Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ኣዕናዊ ታሪኽ ንኸይድገም ኢሰያስ ክእለ ኣለዎ።

ህዝቢ ኤርትራ ንመዋእል ናጽነትን ፍትሕን ዝብሃል ከይረኣየ ድሕሪ ምጽናሕ ምምምሕዳር እንግሊዝ ድሕሪ ምብቅዑ ኣብ ክንዲ ናጻ ህዝቢ ዝኸውን፡ ጕዳዩ መጣልዒ ናይ’ተን ዓበይቲ መንግስታት ብምዃን ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ከም ዝቝረን ኮይኑ። ካብ መግዛእቲ ዝኸፍእ ስለ ዘየሎ

ህዝቢ ኤርትራ ንመዋእል ናጽነትን ፍትሕን ዝብሃል ከይረኣየ ድሕሪ ምጽናሕ ምምምሕዳር እንግሊዝ ድሕሪ ምብቅዑ ኣብ ክንዲ ናጻ ህዝቢ ዝኸውን፡ ጕዳዩ መጣልዒ ናይ’ተን ዓበይቲ መንግስታት ብምዃን ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ከም ዝቝረን ኮይኑ። ካብ መግዛእቲ ዝኸፍእ ስለ ዘየሎ ካብኡ ናብኡ ኣብዚ ብስም ፈደረሽን ዝጽዋዕ ሓጺር እዋን ህዝብና ቍሩብ ከተንፍስ ክኢሉ። ደቁ ብቛንቋኦም ይመሃሩ ነይሮም፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፖሊስ ይሕሎ፡ ናይ በይኑ ባንዴራ ይውንን፡ ባዕሉ ብዝመረጾም ኣባላት ባይቶን ኣመሓደርትን ይምራሕ ነይሩ። ሕግታትን መምርሕታትን  ፈደረሽን ግን በብቝሩብ ብስርዓት ሃይለስላሴ ከም ዘይነበረ ምስ ኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰላማዊ መንገዲ ክቃወም ፈቲኑ ብጐነጽ ምስ ተመለሰሉ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ። ኣብ ዓመቱ ድማ ዓማጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ብምስዳድ ንባይቶ ኤርትራ ከም ዘይነበረ ገይሩዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኤርትራ ምስ ወላዲታ ኢትዮጵያ ብምሕዋስ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ጠቕላይ ግዝኣት ኮይናላ ዝብል ወግዓዊ መግለጺ ሂቡ። ድሕሪ ናብ ሰላሳ ዓመታት መሪር ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ፡ ናይ ክልተ ዓመታት መሪር ኵናትን ናይ ዕስራ ዓመታት ኣዕናዊ ኣይሰላም ኣይኵናት ግዜ እነሆ ንልኡላውነትና ዝፈታተን ኣዝዩ ተኣፋፊ ወቕቲ በጺሕና ንርከብ ኣለና። ከም ህዝቢ መጠን ስለምንታይ ኣብዚ ደረጃዚ ወዲቕና? ናይዚ ኵሉ ጠንቂከ መንዩ? እንታይከ ክንገብር ኣለና? ኢልና ብሓባር ክንዝቲ ዕድል ረኺብና ንፈልጥዶ? እቲ መልሲ እወን ኣይፋልን’ዩ። እቲ ናዚ ዘብጽሓና ጠንቅታት ኣዝዩ ብዙሕን ዝተሓላለኸን’ኳ እንተኾነ፡ ብሕጽር ዝበለን ንተራ ሰብ ብዝርድኦን ኣገባብን ብከምዚ ዝስዕብ ከቕርቦ ክፍትን’የ። ብወገነይ ናይዚ ኵሉ ተሓታቲ ብቐድማነት ኢሰያስ ኮይኑ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተሓታቲ እዩ። በብተራ ግን ንርኣዮ።

ኢሰያስ ብቐዳምነት ተሓታቲ እዩ?

