Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካልኣይ መጸዋዕታን ኣገዳሲ ሓበሬታን ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ ን23 ሰኔ 2016 (ስዊዝ)

  ክቡራትን  ደለይቲ ለዉጥን ተቓለስትን  ኤርትራውያን ከም ዝፍለጥ፡ ኣብ ዓለም መዳርግቲ ዘይርከቦ መስዋእቲ ተኸፊልዋ፡ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተጉዋናጸፈት ሃገርና ኤርትራ፡ ነቲ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መዝሚዞም፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ብዝሓኾሩ ‘መራሕቲ’፡ ተጠሊማ፡ እቶም ውልቀመለኽቲ ደቐይ ኢሉ ዝሓቖፎም ህዝቢ፡ ደም

 

ክቡራትን  ደለይቲ ለዉጥን ተቓለስትን  ኤርትራውያን

ከም ዝፍለጥ፡ ኣብ ዓለም መዳርግቲ ዘይርከቦ መስዋእቲ ተኸፊልዋ፡ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተጉዋናጸፈት ሃገርና ኤርትራ፡ ነቲ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መዝሚዞም፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ብዝሓኾሩ ‘መራሕቲ’፡ ተጠሊማ፡ እቶም ውልቀመለኽቲ ደቐይ ኢሉ ዝሓቖፎም ህዝቢ፡ ደም የንብዕዎ ኣለዉ። ነቲ ህዝቢ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ምንፋጎም ከይኣክል፡ ሓርኮትኮት ኢሉ መዓልታዊ ህይወቱ ከይፍጽም፡ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ኩናት ወሊዖም፡ ኣብ መጋርያ ሓዊ ብምጥባስ፡ ወግሐ-ጸብሐ ዉግእን ወረ-ዉግእን ብምግዋሕ፡ ኣብ ሸቐልቐል የንብርዎ ኣለው። የግዳስ፡ ከምቲ ኣናፎለስ (Anopheles) ጣንጡ፡ ኣብ ጀቕ-ጀቕ መሬት እምበር ኣብ ንቑጽ ቦይታ ዘይትርከብን ዘይትራባሕን፡ ዉልቐ-መለኽቲ እዉን፡ ኣብ ዕግርግርን ቕልዉላዉን እምበር፡ ኣብ ሰላምን ቅሳነትን ክነብሩን ክሰርሩን ከም ዘይኽእሉስ፡ ህሉው ኩነታትን ሕሉፍን ታሪኽ ዓለምን ስለ ዝምህረና፡ ኣይሕድሰናን እዩ።

እምበኣር ካብዚ ብምብጋስ ኢና፡ እቶም ኣብ ዲሞክራሲያዊ ዓለም፡ መሰል እንስሳታት ከይተረፈ ዝኽበረለን ሃገራት እንርከብ፡ ደለይቲ ዲሞክራሲያዊ ለዉጢ ዜጋታታ፡ ነዚ ን 23 ሰነ 2016 ኣብ ጀነቫ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ እንዉድብ ዘሎና። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ዚ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም፡ ሓላፍነታውያን ዜጋታት ከካይድዎ ዝጸንሑ ንጥፈታት ኮይኑ፡ ‘ደጊም ይኣክልኢሳያስ ቀታልን ኣጽናትን ስለ ዝኾነ  ንፍርዲ ይቅረብ’፡ ዝብል መሪሕ ቴማ፡ ብዉሑዱ ነዘን ዝስዕባ 7 ንጥፈታት ንከንተግብር ንብገስ ኣሎና።

