Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ እማመ ምእንቲ ክዕወት – ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

እቲ እማመ ምእንቲ ክዕወት ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “እማመ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ” ኣውጺኡ ኣሎ። እዚ እማመ ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነ መሪሕነት ሰልፊ በብግዜኡ ካብ ኣባላቱን ዝተፈላለዩ ወገናትን ክቐርብ ዝጸንሐ

እቲ እማመ ምእንቲ ክዕወት

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “እማመ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ” ኣውጺኡ ኣሎ። እዚ እማመ ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነ መሪሕነት ሰልፊ በብግዜኡ ካብ ኣባላቱን ዝተፈላለዩ ወገናትን ክቐርብ ዝጸንሐ ለበዋታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ክሓስበሉን ከጽነዖን ዝጸንሐ እዩ። እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን በቲ ሓደ ወገን ስርዓት ህግደፍ ኣርዑት ወጽዓኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝያዳ ዘትረረሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሓይልታት ተቓውሞ ብናይ ሓባር ቃልሲ ከናግፍዎ ጻዋዒቱ መመሊሱ ዘስመዓሉ ዘሎ እዩ። ሓይልታት ተቓውሞና’ውን በበይኑ ቀያርን ተካእን ሓይሊ ክኸውን ከምዘይክእል ተገንዚቡ ከብቅዕ፡ ዓቕሙ ኣወሃሂዱን ሰፊሕ ጽላል ፈጢሩን ብሓባር ክሰርሕ ኣብ ዘይበቐዓሉ መድረኽ ኢና እንርከብ። ብመንጽር እዚ እማመ ሓባራዊ ዕዮ ሰዲህኤ እዋኑ ሓልዩ ዝመጸ እዩ ምባል ካብ መስመር ሓቂ ዝወጸ ኣይኮነን።

ናይዚ እማመ ትሕዝቶ ማእከሉ .ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን” ኮይኑ ኣብ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ነጥብታት ዘትከለ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ማእከሎም “ ምቛም ህዝባዊ ስርሓት ዝከተተልን ዘካይድን ኣካል” ዝብል ሓሳብ ዝማእከሎም ብሓባር ዝስረሓሎም ኣገደስቲ መዳያት እውን ኣለልዩ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ እማመ ክሳብ ሕጂ ዝተፈተኑ ናይ ሓባር ጽላላት ከምቲ ትጽቢትና ስለ ዘይተዓወቱ እንኹንኖም ዘይኮኑስ ክንመሃረሎም ዝግበኣና ምዃኖም ኣነጺሩ ኣሎ። እዞም ሰዲህኤ ኣብ እማመኡ ጠቒስዎም ዘሎ ነጥብታት፡ ዝተፈላለዩ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ከቃልሕዎም ምስ ዝጸንሑ ናይ “ሓቢርና ንስራሕ” ጭርሖታት ዝመሳሰሉ ስለ ዝኾኑ እቲ እማመ ባይታን እዋናውነትን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ።

ሰልፍና ነዚ እማመዚ ከውጽእ እንከሎ ናይ ቅድሚ ሕጂ ድኸምታት ኣብ መስርሕ ሓባራዊ ስራሕ ዳህሲሱ ክኸውን እንከሎ ንገዛእ ርእሱ ካብዚ ድኽመት ብምግላል ኣይኮነን። ብኻልእ ወገን ነዚ እማመ እዚ ከቕርብ እንከሎ ኣብ ምምዕባሉን ምንጻሩን ብመትከል እንካን ሃባን ናይ ዘተን እሂንምሂንን ኣፍደገኡ ብምኽፋት እምበር ናተይ ጥራይ ተቐበሉለይ ብዝብል ዓጋቲ መንፈስ ኣይኮነን። ርግጽ እዩ እዞም ብሓባር ክንሰርሕ ንጥለብ ዘለና ናይ ለውጢ ሓይልታት ነናትና ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ኣለና። መደብ ዕዮታትና ናብ ቅድምን ድሕርን ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ዝዓለሙ እዮም። እቲ ሕጂ ዝድለ ዘሎ ከኣ ኣብ ክንዲ በቲ ሓደ ወገን  ዘመሳስለናን ዝፈላልየናን ካብ ምድውዋስ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ በበይኑ ስፍሓትን ዕምቆትን ዘለዎ ምዕራፋት ምድብላቕ፡ ብንጹር ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ብቲ ውሱን ዘሰማምዓና ነጥብታት ተጊህካ ምስራሕ እዩ።

