Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዋናዊ ሓበሬታ፣ ዕጹው ኣኼባ ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብ ባረንቱ ብዋና ጸሓፊ ህግደፍ ኣልአሚን መሓመድ ስዒድ

አብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ጥሪ 2015 አብ ዞባ ጋሽ ባርካ፣ ከተማ ባረንቱ፣ ንሓለፍቲ ዞባን ንኡስ ዞባን ብኣልአሚን መሓመድ ስዒድን ብዘምህረት የውሃንስን ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ 'ዚ ናይ 14 ን/ዞባታትን ሓለፍቲ ዞባ ጋሽ ባርካን ተሳቲፎም። ሕመረት ናይቲ ብኣልኣሚን ዝተመርሐ ኣኼባ፣ ብዛዕባ መደባት

አብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ጥሪ 2015 አብ ዞባ ጋሽ ባርካ፣ ከተማ ባረንቱ፣ ንሓለፍቲ ዞባን ንኡስ ዞባን ብኣልአሚን መሓመድ ስዒድን ብዘምህረት የውሃንስን ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ‘ዚ ናይ 14 ን/ዞባታትን ሓለፍቲ ዞባ ጋሽ ባርካን ተሳቲፎም።

ሕመረት ናይቲ ብኣልኣሚን ዝተመርሐ ኣኼባ፣ ብዛዕባ መደባት ከምኡ ‘ውን ጎስጓስ ኣብ ህዝቢ ንምክያድን ዘኽእል ናይ ስራሕ መምርሒ ኣብ ምሃብ ዘተኮረ እዩ ነይሩ።

ሓፈሻዊ ኩነታት ቁጠባን እገዳን

ኣብቲ ኣኼባ፣ ኣልኣሚን ብሰፊሑ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ገሊጹ። ሓደ ካብቶም ዝመደረሎም ነገራት፣ ኤርትራ ብቑጠባ ትመርሕ ከምዘላን እቲ ኩነታት ድማ ብዙሓት ተጻባእቲ ከምዝፈጠረላን እዩ። ብቐንዱ ነቲ ተጻብኦ ዘምጽእ ዘሎ እቲ ብርእሰ ምርኮሳ እነካይዶ ዘለና ፖሊሲ ኢዩ ኢሉ።

ንሱ “ናይ’ዚ ተጻብኦ ቀንዲ መራሒ ምምሕዳር ኣሜሪካ ኢዩ” ክብል ብሰፊሑ ገሊጹ። ምስ’ዚ ኣተሓሒዙ፣ በቲ ካብ 2009 ኣትሒዙ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወረደና ዘይሕጋዊ ማዕቀብ ከቢድ ማህሰይቲ ከምዘብጽሓ ብምጥቃስ፤ ብሸነኽ እቲ መንግስቲ ንጸላእትና ፍናን ንኸይንህብ ኢልና ኢና ብውሕሉል ኣገባብ ሒዝናዮ ዘለና ኢሉ።

ከምዚ ክብል ከኣ ኣልኣሚን መደርኡ ይቕጽል፣-

እቲ ማዕቀብ ከቢድ ማህሰይቲ ዘውረደልና ብቐንዱ ምስ ካልኦት ሃገራት ክንገብሮም ንፍትኖም ርክባት በዚ ጉዳይ ዝጽሎ ኮይኑ፤ መብዛሕተን ሃገራት በቲ ዝተገብረ ጸለመ ንኣካይዳና ብጥርጠራ ንኽርእይኦ ተገዲደን ኣለዋ። ገለ መንግስታት ድማ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ንኸይብአሱ ክብሉ ምሳና ዱልዱል ርክባት ክገብሩ ኣይመረጹን። ኣብ ዝሓለፈ 3 ዓመት ጽዑቕ ናይ ዲፕሎማሲ ዝምድና ክንገብር ፈቲና ኢና። ከምቲ ዝድለ ግን ክንዕወት አይክኣልናን። እዚ ብቐጥታ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ አብ ልዕሊና ዝገብሮ ጸቕጢ ዝተትሓሓዘ ኢዩ። ነዚ ንኸነማሓይሽ ድማ ብዙሕ ጻዕርታት ኢዩ ተገይሩ። ንሶም ግን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትና ብምእታው እዚ ግበሩ እዚ ኣይትገበሩ ይብሉ ኣለዉ። ንሕና ኸኣ ክንቅበሎም አይንኽእልን ኢና። ኣብ ጎረባብትና ረብሓታቶም ንኽዕቅቡ ዝገብሩዎ ጻዕሪ ኸኣ ንዓና ማህሰይቲ ኣስዒቡልና ኣሎ። ኣመሪካ ናይ ዓለም ጎብለል ስለዘላ ምስ ዘለና ኩነታትን ሕጽረትን ክንገብሮ ንኽእል ነገር የልቦን።

