Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እተደናጎየ ህዝባዊ ናዕቢ

ኣማኑኤል ሳህለ ንኹሉ ግዜ ኣለዎ: ይብል ነበረ ንጉስ ሰሎሞን። ማለት ብናይ ሕጂ ኣዘራርባ: ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ንምንብርካኽ: ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ንዘይምንብርካኽ። ንህግደፍ ምጽዋር: ንህግደፍ ንዘይምጽዋር። ኽልተ ካብ ሚእቲ ንምኽፋል: ኽልተ ካብ ሚእቲ ንዘይምኽፋል። ኣብ መቓብር ደቅኻ

ኣማኑኤል ሳህለ

ንኹሉ ግዜ ኣለዎ: ይብል ነበረ ንጉስ ሰሎሞን። ማለት ብናይ ሕጂ ኣዘራርባ: ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ንምንብርካኽ: ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ንዘይምንብርካኽ። ንህግደፍ ምጽዋር: ንህግደፍ ንዘይምጽዋር። ኽልተ ካብ ሚእቲ ንምኽፋል: ኽልተ ካብ ሚእቲ ንዘይምኽፋል። ኣብ መቓብር ደቅኻ ንምስዕሳዕ: ስለ ዝሳዕሳዕካ ደኒንካ ንምብካይ። ዓድኻ ገዲፍካ ንምኻድ: ንዓድኻ ንምምላስ: ንኹሉ ግዜ ኣለዎ…ወዘተ..።

ኩሉ ፍጻመታት ግዜኡ ሓሊዉ ዚመጽእ ወይ ዝኸይድ እኳ እንተ ኾነ: ንሓደ ፍጻመ ከም ዝቕልጥፍ ወይ ከም ዝድንጒ ዚገብሮ ግን ናትና ንቕሓትን ዓይነት ግብረመልስን እዩ። ኣእምሮና ልዕሊ ተፈጥሮ ስለ ዝኾነ: ንኹሉ ፍጻመታት ብተፈጥሮ ኪኸይድ ስቕ ኢልና ኣይንገድፎን። ኣብ ናይ ነገራትን ኩነታትን ምቕልጣፍ ወይ ምዝሕታል: ናይ ወድሰብ ንጡፍ ተሳትፎን ብምስትውዕል ዚካየድ ንጥፈትን: ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ።

ስቓይ ህዝብና ግን ካብቲ እተመደበሉ ግዜ ዝያዳ እተናውሐ ይመስል። ንምንታይ ደኣ ክሳዕ ክንድዚ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ? እቲ ህዝቢ ድዩ ምንቃሕ ኣብዩ ወይስ እቲ ስርዓት ውልቀመላኽነት እዩ ሓንጊዱ፡ ከም ቁርዲት ምልጋስ ኣብዩ…?

እቲ ብረታዊ ቃልሲውን እኮ 30 ዓመታት እዩ ወሲዱ። እንታይ እዩ ኣደናጒዩዎ? ናይ ውሽጢ ተንኮላትን ፍሕሶታትን ድዩ? እቲ ውልቀመላኺ ጌና ዘይተሰርሐ ወይ ዘይተደኮነ ስለ ዝነበረ ድዩ? ካብቲ ናይ ሜዳ ፋብሪካ ተዛዚሙ ክሳዕ ዚወጽእ ድዩ ዝጽበዩዎ ነይሮም? ቅድሚ ኤርትራ ናጻ ምውጽኣ: እቲ ውልቀመላኺ ነቲ ማኪያቨላዊ መደባቱ ሒዙ ከም ዝራብዕ ካብቲ ጉጅለ ኪፍለ ነይሩዎ ዲዩ? እዝን ክንድዝን ደኾን ይኸውን ነቲ ናጽነት ግዜ ከም ዚወስድ ዝገበሮ?