እቲ ካልእ መልእኽቲ ናይዚ እማመ ክሳብ ሕጂ ተጀሚሮም ኣብ መስርሕ ዘለዉ ንኡሳን ውዳበታትን ተበግሶታትን ነቲ ዝሰፈሐ ጽላል ብዘይጻባእ፡ ከም ዘለዉዎ ኮይኖም ንዓኣቶምን ኣብኣቶም ንዘየለዉን ዝሓቁፍ ዝሰፈሐ ጽላል ምፍጣር እዩ። ሰዲህኤ ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ዓይነት እማመ ከቕርብ እንከሎ እንታይ ሓድሽ ነገር ሒዙ ስለ ዝመጸ እዩ? ዝብል ሕቶ ከም ዝለዓል ፍሉጥ እዩ። ብዙሓት ወገናት ከኣ ነዚ ነናቶም መልሲ ክህልዎም ይኽእል። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርራ፡ ናብ  ቅድሚ ሕጂ ምስኣተን ዘይሰርሐ ሓደስቲ ውድባትን ሰልፍታትን እማመ የቕርብ ከም ዘየለ ይርዳእ። ኣብቲ እማመ ጠቒስዎም ዘሎ ነጥብታት’ውን ክሳብ ሕጂ ኣብ ቻርተራትን መሰል ናይ ሓባር ሰነዳትን ዘይተጠቕሱ ከምዘይኮኑ ይግንዘብ። እንተኾነ ሎሚ ትማሊ ኣይኮነን። ሎሚ ካብቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮ ተማሂርካ ሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ ከተጥሪ ከኣ ዘይተርፍ መስርሕ እዩ። ስለዚ ሓድሽ እንብሎ እቲ ኣብ ኩልና ተፈጢሩ ክህሉ ተስፋ እነንብረሉ፡ ጸዋር፡ ሓላዪ፡ ሓላፍነታውን ርትዓውን ኣተሓሳስባ እዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ሓቢርካ ምስራሕን ዘይምስራሕን ብመንጽር ሃገርና ኮነ ደንበ ተቓውሞና ናይ ምሕያልን ምድካምን ዘይኮነ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን እዩ።

እማመ ስሙ ከም ዝሕብሮ ኣብ መስርሕ ዘተ ናብ ናይ ሓባር መሰማምዒ ተረድኦ ዝምዕብል ኣፈናዊ ተበግሶ እዩ። ስለ ዝተኣመመ ጥራይ ይዕወት ማለት እውን ኣይኮነን። ኣብ ፍረ ንክበጽሕ ጻዕርን ቅሩብነትን የድልዮ እዩ። ብመንጽር እዚ መንፈስን ትሕዝቶን ናይዚ እማመ ናብቶም ዝምልከቶም ሰብ ጉዳይ ብግቡእ ከም ዝበጽሕ ኣብ ምግባር ኣካላት ሰዲህኤ ዓብይ ዕዮን ወፍርን ይጽበዮም ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉዕዞ ናብ ናይ ሓባር ጽላል ምብጻሕ ካብ ኮነ፡ ነዚ እማመ ናብ ርትዓዊ መረዳድኢ ሰነድ ንምምዕባሉ ካልኦት ውድባትን ሰልፍታትን እውን፡ ውልቀሰባት ወይ ውድባት ዘይኮነ “ኩሉ ዓቕምና ኣንጻር ምልኪ ይቕናዕ” ከም ማእከላይ ነጥቢ ወሲዶም ክዓምዎ ዝግበኦም  ዕማም ኣሎ ዝብል እምነት ኣለና

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • fetsum abraham June 11, 2017

    Good news but what we need from now on is reducing ideas to practice instead of suggesting something and sopping there. It is time to show up frequently and boost the unity environment going on everywhere. It is time to put words in practice and I hope you will frequently update us about what you are doing about this beautiful idea. Thank you

  • Merhawi June 12, 2017

    Wonderful news. That is want we want to hear and do. This will bring a lot of hope, If you add practical work people will back you up.

  • Merhawi June 12, 2017

    Wonderful news. That is what we want to hear and do. This will bring a lot of hope, If you add practical work people will back you up.

  • Henock .hagos June 12, 2017

    u can do it nothing stop talking.

  • k.tewolde June 12, 2017

    Yes it is a great endeavor that needs to be welcomed with open arms from all of us and I hope the rest will follow suit.We have been trying to sell the same product from a number of political kiosks for a long time thereby devaluating the product itself.That turned off consumers and became a tough sell.On the contrary HGDEF sells one product alone,no competition.Forget from political view,even from business stand point it makes sense to join hands and sell the product under one umbrella, It is a season for M&A {merger and acquisition}.Lets beat HGDEF at his own game.It is no brainer.

POST A COMMENT