  • ኣብዛ ስርዓት ህግደፍ፡ ብምልኪ ሓኒቁ ተቁጻጺሩዋ ዘሎ ሃገርና ህዝቢ ቀሲኑ ብሓርነት ክነብር ስለዘይክእል፡ ስልጣን ንኽለቕቅ ንምጥላብ
  • ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ጎድኒ ህዝብና ምህላውና፡ ዳግማይ ንምርግጋጽ
  • ንሓይልታት ምክልኻል፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ደዉ ንኽብል መጸዋዕታ ንምቕራብ
  • ትም በሃልቲ (Silent Majority)ዲያስፖራ፡ ንሕልንኦም ከሕኩ ንምዝኽኻር
  • መርማሪት ኮምሽን እቲ ምልካዊ ስርዓት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ብምውሳን ኣብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ንዘቅረቦ ጻውዒት ብዘየማትእ መንገዲ ደገፍና ንምግላጽ
  • ኣብ መሪሕነት’ቲ ስርዓት ዝቕንዐ ማዕቀብ (targeted/ smart sanction) ክጸንዕ መርማሪት ኮምሽን ንዘመሓላለፈቶ ጽውዒት ልዑል ደገፍ ንምሃብ
  • ኣብ መወዳእታ ድማ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዚ እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘ መርማሪ ኮምሽን[ውን ዝመስክረሉ ካብ ባርነት ዘይፍለ ግዳድ ዕስክርና፣ ማዕሰርት፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ምስዋር ሃላዋት፣ ቅትለትን፣ምጽናትን ምብትታን ስድራቤታትን ዝርከቦ ሰፊሕ ግሕሰት ሰብዓዊ ምሰላትን ገበናት ኣንጻር ሰብዓዊነትን ብምፍጻም ቀንዲ ምንጪ ስደት ኮይኑ ኤርትራዊ ኣድዳ ጅምላዊ ህልቂት ምድረበዳን ባሕርን ከምዝኸውን ጌይሩ ህዝቢ የጥፍእ ስለዘሎ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንደሕንነቱን ቀጻልነት ሃገሩን ክለዓል ንምጽዋዕን እዩ

ካብ’ዚ ዕላማታት ዚ ተበጊሱ ኩሉ ደላይ ለውጥን ንለውጢ ዝቓለስን  መሓዛ ህዝቢ ኤርትራን ብሓደ ዕላማን ስሙር ውደባን ነዚ ብ 23 ሰነ 2016 ኣብ ጀነቫ ዝካሄድ ሰላማዊ ሰልፊ ተረኺቡ ምሳና ክውዕል ንጽውዕ።

(N.B ኣብ ቀዳማይ ጽሑፍና ኣስማት ውድባትን ምንቕስቓስን ክንዝርዝር ከሎና ነተን ኣብ ስዊስ ኣብ ትሕቲ ጽላል ደንበ ተቓዉሞ ስዊስ ነቲ መደብ ዘእንግዳ ዘለዋ ንምግላጽ ዝዓለመ ጽሑፍና ንገለ ውልቀሰባት ዲዩ ጥርናፈታት ጌጋ ተርድኦ ከይሕብ ብትሕትና ንሓትት። እንተ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ግን ናይ ኩሉን ንኹሉን ንመላእ ህዝብና ዘሕበረ፣ ሙዃኑ ደጊምና ነረጋግጽ

ንምጥቕላል፡ እዚ ኣብ 23 ሰነ 2016 ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ውራይ ናይቶም ፡ ‘ብሃገርና ንግደስ ኢና፡ ስቓይ ህዝብና የሕምመና ኢዩ’፡ ንብል ዜጋታት፡ ስለ ዝኾነ ምዉዳቡን ምንጪ ቑጠባኡን ንሕና ምዃና ተረዲእና ካብ ዝሓለፈ ንላዕሊ ዝያዳ ክንሰርሕን ክነውፍን ባኣካል ተረኺብና ክንሳተፎ እናተላቦና ብደሓን ምጹ! ብደሓን ምጽኣ! ንብል

ኣብ ሳልሳይ ጽሑፍና  ኣገዳሲ ሓበሬታትን ንሰላማዊ ሰልፊ ዝምልከት ንህዝቢ ክትህብ’ያ።

ኣድራሻ ውፈያ

https://www.youcaring.com/geneva-23-demo-donatenow-579149#.V1H3T-TNX0Q.facebook
ቴሌፎን 0041 76 382 86 06

ንሓብሬታ ቴሌፎን

004178 865 70 77

004179 777 34 23

004176 596 49 95

ኢመል

E-mail demo.geneva23@gmail.com

ሰማእታትና ብግብሪ ይዘከሩ!

