Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ከም ዓረም ክሓልቡ! – (መኸተ ኣንጻር ጓይላ ህግደፍ ኣብ ቦሎኛ፡ 3ይ ክፋል)

ከም ዓረም ክሓልቡ!                     (መኸተ ኣንጻር ጓይላ ህግደፍ ኣብ ቦሎኛ፡ 3ይ ክፋል)   ጃንዳ ህግደፍ፡ ከምቲ ንደገፍቱ ዝመስሎም መንግስቲ ኔሩ እንተ ዝኸውን፡ መንግስቲ፡ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ስለ ዘሎዎ፡ ብዘይዚኾነ መተካእታን ሓበሬታን ነታ ንነዊሕ ዓመታት ብውሑስን ጽፉፉን መገዲ፡ ንህዝብን

ከም ዓረም ክሓልቡ!
 
                  (መኸተ ኣንጻር ጓይላ ህግደፍ ኣብ ቦሎኛ፡ 3ይ ክፋል)
 
ጃንዳ ህግደፍ፡ ከምቲ ንደገፍቱ ዝመስሎም መንግስቲ ኔሩ እንተ ዝኸውን፡ መንግስቲ፡ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ስለ ዘሎዎ፡ ብዘይዚኾነ መተካእታን ሓበሬታን ነታ ንነዊሕ ዓመታት ብውሑስን ጽፉፉን መገዲ፡ ንህዝብን ሃገርን ተገልግል ዝነበረት ነፋሪት ሉፍታንዛ፡ ብሓንሳብ ደው ኣይመበላን! ብውሕዱ ‘በሉ ነዚ ህዝቢ ካልእ መተካእታ ክሳዕ ንረኽበሉስ ቊሩብ ግዜ ሃቡና’ ኢሉ ምስ ኣካየድቲ መገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብምርድዳእ፡ ተወሳኺ ግዜ ሓቲቱ መተካእታ ነፋሪት ብምድላው፡ ናይቲ ኣቐዲሞም ዝሃቡዎ ጽፉፍ ኣገልግሎትን ምትሕብባርን ብስም ህዝብን ሃገርን ኣመስጊኑ፡ ብኽብሪ ከፋንዎም’ዩ ዝግባእ ኔሩ።
 
እንተ ኾነ፡ እቲ በደል ናቱ ስለ ዝኾነን ፈንጊ (ጃንዳ) ህግደፍ ከኣ ካብ ሽፍትነት ሓሊፉ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ህዝቢ ዘመሓድርን ሃገር ዝመርሕን መንግስቲ ኮይኑ ስለ ዘይፈልጥን ንቡር ክገብር ኣይከኣለን። እተን ወትሩ ዘይሕጋውያን ኣሽረፍቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ብምውፋር፡ ካብ በጻሕቲ ሃገር ዝእክበን ዝነበረ ናይ ወጻኢ ሸርፊ፡ ማለት ዶላራትን ዩሮን ወዘተ. ሎሚ ስለ ዝሰኣነን፡ ንዐአን ንምትካእ ኢሉ’ዩ ሕጂ ብጉልባብ ዝኽሪ ቦሎኛ፡ ገንዘብ ህዝቢ ክዘምት ሃነፍነፍ ዝብል ዘሎ! ህግደፍ ግን ፈርጊ (ጋቢ) ሰውራን ገድልን ህዝቢ ኤርትራ ተጎምጒሙ፡ ክሳዕ መዓስ’ዩ ብዕድል ህዝብን ሃገርን ገበጣ ክጻወት ክነብር!? እዚ ውጹዕ ህዝቢኸ ክሳዕ መዓስ’ዩ ከም ዓረም (ምራኻ ዝሞታ ላም፡ ጸባ መታን ክትሕለብ፡ ንምዕሻዋ ተባሂሉ ካብ ቈርበት እቲ ዝሞተ ውላዳ ዝዳሎ ምስሊ ምራኽ) ብህግደፍ ክሕለብ ክነብር!? ከምቲ፥ “ንድሙ መጻወቲታ፡ ንኣንጭዋ ጻዕረ ሞታ!” ዚብሃል’ኮ፡ በቃ እዚ ክቡር ህዝቢ፡ መጻወቲ መላኺ ኮይኑ ተሪፉ!
 
 
ከም ዓረም ክሓልቡ!
 