ቀንዲ ምኽንያት ምድንጓይ ህዝባዊ ናዕቢ ምንምኳ እተሓላለኸ እንተ ኾነ: ኣርባዕተ ጎሊሖም ዝረኣዩ ምኽንያታት ግን ኪረኣዩ ይኽእሉ፤

  1. እተዳኸመ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት

ነዚ ናይዚ ግዜዚ ናይ ህዝብና ፖለቲካዊ ንቕሓት ምስቲ ኣብ 40ታት ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋህው ከተወዳድሮ ምስ እትፍትን: ህግደፍ ንህዝብና ክሳዕ ክንደይ ኣብ ናይ ልኡምነትን ተንበርካኽነትን ዓዘቕቲ ከም ዘእተዎ ክትዕዘብ ትኽእል። ሽዑ ዝነበራ ሰልፍታትን ናጻ ጋዜጣታትን: ሽዑ ዝካየድ ዝነበረ ክትዓትን ዝወሃብ ዝነበረ ርእይቶታትን: ታሪኽ ኮይኑ ተሪፉ። ከምቲ መራሒ ሃገር ዝበሎ: ምናልባት ህዝቢ ኤርትራ ናብ ማርስ ወይ ጁፒተር ከይዱ እዩ ድሕሪ ደጊም ፖለቲካዊ ክትዓት ከካይድ ዝኽእል።

ፖለቲካዊ ክትዕ ግን ባህሊ ህዝብና እዩ። ንጁፒተር ወይ ንማርስ ምኻድ ኣየድልን። ቅድሚ 40ታት ውን ኣብ ምምራጽ ኣመሓደርቲ ዓዲ ይኹን ኣብ ካልእ ማሕበራዊ ጉዳያት: ክትዕን ዘተን ይካየድ ነይሩ እዩ። ማሕበራዊ ክትዕን: ዘተን መጎተን ናይቲ ህዝቢ ውርሻ እዩ። ምናልባት ደኾን እቲ መራሒ ነቲ ታሪኽና ኣዕሚቑ ስለ ዘይፈልጦ ይኸውን?

እንታይ ኣፍሊጡካ! ኮፍ በል! ዓጃው! ኢልካ ኣብ ህዝባዊ ዘተ ንሰብ ምዝላፍ ጥራይ እዩ ካብ ማርስ ወይ ካብ ጁፒተር ኪመጸና ዝኽእል! ኣብ ባህልና ከምዚ ዓይነት ስድነት ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን።

ዕድል ኮይኑ ግን ንዘመናት ብተኸታታሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝሓለፈ ህዝቢ: ምስ ገዛኢ ሓይሊ እተዛመደ ገለ ፍሉይ ባህርያት ከጥሪ ክኢሉ። ተመሳሲልካ ምንባር ዲዩስ: ምቅላስ ዲዩስ: ልኡምነት ምርኣይ ዲዩስ: እቲ ህዝቢ ንኺነብር: ይበላሓት እዩ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ግን መግዛእቲ መዓር ጥዒሙዎ ንዘልኣለም ኣይነብርን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ማለት እቲ ንቕሓቱ ክብ ኣብ ዝብለሉ ግዜን: ነቲ ራኢኡ ተግባራዊ ዚገብር መሪሕነት ኣብ ዝረኽበሉ እዋንን: ነቲ ናይ ባዕዲ ኣርዑት ንምስባር ሴፉ ይመዝዝ። ንጸላእቱ ድማ የሳጉጕ።

ፖለቲካዊ ንቕሓት ግን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይለዋወጥ እዩ። ይለዓል: ይደክም: ይመውት። እዚ ድማ በቲ ናይቲ ሕብረተሰብ ማሕበራውን ቁጠባውን ኣቃውማ ይጽሎ። ኣብ ታሪኽ ከም እንርእይ: መንግስቲ ሮማ ኪወድቕ ዝኸኣለ እቲ ብቤተሰብን ባህልን ብወግዕን እምነትን ብሕግታት እንዳባን ዝቖመ ማሕበራዊ ፈትልታቱ (social fabric) ኪበጣጠስ ምስ ጀመረ እዩ ይብሃል። ህግደፍ ነቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ትቱዕ ወይ ስሙር ማሕበራዊ ፈትልታት: ኮነ ኢሉ በናጢሱዎን ሓዊ ረኲዑሉን እዩ። ስለዚ ኸኣዩ እቲ ህዝቢ እተዳኸመ ፓለቲካዊ ንቕሓት ዘለዎ ኾይኑ ምስ ጨቆንቱ ጌና ዚነብር ዘሎ።