  • ኢሰያስ ካብ ግዜ ቃልሲ ኣትሒዙ ንህዝቢ ኤርትራ “ንፍትሒ፡ ንናጽነት፡ ንራህዋ ሓፋሽ ህዝቢ እዩ ቃልስና፡ ንሓፋሽ ዘይትከውን ኤርትራ ህልም ትበል” ይብል ከም ዘይነበረ፡ ድሕሪ ናጽነት ንህዝብን ንስዉኣትን ጠሊሙ።
  • ኢሰያስ ኣብ ሜዳ ዘጥፍኦም ንጹሃት ተቓለስቲ ከይኣኽሉዎ ድሕሪ ናጽነት ነቶም ‘ደምዝ ደሊና’ ዝበሉ ተጋደልቲ፡ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ከይኣቱ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣትሒዞም ከቢቦሞ ክሳብ ስታድዩም ዘሰንዩዎ ተጋደልቲ፡ ድሕሪኡ ኣብ ቲቪ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፡ “ኣነ ኣብ ቦታኦም ነይረ እንተ ዝኸውን ከምኣቶም ምሓተትኩ፡” ከም ዘይበለ ንኣስታት ሰብዓን ሓሙሽተን ዝኣኽሉ ተጋደልቲ ካብ ሰለስተ ዓመት ክሳዕ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ዳጕኑዎም።
  • ነቶም መንባብሮ ሓሲሙና ዝበሉ፡ ጥራይ ኢዶም ዝነበሩ ናይ ማይሓባር ስንኵላን ኣብ ከባቢ ነፋሲት ብመሪሕነት ወዲመምህር ዝብሃል ብሪጋዴር ጀነራል ዝምርሑ ኮማንዶ ዓጊቱ ብጥይት ከም ዝኣትዉዎም ገይሩ።
  • ምስ ወጻእተኛታት ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት “ህግሓኤ ከም ውድብ ክፈርስ’ዩ፡ ኣባላቱ ድማ ኣብ ዝደለዩዎ ሰልፊ ክጽንበሩ እዮም። ከምኡ እንተ ዘይጌርና’ሞ መብጽዓና ጠሊምና ማለት’ዩ፡” ኢሉ ከም ዘይተዛረበ ንህግሓኤ ኣፍሪሱ ህግደፍ ዝብሃል ውድብ ብምምስራት ኣባልነት ብናጻ ዝብል ክነሱ፡ ኣባል ንዘይኮኑ ሰባት ክኣስርን ከፈራርሕን፡ መሰራትዊ መሰላት ህዝቢ ክነፍግን፡ ብዘይ ፍርዲ ሰባት ክኣስርን ጀሚሩ።
  • ኣብ 1996 ቅዋም ተነዲፉን ብባይቶ ጸዲቑን ከብቅዕ፡ ብህዝቢ ክትግበር ትጽቢት እናተገብረሉ ከሎ፡ ህዝቢ ይኹን ባይቶ ወይ ካቢኔ ሚኒስተራት ዘይፈልጦ ምስ ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኵናት ከፊቱ። እቲ ዝኸፍአ ነገር ድማ ድሕሪ ቀዳማይ ወራር ኢሉ ዝጽውዖ ኣብ ኡጋዱድጉ “ነናብ ዝነበርኩሞ ትተመልሱሞ ዝርርብ ክጅመር” ዝብል ናይ ሰላም እማመ ምስ ቀረበ ነቲ ሰናይ ተበግሶ ብትዕቢት ነጺጉዎ። ኣብ ሳልስቱ ድማ ባድመ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣትያ።
  • ድሕሪ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ሰላም ዝሰዓበ ኣይ ኵናት ኣይሰላም እዋን፡ ኢሰያስ ነቶም ባይቶ ይተኣከበልና፡ ቅዋም ይተግበር ዝበሉ ሓለፍቲ መንግስቲ ትሕተ ሃገራውያን ብዝብል ገበን ጠቂኑ ብዘይ ፍርዲ ምስ ቤተስቦም ኣብ ዘይራኸቡሉ ቦታ ክዳጕኖም ከሎ፡ ብተመሳሳሊ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ከም ዝዕጸዋ ብምግባር ኣካየድተን ንዝነብሩን ርእይቶኦም ንዝጸሓፉን ሰባትን ጋዜጠኛታት’ውን ምስኣቶም ኣሲሩዎም።

 

  • ንተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ መሰልኩም ሓቲትኩም ብዝብል ምስምስ ናብ መዓስከራት ሰዲዱ ነታ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ለኵቱዋ።
  • ንእገዳ ዝቃወም እናመሰለ በንጻሩ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቍጠባዊ እገዳ ሸሚሙ ንዅሉ ገንዘባዊ ምንቅስቓስ፡ ንግድ፡ ህንጻ። ነዳዲ፡ ሸርፊ ዓጽዩ ኤርትራውያን ነጋዶ ሃገሮም ገዲፎም ርእሰማሎም ኣብ ኣብ ዓዲጓና ከፍስሱ ኣገዲዱዎም። ከም ሓቂ ንዓታቶም ኣዒንቶም ከፊቱሎም፡ ሃገር ግን ኣብ መዓምቝ ቅልውላው ጥሒላ።
  • ሃገርና ኤርትራ ከም ጨው፡ ዓሳ፡ ኣትክልቲ፡ ክቡር ማዕድናት ትውንን ክነሳ ንኣውፈርቲ ዘተባብዕ ፖሊሲ ኣብ ክንዲ ዝሕንጽጽ፡ ህዝብና ባህርያዊ ሃብቲ ሃገሩ ከይጥቀመሉ ሓሪሙዎ ይርከብ።
  • ነቲ ዝርካቡ ካብ ናይ በዓል ቢሻን ካልእን ካብ ወርቅን ነሓስን ዝርከብ ጥረ ገንዘብ ናብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣታዊ ከም ዝኸውንን ሃገር ብባጀት ከም ዝመሓደርን ኣብ ክንዲ ምግባር፡ ካብ ዕደና ዝርከብ ኣታዊ ናብ ንሱ ዝፈልጦ ምስጢራዊ ናይ ወጻኢ ባንክታት ከም ዝተሓላለፍ ይገብር። ህዝብና ድማ ብመሰረታዊ ቀረብ ሃለኽቲ ኣቕሑ ይሳቐ።
  • ሃገር ዝሰኣነት ዘይብላ ክነሳ ህዝብና ብስእነት ነዳዲ፡ ላምባ፡ ኤለትሪክ፡ ቀረብ ማይ፡ መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት ክሳቐ ካብ ዝጅምር ድሮ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣቝጺሩ ኣሎ። ስለምንታይ? እንተ ተባህለ መንግስቲ ዝኣክል ነዚ ንምትግባር ዓቕሚ ስኢኑ ዘይኮነ ኢሰያስ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ኤርትራ ከሳቕዮ ስለ ዝደለየ ጥራይ።
  • እቲ ዝኸፍአ መርኣያ ናይ ኢሰያስ ኣብ ሎሊ ህዝቢ ናይ ዘውርዶ ጭካኔ መርኣያ መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢ ምዕናዉ እዩ። ኣብዚ ሓሙሽተ ዓመታት ኢሰያስ ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢ ኣዕንዩ ኣሎ። ጐረባብቲ መንግስቲ ንህዝቢ ዝኸውን መንበሪ ኣባይቲ ክሰርሑ ከለዉ እቲ ሓልዮት ህዝቢ ዘይብሉ ኢሰያስ ግን መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢ ብመደብ የዕኑ።
  • ቅዋም ክትግበር’ዩ ኢሉ ከታልል ከም ዘይጸንሐ ‘ቅዋም ሞይቱ እዩ’ ክብል ከሎ፡ ብዛዕባ መሰል ህዝብን ደሞክራስን ምስ ተሓተተ ድማ ብብድዐ ደሞክራሲ ዝደሊ ናብ ማርስ ይኺድ፡ ደሞክራሲ ምናልባሽ ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ክብል መሊሱ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ። ብዛዕባ ህጽረት ማይ ምስ ተሓተተ’ውን ንማይ ትኸዶ’ምበር ኣይመጽኣካን’ዩ ዝብል ግልቡጥ ስነመጎት ተዛሪቡ። እዚ ግን ተፊኡዎ ዘይኮነ ኣብ ሎሊ ህዝቢ ካብ ዘሎዎ ካብ ንዕቀት ዝብገስ ዘረባ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብካልኣይ ደረጃ ተሓታቲ እዩ?

