Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ውሩይን ፍሉጥን ዓርኪ ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ኢንግሊዛዊ ፕሮፌሰር ሊዮነል ክሊፍ ብዝሓደሮ ሕማም ብረቡዕ 23 ጥቅምቲ 2013 ዓሪፉ።

እቲ ውሩይን ፍሉጥን ዓርኪ ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን  ኢንግሊዛዊ  ፕሮፌሰር ሊዮነል ክሊፍ  ብዝሓደሮ ሕማም ብረቡዕ 23 ጥቅምቲ 2013  ዓሪፉ። ፕሮፌሰር ሊዮን ክሊፍ ኣብ 1984 ንሜዳ ብምእታው ምስ ሰውራን ህዝብን ኤርትራ ተላልዩ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ኤርትራ ብምድጋፍ

እቲ ውሩይን ፍሉጥን ዓርኪ ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን  ኢንግሊዛዊ  ፕሮፌሰር ሊዮነል ክሊፍ  ብዝሓደሮ ሕማም ብረቡዕ 23 ጥቅምቲ 2013  ዓሪፉ።

ፕሮፌሰር ሊዮን ክሊፍ ኣብ 1984 ንሜዳ ብምእታው ምስ ሰውራን ህዝብን ኤርትራ ተላልዩ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ኤርትራ ብምድጋፍ ፍትሓውነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለም ተፈላጥነት ንምርካብን ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ካብ ለገስቲ ማሕበራትን ግብረ ሰናይ ውድባትን ደገፍ ንኺረክብ  ልዑል ኣስተዋጽኦ ዝገበረ፡  ምስ ፈተወቲ ቓልሲ ኤርትራ አዕሩኹ ከም ቫዚል ደቪድሰንን ዳን ኮነልን ብዛዕባ እቲ ቓልሲ ደጋጊሙ ዝጸሃፈን ዝተጣበቐን ጽኑዕ ዓርክን መሓዛን፡ ሰውራን ህዝብን ኤርትራ  ኢዩ።

ፕሮፌሰር ሊዮነን ክሊፍ ኣብ 1957 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖቲንግሃም ብኢኮኖሚክስ ምስ ተመረቐ፡  ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝተፈላለየ ዛዕባ ብዙሕ መጽናዕትን ምርምርን ዘካየደ ፍትዉን ኣዚዩ ምቕሉልን ሰብ ኢዩ። ፕሮፌሰር ሊዮነል፡ ኣብ 1978 ኣብ ዩኒቨርስቲ ሊድስ ከም መምህር ፖለቲካ  ቅድሚ ምግልጋሉ ኣብ ዱርሃምን ሸፊልድን  እውን ሰሪሑ ነይሩ። ኣብ 1981  ከኣ ከ ላዕለዋይ ለክቸረር፣ ኣብ 1988 ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ትምህርቲ ዓውደ ምዕባለ (ደቨሎፕመንት ስታዲስ)፡ ኣብ 1990 ፕሮፌሰር ፖለቲክስ ብሙዃን ኣገልጊሉ።

ፕሮፌሰር ሊዮነል ክሊፍ ኣብ 1984 ንሜዳ ኤርትራ ኣትዩ፡ ድፍዓት ሰራዊት ሓርነት ዝተዓቑቡ ህዝብን ኪበጽሕ እንከሎ፡  ዳይረክተር ማእከል ትምህርቲ ዕብየት ዩኒቨርስቲ ሊድስ ኢዩ ነይሩ። ካብ 1988 ኪሳዕ 1990 ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ሓላፊ እቲ ማእከል፣  ካብ 1990-1993 ሓላፊ ክፍሊ ዓወደ-ትምህርቲ ፖለቲካ ብሙዃን ሰሪሑ። ብተወሳኺ ኣብዚ ናይ ኣገልግሎት ዕድመኡ፡ ካብ (1985-1987) ላዕለዋይ ተመራማሪ ምክትታል መንግስታዊ ክፍሊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማንቸስተር፡ ከምኡውን ኣብ 1986 ከም ላዕለዋይ ሓላፊ ትሕዞ መሬትን፡ ምጥያስ መሬት ሕርሻን ኣገልግሎት መሬትን፡ ኣብ ውዱብ መግብን ሕርሻን  ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሮም ብሙዃን ሰሪሑ።  ፕሮፌሰር ሊዮነል ክሊፍ ካብ ዩኒቨርስቲ ሊድስ ብልዑል መዓርግ እኳ ጥሮታ እንተወጽአ ኪሳዕ ዕለተ ሞቱ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ምርምርን መጽናዕትን ብምክያድ ከየዕረፈ ኢዩ ሓሊፉ።

