Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“እቲ ሕጊ ዋናኡ ህዝቢ ኢዩ” — ሚኒስትሪ ፎውዚያ።

“እቲ ሕጊ ዋናኡ ህዝቢ ኢዩ” --- ሚኒስትሪ ፎውዚያ።                          15-05-2015፡ ክብርቲ ሚኒስተር ፍትሒ ወ/ሮ ፎውዚያ ሃሺም ነዛ ጥቕሲ ክትብል እንከላ ብእምነታ ከምትኸውን ኣይተጠራጠርኩን። ስለ’ ቲ ንመሳርሕታ ዘቕረበቶ ምስጋና ድማ ብወገነይ’ውን ከመስግና እፈቱ። እንተ ንትግባረ ዝተዳለወ ሕግታት ኤርትራ

“እቲ ሕጊ ዋናኡ ህዝቢ ኢዩ”ሚኒስትሪ ፎውዚያ።                          15-05-2015፡

ክብርቲ ሚኒስተር ፍትሒ ወ/ሮ ፎውዚያ ሃሺም ነዛ ጥቕሲ ክትብል እንከላ ብእምነታ ከምትኸውን ኣይተጠራጠርኩን። ስለ’ ቲ ንመሳርሕታ ዘቕረበቶ ምስጋና ድማ ብወገነይ’ውን ከመስግና እፈቱ። እንተ ንትግባረ ዝተዳለወ ሕግታት ኤርትራ ዝምልከ ት ግና ህግደፍ ብሕጓ ኣብዘቖማ ፍሉይቲ ቤት ፍርዲ ክሰርሕ ስለ ዝምዕሮ ልዕልና ህዝባዊ ቤትፍርዲ ከምዘይደልን፡ እንተዝደሊ’ው ን ናጽነትን ሕጋውነት ስለዘይህብ ከምዘይትግበር ሓቂ ብምዃኑ ከ ምዚ ዝስዕብ ርኢቶ ኣለኒ’ሞ ክትሰምዓኒ እትስፎ።

ሚኒስትሪ ፍትሒ ስሙ ከምዝሕብሮ ሃገርና ብሕጋዊ መንገዲ ብ ኤርትራዊ ምስሊ ከውሕሳ ኢዩ’ቲ ዓላማ። ከምቲ ርዱእ ህዝብና ኣብ እዋን መግዛእቲ በቲ እዉጅን ዘይእዉጅን ሕግታቱ ኢዩ ክሽ ምገል ጸኒሑ። ድሕሪ ናጽነት’ውን መንግስቲ ን24 ዓመታት መመ ላእታ ኣብ ‘መጽናዕቲ’ ስለዘሕለፎ ህዝቢ ‘ናተይ’ ዝብሎ ሕጊ ከይ ወነነ ምጽንሑ ገሊጻ። እዚ ሕጂ ከምዝተዳለወ ትነግረና ዘላ ከም ሲቪላዊ ሕጊ፤ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት፤ ገበናዊ ሕጊ፡ ሕጊ ገበ ናዊ ስርዓት፤ ናይ ንግዲ ሕጊ ዝኣመሰለ ክስራሓሉ ከምተቐረበ ካብ ኣበሰረትና ብዛዕባ ሕጋውነቱን ሃገራውነቱከ ክሳብ ክንደይ ኮን ርግጸኛ ትኸውን ሚ/ር ፎውዚያ ሃሺም?

ማለተይ ዝያዳ ንምብርሁስ፡ ብቀዳምነት እዚ ሕጂ ህግደፍ ንህዝብና “ኣምጺእናልካ፡ ሰሪሕናልካ” ዝብሎ ዘሎ ሕግታት ብዓ ንተቦኡ ንቡርን ክቡርን ሃብቲ ህዝቢ ከምዝኾነ ምእማን የድሊ። ስዒቡ ኩሎም’ዞም ሚ/ሪ ፍትሒ ትዛረበሎም ዘላ ጨናፍር ሕግታት ዝምንጭውሉን ከይተጣሕሱ ዝትግበሩሉን ዘኽእል ሃገራዊ ሕጊ ክህልወና ከምዘለዎ ኢዩ ዝመስለኒ። ልዑላውነት ሃ ገር ዝሕሎ ድማ ብልዕልና ቅዋም ጥራይ ኢዩ። ስለኡ ኢዩ’ውን ቅዋም ሕጋዊ መግለጺ ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ተ ኣሚንሉ ዝጸደቐ። እስከ ከምመወከሲ ክኾነና ምእንቲ ንዓንቀጽ ክልተ ናይታ ‘ዝመተት’ ቅዋምና ንርአ።

