Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ካብ ኣሥመራ ዝመጽእ ዘሎ ንፋስ ሕጂ’ውን ኣይጠዓየን ዘሎ-!!

  ንኹሉ ገግዚኡ ኣለዎ ከም-ዝበሃል፥ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ግዜ’ውን፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተደጋጊሙ ዝዝረብሉ እዋን ኮይኑ እንተ-ተረኽበ ዘገርም ኣይኮነን። ከመይሲ ብዛዕባ’ዛ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፥ ብዙሕ ይበሃልን ብዙሕ ይግበርን ስለዘሎ’ዩ። እቲ ጉዳይ ንዕዓ ዝምልከት ከም-ምዃኑ መጠን፥ እቲ

 

ንኹሉ ገግዚኡ ኣለዎ ከም-ዝበሃል፥ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ግዜ’ውን፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተደጋጊሙ ዝዝረብሉ እዋን ኮይኑ እንተ-ተረኽበ ዘገርም ኣይኮነን። ከመይሲ ብዛዕባ’ዛ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፥ ብዙሕ ይበሃልን ብዙሕ ይግበርን ስለዘሎ’ዩ። እቲ ጉዳይ ንዕዓ ዝምልከት ከም-ምዃኑ መጠን፥ እቲ ጸገማ ባዕላ ክትብሎ ዝግብኣ’ኳ እንተነበረ፥ ዝኾነ ክትብል ግን መሰል ዘለዋ ኣይኮነትን። “እቲ ኣፈይን ሱቕ ኢሉ፥ እቲ ኢደይን ይኾላለሱሉ” ከም-ዝበሃል፥ ብገዛእ ጉዳያ ባዕላ ክንዲ ትዛርብ ግን፥ ኩሉ ግዜ እቶም ብስማ ዝዛረቡ ካልኦት’ዮም።

ንሳቶም እንታያ ኣይኮኑን ዝውክሉዋ’ውን ኣይኮኑን። ንዕዓ መሲሎምን ንዕዓ ወኪሎምን ግን፥ ኣብቲ ንዕዓ ዝምልክት መድረኽ ክርከቡ ዝጸንሑ ንሳቶም’ዮም። እዚ ተርእዮ’ዚ ዘይቅቡልን ዘይሕጋውን’ኳ እንተኾነ፥ ንሳቶም ግና ምስ ሕጊ ኮነ ምስ ሥነ-ምግባር፥ ተሳንዩ ዝኸይድ ባህርያት ኣለዎም ስለ-ዘይበሃሉ፥ ብዛዕባ’ቲ ሰብከ እንታይ ክብለና’ዩ-? ዝብል ኣበሃህላ ክጭነቑ ተራእዮም ኣይፈልጡን። እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ “ሕልና” ዝበሃል ነገር እንድሕሪ ሞይቱ፥ ተመኺርካ ክትምለስ ኮነ ተነጊሩካ ክትሰምዕ ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ሕማም’ዚ ከኣ’ዩ ሕጂ’ውን ክደጋገም ዝርአ ዘሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ንሳቶም፥ እቶም ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተቘጻጺሮማ ዘለዉ ሰብ-ፖለቲካ፥ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ በደሎም ኣሚኖም ይቕሬታ ሓቲቶም ዝብል ዜና ምስ ዘርግሑ፥ ዋላ ሓደ’ኳ ነቲ ዝተባህለ ኣሚኑ ዝተቐበሎ ኣይነበረን። ከመይሲ ሓቂ ኣይነበሮን ክእመን ዝኽእል’ውን ኣይነበረን። በዚ ድማ ብወገን ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተሪር ተቓውሞ ክገጥሞ ቀንዩ’ዩ። እዚ ከኣ እኹል ትምህርትን መለበምን ክኾኖም ምተገብአ ነይሩ’ዩ። ካብቲ ንገዛእ ሕዝብኻ ንዒቕካን ኣትሒትካን ናይ ምርኣይ ሕማም፥ ክላቐቑ ስለ-ዘይከኣሉ ግና፥ እቲ ብዕበጦ ዕበጦ ከካይዱዎ ዝደለዩ ውራይ ከም-ዝፈሸሎም፥ እቲ ካብ ኣሥመራ ዝመጽእ ዘሎ ዜና የረጋግጽ ኣሎ።