ኣብቲ ናይ 40 ዓመት ምሁራዊ ሞይኡ ፕሮፌሰር ሊዮነል ክሊፍ፡ ንናጽነት ምዕባለን ኣህጉር ኣፍሪቃ ብዘርኣዮ ተወፋይነትን ጻዕርን ብዘቕረቦም ዓሚቚመጽናዕትን ነቐፌታዊ ጽሬትን  ዘለዎ ምርምራዊ ጽሑፋቱ በርቀቕቲ ፖሊሲ መንግስታዊ  ኣካላትን ተኸታተልቲ ጉዳይ ኣፍሪቃ ምሁራትን ብዜጋታት ኣፍሪቃን ልዑል ኣህጉራዊ ተፈላጥነትን ክብርን  ከምኡውን ምቕሉል ሕውነታዊ ፍቕርን ኣድናቖትን ረኺቡ ኢዩ። ፕሮፌሰር ሊዮነል መስራቲ ኤዲተር (ዘ ረቪው ኦፍ ኣፍሪካ ፖለቲካል ኢኮኖሚይ) ኣባል ጉጅለ መጽናዕትን ምርምርን ኣፍሪቃ ብሙዃን ዝሰርሐ ፈታው ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን መሓዛ ኢዩ። ፕሮፌሰር ሊዮን  ኣብ ሃገራት ታንዛንያ ኬንያ ዚምባብወ ናሚብያ ደቡብ ኣፍሪቃን ኤርትራን ብተደጋጋሚ  ብኣካል ብምኻድ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት እተን ሃገራት ብዕምቆት ዘጽንዐን ድሕሪ ናጽነት  ንቡዙሓት ኤርትራውያን ምሁራት፡ ንከም ኣለም ሰገድ ተስፋይ፡ ኣማኑኤል ምሕረተኣብን ካልኦትን ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቶም ንኺቕጽሉ ዘተባበዐን ዝሓገዘን ሓያል ተመራማሪ እዩ።

ንዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር  ብምድናቕ ጽንዓትን  ትብዓትን ህዝቢ ኤርትራ ተወፋይነቱ ኣብ ቃልስን ውዳበኡን ብዝምልከት፡  ንጂኦግራፊያ ኣቀማምጣ ጽባቐን ናቕፋ፡ እቲ ዘስተንክር ጀግነንት ንዝተኻየደሉ ዕርድታታን፣ ነቲ መዛግብ ንዘሙቖዎ ኣናብስ ኣጻድፍ ተጋደልቲ ብምድናቕ ዝፈለማ፡ ዝተናውሐ ኤርትራዊ ቓልሲ ንናጽነትን ነባሪ ሰላምን እትብል መጽሓፉ ድሕሪ ናጽነት ከምቲ ዝተመነዮ ፍረ ብዘይምርካቡ ኣምሪሩ ይሓዝን ምንባሩ ናይ ቀረባ ፈልጥቱ የዕልሉ።

ፕሮፌስር ሊዮነ ክሊፍ

1.    The Long Struggle of Eritrea for Independence and Constructive Peace  (ዝተናውሐ ኤርትራዊ ቓልሲ ንናጽነትን ነባሪ ሰላምን) እትብል መጽሓፉን ም

2.  Beyond Conflict in the Horn: Prospects for Peace, Recovery, and Development in Ethiopia, Somalia, and the Sudan  ( ኪኖ ግጭት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ትጽቢት ሰላምን ምዕባለን ህንጸትን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ሱዳን)

3. ቅልጡፍ ውጽኢት ምድልዳል መሬት ዚምባብወ ድሕሪ 2000

4. The Politics of Lying: Implications for Democracy 

The Transition To Independence In Namibia  ምስግጋር ናብ ናጽነት ኣብ ናሚብያ

5. Behind the War in Eritrea  (ድሕሪ ኩናት ኤርትራ ዘሎ ነገር)

ዝብሉ ዝርከቡዎ ንበይኑን ምስ መሳርሕቱን፡ ዓሰርተታት መጻሕፍትን ማእለያ ዘይብሎም ዓንቀጻትን ምርምራዊ ስርሓትን  ዝጸሓፈ  ውሩይ ተመራማሪ ኦኣርኪ ሰውራን ህዝብን ኤርትራ ኢዩ።

ፕሮፌሰር ሊዮን ድሕሪ ናጽነት ብዘጋጠመ ኩነታት ኤርትራ፡ ልክዕ ከም ወዲ ዜጋ ብልቢ ብምሕዛኑ ጉጅለ 15 ዘልዓሉዎ ሕቶ ለውጢ ብሰንኪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብሓይሊ ተቕጽዩ ኤርትራ ናይ ጥፍኣት ጎደና ምስ ሓዘት ምስ ኤርትራውያን ወጻእተኛታት መሓዙት ኮይኑ ናይ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጉጅለኡን ሀገር ናብ ጥዑይ ጎደና ኪመርሑዋ ጻውዒትን ምሕጽንታን ዘቕረበ ግዱስ ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ነይሩ። ሬሳ ፕሮፌሰር ልዮን ክሊፍ  ሰኑይ 04 ሕዳር 2013 ሰዓት 12፡30  ኣብ ትውልዲ ዓዱ ኣብ ዎርትሊ ቪሌጅ ሸፊልድ ሳውዝ ዮርክሼር   ኣብ Grenoside Crematorium,  ግብኣቱ ኪፍጸም ኢዩ።  ኣብቲ ኣጋጣሚ  ከኣ ታሪኽ ህይወቱን ኣበርክቶኡን ብመሓዙቱ ከኣ ትዝታን ጦብላሕታን ፋንዎኡ ኪግለጽ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ሬድዮ መድረኽ ንስድራቤቱን ኩሎም ፈተውቱ መሓዙቱን አዕሩኽ ሰውራን ህዝብን ኤርትራ ጽንዓት ዝተሰመዐ ጓሂ ብምግላጽ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃብኩም ትብል።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • luna November 3, 2013

    There are many Eritreans who live in Sheffield and Leeds area. I’m sure some Eritreans might attend his funeral service. We have to pay tribute to this great personality who was the supporter of the Eritrean struggle.

  • Selino Asmarino November 5, 2013

    Rest in peace!

POST A COMMENT