ዓንቀጽ 2 – ልዕልና ቕዋም፡

2፡ 1.  እዚ ቅዋም እዚ፡ ሕጋዊ መግለጺ ልኡላውነት ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

2፡ 2. እዚ ቅዋም እዚ፡ መንግስቲ ዚስረተሉን ዚምራሓሉን መሰረታዊ መትከላት የነጽርን፡ ኣቃውማኡን ኣካይዳኡን ይውስን ን። በዚ ከኣ ምንጪ ሕጋውነት መንግስትን፡ ከምኡ እውን መሰረት ንፍትሓዊ ኣመሓዳድራ ይኸውን።

2፡3. እዚ ቅዋም እዚ፡ እቲ ዝለዓለ ሕግን ምንጪ ናይ ኵሉ ሕግታትን ሃገረ-ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ኣንጻር ፊደሉን መንፈሱን ዚኸ ይድ ዝኾነ ሕጊ፡ ትእዛዝ ወይ ተግባር ፍሩስ እዩ።

2፡ 4. ኵሎም ኣካላት መንግስትን፡ ከምኡ እውን ኵሎም ማሕበራትን ትካላትን ዜጋታትን፡ ነዚ ቅዋም እዚ እሙናት ኪኾኑን ኪምእዘዙን፡ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ሓላፍነት ኪስከሙን ኣሎዎም።

2፡ 5. እዚ ቅዋም እዚ፡ ኣብ ህዝብን ኣካላት መንግስትን ቅዋማዊ ባህሊ ንምምዕባልን፡ መሰልን ግቡእን ዜጋታት ንምኽባርን መሰረት ይኸውን።

እዛ ዓንቀጽ ክልተ ናይ ቅዋምና መንግስቲ ዝስረተሉን ዝምራሓሉን መሰረታዊ መትከላት ተነጽር። ኣቃውማኡን ኣካይዳኡን ብንጹር ትውስን። ብኡ ድማ ምንጪ ሕጋውነት መንግስትን መሰረት ዋሕስነት መሰልን ክብርን ዜጋታትን ከምተውሕስ እኣ ምን። እዚ ቅዋም’ዚ እቲ ዝለዓለ ሕግን ምንጪ ናይ ኩሉ ሕግታትን ሃገረ ኤርትራ ስለዝኾነ ኣንጻር ፊደሉን መንፈሱን ዝኸይ ድ ዝኾነ ይኹን ሕጊ፡ ትእዛዝ ወይ ተግባር ፍሩስ ምዃኑ እናተሓበረ “ቁዋም ነይሩ መይቱ” ኢሉ ንብክቡራን ወከልትና ዝቖ መ ክቡር ሕግታትናን ቅዋምናን ንዘፍረሰ ፕረሲደንት ብመሰረት ዓንቀጽ 2፡4 ብዘይውልውል ስለዝጠለመ ብዛዕባ ፍርዱ ም ዝታይ’ምበር መሸመቲ ግዜ ዝኸውን ካልእ ተባህለታት ምጽፍጻፍና ምንም ትርጉም የብሉን።

ኣበሃህላይሲ ትርዳኣኒዶ ትህሉ’ዛ ጓል ሓሽም? እቲ ሕጊ ዋናኡ ህዝቢ ኢዩ ኢያ’ኮ ኢላትና። ብዛዕባ ስራሕ እንተኾይኑ ን ሳን ብጾታን እንኳዕ ሰርሑ። እንተ ንዋንነቱን ትግባረኡን ግና ዝተደኽመሉ ሕጊ በየናይ መዐቀንን ቀይድን’ዩ ናይ ህዝቢ ብህዝ ቢ ንህዝቢ ክኸውን? ፕረሲደንት’ውን ንምንታይ ስቕ ኢሉ ከምዝርእን ዝሰምዕን ዘሎ ልዕሊ ፎውዚያ ፈሊጥናዮ ኣይኮናን። ኩሉ ግዜ ከምዘስዳዓናን ዝጭፍልቐናን ዝኣምን መራሒና ድሮ ማይ ዘይጠዓመ ምስምስ ኣዳልዩስ ኣብታ ከብሒ መጻሕፍቲ፡ ማዕረ-ማዕረ’ታ ‘ዝመተት’ ቅዋም ከተቐምጣ ኣዚዝዋ ከምዝህሉ እመስለኒ። እምበኣር እቲ ግዚያዊ ህልኩ ንምንታይ ከምዝዓለ መ ንፈልጦ ኢና ። ሓዳስ ቅዋም’ውን’ኮ ‘ትስራሓልና’ ኣላ። እንተ ንሕጋውነቱን ሃገራውነቱን ግዳ ኣይትሕሰብዎ።

