Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ዘይንቡር፡ ንቡር ይኸውን ኣሎ

እቲ ዘይንቡር፡ ንቡር ይኸውን ኣሎ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰሪ’ቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ድኽነትን ገደብ ኣልቦ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ዝበዝሑ ካብኦም መንእሰያት፡ ኣብ ስደት ይነብሩ ኣለዉ። ካብቶም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ተሰዲዶም ዘለው

እቲ ዘይንቡር፡ ንቡር ይኸውን ኣሎ

ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰሪ’ቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ድኽነትን ገደብ ኣልቦ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ዝበዝሑ ካብኦም መንእሰያት፡ ኣብ ስደት ይነብሩ ኣለዉ። ካብቶም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ተሰዲዶም ዘለው ኤርትራውያን፡ ካብ ደቆም ተረሓሒቆም ዝነብሩ፡ ሰብ ሓዳርን ዝወለዱን ክኾኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ዘይተመርዓውን ሓላፍነት ወለዶም ዝተሰከሙን’ዮም።

ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣወጻጽኦኦም፡ ደረጃ ትምህርቶም፡ ገንዘባዊ ዓቅሞም፡ ኩነታት ስድራቤት፡ ዕድመ፡ ጉዳይ መንበሪ ወረቀት፡ ዘጋጥሞም ጸገማትን ተጻዋርነቶምን፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ’ዩ። ብኤርትራውነቶም፡ መሰሎም ዝተረግጸን ስደተኛታትን ናብራ ሃገሮም ዝመሪርዎም ብምዃኖም ግን፡ ንኹሎም ዝጠምር ናይ ሓባር ረቋሒ’ዩ። መፍትሒ ናይቲ ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማትን ቅልውላውን ድማ ብመንጠን’ቲ ፍሉይነትን መበቆል ናይቲ ብድሆታትን፡ ከም ስኒ ኣድጊ ማዕረ ኣይኮነን።

ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ኣብ ስደት እንርከብ ኤርትራውያን፡ ብብዙሕ ነገራት ኢና ንውጻዕን ንሳቀን ዘለና። ብቀንዱ ካብ ንፈትዋ ሃገርናን ስድራቤትናን ተፈላሊና፡ ጽግዕተኛታት ናይ ካልኦት ክንከውን፡ ምስ ባህልን ሕግን ናይቲ እንቅመጦ ሕብረተሰብ ክንሰማማዕ ምግዳድና’ዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ትጽቢትናን ክውንነትን ክቀራረብ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ዝፍጠር ምንዋጽ ኣእምሮን ዝውሰድ ኣዕናዊ ዓቅሊ- ጽበታዊ ስጉምቲ ምብዝሑ’ዩ። በብግዚኡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንሰምዖን ንዕዘቦን ከምዘለና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብገለ ኤርትራውያን ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ፡ እምባጓሮ፡ ነብሰ ቅትለትን ቅትለት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣሓትናን ኣሕዋትናን፡ ብኽነት ግዜን ብልሽውናን’ዩ።

ኣብ ሕብረተሰብና፡ ገበን፡ ቅትለትን ነብሰቅትለትን ምፍጻም ሳሕቲ እንተዘይኮይኑ ልሙድ ተርእዮ ኣይኮነን። ተጸዋዊርካ ብፍቅሪ ምንባር፡ ሓድሕድ ምትሕግጋዝን ምክብባርን፡ ይቅረ ምብህሃልን ምትእምማንን ድማ፡ ካብቶም ሕብረተሰብና ብድምቀት ዝልለየሎምን ዝኾርዓሎምን ብሉጻት ባህልታትን መግለጺ መንነትናን’ዮም። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝኣተዎ መብጽዓ ጠሊሙ ናይ ጭካን መርበባቱ ምዝርጋሕ ካብ ዝጅምር ግን፡ ባህልታትን ክብርታትን ህዝቢ ኤርትራ እናሃሰሰን ብጥልመትን ነብሰይ ይጥዓምንን ይትካእ ኣሎ። ኣውራ ነጸብራቅ ናይቲ ስርዓት ህግደፍ ዝተኣታተዎ እኩይ ሜላታት’ዩ ድማ ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝርአ ዘሎ ጽዩፍ ተግባራት ብሕጊ ዘይምምእዛዝን ምሕላፍ ህይወት ሰብን። እንተኾነ ኩሉ ዝኽሰት ጸገማት ምስ ስርዓት ህግደፍ ምትእስሳርን ንነብስና ካብ ጉድለት ሓራ ምግባርን ግን ቅኑዕ ኣይኮነን። ንሕና ክንስከሞ፡ ክንግምግሞን ከነማልኦን ዝግብኣና ግዴታ ከምዘሎ ክዝንጋዕ የብሉን። መበቆልን ደረጃን ጸገማት ከይፈለጥካ ፍታሕ ከተናዲ ስለዘይክኣል፡ ቅድሚ መፍትሒ ምቅራብን ትንታነ ምሃብን፡ ጠንቅታት ናይቶም ኣብ ስደት ብገለ ዜጋታትና ዝግሃዱ ዘለዉ ኣሰቀቅቲ፡ ዘይቅቡላትን መኽዓቢናን ፍጻሜታት ውሱን ፍልጠተይን ተሞኩረይን ምሕባር ዝበለጸ’ዩ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ሰብ ሞያን ክኢላታትን ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ምልጋስ ሞራላዊ ግዴታኦም ከበርክቱ ኣገዳሲ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ነገራት ከይሳዕረሩ መግትኢ ክግበረሎምን ወለዶና ክንምህርን ሓላፍነት ናይ ህሉዋት’ዩ።