ኩነታት ወጥሪ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኣብቲ ምስ ወያነ ዘሎ ናይ ዶብ ኩነታት ክሳብ ሕጂ ለውጢ የለን። ዓለም ነቲ ናይ ኣልጀሪስ ውዕል ከም ዋሕስ ተሳቲፋቶ ክተብቅዕ ክተጽቅጥ መሪጻ። ወያነ ድማ ንዕና ከም መዳኸሚ ትጥቀመሉ ኣላ። ኣብ ርእስና ብዙሕ ሽርሕታት ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ። ነዚ ፈሊጥና ኩሉ ግዜ ኣብ ተጠንቀቕ ክንጸንሕ ይግባእ። ወያነ መሳርዕና ንኽትብትን ብዙሕ ኢያ ትጽዕር። ብወገና ድማ ንዕኡ ክንዳለወሉ ይግባእ። ሎሚ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ኣብ ዝኽፍኣ ደረጃ ኢዩ ዘሎ። ከምዚ ትርእዩዎ ዘለኹም ወያነ ናይ ህዝቢ ድጋፍ ስኢኑ ‘ሎ። ተቓወምቲ ናይ ወያነ፤ ካባና ብዙሕ ሓገዝ ኢዮም ዝሓቱ። ብወገና ንናይ ኢትዮጵያ ሓድነት ዝቃለሉ ሓይልታት ክንሕግዝ ናይ ሞራል ግዴታ ኣለና። ከምቲ ፕረዝደንት ብተደጋጋሚ ዝገለጾ እዚ መርገጺ ናይ መንግስቲ ኢዩ። ወያነ ትልምነና ግዜ ክመጽእ ኢዩ፤ ትዕግስቲ ጥራሕ እዩ ዘድልየና።

ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ

ኣብ ኤርትራ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ አሎ። እዚ ሕጽረት ከምቲ ዝጠቐስክዎ ምስቲ ናይ ደገ ዝምድናና ዝተኣሳሰር ጉዳይ ኢዩ። ንሕና ኣብ ደገ እንገብሮም ፋይናንሳዊ ምንቅስቓሳት፣ ከምኡ ድማ ዜጋታትና ብወለንትኦም ንመንግስቲ ክሕግዙ ዝኽእሉሉ መንገዲ ብሰንኪ ማዕቀብ ኣዝዩ ተጸንኪሩ ‘ሎ። ብዙሓት ዜጋታት ድማ እቲ ጉዳይ ከይጸልዎም ከምቲ ዝድለ ግቡኦም ክኽፍሉ ኣይክኣሉን። ስለዚ ብሰንኪ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ባጤራ መሰረታዊ ጠለባት ናይ ህዝቢ ክማላእ ኣይተኽኣለን።