“እዞም መራሕትናስ ኣኺልዎም ዲዮ ብትሞም ተተመዝሒቖም ክዳቐቑ”? ኢልካ ምሕሳብ ንቡር ነገር ኢዩ። ሰብ ግዳይ ናይ ገ ዛእ ገበናቱ ከምዝኸውን ዝፈለጠ ፕረሲደንትና ህዝብና ብስልጣንን ብላዕን ከምዝሰድዕ ኣጸቢቑ ከምዝፈልጦ ኣፉ መሊኡ’ዩ ዝዛረብ። ብትንተና ከምዝብጻሕ ድማ ገለ ውልቀ-ሰባት ካብ ሰብና ንስልጣን ክብሉ፡ እቲ ዝበዝሐ ግዳ ሃገራዊ ግቡኡ ዝፈጸ መ እናመሰሎ ተታሊሉ ንገዛእ ሓዉ ክቐትል ከምዝደፍር ዘረጋገጸ መራሒና ነዚ ብልሓት ከምሕሱም ከምተጠቕመሉ ይዕለል ። ግናኸ ሓያል ዝወድቀሉ ናይ ባዕሉ ድኽመት ከምዘለዎ መጠን ንሱ ኣብ ዝነውሐ ከምዝዕወተልና ኣሚኑ እንተነይሩ ሎሚስ በዂሩ። ምናልባት’ውን መሲልዎ ወይ ኣማራጺ ብምስኣኑ ከይፈተወ ተገዲዱ ብዝኣተዎ ውርደቱ ንምሽፋን ክብል ካብ ዘዘ ውትሮ ቃላቱ ሳሕቲ ገለ ጽቡቕ ዘረባታት ድማ ይስምዑ ኢዮም። ከም ሓንቲ ኣብነት ንሱ ኣናብባና በበይኑ ምዃኑ ጠቒስልና ነበረ። “ኣብዛ ዓለምሲ ደሞክራሲ ኣበይ ርኢኹም” ክብል እንከሎ’ውን ማለቱ ንዝርድኦ ከቢድ ትርጉም ኣለዎ።

ኢሳይያስ ተመሃራይ ፖለቲካ ዴሳዊት ቻይና ከምዝነበረ ኩሉኹም ትፈልጥዎ ታሪኽ ኢዩ። እንተኾነስ ቻይና ድሕሪ ሕልፈት ናይቲ ዓባይ ሃገር ከይሰርሐን ወናኒኡ ከይኮነን ዝኾነ ውዕላት ምንካይ ኣጽዋር ከምዘይገብር ንዓለም ኣቕቢጽዋ ዝነበረ ማኦ ጸ ቱንግ ብዝተገብረ ለውጢ ነቲ ኣህጉራዊ ደምበ ዴስነት ጠሊማ ሃገራዊ ረብሓኣ ብምቕዳም ምስ ኣመሪካ ከቢድ ውዕል ገይራ ምህላዋ ዓለም ትፈልጦ ኢያ። ኣመሪካ ድማ ቀንዲ ስኽፍታኣ ስለዝቐሰነ ጭርሖ “ሓንቲ ዓለም” ተተሓሓዘቶ። ድሕሪኡ እቲ ኩሉ ድኹም ተመናይ ማዕርነት ኮነ ፍትሕን ደሞክራስን ትጽቢዩ ብጥልመት ቺና ከምዝበርዓነ ክድምድም ኣይተጸገመን።

