Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ንሕስያ ዘይፈልጥ ጨካን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ብኣግኡ በቲ ዝርድኦ ቋንቋ ካብ ስልጣን እንተዘይተኣልዩ፣ እቲ በሲሉ ለውጢ ዝጽበ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ‘ገርዚሙ’ ክተርፍ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ክወድቕ ከምዝኽእል መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና ኣሚቱ።

መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና፣ ኣማኑኤል ኢያሱ ብምኽንያት 1ይ ዓመት ስርሒት ፎርቶ ኣብ መልበርን (ኣስትራልያ) ትማሊ ሰንበት 26 ጥሪ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ፣ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ጠላምን ጨካንን ጨፍላቕን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘይግብኦ ቀጻሊ ሕድገታት ስለዝገበረሉን፣ ብዝተፈላለዩ እንተታት

መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና፣ ኣማኑኤል ኢያሱ ብምኽንያት 1ይ ዓመት ስርሒት ፎርቶ ኣብ መልበርን (ኣስትራልያ) ትማሊ ሰንበት 26 ጥሪ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ፣ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ጠላምን ጨካንን ጨፍላቕን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘይግብኦ ቀጻሊ ሕድገታት ስለዝገበረሉን፣ ብዝተፈላለዩ እንተታት እናተጠራጠረን እናተማተአን ንምውዳቑ ወሳኒ ስጉምቲ ክወስድ ስለዘይከኣለን ኣብ ሓደጋ ውድቀትን ምብትታንን ተገምጊሙ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

Eritrean Australians for Justice and Peace ን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኣውስትራልያን፣ ብምኽንያት 1ይ ዓመት ስርሒት ፎርቶ ብዝገበሩሉ ዕድመ መሰረት ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና ምስዚ ኣተሓሒዙ፣ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ንምቍጽጻርን ንምብርካኽን ክጥቀመሎም ንዝጸንሐ ሜላታት ምልክን ራዕድን፣ ፈላሊኻ ግዛእን ድሕሪ ምዝርዛሩ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ፖለቲካዊ ርእሰማሎም ሃሊኹ ከምዘሎ ኣብሪሁ። እንተኾነ፣ እቲ ስርዓት ሓይሉ ወዲኡ ክንሱ፣ ድኽመታት ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ፍትሕን እናመዝመዘ ይጻናሕ ምህላዉ ኣገንዚቡ።

ቀጺሉ፣ ነቲ ናይ ዘተን ምርድዳእን ዘይፈልጥ ንሕስያ ዘይብሉ መላኺ ስርዓት ኢሳይያስ፣ በቲ ንሱ ዝርድኦ ቋንቋ ብዘይንሕስያ ካብ ስልጣን ክምሕዎ ቆራጽ ስጉምቲ እንተዘይወሲዱ፣  እቲ በሲሉ ለውጢ ዝጠልብ ዘሎ ኩነታት ሓሊፉዎ፣ ናብ ‘ምግርዛም’ ገጹ ክኸይድ ስለዝኽእል፣ እታ ን23 ዓመታት ብምልኪ ዝተሳቐየት ሃገርና ናይ ለውጢ ዕድል ኣሕሊፋ፣ ኣጎላጕል ብምዃን ናብ ዝኸፍአ ውድቀት ከተምርሕ ከማትኽእል ምስ ካልኦት ኣብነታት ብምዝማድ ኣረዲኡ።

ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ “ስምረት ንኤርትራውያን ምርጫ ዘይኮነ ግዴታ እዩ” ዝበለ ኣማኑኤል፣ ሓደ ካብቶም ለውጢ ብምቅልጣፍ ድሕነት ሃገር ኣብ ምርግጋጽ ወሳኒ ኣበርክቶ ዘለዎም ህጹጻት ስጉምታት፣ ሕድሕድ ምትእምማን ፣ ሓባራዊ ራእይ ምምዕባል ምዃኖም ብምዝኽኻር፣ ስርሒት ፎርትን ቅድሚኦም ዝነበሩ ምንቅስቓሳትን ካብ ዓወት ዘባኾሩ ድኽመታቱ  ኣለልዩ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ርጹር ስትራተጂ ስኢሉ ድሕነት ሃገሩ ከውሕስ ኣተሓሳሲቡ።