ከምቲ ዝስማዕ ዘሎ፥ እቶም ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ፥ ነቲ ይቕሬታ ሓቲቶም ዝብል ዜና ምስ-ሰምዑዎ፥ ንሶም ዝበሉዎ ቃል ከም-ዘይኮነ ኣብ ርእሲ ምግላጾም፥ ኣብዚ ብመዓር ዝተሸፈነ ተንኮልን ሕልኽላኽን’ዚ፥ ክሕወሱዎ ከም-ዘይደልዩ ብምርግጋጽ፥ ካብቲ ብሽፍንፍን ክሥራሕ ተሓሲቡ ዝነበረ ድራማ፥ ነፍሶም ከም-ዘግለል’ዩ ዝንገር ዘሎ። እዚ ድማ ከምቲ ”ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ዝበሃል። ንሳቶም እቶም ሰብ ግዜ፥ ነዚ ሕሱር ዝኾነ ተዋስኦ ክምህዙን ከተግብሩን ኢሎም፥ ክሳብ ክንድዚ ኣትሒቱ ክርእዮምን ከገምቶምን፥ ኣብ ዝኽእል ታሕቲ ወሪዶም ምርካቦም ክንደይ’ኳ ዘሕዝን’ዩ።

ብዝተረፈ እዚ ተዋስኦ’ዚ ዝጀመረ ሕጂ ኣይኮነን። እቲ ዝኾነ ልቦናን ምስትውዓልን ነይሩዎ ዘይበሃል፥ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ገና ብኣባ-ሉቃስ ተደፊኡ ቅድሚ ምውጽኡ፥ ዝተጀመረ ጉዳይ ምንባሩ ይዝከር’ዩ። እቲ ተዋስኦ ክጅመር ከሎ፥ ኣቡን-ባስልዮስ ዝበሃሉ ጳጳስ’ዮም፥ ብገለ መነኮሳት ተሰንዮም ናብ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብምኻድ፥ ” … በጃኹም ዕርቂ ይኹን ሥራሕኩም ጀምሩ … ” ክብሉዎም ዝተረኽቡ። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ድማ ኣብቲ እዋን’ቲ፥ ነቲ ናይ ዕርቂ ሓሳብ ከም-ዘይነጸጉዎ’ዩ ዝፍለጥ። እንተኾነ እቲ ሽዕዑ ዝበሉዎ “ … ንስኻትኩም ብኣዋጅ ኢኹም ካብ መንበረይ ዘውረድክሙንን፥ ካብ ሥልጣነይ ዝሰዓርኩምንን። ስለዚ ድማ ሕጂ ካብቲ ዝወንጀልኩሙኒ ኩሉ ነፃ ምዃነይ፥ ወግዓዊ ብዝኾነ መንገዲ ኣዋጅ ኢልኩም ንሕዝቢ ከተፍልጡ ኣለኩም። ናይ ግብጺ ቤተ-ክርስቲያን ኣቦታት’ውን ክሕወሱዎ ኣለዎም …” ብምባል መልሲ ከምዝሃቡ’ዩ ዝፍለጥ።

ብድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸለ ሰሙናት’ውን፥ እቶም ጳጳስ ኣባ-ባስልዮስ ብተመሳሳሊ መንገዲ በጃኹምባ እናበሉ ከም-ዝተመላለሱዎም ዝፍለጥ’ዩ። ብወገን ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ግና፥ ዝቕየር ኣቕዋም ኣይነበረን። እቲ በቶም ሰብ ፖለቲካ፥ ድብስብስ ኣቢልካ ክሕለፍ ዝተደልየ ናይ ዕርቂ-ሓሳብ፥ ዘይከውን ምዃኑ ምስ-ተፈልጠ ድማ፥ መውጽኢ ስኢኖም ዓቕሊ-ጽበት ምስኮነ፥ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2007 ዓ/ም(2015) እቶም መዓርጎም ኣዋሪዶም ካድረ ኣብ ምዃን ተለዊጦም ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ። ዝሓዙ ሒዞም ካይሮ ከም-ዝኸዱ ዝፍለጥ’ዩ። ኣብቲ ዝበሉዎ ቃል ድማ “… ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ተለሚኖም ኣብዮም’ዮም። ሕጂ ብዛዕባኦም ክንዛረብ ኣይንደልን ኢና። ኣብ ኑፋቄ ዝተረኽቡ’ውን ስለ-ዝኾኑ፥ ናብ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ደኣምበር፥ ናብ ሣልሳይ ኣቢልና ኣይንምለስን ኢና …” ኣብ ዝብል ሓሳብ ደሪቖም ደው ምስበሉ።