ኢሰያስ ከምዚ ዝኣመሰለ ብብድዐ ዝተባዕጠ እከይ ተግባራት ክፍጽም ከሎ ስርሑ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ክሰክር ከሎ፡ “ነታ ባዕለይ ዘምጻእኩዋ ኤርትራ ሒዘያ ክጠፍእ’የ፡” ኢሉ ከም ዝዛረብ መሳርሕቱ ሰኒዶሞ ኣለዉ። ንሕና ከም ህዝቢ ኤርትራ መጠን ግን ነቲ ኣቦታትና፡ መዛኑና፡ ኣሕዋትና፡ ደቅናን ደቂደቅናን ዝተሰውኡሉን ዝሰንከሉሉን ክቡር ናጽነት ክንሕልዎ ኣይከኣልናን። ናጽነትና መጻወቲ ሓደ ዘይጠቅም ውልቀመላኺ እናኾነ ከሎ ትም ኢልና ተዓዚብና ጥራይ ዘይኮነ ብዙሓት ካባና’ውን ነጣቕዕ ኔርናን ኣለናን። እሞ ደኣ ከም ህዝቢ መጠን ንስዉኣት ዘየክብር፡ ኣብ ልዕሊ ስንኵላን ጨካን ስጕምቲ ንዝወስድ ውልቀመላኺ ይትረፍ ክነጣቕዓሉን ክንውድሶን ቍሊሕ ኢልናውን ክንርእዮ ነይሩናዶ? ክንቃወሞ ሓይሊ ወይ ሜላ እንተ ሰኣንና ኣብያ ወይ ዘይምእዙዝነት ክነርኢ ኣይንኽእልንዶ? ናብ ልሙሳት ዝተቐየርና ካብ ኣመና ፍርሒ ድዩ ደም ስዉኣት ክኸሰና ከም ዝኽእል ስለ ዘይነስተውዕል እዩ? ኣብ ጕዳይ ኤርትራ ገለ ሰባት ብድፉኑ “ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉ ዘይቃለስ ሰነፍ’ዩ! ክብሉ ይስምዑ እዮም። ብወገነይ ምስ’ዚ ርእይቶ’ዚ ኣይሰማማዕን። ምኽንያቱ ብቐዳምነት ህዝቢ ክብሃል ከሎ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጀሚርካ ክሳዕ ዝተሓተ ጽፍሒ ዘሎዎም ሰባት፡ ከም ዕድመ ድማ ካብ ሽማግለ ክሳዕ ወዲ ዕስራ ዓመት፡ እሞ ከኣ ኣብ ኵሉ መዳያት ቍጠባ ናይታ ሃገር ንዘለዉ ኣባላት ሰራዊት፡ ሲቪል፡ መራሕቲ ሃይማኖት ወዘተ ይምልከት። ስለዚ፡ ኣብ ሃገርና ኣብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ንዘሎ መዓት ተሓተትቲ በብደርጃኡ ብኸምዚ ዝስዕብ ብተርታ ክንሰርዖ ንኽእል።