እዚ ስርዓት መላኺ ዓይኒ ጤል ድራሩ
እዚ ኹሉ ዓመታት ኣበይኮን’ዩ ኔሩ
ታሪኽ ናይ ቦሎኛ ሎሚ ምዝካሩ
ውጥኑ ካልእዩ ተንኮሉ መርምሩ
ብምስሉይ መልሓሱ ኣይትደናገሩ!
 
እታ ድርዒ ገድሊ፡ ቦሎኛ ዝብሉዋ
ታሪኽ ናይ ውፉያት ቅያ ከም ዘሎዋ
ሎሚድዩ መላኺ ስማ ፈሊጡዋ
“ኤውሮጳዊት ናቕፋ” ኢሉ ሰምዩዋ!
 
ድ ኤርትራዊ ስድራኡ ናፊቑ
ንዓዱ ከይበጽሕ ብሓባር ምስ ደቁ
ነፋሪት ስኢኑ ኣብ ኩሉ ኣጣይቑ
ንህግደፍ ከይሓትት ክፈትሓሉ ጭንቁ
ናይዚ ኹሉ ሽግር ንሱ ኮይኑ ጠንቁ!
 
ሉፍታንዛ ሓብሪ እንታይ እዩ ጸገምኪ?
ሃንደበት ኮይኑና ጉዕዞ ደው ምባልኪ
ንህዝብን ሃገርን ነዊሕ ዘገልገልኪ
*ኣጋሰስና ኔርኪ መዘና ዘይብልኪ  *ንጽዕነት ጥራይ ዘገልግለና ፈረስ
ህዝቢ ከይትመልሲ ካብ ዓለም ጠርኒፍኪ
እዚ ርጉም ደማሒ ልጓምዶ ጌሩልኪ!
 
ከመይኮን ይህልዉ ፍቑራት ስድራና
ኬድና ከይንርእዮም ነፋሪት ስኢንና
እታ ተሌፎኖም ‘ኤሪ ቴል’ ትብለና
ዕላል ብኢንተርነት ዘይሕሰብ ኮይኑና
ፖስታ ከይንሰድድ ደው ኢሉ ኢሎሙና
ካብ ሃገርናን ህዝብናን ምልኪ ነጺሉና
እንታይ ኢና ንገብሮ ብናፍቖት ሜትና!
 
*ሻጉራያት ህግደፍ ግን በብዘለልዉዎ     *መበጻጻሕቲ ወረ
ነዚ ለዋህ ህዝቢ ከደናግሩዎ
ናይ ህዝቡን ሃገሩን ናፍቖት ከሎዎ
ኣብ ጽንብል ቦሎኛ ሃብቱ ክዘምቱዎ
ይቃለሱ ኣለዉ ግይ ክገብሩዎ!
 
‘ኣሽሓት ከፊልና ጽንብል ኣዳሊና
ህዝብና ኸኒቡ ምምጻእ እንተ ኣብዩና
ድርብ ክሳራ’ዩ ዘቃልዕ ፍሽለትና
ብቲቪ ኤረ ጌርኩም ሃየ ጎስጉሱልና
ልቡ እንተ ተመልሰ ዕሰልየ በሉልና!’
 
‘ሓደራ’ ኢሎሞ ንህግደፍ፡ ኣምበሳደራቱ
ጎስጓስ ከሐይላ ማዕከን ዜናታቱ
‘ህዝቢ ተቐይሩ ናይ ጓይላ ሽውሃቱ
ምድረ በዳን ባሕርን ኮይኑ ዕላላቱ
ጾምና ከይንሓድር ዳስና ብኹፉቱ
ገድልና እናልዓልኩም ጠምዝዙ ኣንፈቱ!’
 
‘እወ፤ ኩሉ ቀልቡን ሃሙን ኪኸውን ሳዕስዒት
ዕልልታን ከበሮን ኣድምቑ ጣቕዒት፡
ዘኪሩ ከይሓዝን ሽግር ከም ዘሎዎ
ራህዋን ቅሳነትን ቀሪባ’ያ በሉዎ!’
 
ይብሉ ኣለዉ ወይጦት ልኡኻት *ዘላሚ     *ረጋጺ፡ ጨቋኒ
ከምቲ ናይ ትማሊ መሲሉዎም ሎሚ፡
ሬሳ ዜጋታቶም ብግቡእ ከይቀብሩ
ጓይላ ተራኣዩዎም ዳንኬራ ክገብሩ!
 
