Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ከም ሃገርን ህዝብን አብ ኩሉ ክትክበር !!! ህዝበይ ሃየ ተንስእ ተባራበር !!

ከም ሃገርን ህዝብን አብ ኩሉ ክትክበር !!! ህዝበይ ሃየ ተንስእ ተባራበር !! ነሐሰ 4 - 2018 ብተስፋይ ተኽለ ሕ/መ/አሜሪካ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ዝመልኦ ሂወት ንምርግጋጽ፣ ሰብአዊ መሰልን ክብሪን ዘረጋገጸት ልኡላዊት ሃገር ንምህናጽ፣ካብ ግዜ ዓደየ ዓደየ ዝተባህለሉ

ከም ሃገርን ህዝብን አብ ኩሉ ክትክበር !!!

ህዝበይ ሃየ ተንስእ ተባራበር !!

ነሐሰ 4 – 2018

ብተስፋይ ተኽለ ሕ/መ/አሜሪካ

ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ዝመልኦ ሂወት ንምርግጋጽ፣ ሰብአዊ መሰልን ክብሪን ዘረጋገጸት ልኡላዊት ሃገር ንምህናጽ፣ካብ ግዜ ዓደየ ዓደየ ዝተባህለሉ እዋን አትሒዙ ክሳብ ለይተ ሎሚ  ኡፋየ ኢሉ ትንፋስ ረኺቡ አየዕረፈን። እዚ ውሑድ ተባዕ  ህዝቢ፣ ግዳ ከአ  ብጸላእቱ  ብቐሊሉ ዘይቑርጠም ሐጺን ዓረ፣ ሐሪኑ ምስ ተላዕለ ከአ ዘይዳነ ጅግና፣ አብቲ ጸረ ኢትዮጵያዊ  መግዛእታዊ ጎበጣ  ዘካየዶ መሪር  ናይ ቃልሲ ጉዕዞታቱ ብዙሕ መስተንክር  ቅያ ፈጺሙ፣ ሃገሩ ነጻ  ከም ዘውጽኤ  ዓለምና እትምስክሮ ኢዩ።

 

ተቓላሳይ ህዝብና ድሕሪ’ቲ አህላኺ መግዛታዊ ምርብራብ ብዓወት ምዝዛሙ፣ እንቋዕ ድአ ደቅና ተዓዊቶም ሐይልታት ጸልማት ተማሕዩ፣ ብርሃን ኮነልና’ምበር፣ ደጊምስ ድምጺ ውግእን ወረ ውግእን፣ ድሃይ ስእነትን ድኽነትን፣ ከቶ አይክንሰምዕን ኢና ብምባል ድአ ተተስፈወ። ህዝብና ነታ ብደም ደቃን ንብዓት ህዝባን ጠጢዓ ዝዓምበበት ውልዶ ነጻነት ክሕብሕባን፣ ንሃገሩ ምስተን ስልጡናት ሃገራት ንኽትስርዓሉ፣ ክንሃንጻ ኢና ብዝብል ሃቀንውታን ባህግን ወሲኹ፣ ካብ ውሽጢን ወጻኢን እንዳወሐዘ ርእሰማሉ ከዋፍር ተሸባሸበ።

 

እወ ከምዚ ሎሚ ዝኽሪ ታሪኽ ጥራሕ ኮይኑ ከይተረፈ፣ ህዝብና ናይ ነጻነት ጽምኡ ስለዝተበሰረ ሰሙን መመላእታ አብ መላእ ገጠር ዓዲታትን አብ ገደናታት አስመራን ዓለለን ዘለለን።

ይኹን’ምበር እቲ ሐበላ ቃልሲ ኤርትራውያን ዝኾነ ኢሳያስ፣ ፈለማ እግሩ አስመራ አብ ዝረገጸሉ፣ ነታ ዕልልታ አሰንያ ዝተቐበለቶ ሐዳስ ሃገር፣ ብሐዲሽ ተስፋ ዝህብ ናይ ሃገራዊ ዕርቅን ስኒትን መጸዋዕታ ክንዲ ዝጅምሮ፣ “ደጊም ናይ ውድባት ሐሸውየ የልቦን” ዝብል ንሕዱር ቅርሕንትን ጽልእን ዘንጸባርቕ፣ ምፍርራህን ምጒብዕባዕን ዝመልኦ ዲስኩር ብምኽንያት መዓልቲ ስዉአት ብ20 ሰነ 1991 ደርጉሖ።

