Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ISIS ዘምለጡ ክልተ ኤርትራውያን፣ ዓሰርተታት ኤርትራውያን ስደተኛታት በቶም ኣይሰስ ተባሂሎም ዝፍለጡ ጥሩፋት እስላማውያን ኣብ ሊብያ ተታሒዞም ከምዘለዉ ብምጥቃስ፣ ኤርትራውያን ኣብ ኢድ እዞም ጨካናት ጉጅለ ከይወድቁ ብጽኑዕ ኣተሓሳሲቦም።

ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን በቶም ISIS ተባሂሎም ዝፍለጡ ጥሩፋት እስላማውያን ድሕሪ ምትሓዞም ዘምለጡ ክልተ ኤርትራውያን፣ ምስኣቶም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ዓሰርተታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ትሕቲኦም ተታሒዞም ከምዘለዉ ብምርግጋጽ፣

ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን በቶም ISIS ተባሂሎም ዝፍለጡ ጥሩፋት እስላማውያን ድሕሪ ምትሓዞም ዘምለጡ ክልተ ኤርትራውያን፣ ምስኣቶም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ዓሰርተታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ትሕቲኦም ተታሒዞም ከምዘለዉ ብምርግጋጽ፣ ኤርትራውያን ኣብ ኢድ እዞም ጨካናት ጉጅለ ከይወድቁ ብጽኑዕ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ሓደ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ካብቲ ሓደጋ ዘምለጠ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ሓደ ግን ካብቶም ኣብ ከባቢ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ካብቶም ኣይሰስ ብኻራ ዝሓረዱዎምን ዝረሸኑዎምን ግዳያት ብህይወት ዝተረፈ እዩ።

ክልቲኦም እቶም ኣብ ዝተሓርዱን ዝተረሸኑን ግዳያት ብዘይካ በጻብዕቲ ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን፣ ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ብዘይካ ‘ቶም ኣይሰስ ብቴለቭዥን ስኢሉ ንፕሮፖጋንዳ ዝተቐጥመሎም 30 ኣቢሎም ዝኾኑ ግዳያት ካልኦት ኣስታት 20 ኣቢሎም ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኣይሰስ ህይወቶም ከምዝጠፍአ’ውን ኣገንዚቦም።

ብመሰረት ሓበሬታ ናይቶም ክልተ ግዱሳት ኤርትራውያን፣ እቶም ዝተረሸኑን ዝተሓርዱን፣ ብዕድሚኦም ዓበይቲ ስለዝኾኑ ወይ ድማ ተረርቲ ስለዝኾኑ ብቐሊሉ ሃይማኖቶም ናብ እስልምና ክቕይሩ ኣይክእሉን እዮም ተባሂሎም ብኣይሰስ ዝተለለዩ ምዃኖም ‘ውን ኣረዲኦም።

እቲ ሓቂ እዚ ስለዝኾነ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ መንእሰያት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ መታን ከይወድቁ ዓቕሊ ክገብሩ፣ እቶም ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘለዉ ድማ ልዑል ጥንቃቐ ከካይዱ ኣተሓሳሲቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዝርርብ ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ድምጺ ኣሰና ተኸታተሉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Dan July 3, 2015

    ISIS is a satanic group with an ideology similar to Nazism. Anyone who falls in their hands will be surely killed. They don’t care much about any ones religion. Those in Sudan should avoid dealing with Eritrean and Sudanese smugglers, because these people are criminal too. They know that people in Libya are being killed and despite that they will tell people the road is safe and they can travel to Europe through Libya.

  • Keren July 3, 2015

    ዝኸበርካ ባዛንተ መሓመድ ሱሌማን፤

    ፈለማ እንቋዕ እግዚሄር ኣውጻኣካ። ነዚ ዚሃብካዮ ናይ ሓቂ ታሪኻዊ ምስክርነት ናይ ማሕረድቲ ህልቂትን ናይ ኤርትራውያን ኣብ ኢድ ጨካናት ጥሩፋት እስላማውያን ዳዕሽ ዝለዓለ ምስጋና ይብጻሕካ ። ካብ ኩሉ ዝገረመኒ ናይ ሓቂ ምስክርነትካ እቲ ማእሰርትን ማሕረድትን ጭካነን ኣብ ሃገራት ዓረብ ናብ ኤርትራውያንን ካለኦት ሓበሻን ስለምናታይ ከም ዝቐንዔ፤ ኤርትራውያን መንእሰያት ብፍርህን ራዕድን ተዋሒጦም ነዛ ነብሶም ክሕሉዉ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ ከም ዝበጽሑ፤ ግዳይ ናይዞም ኣረሜን ኣብ ሊብያ ማለት እሱራትን መወትን ዝበዝሑ ኤርትራውያን ክርስትያን ምዃኖም።

    ሕጂ ንኤርትራ ራሕሪሖማ ሃጽ ኢሎም ዝጠፍኡ ዘለዉ መብዛሕትኦም ትሕተ ዕድመን ደቀንስትዮን ምዃኖም፤ ህድማ መፍትሒ ሽግር ኤርትራ ከምዘይኮነ። ኤርትራን ኤርትራውነትን ይጸንትን ይጠፍእን ከምዘሎ። ኤርትራ ህድማ ጥራይ ኮይና፤ ቀደም ግና ንኢትዮጵያ ከይተረፈ ነማሓድር ኔርና። ኤርትራውነት ስጋብ ክንደይ ከምዝሕፍርን ከምዘነውርን ዝተፈንፈነን መንነት ከምዝኾነ፣ ኣማን ብኣማን ሓቂ መስኪርካ። ኣብ ልብና የሕድሮ፤ ምስትውዓል ይሃበና።።

    ዝኸበርካ ሓዉ ንምስክርነትካ ዝለዓለ ምስጋና እንደገና ይብጻሕካ።

    ዝኸበርካ ኣማኑኤል እያሱ፣ ነዚ ጉዳይ ተኻታቲልካ ነቶም ዝትረፉ ውጻእ መዓት ተመሳሳሊ ቃለ መሕተት ግበረሎም፤ ንታሪኽ መዝገብ ስለዝኸውን።

    ==================================

  • hp July 3, 2015

    ህዝቢ ጣቋ ዝሰኣነ ይመስል።”ኢንተዘይትንውንወኒ ኣይምጰደፍኩን”ከምዝበሃል ስርዓት ኢሳያስ ካብ በይትና ምስጓግ ከምቁቡል ኢስከ ንበሎ፡ኢቲ ዝያዳ (ሎሚ) ኢሞከኣ ድሕሪ ዝኹሉ ምት ስሃራን ባሕርን ኢቶም ገንዘብና ብምሃብ ንቁዝም ዘለና ኢስከ ሕልናና ንሕተት በሃላይ ኢየ። ኢዚ ጥራሕ መኣስ ኮይኑ፡ንካራ ዝፈርሕ ካራ ዝስሕል ኣይመስለንን ምበልኩ ግን፡ካራ ኢሰያስን’ፈሪሕካ ካራ ዳዕሽ? ንሕሰበሉ’ድኣ።

  • Erimias S July 4, 2015

    Extremism is sown and breed when one starts to believe his Islam is the correct one and the rest are of the misguided sects, and unfortunately this is what is happening with the ISIS extremists that they believe only their Islam religion is the correct religion and the rest of other religions not correct ones. Peace be upon us.

POST A COMMENT