መንግስቲ ብተዓጻጸፍነት ምስ መንግስቲ ሱዳንን ምስ ሱዳናውያን ነጋዶ ብዘለና ምትእስሳርን፤ መሰረታዊ ሃለኽቲ ብቐንዱ ካብ ሱዳን እናምጻእና ነቲ ሕጽረታት ክንቆጻጸሮ ኢና ንፍትን ዘለና። ካብ 2013 ኣትሒዙ መንግስቲ ሱዳን ምስ ወያነ ብሰንኪ ጉዳይ ናይ ናይል ዘለዎ ምትእስሳር ኣዝዩ እናጠበቐ ስለዝኸደ፤ ብወገና ዘለና ዕቃበታት እኳ እንተገለጽና፤ መንግስቲ ሱዳን ክሳብ ናይ ሓባር ምክልኻል ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍርራም ምብጽሖም ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ካብ ግዜ ቃልሲ ጀሚሩ መርገጺ ሱዳን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክቀያየር ምርኣር ዳርጋ ልሙድ እዩ። ናይ ሓይሊ ሚዛንን ረብሓን ኢዩ ዘገድሶም፤ ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ‘ውን ዝምድንኦም ከማሕይሹ ሓኾት ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ።

ጉዳይ ኣባይቲ

እቶም ንመንግስቲ በዳህቲ ኮይኖም ዘለው ጉዳያት ካብቶም ቀንዲ ክጠቕስ ከሎ መሬትን ምስራሕ ኣባይትን ብቐንዱ ሰሚንቶን ሓጺንን፤ ሕጽረት ሓይሊ ኤለትሪክ፤ ቀረብ ነዳድን ምስራሕ ትሕተ ቅርጽን ኢዮም። ምስራሕ አባይቲ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ። መንግስቲ ድማ ነቶም ብዘይ ኣገባብ ዝተሰርሑ ካብ ምፍራሶም ጠጠው ኣይክብልን ኢዩ። እዚ መስራሕ ኣባይቲ ሓያለ መጽናዕትን ወፍርን ዝሓትት ጉዳይ ስለዝኾነ መንግስቲ ድማ ነዚ ክገብር ዓቕሚ ስለዘየብሉ፣ ንሕና ክሳብ ኩነታት ዝማሓየሽ ጠጠው ክብል ኢና ንመርጽ።

ግዱድ ምዕጣቕ

ብድሕሪ እዚ ዘምህረት ብዛዕባ ምዕጣቕን ጎስጓስን ኣመልኪቱ፡ እዚ መንግስቲ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ምዕጣቕን ታዕሊምን ዕማም ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ድማ ንዝኾነ ተጻብኦ ድልው ንምዃን ዝግበር ዘሎ ከምዝኾነ ድማ ይገልጽ።

ዘምህረት መደርኡ ከምዚ ክብል ይቕጽል፣-

ነቶም ካብዚ መስርሕ ዝሃድሙን ዝሕብኡን ካብቶም ብግንባር ዝዋግኡና ፊሊኻ ምርኣይ ኣይክኣልን ኢዩ። ነዚኦም ምክትታል ምግባርን ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ቀረብ ከምዘይረኽቡ ምግባርን ኣድላዪ እዩ። በዚ ምኽናት ናብ ስደት ናይ ዘምርሑ ዜጋታት ቁጽሪ ክውስኽ ስለዝኽእል ኣድላይ ናይ ጸጥታ ክትትል ምግባር የድሊ። ልዕሊ ኹሉ ግን፣ ናይ ህዝቢ ሰሚናራት ብምግባር ጎስጓስ ምክያድ ክስርሓሉ ኣለዎ። ንሕና ካብ ጸላእትና እናመንጠልና ንዋጋእ ዝነበርና፤ ሕጂ በዞም ሃገር ራሕሪሖም ዝኸዱ ሰባት ንጸላእትና ባዕልና ነዕጥቕ ኣለና። እዚ ‘ውን መንግስቲ ሕሳቡ ዝገብረሉ ኣገባብ ከናድየሉ እዩ።