ዓወት ነቲ ዉጹዕ ህዝቢ!

ኮሚተ ዉዳበ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Senait June 14, 2016

    good job assena. Ignore about the so called war news (at least for upcoming week) just concentrate to Geneva demonstration.

  • Desalegn June 14, 2016

    ዕለት: 15/06/2016

    ሙሁራት ጠንቂ ምዕባለን ዕንወትን እዩም!

    ከምዝፍለጥ ሙሁራት ብዝቀሰምዎ ትምህርትን ካብ ነዊሕ ተሞክሮ ብዘጥረይዎ ናይ ስርሕ ብቕዓትን ንሕብረተሰብ ዓለም ናብ ጽቡቕን ሕማቕን ኣንፈት ክመርሕዎ ይርኣዩ እለው። ይኹን ደኣምበር ገለ ኽፋል ምሁራት ኢና በሃልቲ ኣብ ኣካዳሚያው ዩኒቨርሲቲታት ቀለም ካብ ከም ማይ ምስታይ ሓሊፎም ኣብ ግብራዊ ዝክኾነ ስራሕ ኣቐዲሞም ብዘይምስታፎም ንዝተዋህቦም ስራሕ ንኽሰርሑ ብቕዓት ይጎድሎም።

    ሙሁራት ሰባት ምስ ናይ ሕሉፍ ተሞክሮኦም ተሰንዮም ኣብ ናይ ግብራዊ ስራሕ ብብቕዓት ምስ ዝሳተፉ ስርሖም ብጽፉፍ ኣብ መፈጸምትኡ ብምብጻሕ ነቲ ዝተሰርሐ ስራሕ ኣብ ናይ ህብረተሰቦም ኣገልግሎት ብምውዓል ርኡዩ ዝኾነ ናይ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ለውጢ ብምምጻእ መነባብሮ ህዝቦም ኣብ ምቕያር ዓብይ ተራ ይጻወቱ። ገለ ገለ ሙሕራት ግና ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ስጋብ ዝላዓለ ደረጃ ከም ዝስተ ማይ ብምስታይ ናይ መዓርግ ዲግረኦም ብምሓዝ ኣብ ግብራዊ ዝኾነ ስራሓት ብዝይምስታፎም ነቲ ሕብረተሰቦም ካብ ጠንቂ ምኻን ሓሊፎም ኣብ መነባብሮ ህዝቦም ዝቕይርዎ ወይ ዘምጽእዎ ለውጢ የልቦን እዩ። እዚኦም ክምዚኦም ዘኣመሰሉ ሰባት ብፍላይ ኣብ ወጻእ ሃገር ዝርከቡ ውሑዳት ናይ ህብደፍ ኣዳኸርቲ ዝኾኑ ሙሁራት ኢና በሃልቲ ናይ ቀለም ምስታይ ኣመል ዘለዎም ዉልቀሰባት ግብራዊ ስራሕ ንኽሰርሑ ዓቕሚ ዘይብሎም ኮይኖም ከምኡዉን ኣብ ግብራዊ ለውጢ ንኸኣምኑ ኣዝዩ ስለዘጸግሞም ሕብረተሰቦም ለውጢ ብምርካብ መነባብርኡ ንኸየማሓይሽ ቀንዲ መሓንቆ ኮኖም ይርከቡ።