ኣቦታት ቤተ-ከርስቲያን ግብጺ እቲ ኩነታት ኣዚዩ ስለ-ዘተሓሳሰቦም፥ ኣብ ዕርቂ እንተ-ተብጽሐ ካብ ዝብል ሓሳብ “ … እቲ ነገር ኣብ ቀረባ’ዩ ዘሎ። ክቀራረብ’ውን ዝኽእል’ዩ። ከምቲ ዝበሃል ዘሎ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ዕርቂ ኣብዮም ድዮም ኣይኣበዩን ክረጋገጽ ክኽእል ኣለዎ። ስለዚ ወይ ናብዚ ክመጹ ይፈቕደሎም፥ ወይ ድማ ናብ ኣሥመራ መጺእና እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ መእተዊ-ቪዛ ይፈቐደልና …” ምስበሉ፥ ንቃል-ዓለም’ኳ ንመንግሥትና ክንሓትት ኣይበሉን ኣባ-ሉቃስ። እንታይደኣ እቲ ክካየድ ዝወርሐ ተዋስኦ፥ ጀሚሩ ክሳብ ዝውድእ ይፈልጡዎ ስለ-ዝነበሩ፥ ኣባ-እንጦንዮስ ናብዚ ኣይመጹ ንስኻትኩም’ውን ኣሥመራ ኣይትኸዱ ብምባል ከም-ዝደምደሙዎ’ዩ ዝፍለጥ። ንቪዛ ብዝምልከት’ውን ዝፈቕዱን ዘይፈቕዱን እቶም ካድረ ኣባ-ሉቃስ ምዃኖም ኢና ንርኢ።

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ድማ ሓደ  ዕርቂዶ ይቕሬታዶ፥ ዝብል ካልእ ተአዋስኦ ብምምሃዝ፥ ረአዩ ብዘይ ናይ ወጻኢ ኢድ ምትእትታው፥ ብዕርቂ ጉዳይና ክንውድእ እንኽእል ሥልጡናት ሕዝቢ ኢና ክበሃል ቀንዩ’ዩ። “ብሽንቲ ኣንንጭዋ ዝተነድቀ መንደቕሲ፥ ድሙ ክንቁ ከሎ ይፈርስ” ከም-ዝበሃል ግና፥ እቲ ንበዓል ኣባ-ሉቃስ ከም መጋበሪ ብምጥቃም፥ ክፍኖ ዝቐነየ ናይ ሓሶት መናፍሕ፥ ደው ንምባል ዘኽእሎ ጽንዓት ስኢኑ፥ ሃደሽደሽ ኢሉ ክፈርስ ይርአ ኣሎ። ከመይሲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ እቲ ክበሃል ዝቐነየ ኩሉ፥ ኣይቃለይን ብምባል ከፍሽልዎ ስለ-ዝኸኣሉ’ዮም።

ብዝተረፈ ኣነ ከም ኣነ መጠን፥ ጉዳይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ተፈቲሑ እንተ-ተባህለ’ውን፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተፈቲሑ’ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ከመይሲ እቲ ኣብቶም ፓትርያርክ ዝወረደ ግፍዒ፥ ቅድሚ ዓሠርተ-ዓመት ዝጀመረ ክኸውን ከሎ፥ ቤተ-ክርስቲያንና ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፖለቲካ ዝተታሕዘት ግን፥ ኣብ 1983 ዓ/ም ( 1991) ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። እምበኣርከስ ንዕሥራን-ሓሙሽተን ዓመት መመላእታ፥ ብሳምቡእ-ፖለቲካ ከተተንፍስ ዝተፈርዳ ቤተ-ክርስቲያን ከምዘላትና፥ ከመይ ኣቢልና ኢና ክንዝንግዖ ንኽእል-?!