  • ቀዳሞት ተሓተትቲ እቶም ብቐጥታ ምስ ኢሰያስ ዝራኸቡን ዝሰርሑን ሓለፍቲ ኮይኖም ንኣዘዝቲ ሰራዊትን ሚኒስተራትን ዘጠቓልሉ እዮም። ገለ ካብኣቶም ኣእዳዎም ብደም ዝጨቀወ ክኸውን ይኽእል። የግዳስ ዝኾነ ሰብ ወላቲ እምብዛ ገበነኛ ዝብሃል ፍትሒ ስለ ዝግብኦን ኣብ መንጎኦም ንጹሃት ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ ብጅምላ ክንኵንኖም ወይ ክንፈርዶም ቅኑዕ ኣይኮነን።
  • ድሕሪ ሚኒስተራት ዝርከቡ ዳይረክተር ጀነራላት፡ ሓለፍቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታትን ኮሎኔላትን ኮይኖም ኣብ ሜዳ ማእከሎት ካድራት እናተባህሉ ዝፍለጡ ዝነበሩ እዮም። እዚኣቶም ኣብ ግዜ ቃልሲ፤ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍትን ሓፋሽን ኮይኖም ከም ናይ መኪና ሓፍዞቝ ወይ ሾክ ኣብሶርበር ብምግልጋል ንህግሓኤ ኣብ ዓወት ዘብጽሑዎ ጕጅለ እዮም እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ሕጂ’ውን መንግስቲ ናታቶም ደገፍ እንተ ዘይረኺቡ ከም ዝለምስ ክፍለጥ ይግብኦ።
  • መራሕቲ ሃይማኖት ብፍላይ ከኣ ኣቡናትን ኣቕሽትን ተዋህዶ ኣብ ክንዲ ሃይማኖታዊ ስርሖም ዝሰርሑ ወይ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ስቓይን ዝቃወሙ ነቲ ስርዓት ብጋህዲ ብምድጋፎም።
  • ኣብ ደገ ዝነብር ህዝቢ ብፍላይ ከኣ ደገፍቲ ህግደፍ ይኹን ደለይቲ ፍትሒ። ብፍላይ ደገፍቲ ህግደፍ ንስርዓት ህግደፍ ሱር ደም ኮይኖም ከገልግሉዎ ስለ ዝጸንሑ፡ ኢሰያስ ዕምሪ ስልጣኑ ከንውሕ ዓቢ ተራ ከም ዝነብሮም ክፍለጥ ኣለዎ።
  • ኣብ ባይታ ዘለዉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣባላት ሰራዊት፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሰራሕተኛታት ብሕታዊ ትካላትን።
  • ኤርትራውያን ኣደታት ፈሊጠን ይኹና ከይፈለጣ ብመንገዲ ምምሕዳራት ንመንግስቲ ክውድሳን ወዲኣፎም ብሪ ክብላ ስለ ዝስምዓን ንህላዌ ኢሰያስ ቀሊል ኣበርክቶ ኣይነበረንን።

ስለዚ፡ ኣብ ጕዳይ ሃገር ሓደ ነቲ ካልእ ክወራዘየሉ ቅኑዕ ኣይኮነን፡ ዘዕውት ኣካይዳ’ውን ኣይኮነን። ካብ ዝለኦኣለ ሓላፊ ጀሚርካ ክሳዕ ወዲ ዕስራ ዓመት ዘሎ ሰብ ብጕዳይ ሃገር ተሓታቲ ምዃኑ ክፈልጥ ክኽእል ኣለዎ። ካብኡ በለ ሓደ ዜጋ ኣብ ዝጸንሐ ጸኒሑ ኣብታ ዝተረድኣቶ እዋን ኣንጻር ዓመጽ ክቃለስ ክብገስ ባህርያዊ እዩ። እቶም ዝቐደሙ ኣበይ ኔርካ? ክብሉዎ እንተኾይኖም ንዓታቶምውን እቶም ዝቐደሙ ንስኻትኩምከ ኣበይ ኔርኩም? ክብሉዎም ከም ዝኽእሉ ክፈልጡ ይግብኦም። ሓርበኛ እድሪስ ዓዋተ ነቶም ዝሰዓቡዎ ኣበይ ኔርኩም እንተ ዝብሎም ቃልስና ምተዓወተዶ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ ግን ሓደ ሰብ መጀመርያ ግቡኡ ክፍጽም ኣለዎ። ድሕሪኡ ንኻልኦት ኣብነት ብምዃን ከም ኣብነት ኮይኑ ክቃለስ ይግብኦ። ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ብዝተፈላለየ ጕድለታት ናይ ቃልሲ ኣንጻር ኢሰያስ ክነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ክዕወት ኣይከኣለን። ኢሰያስ ሓደ ውልቀሰብ’ዩ። ይትረፍ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስድራቤቱ ከይተረፉ ዝቃወሙዎ ሰብ ምዃኑ ድማ ማዕረ ክንደይ እከይን ግፍዐኛን ሰብ ምዃኑ ዘነጽር’ዩ። ስለዚ፡ ሓቢርና ተቓሊስና እንተ ንነብር ይትረፍ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ዕስራ መዓልታት’ውን ኣይምጸንሐን ነይሩ። ብዝኾነ፡ እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ቃልሲ ንደሞክራስን መሰል ህዝብን ክካየድ ዝጸንሐ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዝጸንሆ ናይ ደሞክራሲ ባህሊ ድማ ካብ ናይ ባይቶ ዓዲ ዝሓልፍ ኣይነበረን። ሓደ ዕላል ወስ ከብለልኩም። ገለ ኣዋርሕ ድሕሪ ናጽነት ንሓደ ኣቦ ኣብ ሓደ እንዳ ቤተሰብ እረኽቦም’ሞ ዕላል ንጅምር። ሽዑ፡ “ደጊም ናጽነት ረኺብኩም ኣለኹም፡ ብደሞክራስያዊ መንገዲ መንግስትኹም ክትመርጹ ክትክእሉ ኢኹም፡” ምስ በልኩዎም ከም ቅጽበት፡ “ኣንታ ወደይ፡ እንታይ ዘረባኡ ኢኻ ተስሞኣኒ ዘለኻ? ህዝብስ መንግስቲ ክመርጽ? ህዝቢ መንግስቱ ዝበሎ ገይሩ እዩ ዝኸይድ። መንግስቲ ኸኣ ንህዝቢ ዘድሊ ነገራት ይፍጽም፡” ክብሉ መሊሶምለይ። ናብ ታሪኽ ምስ ንምለስ ህዝብና ባይቶ ዓዲ ነይሩዎ፡ ልዕሊኣኡ ድማ ምስሌነታት ወይ ወኪላት መንግስቲ ማለት ናይ ወረዳታት ኣመሓደርቲ ነይሮሞ። ልዕሊኡ ድማ ኣንይ ኣውራጃ ኣመሓደርቲ ነይሮም። ስለዚ፡ ብዘይካ ባይቶ ዓዲ ምምራጽ ንምስሌነታት ወይ ኣመሓደርቲ ኣውራጃ ወይ መራሕ መንግስቲ ናይ ምምራጽ ልምዲ ወይ ተሞክሮ ኣይጸንሖን። ሕጂ ግን ንህላዌ ደሞክራሲ ዘይኮነ ብዓንደርእሱ ንህላዌ ሃገርና ዝፈታተን ክትገልጾ ዘሸግር ኣመና ከቢድ ጕዳይ ካብ ዝቕልቀል እነሆ ራብዓይ ወርሑ ሒዙ’ሎ። ኣብ ከምዚ ኵነታት እንታይ ክንገብር ይግብኣና? ንዝብል ሕቶ ብኸምዚ ዝስዕብ ክምልሶ ክፍትን’የ።