ሕቶን መልስን

ብድሕሪ መደረ ዘምሕረት እቲ ዕጹው ኣኼባ ናብ ሕቶን ርእይቶን ሰጊሩ።

ቁጠባዊ ምዕባለ ሃገርን ኣታዊታት ወርቂ ቢሻን

ሓላፊ ቤ/ጽ ህግደፍ ን/ዞባ ላዕላይ ጋሽ ሳሊም፣ እዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ጉዳይ ቁጠባን ምዕባለ ሃገርን፤ ምስቲ መሰረታዊ ቀረባት ኣብ ባይታ ዘይምህላው ነንሕድሕዱ ዝራጸም ይመስል። አብ ዝኾነ ኣኼባታት ‘ውን ናይ ህዝቢ ሕቶ እዚ ኢዩ። ብፍላይ ድማ ምስ ኣታዊታት ናይ ወርቂ ቢሻ ተታሓሒዙ ካብ ህዝቢ ዝመጸና ሕቶ ኣሎ። እዚ ብኸመይ ትርእዮ? ኢሉ ሓተተ።

ኣልአሚን “እዚ ሕቶ ‘ዚ ምስቲ አብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ ብምትሕሓዝ ክትርእዩዎ ኣለኩም” ኢሉ። ቀጺሉ፣ “እቲ ንሕና ምዕባለ እንብሎ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምትእትታው ኢዩ። ብቐንዱ፤ ህዝቢ ካብ ረድኤት ወጺኡ ነብሱ ክኢሉ ይኸይድ ኣሎ። እወ መሰረታዊ ቀረባት ክማልኡ ኣይክአሉን። እዚ ብቐጥታ ውጽኢት ናይ ዶብ ጸገም ኢዩ። እቲ ዘፍሪ ሓይሊ ኣብ ኣድማዒ ዘይኮነ ነገር ተታሒዙ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ንኹላትና ቀንዲ ብድሆ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ሕጅ ድማ ናቕፋ ‘ውን ሕጽረት የጋጥም ኣሎ። ነጋዶ ገንዘብ ምሕባእ ጀሚሮም ኣለው። ገንዘብ ካብ ሃገር የህድሙ ኣለው። እዚ ብዝተፈላለየ ዘይሕጋዊ መንገዲ ገንዘብ ምስግጋር ከኣ፤ ነቲ ሕጽረት ከጋድዶ ኢዩ። ዘይሕጋዊ ሓዋላታት ጌሮም ገንዘብ ካብ ኤርትራውያን ናብ ኢድ ኢትዮጵያውያን ነጋዶ የእትውዎ ኣለዉ። ገንዘብ ኤርትራውያን ናይ ኢትዮጵያ ቀጠባ ኣብ ምንዳቕ ይርከብ ኣሎ። እዚ ድማ ካብቲ ሕጂ መንግስቲ ቀዳምነታት ሂቡ ዝሰርሓሉ ጉዳይ ኢዩ። ነቶም ገንዘብ ብሓዋላ ናብ ሃገር ከይመጽእ ዝገብሩ ዘለዉ ብመንገዲ ዋህዮታትና ሕጋዊ ስጉምቲ ዝውሰደሉ ኩነታት ክፍጠር ኢዩ።  እቲ ናይ ወርቂ ገንዘብ ዝብሃል ዘመክሕ ኣይኮነን። ኣብቲ ጉዳይ ብዙሕ ክብሎ ዝኽእል ነገር የለን” በለ።

ምስራሕ ኣባይቲ ደው ምባሉን ምዕናው ስሩሕ ኣባይትን

ብምቕጻል ዝቐረበ ሕቶ መስርሕ ኣባይቲ ንምንታይ ኢዩ ጠጠው ክብል ዝድለ፣ ንምንታይ ከ ምፍራስ ኣድለየ፤ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ዶ ኣይምሓሸን፣ እቲ ንብረት ናይ ሃገርን ህዝብን ዶ ኣይኮነን?