ነዚ ብምስትብሃል ከአ እዛ መዓልቲ’ዚአ ኢሳያስ ብሐቲን ገባቲን ዝኾነ ባህርያቱ ዝገለጸላ፣ ናይ ምልካውነቱ ዘውዲ ዝደፍአላ ኢያ ብማለት፣ “ቀዳማይ መርድእ ንህዝቢ ኤርትራ” ብዝብል ጽሑፍ ተሪር መጠንቀቕታ ዝሃቡ ደቂ ሃገር ከአ ሽዑ ነበሩ። ክቱር ሐጎስን ናይ  ጓይላን ዳንኬራን ዝዓብለሎ ሰዓታት ብምንባሩ ግን፣ ነዚ መጠንቀቕታ’ዚ ሰብ ግደፍ ከቃልበሉ’ስ ይትረፍ፣ ንዕኡ ዝሰምዕ እዝንን ዘስተማቕር ሸውሃት’ውን አይነበሮን። እቲ ሕማቅ ነገር ናይ ህዝብና ከአ ሐደ ግዜ ሰብ ምስአመነ፣ ሕሱም ክፍአትን፣ እከይ መጋብርን  አብ ልዕሊኡ እንዳተፈጸመ ፣ ዓገብ ኢሉ ድምጹ ዘየስምዕን፣ ዳግመ ርእይቶ ጌሩ ንኽውስን ዝጽገምን ብምዃኑ ኢዩ።

 

ክቡር ተቓላሳይ ህዝብና አቱም ዘይትሕለሉ መንእሰያት ኤርትራና!!

 

እታ ነቲ ዝተሐላለኸ መሪር ጉዕዞ ዝፈንጠሰት፣ ብመስዋእትን መውጋእትን ናይ አሽሐት ደቃ ነጻ ዝወጸት ሃገርኩም፣ ዓይንኹም እንዳረአኹም እዝንኹም እንዳሰማዕኩም፣ ቆርበት ደቂ ኤርትራ ዝለበሰ፣ ንዓኹም ዝመስል ናትኩም ከአ ዘይኮነ ኢሳያስ ዝተባህለ  ተዂላ፣ አብ ጋህ ዝበለ ዕዳጋ አውሪዱዋ አሎ። ንልዑላውነታ ከም ሃገር ዘድፍር፣ ነቲ ኩሩዕ ህዝባ ከአ ክብሪ ሚዛኑ ዘዋርድ፣ ሕሱር መደረ ቃላት ብምዝውታር፣ አብቲ ንሱ ድዩ መንግስቲ አብይ አሕመድ ዝገበሮ ግብጃታት ዘርአዮ ግይጽምይጽን፣ ውርዝና ዝጎደሎ ክቱር ሸብዳዕዳዕን ተዓዚብኩሞ አለኹም።  ክቡር ወዲ ሃገር!! ነቶም “ከምዚ ማለቱ እንድአሉ” እንዳበሉ ነቲ መሕፈር ስርሑን አዘራርባኡን ከጸባብቕሉ ህርድግ ዝብሉ ሐዲግካ፣ ካብ ምስ ኮነ ትሒም ትሒም ምባልን፣ መአስ ከምኡ መሲሉና ኢልካ ዋይዋይን ትርጉም አይክህልዎን ኢዩ’ሞ፣ ንሃገርካ ዘድሕን ተበግሶ ምውሳድ ፍኒሕኒሕ እትብለሉ  እዋኑ ሕጂ ኢዩ። እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!! አእምሮ ዘለዎ ከአ አርሒቑ ይጠምት።

 