ሕጂ ዘሎ ኵነታት እምብዛ ዝተፈልየን ሓደገኛን’ዩ።

ኢሰያስ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ከደ፡ ስምዒቱ ገንፊሉ ነቲ ቅድሚ ብዙሕ ኦኣመታት ብምስጢር ክትግብሮ ሓሲቡ ዝነበረ እከይ ሽርሒ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ብምድርጓሕ ንቐድማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ፡ “ንስኻ ኢካ ትንመርሓና፡ እዚ ካብ ስምዒት ተበጊሰ ዘይኮነ ደጋጊመ ዝብሎ ዘለኹ እዩ፡ ንስካ ወኪልና ኢኻ። ኢትዮጵያን ኤርትራን በበይኑ ህዝቢ እዩ ኢሉ ዝሓስብ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ’ዩ፡” ክብል ተሰሚዑ። እቲ ዝገደደ ድማ፡ “ዶብና ከይተሓንጸጸ ምስ ወያኔ ዝርርብ የሎን” ይብል ከም ዘይነበረ ብጋህዲ፡ “ዶብ ትርጕም የብሉን፡” ክብል ተሰሚዑ። እቲ ደረቐኛ ኢሰያስ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቡ ከም ዘይርእዮ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ከደ ከም ሓደ ህጻን ዝስሕቆን ኣፍልቡ ዝሀርሞን ብዝነበረ ተርእዮ ተቓሊዑ እዩ። ንኤርትራ ክምለስ ከሎ ይኹን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ክቐርብ ከሎ ግን ወላዲቱ ዝሞተቶ ክመስል ገጹ ኣሲሩን ተጸዊጉን ይርአ። ስለዚ፡ ኢሰያስ ይትረፍ መራሕ ህዝቢ ክብሃል ካብ ሓደ ተራ ኣብ ጽርግያ ዘጓንፈካ ተንኰለኛ ዝፍለ ስለ ዘይኮነ፡ ስለ ድሕነት ሃገርናን ህዝብናን ቅልጽምና ኣተሓባቢርና ክንኣልዮ ጥራይዩ ዘለና። ከምዙ ክንገብር እንተ ዘይክኢልና ንሱ በብቝሩብ ክኣልየና ምዃኑ ክንግንዘብ ኣለና። እዚ ከይመጽእ ግን ከሎ ገና ንመክት፡ ከምቲ ነቶም ሃያላት ኢና ዝብሉ ኣሕፊርና ዘባረርናዮም ብኣጋኡ ንስጐጐ። ንኢሰያስ ንምእላይ ታንክታት ይኹን መስዋእትነት ናይ ኣሽሓት ሰባት ኣድላዪ ኣይኮነን። ሓደ ሰብ’ውን ይኣኽሎ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ እንተ ዘየሎ ናቱ መንግስቲ የሎን።