    ኤርትራ ሃገርና ብወገና ኣብዞም ክልተ ዓይነት ሙሁራት ተኸፊላ ትርከብ ማለት ኣብ ሃገርና ካብ ጊዜ ደርግ ዝመጹ እኹል ናይ ስራሕ ተሞክሮ ብምጥራይ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዳግመ ህንጻ ሃገርና ዝተሳተፉ ኮይኖም ኣብቲ ኣብ ሃገርና ስተሰላሰለ ስራሓት ዓብይ ተራ ዝተጻወቱ ብዙሕ እኳ እንተዘይ ኮነ ገለ ለውጢ ኣብ መነባብሮ ሕብረተሰብና ንኽመጽእ ተረኦም ዝተጽወቱ ክኾኑ ከለዉ እዚኦም ከኣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ወጻእ ሃገር ኣብ ስደት ይነብሩ ኣለዉ። ኣብ ኤርትራ ዝፈረዩ ሙሁራት ዓቕሚ ሰብና ምስ እንሪኢ ግና ኣዝዩ ብጣዕሚ ዝሕዝነካ ሰባት በቲ ዘጽንዕዎ ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ስራሕ ዓለም ብዘይ ምምዳቦም ህብረተሰብና ካብዞም ሙሁራት ደቁ ዝድለ ኣገልግሎት ወይ ጠቕሚ ኣይረኸበን። ገለ ኣዚዩ ዉሑዳት ሙሁራትና በቲ ዘጽንዕዎ ዓይነት ትመህርቲ ኣብ ስራሕ ብምምዳብ ካብ ቅድሚኦም ኣብቲ ስራሕ ተመዲቦም ዝጸንሑ ክኢላታት እኹል ዓቕሚኳ ክድልቡ እንተኻኣሉ ብሰንኪ ግዕዙይ ምሕደራ ሕግደፍ ሃገር ለቅቒቆም ናብ ስደት ገጾም ኣቕኒዖም እዮም።

    ሙሁራት ዜጋታትና ኣብ ወጻእ ዝርከቡ ክንርእይ ምስ እንፍትን ከኣ ድሕሪ ናጽነት ብዝነበሮም ሃገራዊ ወኒ ሃገሮም ንምህናጽን ገንዞቦም ኣብ ወፍሪ ብምስታፍ ንሃገር ኣማዕቢሎም ንነብሶም ከምዕብሉ ኣብ 1993 – 1994 ብዙሓት ሙሁራት ዜጋታትና ናብ ሃገሮም ኣትዮም እዮም። ግዕዙይ ዝኾነ ፓሊሲ ህግደፍ ግና ኣብ ንብረቶም ሰፍ ዘይብል ክሳራ ብምዉራድን ኣብ ኣተሓሳስበኦም ዓብይ ጸቕጢ ብምፍጣር ንብረተኦምን ገንዘቦምን ኣጥፊኦም እንደገና ናብ ስደት ከምዘቕንዑ ተገይሩ እዩ። ኣዚዩ ዉሑዳት ዝፍቕዶም ኣብ ወጻእ ሃገር ዝርከቡ ሙሁራት ካብ 1991 ጀሚሩ ኣገልገልቲ ህግደፍ ብምኻን ኣብዝኾነ ዓይነት ግብራዊ ስራሕ ዘይተሳተፉ ብጀይካ እቲ ወዲ ሰብ ከም ንቡር ዝጥቀመሉ ማይ ዘዓይነቱ ትምህርቲ ብምቕሳም ከምኡዉን ናብ ህግደፍ ሓሶት ምብጽጻሕን እንተዘይኮይኑ ሓደ ዝተማህረ ሰብ ክሰርሖ ዝግቦኦ ዓይነት ስራሕ ዘይተሳተፍ ኣብ ሕብረተሰቦም ኣጸያፊ ስራሕ ዝሰርሑ ዝነበሩን ዘለዉን ንለውጢ ህዝቦምን ሃገሮምን ዘየሓስቡን ዘይቕበሉን [ምስ ይቕረትኡ] ናይ ሙሁር ደንቆረ ኢልና እንተጸዋዕናዮም ኣጸያፊ ኣይኮነን እዩ።