ብርእይቶይ፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዝፈታተንን ብድሆ፡ ድሌትን ክውንነትን ሰባት ምስዘይቃዶ’ዩ። ባህግታትና ክውን ንምግባር፡ ግዜ፡ ዋጋ፡ ዓቅሊ፡ ጻዕሪ፡ ብቅዓትን ገንዘብን ዝሓትት’ዩ። ሕልምታት ናብ ክውንነት ንምቅያር ብሃውሪ፡ ብልዕለ ተፈጥሮ (Majic Determination) ወይ ብሸተኽ መተኽ (Lottery) ዝርከብ ሃብቲ ኣይኮነን። የግዳስ ንጹር ዕላማ፡ ጽንዓት፡ ስነስርዓትን ንነገራት ብብስለት ምምዛንን የድሊ። ንምፍትሑ ድማ ብቀዳምነት፡ ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ካብ ስምዒትን ታህዋኽን ርሒቅካ ባህርያቱ ብክውንነት ምግንዛብን ንዕኡ ዝመጣጠን መዕለቢ ክግበረሉ ቅርቡነት ምርኣይን ብሕጊ ምምእዛዝን’ዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ኣብ ስደት ፖለቲካዊ ዑቁባ ምስሓተተ፡ ጉዳዩ ቅቡል ወይ ንጹግ ንኽኸውን፡ ብሕጊ ናይቲ ሃገር ክልተ ዓመት ከምዝወስድን፡ ክሳብ ሽዑ ካብቲ ሃገር ከይወጽእን ብንጹር እንተድኣ ተሓቢርዎን፡ በቲ ሕጊ ክቅየድን ክጽመምን እምበር፡ ዓቅሊ ኣጽቢቡ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ኣይግባእን። ስለምንታይ’ሲ ናብራ ስደት ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ዓዶም ግደፈሎም፡ ዓቅሊ ዋጋ በቅሊ ስለዝኾነ። ሕግታት ምፍላጥን በቲ ሕጊ ምግዛእን ምርጫ ዘይብሉ ግዴታ ኢዩ። ድሌትናን መደባትን ድማ ምስቲ ሕግታት ዝጻረር ክኸውን የብሉን።

