Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፣ ንኤሮጳውያን ዲፕሎማሰኛታት፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 18 ኣዋርሕ ክድረት ኢዩ ብምባል ከደናግር ጸንሐ ሸሓጢ ስርዓት ኢሳይያስ መልሓሱ ቀይሩ ብወግዒ ኣይፋል ከምዝበለ ሮይተርስ ካብ ኣስመራ ሓቢሩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፣ ነቶም ጠንቂ ንቡር ኣልቦ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ ደረት ኣልቦ ሃገርዊ ኣገልግሎት እዩ ዝብል እምነት ዘለዎም ኤውሮጳውያን ዲፕሎማሰኛታት፣ ኣብ ዕጹው ገዛ፣ “ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 18 ኣዋርሕ ከም ዝድረት ክንገብሮ ኢና” እናበለ

ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፣ ነቶም ጠንቂ ንቡር ኣልቦ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ ደረት ኣልቦ ሃገርዊ ኣገልግሎት እዩ ዝብል እምነት ዘለዎም ኤውሮጳውያን ዲፕሎማሰኛታት፣ ኣብ ዕጹው ገዛ፣ “ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 18 ኣዋርሕ ከም ዝድረት ክንገብሮ ኢና” እናበለ ክሽሕጦም ዝጸንሐ ለዅመኛ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ብቐንዱ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ምግታእ ክተሓባበር እየ ኢሉ ንዝኣተዎ ናይ ሓሶት መብጽዓ ብምቕማን ካብ ሕብረት አውሮጳ 200 ሚልዮን ይሮ ምስ ተፈቕደሉ፣ መልሓሱ ቀይሩ “ኣይፋልን” ከምዝበለ ንቓል ምስ ሚኒስተር ዜና ናይቲ ስርዓት ኮይኑ ዘሎ የማነ ገረመስቀል (ቻርሊ) ብምጥቃስ ጋዜጠኛ ሮይተርስ ካብ ኣስመራ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እቲ ምልካዊ ስርዓት፣ ናይ ኢትዮጵያ ተጻብኦ ከይተወድአ ደረት ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከተግብር ከምዘይኮነ ከምዝጠቐሰ እቲ ናይ ሮይተርስ ጸብጻብ የመልክት። እዚ ምኽንያት እዚ ግን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ን 18 ዓመታት ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ኣረጊት ምስምስ ምዃኑ ይፍለጥ።

ብዓቢኡ እቶም ኣብ ኤርትራ መጻኢ ከምዘይብሎም ዝተገንዘቡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኾኑ መንእሰያት ኤርትራ ንመሳርዕ ሓይልታት ምክልኻል ብኣሽሓት ራሕሪሖሞ ናብ ስደት ይምርቀፉ ስለዘለዉ፣ ሓይሊ ምክልኻል ኤርትራ ኣስከሬን ተሪፉ ስለዘሎ፣ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ገርና ሃገር ክንከላኸል ኢልካ ምዝራብ ርትዒ ዘይብሉ ኣጉል ዘረባ እዩ።

እዚ ኣብዚ ቅንያት ‘ዚ ካብ ኣስመራ ዝተመሓላለፈ ዜናዊ ጸብጻብ ሮይተርስ ከምዝሕብሮ፣ እቶም መንነቶም ሓቢኦም ብዛዕባ ፣ዚ ጉዳይ ‘ዚ ዝተዛረቡ ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታት ምዕራባውያን ሃገራት፣ እቲ ምልካዊ ስርዓት ሻቡ መልሓሱ ቀይሩ፣ ንዝሃቦም መብጽዓ ብምጣሙ ይኸሱዎ ከምዘለዎ ኣገንዚቡ።

ብድምጺ ኣሰና ኣብ እዋኑ ብተደጋጋሚ ከምዝተገልጸ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፣ ኣንፈቱ ይቕይር ከምዘሎ ኣምሲሉ ብተነጽሎ ማሕበረሰዓለም ወሪዱዎ ንዘሎ ዓቕሊ ጽበት ንምፍኳስን ፋይናንሳዊ ጉንዖ ንምርካብን ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ንሓጺር ፖለቲካዊ መኽሰብ ዝዓለመ ሕሱር ሜላ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር፣ እቶም ባህርያት ናይቲ መደናገሪ ስርዓት ብዝግባእ ዘየጽንዑዎ በሃማት ዲፕሎማሰኛታት ኤውሮጳ፣ “ጽምዶ” ብዝብል ምስምስ ነታ ክበልዑዋ ዝደለዩ ኣባጉንባሕ ዛግራ ክብሉዋ ምፍታኖም ጌጋ ከምዝነበረ ድሮ ኣንፈት ረኺቦም ኣለዉ።

እቶም ብናይ ሓሶት ተዘናጊዖም ዝጸንሑ ኣብ ኣስመራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት በቲ ተግባራት ናይቲ ጠላም ምልካዊ ስርዓት ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ ተስፋ ቆሪጾም፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት እንተደኣዘይተገይሩሉ፣ እቲ ወርሓዊ 5 ሽሕ ንወርሒ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ደው ክብል ከምዘይኮነ ከምዝገለጹ ‘ውን ሮይተርስ ይሕበር።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde February 25, 2016

    He is toying with them,idiots! I guess the UCB has extra cash to shell.He will take it, and the money will make its way back to Swiss banks.

  • isaak February 25, 2016

    ካብ ዛዕባ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዝራብ መጀመርያ ነቲ ጠንቂ ኮይኑ ናብዚ ኩሉ ዘይውዳእ ዕድመ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሳዕቤናቱን ዝኮነ ናይ ዶብ ጉዳይ መዕለቢ ዘይግበሮ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝተጸበዮ ኣይክነውሖን እዩ፡ ካብ ንሓጺር ኣተንፊስካ ዳግም ናብ ኩናት ምእታው ሓንሳብ ተጸሚምካ ነባሪ ሰላም ይሕሸና፡ ተኣሊሙ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ውዲታት ኣመሪካን ከደምቶምን ኣዝዩሓደገኛ እዩ፡ ኣነ ብወገነይ ጥዒሙና ኣይኮናን ንነብሮ ዘሎና የግዳስ ንመጻኢ ወሎዶ ሂወትና ከም ገንሸል ዝተከፍለት ጌርና እንተሓሰብና ይሓይሽ።
    ክብረት ይሃበለይ ኢሳቅ ባህታ ተስፋይ።

    • mtsue hagerawi agelglot March 7, 2016

      oh you are thinking like the dictator (isaias) mr isaak due think the main problem is the border conflrct i think the main problem is isaias ok, please think twice before you write once ok
      yours wtsue kab wishti eritea

  • matusala February 26, 2016

    If the Ethiopian regime want to dismantle Eritrea n’s, and will u think that iseyas is working for the unity, development of the eritrean people. This is totally unacceptable. The government of Ethiopia may do , but the first ever seen enemy of us is the narrow minded iseyas led group. He lies every time in front of his TV as adding salary, as he following rules and regulations. he deny by saying there are no political prisoners, he orders to us not to have more than 3000 nakfa. he destroy houses instead of solving the house problem. He refuses accepting the dead body of our citizens. This all and others is done by the paranoid and greedy iseyas not the US, not China, not Ethiopia or Sudan. Eritrean youth identity ur core problem and put solution . its up to u and me to build a democratic Eritrea, prosperous, powerful with technology, and to be a land of justice not only for its citizens but also for others as the behaviour of our people.

POST A COMMENT