Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እወ ድሃይ ገይሮም!

እወ ድሃይ ገይሮም! ኣብ ዝሓለፈ እዋን ‘ድሃይ’ምበር ገይሮም’ ብዝብል ኣርእስቲ ናብ ኣሰና ዝልኣኽኩዎ ጽሑፍ ካብ ዝዝርጋሕ ንድሓር፡ድሃይ ኤርትራውያን ካብ ምስማዕ ኣየቋረጽናን። እቲ ካብ ኩሉ ዝበርተዐ ድሃይ እቲ ኣብ ፎርቶ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ሚኒስትሪ ዜና ብዕለት 21 ጥሪ፡ ኣባላት

እወ ድሃይ ገይሮም!

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ‘ድሃይ’ምበር ገይሮም’ ብዝብል ኣርእስቲ ናብ ኣሰና ዝልኣኽኩዎ ጽሑፍ ካብ ዝዝርጋሕ ንድሓር፡ድሃይ ኤርትራውያን ካብ ምስማዕ ኣየቋረጽናን። እቲ ካብ ኩሉ ዝበርተዐ ድሃይ እቲ ኣብ ፎርቶ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ሚኒስትሪ ዜና ብዕለት 21 ጥሪ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝኾኑ ተባዓት ዘንጎድጎዱዎ ቅዋም ንኽትግበርን ናይ ፖለቲካ እሱራት ንኽፍትሑን ዝጠለበ፡ ኣንጉዕ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘምከኸ ምዃኑ ግን ርጉጽ ኢዩ።

ኤርትራ ሃገርና ብሓደ ኣብ ዓለም ኣለዉ ካብ ዝብሃሉ ዓመጽቲ ስርዓታት ኣብ ቅድሚት ብስራዕ ብሓደ ውልቀ-ሰብ ዝምራሕ ጸቢብ ጉጅለ ትግዛእ ከም ዘላ ሃገር መጠን፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንለውጢ ዝጠልብ ምልዕዓላት ክመጽእ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ኢዩ ነይሩ። እቲ ብሩህ ዘይነበረ ስ እቲ ምልዕዓል መዓስ ይመጽእን፡ እንታይ ዓይነት ኣገባብ ይጥቀምን ጥራሕ ኢዩ።

ኣቐዲሞም ብመንገዲ ከም ኣሰና ዝበሉ ማዕከናት ዜና ክቃልሑ ዝጸንሑ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት እናተጎሃሃሩ ክመጽኡ ዝጸንሑ፡ ብፍላይ ንምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዘተኮሩ ምትፍናናት እቲ ስርዓት ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኹ በጺሑ ምህላዉ ዝእምቱ ሓበሬታት ነይሮም።

ብዘይካ’ዚ ስርዓት ህግደፍ ንኣረጋውያንን ነተን ንዓመታት ካብ ንጡፍ ውትህድርና ‘ኣደስኪሉወን’ ዝጸንሐ ደቂ ኣንስትዮን ብረት ብምዕዳሉ፡ ዕምሩ ሓጺር ምዃኑ ግርም ገይሩ ከምዝተረድኦ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ለኻኺሙ ናይ ምጥፋእ ዕላማኡ ክዉን ንምግባር ከምዝተበገሰ ዘረጋግጽ ተርእዮ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ የማናይ ኢድ ውልቀ መላኺ ኮይኑ ንዓመታት ዘገልገለ ግዝያዊ ሚኒስተር ዜና ዓሊ ዓብዱ ዝርከቦም፡ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ካልኦት ሰብ ሞያን ነቲ ስርዓት ራሕሪሖሞ ክኸዱ ምርኣይ ንባዕሉ፡ እቲ ኣብ ሓይሉ ኣሚኑ ሓፋሽ ህዝቢ ረጊጹ ክድብል ዝነበረ ስርዓት ትልኽ ኣብ ዝብለሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ ንዝብል መደምደምታ ዘራጉድ ምንባሩ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እቲ ስርዓት ብኸም’ዚ ዝኸዶ ዘሎ እንተቐጺሉ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ባዕሉ ነብሱ በሊዑ ክዓኑ ምዃኑ ዝኣምኑ ወገናትና ኣለዉ። ይኹን’ምበር ዝያዳ ግዳያት እናጠለበ ብዋጋ ህይወት ካልኦት ትንፋስ ናይ ምልቃብ ልምዲ ስለዘለዎ እቲ ዕድል ክወሃቦ የብሉን። እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ኤርትራውያን እምበኣር፡ ተበግሶ ወሲድካ ነቲ ውልቀ ምልካዊ ገዛኢ ብገደል ምጽዳፉ ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዘለዎ።