  1. ኣዕናውን ኣብራስን ስልትታት ጨቋኒ ስርዓት

እቲ ንስሙር ማሕበራዊ ፈትልታት ሓዊ ዘእተወ ህግደፍ: ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ዘይኮነስ: ኣብ ደገውን ኩሉ ዚከኣሎ ገይሩ እዩ። ብሃይማኖትን ኣውራጃን ዓድን እናፈላለየ: ንሰባት ብተጋደልትን ገባራትን ውፉያትን ከሓድትን ሃገራውያንን ጠለምትን ብዚብል ሓደስቲ ስማት እናጥመቐ: ነቲ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝቢ ከም ዘይሰምር ገይሩዎ።

ካብቲ ስልትታቱ ገለ ንምጥቃስ: ኣብ እተፈላለየ ህዝባዊ ማሕበራትን: ሃይማኖታውን ባህላውን ትካላትን ካድረታቱ ከም ዚሰልኩ ምግባር፤ ምፍርራህ: ምስ ዘይሰልጦ ድማ ምቅብጣር። ብራድዮን ተለቪዥንን ጌርካ ናይ ኤርትራ ግጉይ ስእሊ ምቕራብ: ብሳዋ ጌርካ ንመንእሰይ ኣንፈቱ ከም ዘጥፍእ ምግባር: ንኣብያተትምህርትን ኮለጃትን ናይ መዓስከራት ባህርያት ምልባስ: ኣንፈት ህዝቢ ንምጥዋይ ዘየድሊ ኲናት ምጽሕታር: ዓይኒ ዘንቁር ሓሶት ምቅላሕ: ነቲ ዝርሕቆ ሰብ ከም ዚንጸል ምግባር: ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሕታት መሪሕነት ብልሽውና ከም ዚተኣታቶ ጌርካ ተመሊስካ ምስልባጥን ሓቀኛ መራሒ ምምሳልን: ኣብ ህዝቢ ቅለትን ስኽራንን ዝሙትን ከም ዚተኣታቶ ብምግባር ንኽብርታት ሃገርና ምዕናውን….ወዘተ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ንኤርትራ ዚመርሕ ዘሎ ጉጅለ: ከም መንግስቲ ዘይኮነስ: ከም ሓደ ንምርመራ ኣብ ፋይል ዝኣተወ ናይ ቤትፍርዲ ጉዳይ እዩ ኪረአ ዘለዎ።

ንልምዓት እምበር ንኸምዚ ዓይነት ፕሮግራማት ንምክያድ ዝኣክል ገንዘብ ዘለዎ ህግደፍ: ኣእዳዉ ከም ኦክቶፑስ ዘርጊሑ ኣብ ትሕቲ ዓራት ሰብ ከይተረፈ ሃሰስ ይብል ኣሎ። ክልተ ካብ ሚእቲ: ናይ ቢሻ ወርቂ: ናይ ኮላሊት ተወሳኺ እቶት: ናይ ግብረ ማፍያ ዘይተፈልጠ ሃብቲ: ምስ ገለ ባዕዳውያን መንግስታት ምሽክንክን ብምባል ሓሓሊፉ ዚርኽቦ ሞቕሽሽ… ወዘተ.። ህዝቢ ግን ባኒ ኪወስድ ይስራዕ: ማይ ንኽሰቲ ድማ ናብቲ ማይ ዘለዎ ኪኸይድ መምርሒ ይወሃቦ። ዘረባ ህግደፍሲ ክልተ ፍረ: እታ ሓንቲ ዕረ: እታ ሓንቲ ጥረ።

  1. ኣንፈቱ ዘጥፈአ መንእሰይ (disoriented youth)

ካብ ከምዚ ሃዋህው ዝወጸ መብዛሕትኡ መንእሰይ: ብፍላይ ድማ ሳዋ ምስ ተወሰኾ: ዓዊኑ እዩ ዝተርፍ። እኩይ መጋብር ህግደፍስ እንተ ዘይቀተለ የዕነኑ ዚብል ሓድሽ ምስላ ንኹነታት መብዛሕትኡ መንእሰይ ይገልጾ።

