Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ቤላ-በለው ሓቂ ከይከውን

ኣብ ድሮ ናይ’ዚ ንኣትዎ ዘለና ሓድሽ ዓመት 2017፡ ሓደ ዝፈትዎን ዝኣምኖን ዓርከይ ጽቡቅ ብስራት ኣስሚዑኒ። ኣብ መብዛሕትኡ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ኣገልግሎት ተንቀሳቃሲ ናይ ኢድ ተለፎን(Mobile Phone) ስለዘየለ፡ ብዕድል ድሕሪ ብዙሕ ምድዋል ኣብ እንራኸበሉ፡ ይትረፍ ንስርዓት

ኣብ ድሮ ናይ’ዚ ንኣትዎ ዘለና ሓድሽ ዓመት 2017፡ ሓደ ዝፈትዎን ዝኣምኖን ዓርከይ ጽቡቅ ብስራት ኣስሚዑኒ። ኣብ መብዛሕትኡ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ኣገልግሎት ተንቀሳቃሲ ናይ ኢድ ተለፎን(Mobile Phone) ስለዘየለ፡ ብዕድል ድሕሪ ብዙሕ ምድዋል ኣብ እንራኸበሉ፡ ይትረፍ ንስርዓት ህግደፍ ዝነቅፍ ክንዛራብ ዝውድስ ምዕላል’ውን ንጋዳ’ዩ። ንምንታይ’ሲ፡ መስመራት ተለፎን ሰለይቲ ህግደፍ ስለዝጸናጸኑወን፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ዓርከይ እንዳቦይ ተዓገስ ከይኣቱ ስለዝፈራሕኩ። ብዝኾነ እቲ ዓርከይ፡ ዓው ከይበለን ኣብ ከባቢኡ ናይ እዝኒ ከይህልዉ እናተጠንቀቀን፡ “ብኣጋጣሚ’ዚ ሓድሽ ዓመት መንግስቲ ኤርትራ እሱራት ክፈትሕ’ዩ ይብሃል ኣሎ፡ እዚ ዝውረ ዘሎ ሓቂ እንተኾይኑ ድማ ምናልባት እቶም ቅድሚ 10 ዓመታት ብኣባላት ጸጥታ ኤርትራ ካብ መንበሪ ገዝኦም ተወሲዶም ዝተሸርቡን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብህይወቶም ይሃልዉ ይሙቱ ድሃዮም ዘይብልናን ኣሕዋተይ ይፍትሑ ይኾኑ” በለኒ ብሕንቅንቅ። ሓቂ ይኹን ሓሶት፡ ከምቲ ኣድጊ ዝበለቶ ክንደይ ዓቀብ ዘይጠረጥና ክብሎን ተስፋ ከቁርጾን ኣይደለኹን። “ኣፍካ ይስዓር፡ ይበሎ። እዚ ድኣ ጽቡቅ ወረ እንድዩ ኣንታ ዓርከይ!” ኢለ መለኩሉ። ብዛዕባ’ዚ ምፍታሕ እሱራት ዝብል ኣገዳሲ ብስራትን ወረን ካልእ ዘረባ ከይወሰኽና ግን መስመር ተለፎን ኣቋረጸ። ምናልባት ቅድሚ ስርዓት ህግደፍ ንፖለቲካዊ መናውራን ጻድቅ ንምምሳልን ብወግዒ ምግላጹ፡ እቲ ወረ ኣቀዲሙ ምንፋሱ ደስ ስለዘይበሉ ዓጽዩና ከይከውን ተጠራጠርኩ። ናብ ዓርከይ ደጋጊመ ደዊለ ድማ ብዘይካ’ቲ ልሙድን መደንገልን “ዝደወልኩሙሉ ዓሚል ኣይተረኽበን ጽንሕ ኢልኩም ደውሉ” ዝብል መጸናንዒ ቃላት፡ ድምጺ ዓርከይ ኣይረኸብኩን። መን ይፈልጥ ብዛዕባ ምውጻእ እሱራት ስለዝተዛረብና ዓርከይ ኣሰር ኣሕዋቱ ስዒቡ ከይከውን።