ስርዓት ኢሰያስ ኣጋቲሩ ስልጣን ብሒቱ ቅዋም ምትግባር ተሓሲሙ፡ ንኤርትራውያን መሰል ምንባር፡ መሰል ሓሳብ ምግላጽ፡ መሰል ምስራሕ፡ መሰል ምንቅስቓስ፡ መሰል እምነት፡ መሰል ምጥርናፍ …ወዘተ ኣጊዱ ን20 ዓመታት ከምዝተጻነሐ ኩልና ንፈልጦ ኢና።

ይኹን’ምበር ንሕና ኤርትራውያን ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ፡ ብመስዋእትና ኣብ ዝረኸብናያ ሃገር 10ይ ዜጋ ክንከውን ኣይንፈቅድን ብምባል፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዝተፈላለየ መልክዓት ተቓውሞታትና ኣስሚዕና ኢና። ክሰምዕ ዝኽእል ስርዓት እንተዝነብረና፡ ንሕና ዜጋታት ግቡእና ጥራሕ ዘይኮነ መሰልና’ውን ዝውሓሰላ ሃገር ኢያ ተድልየና ዘይበልና ኣይኮንናን።

ኣብ 1993 ንመሰሎም ደው ዝበሉ ተጋደልቲ ነይሮምና ኢዮም። እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ጉዳዮም ግቡእ ቆላሕታ ክረክብ ምዃኑ ተነጊሩዎም ካብ ኣኼባ ድሕሪ ምስንባቶም፡ በብሓደ ኣብ ኣብያተ ማሕቡስ ህግደፍ ተዳጕኖም ምጥፍኦም መን ይርስዖ? ድሕሪኡ’ውን ኣብ መዓስከር ስንኵላን ማይ ሓባር ስንኵላን ኵናት ንመሰሎም ስለዝሓተቱ፡ብተመልከተለይ ዝተረሸኑሉ ዘስደምም ኣጋጣሚ ነይሩ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ 2001 ዓመተ ምህረት ድምጺ’ቶም ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠለቡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ዝነበሩ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ዓቢሱ ስልጣን ዓትዒቱ ክቕጽል ብምሕላን፡ ኣብ ምዕራፍ ብረታዊ ተጋድሎ “ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ ብጻይ” ዝብሃሃሉ ንዝነበሩ ክልተ ሃገራውያን፡ ሓደ ግዳይ እቲ ኻልእ ዓማጺ ኮይኖም ኣብ ታሪኽ ክሰፍሩ ዝቐሰበ ጉሒላ ስርዓት ምዃኑ ዘይፈልጥ መን ኣሎ? እዚ ንዛረበሉ ዘለና ስርዓት ነቶም ኣብ’ተን እናሓየላ ክመጽኣ ጀሚረን ዝነበራ ብሕታውያን ጋዜጣታት ዝሰርሑ ዝነበሩ ዝበዝሑ ካብኣቶም መንእሰያት ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ብሕቲ’ውን ውሒጡዎም ኢዩ። መዝገብ ዓመጽ ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብኡ ዘብቅዕ ኣይኮነን።

ሓቂ’ዩ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እቲ ስርዓት ብልክዕ ክንደይ ዜጋታት ኣለዉ ምፍላጥ ከቢድ ኢዩ። ምኽንያቱ ብናይ ዓለምና ሕግታት ዘይግዛእ ሽፋታ ስርዓት ስለዝኾነ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኩነታት እሱራት ክዕዘቡ ክፈቅድ ባህርያቱ ዘፍቅደሉ ኣይኮነን። ኣብ’ዛ ዓለምና ምንባሩ ስለዘይተረፎ ግን፡ እቶም እሱራት ይሰወሩ’ምበር፡ ሓቂ ምውጽኣ ኣይተረፋን። ስለዝኾነ ድማ ኣብ’ታ 6 ሚልዮን ህዝቢ ክህልዋ ከምዝእኽል ትግመት ኤርትራ፡ ክሳብ 10 ሽሕ ዝበጽሑ እሱራት ፖለቲካ ምህላዎም ተጣበቕቲ መሰል ደቂ-ሰብ ይሕብሩ። በዚ መንጽር እንክርአ፡ ዳርጋ ብዉሑዱ ሓደ ፖለቲካዊ እሱር ዘይብላ ስድራ ቤት ኣላ ኢልካ ምዝራብ ይኸብድ።

