Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ብምስጢር ተቐሚጡ ዝጸንሐ ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላር ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ካብ ኤርትራ ዘህደሞ ገንዘብ ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦ ከምዝግባእ ሓላፊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ዝነበረ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ኣገንዚቡ።

እዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ምስጢራዊ ሕሳብ HSBC ባንክ ተቐሚጡ ዝጸንሐ ሕጂ ተቐሊዑ ዘሎ ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ገንዘብ፣ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ካብ ኤርትራ ዘህደሞ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጸጋ ምዃኑ ህዝቢ ክፈልጦ ከምዝግባእ፣ ሓላፊ ኣታዊ ውሽጢ

እዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ምስጢራዊ ሕሳብ HSBC ባንክ ተቐሚጡ ዝጸንሐ ሕጂ ተቐሊዑ ዘሎ ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ገንዘብ፣ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ካብ ኤርትራ ዘህደሞ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጸጋ ምዃኑ ህዝቢ ክፈልጦ ከምዝግባእ፣ ሓላፊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር (Treasury) ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ዘገልገለ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ ኣገንዚቡ።

ኢሳይያስ ከምቲ ንኹሉ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣካላት ኤርትራ ገቢቱ ሒዙዎ ዘሎ፣ ንብልሽውና መታን ክጥዕሞ፣ ንስልጣን ናይቶም ገንዘባዊ ቁጽጽር ክገብሩ ዝግብኦም ፋይናንሳዊ ትካላት ከይተረፈ ኣብ ኢዱ ጨቢጡ ሒዙዎ ስለዘሎ፣ ኣታዊታት ዕደና ወርቂ ይኹን ብኻልእ ስዉር ምንቅስቓሳት ዝገሓጦ ሚልዮናት ዶላራት ብዘይሕጋዊ መንገዲ  ብሕታዊ ዋኒኑ ገይሩዎ ምህላዉ ኣረዲኡ። “እዚ ድሮ እንፈልጦ ዝነበርና፣ ዝርዝራቱ ጥራይ ኣጊሙና ዝነበረ ጉዳይ እዩ” ብምባል ከኣ፣ እቲ ካብ ናይ ስዊዝ ጨንፈር HSBC ባንክ ልሒኹ ዘሎ ሓበሬታ፣ ነዚ ኣብ ስርዓት ኢሳይያስ ዘሎ ብልሽውና ዘረጋግጽ ኣገዳሲ ጭብጢ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ገንዘብ ናይ ሓደ ህዝቢ ብመንገዲ ሃገራዊ ባንክ ጥራይ ክተሓዝን ክቕመጥን ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ኣቶ ክብሮም፣ ብዝተፈላለዩ ኣሽማትን ሜላታትን ተሸፊኑ ኣብ ናይ ወጻኢ ሕሳባት ክቕመጥ ዝኽእል ኳ እንተኾነ፣ ንዓና ከም ኤርትራያን ግን፣ እቲ ሜላ ኣሰራርቓኡን ኣተሓባብኡኡን ዘይኮነ፣ እቲ ገንዘብ ብቐንዱ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ከነተኵረሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ንሰራቒ መሳርቕቲ ከምዘለዎ ብምጥቃስ ድማ፣ እቶም ኣብ ኤርትራ ብስም ወፍሪ ኢደበዛ ምዝመዛ ኮይኖሞ ዘለዉ ኩባንያታት ወጻኢ ይኹኑ ካብ ህዝቢ ዝሰረቖ ገንዘብ ኣብ ወጻኢ ብምስጢር ዘቐምጡሉ ኣህጉራውያን ባንክታት ካብቲ ገበን ከምዘየምልጡ ኣረዲኡ። ይኹን እምበር፣ ንሳቶም ጥቕሞም ጥራይ ስለዘገድሶም፣ ንሕና ከም ኤርትራውያን ረብሓ ህዝብና ንምሕላው ብዕቱብን ስሩዕን ኣገባብ ክንሰርሕ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መወዳእታ ኣቶ ክብሮም፣ እቲ ብድኽነት ተበሊዑ፣ ኣብ ዓለም ድሕሪት ተሰሪዑ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብመራሕቱ ክዝመት ከሎ ሃየንታ ምዃኑ፣ ኩሉ ኤርትራዊ በቲ “ኤርትራ ካብ ብልሽውና ነጻ እያ” ዝብል፣ ፕሮፖጋንዳ ኢሳይያስን ሰዓብቱን ከይተደናገረ፣ እቲ ናይ ህዝቢ ገንዘብ ኣብ ግቡእ መዓላኡ ከምዝውዕል ንምግባር በብዓቕሙ ክንቀሳቐስ ተላብዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
82 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you February 18, 2015

    ንኣይተ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ነዚኣ “ይኣክለካ!” ትብል ናይ ፊሂራ ደርፊ ኣድሙለይ።
    ይብል ኣሎ ማዕበል ውጽዓት ኣይትዝረፎ( ኣይትዝረጎ) ቤትና- ቤትና!
    ይብል ኣሎ ድምጺ ውጽዓት ኣይትጠምት ቤትና- ቤትና!
    ይኣክለካ ተገዛእ (ተረታእ)ብሕጊ ይኣክለካ!
    https://www.youtube.com/watch?v=My7X8W5vuX0

  • aus 17 February 20, 2015

    when we once failed to question; why, how. for what purpose, then we gave up before the idea even born. Eritrea is on sale! do you doubt now when the Swiss banks certify the deposits from our poor nation in million dollars? Not corrupted land! how dare you ever entertain this idea?
    Thank you Swiss banks, the thief is caught red handed. Sure the blind supporters will not believe you, because their symbol is tortoise which can easily cover his ears and march…to towards the cliff!…

  • fthi ynges mlki yfres February 22, 2015

    $695,200,000 X 50 = 34,760,000,000 Nakfa, if this amount is given to 200,000 employees (assum 200,000 warsay yikealo) with assumed salary of 5000 nakfa for an individual, they would be paid for 3 years and 200,000 families with assumable average 5 dependents (average 1 million Eritrean people) would be secured their daily living bases.

  • Tsegazggebremichael March 5, 2015

    Nay bahki..yebel zebel iu..

1 3 4 5