ኤርትራ ናብ መዓስከር ብምልዋጣ ህይወት መንእሰይ ድማ ብኸርተትን ስግኣትን ስለ ዝመልአ: ኣእምሮኡ ድማ ብፕሮፓጋንዳን ብሓሶትን ስለ ዝላደየ: ዝጭበጥ ነገር ኪረክብ ሃለው ይብል ኣሎ። ኩነታት ሃገሩ ብኹሉ ወገን ተስፋ ምስ ሰኣነሉ ድማ: ኣንፈቱ ኣጥፊኡ። ገሊኡ ናብ ህግደፍ ተመሊሱ: ገሊኡ ኣብ መንፈሳውነት: ገሊኡ ድማ ካብ ኩሉ ርሒቑ ናይ ብሕቱ ህይወት ብህድኣት ኪመርሕ ወሲኑ።

ከምዚ ኪብሃል ከሎ ግን ብዙሓት ተቓለስትን ተባዓትን ኣንፈቶም ዘየጥፍኡን መንእሰያት ከም ዘለዉ ኪርሳዕ ኣይግባእን። እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ብተግባራት ህግደፍ ዘይርዕዱን ዘይንብርከኹን ደቁ እዩ ተስፋኡ ኣንቢሩ ዘሎ።

  1. ንጸገማት ኣለሊዩን ኣነጺሩን ኪምክት ዚኽእል ተቓዋሚ ሓይሊ ዘይምህላው

እቲ ተቓዋሚ ሓይሊ: ብመጀመርታን ብእተኻእለ መገድን: ኩሉ ገዲፉ ነዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ሰለስተ ነጥብታት ንምፍታሕ ኪፍትን ይግባኦ። ኩሉ መደባቱን ትልምታቱን ኣብ ምድሓን ሃገርን ህዝብን ከተኵር: ንፍሕሶታት ህግደፍ ኪበታትኽን: ህዝቢ ከንቅሕን ኪምህርን ከሳትፍን ኪውፈን: ነዚ ኹሉ ድማ ከም ሃገራዊ ፕሮግራም ገይሩ ኪወስዶን ይግባእ።

ይኹንምበር: ንጹር ራኢ ዘይብሉን: ጸገማት ህዝቢ ዘየለልን: ሃገር ንኸድሕን ዘይጓየን: ግዜኡን ጉልበቱን ንኤርትራ ኣብ ዘየርብሓ ክትዓትን ዘተን ቃለምልልስን ዘጥፍእ: ጤል ጌና ከይተዓደገት ከላ ኣብ ጥቓ ንእዲዶ ወይስ ኣብ ድሕሪ ቆፎ ንእሰራ እናበለ ኪቋየቝ ዚውዕል: ንመንእሰያት ዚድርኽን ዚስሕብን ዘሳትፍን መደባትን መድረኽን ዘይብሉ ተቓዋሚ ሓይሊ: ይትረፍዶ ነዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ጸገማት ኪፈትሕሲ: ነተን ዘለዋ ውን ከይውስኸለን የፍርህ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • asmeret July 30, 2015

    great memhir amanuel

  • Debre July 30, 2015

    ይበል ዘብል ኣገላልጻ፡ ድንቅ ኣቀራርባ።
    ብመጀመርታ ናይ ልበይ ስለዝገለጽካለይ ምስጋናይ ይብጻሕኻ። ኣብ ኣሰና ዳት ኮም ካብ ዘቕረብክወን ጽሑፋተይ ዋላ ‘ኳ ከምዚ ናትካ ክገልጾን ከብርሆን እንተዘይከኣልኩ ናይ ዓቕመይ ከበርክት ፈቲነ ‘የ። መጨቖኒ ጥበባት፣ ጽልኢ ኣይነጎሃህርን ካልኦትን ዝብላ ዝሑፋት ነዚ ሕጂ ዝገለጽካዮ ሓሳባት ከንጸባርቃ ፈቲንነን እየን። ናይ በሓቂ ንቕሓትና ዘዕቢ፣ ካብቲ ዘለናዮ ደልሃመት ዘበራብር፣ ንተወፋይነት ዝዕድም፣ መንነትናን እንታይነትናን ዝገልጽ ጽሑፋትካ ኣብ መንጎ ህዝቢ ክመሓላለፉ ይግባእ። ኩላሕና ደለይቲ ፍትሒ ነንመቅርብና ክንነግርን ብዝተኻእለ ብፌስቡክ ይኩኝ ኢምይል ንኻልኦት ከነመሓላልፍ ለበዋ አቕርብ። እዚ ከምዚ ዓይነት ዓቢ ቁምነገር ዘለዎ መልእኽቲ ኣብኩሉ ክዝራእ ኣለዎ። ሃየ ኣይንሕመቕ።
    ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!
    ደብረ