ስለ’ዚ ንኤርትራ ሃገርና ዝገዝኣ ዘሎ ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ታሪኽ ሃገርና ድሙቕ ጸሊም ነጥብታት ኣንቢሩ፡ ታሪኽና ዘመራሰሐን ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመን ከዳዕ ምዃኑ ክንዝክር የድሊ።

ብዘይካ’ዚ ካልእ ምዝካር ዘድልዮ ነጥቢ’ውን ኣሎ። እቶም 10 ሽሕ እሱራት ፖለቲካ፡ ንገዛእ ርእሶም ዘይኮነ ንኤርትራን ንኤርትራውያንን፡ ንፍትሒ፡ ደሞክራስን ኩሉ ዓይነታት መሰልን ዝተሞቑሑ ምዃኖም፡ ከምኡ’ውን ነፍሲ ወከፎም ፈልሲ ኣማኢት ኣሽሓት ተቓለስቲ ምዃኑን ክንዝንግዖ የብልናን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝነብረሉ ዘሎ መሪር እዋን፡ ናይ ምዝራብ፡ ምንቅስቓስን ምጥርናፍን መሰላቱ ጥራሕ ኣይኮነን ተኾኒኑ። መግቢ ብዓቐን፡ ሓይሊ ኤለትሪክ ብምህለላ፡ ቀረብ ማይ ተረኺቡ እንተተባህለ ብተርታ ስለዝኾኖ፡ መንፈሱ ተዳሂሉ ብዘይካ ክስኣን’ዩ ክርከብ’ዩ ዝብል ሓሳብ ካብ ኣእምሮኡ ርሒቑ፡ኣብ ቀጻሊ ስግኣትን ሻቕሎትን ኢዩ ዝነብር ዘሎ።

ንሕሰሙ መሊሱ ዘምርሮ ድማ ኣብ ሽምግልናኡ ከይድገፍ፡ እቶም ተዘሪዖም ንዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ተባሂሎም ዝተወስዱ ደቁ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ገላዩ ሰበ-ስልጣን ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ምትራፎም ኢዩ። ብዘይካ ከስተንትንን ክጉህን እንከሎ ከኣ፡ ካልእ ግዜ ከምዘይናቱ ፈጺሙ ረሲዑዎም፡ ሕማቖም ከይሰምዕ ጥራሕ ከብዱ ሓቑፉ፡ ብቐትሩ እናሃለወ ጸልሚቱዎ’ዩ ዝርከብ።

እዚ ጥራሕ እንተዝኸውን’ውን ኣይምኸፍአን። ጊላነት ህግደፍ ዕድመኦም፡ ህይወቶምን ዕድላቶምን ዘባኸነሎም ኣብ ትሕቲ ውልቀ ምልኪ ምንባር ዘስካሕክሖም ኣሕዋትን ኣሓትን ሃገር ለለቒቖም ነፊጾም ክወጽኡ ኣብ ዶብ ብተመልከተለይ ዝርሽኖም ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝብና ካብ ቀብሪ ናብ ቀብሪ ምዝብዛቡ ከይኣኽሎ፡ ‘ደቅኹም ኣምጽኡ ወይ 50 ሽሕ ክፈሉ’ እናበለ ንኤርትራውያን ሕማም መንሽሮ ካብ ዝኾኖም ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ዜጋታት ግዳይ ነጋዶ-ሰብ ምዃን ካብ ዝጅምሩ’ውን ከምኡ። ኣሕዋትና ካብ ሸገራብን ካልእ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኤርትራን ዝርከብ ቦታታት ተተጨውዮም ናብ ሲናይ ክሳብ ዝበጽሑ ኩሉ ዓይነት ሽግራት ሓሊፎም፡ ናብ ራህዋ ዘይኮኑ ናብ ዝገደደ መከራን ኩሉ ዓይነታት ግፍዕታትን ኢዮም ዝበጽሑ ዘለዉ። ክሳብ 40 ሽሕ ዶላር እንተዘይከፊልኩም እናተባህሉ፡ ክቕጥቀጡ፡  ክዕመጹ፡ ኣብ ርእሲኦም ብዝወርድ ግፍዕታት ሰብ ብዛዕባ ምዃኖም ክጠራጠሩ በእዛንና ንሰምዖም ኣለና። ኣብ’ዚ ንግድ ደቂ-ሰብ ብቐጥታ ኢድ ከምዘለዎም ዝፍለጡ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ምህላዎም ድማ ይፍለጥ። ብቐንዱ ግን ስርዓት ህግደፍ፡ ንኤርትራውያን ዓዶም ገሃነብ ኮይና ከተንድዶም ገይሩ ንስደት ገጹ ስለዝደፍኦም፡ እቲ ቀዳማይ ገበነኛ ንሱ ምዃኑ ኣይክሓድን።