ወዮ ተገላባጢ ዝመርገጺኡ መራሒና ካብዛ ዴሳዊት መርከብ’ዚኣ ንዘይምውራድ ድዩ ወይስ ኣብ ክልቲአን መራኽብ ክሕንገ ጠን ወይ’ውን ካልእ ምስጡር ተልእኾ ሃልይዎ ድኣ እንድዒ’ምበር ነገራቱስ ንሃገርና’ውን ለኻኺምና እንሆ። ህዝብን ቃልስን ኤርትራ መቸም እንዶ ዴስነት ኣይነበሮን። እሞ’ቲ ናይ ‘ምናልባሽ ተልእኾታት’ መራሒናስ ይጽናሕ፡ ረብሓና በበይኑ ከምዝ ኾነን ከም ባህርያውን ዝፈለጠት ለባም ቅዋምና ግና ብንጉሆኣ ሕጊ ብዙህነትን ልዕልና ቅዋምን ኢያ ዝኣወጀት። ብዛዕባ ነዛ ወሳኒት ኣርእስቲ ጎጎሲኻ ዝግበር ሃለውለው ግዳ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይእንታዩ ርድእቲ ክትከውን ኣለዋ። ኣብነታት ከሰኒ።

ጓል ሓሽም ኪኖ’ቲ ሕጊ ዋናኡ ህዝቢ ምዃኑ ምትንባህ ሓሊፋ ብዛዕባ መዓስን ውሕስነት ግብራውነቱን ንዝምልከት ጭብጢ ስለዘይብላ ዝበለቶ የለን። እምበርከ ግራት ሕግታት ከይተታሕዘ ኣበየናይ ባይታ ኢያ ሕግታት ክትዘርእ ትደሊ? እቲ  ኣበሃህ ላኣ ብመንጽር ናይቲ ብሕጋዊ መገዲ ካብዚ ወሪድና ዘሎ ሽኦል ክናገፍ ዝደሊ ህዝቢ ክርአ እንከሎ ኪኖ እንተዘይሜትና ከም ንጥዒ ምምብጻዕ ህዝቢ እንታይ ጭብጢ ነገር ከምዝጽበ ብዘይምቕራባ እቲ ኩሉ ድኻም ከይተጀመረ ምምካኑ ብሩህ ኢዩ።

ኣናብባና በበይኑ ብምዃኑ’ሞ ብዛዕባ ናይቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣስተምህሮ ዝሃበ ጀነራል’ውን ህዝቢ ብዙሕ ክብል ከምዝስማ ዕ ከዘኻኽር እፈቱ። መቸም’ዚ ግዜ ፍጹም እዋን ኣካሒዳ ስለዝኾነ ሓዲኡ ምዃን ዝጥለበሉ ብምብጻሕና ንፈጣሪ ምስጋና ይ ኹኖ። ስለ’ቲ ንሱ ክቡር ጀነራል’ውን ኣዘራርባኡ ዘይብሩህን ዝተደባለቐን ብምንባሩ ኣሻማዊ ኮይኑ ሓሊፉ። ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ክልቲአን በዳህቲ መርገጺ ተገቲረን ይጽበይኦ ብምህላወን ኣበየነይተን ምርጋጽ ከምዝሓርበቶ ብዝመስል ክጻገም ብ ጋህዲ ክርአ ሓቑ ኢዩ። ሓንሳብ ዘዝተጎርሰቶ’ኮ ድማ ወዲኣይተ መበሊ የብሉን። እንተ ንከምዚከማይ ድንቁርናና ስለዝጠቕመ ና’የ’ምበር ብዙሕ’ውን ይህሉ። ንሱ’ሞ ብዛዕባ ማሕበር ኣንድነት (ሰብ ካራቫታ) ከም ኣብነት ክዛረብ እንከሎ ከምዚ በለ፡-

“ሕማቕ ወላዲ ጥርይ ኢዩ ናይ ደቁ ተስካር ክበልዕ ደርገፍገፍ ዝብል። ፖለቲካ ከምዚኦም ሰባት ኢዩ ዝፈጥር”።…….