ስለዚ፡ ኩላትና ንዕዘቦ ከም ዘለና እቲ ኵነታት ኣዝዩ ተኣፋፊ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ብዘገምታ ዘይኮነ ድማ ብኣዝዩ ክብ ዝበለ ናህሪ። ናይ ኢሰያስ ንዕቀት ናብ ዶብ ዝጠሓሰ ብድዐ ተቐዪሩ። ሕጂሞ ኸኣ ብጋህዲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝብሃል ነገር የሎን፡ ዶብ ኣገዳስነት የብሉን፡ ጕዳይ ባድመ ብናይ ደገ ጸላእቲ ዝተማህዘ እዩ፡ ናይ ሓንሽ’ውን ከምኡ፡” እናበለ ብምህውታት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዘሎዎ ንዕቀት ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ኣብጺሑዎ። ንሕና ዘገድሰና ግን ናይ ንዕቀቱን ብድዐኡን ዘይኮነ፡ ጕዳይ ሃገርናን ህዝብናን’ዩ። ብደም ጀጋኑ ዝመጽአት ሃገር ከም ዋዛ ንባዕዳውያን ክትርከብ ኣይነፍቅድን። ቅድሚ ሰብዓ ዓመት ዝተራእየ ሕማቕ ታሪኽ ክድገም ድማ ኣይነፍቅድን ክንብልን፡ ብሃደ ድምጺ ደው ክንብልን ኣለና። ኢሰያስ ሓደ ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር፡ ከም ሃይለስላሴ ናይ ደገ ሓይልታት ደገፍ ዘይብሉ ዕሉል ገበነኛ ከም ባምቡላ ክጻወተልና ክነፍቀደሉ የብልናን። ይኣክል ክንብል ክንክእል ኣለና። ነዚ ክንገብር እንተ ዘይክኢልና ከም ህዝቢ ክንነዓቕ፡ ብዓቢኡ ድማ ናብ ዳግማይ ባርነት ኣቲና፡ ባዕዳዊ ቋንቋ ክንዛረብን፡ ተኣዘዝቲ ናይ ገዛእቲ ደርብታትን ክንከውን ኢና። ትማሊ ትማሊ ብታሪኽና ንምካሕ ዝነበርና ሕጂ ርእስና ክነድንን ከለና ይትረፍ ብግብሪ ክትርእዮ ክትሓስቦ ከለኻ’ውን ዘባህርር’ዩ።

ክቡራት ዜጋታት፤ ቅድሚ ሕጂ ውድበይ ወድብካ፡ ማሕበረይ ማሕበርካ፡ ጀብሃ ሻዕብያ፡ ህግደፍ ደላይ ፍትሒ ይብሃል ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ደለይቲ ፍትሒ ንባዕላትና ኣብቲ ቀንዲ ጕዳይ ናይቲ ቃልሲ ማለት ንስርዓት ኢሰያስ ንምእላይ ኣብ ክንዲ ንቃለስ፡ ኣብ ጓልመንገዲ ኣቲና ሸንኰለል ክብልን ነንሓድሕድና ክዘናጠልን ንውዕል ኔርና። ብዘይካዚ፡ ገለ ሰባት ኣብ ውሽጢ ደለይቲ ፍትሒ ተሰዅዖም ንስዉኣት ክጻረፉን ሃገር ናጻ ንምውጻእ ንእስነቶም ኣብ ቃልሲ ንዘብለዩን ተጋደልቲ፡ “ገበል ሒዞምልና ኣትዮም፡ ሸፋቱ እዮም፡ ካብ’ዚኣቶም ኢትዮጵያ ትሕሸና” ወዘተ እናበሉ ንቃልሲ ክዕንቅፉ ጸኒሖም። ወላ’ኳ ምንቅስቓሳቶም ተዳኺሙ እንተኾነ ሓሓሊፎም ውጥም ቅልቅል ይብሉ እዮም። የግዳስ፡ ሕጂ ልዕሊ ሃገር ንሰርዖ ነገር ክህሉ ስለ ዘይክእል ነፍስወከፍ ደም ዘሎዎ ኤርትራዊ፡ ብሕልና ተገዲዱ ሓወይ ሓውተይ እናተበሃሃለ ኣንጻር ኢሰያስ ክቃለስ ክኽእል ኣለዎ። ሎሚ፡ ወላ እቲ “ንሱ ደኣ ፈጺሙ ዘይርድኦ” ዝብሃል ዝነበረ ሰብ ከይተረፈ ደም ዝነብዓሉ ዘሎ እዋን’ዩ። ምኽንያቱ ሃገር ብጋህዲ እያ ትሽየጥ ዘላ። ስለዚ፡ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ስዉኣት፡ ስንኵላት ዝኸፈልናላ ሃገር፡ ኣማእት ኣሽሓት ዝተሰደዱላ፡ መንእሰያታ መጻኢኦም ጸልሚቱላ ዘሎ ሃገርና ራህዋን ሰላምን፡ ፍትሕን ቅሳነትን፡ ምዕባለን ግስጋሰን ክነግሳ እንተኾይኑ፡ ኣረሜናዊ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ብቕጽበት ክንኣልዮ ክንክእል ኣለና። ብሰንኪ ሓደ ሰብ ክንደይ ሰብ ሃሊቑ ከም ዘሎ’ሞ ነስተውዕል። ክንደይ መንእሰይ ተረሺኑ፡ ክንደይከ ቀለብ ዓሳ ወይ ቀለብ ምድረበዳ ኮይኑ፡ ክንደይ ንጹሃት ዜጋታት ኣብ ጋህሲ ተቐቢሮም፡ ክንደይከ ብዘይፍርዲ ሞቶምን ኣብ ጸልማት ይነብሩ ኣለዉን? ኤርትራ ሃገርናኸ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ካብ ጐረባታ ትግራይን ጅቡትን እንተ ዘይበሊጻ ትሓምቕ ድያ? ህዝባ ድዩ ሓሚቑ ጸጋታት ዘይብላ ኮይና? ኣብ ኣፍሪቃ ክንደይ ሃገራት ድየን ብሃብቲ ትሕቲ ኤርትራ ከለዋ ህዝበን ጽቡቕ ዝነብር ዘሎ?