ንመስመር ቀይሕ ባሕሪ ንምቁጽጻር ዝዓለመ፣ ብአሜሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ዝተቐየሰ፣ብስዑድያን መሐዙታን ከአ ዝትግበር፣ ሐዲሽ ጂኦ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ዝርርብ ካብ ዝጅምር ክልተ ዓመታት ከምዝገበረ አምባሳደር አሜሪካ አብ ኢትዮጵያ ከም ዝሐበረ’ውን ዝዝከር ኢዩ። እዚ መደብ’ዚ አብ መጽናዕቱ፣ ንሃገራት ቀርኒ አፍሪቃ ብሐፈሻ፣ ብፍላይ ከአ  ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘዋፍር ፍሉይ መደብ ሒዙ ዝተበገሰ ምዃኑ  ሎሚስ ንኹሉ ጋህዲን ቅሉዕ ሚስጢርን ኮይኑ’ሎ። ስለዚ ህዝበይ አስተውዕል!! “ታሪኽ ርእሱ ይደግም” ከምዝተባህለ ሎሚ’ውን ብዋጋኻን ብዋጋ ሃገርካን፣ ስትራተጂካዊ ረብሐን ጠቕሚን ካልኦት ሃገራት ንምርግጋጽ መደብ ተታሒዙልካ ከምዘሎ ተገንዘብ። ንህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኢልካ ንምህማል፣ ብፍታሕ ጉዳይ ዶብ ተገዳስነት ዘለዎ ከምስል፣” ምስ ኤርትራ ዝምድና ንምግባር ቅሩባት ኢና ንቐያዲን ናይ መወዳእታን ስምምዕ ውዕሊ አልጀሪስ፣ ብዘይ ቅድመ ኩነት አብ ግብሪ ከውዕሎዮ ኢየ” ዝብል ናይ አብይ አሕመድ አዋጅ፣ ገርሂ ልቢ ዝኾነ ህዝብና አብቲ ፈለማ ሰናይ ገበርካ ብምባል ደጊፍዎን ተሐጒሱሉን ኔሩ ኢዩ።

 

እንተኾነ ግን ግዜ እንዳበልዔን ነገር እንዳሃሰሰን ምስ ከደ ፣ አዋጅ አብይ አሕመድ ናይ አምሰሉን ንህዝቢ ኤርትራ ከአ ትኽስ መበሊን ዝተጠቕመሉ ምዃኑ እንዳበርሀ  ክመጽእ ድአ ረአናዮ። እቲ ሜላዊ ሽጣራ ግዜ ምውሳድን፣ ህዝቢ ኤርትራ ዓቕሉ ጸቢብዎ ስለዘሎ ንዝበልናዮ ክቕበለና ኢዩ ብማለት፣ ናይ ባስ’ባ ናይ ነፋሪት መገዲ ከፊትናዮ ብዝብል፣ እዋናዊ ትያትሮ መስሪሕካ፣ ብዝመቀረ ጥዑም  ቋንቋታት ብምስትምቓር አረሳስዕ አቢልካ፣ ናብቲ ቀንዲ ዘበገሶም ስትራተጂካዊ ረብሐታቶም ዘነጻጸረ ጉዕዞ ክተሐሐዝዎ ምዕዛብና፣ ኩሉ’ቲ  ውሕሉል መደረ አብይ መዘናግዒ ጸወታ ምንባሩ ጋህዲ ድአ ኮነ። ነዚ ዘረጋግጾ ብቑዕ ጭብጢ ከአ ካብቲ አብ ዋሺንግቶን ዲሲ ዝተገብረ ሰፊሕ ናይ ኢትዮጵያውያን አኼባ፣ ዶክተር አብይ አሕመድ ባዕሉ አብ ዘስመዖ መደረ ንምግንዛቡ ዘጸግም አይኮነን። ገለጻ ዶክተር አብይ አሕመድ ቃል ብቓሉ ከምዘለዎ ንምጥቃሱ ከአ “አብ ኩሉ ዝርርባትና ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ብዛዕባ ጉዳይ ዶብ ዝምልከት ፈጺምና አየልዓልናን አይተዘራረብናን. .. ጉዳይ ዶብ ካልአዊ ቦታ ዝውሃቦ’ምበር ቀዳምነት ዝግብኦ አይኮነን” ዝብል ንጹር መልእኽቲ ምሃቡ ኢዩ። ንኤርትራውያን ካብዚ ዝዓቢ ንጹር መልእኽቲ ከአ የለን።  ከመይ ቅድሚ ኩሉ ዘገድሰና እቲ ንልዑላዊ ሃገራዊ ህልውናና ውሕስነት ዝህብ ንጹር ምሕንጻጽ ዶባትና ኢዩ።