ካልኣይ፡ ቅድሚ ዝኾነ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ጥቅሙ፡ ጉድኣቱን ሳዕቤኑን ብክውንነት ዘይምምዛንን ክልተ ግዜ ዘይምሕሳብን’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ዝያዳ ገኒኑ ካብ ዝርአ ጉዳያት፡ ምልቃሕ ገንዝብ፡ ውዕላት ሕጸን መርዓን ከምኡ’ውን ክፍሊት ገንዘብ ንመስርሕ ምስላጥ ወረቀትን ምስግጋርን ብኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ብግዜ ኣምጽኦ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ካልእ ኣጋጣሚታትን ተላሊኻ ግዜ ከይሃብካን ጽፉፍ መጽናዕቲ ከይገበርካን ብዘይትግበሩ መብጽዓታትን ግዝያዊ መጠበሪ ወይ መዐሸዊ ህያብ ተደሪኽካ ጾታዊ ርክባት ምፍጻምን ብእምነት ገንዘብ ምልቃሕን’ዩ። ካብ  መበገሲኡ ጽኑዕ መሰረት ስለዘይነበሮን እምነት ስለዝጎደሎን ድማ  ከይውዓለን ከይሓደረን ጠንቅታት ባእሲ፡ ጽልኢ፡ ክሕደት በብዓይነቱ ገበን ንምፍጻም ምቹእ ቦዱ ይኸውን። ምትእምማን ሓደ ካብ ጽቡቅ ክብርታት ሕብረተሰብና’ዩ። ኣብ ህይወትና ጸገምናን ሓጎስናን ነካፍሎ እሙን ዓርኪ ክህልወና ኣይጽላእን’ዩ። ንስለ ምትእምማንን ሕውነትን ኢልካ እትገብሮ ብሕጊ ዘሕትተካን ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ምስኮነ ዓሕ ምባልን ግን ዕሽነት እምበር ለውሃትን ልቦናን ኣይኮነን። ብእዋኑ ውጽኢቱ ኣንጻር’ዩ ዝሓሰብካዮ ክኸውን ከምዝኽእል ምግንዛብ ኣገዳሲ’ዩ። ብጸገማት ምስተኸበብናን ፍታሕ ምስጨነቀናን እንፍጽሞ ዘይሕጋውን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎ ጉዳያት ብዙሓት’ዮም። እንተኾነ ብዋጋ ህይወትናን መጻኢ ዕድላትናን ክኸውን ኣይግባእን። ንኣብነት “ንሓዳርን ንውላድን ይምነየልኪ’የ፡ ምልክዕቲ ኢኺ፡ ኣፍቂረኪ ኣለኹ፡ ናብ ወጻኢ ክወስደኪ’የ” ኢሉ ዝምሕልን ዝጥሕልን ወዲ ተባዕታይ፡ እቲ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ዘሎ ምቁር ቃላት ከይመመኻን ሓቅነቱ ከየረጋገጽካን ክብርኻ ምሻጥ፡ ገንዘብካ ምምጣው፡ ግዜኻ ምብኻን መጻኢ መደብካ ምትዕንቃፍን ዘይሕማምካ ምግዛእን ይርአ ኢዩ። ዝደኸየ ነጋዳይ’ሲ ጥንስቲ ፈቲሐ ጥንስቲ የእቱ ወይ ይምርዖ” ከምዝብሃል፡ ክሓልፈለይ ኢልካን ናይ ኢድካን እግርኻን በቲኽካን ኣብ ዓሚቕ ጓሂ ካብ ምእታውን ስድራቤትካ ምልካምን፡ ክልተ ግዜ ምሕሳብ ዝበለጸ ይኸውን።

ሳልሳይ፡ ቀዳምነትካ ዘይምፍላጥ ወይ ዘይምንጻር። ኣብ ህይወትና ብዙሓት ክንዓሞም እንደልዮም ጉዳያት ክህልዉና ይኽእሉ’ዮም። ሰባት ከም ምዃንና መጠን ድማ ጽቡቅ ክንርኢ፡ ክንበልዕ ክንክደን ክንሰቲ፡ ክንዛወር፡ ክንምርዖ፡ ክንወልድ፡ንብረት ክንውንን ብምቾት ክንነብርን ንብህግ። ምሕላምን ባህግን ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ ዝትግበርን ዓቅምኻ ክትሓልምን ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ትብህጎን ትሓልሞን ብኸመይ ከምትረኽቦ’ውን ክትፈልጥን ክትሰርሕን ይግባእ። ኣብ ቆርባብሻኻ ወይ ኣብ ጁባኻ፡ መግዝኢ ብሽግለታ ገንዘብ ዘይብልካ ማኪና ክትዕድግ ምህቃን ነብስኻ ዘይምፍላጥን ውጽኢቱ ዘይነበረካ ሕዱር ሕማም ምጥራይን ኣብ ቅልውላው ምጥሓልን ኢዩ። ጎረቤተይ ወይ ዓርከይ “ዘለኹዎ ከተማ ወይ ሃገር ክትነብሮ ጽቡቅ ስለዝኾነ ምጻእ” ኢሉኒ ኢልካ ናትካ ውሽጣዊ ኩነታት ከይገምገምካ ንምኽሪ ፈታዊኻ ወይ ዓርክኻ ሰሚዕካ ተሃንፊፍካ ምኻድን ህዉኽ ስጉምቲ ምውሳድን ከቢድ ሳዕቤን ኣለዎ። ብርግጽ ኣብ ህይወትና ዝመኽረና፡ ሓበሬታ ዘስንቀና፡ ተሞኩሮ ዘካፍለና ዓርኪ ወይ መቅርብ ክህልወና ዝምረጽ’ዩ። ኩሉ ትብሃሎን ትሰምዖን ምስ ኩነታትካ ከየዛመድካ ከም ዘለዎ ክትጎስሞ እንከለኻ ግን ካብ ጎሮሮኻ ምውራድ ኣይፋል ምባል ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ ሞት ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ንስኻ ንስኻ ክትከውን እምበር ብማዕቀንካ ዘይኮነ ህንጡይነት ዘይንስኻ ክትከውን የብልካን። “ህዉኽ’ያ ዝብእስ ኣፍንጫ ኣድጊ ይነክስ” ከምዝብሃል፡ ብተብተብን ብዘይመጽናዕቲ ስጉምቲ ምውሳድን ጾምካ ምሕዳር’ዩ።

