Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካልኣይ ዳግመ-ርኽክብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ – ጋዜጣዊ መግለጺ

ካልኣይ ዳግመ-ርኽክብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ሓምለ 12/ 2013 ክሳብ ሓምለ 14/2013፡  ካልኣይ ዳግመ-ርኽክብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣትላንታ(ጆርጂያ) ብዓወት ተዛዚሙ። መሰረታ ዊ ዕላማታት ዳግመ-ርኽክብ ተ.ሓ.ኤ.፡  ናይ ሓባር ተመኩሮ  ንምዝካርን ንምኽባርን፡  ተመኩሮታት ንምምዛን ፡

ካልኣይ ዳግመ-ርኽክብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ጋዜጣዊ መግለጺ

ካብ ሓምለ 12/ 2013 ክሳብ ሓምለ 14/2013፡  ካልኣይ ዳግመ-ርኽክብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣትላንታ(ጆርጂያ) ብዓወት ተዛዚሙ። መሰረታ ዊ ዕላማታት ዳግመ-ርኽክብ ተ.ሓ.ኤ.፡  ናይ ሓባር ተመኩሮ  ንምዝካርን ንምኽባርን፡  ተመኩሮታት ንምምዛን ፡  ሓበራዊ  ማሕበራውን ባህላውን ርብሓታት ንምዕቃብን ንምምዕባልን ኢዩ። ነዚ ሽቶታት`ዚ ንምዕዋት፡  ኣብ`ቲ ተመኩሮታት ምርኩስ ገይሩ ንፍልልያት ዝለዓለ ክብረት ይህብ። ናይ ምጽውዋር ባህሊ ይኹስኩስ። ክፉት ኣተሓሳስባ ኣብ መንጎ ተሳተፍቲ የተባብዕ።

ተመኩሮ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ኣእምሮ ናይ`ቲ ንዕስራታት ዓመታት ካብ ባዕዲ ከተናግፎ ዝተቓለሰትሉ ህዝብን፡ ሓርበኛታት ተቓለስትን ህያው ኮይኑ ዝጸንሐ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ እዚ ታሪኽ `ዚ ብሓበን ክዝከርን ብግቡእ ተሰኒዱ ንትውልዲ ክመሓላለፍ ናይ ዳግመ-ርኽክብ ዝዓበየ ዕማም`ዩ።

ካልኣይ ዳግመ-ርኽክብ፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ተቓለስቲ ዝነበሩን ግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣትላንታን፡  ካብ ዝተፋላለለ ቦታታት ሰሜን ኣሜሪካ ዝመጹን ተሳቲፎሞ። እቲ ዝቐረበ መደባት- ብስእሊ ዝተሰነደ ኣስተምህሮታት፡ ብውልቀን ብፓነል- ዘተ (መኣዳዊ ዘተ) ተወዲቦም ዝቐረቡ መደረታትን ክትዓትን ብዕምቆት ዘትዩሉ።

ዕላማታት ዳግመ-ርኽክብ ዝያዳ ክሰፍሕ፡ ንኡስ ወለዶ ክሳተፎ ዘኽእል መደባት ይጸናዕ፣  ምስናድ ታሪኽ ቀንድን መሰረታውን ዕላማ ይኹን፣ ናይ ዳግመ-ርኽክብ ሽማግለታት ኣብ ኩሉ ከተማታት ይቑማ፣ ብኣህጉራዊ ደረጃ፡ ናይ መራኸቢ መርበብ ይሃሉ፣ ምጥዋር ውግኣት ሓርነት ሓላፋነት ምውሳድ፣ ብማዕረ ማዕሪኡ ክኸዱ ዝግበኦም መደባት ክህልዉ ይተሓሰቦ፡ ንዝብሉ ሓሳባት- ዕዘት፡ ርዝነትን፡ ኣኽብሮትን ብዝመልኣ  ዘትዩሉ።  ካብ ስክፍታታት ንዝነቕሉ  ሕቶታት`ውን መሊሱ።

ዳግመ-ርኽክብ፡ ኣበጊስዎ ንዘሎ ዕላማታትን ክትዓትን ንኽቕጽል፡ ኣብ ሳልሳይ ርኽክብ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ዳግም ንኽራኸብ ተሰማሚዑ። ተቐማጦ ከተማ ኣትላንታ፡ ነዚ ካልኣይ ዳግመ ርኽክብ ክዉን ንምግባር ዝፈጸምዎ ልዑል ምቅርራብን ልግስን ዝለዓለ ሞጎስ ቀሪብሎም። ሳልሳይ ርኽክብ፡ ኣብ ኣትላንታ ንኽድገም ዘቕረብዎ ተባዕን ሰናይን ሓሳብ`ውን፡ ንህርኩት ተወፋይነቶም ዘንጸባርቕ ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ ንኹሎም እቶም ክሳብ ሕጂ ዘይተሳተፍዎ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ዝተቓለሱን ኣሕዋት ኤርትራውያንን፡  ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ክሳተፍዎን፡ ኩሉ ዝክኣል ኣበርክቶ ክገብሩን፡ ብኣኽብሮት ልባዊ ዕድመ ይብጻሓዮም።

 

ወለንታዊት ኣተሓባባሪት ሽማግለ

                                                            ሓምለ 18/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Hafash July 22, 2013

    Congratulations to them, and they do have every right to have a yearly get together. Congratulations again!

  • Kalighe July 23, 2013

    Iseyas and his group removed you from history books in Eritrea. But I think you are about to get back on the stage by starting to write your own history yourself. Welcome !!

  • ባሻይ July 24, 2013

    እንቛዕ ሓጎሰኩም ደቂ ኣቦይ ሓርነት፡ ዳግማይ ተራኺብኩም ጀብሃውን ሃገራውን ትሓድሶ ብምግባርኩም፡ ኣዳለውትን ዕዱማትን እንቓዕ ኣብዚ ኣብቀዓኩም። ታሪክ ተ.ሓ.ኤ ታርክ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ.ጀማርን ጨራሽን ኢዩ ዋላ ብውልቀ-ሰብ ይንበሮ፡ ኣካል ነጻነት ኤርትራ’ዩ። ወዮ ደእ ስደት ናቱ ማሓንቆ ዝፈጥር ኮይኑ’በር ምሳኩም ምውዓል ወይ ምቅናይ፡ ታሪክካን ታሪኽ ህዝብካን ብጉቡእ ምስናዱ ዝግበር ወፈራ ታሪኻዊ ሓላፍናት’ዩ ። ንሳልሳይ ርክብ ብሰላም የጽንሔና።

POST A COMMENT