    ኣብ መደምደምታይ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሃለወ ሃገርና ኤርትራ በሓፈሻ ዝተማህረ ዓቕሚሰባ ጥራሕ ዘይኮነስ ብቑዕ ዓቕምን ጉልበትን ዘለዎ መንእሰያታ ተሰዲዱን ናብ ስደት ኣቕኒዑሉ ኣብ ዘሎ ጊዜ ንሕና ዜጋታት ኤርትራ ዝኾና ብፍላይ ሙሁራት ኣካላት ኣብ ክንዲ ንህግደፍን ንዉልቀሰባትን ብምስራሕ ሃገርና ነዕኑን ነባድምን ህዝብና ነብርስን ሃገና ንኽንሃንጽን ናይ ህዝብረተሰብና መነባብሮ ንምምሕያሽ ዘለና ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ብምጽባብ ንሓደ ዕላማ ብምስራሕ ኣብ ሃገርና ናይ ቑጠባ ይኹን ማሕበራዊ ርኡዩ ዝኾነ ለውጢ ንምምጽእ ሓቢርና ክንሰርሕ ይግባኣና።

    “ሃገርን ህዝብን ነበርቲ ክኾኑ ከለዉ መንግስቲ ግና ዝበልዐ በሊዑ ኣብ ሓጺር ጊዜ ጠፋኣይ እዩ”

  • Khaled June 15, 2016

    “ድሕሪ ናጽነት ብዝነበሮም ሃገራዊ ወኒ ሃገሮም ንምህናጽን ገንዞቦም ኣብ ወፍሪ ብምስታፍ ንሃገር ኣማዕቢሎም ንነብሶም ከምዕብሉ ኣብ 1993 – 1994 ብዙሓት ሙሁራት ዜጋታትና ናብ ሃገሮም ኣትዮም እዮም። ግዕዙይ ዝኾነ ፓሊሲ ህግደፍ ግና ኣብ ንብረቶም ሰፍ ዘይብል ክሳራ ብምዉራድን ኣብ ኣተሓሳስበኦም ዓብይ ጸቕጢ ብምፍጣር ንብረተኦምን ገንዘቦምን ኣጥፊኦም እንደገና ናብ ስደት ከምዘቕንዑ ተገይሩ እዩ።”

    Desalegn

    Very much true. So many people lost their money and time, and finally went back to where they came from empty handed. But why these people did not share their experience with Eritrean diaspora ?. Because they failed to alert the public at the time, Higdef continued looting the country by taking private villas, land, factories .. etc.
    And now, while Eritrea is producing gold we are starving. A small but an extremely cruel clique is keeping millions of dollars in its private accounts, while our young are dying on deserts and seas.
    The up coming demonstration in Geneva should bring to the attention of the Swiss authorities, the importance of freezing the illegal money deposited in their banks, because it belongs to the people of Eritrea. That money is made with slave labor.

    • hirgigo June 15, 2016

      Somali warlord Khalid/Khaled, after committing so much crimes with your criminal ELF bandits against innocent Eritrean & Somali people, why are now posing as an expert and normal citizen and civilized person when you are actually still an animal beast not brought to ICC yet? You can run but you can’t hide for ever.
      If it looks like a duck, walks like a duck, quacks like a duck, it is “lazim” a duck. The same old pig with different make ups for cover up of old crimes and shames. No matter if you even keep using your Hijabs and different pen-names to hide we will eventually get you to the courts to receive your deservedly punishments.

      • AHMED SALEH !!! June 15, 2016

        Weyane warlord leave Eritrea for Eritreans than spew your venomous
        mouth in our forum . Politics is temporary dirty game but society
        will survive permanently regardless their religion or ethnicity.
        A zombie might believe on possibility that power will guarantee his
        stable future but history taught us otherwise . Good people believe
        on respect and tolerance to achieve lasting peace in this world while
        evil people promote for hatred , division and violence .

POST A COMMENT