Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ከም ሓው ጠዓመ በርሀ “ተመሳሳሊ መጸዋዕታ ንሰብ ጸጋ ኤርትራ”

ከም ሓው ጠዓመ በርሀ “ተመሳሳሊ መጸዋዕታ ንሰብ ጸጋ ኤርትራ”   ብሓዊ ኣቶ ጠዓመ በርሀ፡ ንሓርበኛታት ተቓለስቲ ኣባላት ተሓኤ ነበርን ተቓለስቲ ህግሓኤ ዘቅረቦ ጻዊዒት ኣንቢበዮ። ዝድገፍ ጻዊዒት ይብል። ከምቲ ዝበሎ፡ ጊዚያዊ ውልቃዊ ኩራ ኣወጊዶም፡ ንኽጋደሉ ኢሎም ክወጹ ከለዉ

ከም ሓው ጠዓመ በርሀ “ተመሳሳሊ መጸዋዕታ ንሰብ ጸጋ ኤርትራ”

 

ብሓዊ ኣቶ ጠዓመ በርሀ፡ ንሓርበኛታት ተቓለስቲ ኣባላት ተሓኤ ነበርን ተቓለስቲ ህግሓኤ ዘቅረቦ ጻዊዒት ኣንቢበዮ። ዝድገፍ ጻዊዒት ይብል። ከምቲ ዝበሎ፡ ጊዚያዊ ውልቃዊ ኩራ ኣወጊዶም፡ ንኽጋደሉ ኢሎም ክወጹ ከለዉ ንዝነበሮም ራእይ ኣቐዲሞም፡ ምእንቲ ሃገር ሓደ ኮይኖም ህዝቦም ሓራ ከውጽኡ፡ ብዙሓት በዚ ሓሳብ ከም ዝሰማምዑ ርግጸኛ ኮይነ ክዛረብ ይኽእል ‘የ። እንተኾነ እዞም ሓርበኛታት፡ እዚ ጠፊእዎም ኣይመስለንን። ንዓይ ዝመስለኒ ጠፊእዎም ዘሎ ጠርናፊ እዩ። ዘራጊ ማይ ከሎ ጽሩይ ማይ ንኸይስተ ከምዝበሃል፡ ሓድነት ንኽፈጥሩ ዝተፈተ ፈተነታት ብተንኮል ኢሳይያሳዊያን ፈሺሉ ‘ዩ። ኢሳይያስ ድኹም ጎኒ ኣጽኒዑ፡ ሰለይቱ ኣቀዲሙ ኣብቲ ናይ ተቃውሞ ደንበ ብምስሏኽ፡ ኣብ ምፍሻሉ ተዓዊቱ እዩ። ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ትብል ጽሕፍቲ ነዚ ዘነጸረት ኮይኑ ይስመዓኒ። ሓቂ እዩ ኣብቲ ጽሑፍ ዘሎ ኩሉ ፍጻሜታት፡ እኹል ጭብጢ ክሳብ ዘይተረኸበሉ፡ ምእማኑ የሸግር ይኸውን ‘ዩ። ግን ከኣ ኣፈጻጽማ እቲ መስርሕ  ክረአ ከሎ ዘእምን ነጥብታት ኣለዎ ‘ዩ።

 

ኣብ ኢትዮጵያ ኣዋሳ ዓሰርትው ሓሙሽተ ውድባት ንኽሓብራ ተወሲዱ ዝነበረ ጥርናፈ ፈሺሉ ሰለስተ ውዱባት ጥራይ ተሪፈን ክበሃል ሰሚዕና። እቶም ወደብቲ ጌጎኦም ኣሪሞም ከም እንደገና ክጥርንፍዎ ኣይከኣሉን። እቲ ንሰምዖ ዘሎና ውድበይ ትምራሕ ዝብል እንተኾይኑ እቲ ባእሲ፡ ዘሕዝን ናይ ቆልዑ ገዛ ገዛ ጸወታ እዩ። ኣነ ግን ብዓይኒ ቁጠባ ‘ውን ክረአ ኣለዎ በሃላይ እየ። ካብ ኤርትራ ከይወጻእኹ ከለኹ፡ እዘን ኣለዋ ዝበሃላ ውድባት ኣብ ኣፍሪቃ ሓያል ውዳበ ዘለወን ይመስለኒ ነይሩ። እንተወሓደ ህዝቢ ብብዝሒ ኣብ ዝረከብሉ ዓድታት ኣፍሪቃ (ንኣብነት ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ሰሜን ሱዳን፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ) ኣብያተ ጽሕፈት ክህልወን ምተገበአ። ምናልባሽ በወረ ንሰምዖ ኣብ ኢትዮጵያ እንተዘይኮይኑ ኣብዘን ዝጠቀስወን ሃገራት ቤት ጽሕፈት ዝበሃል የብለንን። እዚ ብቁጠባዊ ይኹን ውዳበ ድኹማት ምዃነን እዩ ዘርኢ። ንዓይ እዚ እቲ ቀዳማይ ጌጋ እዩ። ምኽንያት ውዱብ ማለት ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ዝጥርነፍሉ ማሕበር ማለት እዩ። ተጋግየ እንተኾይነ ኣርሙኒ። ኣብ ኣፍሪቃ ብእኩብ ጠርኒፉ ዘቃልስ ውዱብ ኣይረኣኹን፡ እቲ ዘሎ ቃልሲ ኣካቢ ሲኢኑ ፋሕ ዝበለ ውልቃዊ ሓሜት ጥራይ እዩ ዘሎ።