 

ካብዚ ሐቂ’ዚ ብምብጋስ ዶክተር አብይ መሐመድ ነቲ ፈለማ ብዛዕባ ምሕንጻጽ ዶብ ምትግባር ዝበሎ መብጽዓን መግለጺን ጠንጢኑ፣ ቀንዲ መአዝን አቕጣጭኡ ካልእ ዕላማ ምርግጋጽ ምዃኑስ መን’ከ ድአ ይስሕቶ? ዶክተር አብይ ንኹሎም ኢትዮጵያውያን እንኮላይ ነቶም ቀንዲ ጸላእቲ ነጻነትን ሐርነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ንመንግስቱ ሃይለማርያም ከይተረፈ ይአኻኽብ አሎ። ኢሳያስ ከአ ብአንጻሩ ንኹሎም አብ ነጻነታውን ሐርነታውን እጃም ዝተጻወቱ ኤርትራውያን  ከሳጉግን ክቕንጽልን፣ ነንዝተወልደ መንእሰይ ጓልናን ወድናን ተስፋ አቚሪጹ ክዘርወናን ክበታትነናን ኢዩ ዝውዕል ዘሎ። ዶክተር አብይ ንናቱ ጸላእቱ ከይተረፈ ገዛገዛ ኳሕኲሑ ክጥርንፍ ከሎ፣ ንምልካዊ ኢሳያስ አደልዲሉ ንኤርትራ መታን ከድክም ከአ፣ ድሮ ንተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ምንቅስቓሳተን  ክኽልክልን ክግድብን ትእዛዝ ሂቡ አብ ግብሪ  ከውዕሎ ጀሚሩ አሎ። ውሕሉል ቃላትን ብመርዚ ዝተሸፈነ ጥዑም  መሃመሊ ስብከትን  አብይ አሕመድ ደጊም ይአክል። አብ መንጎ አብይን ኢሳያስን ዝግበር፣  ህዝብና ከአ ዘይፈልጦን ዘይአምነሉን ውዕላትን ስምምዓትን ከአ ፍሩስን ንጹግን ከምዝኾነ፣ ንዝመጽእ ሳዕቤናቱ ከአ ዶክተር  አብይ ተጠያቒ ምዃኑ  ብአግኡ ክፈልጥ ይግብኦ።

 

ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክንብሎ እንደሊ፣ ከም ክልተ ጎረባብቲ፣ ታሪኻዊ ምትእስሳር ዘለና አሕዋት አህዛብ መጠን፣ አብ ሕድሕድ ምክብባር ዝተሞርኮሰ፣ ንህልውና ልዑላውነት ክልተ ሃገራትና ዝቀባበልን፣ አብ ናይ ክልቲኡ አህዛብ  ማዕርነታዊ ረብሐታት ዝተሰረተ ሰላማዊ ዝምድናን ምትእስሳርን ንክህሉ መላእ ኤርትራውያን ደገፍቱ ምዃንና  ነረጋግጸልኩም። እቲ ንመላእ ህዝብና እንዳ አንብዔ አብ ትሕቲ ጸላም መግዛእቱን ጭቆናኡን ዘንበረ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዝኸድዔ ኢሳያስ ግን፣ ንኤርትራ ወኪሉ ውዕልታት ክፍጽምን ከፈጽምን ከምዘይክእል  ህዝቢ ኤርትራ አቐዲሙ የጠንቅቕ። ህዝቢ ኤርትራ ንዝመጽእ ሳዕቤናት ይንአስ ይዕበ ተጠያቒ ከምዘይኮነ ከአ የተሐሳስብ።

 