ከም-ዝፍለጥ እታ ቤተ-ክርስቲያን፥ ኣብ 1983 ዓ/ም (1991) ከም ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ክትቀውም ከላ፥ ስማዊ ነፃነት ደኣምበር፥ ትርጉም ዘለዎ ነፃነት ሒዛ ኣይተበገሰትን። ከመይሲ እቶም ሽዕኡ ኣቦ-መንበር ግዚያዊ-ሲኖዶስ ኮይኖም፥ መራሕ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክኾኑ ዝተመዘዙ። መንግሥቲ ብሽመት ዘቐመጦም ሰብ ደኣምበር፥ ግዚያዊ-ሲኖዶስ ዝመረጾም ከም-ዘይነበሩ ኣረጋጊጽካ ክዝረብ ዝከኣል ሓቂ’ዩ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸለ እንተኾነ’ውን፥ ፓትርያርክታት ክመጹን ክኸዱን ጸኒሖም’ዮም። ግዳ ኣብዚ ምኻድን ምምጻእን’ዚ፥ ቤተ-ክርስቲያንና ባዕላ ይደልዎ ኢላ፥ ፓትርያርክ ክትመርጽ ዝኸኣለትሉ ግዜ ነይሩ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን።

ንኣብነት ኣብቲ ድሕሪ’ቶም ቀዳማይ ፓትርያርክ ዝቐጸለ ግዜ፥ እቲ ንናይ ሥነ-ምግባር ክብሪ ኣፍልጦ ነይሩዎ ዘይበሃል ናይዝጊ ክፍሉ፥ “ኣቡን-ያዕቆብ ዓቃቤ-መንበር ክኾኑ ተወሲኑ ኣሎ”  ምስበለ፥ ነቲ ኣበሃህላ ክቕበሉዎ ዘይደልዩ ጳጳሳት ነይሮም’ዮም። ማለት እቲ ኣብ መንኦጎም ዝነበረ ሰማይ ዝበጽሐ ቅርሕንቲ ምኽንያት ብምግባር፥ ሕነ ከይፍደዩዎም ብምስጋእ ደኣምበር፥ እቲ ተቓውሞ ካልእ ትርጉም ዝነበሮ ኣይኮነን። እቲ ንመንግሥቲ ወኪሉ ዝመጸ ናይዝጊ ግና፥  “…ፋይልኩም ምሳና ኣሎ-! ታሪኽ ሕይወትኩም’ውን ምሳና’ዩ ዘሎ-! ሱቕ ክትብሉ ጥራይ’ዩ ዘወጻጽኣኩም …” ዝብል ሓውሲ ምፍርራሕን መግናሕትን ዝኾነ ቃላት ምስ-ኣስምዖም ግና፥ ኢዶምን እግሮምን ኣኪቦም’ዮም ሱቕ ዝበሉ። ብጠቕላላ እቲ ኩሉ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ክፍጸም ዝጸንሐ ዕንወት፥ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ናይ ጥፍኣት ተልእኮ ሒዙ ክዋሳእ ዝጸንሐ፥ ናይዝጊ ክፍሉ ምዃኑ ከቶ ክርሳዕ ዝኽእል ኣይኮነን።

ስለዚ ካብ ሎሚ ንጽባሕ መሬት ክውግሕ’ዩ፥ ብዝብል ተስፋ ክንጐዓዝ ምጽናሕና እንተ-ዘይኮይኑ፥ ነቲ ኣብ ክሳድ ቤተ-ክርስቲያንና ተቘሪኑ ዝርከብ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ኣርዑት፥ ከም ቅቡል ወሲድናዮ ዘየቐንዝወና ኮይኑ ማለት ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ፓትርያርክ ዝፍጸም ዘሎ ገበን፥ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና፥ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ክኸውን ከሎ፥ ብዓባያ እታ ቤተ-ክርስቲያን ድማ፥ ንዕሥራን-ሓሙሽተን ዓመት መመላእታ፥ ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺሮማ ምህላዎም ይርድኣንና እንተደኣልዩ፥ ሕቶና ነቶም ሰብ ፖለቲካ ኢድኩም ኣውጽኡ-!! ደኣዩ ክኸውን ዘለዎ እምበር። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ እንተ-ተፈትሑ’ውን፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ከምዚ ሕጂ ዘላቶ፥ ብመቑሕ-ፖለቲካ ተኣሲራ ክትቅጽል እንተደኣ ኮይና፥ እቶም ፓትርያርክ ተፈቲሖም ኣይተፈቲሖም፥ ኣበየናይ ባይታ ረጊጾም’ዮም ክሠርሑ ዝኽእሉ-?!

