Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ተዋጺኦም ናብ ጀርመን ዝወሓዙ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ጀርመን ዝወሓዙ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ፡ ኣብ ከተማ ጊሰን ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝዅንን ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ እናተኻየደ ኸሎ ምስ ድምጺ ኣሰና ብቐጥታ ኣብ ዘካየዱዎ ዝርርብ

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ጀርመን ዝወሓዙ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ፡ ኣብ ከተማ ጊሰን ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝዅንን ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ እናተኻየደ ኸሎ ምስ ድምጺ ኣሰና ብቐጥታ ኣብ ዘካየዱዎ ዝርርብ ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ውሽጢ ሳልስቲ ብዝተገብረሎም መጸዋዕታ ካብ ስዊዘርላንድ፡ ሽወደን፡ ሆላንድ ዓዲ ጥልያንን ንሓያለ ሰዓታት ብመካይን ተጓዒዞም ኣብ ጀርመን ምስ ዝጸንሑዎም  ደለይቲ ለውጢ ተጸምቢሮም፡ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ልዕሊ 700 ኤርትራውያን፡ እቲ ናይ ሎሚ ሰልፊ ብዓይነቱን ኣወዳድባኡን ዝተፈልየ ምንባሩ፡ ንናህሪ ተቓውሞ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ መሊሱ ንቕድሚት ከምዝደረኾ ኣገንዚቦም።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጀርመን ብታሕቲ ታሕቲ ዝተዓደሙ ቀንዲ ደገፍቲ ‘ቲ ስርዓት፡ ካብ ኤርትራ ብዝመጹ ደረፍቲ ኣብ ወጋሕ ትበል ለይቲ ክሓድሩ ኣብ ዝኣትዉሉ ዝነበሩ መሰ ሃለ ዝተባህለ ኣዳራሽ እዩ ተኻይዱ።

እቶም  ካብቲ መወዳእታ ዘይብሉ፡ ንመንእሰያት ከም ገላዩ ብዘይደረት ዝቐየደ ኣገልግሎት ስርዓት ህግደፍ ኣምሊጦም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ተሰዲዶም ብዘለዉ መንእሰያት ተዓብሊሉ ዝነበረ ሰልፊ ተቓውሞ ናህርን ቁጥዐን ‘ውን ከምዝነበሮ፡ ነቶም ስቓይ ህዝቦም ዕሽሽ ኢሎም ምስ ልኡኻት ዲክታተር ክድንሱ ዝኸዱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዘሕንኽ ከምዝነበር ‘ውን እቶም  ተሳተፍቲ ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ሎሚ ኣሰና ምስ ተሳተፍትን ወደብትን ናይቲ መደብ ዘካየደቶ ዝርርብን ሃዋህው ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገልጽ ጸብጻብን ኣብ ናይ ጽባሕ ሰኑ መደብና ተኸታተሉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • daniel woldu October 4, 2011

    H.g.d.f enemy of eritrean people dame hgdf work for dictaters why don/ t you work for the innosent your oun people damyass

  • Rimabi2 October 5, 2011

    It is sad to here a young from Eritrea to read a comment, which was wrote by some one from Eritrea and supporting to the current SHIFTA ruling the country beyond the limit. At this time most Eritrean youths are under ground weather at prison or massacred in war causing border. This is not due to the border this is clearly Issayas need to extend his power and in order to do this he suppose to kill people specially youth who are the future of Eritrea. He is killer, slaughter( Ketali. Haradi, meneseyat b gamla nab kinat yeitiyu zehlik eyu) nezi entedea hasot tbl keanka nska neti adi bishimn beta ab werhi werhi etnibebelkum sercular nay HGDEF temerihka tikeyd zeleka aynesuwur silazikonka mihret yewrdelka kibleka yifetu keyteredaka ni ketedakir elka entedea titshif alleka keanka dea DEM naytom b gifea Esseays zitekezefun zikizefu zelewu Nutsuhat Ertrawian eshelat Aykihadgekan eyu kithitetelu eka ewun. AHWAKULATNA NI HAKI HARER NIBEL MELELEYNA HASEWTN AMETSTIN KEYKEWIN NITENKEK ezi lomi nitshfo zelena tsbah kehtitena eyu.

POST A COMMENT