ብምስሊ ፈጣሪ እተፈጥርካ ሰብ
ጥሪት ጌረሙኻ ብ *ሞራ ዝኹብከብ   *ስላዕ፡ ሻሞጥ
ብሽግር መከራ ወጺኡካ ገጸብ
ከም *ዓረም ክሓልቡ ካብ ጁባኻ ገንዘብ   *ትርጉሙ ኣብ መእተዊ ጽሑፍ ኣሎ።
ኣብ ዝጸውዑኻ ኣብ ደምበ ክትእከብ
ግዳይ ከይትኸውን ኣስተውዒልካ ሕሰብ!
*ደበራ እዩ በሎም ዓው ኢልካ ተዛረብ!   *ጽዩፍ ስራሕ
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 18-06-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • bhaki June 20, 2014

    ኢራቕ ኣብ`ዚ ግዜ`ዚ ከመይ ኣላ፣ ዩክሬን ኣብ`ዚ ግዜ`ዚ ከመይ ኣላ። ኣብ ኤርትራ ለውጢ ተደሊኩም ካኣ ከምኡ ኢዩ ዘድሊ። ሓወይ ከይወቕዕ እንዳበልካ ንዲክታተር ምሕላው ተኾይኑ ድማ ውጽኢቱ ከም`ዛ ትርእይዋ ሃገር ኣይንደቒ ሃገር ኣይንህግደፍ ኮይና ክትተርፍ ኢያ። ስለዚ እቲ ምርጫ ተግባራዊ ተባራዒ ሓይሊ ክህሉ ኣለዎ። ህግደፍ ኣብ ግዳምን ኣብ ሃገርን ኮይኖም እንተ ኣኹደዱ ዕላምኦም ኢዩ። ዕላማ ዝሰሓትና ግና እቶም ንቓወም ኣለና ንብልን ብደሞንስትራሽን ህግደፍ ክለቐልና ንሓልምን ጥራይ ኢዩ።
    ሕጂ`ውን ብዋጋ ክልኦት ለውጢ ትጽበ ትሃሊኻ ደጊም ክልተ ሞት ኢዩ። ንህግደፍ ዕጡቕ ሓይሊ ከም ናይ ዩክሬንን ኢራቕን ጥራይ ኢዩ ክብድሆ ዝኽእል። ተንስእ ተበራበር መንእሰይ ነብሰ-ፍቶት ትርጉሙ ሃገር ዘባድም ሃገር ኣብ ኢድ ባዕዳውያን ዘትሕዝ ሕማቕ ኣመል ኢዩ።ስለዚ ነብስ-ፍቶት ኣግወጊድና ቶባእ ንህግደፍ ብግብሪ ንግጠሞ ከም ንዕወት ድማ 100% ካብ 100% ዘጠራጥር የብሉን።

    • m June 20, 2014

      you are right bro?we only dancing and taliking evry week 23 yearess, we have to go fight not only talk

  • Mesinas June 20, 2014

    solomon on June 19, 2014 at 8:59 pm said:

    Mesinas hawey akotieka entekone sorry.natey hito gina ayimeleskaleyin .gaila nisikum gerkum nimintay nisom yikilikelu ?kalie mesinas hawey kab zifiter gaila keyide ayifelitin eye

    ዝኸበርካ ሓው ሰሎሞን፡ ብመጀመርያ ሕውነታዊ ሰላምታይ ምስ ምስጋናኡ ከቕርበልካ እፈቱ። ብምቕጻል፥ ክልተ ነገር ከብርሃልካ ኪትፈቕደለይ ብትሕትና እሓተካ። ቀዳማይ፥ ንሰብ መንነቱን እንታይነቱን ምግላጽ ጸርፊ ከምዘይኮነ ኪትርዳእ። ማለት፡ ብዚኾነ ቃላት ርእይቶኻን ሓሳብካን ምግላጽካ፡ ትጻረፍ ኣለኻ ማለት ከምዘይኮነ። ካልኣይ፥ ጽንብልን ጓይላን ምግባር ኣብ ባህልና ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ዝነበረን ዘሎን’ዩ። ኣይገበር! ክንብልውን ኣይንኽእልን ኢና። ኣይግብኣንውን’ዩ።

