓቦን ስለ ዘስንቕ። ስለዚ ክቡራት ኣሕዋት ተሳታፍነትክን ኣብዚ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ክዓዝዝ ይግባእ።

 

ኣብ ናይ መወዳእታ ሓሳባተይ ክጠቕሰን ዝደሊ ድማ መራኸቢ ብዙሃን ኢዩ፡መራኸቢ ብዙሃን/ሚድያ/  ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘበርክተኦ ዘለዋ ኣጃም ኣዝዩ ልዑል ኢዩ። ምድያታት ኤርታራ ብፍላይ ከኣ እዘን ኣብ ደገ ዝርከባ፡ ኣፍን መተንፈስን  ህዝቢ ኤርትራ ኮይነን ዝዓያ ዘለዋ ትካላት ሚድያ፡ ዝያዳ ኣጃመን ከዕዝዛ ኣለወን ኣዝብል ርእይቶ ኣሎኒ፡ ርግጽዩ ሚድያ ሚዛናዊ ክኸውን ኣለዎ፡ ይኾን ንምድሓን ህዝቢ ኤርትራ እንተኾይኑ እቲ መደብ፡ ህዝቢ ዝያዳ ክውደብን፡ ኣብ ከድምዓሉ ዝኽእል ተጠርኒፉ መታን ክዓዪ ጎስጓሳት ኣንተ ዘካይዳ እውን ኣድማዒ ምኾነ እብል።  ሚድያ ኣብ ዘመነ ቃልሲ ዘይሻራውያን ክኾና ኣይክእላን ኢየን። ስለዚ ነተጋደልትን ሓለፍቲ ምንቅስቓስን ኣብ ሚድያታት እናኣምጽኣ ቃለ መሕትት ክገብራን፡ ብዛዕባ ዝግበር ኩሉ ምንቃሳቓስት ተቓውሞ እንተ ዝሕበር ምሕባር  ጽቡቕ ምኾነ እብል። ምኽንያቱ ሓበሬታ/ኢንፎርሜሽን/ ሓይሊ ስለ ዝኾነ።

ብሓፈሻ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ በተሳታፍነት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ዝዕወት፡ ተረጊጹን ተገፊዑን ዝነብር ህዝቢ የልቦን፡ እዞም ሕጂ ዘይሓልፍ መሲልዎም ዝረግጹን ዘለዉ ገፋዕቲ ጽባሕ ንጎሆ፡ ብግልባጡ ከም ዝኸውን ጥርጥር የልቦን፡ ናትና ተሳትፍነት ግን ግድነት ኢዩ። ቅላሲ ንሓደን ክልተን ዝግደፍ ዘይኮነስ፡ ክሉ ብሓባር ይውቀጥ ክሳዕ ዘሎ ብሓባር ተሲኡ ነዛ ሃገር ከድሕና ግድነት ኢዩ። ሎሚ ከድሕን ዘይተበገሰ ጽባሕ ሃገር ምስ ጠፍኤት እንተ ተጣዕሰ ትርጉም የብሉን። ሃገር ንምድሓን በብእንኽእሎ ንወደብ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓደ መሪሕነት ንጠርነፍ፡ ኣፍ ዘኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር ስለዝኾነ እቶም ክንጋደል ዘይንኽእል፡ ነቶም ዝጋደሉ ዘለዉ ጉልበቶም መታን ከይዝሕል፡  ንመድሃኒትን ኮነ ንመግቢ፡ ንኽዳን ዘድልዮም ገንዘብ ክንሓልየሎምን ከነዋጽኣሎም ይግባእ። እዚ ክንገብር ዘይንኽእል እንተኾንና እታ ሃገር ምድሓና በይ ጥርጥር ክመጽእ ኢዩ፡ እቶም ኣብ ሕንፍሽፍሽን ኣብ ጸርፍን እምበር ኣብ ቁምነገርን ምድሓን እዛ ኣገርን ዘይንተግህ ግን ብታሪኽ ክንሐተት ምዃና ኣይንስሓት።

 

እግዚኣብሄር ንህዝቢ ኤርትራ ይባርኽ!

“ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና ኢዩ እሞ፡ ንሕና ባሮቱ ከኣ ተንሲእና ክንዓዪ ኢና”!!

ጠዓመ በርሀ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Simon G. January 24, 2015