ራብዓይ፡ ግዜኻ ብግቡእ ዘይምጥቃም። ንበዝሕ ኣብ ስደት ዘለና ኤርትራውያን፡ ምስ ጸገምና፡ ብዕዳ ተጻዒናን ሓላፍነት ስድራቤት ተሰኪምናን ስለእንስደድ፡ ምምሃር፡ ምርካብ ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድን ስራሕን ግዜ ስለዝወስደልናን፡ ነብስና ንምምዕባል ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ወይ ሞያዊ ስልጠና ክንሳተፍ ዘለና ዕድል ጸቢብ ይኸውን። ይኹን እምበር ኩሉ ሃገሩ ገዲፉ ዝስደድ ኤርትራዊ፡ ከይምሃርን ክእለት ከየጥርን እቲ ማዕጾ ዝተረገጠ ኢዩ ክበሃል ኣይክኣልን። ብዙሓት መንእሰያት ክሰርሑ፡ ክመሃሩን ወርቃዊ ግዜኦም ክጥቀሙሉን ምቹእ ዕድል እንከለዎም፡ 24 ሰዓታት ኣብ ምድቃስ፡ ኣብ ኢንተርነትን ገንዘብ ዘባኽን ሕማቅ ወልፍታት ዝተኣልኩ ከምዘለዉ ክንክሕዶ ዝከኣል ኣይኮነን። ትምህርቲ፡ ንድኽነት፡ ድሕረትን ዕሽነትን ዝብድህ እንኮን ዝበለጸን መሳርሒ ኢዩ ክበሃል እንከሎ፡ ምግናን ኣይመስለንን። ቀዳሞት ወለድና “ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቅረ ነየጥሕን” ክብሉ እንከለው ድማ እንተድኣ ተማሂርካ ሕማቅ ሞት ከምዘይትመውት፡ ትምህርቲ እንተዘይብልካ ግን ጾር ስድራቤትን ሕብረተሰብን ከምትኸውን ንምሕባር’ዩ።

ኣጠቃቅማን ምሕደራን ግዜ፡ ድሌት፡ ንጹር ዕላማ፡ ጻዕርን ምጽማምን እንተሎ ዘይክኣል ነገር የለን። ምምሃር፡ ልዕሊ’ቲ ህይወትካ ንምምሕያሽ እትረኽቦ ገንዘባዊ መኽሰብ፡ ንነብስኻ፡ ንከባቢኻን ዓለምን ብግቡእ ንምምዛን ይሕግዘካ። ንነገራትን ዘጋጥመካ ብድሆታትን፡ ቅኑዕ ገምጋምን ፍታሕን ክትገብረሎም ይጠቅመካ፡፡ ስለዚ ኣብ ዘዘለናዮ ቦታ ንዘሎ ዕድላት ብግቡእ ክንጥቀመሉ፡ ኣብነት ናይቶም ዝወደቁን ዝተሰነፉን ዘይኮነ፡ ኣሰር ናይቶም ጽዒሮም ዝተዓወቱን ህይወቶም ዝመርሑን ሰባት ክንከውን ይግባእ። ዋላ ሕጋዊ መንበሪ ወረቀት ኣይሃልወና ኣብ ህዝባዊ ቤት ንባብ ፍልጠት ንቀስመሉ ዕድላት ኣለና። ካልእ ይትረፍ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ታሪኽ ህይወት፡ ኣብ ጉዕዞ ስደትን ህይወት ኣብ ስደትን ተዘክሮታትና ንምጽሓፍ ጥራዝን ፒሮን ንስእን ኣይመስለንን። ንቡር ገዲፍናን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ጎሲናን፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝኣጎዶ ዕግርግር ከይተፈለጠና መሳርሒ ክንከውን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምሳኹቲ ከፊትና ብሱልን ጥረን ክንዛረብ፡ ወግሐ ጸብሐ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣዋናዊ ጸገማት ሸለል ኢልና፡ ኣብ ሓድሕድ ምጽልላምን ምጥቅቃዕን ወርቃዊ ግዜና ከነሕልፍ ምዕዛብ ግን ዘሕዝን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ዘይንቡር፡ ንቡር’ዩ ዝኸውን ዘሎ።

 

              ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነሓሰ 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT