Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ከም ዓረም ክሓልቡ! – (መኸተ ኣንጻር ጓይላ ህግደፍ ኣብ ቦሎኛ፡ 3ይ ክፋል)

ከም ዓረም ክሓልቡ!                     (መኸተ ኣንጻር ጓይላ ህግደፍ ኣብ ቦሎኛ፡ 3ይ ክፋል)   ጃንዳ ህግደፍ፡ ከምቲ ንደገፍቱ ዝመስሎም መንግስቲ ኔሩ እንተ ዝኸውን፡ መንግስቲ፡ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ስለ ዘሎዎ፡ ብዘይዚኾነ መተካእታን ሓበሬታን ነታ ንነዊሕ ዓመታት ብውሑስን ጽፉፉን መገዲ፡ ንህዝብን

ከም ዓረም ክሓልቡ!
 
                  (መኸተ ኣንጻር ጓይላ ህግደፍ ኣብ ቦሎኛ፡ 3ይ ክፋል)
 
ጃንዳ ህግደፍ፡ ከምቲ ንደገፍቱ ዝመስሎም መንግስቲ ኔሩ እንተ ዝኸውን፡ መንግስቲ፡ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ስለ ዘሎዎ፡ ብዘይዚኾነ መተካእታን ሓበሬታን ነታ ንነዊሕ ዓመታት ብውሑስን ጽፉፉን መገዲ፡ ንህዝብን ሃገርን ተገልግል ዝነበረት ነፋሪት ሉፍታንዛ፡ ብሓንሳብ ደው ኣይመበላን! ብውሕዱ ‘በሉ ነዚ ህዝቢ ካልእ መተካእታ ክሳዕ ንረኽበሉስ ቊሩብ ግዜ ሃቡና’ ኢሉ ምስ ኣካየድቲ መገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብምርድዳእ፡ ተወሳኺ ግዜ ሓቲቱ መተካእታ ነፋሪት ብምድላው፡ ናይቲ ኣቐዲሞም ዝሃቡዎ ጽፉፍ ኣገልግሎትን ምትሕብባርን ብስም ህዝብን ሃገርን ኣመስጊኑ፡ ብኽብሪ ከፋንዎም’ዩ ዝግባእ ኔሩ።
 
እንተ ኾነ፡ እቲ በደል ናቱ ስለ ዝኾነን ፈንጊ (ጃንዳ) ህግደፍ ከኣ ካብ ሽፍትነት ሓሊፉ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ህዝቢ ዘመሓድርን ሃገር ዝመርሕን መንግስቲ ኮይኑ ስለ ዘይፈልጥን ንቡር ክገብር ኣይከኣለን። እተን ወትሩ ዘይሕጋውያን ኣሽረፍቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ብምውፋር፡ ካብ በጻሕቲ ሃገር ዝእክበን ዝነበረ ናይ ወጻኢ ሸርፊ፡ ማለት ዶላራትን ዩሮን ወዘተ. ሎሚ ስለ ዝሰኣነን፡ ንዐአን ንምትካእ ኢሉ’ዩ ሕጂ ብጉልባብ ዝኽሪ ቦሎኛ፡ ገንዘብ ህዝቢ ክዘምት ሃነፍነፍ ዝብል ዘሎ! ህግደፍ ግን ፈርጊ (ጋቢ) ሰውራን ገድልን ህዝቢ ኤርትራ ተጎምጒሙ፡ ክሳዕ መዓስ’ዩ ብዕድል ህዝብን ሃገርን ገበጣ ክጻወት ክነብር!? እዚ ውጹዕ ህዝቢኸ ክሳዕ መዓስ’ዩ ከም ዓረም (ምራኻ ዝሞታ ላም፡ ጸባ መታን ክትሕለብ፡ ንምዕሻዋ ተባሂሉ ካብ ቈርበት እቲ ዝሞተ ውላዳ ዝዳሎ ምስሊ ምራኽ) ብህግደፍ ክሕለብ ክነብር!? ከምቲ፥ “ንድሙ መጻወቲታ፡ ንኣንጭዋ ጻዕረ ሞታ!” ዚብሃል’ኮ፡ በቃ እዚ ክቡር ህዝቢ፡ መጻወቲ መላኺ ኮይኑ ተሪፉ!
 
 
ከም ዓረም ክሓልቡ!
 
እዚ ስርዓት መላኺ ዓይኒ ጤል ድራሩ
እዚ ኹሉ ዓመታት ኣበይኮን’ዩ ኔሩ
ታሪኽ ናይ ቦሎኛ ሎሚ ምዝካሩ
ውጥኑ ካልእዩ ተንኮሉ መርምሩ
ብምስሉይ መልሓሱ ኣይትደናገሩ!
 
እታ ድርዒ ገድሊ፡ ቦሎኛ ዝብሉዋ
ታሪኽ ናይ ውፉያት ቅያ ከም ዘሎዋ
ሎሚድዩ መላኺ ስማ ፈሊጡዋ
“ኤውሮጳዊት ናቕፋ” ኢሉ ሰምዩዋ!
 
ድ ኤርትራዊ ስድራኡ ናፊቑ
ንዓዱ ከይበጽሕ ብሓባር ምስ ደቁ
ነፋሪት ስኢኑ ኣብ ኩሉ ኣጣይቑ
ንህግደፍ ከይሓትት ክፈትሓሉ ጭንቁ
ናይዚ ኹሉ ሽግር ንሱ ኮይኑ ጠንቁ!
 
ሉፍታንዛ ሓብሪ እንታይ እዩ ጸገምኪ?
ሃንደበት ኮይኑና ጉዕዞ ደው ምባልኪ
ንህዝብን ሃገርን ነዊሕ ዘገልገልኪ
*ኣጋሰስና ኔርኪ መዘና ዘይብልኪ  *ንጽዕነት ጥራይ ዘገልግለና ፈረስ
ህዝቢ ከይትመልሲ ካብ ዓለም ጠርኒፍኪ
እዚ ርጉም ደማሒ ልጓምዶ ጌሩልኪ!
 
ከመይኮን ይህልዉ ፍቑራት ስድራና
ኬድና ከይንርእዮም ነፋሪት ስኢንና
እታ ተሌፎኖም ‘ኤሪ ቴል’ ትብለና
ዕላል ብኢንተርነት ዘይሕሰብ ኮይኑና
ፖስታ ከይንሰድድ ደው ኢሉ ኢሎሙና
ካብ ሃገርናን ህዝብናን ምልኪ ነጺሉና
እንታይ ኢና ንገብሮ ብናፍቖት ሜትና!
 
*ሻጉራያት ህግደፍ ግን በብዘለልዉዎ     *መበጻጻሕቲ ወረ
ነዚ ለዋህ ህዝቢ ከደናግሩዎ
ናይ ህዝቡን ሃገሩን ናፍቖት ከሎዎ
ኣብ ጽንብል ቦሎኛ ሃብቱ ክዘምቱዎ
ይቃለሱ ኣለዉ ግይ ክገብሩዎ!
 
‘ኣሽሓት ከፊልና ጽንብል ኣዳሊና
ህዝብና ኸኒቡ ምምጻእ እንተ ኣብዩና
ድርብ ክሳራ’ዩ ዘቃልዕ ፍሽለትና
ብቲቪ ኤረ ጌርኩም ሃየ ጎስጉሱልና
ልቡ እንተ ተመልሰ ዕሰልየ በሉልና!’
 
‘ሓደራ’ ኢሎሞ ንህግደፍ፡ ኣምበሳደራቱ
ጎስጓስ ከሐይላ ማዕከን ዜናታቱ
‘ህዝቢ ተቐይሩ ናይ ጓይላ ሽውሃቱ
ምድረ በዳን ባሕርን ኮይኑ ዕላላቱ
ጾምና ከይንሓድር ዳስና ብኹፉቱ
ገድልና እናልዓልኩም ጠምዝዙ ኣንፈቱ!’
 
‘እወ፤ ኩሉ ቀልቡን ሃሙን ኪኸውን ሳዕስዒት
ዕልልታን ከበሮን ኣድምቑ ጣቕዒት፡
ዘኪሩ ከይሓዝን ሽግር ከም ዘሎዎ
ራህዋን ቅሳነትን ቀሪባ’ያ በሉዎ!’
 
ይብሉ ኣለዉ ወይጦት ልኡኻት *ዘላሚ     *ረጋጺ፡ ጨቋኒ
ከምቲ ናይ ትማሊ መሲሉዎም ሎሚ፡
ሬሳ ዜጋታቶም ብግቡእ ከይቀብሩ
ጓይላ ተራኣዩዎም ዳንኬራ ክገብሩ!
 
ብምስሊ ፈጣሪ እተፈጥርካ ሰብ
ጥሪት ጌረሙኻ ብ *ሞራ ዝኹብከብ   *ስላዕ፡ ሻሞጥ
ብሽግር መከራ ወጺኡካ ገጸብ
ከም *ዓረም ክሓልቡ ካብ ጁባኻ ገንዘብ   *ትርጉሙ ኣብ መእተዊ ጽሑፍ ኣሎ።
ኣብ ዝጸውዑኻ ኣብ ደምበ ክትእከብ
ግዳይ ከይትኸውን ኣስተውዒልካ ሕሰብ!
*ደበራ እዩ በሎም ዓው ኢልካ ተዛረብ!   *ጽዩፍ ስራሕ
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 18-06-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • solomon June 19, 2014

    @mesinas kab xerfi kab fekera enitay tirfi tirekib? Bro mehari zikone ‘kekeraribena zikiel hasabt eniteamxaeka mihashe.

    • mesel June 19, 2014

      ሶሎሙን ሓወይ

      በጃኻ ኢልናካ እናፈለጥካ ኣይትዓሹ። ቀታልን ተቐታልን ዶ ክቃረቡ ይኽእሉ’ዮም። ኣባጊዕን ቶኻሉን ዶ ክቀራረቡ ይኽእሉ’ዮም? ናዓ’ባ በጃኻ ንብዓት ናይተን ሬሳታት ደቀን ካብ ጥልያን ክስደደለን ዝጽበያ ዘለዋ ኣዴታትካ ኣብ ብርኪ ወሊድካዮም ዘለኻ ቆልዑ ኣትዩ ኢንጀራን ዕድመን ከይከልኦም እዝጊሄር ፍራሕ። ኣብ ከብዲ’ተን ዘዕበያኻ ለዋሃት ኣዴታትና’ባ እቶ በጃኻ። ግደፎ ፖለቲካን ስነ-ሓሳብን። ኣብ ሕልናኻ ጥለቕ። ምስ ነብስኻ ተዛረብ። መስጣ ናይቶም ኣብ ሲናይ ዝተዘልዘሉ ንፖለቲካዊ ሕልኽላኻት ናይዛ ዓለም ፈጺሞም ዘይፈልጡ ዕሸላት ከይወርደካ። ኢሳይያስ ኣብ ልዝብ የለን። ኢሳይያስ ኣብ ንህዝቢ ኤርትራ ክተቅም ዝኽእል ልዝብ ክኣቱ ሕልንኡን ኣመጻጽእኡን ኣየፍቅደሉን ዩ። ካብ ሃመማስ ጻባ። ሕልናኻ ዘፍቅደልካ እንተኮይኑ ኪድ ኮቦሮ ጥልመትን እምብልታ ንድየተ-ሕልናን ተሓንጊጥካ ኪድ።

      • MightyEmbasoyra June 19, 2014

        መሰል: እዝ ዝበልካዮ ክርድኦ ‘ሞ ከሕምሞ ዝኽእል ካብዘን ክልተ ሓደ ክኸውን ኣለዎ –
        1. ኤርትራዊ ኮይኑ “ናይ ኣእምሮ ጥዕና” ዘለዎ
        2. ዝኾነ ፍጡር ወድ ሰብ ኮይኑ “ደም” ዘለዎ
        ተዘይኮይኑ፥ ከም በዓል ሰለሙን፥ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዚሮ እንተተቐየረ እዝኒ የብሎምን። እኳ ደኣ ይሕጎሱ።

        • mesel June 20, 2014

          Mighty

          i totally agree.
          thank u

  • solomon June 19, 2014

    Ab mesel tiamin entekonka mesinas hawey zikone seb des zibelo kigebir meselu haliwelu.kemti ab atlanta Oakland las Vegas zigeberkumo endealom zigebru zelewu.natkum gaila natom gaila enitay melesa alewo?hawey natey

  • m June 19, 2014

    hgdef they want do festival becuase they are creminals and gangisterss they dont care about Eritrean pepole, and we do nothing the only we do evry week meeting and talking a lot with out result, we Eritrean what we waiting for, the dictator he will never ever go with out fight smerrrrrrr our pepole and go fight to be freeeee from the evil dictator

  • semere June 19, 2014

    Selomun hasawi zkaalkayo mesiluka dyu tedengix weyto

  • Bilen June 19, 2014

    I think, solomun & suleiman (suli) are the same person.
    Dehay mTfaE nay suli ayfetekhuwan sm qeqeyru ytshf alo wey dma kabtom n hgdef zegelglu azmadu teasirom idu hibu alo.

  • solomon June 19, 2014

    @ semere thx bro.weyito nihageru entekone zehegus eyu .weyito nay kalie hager enitekone gina kilite mot eyu.weyito ayibilekan eye silezeyifelteka bro

  • solomon June 19, 2014

    Bilen hawey kkkkkk suli ayikonkun ane.gina zinafekayo timesil bro ? Gbu

  • solomon June 19, 2014

    Mesinas hawey akotieka entekone sorry.natey hito gina ayimeleskaleyin .gaila nisikum gerkum nimintay nisom yikilikelu ?kalie mesinas hawey kab zifiter gaila keyide ayifelitin eye

  • solomon June 19, 2014

    Etom tixarefu gina mihret yewrdelkum .entekielkum kiniredadae zeynifitin gudletkum yinegrekum nisukum win tinegruni kuburat yehwat

  • Bilen June 20, 2014

    Brother sele, kemey ke?
    nsuli znafeqkayo tmesl ilkani emo, nafikeyo zey konku entay dea gele lbi geru ms deleyti fthi do tehawisu ile iye. Gbu.

POST A COMMENT