  • Adna July 30, 2015

    The people are collectively exhibiting Stockholm Syndrome: a psychological phenomenon in which hostages express empathy and sympathy and have positive feelings toward their captors, sometimes to the point of defending and identifying with the captors. These feelings are generally considered irrational in light of the danger or risk endured by the victims, who essentially mistake a lack of abuse from their captors for an act of kindness.

    Stockholm syndrome can be seen as a form of traumatic bonding, which does not necessarily require a hostage scenario, but which describes “strong emotional ties that develop between two persons where one person intermittently harasses, beats, threatens, abuses, or intimidates the other.” One commonly used hypothesis to explain the effect of Stockholm syndrome is based on Freudian theory. It suggests that the bonding is the individual’s response to trauma in becoming a victim. Identifying with the aggressor is one way that the ego defends itself. When a victim believes the same values as the aggressor, they cease to be perceived as a threat.

    People suffering from Stockholm syndrome come to identify with and even care for their captors in a desperate, usually unconscious act of self-preservation. It occurs in the most psychologically traumatic situations, often hostage situations or kidnappings, and its effects usually do not end when the crisis ends. In the most classic cases, victims continue to defend and care about their captors even after they escape captivity. Symptoms of Stockholm syndrome have also been identified in the slave/master relationship, in battered-spouse cases and in members of destructive cults.

  • nebelbal7@gmail.com July 30, 2015

    ሰላም
    እስኪ ሓደ ሓደ ግዜ’ስ ካብ’ዚ መዳከሚ ዝኮነ ፡– ’ኣብ’ዚኣ – ኣብዚኣ – ኣቦመንበር ፡ ናይ ልበይ ክናገር” ዝብል ፍልስፍና ገድሊ ግልል ክንብለሉ። ግልልታ ንጥዕና’ውን ተሓባባሪ እዩ ይብሉ።
    ሪእቶይ ብክልተ ኣሕዋት ንዝወረደ ዋዛ መሰል ፡ ግን ከኣ ቑምነገር ዘይተፈለዮ ሪእቶታት እዩ። መጀመርያ ብሓው “ፍትሓዊ” ጸኒሑ ከኣ ብሓው “እድግባስቶን” ዝወረደ ሪእቶታት፡-
    ኣንታ እዞም “ኣምኒኤል” ዝብሃል ስም ዝሓዝኹምስ ክንደይ ትህረፉ? ተቀዳዲመ ኣማንካ ቅድሚ ምባለይ “ስም” መረጻ እዩ (name is created) ክብል ክቡር መምህር ኣምኒኤል ዓንተቦ ክገልጾ ትዝ ይብለኒ። ወለዲ ስም ክመርጹ እንከሎዉ ምስ ሓሳብ ልቦም ዝተኣሳሰረ እዩ ። ኣማን። ተወልደብርሃን ዝብል ስም ሒዙ ሰብ ጸልማት ምስ ዘፍቅር ኣየሳንን። ድራር ኮይኑ ስሙ ድራር ቆልዓ ክሰርቅ ዘይሓፍር ሰብ ኣየሳንን። ሰበረ እንተኮይኑ ስሙ ከኣ እሞ ደሓር እንተ ሰይሩ ፡ ዘይ ዝበልዎ ዝገበረ ካብ ምባል ዓዲ ኣይትውዕልን። ስም ኣብ ተግባር ክብደት ኣሎዎ ክብል ኢሉ ኣይኮንኹን ፣ ሕርያካ ግን መቀረት ኣሎዎ። ቀጺሉ ሓው “እድግባስቶን” ኣምኒኤል ዝስሙ ሓው ኢሰያስ ንምፍዃስ ይኹን ንምድጋፍ ሪኢቶ ኣንቢሩ። ንሪእትኡ ትኹረት ዝህብኹሉ ምክንያት ኣሎኒ።

