Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዋናዊ ቅልውላው ኤርትራን ጂኦ ፖለቲካዊ ኣገዳስነቱን

21ጥሪ ወተሃደራት ኤርትራ ብታንክታትን ረሻሻትን ተሰንዮም ንሚኒስትሪ ዜና ካብ ሰዓት10 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ምሸት ሰዓት ዓሰርተ ብምቁጽጻር ቅዋም ክትግበርን እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑን ዝብል ጠለቦም ኣስሚዖም፡፡ነቲ ንርእሰከተማ ኤርትራ ቁልቁል ዝርኢ ስትራተጅያዊ ፎርቶ 12 ሰዓት ሒዞም

21ጥሪ ወተሃደራት ኤርትራ ብታንክታትን ረሻሻትን ተሰንዮም ንሚኒስትሪ ዜና ካብ ሰዓት10 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ምሸት ሰዓት ዓሰርተ ብምቁጽጻር ቅዋም ክትግበርን እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑን ዝብል ጠለቦም ኣስሚዖም፡፡ነቲ ንርእሰከተማ ኤርትራ ቁልቁል ዝርኢ ስትራተጅያዊ ፎርቶ 12 ሰዓት ሒዞም ብቐሊል ዕንቅፋት ብሰላም(ምስ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ኣኼባ ብምክያድ) መልእኽቶም ምብጽሖም፡ጠለቦም ጠለብ ህዝብን ሰራዊትን ምኻኑን ጉጅለ ህግደፍ ድማ መሽሚሹ ከምዘሎ ዘመልክት ኢዩ፡፡እቲ ጉጅለ ከምልሙድ ነቲ ኣብ ናጻ ኤርትራ ብርቂ ፍጻመ ዝተዋቕዐ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ከደናግር ፈቲኑ፡፡ልኡኽ ህግደፍ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ነቲ ስርሒት ፈጺምካ ዘይሕሰብ ዕብዳንዩ ክብል ክሒዱ።ኣብ ኣሜሪካ ዘለው ደገፍቲ ህግደፍ ግን ነቲ ስርሒት ከምዝተኻየደ ብምእማን ንኣላይን መራሕን እቲ ፍጻመ ብርእሰመስዋእቲ ንዝሓለፈ ኮለነል ስዒድ ዓሊ ከነኣእስዎ ተሰሚዖም፡፡ ህግደፍ ድማ ብታሕቲ ታሕቲ ናይ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኣምሲሉ ከበርዕኖ ብታሕቲ ታሕቲ ይሰርሕ ኣሎ ፡፡መሰነይታ እከይ ውጥኑ ድማ ንኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ ካድረታትን ሓለፍትን ኣሲሩ፡፡ዛጊት ተኣሲሮም ከምዘለው ዝተፈልጡ ሓላፊ ውደባ ህግደፍ ዓብደላ ጃብር፡ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ኣከለጉዛይን ሰራየን(ደቡብ)ሙስጣፋ ኑርሑሴን፡ኣመሓዳሪ መንደፈራ ሱለይማን ኣልሓጅ፡ኣብ የመን ቆንስላዊ ጉዳያት ዝነበረ ጃብር ደሪዕ፡ ኣመሓዳሪ ጋሽ ባርካ ወዲ ገረነት፡ሳልሕ ኮፎኖ ይርከብዎም፡፡
ማዕረ ማዕረዚ ሕንዛም ፕሮፖጋንዳ ፡ህግደፍ ንወተሃደራት ደምህት(ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐስ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዝተሰምየ ውድብ) ኣብ ተኣፈፍቲ ቦታታት ኣስመራ፡እንተላይ ኣብ ሓለዋ ኢሳያስ ኣብ ባጽዕ ኣዋፊሩ፡፡
ኣብ ሰራዊት ምክፍፋል ንምፍጣር ብሰፊሑ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ኢሳያስ ሃገራት ሽግራተን ባዕላተን ክፈትሓ ኣለወን ብምባል ንምትእትታው ሃገራት ኣብ ሶማልን ካልእን ክቃወም ከምዘይጸንሐ፡መሸንቆቓ ኣብ ክሳዱ ምስ ቀረበት፡ነቲ ብእስላማዊ ጥሩፍነትን ግብረሽበራን ከሲሱ ምስ ኣሜሪካ ተሻሪኹ ክዓልዎ ዝንቀሳቐስ ንዝነበረ ፕረዚደንት ኣልበሽር ናይ ሱዳን ትማሊ ኣብ ኣስመራ ጸዊዑ ተዛትዩ፡፡ዝርዝር ሓበሬታ ዘተኦም ኣይተገልጸን፡፡ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ዓብደላ ጃብር ንህግደፍ ወኪሉ ኣብ ምሽምጋል ተቓወምቲ መንግስቲ ሱዳን ማለት ናይ ምብራቕ ሱዳን፡ዳርፉር፡ከምኡውን ኣላሰድ ኣልሑራ(ራሻይዳ ሱዳን) ምስ ኣልበሽር ርኡይ ኣበርክቶ ስለዝነበሮ ኣብ ዝርርብ ኢሳያስን ኣልበሽርን ተላዒሉ ክኸውን ከምዝኽእልን እዚ ናይ 21 ጥሪ ስርሒት፡ እስላማዊ ምንቅስቓስ ዩ ዝብል ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ተመሊሱ ከይወቕዖ(backfire)ንምልስላስ ከምዝኾነ ተዓዘብቲ ይገልጹ፡፡ብዘይካዚ ኤርትራ ብዋጋ ሱዳን ቁጠባዊ ጸገማ ንምፍታሕ እትገብሮ ናይ ሰብ ንግዲን ኮንትሮባንድን እውን ከም ዝዝረበሉ ኣየጠራጥርን፡፡