እቲ ሕጋውነት ዘይብሉ ስርዓት ህግደፍ እምብኣር፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘየውረዶ ዓይነት ግፍዕን ምዝመዛን የለን። ኣብ ስልጣን ክጸንሓሉ ዘለዎ ምኽንያት ከኣ ብማይክሮስኮፕ ደሊኻ’ኳ ምርካብ ኣይክኣልን።

እዚ ምግዝኡ ምእንቲ ክጥዕሞ ንህዝብና ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ ናይ ምፍልላይ ሜላታት እናመሃዘ ከናቑቶ ሒኹ ክብል ዝነብር ስርዓት፡ ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ቅንጣብ ተገዳስነት ከምዘይብሉ ደጊሙ ንኸረጋግጽ፡ ሎሚ እንሆ ነቶም ኣብ ፎርቶ ኣብ እንዳ ዜና ብምድያብ ድምጺ ዉጹዕ ዘቃልሑ ተባዓት ኤርትራውያን፡ ብእስላማዊ ጥሩፍነት ክኸሶም ይስማዕ ኣሎ። ሕንከት ዝብሃል ነገር ከምዘሎ ድኣ ረሲዑዎ ኮይኑ’ምበር፡ እዚ ዘረባ ከውጽኦ ኣይምተገብኦን። ወዲ ሰብ ሓንሳብ ዓይኑ እንተንቍሑ ክትዕምቶ ከቢድ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ከይተገንዘቦ ምጽንሑ ድማ የሕዝን። ሓደገኛነቱ መሊሱ ካብ ምጉላሕ ግን ኣየትርፍን። ንዝነቕሐ ኣእምሮ ከተደንቁሮ ፍጹም ዝክኣል ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሓንሳብ ጸላኢኡ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ስለዝተረድኦ፡ ንምልማዕ ይኹን ንምጥፋእ ብሓደ ኢዩ ተላዒሉ ዝርከብ። እቲ ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ ክንጸባረቕ ዝጸንሐ፡  ንመሰል ንዝተላዕለ ጉጅለ ንምድጋፍ ቅሩብነት ናይ ዘይምርኣይ ሕጽረት፡ ኣብ’ዚ መድረኽ ዝተኣረመ ኢዩ ዝመስል። ‘ኩሉ ብረት ይቕናዕ ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢ’ ኢዩ ዘሎ፡ እቲ ብሱል ንመላእ ሕብረተ-ሰብናን ዉጹዕ ህዝብናን ቀዳምነት ዝሰርዕ ኣካይዳ።

ሓበን ኤርትራውያን ዘሐደሰ ፍጻመ ፎርቶ፡ ንኤርትራውያን ኣብ ሓደ መስርዕ ከምዘስመሮ ንጹር ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ፎርቶ ዝተሰምዐ ድሃይ እንሆ፡ ካብ ለንደን ናብ ስቶኮልም ከምኡ እናበለ ድምጺ ሓቅን ድምጺ ዉጹዕን ምንጉድጓድ ኣየቋረጸን። እቲ ናይ ፎርቶ ፍጻመ ሓበን ኤርትራውያን ዝመለሰ ተርእዮ ስለዝነበረ ጥራሕ’ውን እንተኾነ፡ ከም ሓደ ዓቢ ዓወት ኢዩ ክርአን ክምጎስን ዝግብኦ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝብና ከኣ ንለውጢ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሃሪፉዋ ስለዘሎ፡ ዕምሪ ዓመጽቲ ንምሕጻር ኩሉ እጅገኡ ሰብሲቡ፡ ልቡ ብፍቕሪ ህዝብን ሃገርን መሊኡ፡ ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባር ብሓበን ኢዩ ተላዒሉ ዘሎ። ደጊም ስርዓት ኢሰያስ ዝበለ እንተበለ ዝኣምኖ ስለዘየለ፡ ኣፉ ደም እንተዘይወጽአ ጥራሕ ኢዩ ዝሕሾ።