ብኣልኣሚን ዝተዋህበ መልሲ እዚ ካብ ላዕሊ ዝመጸ መምርሒ ስለዝኾነ ኣብዚ እንውሱኖ ጉዳይ ኣይኮነን ዝብል እዩ ነይሩ።

ፖሊሲ ወጻእን ዲፕሎማስን

እቲ ካልእ ዝቐረበ ሕቶ፤ ንናይ ወጻኢ ፖሊሲ ዝምልከት እቲ ምስ ካልኦት ሃገራት ዝግበር ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብኸመይ ክመሓየሽ ይኽእል ዝብል እዩ ነይሩ።

መልሲ ኣልኣሚን እቲ ማዕቀብ ዝብሃል ካብ ዝጅምር ሓያለ ጻዕርታት ምስ ጉረባብቲ ሃገራትን ምዕራብን ማእከላይ ምብራቕን ፈቲና ኢና። ንኣብነት ምስ ሩሲያ ኣብ ኒውዮርክ ብዙሕ ርክባት ተኻይዱ። ከምኡ ‘ውን ክሳብ ናብ ሞስኮ ዑደት ከምዝካየድ ተገይሩ። እንተኾነ ግን ኩሎም ረብሕኦም እዮም ዘቐድሙ። ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ነዳዲ ዳህሳስ ይገብሩ ስለዘለው ክኽስርዎ ኣይደለዩን። ስለዚ ጠቕሞም ካባና ንላዕሊ ንኢትዮጵያ መሪጾም በለ። ቻይና፣ ቱረኪ፣ እንግሊዝ ዝኣመሰላ ኩለን በጺሕናየን ኢና፤ ብሽርክና ክሰርሑ ድልዋት ምዃኖም ይዛረቡ ብግብሪ ግን ስጉምቲ ኣይወስዱን ኢዮም። መብዛሕትኦም ዘልዕልዎ ብዛዕባ መሰል ወዲ ሰብ፤ ቅዋም፤ ጉዳይ ስደተኛታት፤ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ዳግማይ ኩናት ምስ ወያነ ከየጋጥም ዝኣመሰለ ኢዩ። ገለ ‘ውን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝብል ትርጉም ዘየብሉ ጉዳያት ብምምጻእ አብ ውሽጣዊ ጉዳይና ኢዶም ከእትው ይፍትኑ። በዚ ምኽንያት ኢና ኸኣ ኩሉ ግዜ መኸተ ንብል።

ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት

ሕቶ ብዛዕባ ናብ ስደት ዝውሕዝ ዘሎ መንእሰይ ንምዕጋት ክውሰዱ ዝተሓስቡ ግዜያዊ ወይ ቀዋሚ ስጉምቲ ኣለው ዶ? ዝብል ሕቶ ‘ውን ቀሪቡ ነይሩ።

መልሲ ልኣሚን “እዚኦም እቶም ስምናን ስም ሃገርናን ዘጸልሙ ዘለው ኢዩም። ንሕና ብዛዕብኦም ንሽገረሉ ኣብነት የብልናን። ነዚ ንምዕጋት ኢልና ንወስዶ ስጉምቲ የለን። ክኽይድ ኢየ ዘበለ እንታይ የጋጥሞ ከምዘሎ ኩላትና ንፈልጦ ጉዳይ ኢዩ። ንሕና ተሓተቲ ኣይኮናን” ኢሉ።

ኣብቲ ዕጹው ኣኼባ ኣልኣሚን ነቶም ሕቶታት ብቑዕ መልሲ ክህብ ዘይኮነስ ንኢሳያስ ዘለዎ ተኣማንነት ከረጋግጽ፣ ከምኡ ‘ውን ነቶም ወከልቲ ህግደፍ ኣተሓሳስብኦም ንምቕናይ ዝገበሮ ጻዕሪ እዩ ጎሊሑ ተረእዩ። እቶም ተሳተፍቲ ነቲ ዝሓተትዎ ሕቶታት ዘዕግብ መልሲ ኣይረኸብሉን። ብዓቢኡ ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ጭቡጥ መልሲ ምሃብ ተሸጊሩ፣ “ድሕሪ 5 ወርሒ ሕተቱኒ ሕጂ ጭቡጥ ነገር የብለይን” ኢሉ ካብ ሕቶ ክሃድም ዘስተውዓለ፣ ካብዞም ከም ብዓል ኣልኣሚንን ዘምህረትን ዝኣመሰሉ ምሉኻት ብዛዕባ’ቲ ንሃገርና ኤርትራ ኣጥቢቑ ሓኒቑዋ ዘሎ ቅልውላው ርጡብ መልሲ ክረክብ ከቶ ክጽበ ኣይክእልን እዩ።

