Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቶም ትማሊ ቐዳም፡ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ብዘይውሕስቲ ጃልባ እናተጓዕዙ ብትኪ ነዳዲ ናይታ ጃልባ ተበኪሎም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ስደተኛታት ቁጽሮም ካብ 40 ናብ 49 ክብ ከምዝበለ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ሓቢሩ።

እቶም ትማሊ ቐዳም፡ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ብዘይውሕስቲ ጃልባ እናተጓዕዙ ብትኪ ነዳዲ ናይታ ጃልባ ተበኪሎም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ስደተኛታት ቁጽሮም ካብ 40 ናብ 49 ክብ ከምዝበለ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ሓቢሩ። እቶም ግዳያት ኣብ

እቶም ትማሊ ቐዳም፡ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ብዘይውሕስቲ ጃልባ እናተጓዕዙ ብትኪ ነዳዲ ናይታ ጃልባ ተበኪሎም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ስደተኛታት ቁጽሮም ካብ 40 ናብ 49 ክብ ከምዝበለ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ሓቢሩ።

እቶም ግዳያት ኣብ ከብዲ ናይታ ጃልባ ኣብ ዝርከብ ዕጹው ክፋል ኮይኖም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ክኾኑ ከለዉ ምስኣቶም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከቡዎም 312 ስደተኛታት ብሓይሊ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ድሒኖም ናብ ሲሲልያ ከምዝኣተዉ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ን ጋዜጣ ዓዲ ጥልያን Corriere della Sera ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ እቶም ኣብቲ ኣብ ከብዲ እታ ጃልባ ዝርከብ መኻዚኖ ተዓጽዮም ክጓዓዙ ዝግደዱ መብዛሕትኦም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ በቶም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ዝተሓተቱዎ ገንዘብ ምሉእ ብምሉእ ክኸፍሉ ዘይከኣሉ እዮም። ብዘይካ እቲ ከም ሰቦም ዘንጸላልዮም ናይ ምጥሓል ሓደጋ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተወሳኺ ብከላዊ ሞት ድማ ይቃልዑ።

ኣብዚ ዓመት `ዚ ኣብ ጉዕዞ ስደት 2300 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሞቱ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የገንዝብ፥

እዚ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣጋጢሙ ዜና ናይ ስደተኛታት ቅልውላው ድሕሪ `ቲ ናይ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣጋጣሚ ዝስራዕ ኣስካሕካኺ ኩነታት ምዃኑ ሕብረት ኤውሮጳ ይገልጽ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Hazhaz August 17, 2015

    ምስኪናይ ህዝቢ ኤርትራ፣ በብሓደ ብሰንኪ ሰራም ሕልሚ ተበልጽቲ ሰብ ባዶ ናይ ክራይ መንነት፣ ይዓርብ ኣሎ።
    ገሊኡ ኣብ መቖሕ ገድሊ፣ ገሊኡ ብኢድ ህግደፍ፣ ገሊኡ ብኻራ ጀሃዳውያን ዳዕሽ፣ ገሊኡ ብኢድ ሱሱዓት ዓረብ በድዊን ራሻይዳ ከተርቲ፣ ገሊኡ ድማ ባሕሪ ውሒጥዎ ዛሕዛሕ ኢሉ ይመውት ኣሎ።

  • k.tewolde August 17, 2015

    How could those who support this brutal regime in Asmara at home and abroad sit down around the dinner table with their families and enjoy the meal ,and tell their children everything is ok , our country is thriving? It is gut wrenching!

  • true lies August 18, 2015

    My heart bleeds.

POST A COMMENT