ቀዳሞት ፖለቲከኛታትሲ ንግደፎም፡ ሎሚኸ ብመንጽር ናይቲ ዝተጋደልናሉ ዓላማ ክርአ ክሳብ ናብ መሸጣ ህዝብና ክብጻሕ ሲ ጀነራል ለሚድዎ እንተዘይኮይኑ ብመንጽር ናይቶም እዚ ከይመጽእ ስለተቓወሙ ዝተጠልሙ ሕዩራት፡ ናይቶም ካብ ሕክ ምና ሓይሊ ኣየር ምስሂወቶም ክወጹ ዘይከኣሉ፡ ብመንጽር ኩሎም ዝውገኑ ዘለዉ ካልኦት ግዳያትን ብኣውራኡ እዚ ዝበርስ ዘሎ መንእሰይ ወለዶን ክርአ እንከሎ ጀነራልና ትርፎ “ትም በሉ” ፍታሕ ክረክብ በጃ ህዝቡ ካብዘይቆመ ከምሓደ ተስካር ደ ቁ ዝበልዕ ሕማቕ ወላዲ ወይ ሕማቕ ጀነራል እንተመሰልዎ መልሲ ጀነራልና እንታይ ክኸውን ምኸኣለ?

ከምእኒ ኣዝማሪኖ ዝኣመሰላ መርበባት እናጠቐሰ ናይ ጨነቀው ገንዘብ ዝወሰደ፡ ደሞዝ ዝጎደሎ፡ ክመውት ዝቐረበ እንተጸሓ ፈ ወይ እንተተዛረበ ምስምዑ ኣገዳስነት ከምዘይብሉ ክምዕድ ተሰሚዑ። ብዛዕባ ንመን ክረክብ ምሕላኑ ኣወንዚፍና ንርእሱ ኸ “ኣበይ ምስጸንሐ ኢዩ ክንድኡ ዝዛረብ” ከምዘብሎ ኣይተረድኦን ዶኾን ኮይኑ? ዝኸፍአ ዓለም እንታይ ከምትገብረና ስቕ ኢልና ክንጽበያ ክምዕደና እንከሎ ምርጫ ዲዩ ናይ ምግባር ተኽእሎ ስለዘየለ ብሩህ ክገብሮ ብዘይምምራጹ ብርግጽ ቃል ናይ ሓደ ጀነራል ከይመስል ስለዝኻአለ ናይ ዝሓለፈስ ሓሊፉ፡ ድሕሪ ናጽነት ጥራይ’ኳ “ቀዳሞት ምዙዛቱ ጠጥዒሞም ንዝኣበይዎ ስንኩል ምኒስተርነት ምክልኻል ተኾልኲሉ ካብ ዝለመሰ ጀነራልከ እንታይ ትጽበዩ” ከየበለ ኣይሓለፈን።

ምኽኒትን ዕቀባን ንኩሉ ዜጋ ክምልከት እናተገብኦ ንሓፋሽ ተመስጢሩ ክሓልፍ ዝገደደ ነውሪ ኢዩ። ብዛዕባ ህላወ ደምህት ኣብ ኣስመራ ብዝተላዕለ ዕላል ክገልጽ እንከሎ “መታወቅያ” ብዝብል ቋንቋ መንነት ዝሓቱ ከምዘለዉ ንዝቐረበ ንዘይምቕባል “ሓደ ቆሓይናይ’ኮ ነዛ መንቀሳቐሲት ‘መታወቅያ’ ኢዩ ዝብላ። እንኮላይ ሓደ ኣምቸ” ክብል ነታ ሕቶ ኣመኽንይላ ክሓልፋ ስለ ዝተሰምዐ “ንርብዒ ዘመን ዝኣክል በቲ ንጉሆ-ንጉሆ ዝውድስዎ ስርዓተ-ትምህርቶም ዝመሃርዎ ህዝቦምሲ ክሳብ ሎሚ ካብዛ “መታወቅያ” ትብል ቃል እንተዘየላቐቕዎስ ወይ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ኣብሪሰሞ ምህላዎም ወይ’ውን ስርዓተ-ትምህርቶም ጥርሑ ምዃኑ ከየስተውዓለ ምትራፉ ነብሱ ንትሕቲ ክብረት ከምዘጋለጻ  እንተ ኣቕሊብኩም፡ “እዞም ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍሲ ካን ድዮም ጥርሖም” ብማለት ልዕሊኡ ዘኽዕቦም ነገር ከምዘይህሉ ተዕልሉሉ ኣለኹም።

ጀነራል ስብሓት ካልእ ኣገዳሲ ነገር ኢዩ ኣዘኪርና። ንስርሒት ወዲዓሊ ብርግጽ ይፈልጡዋ ብምንባሮ ኤምባሲኦም ያኢ ኣብቲ ኣኼባ ከምዘከሻመሻ…….