አንታ ኤርትራዊ ተንስእ ተበራበር!! ከምቲ ሐደ ሰብ ብሐንቲ ሕሻል ፍሕሶ  አግማል ተር አቢሉ ዝመርሐን፣ ብሐደ ኢሳያስ ዝስሕባ ፍሕሶ ሕሻል ተወጢጥካ ምኻድ ይአክል በል። ነታ ኢሳያስ ዝሐዛ ፍሕሶ ሕሻል በቲኽካ  ሐርነትካ ክትእውጅን እምቢ ንምልኪ ኢልካ ክተት ክትብልን  እዋኑ ሕጂ ኢዩ። ብሐደ ግለሰብ ኢሳያስ ዝተባህለ ንዘመናት ክትምረንን ክትሕየርን’ከ አንታ ንጋዶ’ዶ አይኮነን? ከም ህዝቢ መጠን ዘንቀጥቅጥን ዘናውጽን  ሐይሊ ምሳኻ አብ ኢድካ ከም ዘሎስ ህዝበይ አይበጻሕካዮን አየላለኻዮን’ዶ ኾን ኰንካ ኢኻ? ደመኛ ጸላኢኻ እኮ አብ ዝባንካ ኢኻ ሐንጊርካዮን ሐዚልካዮን ዘለኻ።

 

ክቡር ኤርትራዊ ተንስእ ተበራበር!! ህድእ ኢልካ ሕሰብ ሃገር ከይተጥፍእ!! እቲ ተቓዋሚ’ዶ ደጋፊ ዝብል ናብ ሕድሕድካ ዘነጻጸርካዮ ብልሒ ኲናትካ ንመን ከም ዝወግእ ንመንከ  ከምዘርብሕ አስተውዕሎ። ሐቢርካ ከአ ምሉእ ሐይልኻ ጠርኒፍካ ናብ ጸላእትኻ አዙሮ። አቱም እትመኽሩ ዓበይቲ ሽማግለታትን፣ አቱም እትጎዩ ጎርዞን ጎበዝን፣ አቱም ናብ አምላኽ ለይትን መዓልትን እትጽልዩ መሻይኽን አቕሽቲ ካህናትን ጸለይትን፣ አቱም ምሁራት ተፈላሰፍትን፣ ሃገርኩም ንምድሐን በብዘለኩም ሃየ ተለዓሉ ታሪኽ ስርሑ። ብሐዲሽ ንያትን ተስፋን ከአ ዳግማይ ትንሳኤ ኤርትራ ክዉንን ጋህዲን ንምግባር ሃየ ተለዓሉ ተበገሱ።