  • nebelbal7@gmail.com July 30, 2015

    ኣነ’ውን ብጊደይ ኣብ ገለ እዋን ጌጋ ደኣ ይክለኣለይ እምበር ዝፈልጦ ዘዕለልክዎን ኾይኑ ተሰሚዑኒ። ብዙሕ ኣብ ዝርዝር ከይኣተኹ ኣምኒኤል ንኢሰያስ ኣብ ቅድሚ መሳርሕቱ ንስካ “ሰብ ትወድእ ኣሎኻ። ዶው በል ካብዚ ፣ ምስ በሎ ሽጉጡ መዚዙ ረሓቕ ካባይ፡ እንተዘይ ኮይኑ ንስካ ኣይኮነን ኣነ እየ ዝብሉ ሰባት ዘልገስኹ እየ ምስ በሎ፣ ቅተለኒ ቀታል ሰብ ኣይሓፍርን ኢዩ ብምባል ነታ ጥይት ኣብ ግንባረይ ክቅበላ ድሉው ኔረ ይብል። ብጾት ኢሰያስ ንኢሰያስ ንሓውካ ወዲእኖካ ክትቀትል ግደፍ ኢሎም ብኢዱ ሒዞም ኣናጊፎምኒ። እዚ ኹሉ ዘምጽኦ ሰበብ ንዓይ ንወጽኢ ትምህርቲ ክቅጽል ክሰደካ ምስ በለኒ፡ ነቶም ካልኦት ደኣ ከምኡ ዕድል ዘይትህቦም? ኣነ ሓውካ ስለዝኮንኹ ንወጻኢ ጓኖት ከኣ ናብ ጸላኢ ፡ ጌጋ ጌጋ ዝብል ክትዕ ምስ ኣልዓልና ኢና ኣብ ዘይ ምርድድእ ኣቲና። ብሓቂ ይብለካ ኣሎኹ እዚ ሰብ እዚ ንኤረትራ ቑልቑል ኣፍ ክተክላ እዩ ክብል ኣብ ሓደ እዋን ከም ዝሰማዕክዎ እዝነይ ምስክረይ።
    ሓቂ ካብ ማንም ሰብ ክትወእ ክንደይ ደስ ትብል። እዚ ሓቤረታ’ዚ “እድግባስቶን” ከተፋኹስ ኢልካ እንተ ኣምጺእካዮ ፡ ተጋጊካ ፤ ከተራጙድ ኢልካ እንተኣምጺእካዮ ከኣ ኣማንካ፡
    መምህር ኣምኒኤል ጽሑፍካ ካብ ገንዘባዊ ሃብቲ ንላዕሊ እዩ’ሞ ድካምካ ከይቖጸርካ ቀጽሎ።

  • Michael Giorgis July 30, 2015

    ሓው ነበልባል ኤግባስቶን ብዛዕባ ኣማኑኤል ሓው አሰያስ ክዛረብ አንከሎ ኣነኣአኢሱ ዘይኮነ ከምቶም ሰለስተ ኣማኑአል በቲ ኣወንታዊ ኣበርክቶኦም ዝተመጎሱ ኣማኑአል ኣፈወርቂ አንተኾነውን ብመጠኑ በታ ንኢሽቶ ትመስል ግንከ ዓባይ ዝትሕዝቶኣ መልእኽቲ ሓዘል ዘረብኡ ክዝከር ስለ ዝግባኦ እዩ

