Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ኦም ብሓኽላ ትጠፍእ”

ዝኸበርኩም ኤርትራዊያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ኩልና ከም እንርደኦ ሓንቲ ዓባይ ኦም ከም ሳግላ ወይ ዳዕሮ በታ ሓጺን ፋስ ጥራይ ክትቁረጽን ክትወድቕን ኣይትኽእልን’ያ።ነታ ሓጺን ሓኽሊ ወይ ለዓት ምስ እትገብረላ ግን ሓይሊ ረኺብካ ነታ ዓባይ ኦም ክትቆርጻ ትኽእል።መሲልካ

ዝኸበርኩም ኤርትራዊያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ኩልና ከም እንርደኦ ሓንቲ ዓባይ ኦም ከም ሳግላ ወይ ዳዕሮ በታ ሓጺን ፋስ ጥራይ ክትቁረጽን ክትወድቕን ኣይትኽእልን’ያ።ነታ ሓጺን ሓኽሊ ወይ ለዓት ምስ እትገብረላ ግን ሓይሊ ረኺብካ ነታ ዓባይ ኦም ክትቆርጻ ትኽእል።መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ ስለ ዝኾነ፣
ናብ ስሳታት ተመሊስና ናይ ኤርትራ ታሪኽ ምስ እንርኢ ኤርትራ ናብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናይ ኢትዮጵያ ከም እትቑረን ዝገበሩዋ እቶም ካብ ማህጸና ዝወጹ ደቃ በዓል ተድላ ባይሩ፣ተድላ ዑቕቢት፣ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፣ደጃዝማች ገብረዮሃንስ ተስፋማርያምን ቀሺ ዲመጥሮስ ወዘተ ኢዮም። ኣብ ምሉእ ኤርትራ ብኢትይጵያዊያን ብዝተዋፈሩ ሰለይቲ ብፍላይ ተጋሩ ብዝተዋህቦም ሓበሬታ፣ ኤርትራዊያን ሰበ-ስልጣን ነቶም ኤርትራ ንኤርትራዊያን ኢሎም ብትብዓት ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣሲሮምን ቀጥቂጦምን ሃገሮም ሓዲጎም ከም ዝስደዱ ጌሮምን።ኣብ ግዜ ምፍራስ ፈደረሽን ንኤርትራ ንምጥፋእ ዓቢ ሚና ዝተጻወቱ ኤርትራዊያን ናይቶም ብኢትዮጵያ ዝተወከሉ ከም’እኒ ኣስራተ ካሳ፣ዓቢ ኣበበ፣ቁምላቸው፣ኮሎኔል ኣሰገሀይ ኣርኣያ መሳርሒ ብምዃን ኢዩ።ንምፍራስ ፈደረሽን ንምቅልጣፍ ኣብ ርእሲ’ቶም ኣብ ላዕሊ ዝሰመኹዎም ሰበ-ስልጣን ኤርትራዊያን ካልኦት ናእሽቱ ኮራኩር ኤርትራዊያን’ውን ኣብቲ ግዜ’ቲ ምስ ናይ ጸጥታ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝነበረ ኮለኔል ኣስገሀይ ብምትሕብባር ክሳብ ገጠራት ኤርትራ ብምኻድ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ክትቁረን ንሓረስቶት ከይተረፈ ዘፈረሙዎም ኤርትራዊያን ኢዮም።ናይ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ምንብርካኽ ክታሞም ናብ ንጉስ ሃይለስላሴ ብተሌግራም ምስ ተላእከ፣ንጉስ ሃይለስላሴ ሽዑ ንሽዑ ብኣዋጅ ኣፍሊጦም። ኣቶ ኣክሊሉ ሃብተወልድ ኣብቲ ግዜ’ቲ ናይ ኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚኒስተር ዝነበረ፣ ነቲ ብድፍኢትን ብዓመጽን ዓማጺጽካ ዝግበር ዝነበረ ናይ ፈደረሽን ምፍራስ፣ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያዊነቱ ኣሚኑ ተረዲኡ ክሳብ ዘይተቐበሎ ኣብ ቀጻሊ ሕማቕ ሳዕቤናት ከምጽእ ከም ዝኽእል ተረዲኡ ተቓውሞኡ ብንጹር ኣርእዩ ነይሩ።ንጉስ ሃይለስላሴ ግን ብዘይ ኣፍልጦ ኣክሊሉ ኣዋጆም ከም ዘማሓላለፉ ይፍለጥ።
ካብዚ ቀጺሉ ዝሰዓበ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ምንብርካኽ ሾታኣ ምስ ወቕዐት ነቶም ዕሱባታ ኮይኖም ዘገልገልዋ ላዕለዎት ሰብ-ስልጣን ኤርትራ ካብ ዝነበሮም ስልጣን ኣውሪዳ፣ኣብ ዝተሓተ ቦታታት ብምምዳብ ቀልጢፋ ናብ ውሽጢ ሃገራ ቀይራቶም።ሓደ ካብቶም ኣሳርን ቀጥቃጥን ዝነበረ ጀነራል ተድላ ዑቕቢት ናብ ኢትዮጵያ ተቐይርካ ምስ ተባህለ እቲ ህርፋን ስልጣኑ ንምርዋይ ኤርትራ ንምሻጥ ንነዊሕ ግዜያት ዝጸዓረሉ ተጣዒሱ ማለት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ክትከውን የብላን ናብ ዝብል ሓሳቡ ከም ዝቐየረ ኣብ ትሕቲኡ ንዝነበሩ መኮንናት ኣፍሊጡ።ኣብ ኣስመራ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ኢትዮጵያ በዓል ዓቢ ኣበበ ብዝረኸብዎ ሓበሬታ፣ጀነራል ተድላ ንኽእሰር ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም፣ቤት ጽሕፈት ናይ ተድላ ዑቕቢት ብሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ተኸበ፣ጀነራል ተድላ ዑቕቢት ኢዱ ንኸይህብ ሂወቱ ባዕሉ ከም ዝፈረዳ ኢዩ ዝዝንቶ።
ብድሕር’ቲ ዝተገብረ ዘይሕጋዊ ፈደረሽን ምፍራስን ብሓይሊ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊት ገዛኢት ኢትዮጵያ ምቑራንን ህዝቢ ኤርትራ ክቐስን ስለ ዘይከኣለ፣ኣንጻር ባዕዳዊ ገዛኢ ቃልሱ ብምቕጻል፣ንሰላሳ ዓመታት ብጀጋኑ ደቁ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ብምክያድ ክሳብ ሰብዓ-ሺሕ ምዑታት ደቁ ሰዊኡ ነጻነቱ ብምግንጻፍ
ንልዑላውነት ሃገሩ ኣውሒሱ።በቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ብደቅናን ኣሕዋትናን ኣሓትና ዝተራእየ ጅግንነት፣ትብዓትን ቆራጽነትን ኮሪዕናን ተሓቢናን እንቛዕ መፈጠረይ ኤርትራዊ ኮንኩ ክንብል ክኢልና።
ክቡራትን ክቡራንን ኤርትራዊያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ሎሚ ግን ነገሩ ስለ ዝተጋላበጠ፡ተዋቒዑኒ፣ነታ እንቋዕ መፈጠረይ ኤርትራዊ ኮንኩ ኢለ ዝተሓበንኩላ ሃገር ሎሚ፡ኤርትራዊነተይ ዘጽልኣኒ ኩነታት ተፈጢሩ።ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ከምቲ ትምኒት ህዝቢ ኤርትራ መሰል ህዝባ ዝተሓለወላ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ትኸውን፣ ክሕደት፣ጥልመት፣ማእሰርቲ፣ስቓይ፣ጭቆና፣ሽቑረራ፣ስደት፣ጥሜት፣ሕማም፣ድንቁርና ዝሰፈነላ ኣብ ዓለም ዝተጸልኤትን ዝተገለለትን ዝደሓረትን ሃገር ኮይና ኣላ።ንኹልና ብሩህ ከም ዝኾነ እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት በቲ ህዝቢ ኤርትራ ከይተረድኦ ከም ኣምላኹ ዘምልኾ ዝነበረ ሎሚ ንሕድሪ ስዉኣት ጠሊሙ ንዕስራን ሾውዓተን ዓመታት ብጭቆና ዝገዝእ ዘሎ ከዳዕ፣ዘራጊቶ ውልቀ-መላኺ ኢትዮጵያዊ-ኤርትራዊ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኢዩ። እቲ ዘገርም ክትኣምኖ ዘጸግም ኮይኑና ዘሎ፣እቶም ብጅግንነት ተዋጊኦምን ኣዋጊኦም ነጻነት ዘምጽኡ ሜጀራት፣ካፕቴናት፣ኮሎኔላት፣ጀነራላት ኣንጻር 300,000 ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓወት ዝተጓናጸፉ፣ሕጂ ግን ኣብ ርእሰይ ኣይትብጻሕ ብማለት ርእሶም ኣድኒኖም ሕሊናኦምን ኒሖምን ኣደንዚዞም ኣብ ርእሲኦም ሓደ ከዳዕ ዝንቡዕ ኣእምሮ ቸቸ ዝብለሎም ዘሎስ ብሓቂ እቶም ናይ ቀደም ጀጋኑ ዲዮም ብማለት የታሓሳስበኒ። ዝኸበርኩም ናይ ግዜ ሰውራ ጀጋኑ ኤርትራዊያን፡ ከምቲ ቀዳሞት ሰበ-ስልጣን ኤርትራ በዓል ተድላ ባይሩ፣ተድላ ዑቕቢት፣ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፣ደጃዝማች ገብረዮሃንስ ተስፋማርያም፣ቀሺ ዲመጥሮስ ገብረማርያም ወዘተ፡ንስስዕቲ ስልጣኖም ንሃገርና ኤርትራ ዝሸጡ ሕጂ ከኣ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምስ ውሑዳት ስሱዓት ሰዓብቱ ጀነራላት ከም በዓል ጀነራል ፍሊጶስ፣ጀነራል ተኽለ ማንጁስ፣ኣብርሃ ካሳ፣ስምኦን ገብረድንግል ነታ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ኤርትራውያን ዝተረኽበት ነጻነት፣ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጥዎ ብውሽጣዊ ውዑላት ናብ ኣምሓራ ትሽየጥ ኣላ።በዚ ሕጂ ዝስማዕ ዘሎ ኣብ መንጎ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስን ዓቢይ ኣሕመድን ዝግበር ውሽጣዊ ውዕል ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወታሃደራት ምውህሃድ፣ኣብ ሓጺር ግዜ ዝትግበር ኮይኑ ገለ ጀነራላት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ መምርሒታትን ትእዛዛትን ከም ዝህቡ ዘይተርፍ ኢዩ።እዞም ሕጂ ዘይትትንከፉ ዝመስለኩም ዘሎ ጀነራላት ኤርትራ በዓል ፍሊጶስን፣ተኽለ ማንጁስን ኣብርሃ ካሳን ስምኦን ገብረድልግልን ብላዕለዎን ጀነራላት ኢትዮጵያ ክትእዘዙ ከለኹም ጸላዕላዕ ስለ ዝብለኩም ከም ኣያኹም ጀነራል ተድላ ዑቕቢት ኣብ ነብሰ-ቅትለት ከም ትበጽሑ በቲ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ ሽጣራታት ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ዓቢይ ኣሕመድን ክቃላዕ’ዩ።
ሰራዊት ኤርትራ!!! ዓድኻ ክዝመትዶ ዓይንኻ ይዕመት’ዩ? ናይ ውልቀ-መላኺ ከዳዕ ኢትዮጵያዊ-ኤርትራዊ ኢሳይያስ ድጉል ሕልሚ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ምቑራን ብግህዶ የተግብሮ ከም ዘሎ ትሰምዖን ትከታተሎን’ዶ ኣሎኻ? ኣንቱም ህዝቢ ኤርትራ “ኣርሆስ ክሳብ ዝድብደቡ ይስሕቁ” ዝበሃል ምሳሌ ኣባና ይፍጸም ኣሎ። ሰራዊትን ህዝብን ኤርትራ “ከይኮነ ወግን ከይተስብረ ጸግን” ዝብል ምሳሌ ተረድኣዮ!! ምኽንያቱ ኤርትራ ብፍላይ ዓሰብ ጨሪሻ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኢትዮጵያ እንተድኣ ኣትያ፣ ከም ናይ ቀደም ብኒሕ ተዋጊኡ ዘምልሳ ወታሃደር ክርከብ ሕልሚ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ብድሕሪኡ ዝግበር ፈንጠርጠር ግን “ ከወደቀ በኋላ መንፈራገጥ ለመመላለጥ” ኢዩ።
መሓረናዝጊ መርሃዊ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Samuel October 4, 2018

    all you said really happen
    What we do now ?

  • Simon G. October 5, 2018

    This is heart breaking but true statement መሓረናዝጊ መርሃዊ
    However, are these so called colonels/generals Eritreans or Deqi-40, just like the evil man, isayas the Tembienay?
    Are these so called generals & colonels really Eritreans?
    1. Abraha K, Simon G (not me btw), Goitom T., colonel Tesfaldet, Adhanom G. (now he claims on the opposition side) are really from the proud land of Akele Guzay? Remember the TRUE heroes like Sherifo’s, Derue’s, Okbe’s, etc. are under ground of Ela Ero and other places.
    2. Samuel China, Keda’e Andebrehan (now he claims on the opposition side)?
    Remember the TRUE heroe like general Bitweded Abraha, etc. are in Karcheli for so many years.
    3. Gens SibHat E., Filipos, Manjus, Wedi memhir, Mesfin H. (now he claims on the opposition side), and SO MANY names to mention from this area
    4. Gens & colonels of Semahr

    Maybe it is about time to check their heredity.
    Reason for that: Isayas doesn’t trust REAL Eritreans, at all.
    Taht’s the reason why we are decimated.

  • Genet-Original October 6, 2018

    Simon G
    Good point!! If any one knows who those people are, we need help. Now, we know DIA is 100% Ethiopian. It is well known that DIA encircle himself with people like himself or Eritrean who he incriminated in crime. I agree it is time to check who they are and what they have done. The Eritrean people are very forgiving people, it is not too late for anyone to come clean and safe our people. This includes Saba, DIA’s wife. she is preparing her son to replace DIA. And Saba should not be ignored any longer. We have noting left. We are now like a sitting duck. I really believe Saba has a chance to help her people, if she cares enough for the Eritrean people. Saba should not be allowed to stay under the radar. For GOD sake, we heard she was a freedom fighter. She is no different from the useless so called generals. It is time for her to be held accountable.

  • k.tewolde October 7, 2018

    Meharenazghi,God save us indeed,all that sacrifice will not go in vain,the Lord simply wont allow that.Yes it is deja vu allover again like you said, history repeating itself,majority of the warsay generation doesn’t even have a clue it happened as part of their nations history because it is a generation indoctrinated strictly to serve a dictatorial regime,their scope of knowledge is confined in the auspices of HGDEF and its culture and I don’t have nothing against warsay. Honestly,I don’t know any of the shady characters mentioned above and I don’t give a rat who they are,but I know one thing,my people,my family who fought and died in both fronts,the downtrodden Eritrean people who gave everything they got to achieve freedom and independence and live a peaceful,democratic and better life who ended up light years from that dream because of those who betrayed them and those who intentionally concocted the whole situation from the get go.In the end,I truly believe there is light at the end of the tunnel,it will get worse before it gets better.

POST A COMMENT