ሩስቨልት ንንጉስ ሃይለስላሰ “ኤርትራ ክንህበካ ኢና ግና ናትና ኢያ” ከምዝበሎ ካብዘከረስ፡ ኢሳይያስ ነዛ ናይ 1991 ኤርትራ ክቕበላ እንከሎኸ እንታይኮን ኢለሞ ኮይኖም ንሱ ንዐዖም ከምጸላእትና ከመልክተልና፡ ንሳቶም ንዕዑ ከመልክቱልና ቀርቂሮ ም ብካራሩ ከቐንጥቡና ዝዋጠጡ ዘለዉ? እንተ ናጽነት ርኢና ከምንስእና ዝዓይነቱ ውጥን’ሞ ፕረሲደንትና ድግድጊት ተዓጢ ቑ’ኳ እንተላህለሃሉ ግደፍ ንምቑጻሩ ዘሸግር ገንዘብ ተሰኪሙስ ንጣብ ማይ’ኳ ከይለኸፈ ክሓልፍ ኢዩ። ሕማቕ ታሪኽ!!!!!

ኦይ! በሉ ኣነስ ንኣብነት ኢየ’ምበር መንሲ ኮይነ ኢልኩሙኒ። ህዝቢ ግና ኣብልዑኒ ኣይበለ ኣስትዩኒ። ሃገሩ ብጭዃሮ ፋሕቲ ሩ ከልምዕን ሰላም ከስፍንን ምእንቲ ተጠቃሚ ገዛእ ሕጉን ፍትሕን ክኸውን ጥራይ ኢዩ ዝደሊ ዘሎ። ፍትሒ ማለት ድማ ግ ቡኡ ዘዝፈጸመ መሰሉ ክረክብ ጥራይ ኢያ። “ሓደ መዓልቲ ጸላኢ ክመጸና ይኸውን ኢዩ” ብዝብልን ሓቂ ክመስል ንጉሆ ንጉ ሆ ብዝጥበብ ጸላኢ ፈፈጢርካ ብዘይተሓታትነት ልዕሊ ሕጊ ምዃንን ግዳ ስዉር ክድዓት ከምዝኾነ ህዝቢ ንሚ/ሪ ፍትሒን ብጾታን ይምሕጸና እንሆ። እንተ’ቲ ቅዋምን ሕግታትን ሓንቲ መዓልቲ ንብረት ህዝቢ ከምዝኸውን ምንም ኣየጠራጥርን።

ውሑስ ዕለተ ናጽነት ይግበረልና።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዋኣትና!

ጎደፋ፡

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • AZ May 16, 2015

    PFDJ is trying to trick the world. Here is their strategy and its a joke for all of us who know them.
    1, Prove to the world that the migrations are Economic
    2, Issue a useless decree that the national service has been shortened to 18 months (then after that instead of releasing them they will be inducted back to the militia).
    3, Prove to the world that they are improving by releasing prisoners, like they did with the radio bana journalists (they were not even real journalists like joshua and co)
    4. Declare to the world that they have a constitution and they will try to implement it in the near future ( what took you so long it was done in 1997!)
    5. Prove to the world that the the Government has Put into Effect Civil and Penal Codes and Associated Procedures ( what there was no law for the past 24 years?)

  • Simon G. May 16, 2015

    ሕጊ እንታይ ምኻኑ ዘይትፈልጥ ዘይሕጋዊት ሚንስተር ሕጊ: ብዛዕባ ሕጊ ከትገልጽ ምፍታን: ኣብ ዓዲ ሕጊ ዝነብሩ ሓገግቲ: ክንደይ ኮን የጒህዮም የኸውን!? እዝስ ሕጋዊ ዶ መስለኩም?

  • national pain May 16, 2015

    if the constitiution is ratified ,then pfdj should quit killing and jailing,in that way we need the constitution to liberate our people.

  • sussun May 17, 2015

    Ab siltan bizey HIGI ZITEKOYETE(kofzibele) Melaki higi Kinedif mesel yeblun.

POST A COMMENT