ብወገነይ ንዳግማይ ትንሳኤ ኤርትራ ከም መበገሲ ርእይቶ የገልግል ኢዩ ዝብሎ እንሆ:-

  • ንመላእ ኤርትራውያን ንምጥርናፍ አብ ሐደ ከአ ንምዕሳል፣ ንፖለቲካዊ ውድባት፣ ሲቪካዊ ማሕበራት፣ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት፣ መንእሰያት፣ ሃይማኖታዊ መራሕቲ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ምሁራትን ዘካተተ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮ ዝወሰደ፣ ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ዝካየደሉ መንገዲ ምርካብ።
  • አብዚ ሃገራዊ ዋዕላዚ ኩሉ ሸነኽ ዘለዎ ቅሬታን ቂምን ብግልጺ ብምውራድ፣ ንኡስ ናይ ሃገራዊ ዕርቅን ስኒትን መአዲ መስርሕ ኮይኑ፣ ልቢ ንልቢ ተወሃሂቡ መበገስታ ሐዲሽ ምዕራፍ ክኸውን።
  • ነቲ ቅድሚ ሕጂ ጻዕርታት ዝተኻየደሉ ሰነዳት ዋዕላታት ኮነ ኮንፈረንሳት ከም ሐጋዚ ሰነድ ምቕራብ፣ ምሁራትን ፈላጣትን ዝቐረብዎ እንተሎ ከአ ዕድል ክውሃብ።
  • አብዚ ሃገራዊ ዋዕላዚ ኩሉ ተዛትዩ ዝመኸረሉን ዝተሰማማዓሉን መትከላት፣ እንኮን ሐደን መምርሒን መጠርነፊን ጉዕዞ ሃገራዊ ተቓውሞና ክኸውን ዋዕላ ከጽድቕ። ክሳብ ውድቀት ኢሳያስ ከአ ብኡ ጥራሕ ተቓውሞና ተማእኪሉ ክምራሕ አብ ስምምዕ ክበጽሕ።
  • ንድሕሪ ውድቀት ኢሳያስ ዘገልግለና ናብ ምሉእ ቅዋማዊት ኤርትራ ከአ ዘሰጋግረና፣ ሰነድ ብእግኡ ሕጂ ክዳሎ።
  • ካብዚ ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ’ዚ ንኹሉ መልክዕ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝውክልን ዘንጸባርቕን ሃገራዊ መሪሕነት ክቐውም። ንመንእሰያትን ደቂ አንስትዮን ምሁራትን ከአ ምሉእ ተሳታፍነቶም ዘረጋግጸሎም ክኸውን።ናብ ሐዲሽ ወለዶ ዘሰጋግር አንፈትን መአዝንን ዘትሕዝ ክኸውን።
  • ኩለን ፖለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ውልቀ ውድባዊ ንጥፈታተን አደስኪለን፣ በቲ አብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝጸደቐ መትከላትን፣ በቲ ዝቖመ መሪሕነትን ንኽምርሐ ምሉእ ፍቓደኛታት ክኾና። ምሉእ ሐይለን ከአ ንዕኡ ንምዕዛዝ እጃመን ከበርክታ።
  • አብ ኩሉ ዓለም ዝርከብ ህዝብና ከአ ቃልስና ብዝቐልጠፈ ንኽዕወት፣ ሐርነት ኤርትራ ከአ ንኽረጋገጽ፣ ምሉእ ድጋፉን አበርክቶኡን ክገብር፣ አብ ዘዘለዎ ህዝባዊ ስርርዓት ከካይድን፣ በቲ ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝወጸ መሪሕነት ጥራሕ ዝውሃብ መምርሒ አብ ግብሪ ከውዕልን።
  • ነቲ ዝወጸ መሪሕነት ብዝለዓለ ዘመናዊ ስልጡን አመራርሐ መታን ክመርሕ፣ ካብ ኩሎም አካል ሕብረተሰብና ዝሳተፍዎ፣ ፖለቲካዊን ቁጠባውን፣ ናይ ወጻኢ ፖሊሲታት አጽኒዖምን ተመራሚሮምን ንውሳኔታት ሐጋዚ ዝኸውን ዝቕርቡ ናይ ምሁራን ሊቃውንቲ THINK TANK ትካል ብግቡእ ክቐውም።
  • ንመንእሰይ ወለዶ አብ ምምራሕ ሃገሩ ዝያዳ ቦታ ንምሃብን፣ ነቶም ገዳይም ተቓለስትን መራሕትን ዝኸውን ከአ ቑጠባዊ ሐገዝን ደገፍን ዝግበረሉ መጽናዕቲ ምክያድ። የጠቓልል።

ነዚ ርእይቶ’ዚ ብዝበለጸ አሃብቲሞም ከቕርብዎ ዝኽእሉ ለባማትን ሐያላትን ሊቃውንቲ ኤርትራ ከምዘለዉ ብምሉእ ልቢ እአምን። በዚ አጋጣሚ ከአ ንኩሎም ዝነአሱን ዝዓበዩን ሊቃውንቲ ሃገረይ እጃሞም ከበርክቱ ቅሩብነቶም ከአ ከርእዩ ብምሉእ አኽብሮት እጽውዕ።

 

ልዑላዊ ነጻነታ ዝዓቀበት ሐራ ኤርትራ ትንበር!!

ዝኽሪ ንኩሎም ሰማእታት ኤርትራ!

እግዚአብሄር አምላኽ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!!!

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Hagherawi August 8, 2018

    Brother ተስፋይ ተኽለ

    The points you presented here are good and I hope others will add to it.
    If we Eritreans cannot work together and bring about a radical change in our country, our very existence as a nation is in danger.
    Justice seekers should have an interim program approved by all stakeholders and later when the time permits, we should amend the 1997 constitution to address a number of issues rejected by Higdef at the time.
    In a nutshell let’s find a legal framework for our work. Let’s leave aside partisan politics and defend the nation. Let’s give our young a leading role. Let’s try to do something inside the country because our neighbors have no interest in helping us.
    And above all, let’s stand together, shoulder to shoulder and strength bonds of fraternity and solidarity among our people. If we don’t stand together we are lost.

    • Tesfai Tekle August 8, 2018

      My Dearest brother Hagherawi my utmost greeting to you!!
      You have said it so eloquently to the point and I thank you. Narrow organizational and partisan politics is so outdated. If Eritreans want to have a viable and solid Nation, we should not live in the past instead we to look and work for tomorrow’s bright future. That bright future is our generation, let’s see farsighted for the sake of the present and coming generations.