 

ህዝቢ ኤርትራ ብውግእ ላድዩ ኢዩ። ብረታዊ ቃልሲ ነንሕድሕድካ ምስ የሕዋት ከም ሕሱም የፍርሆ ‘ዩ። ብኣንጻራዊ ጫፍ ደው ኢልካ ምስ ሓውኻ ብብረት ክትቀታተል ዘየፍረሀ እንታይ ከፍርህ ይኽእል? ግን ከኣ ሓደ ቀጻሊ በዳሊ፡ቀታሊ፡ እቲ ኻልእ ከኣ ቀጻሊ ተበዳሊ፡ ተቀታሊ እንተኾይኑ፡ እቲ ሕውነት ኣበይ ኣሎ? ምኸሮ ምኸሮ እንተኣበየ መከራ ይምከሮ ‘ኳ ዝበሃል፡ ከይፈተኻ ናብኡ ኢኻ ትኣቱ። ነዚም ተባዕ ጠርናፊ የድልየካ ‘ዩ። ሓደ ዉፉይ ጠርናፊ የድሊ ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ጥርናፈ ብዘይ ቁጠባ፡ ፖለቲካዊ ዘረባ ጥራይ ኮይኑ ይተርፍ። ብቁጠባ ዝደልደለ ናይ ፖለቲካ ጠርናፊ የድሊ።

 

ጻዊዒት ሓውና ጠዓመ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጻዊዒተይ ንሰብ-ጸጋ (ሃብታማት) ኤርትራዊያን ብሓፈሻ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ከኣ ብፍላይ ‘ዩ። ሃገር ከማሓድሩ ዝኽእሉ ክእለትን ሃብትን ዘለዎም ሰብ ጸጋ ኤርትራዊያን ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ኣለዉ። ክስቶ ክስቶ ኢልካ በብሓደ ክጥቀሱ ይከኣል ‘ዮ። እቲ ዘሕዝን መብዛሕቲኦም ኢሳይያስ ኣብ ሃገሮም ኣትዮም ከይንግዱ ከሊእዎም ከሎ፡ ብኢሚንት ጥቅማ ጥቕሚ (ምውጻእ ፓስፖርት፡ ኣስማራ ኣቲኻ ምውጽእ ዝኣመሰሉ) ንምርካብ ተዳህሊሎም፡ ደገፍቱ ኮይኖም ህዝቢ ምብዳሎም እዩ። ሳላ ገንዘብ ዝተሳእነ የለን ይብሉ ስድራና፡ ስድርኦም ብሓይሊ ገንዘብ ካብ ኤርትራ ስለዘውጽኡ፡ ሕሰም ኤርትራዊያን ኣይስሞዖምን ይኸውን። ትማሊ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበሩ ‘ሞ ሕጂ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሃብታማት፡ ደቆም ብጉቡእ የምህሩ ‘ለዉ፡ ደቆም ሳዋ ኣይከዱን ‘ዮም፡ ደቆም ብስግረዶብ ኣይንከላበቱን ‘ዮም፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣይምልከቶምን ‘ዩ፡ ወዘተ ክጥቀስ ይከኣል። ንኣብነት ኣብ ካምፓላ ዘለዉ ስድራቤት ሃብታማት ጥራይ ምጥቃስ ይኣክል። እዚ ግን ጊዚኣዊ ምዃኑ ኣሚኖም፡ እቲ ዝሳቀ ዘሎ ኣካሎም ብዘለዎም ሃብቲ ተጠቂሞም ንሓርነቱ ክቃለሱ ይግባእ።

 