  • NATIONALIST ERITREAN July 30, 2015

    ክቡር ኣማኑኤል ሳህለ,

    ንሕና ህዝበ ትግርኛ ናይ ፖለቲካ ፍልልይን ጽልኢትን ጥራይ ዘይኮነ ዘለና,ክሳዕ ሞት ንጻልኣሉ ሃዋህው እውን ኣሎ ።ነዞም ነዚ ዝቕጽል ክዉን ዛንታ ዝፈጸሙ ሰባት መጀመርይኦም ኣይኮነን።ስምን ጊዜን ከይጠቐስኩ ክገልጾ እየ ፣ምኽንያቱ ንምውንጃል ዘይኮነ ዘለናዮ ዘፍርህ ጊዜ ንምምልካት እዩ።
    ካብ ሱዳን ሰብኣይን በዓልቲ ቤቱን ብራሻይዳ ተጨውዮም ብበደዊን ይትሓዙ__ወረ ኣብ ኤርትራዊ ዌብ ሳይት ቀሪቦም እውን ንሰምዖም። ሰብኣይን ሰበይትን ክፍትሑ ሳላሳ ሽሕ ዶላር ይሓቱ።ዓዓሰርተ ሓሙሽተ ዶላር ንሓደ።ነዚ ዝሰምዑ ኣዝማድ እታ በዓልቲ ቤት ርኹባትን ተሓባበርትን ንፉዓትን ኣዝማዶም ዝፈትዉን ስለ ዝኾኑ፤ ነታ በዓልቲ ቤት ጥራይ ክትፍታሕ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ብቕጽበት ናብ በደዊን ይሰዱ።በዓልቲ ቤት ግን ብዘይ ብዓል ቤተይ ኣይከይድን እየ ኢላ ትኣቢ__እሞ ከይፈተዉ ነቲ ናቶም ዘይኮነ በዓል ቤታ እውን መውጽኢ ብቕጽበት እናጕሃዩ ይሰዱ እሞ ክልቲኦም ሰብኣይን በዓልቲ ቤቱን ይፍትሑ።
    እዚ ዝገልጾ ዘለኹ ታሪኽ Rocket scientist ኣየድልዮን ፣መን መን ምዃኑ ።ኣኮይ ዘይበሉና ደቂ ሓፍተይ ንብል የዋሃት ብዙሓት ኢና።ካብ ንፋላለ ሓደ ሓምሳ ዓመታት ጌሩ ይኸውን። ከም ሞት ከም ንጽላእ ዝተረድኣና ሰባት ግን ኣብ ድኻ ሃገራት ስደተኛታት ምስ ኮንና እዩ።ሽግርና እቲ መፋላለዪና እናፈለጥናዮ ንዕኡ ሸፊንና ናብ እንታይ እዩ ጸገምና ሕቶ ንኣቱ።ርእስና ብማርቴሎ እናሃረምናዮስ እንታይ ኴንና ኢና ሕማም ርእሲ ዝሕዘና ኢልና ስፔሻሊስት ክንርኢ ንጓየ ኴንና።ስለዚ ዘየተሓባብረና ጉዳይ ንሱ እዩ።

  • gerimuna July 30, 2015

    Memhre Amanel Sahle: I agree with the contention of all four reasons elaborated.
    It makes sense that enough was not done to exonerate our people from the sick dictator.
    However, my experience and understanding is that time is ripe and youth consciousness seemed at the critical edge to deal with the crime imposed on our people for along time now.
    However, there could be a zillion scenarios that could create a situation any day to ignite an uproar to root out dictator and its puppets and liberate from the suffering of the people. It is common observance of our youth expression of anger and determination.
    As you stated the trend could increase, decrease or stall that time would be the determining factor embossed with reality on the ground.
    I believe, we should keep our hope high especially with the recent demonstration that the youth trampling the dirty dictator’s picture.

  • Teklezighi July 30, 2015

    Kubur Memher Amanuel Sahle,
    You have indeed made a good foundation for the next phase as well as for the next generation.
    Mr and Memher Amanuel, in life we will never reach the point of perfection although we should make strides in approaching it.
    The goal-post of what an ideal society should be has shifted through history.
    I strongly feel that we should all have a new resolution : giving our young people the hope and the tools they need so that they could be the agents of change.

  • Berhe Tensea July 30, 2015

    Excellent points thank you very much.

POST A COMMENT