Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዋናዊ ዜናታት – ጀርመን ንቅሉዕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብዋጋ ምዕጋት ዋሕዚ ስደተኛታት ሸለል ምባላ ዘይብሱል ፖሊሲ ምዃኑ ፖለቲከኛታትን ክኢላታትን ‘ታ ሃገር ሻቕሎቶም ከምዝገለጹ ዶቸ ቬለ ጠቒሱ። ( ከምኡ ‘ውን እስራኤል፣ ኢራን ፣ ኢትዮጵያ)

ጀርመን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝርከቦም ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ጅርመን በጺሖም ምስ ሰበ ስልጣን ‘ታ ሃገር ድሕሪ ምዝርራቦም፣ ‘ምክልኻል ሰኣዊ ምሰልት ዶ ምሕጋት ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዘርግሐ ዓንቀስ ድምጺ ጀርመን፣ ዶቸ ቬለ፣ ጀርመን ንቅሉዕ ጥሕሰት

ጀርመን

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝርከቦም ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ጅርመን በጺሖም ምስ ሰበ ስልጣን ‘ታ ሃገር ድሕሪ ምዝርራቦም፣ ‘ምክልኻል ሰኣዊ ምሰልት ዶ ምሕጋት ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዘርግሐ ዓንቀስ ድምጺ ጀርመን፣ ዶቸ ቬለ፣ ጀርመን ንቅሉዕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብዋጋ ምዕጋት ዋሕዚ ስደተኛታት ሸለል ምባላ ዘይብሱል ፖሊሲ ምዃኑ ፖለቲከኛታትን ክኢላታትን ‘ታ ሃገር ሻቕሎቶም ከምዝገለጹ ጠቒሱ።

ሓደ ናይ ሓምላይ ሰልፊ ኣባል ፓርላማ፣ “ እቲ ኣብ መንጎ ጀርመንን ኤርትራን ዝግበር ዝርርብ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ከይኣትዉ ንምዕጋት ጥራይ ዘይኮነ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ደው ኣብ ምባል ተራ ክህልዎ ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ” ክብል ከምዝተማሕጸነ እቲ ማዕከን ዜና የመልክት።  እቲ ኣብ ፓርላማ ጀርመን ምኽትል ኣቦወንበር ናይቲ ንጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝከታተል ጉጅለ ኣባላት ፓርላማ ጀርመን ዝኾነ ብዓል ስልጣን ክልቲኦም መንግስታት ብወግዒ ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሮም፣ ስርዓት ህግደፍ መርመራ ሰብኣዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ከፍቅድ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝሓበረ ‘ውን ዶቸ ቬለ የገንዝብ።

ብዘይካ ‘ዚ እቲ ኣብ ፖለቲከኛታት ኤውሮጳ ዘሎ፣ ኣብታ ሃገር ገንዘብ እንተደኣ ኣውፊርና መንእሰያት ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይክግደዱን እዮም፣ ከምውጽኢቱ ድማ ዋሕዚ ስደተኛታት ደው ክብል እዩ ዝብል ተስፋ ኣጉል ምዃኑ ኒኮል ሀርት ዝተባህለት ኣብ ሃምበርግ ናይ ምደበሩ GIGA ዝተባህለ ትካል ኣረድኣ። ኤውሮጳ ናብ ኤርትራ ገንዘብ ቅድሚ ምውጽኣ ዝያዳ ጸቕጢ ክትገብር ከምዘለዋ ‘ውን ኣትሓሳሲባ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዶቸ ቬለ ኣብታ ሓንቲ ካብ ግዳያት ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራውይን ዝኾነት ጀርመን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 25 ሽሕ ኤርትራውያን ዑቕባ ክሓቱ ከምዝሓተቱ ይፍለጥ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይይስ፣ ግፍዕታት፣ ጊላነት፣ ዓምጽን ቅትለትን ዘጠቓለለ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክምዝፍጸመ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘረጋገጸ ዝጠቐሰ ዶቸ ቬለ፣ ኣቦ ወንበር መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ “ ኤርትራ ነጻ ቤትፍርዲ፣ ሃገራዊ ባይቶ፣ ከምኡ ‘ውን ዝኾነ ዓይነት ዲሞክራስያዊ ትካል ዘይብላ ናይ ውልቀመለኽቲ ሃገር እያ” ክብል ኣብ መደምደምታ ከምዝበጽሐ ‘ውን ኣፍሊጡ።

——————

ኤስራኤል

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ንሰራዊት ሃገሮም ገዲፎም ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ናይ ዑቕባ መሰል ኣይግብኦምን እዩ ክብል ንዝወሰዶ ሕጋዊ መርገጺ ቤትፍርዲ እስራኤል ምንጻጉ ድሕነት ስደተኛታት ኣብ ምሕላው ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ ጋዜጣታት እስራኤል ገሊጸን።

መንግስቲ እስራኤል ንኤርትራውያን ስደተኛታት በልማማ ዝነጽግ ፖሊሲ እዩ ዘለዎ። እዚ ናይ ብቤትፍርዲ ዝተዋህበ ብይን ግን ጉዳያት በብውልቂ ክረኣዩ ከምዘለዎም ዝብይን እዩ።

ክሳብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ‘ዚ ብ እስራኤል ካብ ዘለዉ ዝበዝሑ ኤትርውያን ገል ም ሱዳናውያን ዝርቡዎም ልዕሊ 43 ሽሕ ስደተኛታት ኣርባዕተ ጥራይ እዮም መሰል ዑቕባ ተዋሂቦም ዘለዉ ስደተኛታት።

ኢራን/የመን

ናይ ኢራን ኣገልግሎት ዜና ፋርሲ ስዑዲ ዓረብ ካብ ሊብያ ዘሰጋገረቶም ካብ ዝተፈላለዩ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ዝመጽኡ 5 ሽሕ ኣሸበርቲ ኣብ ውግእ የመን ንኽትጥቀመሎም ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ትህቦም ከምዘላ ሓቢሩ።

ገለ ካብቶም ኣሸበርቲ ምስ ‘ቲ ኣልቓዒዳ ዝብሃል ፍሉጥ ናይ ሽበራ ጉጅለ ምትእስሳር ዘለዎም ከምዝኾኑ ብምጥቃስ፣ ታዕሊም ወዲኦም ናብ ታጅራን፣ ጄዛን ከምኡ ‘ውን ዓሲር ዝብሃላ ኣብ ደቡባዊ ስዑዲ ዓረብ ዝርከባ ኣውራጃታት ተልኢኾም ነቲ ካብ ሓይልታት የመን ናብ ደቡባዊ ስዑዲ ዓረብ ክመጽእ ዝኽእል ገስጋስ መቃዕቲ ንምዕጋት ዝተመደቡ ምዃኖም ይእምት።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብወገኑ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ዋና ተኸላኻሊ ግብረ ሽበራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃኑ ብምምካሕ ነቲ ሓበሬታ ክነጽጎ ፈቲኑ። ይኹን እምበር፣ እቲ ብዘይካ ርውየት ግዝያዊ ውልቀምልካዊ ስልጣኑ መጻኢ ምርግጋእ ቀርኒ ፍሪቃ ዘይዓጅቦ ስርዓት ምዃኑ፣ ምስ ብዓል ቀጠር እናተደጋገፈ ኣብ ሶማል ከም ኣሸባብ ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ጉጅለታት ብምምልማልን ምሕጋዝን፣ ሕጂ ‘ውን ብመሪሕነት ስዑዲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ የመን  ኢድ ብምእታው ኣብቲ ዞባ ከቢድ ሳዕቤን ዘልዎ ኣዕናዊ ተራ ይጻወት ምህላዉ ብተደጋጋሚ ኣመስኪሩ እዩ።

ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ፣ ኣንጻር መንግስቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ እሱራት ኣብ ዝርከቡሉ ቤትማእሰርቲ ናይ ሓዊ ቃጸሎ ድሕሪ ምግጣሙ 23 እሱራት ከምዝሞቱ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ደድሕሪ ቲ ፍጻሜ ቶኽሲ ከምእተሰምዐ ጸብጻባት ከምዝሕብሩ ‘ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

እቲ ቃጸሎ ካብ ቤትማእሰርቲ ንምህዳም በቶም እሱራት ኮነ ኢልካ ዝተጀመረ ምንባሩ ዘይተረጋገጹ ሓበሬታታት ከምዘመልክቱ ‘ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Hidmona September 9, 2016

    Germany and EU, instead of rewarding the brutal dictatorship of PFDJ with new funds, a humane and practical EU policy should use the same funds to avail food, shelter, counseling and transitional assistance to refugees in desperate need of help. Simply, stop EU funding of Eritrea’s repressive regime the root cause of refugee crisis.
    A new and democratic government in Eritrea can be expected to help resolve the current border stalemate with neighboring Ethiopia and urgently bring an end to the much dreaded National Service, the primary cause of the mass exodus from Eritrea. Only then can Germany or EU expect Eritreans to stay at home and become productive citizens in their own country. The biggest question is why is EU/Germany opting to salvage the dictator?

  • Solomon September 10, 2016

    What a shame and disgrace to continually witness and see so many innocent Eritreans being displaced, lost in Seas, lost in deserts, mistreated and killed in racist Arab countries and yet no united reaction or uprising by Eritreans against the brutal and murderer Esayas’s regime. What are Eritreans in a safe, free and democratic world waiting for to happen? Miracles don’t just happen by praying and by just waiting patiently! It won’t get any worse or more embarrassing than this and it is well over time for united reaction and drastic oppositions. I am sorry to say but Eritreans only seem to be good in guayilas and non-stop mad dancing.

  • Berhe Tensea September 16, 2016

    Germany or EU action of paying the dictator to control the flow of refugees will have the opposite result.
    The dictator who is too greedy will accept any amount and use it to bolster the security organs of his regime thereby increasing repression and torture. The end result is increased exodus that include the old and the disabled.
    Helping and dealing with the dictator plain stupid and irresponsible.

Post a Reply to Solomon Cancel Reply