  • Berhane Haile August 8, 2018

    ኵሉ ሰብ ክስዕቦን ክድግፎን ዘለዎ ሰናይ ርእይቶ። ሎሚ ካልኣዊ ፍልልያትና ኣወጊድና ኣንጻርዚ ገባቲ ስርዓት ክንብገስ እንተ ዘይክኢልና ሃገር ኣብ ሓደጋ ከም ትወድቕ ርዱእ ነገር’ዩ። እቲ ብዓቢ ጥርጣረ ዝጥመት ዝነበረ ኣካይዳ ኢሰያስ እንሆ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተጋህደ ክኸይድ ይርአ ኣሎ። ስለዚ፡ ብፍላይ መንእሰያት እጅገኹም ተበጊስኩም ብድድ በሉ። ውድበይ ውድብካ፡ ማሕበረይ ማሕበርካ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምስ ተፈቕደ ነርክበሉ ኢና።

  • k.tewolde August 9, 2018

    Remember when the TPLF confiscated the property,evicted and deported thousands of Eritreans from Addis Ababa,look what is happening to their ethnic group in the southern region of Ethiopia today,not that I condone it,but what goes around comes around,God is watching.That said,this little nation have owners who brought it forth with blood ,sweat and tears,a quarter of them evicted and in disarray the rest silenced with the gun or rotting in underground dungeons and shipping containers.A few enjoying the benefits and wheeling and dealing like it is their personal property with no accountability,transparency and rule of law.Yes,it is time to claim it back before it is changed to few hands and Tesfay’s pointers are a good beginning.

  • Hagherawi August 9, 2018

    “,look what is happening to their ethnic group in the southern region of Ethiopia today,not that I condone it,but what goes around comes around,God is watching.”

    k.tewolde

    Tigreyans are being killed almost everywhere in Ethiopia. And because the Amhara and Oromo find it difficult to know who is Tigreyan and who is Eritrean many Eritreans are also suffering. One reason why Tigreyans are being targeted is because of unfair business practices of Weyane. The latter gives money to ordinary Tigreyans to invest in other regions. They are also accused of monopolizing supplies to public projects.
    Now hundreds of thousands left Southern Ethiopia and are back in Addis or Tigray leaving behind their small businesses. They don’t feel safe to go back.
    It’s unfortunate that this is happening to ordinary people, but it’s a lesson to Weyane who is a very cruel group like their cousins Higdef.

    • k.tewolde August 9, 2018

      Indeed Hagerawi,Hegdef with the same mindset and political culture divided Eritrea into zones eliminating the distinct identity and pride of its indigenous people and redistributing their land unfairly and confiscating swaths of them for his coffers,same sin.What goes around comes around.God is watching.

  • ተስፋይ ተኽለ August 9, 2018

    ክቡር ሐው ብርሃነ ሃይለ ኩሉ ዝበልካዮ ቅኑዕን ሐቂ ኢዩ። አብ ጉዕዞ ብረታዊ ተጋድሎና ምስ ኩሉ ሕጽረታትናን ድኽመታትናን፣ ስሙር ርእይቶን ሐድነትን ህዝብና ጸረ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ስለዘረጋገጽና ኢና ተዓዊትና። ሕጂውን ጸረ መላኺ ስርዓት ዝሰመረ አመለኻኽታን፣ ዝተወሃሃደ አካይዳን እንተዘይወኒንና፣ እዛ ሃገር መፍቶ ጸላእታ አብ ሐደጋ ክትአቱ ኢያ። ማሕበረይ ማሕበርካ፣ ውድበይ ውድብካ፣ ወገነይ ወገንካ ግዚኡ ዝሐለፎ፣ መኽስር ህዝብን መባኸኒ ንያቱን ሞራሉን ኢዩ። ስለዚ እዋኑ ተቓዋሚዶ ደጋፊ ዝብል ፈላላዪ መናድቕ ሰቢርና፣ ሐይሊን ትሕዝቶን ክእለትን ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ጸንቂቕና ናብ ዓወት ገጽና ክነምርሐሉ ዝግባአና እዋን ሕጂ ኢዩ።

POST A COMMENT