ብመሠረቱ’ውን እቲ ሕጊ ቤተ-ክርስቲያን፥ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ንዕኡ ሥልጣን ክህብ ብዝኽእል ኣገባብ ቀይሩዎ ስለ-ዝኾነ፥ እዚ ምቅይያር’ዚ ከኣ ነቶም ፓትርያርክ፥ ዳርጋ ኣብ ቡራኬ ከም-ዝውሰኑ ገይሩ፥ ኣግሊሉዎም ስለ-ዝኾነ።ፓትርያርክ-እንጦንዮስ’ውን፥ ክሠርሑሉ ዝኽእሉ ባይታ ስለ-ዘይብሎም፥ እንተ-ተፈትሑ’ውን ክገብሩዎ ዝኽእሉ ነገር ኣሎ ክብሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ትኽ ብትኽ ካብ ቤተ-ክርስቲያንና ኢድኩም ኣውጽኡ-!! ዝብል ሕቶ ሒዝና ኢና ክንለዓል ዝግበኣና። ብዝተረፈ እቶም ከም ቁርዲድ ደም ቤተ-ክርስቲያን ክመጽዩ ዝጸንሑ፥ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስን ሃብቶም ርእሶምን ኣፋንዮም፥ ንዕኦም ዝመስሉ ካልኦት ካድራት ከምጽኡልና ዝኽኣሉኮ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሮም ስለዘለ’ያ።

ደሓር ድማ ኩነታት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ኣብ ከመይ ዝበለ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ይርከብ ከምዘሎ ክንፈልጥ ይግባኣና’ዩ። ከመይሲ ዲያቆናትናን, ካህናትናን, መነኮሳትናን ተሰከምቲ-ጠበንጃ ከም-ዝኾኑ ብምግባር፥ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኖም ከም-ዝርከቡ ገይሮሞም ከም-ዘለዉ፥  ከመይ ኣቢልና ክንዝንግዖ ንኽእል-?! ኣብዚ እዋን’ዚ ኣገልግልቲ ስኢነን ዝዕጸዋ ዘለዋ ኣብያተ-ክርስቲያናትና፥ ዉሑዳት ኣይኮናን። ገዳማትና እንተኾና’ውን ኣለዋ እናተባህላ ናብ ብርሰት ኣቢለ’የን ዘምርሓ ዘለዋ። እሞ ሕጂ ጥቓ ሓመድ-ድበ በጺሕና እናሃሎና ዘየእዌና ደኣ፥ መዓስ ደኣ ኢና’ሞ ከነእዊ-!! ቤተ-ክርስቲያንና ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ንህልውንኣ ዝፈተታን ሓደጋ ትርከብ ምህላዋ፥ ገናዶ ኣይተረድኣናን’ዩ ዘሎ-?! እምበኣር እቲ ኣብ ክሳድ ቤተ-ክርስቲያን ተቘሪኑ ዘሎ፥ ናይ ፖለቲካ ኣርዑት ከይተሰብረ፥ እቲ ንዕሥራን-ሓሙሽተን ዓመት መመላእታ፥ ክሳቕያ ዝጸንሐ ሕዱር-ሕማም ክፍወስ ስለ-ዘይክእል፥ ካብ ቤተ-ክርስቲያንና ኢዶም ክሳብ ዘውጽኡ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ ኣውያትና ከነስምዕ ካብ ምግባር፥ ካልእ ኣማራጺ ክህልወና ዝኽእል ኣይመስለንን።

                                      ካህን ተክለማርያም ምርካጽዮን

                                          ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ  

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • helu September 4, 2016

    ኢቲ ሓሶት አና ዋሓደ ሓቂ አና ሰሰነ ኣብዝከደሉ ግዜ ሽፍትነት ከምዝበዚህ ኩሉ ኪፍለጦ ኣለዎ

  • Mehari G/medhin September 6, 2016

    Behaqi zegerim neger eyu.

  • k.tewolde September 9, 2016

    It is a society that lost its ways and identity because of greed and power,but God knows how to turn things around in due time after He is done teaching his holy but painful lesson.Lets pray His lesson wont be protracted and painstaking.Amen.

POST A COMMENT