ኣብ ውሽጢዚ ምዕባለ ዝርአ ዝምድና ህግደፍን ኢራንን ኢዩ፡፡ ህግደፍ ኣብ ሱዳን ዝመደቦ ልኡኽ ንጉዳይ ኢራን ከምዝከታተል ምግባሩ ኣገዳሲ ሕቶ ዘልዕል ኢዩ፡፡ሱዳንን ኢራንን ብጂኦግራፊያዊ ቅርበት ዘይራኸባ ክነሰን ህግደፍ ብሓደ ልኡኽ ምውካሉ ዘመሓላልፎ ነገር እንተልዩ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀይሕባሕሪ ብምዕራባውያን ሃገራትን በቶም ኣንጻር ሽዓ ዝካየድ ምንቅስቓስ(ስዑዲ ዓረብ፡ቐጠር፡የመን) ዝሰግኡ መራሕቲ ዝጥመራ ምካነን ኢዩ፡፡
ኢራን ንሰላማዊ መዓላዩ እትብሎ ኑክለሳዊ ጸዓት ንህልቂት ከይተውዕሎ ብምስጋእ፡ውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ዝወሰነላ ሃገር ኣብ ርእሲ ምኻና፡ ንስርዓት በሽር ናይ ሶርያ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከምእትገብር ይፍለጥ፡፡ኢሳያስ ነቲ ናይ ኢራን ኑክለሳዊ ትካል ከምዝድግፎን፡ኢራን መስንዕ ኣጽዋር ክትሃንጸሉ ከምዝተሰማምዐትን ኣብዚ ቀረባ ጊዘ ንስርዓት ኢራን ገዲፉ ኣብ ቱርኪ ዑቕባ ዝሓተተ በዓልስልጣን እታ ሃገር ገሊጹ።ካብ ኤርትራ ብመንገዲ ሱዳን ብጉልባብ ምስግጋር ሰባት ናብ ፍልስጥኤማዊ ውድብ ሃማስ ዝሰጋገር ኣጽዋር ካብ ኢራን ዝተላእኸ ከምዝኾነ ሓበሬታታት የመልክቱ፡፡ብዘይካዚ ነቶም ኣንጻር የመን ዝዋግኡ ሆቲ ዝበሃሉ ዓሌት ኣጽዋር ከምዝልእኽ ጸብጻባት ኣለው።
ኣብዚ ቐረባ ጊዜ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ መዘናኡ ሓለቓ ስታፍ ቐጠር ዝገበሮ ርክብ ብመንጽር እዚ ወተሃደራዊ ምዕባለታት ምርኣዩ ግድን ኢዩ፡፡ቐጠር ነቲ ኢሳያስ ዝኸሓዶ ምስ ጂቡቲ ዝተፈጥረ ጎነጽ ብመንጎኝነት ሰራዊታ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣስፊራ ዘላ ሃገር ከምዝኾነትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብኣንጻር እቲ ስፍሓታ ዓቢ ፖለቲካዊ ወተሃደራውን ቁጠባውን ጽልዋ ዘለዋ ሃገር ያ፡፡ህግደፍ ኣብዚ ሳምንቲ ነቲ ካብ ቐጠር ዝፍኖ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዘለዎ ማዕከንዜና ኣልጀዚራ ምእጋዱ ኣብ ዝምድናኡ ምስ ቐጠር ሒቕታ ከምዝተፈጥረ የአንፍት፡፡
ኢሳያስ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻኢን ዝወስዶ ስጉምቲ ምግማቱ ኣጸጋሚ እካ እንተኾነ፡ንስልጣኑ ክብል ንማያት ቀይሕ ባሕሪ ከምዝጣልዓሉ ግን ዘይሕሰብ ኣይኮነን፡፡በዚ ድማ ነታ ቀንዲ ጸላኢ ኢራን ዝኾነት እስራኤል ኣብ ደሴታት ዳህላክ መጸናተዊ መደበራት ፈቒዱላ።
ነዚ ቅልጡፍን ተኣፋፍን ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምዕባለታት፡ኣብቲ ዓቢ ስእሊ ኣእቲና ብምርኣይ ብዝወሓደ ክሳራ ናብ ረብሓና ክንቅይሮ ብንቕሓትን ብትብዓትን ክንሰርሕ ካብ ወትሩ ንላዕሊ መድረኽ ይሓተና ኣሎ።

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Wedi Mekonnen February 4, 2013

    Degol – agree with you. The mad dog in Eritrean does not know what he is doing. In his own country, he suppresses liberal Islam while he supports extreme Islam everywhere including in Libanon, Yemen, Sudan, Somalia, and Ethiopia.

    Supporting your likes in lines of ideology is not naive in politics but supporting groups who woluld sooner or later be enemies to yourself and to your own country is madness!!! Before it is too late for Eritrea and the Horn, this man has to go!!!

POST A COMMENT