እምበኣርር እቲ ጻዊዒተይ “ኣቱም ኣብ ወጻኢ ትነብሩ፡ ሰብ ጸጋ ኤርትራውያን፡ ንስኹም ብተዛማዲ ኣብ ምዝናይ፡ ህዝቡኹም ኣብ ደልሃመት ዝርከብሉ እዋን፡ ሓገዝኩም ነቲ ዓማጺ ምግባርኩም ዘሕንኽ እዩ። እቲ ዝሳቀ ዘሎ ኣካልኩም እዩ። ክትሓስብሉን ስቃዩ  ክስመዓኩም ይግባእ። ንምንታይ ሃብቲምኩም ኣይኮነን እቲ ሕቶ። እቲ ሕቶ ሃብትኹም መጋበርያ እዚ ስቃይ ኣይኹን ‘ዩ። ጽባሕ ክወግሕ ‘ዩ። ጊዜ ምስ ወግሐ ቅድሚት ትስርዑ ንስኹም ኢኹም። ሎሚ ብዛዕባ ህዝቡኸም ቅኑዕ መንገዱ ትሓስብሉን ትስዕቡሉን እዋን እዩ። ደንበ ተቃውሞ ብሰንኪ ሕጽረት ቁጠባ ክሓብርን ሓድነቱ ኣደልዲሉ ክቃለስን ኣይከኣለን። ንሱኹም ገንዘብ ኣለኩም። ምስተቃለስቲ ሓቢርኩም ኢደይ ኢደይ ኢልኩም ምልኪ ንኽፈርስ ተራኹም ተጻወቱ።” እብል።

 

እቲ ጻዊዒተይ “ኣብ ኣፍሪቃ ዘለኹም ሃብታማት፡ ነንሕድሕድኩም ናይ ምርኻብ ዕድል ዘለኩም ንሱኹም ስለዝኾንኩም፡ ህዝቢ ኣንጻር ኢሳይያስ ንኽቃለስ ሓደ ውዱብ ኣብ ምውዳብ ብዘለኩም ሃገራውነትን ጸጋን ክተቁሙ እላቦ።” ይብል

 

ጻዊዕተይ “ኣቱም ሰብ ጸጋ፡ ንዓማጺ ካብ ምዱጓምን ምምእዛዝን፡ ነዞም ኣንጻር ምልኪ ዓጢቆም፡ ዝቃለሱ ዘለዉ ሜድያታት ሃየ ኣለናልክን በሉወን።” ምበልኩ

 

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ደብረ

ናይ ሓው ጠዓመ ጥቕሲ መጽሓፍ ቁዱስ ከምዘላ ወሲደያ ‘ለኹ።

“ሰማይ ኬቕንዓልና ኢዩ እሞ ንሕና ባሮቱ ከኣ ተንሲእና ክንዓዪ ኢና” ነህ. 2፡20

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • WediHagher January 28, 2015

    “ከምቲ ዝበሎ፡ ጊዚያዊ ውልቃዊ ኩራ ኣወጊዶም፡ ንኽጋደሉ ኢሎም ክወጹ ከለዉ ንዝነበሮም ራእይ ኣቐዲሞም፡ ምእንቲ ሃገር ሓደ ኮይኖም ህዝቦም ሓራ ከውጽኡ፡ ብዙሓት በዚ ሓሳብ ከም ዝሰማምዑ ርግጸኛ ኮይነ ክዛረብ ይኽእል ‘የ። እንተኾነ እዞም ሓርበኛታት፡ እዚ ጠፊእዎም ኣይመስለንን። ንዓይ ዝመስለኒ ጠፊእዎም ዘሎ ጠርናፊ እዩ። ዘራጊ ማይ ከሎ ጽሩይ ማይ ንኸይስተ ከምዝበሃል፡ ሓድነት ንኽፈጥሩ ዝተፈተ ፈተነታት ብተንኮል ኢሳይያሳዊያን ፈሺሉ ‘ዩ። ኢሳይያስ ድኹም ጎኒ ኣጽኒዑ፡ ሰለይቱ ኣቀዲሙ ኣብቲ ናይ ተቃውሞ ደንበ ብምስሏኽ፡ ኣብ ምፍሻሉ ተዓዊቱ እዩ። ”

    ደብረ

    There is a lot of mistrust among ‘Tegadeli’ of both fronts. In the immediate aftermath of the liberation, there was a chance to settle a number of issues that led to unnecessary conflicts within ‘Ghedli’ and send the demons of division and resentment to hell, but unfortunately, the winners were not ready to listen. That missed opportunity, costed Eritrea a lot of it’s young life. Now, the old generation is aging and passing away. Their views and experience is helpful, but I think it’s up to the young to take the responsibly of their future.