Melb_Public_1ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ደለይቲ ፍትሒ መልበርን ብወገኖም፣ በቲ ዝተኸፍተ ክፉት መድረኽ ዘተ ሓጎሶም ብምግላጽ፣ ጠንቂ ዘይምትእምማን ኣብ ዝኾኑ ጉዳያትን ፍትሓቶምን ዘለዎም ርእይቶታት ኣፍሲሶም።

እቲ ድሮ ኣብ መልበርን ፣ ብሪስበን ዝተኻየደ፣ ኣብ ካላኦት ከተማታት ኣውስትራልያ ‘ውን ዝቕጽል ዘተ ኣብ መደባት ድምጺ ኣሰና ክቐርብ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
41 COMMENTS
  • solomon Eritrean January 29, 2014

    Do not give up Mr eyasu,do not be troubled by what you see and hear just be strong,isayas and his follewers are about to disappear!!

  • Paradiso January 29, 2014

    Cowards and slavery come in all shapes and forms whether in Shaebia or Jebha. Here is one, very shameful cultural genocide:

    History repeated itself again 28 years later after the second organizational conference of the ELF/Jebha in 1975. Educational books, which were prepared in the Tigré language by teachers at the Sawa training center, were ordered to be burned by the Executive Committee, citing the reason that it was a conspiracy directed against the status and prominence of the Arabic language in Eritrea. The leadership of the ELF gave orders not to prepare any more educational texts in the Tigré language henceforth.

    “ኣብ ፕሮግራም ናይቲ ቀዳማይ ጉባኤ፣ ኣብ ሕቶ ቋንቋታት፣ ትግርኛን ዓረብን ወግዓውያን ቋንቋታት ኮይነን፣ ናይ ኩለን ቋንቋታት ኤርትራ መስልን ማዕርነትን ክሕሎ ዝብል ነጥቢ ነይሩ እዩ። እዚ ነጥቢ’ዚ ድሓር በቶም ዓቃባውያን ወገናት፣ ከም ኣንጻር ዓረብ ዝቐንዐ ውዲት እዩ ተራእዩ። “እዚአን ቋንቋታት ኣይኮናን ዲያለክትስ እየን” ዝብል ምጉት ኣምጺኦም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኣመለኻኽታ’ዚ፣ ኩሉ ተጋዳላይ ጀብሃ ከምዝዝከሮ፣ ድሕሪ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ፣ ኣብ 1975 ኣብቲ ውድብ ዝነበረ ንመምሃሪ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ትግረ መጻሕፍቲ ተቓጺሉ እዩ። ኣብ መዓስከር ሳዋ ዝነበሩ መማህራን፣ ካልኣይ ቋንቋ ናይ ኤርትራ ትግረ’ዩ ብዝብል ገርሃዊ ኣተሓሳስባ እዮም ብትግረ መምሃሪ መጻሕፍቲ ኣዳልዮም። እዚ ምስተሰምዐ፣ ኣብ ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለ ጀብሃ “ናይ ትግረ መጻሕፍቲ ክጸሓፍ የብሉን” ዝብል ውሳነ ሓሊፉ ከምዝቃጸል ተገይሩ። እቲ ውሳነ ኣብ ገለ መራሕቲ ጀብሃ ዝነበረ ናይ መንነት ቅልውላው ዘንጸባርቕ እዩ ነይሩ።” (http://www.ehrea.org/dont_forget_history_01.pdf)

  • መብራህቱ ተወልደ January 31, 2014

    እሞ ኤማ ህግደፍ ዝርድኦም ቋንቋ ብረት እንተ ኾይኑ፡ ሃየ`ምበር ምራሕ ኣብቲ ግምባር እቶ። ብኣኼባታት እንተኾይኑ እቲ ምእላይ ግን፡ ስቕ ኢልካ ትም ይሓይሽ። ንስኻን ከማኻን ብጥቕምን ረብሓን ተተብቲብኩም ኣጻዕዲኹም እንዳ ነበርኩምሲ፡ ንመን ኢኹም ኣብ በረኻ ኣፋኒኹም ከተፋልስዎ ትሓስቡ ደለኹም? እቶም ዕጥቃዊ ብረት ኣማራጺ ሙዃኑ ትዛረቡ ደለኹም፡ መጀመርያ መሪሕኩም ምእታው ከድልየኩም`ዩ።

Post a Reply to solomon Eritrean Cancel Reply