ብዙሓት ሃገራትን መራሕትን፡ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት፡ ሃገራውን ህዝባውን በዓላት፡ ንእሱራት ምሉእ ምሕረት ይህቡን እዋን ፍርዲ የሕጽሩን። እዚ ስጉምቲ’ዚ፡ ኣብ ዜጋታትካ ዘለካ ሓልዮትን ተገዳስነትን ዘጉልሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝብን መንግስትን ኣብ ምቅርራብ’ውን ዓቢ እጃም ኣለዎ። ኣሰራርሓ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ስጊንጢርን ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ስለዝኾነን፡ ኣብ መዓልቲ ናጽነትን ሓድሽ ዓመትን ሰባት ምእሳር፡ ስድራቤታት ምብትታን ምርዓድን እምበር፡ መርኣያ ሰናይ ተግባር እሱራት ክፈትሕ ተራእዩ ኣይፈልጥን’ዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብቀንዱ ድማ፡ ግዱድ ዕስክርና ዝተቃወሙን ፍትሕን ናጽነትን ዝጠለቡን ኣሽሓት ዜጋታት ብዘይፍርዲ ንዓመታት ተሓይሮም ኣለዉ። እሱራት ምኽንያት መእሰሪኦም ኣይፈልጡን፡ ክሲ ኣይምስረተሎምን፡ ናይ እምነትን ክሕደትን ቃል ክህቡ ኣይክእሉን፡ መሰሎም ዝጣበቅ ጠበቃ ኣይግበረሎምን፡ ብስድራቤቶም ኣይብጽሑን፡ ብቁዕ ኣገልግሎት ሕክምናን መደቀስን የብሎምን፡ ን24 ሰዓታት ኣብ ጸልማትን ጽምዋን ይደርበዩን ይቅጥቀጡን።

ስርዓት ህግደፍ ምናልናት ካብ ጸቅጥን ተነጽሎን ማሕበረ ሰብ ዓለም ንምድሓንን ህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋርን፡ ብቀደሙ’ውን ክእሰሩ ዘይግብኦምን፡ “ናብ ቦታ ስራሕኩም ኣብ መዓልትኹም ኣይተመለስኩምን፡ ምስ ሓላፊኹም ተዳፊርኩም፡ መንግስቲ ዘይፈትዎ ሃይማኖት ኣሚንኩም፡ ዘይተማእከለ ፍቅሪ መስሪትኩም” ዝብሉን ካልኦትን ቀለልቲ ጉድለታት ዝፈጸሙ እሱራት ክፈትሕ ይኽእል’ዩ። እቶም ንብልሹው ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ ዘቃልዑን ንኢሳያስ “ስልጣንካ ንህዝቢ ኣራክብ፡ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ይከበር፡ ኣብ ኤርትራ ብቅዋም ዝምእዘዝ ስርዓት ይሃሉ፡ ፍትሕን ሰላምን ይንገስ” ኢሎም ቅኑዕን እዋናውን ጠለባት ዘቅረቡ ዜጋታት ኮቶ ኣይፍትሑን’ዮም። ስርዓት ህግደፍ፡ ኪኖ እሱራት ምፍታሕ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ’ዩ ዝእወድ። እቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ፡ ኣብ ምድረበዳ ሳህራ ብነጋዶ ሰብ ዝተጎይሑን ረዳኢ ስኢኖም ብሞት ዝተቀዝፉን፡ ካብ ባርባራዊ ምምሕዳር ህግደፍን ጥሜትን ንምድሓን ዶባት ኤርትራ ክሰግሩ ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ዝተረሸኑ ዜጋታት’ውን ተሓታቲ ስለዝኾነ፡ ሓላፍነት ወሲዱ ንህዝቢ ኤርትራ ይቅሬታ ክሓትት ይግባእ። ስርዓት ህግደፍ፡ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት፡ እተን ዓመት መጸ ዝደጋገማን ኣሰልቸውትን ቃላት ካብ ምኩምሳዕ ሓሊፉ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ንሓቀኛ ክውንነት ዘንጸባርቅን ፍታሕ ዝእምትን ዝጭበጥ መግለጺ ክህብ ባህሪኡ ኣየፍቅደሉን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ምምዕርራይ ደሞዝ ሰራሕተኛታት፡ ንሲቪላውን ገበናውን ሕግታት ዝምልከት ኣስተምህሮ፡ ኣብ መደባት ጥዕናን ምህርትን ኣመዝጊበዮ ዝብሎ ቁንጣሮ ዓወታት ኣጋኒኑ መግለጺ ክህብ’ዩ። ኣብ ሓንጎል ህግደፍ ዘሎ ዓበይቲ ዛዕባታት ግን “ንዓሉቅን ተጻብኦን ዓለም መኪትና ጀሚርናዮ ዘሎና መደባት ልምዓት ብዝለዓለ ወኒ ክንቅጽሎ ኢና፡ ኤርትራ ኣብ ዓለምን ከባቢናን ሰላምን ምርግጋእን ንምፍጣር እጃማ ተበርክት ኣላ” ህዝቢ ኤርትራ ሓርበኛን ጽኑዕን ህዝቢ’ዩ፡ ተጎቢጡ ዘሎ መሬትና ክንመልሶ ኢና” ዝብሉ ኣዝዮም ኣገደስቲ ግን ከኣ ግብራውነት ዘይብሎም ቃላት’ዮም። ኣብዚ እዋን’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘገድስዎ ቀንዲ ጉዳያት ግን፡ ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ሰላምን ፍቅርን ’ዩ። ጠንቂ ስደትን ሕሰም መነባብሮን ኮይኑ ዘሎ ህዝብና፡ ብብልሽውና ዝተቆማጥዐ ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ’ዩ። ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ትብዓትን ቅንዕናን እንተሃልይዎ፡ ኣብ 2016 ስለምታይ ኣሽሓት ኤርትራዉያን ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ኣምሪሖም፡ ስለምንታይ ኣብ ማያትን ምድረበዳን ህይወቶም ስኢኖም፡ ስለምታይ ድኽነትን ጉቦን ሳዕሪሩ፡ ስለምታይ ሕጽረታት መግቢ፡ ነዳዲ ዝስተ ማይን ይርአ’ሎ ኢሉ ክምልስ ኣለዎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ቅድሚ ንኻልኦት ምውንጃልን ጉድለታቱ ንምኽዋል ዕጥይጥይ ምባልን፡ ኣብ ደሙ ሰሪቡ ዘሎ ምግባት ስልጣን፡ ምዕፋንን ምግሃስን መሰል ሰብ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ተሓታትን ክፉትን ዘይምዃን ዝብሉ መሰረታውያን ጉዳያት ንነብሱ ተመሊሱ ክፍትሻ ኣለዎ።

           ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 27 ታሕሳስ 2016

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Asmerom December 28, 2016

    Tslal or Tsilulat,
    They say ‘action speaks louder than words’, indeed.
    Your collective actions should have been far more decisive, drastic and devastating against PFDJ
    rather than continuous rhetoric, empty and meaningless words and worst of all zero actions on the real fields.
    Would you be celebrating if DIA and higdefs were to release political prisoners in 2017 as you are predicting????
    Celebrating as though you got them freed or released from your tireless and persistent/tenacious hard works!!!!!!
    Please be more practical action people and leaders to our youth than just talkatives with no substances/solutions.

    • AHMED SALEH !!! December 28, 2016

      Tslal ot Tsululat salutation to the author by dumping your toxic waste .
      True action speaks louder and similarly cowardice hiding under the rug cries louder
      like a baby while principled peoples speak loud tirelessly to bring awareness .
      Naysayers answer is always simple , which is big NO , so don’t let them distracted your
      eyes off your goal . Looking back to their comments it lacks valid viewpoints.

  • Jonas yosief December 28, 2016

    The brute monster of East Africa will not release any one. Pray to the Lord so that our will be realized

  • k.tewolde December 28, 2016

    HGDEF is not fighting an invading army or safeguarding a nation,he is just cowardly defending his throne by surrounding himself with innocent human shield and beating up on the defenseless poor people day and night and pounding his chest like a guerrilla who scored on its female mate. God forbid a real war breaks out,all bets are on the table. The heroes and heroins who did the ground work are six feet under or rotting in containers.There is nothing to analyze about the place, as long as there is no a unified rock solid challenger,the status quo will keep going until it reaches at the edge of a historical cliff.

  • PH December 28, 2016

    ይዝከረኒ ( ብ1991 ) ኣብ ሓደ ሓፈሻዊ ህዝባዊ ኣኸባ።ማለተይሲ፡ሓደ ሓታቲ ፡” ሎሚ ናጽነት ተረጋጊጹ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ኣብ ቃልሲ ዝበደሉ ክምሓሩ ድዮም? “ንዝብል መልሲ፡ከምይ’ዲኣ ዝብል ነይሩ።ብምቅጻል፡ነጋውስ’እኮ ኣብ ፉሉይ ኣጋጣሚ እሱራት ይፈትሑ ኢዮም ይብል ነይሩ ኢቲ መልሲ።ኮይኑ ግን ብዘመነ እሰያስ ኣጋጣሚ ዝበሃል ነገር የለን ም ማይ ሙሕቁዋን ትርጉም የቡሉን።

Post a Reply to AHMED SALEH !!! Cancel Reply