    ንሕና ንብል ዘለና ግን እዚ ጃንዳ ህግደፍ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሮም ክሳዕ ወርሒ ታሕሳስ ዘሎ ግዜ ሕመቖምን ፍሽለቶምን ንምሽፋን ኢሎም ህዝቢ እናሃለቐን ሬሳ ኣማእት ዜጋታትካ ኣቐሚጥካ ምጉይላይን’ዩ እቲ ደበራ (ጽዩፍ ስራሕ) ዚብሃል ዘሎ። ነዚ ኢና ከኣ ንቃወሞ ዘለና። ብተወሳኺ ቀታልን ተቐታልን ብዘይካ ቋንቋ ሕጊ ናይ መረዳድኢ ቋንቋ የብሎምን። ቀታሊ ህግደፍ ከኣ ምስቲ ተቐታሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘረዳድእ ቋንቋ የብሉን! ምኽንያቱ፡ ህግደፍ ኣብ ሕጊ ስለ ዘይኣምንን ብሕጊ ስለ ዘይቅየድን! ኣብ መወዳእታ ክብለካ ዝደሊ፡ ነዚ ዘለናዮ ኩነታት ዚቕይር እንኮ መፍትሒ ሽግርና፡ መላኽን ጃንዳኡን ካብ ገጽ መሬትና ገጽ ድምጽማጾም ምጥፋእ ጥራይ እዩ። እዚ ኸኣ ደንጎላ እናደርበናን ዓረር እናተኰስናን ኣይኮናን እንፍጽሞ። ምናልባት’ዚ ኣብቲ ናይ ቮላታ ግዜ የድሊ ይኸውን’ዩ፡ ሕጂ ግን ውግእና ብቓላት’ዩ ኪኸውን ዘለዎ።

    ቃላት ብኸመይ ካብ መግዛእቲ ምልኪ ሓራ ከውጽኣና ይኽእል? ንዚብል ሕቶ፡ እቲ መልሱ ቀሊል’ዩ። እቶም ከማኻን ከምዚ ከማይን ዝኣመሰሉ፡ ኣተና (ዕላማ፡ ውጥን) ምልኪ ዝተገንዘቡ ሰባት፡ ነቶም በዚ ምስሉይ ጉጅለ ገና ዝታለሉ ዘለዉ ዜጋታትና ብምርዳእን ብግቡእ ኣስተውዒሎም ንሓርነቶምን ንሓርነት ህዝቦምን ንኽቃለሱ ብምጉስጓስን ንህግደፍ ካብ ህዝቢ ፍጹም ክንጽሎ ክንክእል ኣለና። ውልቀ መላኽን ጃንዳኡን ዕርቃኖም ክወጹ ኣለዎም። እዚ እንተ ኾይኑ ኸኣ መወዳእታ ህይወት ህግደፍን መጀምርያ ህይወት ህዝቢ ኤርትራን’ዩ ኪኸውን ማለት’ዩ። ነዚ ኢና ድማ ንቃለስ ዘለና። ንስኻውን ብወገንካ ነዚ ሓገራ (ራኢ) ማለት፡ ዕላማ’ዚ ንምውቃዕ፡ እጃምካ ከተበርክት በዚ ኣጋጣሚ እላበወካ። የቐንየለይ።

    ሓውካ ተ/ማርያም ገረሱስ፡ ምሕረትኣብ፡ እምባየ፡ ወዲ ሰምበል (መሲናስ)

  • solomon June 20, 2014

    Mesinas hawey wala wala ayihazikukan.megilexika des yibleni gina misti meseretawi huto natey keteasasiro ayikealkun.mikiniyatu ab fekodieu gail kitigebru nisikum resa yehiwatina ayineberen diyu? Ab natatom gaila gina resatat yehiwatina zireayekum sileminitay.? Biwegeney eti gega bikilitekum wegen konu yisimiani.ziyada dima biakum bcos gaila gega enidabelkum gaila baelikum migibarkum.have a nice day bro .I appreciate ur comments body

  • ERITRAWIT June 20, 2014

    Mesinas,
    Isaias nefaret entezeymesato yhsho bzgedede gudu keywese azey funfun hgdef. betey nay yehwatna Jegn-net sgab mas knebre.
    Ezom kulom Jeganu abey alew??? hager B isaias,Kisha,Monkey tray tmahader ala!!!!! Nay werkey,2%,Sherfey nabey ygeze alo????
    Italy ezey kulu sheger nay Eritreawyan mweda abewom zelo kndey zeskahkh endarau nay behakey kgremu eyom seb ksese ms mesom aye degeftey nay ze aremen tehatetey ekum!!!!!!!

Post a Reply to bhaki Cancel Reply