ኣውሮራ ብሩኽ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Aurora Bruk January 29, 2013

    ክቡር ሰናይ
    ምስ ብዙሕ ካብ ዝበልካዮ ይሰማማዕ የ። ግን ለውጢ ንምምጻእ እንተኾነ’ውን ሓበን ኤርትራውያን ምምላሱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ኢየ ዝረኽቦ። እዚ ግን ምስ ትምክሕቲ ክደናገር የብሉን። ከም ዜጋታት ምስ’ቲ በቲ ስርዓት ተማራሲሑ ዝርከብ ናይ ትብዓትን ተወፋይነትን ሕሉፍ ታሪኽና ዘራኽብ ድንድል የድልየና ኢዩ። ካብኡ ብዙሕ ክንምሃር ስለንኽእል ማለት ኢዩ። ካብቲ ኣወንታዊነቱ ጥራሕ ዘይኮነ ካብቲ ጸሊም ነጥብታቱ’ውን። እቲ ንውልቀ ምልኪ ንምብዳህ ተበግሶ ናይ ዘይምውሳድ ጸገም ወይ ውን ነቶም ዝተበገሱ ናይ ዘይምድጋፍ ጸገም ካብ ጉድለት ንቕሓት ዝብገስ ይመስለኒ። ብዓቢኡ ኣብ መንጎ ሃገርን መንግስትን ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ ስርዓትን ነቲ ስርዓት ዝመርሖ ዘሎ ውልቀሰብን ዘሎ ፍልልይ ብቐሊል ከምዘይልለ ስለዝተገብረ ኣንጻር ውልቀ ምልኪ ምልዓል ከም ኣንጻር ሃገርካ ምልዓል መሲሉ ምድንጋር ዝፈጠረሉ ኩነታት ነይሩ። ብዘይካ’ዚ ሓንቲ ንሓደ ኣባል ሕብረተ-ሰብ ግዳይ ትገብሮ ኣካይዳ ውዒላ ሓዲራ ንኹልኻ ግዳይ ክትገብረካ ምኻና ዘይምርዳእ ነይሩ ኢዩ። ስለዝኾነ ሰብ እንታይ ገደሰኒ ኣነ ክሳብ ዘይተተንከፍኩ ስርሐይ ሰሪሕ ዘይከይድ ኢሉ ገጹ ይጠዊ ነይሩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኢሰያስ በቲ ፈላሊኻ ዝብል ሜላኡ ነቲ ሕ/ሰብ በብግዚኡ ከከምዝጥዕሞ እናኸፋፈለ ኣብ ሓደ ዉሱን እዋን ፈታዊ ሓደ ጸላኢ ወገን መሲሉ ደገፍ ንኽረክብ ዝገብሮ ዝነበረ ሽርሕታት’ውን ነይሩ ኢዩ። ናቱ ትንኩልናን ናትና ትሑት ደረጃ ንቕሓትን ዝወዳደር ከምዘይነበረ ኢዩ ዝርድኣኒ። ክሳብ ሕጂ ንስርዓት ኢሰያስ ክንጉሕፎ ስለዘይክኣልና ግን መሊስና ክንሓንን’ምበር ተስፋ ቆሪጽና ሃገርና ከምድላዩ ክገብራ ክንገድፎ ክህልወና የብሉን። ኣብ ገዛእ ርእስና ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ክህሉወና ክሳብ ዘይክኣለ ድማ ኣንጻር ውልቀ ምልኪ ክንልዓል ክጽግመና ኢዩ። ኩሉ ሰብ ክልወጥን ለውጢ ከነምጽእን ይኽእል ኢዩ።

  • Eri_free January 29, 2013

    Smerrrrrrrrrrrrrrrrrrrr Hgdef mendef

POST A COMMENT