Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደት ኮይኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ዘንፍጽ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ “UNHCR ኣካል ሽግር ዘይሕጋዊ ስደት እዩ” ክብል ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ስጊንራታዊ ወቐሳ ኣቕሪቡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ UNHCR ኣብ ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን 6200 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከምእተሰደዱ ምግላጹ መበገሲ ብምግባር፣ ብ20 ሕዳር 2014 ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ዜና ኣካል ናይቲ መልክዕ ህዝቢ ኤርትራን መንግስቱን

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ UNHCR ኣብ ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን 6200 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከምእተሰደዱ ምግላጹ መበገሲ ብምግባር፣ ብ20 ሕዳር 2014 ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ዜና ኣካል ናይቲ መልክዕ ህዝቢ ኤርትራን መንግስቱን ንምኽፋእ ብቐጻሊ ክዝርጋሕ ተጻባኢ ወፍሪ ምዃኑ ገሊጹ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ መግለጺኡ፣ ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ መሊሱ ዝገነነ ናህሪ ስደት ኤርትራውያን ክኽሕዶ ኳ እንተኣጸገሞ፣ ምስ ግሎባዊ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ ንጡፍ ናይ ኣህዛብ ምቅይያር ጅኦግራፍያዊ ኣከባቢታት ኣመሳሲሉ ብምግላጽ፣ ነቲ ንመንእሰያት ኤርትራ ኣብ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምጽማድ፣ ሰብኣዊ መሰላቶም ብምግሃስን ናጽነት ስራሕ ብምንፋግእን ዝፈጠሮ ሽግር ክኽውሎ ፈቲኑ።

ኤርትራ ሓንቲ ሒደት ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ኳ እንተኾነት፣ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ዝሓቱ ኤርትራውያን፣ ድሕሪ ናይቶም ብጽዕጹዕ ሕድሕዳዊ ኵናት ካብ ሃገሮም ክስደዱ ዝግደዱ ዘለዉ ሶርያውያን ዝለዓለ ደረጃ ሒዙ ምህላዉ ድማ፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘቕርቦ ዘሎ መመኽኔታ ዘፍሽል እዩ።

UNHCR ነቶም ዝሰደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ጸገሞም ርኡይ ምዃኑ ተገንዚቡ ንዝህቦም ቀዳምነት ብኣሉታ ምርኣዩ ከኣ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ቅንጣብ ሓልዮት ከምዘይብሉ ዘመልክት እዩ። ምኽንያቱ ካብቶም ብመንገዲ UNHCR ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝጣየሱ ኤርትራውያን እቶም ብኢደወነኖም ኣብ ምድረበዳን ባሕርን እናሃለቑ ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩ ዘለዉ ኣዝዮም ይበዝሑ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ እንተዝህልዎ እምብኣር፣ በንጻሩ UNHCR ንኤርትራውያን ቆላሕታ ሂቡ ካብዚ ዘጋጥሞም ዘሎ ቅዝፈት ከድሕኖም ክምሕጸን ክጣበቕን እዩ ዝግባእ ነይሩ።

ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብእንግሊዝኛ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ንምንባብ ጥብቆ ተመልከት

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Simon G. November 25, 2014

    Do these goons have the brain of a rabbit? Now, they are blaming the UN. It is always somebody’s fault. How is that possible these criminals still have followers? Who is out of HGDF’s blame? May be the Pope?

POST A COMMENT