    ጠዓመ፥
    ምኽርኻ ኣብ ኣእምሮና የስፍሮ!
    ከም ዝመስለኒ: ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ድንቁርና ‘ዩ። እስከ ንስኻ ትፈልጦም መጻሕፍቲ ዘንብቡ ክንደይ ኣለዉ? ኣነ ዝፈልጦም: መብዛሕቲኦም ካብ ዘንብቡ ቤላበለው ሰሚዖም ክደግሙ ይመርጹ። ዘይንብብ ሰብ ክምዕብል ኣጸጋሚ ዩ። ከምኡን ወዲ ከምኡን ምስበዝሐ ዓዲ ድሕሪት ትተርፍ። ስለምንታይ? ድሑራት ሰባት ስለዝበዝሑ። ብዛዕባ ኣብ ዓለም ዝካይዱ ነገራት እዝኒ የብሎምን። ክንደይ ሰብ ኣሎ መዋእሉ ኣብ ኣመሪካ ተቐሚጡ፥ ኣመሪካ እንታይ ምኻና ዘይፈልጣ። ናይ ቦታ ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ዘይተመሃሩ ስለዝኾኑ ኣይኮኑን ዘይንብቡ። ብዙሓት ባችለር ድግሪ ሒዞም መጽሓፍ ገንጺሎም ዘይፈልጡ ኣለዉ። በንጻሩ ድማ መባእታ ትምህርቲ ዝቐሰሙ መጻሕፍቲ ተምሲሖም ዝድረሩ ዝፈልጦም ሰባት ኣለዉ። ኣተሓሳስበኦም ድማ ካብቶም ምሁራት ኢና ዝብሉ ንላዕሊ።
    ንኣብነት: “ዝሓሸሽናዮ ዕድል ፈጢርና፣ ንነብስና ካብ ጣዕሳ፣ ንሃገርና ካብ ውድቀት ነድሕን፦ – ቃል ኣሰና” ከምኡ ድማ “እዛ ናትካ” ጽሕፍቲ ‘ሞ ተወከስ፥ ክንደይ ርኢቶ ተዋሂብውን?
    ብዙሕ ሰብ ተዘንብበን ኔሩ: ካብ ብዙሓት ርኢቶ ምቐረበ። በንጻሩ: ናይ ኣማኑኤል ጽሕፍቲ 56 ሰባት ርኢቶ ሂቦም። እታ ጽሕፍቲ ‘ኳ ጽብቕቲ ተኾነት: ዝበዝሕ ሰብ እንቋዕ ደሓን መጻእካ ዝብልን ብዛዕባ ሃይማኖትን ጥራይ ኔረን።
    ኤርትራውያን ደናቁር ኢና። ከምኡ ስለዝኾና ድማ ንድሕሪት ተመሊስና። ግን: ኩላትና ፈላጣት ኢልና ንኣምን። ከምኡ ድማ ትዕቢት ይፈጥር።
    ስለዚ ድንቁራና ነጥፍእ።

  • kidane Beyene January 24, 2015

    ኣነ ድማ ካብቲ ናታትኩም ቁሩብ ዝተፈልየ ርእይቶ እዩ ዘሎኒ። እቲ ምንታይ፡ ንሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ከተማ ክሳብ ገጠር፡ ካብ ከበሳ ክሳብ ቆላ ዘሕለፎ መሪር ቃልስን፡ እተን ሓርነታዊ ውድባት ዝነበራ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ኣብ ልዕሊዚ ውጹዕ ህዝቢ ዘውረድኦ ስነ ኣእምሮኣው፡ ቁጠባዊ፡ ኣካላዊ፡ምምሕዳራዊ ሃስያ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ክብል ከለኹ፡ ብፍላይ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ገጠራት ኤርትራ ዝፈጸመቶ በደላት ንመጻኢ ታሪኽ ምስተገንጸለ ብዙሕ ክንሰምዕ ኢና። ሓደ ምንቅስቓስ ዲሞክራሲያዊ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ እቲ ሓፋሽ መንነቱን ያቱእን እንድሕር ኣረኪብዎ ጉዳይ ኣብ መጀምርታኡ ተወዲኡ ማለት ኢዩ። ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍል ሃገርና ብፍላይ ከኣ ኣብተን ዝተሓረራ ገጠራትን ከተማታትን ኤርትራ ዝነበሩ ጀማሂርን መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ብመደብ ነቲ ያታዊ ሰረት ዝነበሮ ባህልናን መንነትናን በርቚቆም ከምዝድርበ ብምግባር ንህዝብና ካብቲ ተከባቢሩ ዝመሓደረሉ ዝነበረ ሕጊ እንዳባ ኣውጺኦም ከም ሽም ንህቢ ዘይብሉ ፋሕ ከምዝብልን ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ምቁጽጻሮም ከምዝውዕል እዮም ገይሮሞ። በዚ ድማ ንህዝብናን ተጋደልትናን ብራዕድ ሰጥ ለበጥ ኣቢሎም ከምዝግዛእ ገይሮሞ። እቲ ኣብቲ እዋን ዝሰረትዎ ሚላኦም ክሳብዛ እዋንዚኣ ብፍርሕን ሽቑረራን ከምዝነብር ገይሮሞ ይርከቡ። እቲ ሓብታም ዝነበረ ሕዚ ኣበሓጎታትናን ወልዶታትናን ኢሳያስን እቶም ንሱ ዝበሎም እናደገሙ መደባቱ ዘተግብሩ ዝነበሩ ደቂ ሃገርን፡ ከምዝብረዝ ገይሮሞ እዮም። ሎሚ ኤርትራና ብቅዋማዊ ስርዓት ዘይትመሓደር ሓንቲ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኮይና ኣላ። ኢሳያስ ዊን ብዝበሎ ብመዓልታዊ ኣዋጃት የመሓድራ ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ ግና እቲ ዘፍርህ ኤርትራዊ መንነት ዘይብሎም ጁጅ ማንጁጅ ሃገር ከምትጉባእ ምግባሩ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ቅድም ዝሃንደሶን ዝፈጸሞን ገበናት ክሽፍን ክብል ጊጋ ኣብ ልዕሊ ጌጋ ምፍጻሙን እዩ። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ኢደይ ኢድካ ኢልና ነዚ ዝሞሽሞሸ ስርዓት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ናብ ግብኣተ መሬቱ ከነፋንዎ ይግባእ። ኣብ መቓብሩ ድማ ዲሞክራሲያዊትን ምዕብልትን ኤርትራ ክንምስርት ይግባእ።

    እዚኣ ወድሓንኩም ደቂ ኢረ

POST A COMMENT