ግዱሳት ካብ ባረንቱ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
39 COMMENTS
  • Selamawi February 3, 2015

    Very strange Mr Alamin, you said
    ‘ቻይና፣ ቱረኪ፣ እንግሊዝ ዝኣመሰላ ኩለን በጺሕናየን ኢና፤ ብሽርክና ክሰርሑ ድልዋት ምዃኖም ይዛረቡ ብግብሪ ግን ስጉምቲ ኣይወስዱን ኢዮም። መብዛሕትኦም ዘልዕልዎ ብዛዕባ መሰል ወዲ ሰብ፤ ቅዋም፤ ጉዳይ ስደተኛታት፤ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ዳግማይ ኩናት ምስ ወያነ ከየጋጥም ዝኣመሰለ ኢዩ።’ So these countries told you the right thing then. He is telling us that those countries are reluctant to work with his beastly and amateur regime because of the issues of Human Rights, Constitution,Refugees, National Service, and the possibility of war with Ethiopia. Unless you have lost your mind, they are telling all the right things Mr Alamin.

    Mr Alamin goes one to say ‘ገለ ‘ውን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝብል ትርጉም ዘየብሉ ጉዳያት ብምምጻእ አብ ውሽጣዊ ጉዳይና ኢዶም ከእትው ይፍትኑ። በዚ ምኽንያት ኢና ኸኣ ኩሉ ግዜ መኸተ ንብል።’ For him the issues of Human Rights are meaningless. Pure deception Mr Alamin.

    True to his long standing distinctive mission, the cruel PFDJ leader said “እዚኦም እቶም ስምናን ስም ሃገርናን ዘጸልሙ ዘለው ኢዩም። ንሕና ብዛዕብኦም ንሽገረሉ ኣብነት የብልናን። ነዚ ንምዕጋት ኢልና ንወስዶ ስጉምቲ የለን። ክኽይድ ኢየ ዘበለ እንታይ የጋጥሞ ከምዘሎ ኩላትና ንፈልጦ ጉዳይ ኢዩ። ንሕና ተሓተቲ ኣይኮናን” He does not care if the country is emptied, and he is not responsible for what is happening.

    It is clear that Mr Alamin you did not fight for Human Rights, for your people, you do not care about the mass exodus f our youth. You are substandard Eritrean citizen with no shred of goodness left in your blood – perhaps due to the countless deaths you caused. It sad to have citizens like these deciding the fate of ordinary Eritreans.
    Before they arrested the G15, Alamin had said that he and his boss would resort to their traditional way of addressing issues = which is illegal detention and elimination. May this be the last time I hear from you Mr vile!

    Out all what Zemehret said this sentence caught my focus: ‘እዚ ‘ውን መንግስቲ ሕሳቡ ዝገብረሉ ኣገባብ ከናድየሉ እዩ።’ The last I heard this phrase ‘መንግስቲ ሕሳቡ ዝገብረሉ…’ was by then Mr Minister Haile Woldetensae (Duru’e) in his famous speech in Germany which Alamin was present. Duru’s said: ‘the government should do its duty…’

    All Eritreans should unite and get rid of these ruthless deceptive men who are bent to destroy our people.

  • dan February 3, 2015

    ህግደፍ ሕጂ ዘይኮነ ገና ካብ ግዜ ናጽነት ጀሚሩ እዩ ጀሚርዎ እቲ ንኤርትራ ናይ ምዕናው ዘመተ ሕጂ ዝድልየና ዘሎ እገለ ከምዚ ኢሉ አገለ ከምዚ ደጊሙ ዘይኮነ ከመይ ጌርና ነዞም መንሽሮ ሃገር ኮይኖም ዘለዉ ጭፍራ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ገጽ መሬት ነጥፍኦም ብዘይ ውዓል ሕደር ብዕቱብ ክሕሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

  • Amanuel February 3, 2015

    He looks a dead man talking to me. What a shame, the nation is run by such pale looking, sick minded and perverted group. I wonder what do they see when they look themselves in the mirror. I will not be surprised to hear Alamin passed away in the coming few weeks, although his conscience had died in 2001.

