Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ዓዲ ዃላ ናብ ሳዋ ተማሃሮ ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ ኣብ ጥንቁልሓስ ከቢድ ሓደጋ ኣጋጥሚሙዋ 25 ተማሃሮ ብኣሰቃቒ ኩነታት ከምዝሞቱ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ትማሊ ሰኑይ ካብ ዓዲ ዃላ ናብ ሳዋ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ ኣብ ከረን ሕልፍ ኢላ ኣብ ጸድፊ ጥንቁልሓስ ከቢድ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ፣ 25 ቆልዑ ብኣሰቃቒ ኩነታት ከምዝተቐዝፉ ምንጭታት

ትማሊ ሰኑይ ካብ ዓዲ ዃላ ናብ ሳዋ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ ኣብ ከረን ሕልፍ ኢላ ኣብ ጸድፊ ጥንቁልሓስ ከቢድ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ፣ 25 ቆልዑ ብኣሰቃቒ ኩነታት ከምዝተቐዝፉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ብዙሓት ብኸቢድ ዝቖሰሉ ውን ስለዘለዉ ቁጽሪ ናይቶም ምዉታት ክውስኽ ከምዝኽእል እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

በቲ ሓደጋ ዘስካሕከሐ ህዝቢ ከረን፣ ብኽብደት ናይቲ ሓዘን ደንዚዙ ብኽያት ኣብዩዎ፣ ናብ ምህለላ ከምዝኣተወ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት (2014) ሓንቲ ካብ ከረን ናብ ጋሽ ባርካ 53 ሰባት ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ፣ ኣብ ጥንቁልሓስ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ፣ 12 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 26 ከምዝቖሰሉ ይዝከር።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ምኽንያት ቅዝፈት ብዙሕ ህይወት ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሎ ተደጋጋሚ ሓደጋታት ጥንቁልሓስ ሓንሳብ ኣብ እርጋን መኪና፣ ሓንሳብ ኣብ ጽርግያ ሓንሳብ ኣብ ኣውቲስታ እናጸግዐ ካብ ሓላፍነት ክሃድመሉ እምበር መስረታዊ ፍታሕ ክገብረሉ ዘይምፍታኑ ብህይወት ኤርትራውያን ከምዘይግደስ ዘመልክት እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
42 COMMENTS
  • Habte August 5, 2014

    ኣንቱም ህዝቢ ገለ ነገር ንባላሓት (ንፋላሰፍ) ካብዚ ዝኸፍእ ከይመጸና እንከሎ!!!!
    ኣብ ባይታ ዘሎ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ገምጊሞም ፍታሕ ክናድዩ ዝኽእሉ ናይ ስትራተጅን ፕላንን ክኢላታት (ሊቃውንቲ) የብልናን ዲና?

    ኣብ ደገን ውሽጥን ዘሎ ህዝቢ ተወሃሂዱ ሓደ ተግባራዊ ሪቮልት (Revolt) ንኽግበር ኣፈናዊ መደብ ንግበር።
    ኣብዚ ፎርም ዝተፈላለየ ርእይቶታት ክንቀያየር ንኽእል ንኸውን። ደጋጊምና ኣብዚ ምቑዛም ግን ፍታሕ ኣይከምጽእን እዩ።
    ካብዚ ዘለናዮ ሽግር ንምውጻ ሃዲእካ ብልሓት ምንዳይ ጥራይ’ዩ ካብዚ ኣሰቃቒ መዓልታዊ ህልቂት’ዚ ከውጽኣና ዝኽእል!!

    • m August 6, 2014

      we can do nothing only we cry like monkyss, the only hero man wadi Ali forto he is dying,the others only talking

  • Genet-orginal August 5, 2014

    Isayas and PFDJ are the death of our youth. And that is a fact. Just look at the past 23 years.

    R.I.P my brothers and sisters. Sorry we let you down.

  • ahmed saleh August 5, 2014

    A nation where the death rate of young
    age exceeds the number of old age deaths .
    Enemies of Eritrea ; war after war in
    addition outlawed practice of injustices cause to consume many young lives in front our own eyes for the last decades
    till this present period .
    Poor our youth the condemned and forgotten generation victims of politics.
    Eh! Hgdf mendef idkum terkibelkum

  • independent death August 5, 2014

    we are dying inside & outside.

  • Abreham August 5, 2014

    ኣብ ዓዲ ኻላ ቡዙሕ ኣውያት ተስምዓ ‘ ብዳንኪራ ሐዘን ውን ተናወጸት ፡ ኣደታት ናይ ምረት ድምጸን ዳሕደሖኦ ንብዓተን ድማ ናብ ምድሪ ኣስረብኦ ኣቦታት ውን ሐዘኑ ንብዓቶም ድማ ናብ ከርሶም ወሐጥዎ ፡ ኣብ ክንዲ ንመርዓ ኣብ ክንዲ ንሕጸ፡ ገሊኦም መምህራን ዶካትር ገለ ፍላስፋ ገለ ውን ወዘተ ፡ ዕሽል ዕድሚኦም ብሐደጋ ተፈጸመ ፡ ንኹልኹም ኣብ ዚ ሐዘን ዝሐዘንኩምን ወለዲ ኣብ ወጻኢ ዘለኹም ጽንዓት ይሀብኩምን ይሀበናን መንግስተ ሰማይ የውርስ ሐይሊ ይሀብ ፡

  • mohammedkeren August 5, 2014

    This is a complete lie. I live in keren and the bus had minor accident but all the passengers were unharmed.
    Ammanuel eji ke’a b’kolU dekina mexiEkana

  • WediHagher August 5, 2014

    This is the work of a regime who spent more than two decades speaking only about roads and micro dams while turning the whole country into a big jail.

  • Asghedom Woldeghiorghis August 5, 2014

    Meskerem, is this information of Assena is correct or not, I haven’ seen it in your website, you copied it from assena to say what.
    Meskerem it is not good for you to give proper information to the eritreans as what Assena is doing.
    You are yet on dancing snd shooting , eyassa or mot, I am sure you will dye with regim very soon.

  • ahmed saleh August 5, 2014

    mohamedkeren
    Following your previous comments it looks that you have sinister purposes not take your words seriously .

  • ambabi August 6, 2014

    well the nation is now with out government. Every time Eritrans are dying every where in masses just because of the evil dictator

POST A COMMENT