ኣቱም ሰባት፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ጥራይ ኣብ ዓመት ሰማንያ ሽሕ ቶን ዓሳ ክግፈፍን ንሰደድ ክኸይድን ተወጢኑ ነይሩ፡ ናብ በዓል ጃፓን ዝለኣኽ ዝነበረ ብሉጽ ፍርያት ጨው ንሰደድ ክቐንዕ ይከኣል ነይሩ፡ ተዳኺሙ ዘሎ ሕርሳዊ ፍርያት ኤርትራ ከምቲ ናይ ቀደም ናብ ስዑድያን ኢጣልያን ክለኣኽ ይኽእል ነይሩ፡ ኣብ ሰለስተ ኣገደስቲ ቦታታት ኤርትራ ደረጃኡ ዝሓለወ ዲጋ ተሰሪሑ ኤርትራ ናብ ሓንቲ ልምዕቲ ሃገር ምተቐየረት ነይራ። ኣብ 1995 ኣብ ዳህላክ ብክልተ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ኣዝዩ ዓቢ ኣህጕራዊ ሆቴል ወይ ካዚኖ ክኽፈት ተወዲኡ ነይሩ፡ ዕደና ነዳዲ ተጀሚሩ ነይሩ፡ ዕደና ጋዝ ክጅመር ተባሂሉ ኣውፈርቲ መጺኦም ነይሮም፡ ህዝቢ ኤርትራ መሬት ተዋሂቡዎ ገዛ ክሰርሕ እንተ ዝፍቀዶ ነይሩ ልዕሊ 50% ኤርትራዊ ናቱ መንበሪ ገዛ ምሃለዎ ነይሩ። ስርዓት ኢሰያስ ግን ኣብ ክንዲ መንበሪ ገዛውቲ ዝሰርሕ ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ኣባይቲ ኣዕንዩ፡ ንዅሉ’ቲ ኣውፈርቲ ኣብ ኤርትራ ክገብሩዎ ዝወጠኑ ወፍርታት ኣምኪኑዎ፡ ካልእ ይትረፍ ኣብ ካልእ ሃገራት ተራ ነጋዶ ክገብሩዎ ዝኽእሉ ቀረብ ማይን ኤለትሪክን ነዳድን ክቕርብ ኣይከኣለን። እዚ ነገራትዚ ልዕሊ ዓቕሚ መንግስቲ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸሃነ ጽልኢ ስለ ዘሎዎ ንኤርትራ ኮነ ኢሉ ብቍጠባውን፡ ማሕበራውን መዳይ ኣዳኺሙ፡ ፍናን ህዝቢ መሬት ኣዝቢጡ መንእሰያታ ከም ዝስደዱ ብምግባር፡ ብዘገምታ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ከም ትቝረን ክገብራ ዕላማ ስለ ዘሎዎ እዩ። ስለዚ፡ ሕጂ’ውን ክምብል በለምበር ኣይፈሰሰን ከም ዝብሃል ንህዝብና ክንክሕሶ፡ ልኡላውነት ሃገርና ክነውሕስ እንተዄንና ነዚ ከሓዲ፡ ኣረሜን፡ ይትረፍ ሃገር ክመርሕ ክምራሕውን ንጋዶ ዝኾነ ኢሰያስ ከም ቅጽበት ክንኣልዮ ክንክእል ኣለና። ሓደ ስብ ንሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ክጻወተልና ሃየንታ እዩ። ንሃይለስላሴን ንደርግን ዝበድሀ ህዝቢ ንሓደ ውክልና ህዝቢ ዘይብሉ ውልቀሰብ ዘይከውን ኣይኮነን። ሰላምን ራህዋን ንርእየሉ ቀሪቡ እዩ። ንበገስ ጥራይ።

ኢሰያስ ክወድቕ’ዩ ህዝብና ድማ ክዕወት’ዩ።

ዓወት ንህዝቢ! ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

 

ስቲፋኖስ ተመልሶ

ኖርወይ

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Robiel Gebrehiwet Kasa November 10, 2018

    I can not agree more. Keep it up, brother Estifanos.

  • Berhane Haile November 10, 2018

    ከምዚ ሓውና እስጢፋኖስ ዝበሎ ብፍላይ ኣብዚ ተኣፋፊ እዋንዚ ነብስወከፍና በብዓቕምና ክንቃለስ ይግብኣና። ኵሉ ዓቕምና ኣንጻር እዚ ንሃገርና ከጽንት ዝሓስብ ዘሎ ወዲ መድህን በራድ ክኸውን ኣለዎ። ካብኡ በለ ለኪሙና ክጠፍእ’ዩ ዝሓስብ ዘሎ። ኣጆኹም ኣጆና፡ ውዒሉ ሓዲሩ እዚ ዓንዛር ኢሰያስ ክእለ እዩ። ኣኳደኣ ኣብ ቀረባ ግዜ ኮይኑ ይረኣየኒ ንዓይስ።

    • Haregot November 10, 2018

      You are a fake big empty cheap talk only always this and that nonsense. You said from your day dreaming that wedi Medhin berad would soon be a goner/eliminate, who do you see then from your day dreaming halewlows replacing him, one of your useless, gutless, toothless and vision less so-called TEBELETSTI/opportunists opposition??? Give us single names like so and so……….