  • WediHagher January 28, 2015

    “እቲ ንሰምዖ ዘሎና ውድበይ ትምራሕ ዝብል እንተኾይኑ እቲ ባእሲ፡ ዘሕዝን ናይ ቆልዑ ገዛ ገዛ ጸወታ እዩ። ”

    ደብረ

    I don’t claim to know everything that is happening in the opposition camp, but I am sure at least some of the main reasons for failure to work together, is not the one stated above. Political groupings in the opposition camp fall into four broad categories:

    – The old national front type
    – Ethnic based
    – Religious based
    – Region dominated (at leadership level)

    All the above groups share a few common goals, but remain divided on some major issues, such as:
    – the nature of the current regime in Eritrea
    – the degree of change they need to see
    – the type of future governance in Eritrea
    – relation of State and religion
    – centralization/decentralization
    – group rights and nationality
    .. etc.
    To tackle all these issues, by working together, mutual acceptance is required, which is not there yet, and that is delaying the long due change in our country.
    In a typical African internal conflict situation, it’s normal to have a lot of differences even about what to do with the country itself. Fortunately, in our case many ordinary people still strongly believe in Eritrea.

  • Zemuy Goitom January 28, 2015

    Dear Debre,
    I appreciate your initiative in supporting Teame Berhe.

    There is one point that I do not agree with you. You said that the Wealthy Eritreans who are living abroad are supporting the Eritrean Government. It is true they support to get some services in return. However, you should not forget that these wealthy Eritreans were denied the opportunity to work in Eritrea, and that is why they are working abroad. It does not mean that they support the Government of Eritrea. What else can they do when there is no strong opposition party that is able to challenge the regime in Eritrea. You know that everyone in the diaspora lost hope since we Eritreans are not united – because everyone of us wants to Ride the Horse for themselves. In the absence of a strong opposition party that unites Eritreans for struggle against the regime, the only option left is to not cut your relationship with the existing regime. Until one gets a better option, you can not lose the bad one you already have.

    Therefore, let us not blame the wealthy Eritreans or anyone else. The first one to be blamed is all Eritreans living abroad who are broadening their differences in the name of Religion, Awraja, my party is the best, etc. etc.

    I hate people when they start blaming others while they are not clean for themselves. First thing we Eritreans living abroad should do is to Unite under on Umbrella. Let us put our differences aside until we remove the nasty regime. Then have political parties, and let the people decide who should lead them.

    Zemuy

  • Debre January 28, 2015

    ክቡር ሓዊ ዘሙይ
    ንርእይቶኻ ምስጋናይ ይብጻሕኻ!!
    ብመጀመርታ ምሳይ ዘይተሰማማዓኻሉ ነጥቢ ዘሎ ኣይመስለንን። ከምቲ ዝበልካዮ ንኣሽቱ ኣገልግሎት ንምርካብ ንመንግስቲ ከምዝሕግዙ ተረዳዲእና ኣሎና። ከምዚ ብምግባሮም ኣነ ንሰብ ጸጋ ኤርትራውያን ጸቂጠ ኣይነቀፍክዎምን። ኣብቲ መሰረታዊ ነገር ግን ዝዘንግዕዎ ነገር ኣሎ። ስቃይ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተዉዎ ኣይመስለንን። እቲ ጸገም ኣይርድኦምን እዩ ኣይብልን እየ። እንተኾነ ሸለል ኢሎሞ ኣለዉ በሃላይ እየ። ምስ ብዙሓት ሰብ ጸጋ የዕሊለ ዝተዓዘብኩዎ እንተሃሊዩ እዚ ሸለል ምባል እዩ። ብዛዕባ ሃገር ከትዕልሎም ደስ ኣይብሎምን እዩ። ብዛዕባ መንግስቲ ጸጽብቁ ክዛረቡ ይመርጹ። ንህዝብኻ ግዳይ ጌርካ ብዛዕባ ሃብትኻ ጥራይ ምሕሳብ ዓገብ ’ዩ። ሃብታም ኤርትራዊ ክህሉ ኣለዎ። ግን ንመን ሒዝካ ዝብል ሕቶ ክምለስ ዘለዎ ይመስለኒ።
    ክቡር ዞማይ! ለውጢ እንተመጺኡ፡ ብዘይ ጥርጥር እዞም ሰባት ካብቲ ለውጢ ተጠቀምቲ ንምዃን ኣብ ቅድሚት ከምዝስርዑ ከረጋግጸልካ እፈቱ። ስለዝኾነ ኽኣ እየ ግደኹም ኣበርክቱ ዝብል መጸዋዕታ ዘቕረብኩ። ክሰምዑና ተስፋ እገብር። ኣምላኽ ይስመዓዮም።

  • Hanti-Eritra January 28, 2015

    “The past can’t happen twice, for better or worse, so it doesn’t do us any good to ruminate on it.”

    Stephen Giuse

POST A COMMENT