    • Wadbahar February 4, 2015

      Brother,

      They do not have the courage to see themselves in a mirror because they know that the mirror does not lie. They avoid anything that tells them the truth: man, mirror, dream, even their own shadow which is the reflection of reality. This is the way they have created their own false world; a world divorced from realities. But it needs little intelligence, which they lack, to realize that the escape from reality does not change the reality at all.

  • ERITRAWIT February 3, 2015

    Ayey HGDEF America Weyane do da koynen nhzbna ab Esrbet zesenkla, zewra, amro zezenbla,melhas seb zkorsa zelewa? kndey emo knbele B Komalen Tokane tebelew hzbna.
    Era -Ero tezareb
    Container tezareb
    Under tezareb
    Shella tezareb
    Villa tezareb
    Adi Abeyto tezareb……

  • ibrahim February 3, 2015

    I want see the informtion everyday

  • MightyEmbasoyra February 3, 2015

    Let me guess, these goons are candidate for near future of “ብሃንደበት ሞይቶም”, isayas’s two favourite words!

    • WediHagher February 3, 2015

      “Let me guess, these goons are candidate for near future of “ብሃንደበት ሞይቶም”, isayas’s two favourite words!”

      MightyEmbasoyra

      Ezom klete newramat kedem moitom !!

  • AHMED SALEH !!! February 3, 2015

    This kind annoying speech from government officials is
    not new to get surprised . After long time they all
    become affected mentally to follow their boss example
    how to misinform , deceit and mislead the people .
    Their is nothing strange or unexpected words came from
    his mouth . A person’s reputation is based on reflection
    of his character . If you notice the similarity between
    his answer to the raised questions and Issayas’s answers,
    obviously the game is clear to detect .

  • Wadbahar February 3, 2015

    It is interesting to remember that at the time when the diplomatic relations of Al Bashier’s Government and that of Isias got tense in 1993 and then deteriorated further before it started to improve in 2005, some Sudanese newspapers nicknamed Al-Amin “Deek Al Edda”. “Deek Al Edda” is a cock a family buys to slaughter when celebrating the end of 4 months and 4 days of the isolation of a widow whose husband died (according to Islamic jurisdiction she should be isolated for that period before she could be re-married). Friends acquainted with Sudanese culture say most families that plan to celebrate the end of “Al-Edda” prefer to buy the cock earlier and keep it at home, maybe to fatten it. Cock is known for being naughty; jumping from one place to another, destroying property, excreting here and there, polluting the house, and creating mess and disorder. As Al-Amin had been their close friend at one time, they might had seen the characters of “Deek Al Edda” in him. People who know him closely and for a long time, say he was aptly nicknamed.

  • abdu February 3, 2015

    ስርዓት ኣስመራ ኤርትራ ኣዕኒኻ ኤርትራዊን ኣባሪርካ ቀቲልካ ኣሲርካ ኣጀንዱኡ የተግብር ኣሎ ንሕና ድማ እዝኹሉ እንዳ ርኤና እንዳሰማእን ሓቢርካ ምምካቱ ሓንጊድና ኣለና

  • algiena February 4, 2015

    ሰላም ኣሕዋት ዓብዱ ዝበልካዮ ርእይቶ ወትሩ ምስ ገረመትኒ እያ ስለምንታይ እዩ እዚ ህዝቢ ተሳንዩ ከምቲ ናይ ትማሊ ሰሚሩ ፍታሕ ከየናዲ ለሚሱ አብ እንታይ ገደሰኒ ተዘሪዑ ዘሎ?? መቸም ከምቲ አቦይ ወልድኣብ ኢሎሞ ዝበሃል ከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ዶ ንኸዉን???????

POST A COMMENT