      • k.tewolde November 11, 2018

        Haregaf, how about you,I pick you to replace him,you sound useful,full of teeth,gut-full to me,would you please give it a shot.

      • Berhane Haile November 11, 2018

        Haregot, I know that U always write negatively about our beloved country Eritrea. If U don’t love Ur countrymen go to Ethiopia and lick the ass of the Amhara. So many have fallen for our beloved nation and when Isayas the brutal tyrant wants to annex it with Ethiopia we must do whatever we can for it. What U are doing is just HABAL BELIYA KEYTQDIMEKI. HSUR SEB. When someone has good wishes you say afka yisar we know. But you dont want the dictator to go because U are his slave.

  • Kaled November 10, 2018

    ንኢሰያስ ንምእላይ ታንክታት ይኹን መስዋእትነት ናይ ኣሽሓት ሰባት ኣድላዪ ኣይኮነን። ሓደ ሰብ’ውን ይኣኽሎ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ እንተ ዘየሎ ናቱ መንግስቲ የሎን።

    I find this assessment very simplistic and out of touch with reality.
    Why ?
    1. Iseyas is not alone.
    2. His men control the army security.
    3. Overwhelming majority of these men are equally criminal.
    4. They support him because if he is gone they too are at risk.
    5. His men trust nobody.
    6. To defend their regime they are killing children and elderly.
    7. If they feel the regime is at risk they will commit genocide.
    8. Their motto is “if you are a man come and fight us with Kalashnikov”.
    9. They have never entertained the idea of peaceful solution of a conflict.
    10 . The are in the killing business for almost half a century.

    It’s good to see the devil go but it’s only a small step in dismantling a criminal organization.
    I strongly doubt the absence of Iseyas will systematically remove his regime.
    Till someone who wields military power sends them to ‘scarico’ they are not going anywhere.

    • k.tewolde November 11, 2018

      Se verdad! Khaled,you want to get rid of an organized mobster,you got to beat him at his own game,the capo swags in a broad daylight with no worry because he have an invisible buffer zone,anyone who can intrude and dismantle that zone is a winner,hopefully the winner is not another savvy mobster.

    • Berhane Haile November 11, 2018

      False, false, false. Isayas is alone. The only porblem is we are not united. Finish.

  • aditekelezan November 11, 2018

    ASSENNA
    ሰባት ብጉሓፍ ዝኾነ ጉዳይ ክካራኸሩ ዘይተደምሰሰ ንምንታይ እቶም ኤርትራውነትና ከይክሓድና ገበን በረኸኛታት ንቃወም ርእይቶና ዝድምሰስ ? ኣማኑኤል እያሱ ብዕልግና ዝጽሕፉ ከይተጻወርካ ሓደራ ፍሉይ ርእይቶ ኣይትደምስስ. ኣማንኤል ንስኻ እኳ ኣይትድምስሶን . ነቶም ሓገዝትኻ ግን ዲሞክራሲ ናይ ዘይትፈትዎ ርእይቶ ምጽዋር ምኽዋኑ ኣረድኣዮም እንተዘይኮነ ህግደፍ ድኣ ካብዚ ሓሊፉ እንታይ ጌሩ ?

  • Berhane Haile November 11, 2018

    ዓዲ ተከለዛን ዝብሃል ስም ሰብ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን እንትርፎ ስም ከተማ። ሓደ ስብ ከይፍለጥ እንተ ርዒዱ ግን ስሙ ቀዪሩ እዩ ዝጽሕፍ። እንታይ ዘፍርሕ ኣለካ፡ ዶስ ርእሰምትእምማን ኣጥፊእካ ኢኻ ብስም ዓዲተከለዛን ትጽሕፍ ዘለኻ? ምሽሙሽ፡ ፈራሕ ኤርትራዊ’ኳ ይጽልኣኒ።

    • Danilo November 11, 2018

      መልእኽቲ Aditekelezan ኑጹር እዩ።ንወዲ ሃገር በረኸኛ ምባሉ ( ኣብ ገዛእ ዓዱ ንዝተቃለሰ ተጋዳላይ ) ሓደ ካብቲ ዘኽዕቦ እዩ።

  • aditekelezan November 11, 2018

    Berhane Haille ,
    ስእልኻ ክሳዕ ዘይጠቃዕካ ብርሃነ ሃይለ ምኽዋንካ እንታይ መረጋጉጺ ኣለካ ? ሽመይ ገረጻዲቕ ወለሓርያት እዪ ኢለ እንተ ጠቃዕኩ እንታይ መረጋገጺ ኣለካ ኣነ ምኽዋነይ ? ርእስኻ ብኽሳድካ ተደጊፉ ጠጠው ክብል ጥራይ ዘይኮነስ ክሓስብ እዩ ውን’ዩ ተፈጢሩ !!! ኣነ ብዓለገ ሰብ እንተዝኸውን ከምዚ ኣተሓሳስባኻ “ሳዕሪ ኣይትበልዕን ክዌንካ እምበር ብዕራይ ኢኻ” ምበልኩኻ ግን ኣብዑር ክቕየሙኒ ኣይደልንየ.
    እምባሕ ጥራይ በል ወዲ ኤረ ጻዕዳ !!!

Post a Reply to Berhane Haile Cancel Reply