Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እተቐየረ ራእይ

ኣማኑኤል ሳህለ ሰብ ይሓስብ፡ ነቲ ሓሳባቱ ድማ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ይፍትን። ገሊኡ ይዕወት፡ ገሊኡ ግን ኣይዕወትን። እቲ ዘይተዓወተ ገሊኡ ከም ብሓድሽ ኪፍትን ከሎ፡ ገሊኡ ግን ተስፋ ቖሪጹ ካልእ ሓሳባት ክሳዕ ዝመጾ ስቕ ኢሉ ይጽበ። ገለ ሓሳባት ኣብ

ኣማኑኤል ሳህለ

ሰብ ይሓስብ፡ ነቲ ሓሳባቱ ድማ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ይፍትን። ገሊኡ ይዕወት፡ ገሊኡ ግን ኣይዕወትን። እቲ ዘይተዓወተ ገሊኡ ከም ብሓድሽ ኪፍትን ከሎ፡ ገሊኡ ግን ተስፋ ቖሪጹ ካልእ ሓሳባት ክሳዕ ዝመጾ ስቕ ኢሉ ይጽበ።

ገለ ሓሳባት ኣብ ናይ ውልቃውን ብሕታውን ጉዳይ ኪሕጸሩ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግን ክንዮ ባዕላውነት ይኸዱ፡ ሰፊሕ ትልምን ርሑቕ ራእይን ድማ ይህሉዎም።

መብዛሕትኡ ግዜ ሰፋሕቲ ሓሳባት ኣብ ግዜ ማሕበራዊ ቅልውላው እዮም ዚፍጠሩ። መብዛሕትኦም ሱር-ነቀል ወይ ሪቮሉሺናሪ እዮም። ኣብቲ ሰፊኑ ዘሎ ስርዓት፡ ዘይፍትሓውነት ስለ ዚርእዩ፡ ነቲ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣቃውማ ኪልውጡዎ ይደልዩ። ገሊኦም ብጎነጽ፡ ገሊኦም ድማ ብምህሮን ብፕሮፓጋንዳን።

ኣብቲ ሓሳባቶም፡ ራእይ ድማ ኣሎ። ብዘይ ራእይ ኪስጉሙ ኣይክእሉን። ራእይ ማለት፡ ነቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኩነታት ብኹሉ ሸነኻቱ ዘርእየካን፡ ኪገሃድ ከም ዚኽእል ድማ ናይ እምነት ስምዒት ዝህበካን፡ ንኣእምሮኻን ንልብኻን ዚድርኽ መንፈስ እዩ። ራእይ ምስ ዚህልወካ፡ ኩሉ ወፊኻ ናብኡ ንኽትጎዓዝ ዝእግመካ ነገር የልቦን። እምነትካ ዛጊት መርገጺ ረኺቡ ስለ ዘሎ፡ እቲ ራኢኻ ከም ዚገሃድ ሚእቲ ብሚእቲ ርግጸኛ ኢኻ።

ይኹንምበር፡ እቲ ራኢኻ ኣብ ቦታኡ እናሃለወ፡ ውሽጥኻ ግን ብናይ ስሰዐን ብናይ ስልጣን ህርፋንን ውልቀመላኽነትን መንፈስ ኪብረዝ ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ ጕዕዞኻ ኣብ ክንዲ ብፍቕርን ተወፋይነትን መስዋእትነትን ብጻያዊ ሓልዮትን ምነናን ዚስነ፡ ብጽልእን ብንኣይ-ይጥዓመንን በለጽን ስስዐን ናይ ስልጣን ህርፋንን ተዓጂቡ መገዱ ይቕጽል። ነቲ ዝጽበየካ ዝነበረ ብርሃን ዝዓሰሎ ራእይ ድማ ብጸልማት ትኽልሎ።

ሽሕኳ ሕቶ ናጽነት ኤርትራ ካብ ቅድሚ መግዛእቲ ጣልያን ጀሚሩ ኣብ ኣእምሮ ኤርትራዊ ዘዕለብጥ ጉዳይ እንተ ነበረ፡ ከም ፖለቲካዊ ሓሳብን ከም ንጹር ራእይ ዘለዎን ኮይኑ ንኣእምሮ ኤርትራውያን ኪትንክፍ ዝጀመረ ግን ኣብ መወዳእታ ሓምሳታትን ኣብ መጀመርያ ስሳታትን እዩ።

ሽሕኳ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ናጽነት ሃገሩ ሓሳባትን ራእይን እንተ ነበሮ፡ እቲ ሓሳባትን ራእይን ግን ከም ዋግዋጎ እምበር ኣዚዩ ብሩህ ኣይነበረን። ንጹር ሓሳባትን ንጹር ራእይን ንምህላው ትምህርቲ የድሊ እዩ፡ ናይ ጎረባብትን ናይ ዓለምን ተመሳሳሊ ሓርነታዊ ኣብነታት ምክትታል እውን የድሊ እዩ። እምበኣር እቶም ከምዚ ዚመስል ዕድል እተዋህቦም ውሑዳት ኤርትራውያን እዮም ነቲ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ጀሚሮምዎ።

እዚኣቶም፡ ብቐጻሊ ስብከትን ፕሮፓጋንዳን፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ጎነጽ ብምጥቃም፡ ተኸተልትን ሰዓብትን ኣመንትን ኣጥሪዮም። ኣብ መወዳእታ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ስዒቡዎም። ኣብ ትሕቲ ድሑርን ፊውዳላውን ሕብረትሰብ ኴንካ ብልዝብን ብረፈረንደምን ጌርካ ናጽነትካ ከተረጋግጽ ስለ ዘይከኣል፡ ነቲ ራኢኻ ንምግሃድ ብረት ክትዓጥቕ ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮ፡ እቲ ናጽነት ብኽቡር ደም ኤርትራውያን እዩ ተረኺቡ።

እቲ ራእይ ተጋሂዱ፡ ግን እቲ መበቆላውን ህዝባውን ራእይ ዘይኮነስ፡ ብናይ ስሱዓትን ግቡዛትን ፖለቲካዊ ቍርቍስ እተበረዘ ራእይ እዩ ነይሩ። ናጽነት ዚብል ኣምር፡ ትርጉሙ ቀዪሩ፣ እቲ ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ዝነበረ ምስሊ ኤርትራ ከተለልዮ ክሳዕ ዘይትኽእል መልክዑ ለዊጡ፡ እቲ ናይቲ የዋህ ህዝቢ ግሩም ሕልሚ ናብ ብህረራ ተቐዪሩ!!

እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ግን፡ እቲ መሪሕነት ወይ ስርዓት ነቲ ህዝቢ “ራኢኻ ኣግሂድናልካ፡” እናበለ ምልፍላፉ እዩ። ካልእ ምስሊ ኤርትራ ኣቕሪቡሉ ክነሱ፡ እዚ እዩ እቲ መበቆላዊ ራእይ እናበለ ንህዝቢ ምትላሉ ይቕጽል ኣሎ። ይኹንምበር፡ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ሜዳ እዩ ተዘሪጉ። ብናይ ፖለቲካዊ ቍርቍስ ደሮና ተዓብሊሉ፡ ዘይንፈልጦ ስእሊ ኤርትራ ኣምጺኡልና። እቲ መሪሕነት፡ እቲ ምስሊ ቅኑዕ ምዃኑ ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ንምስራጽ፡ ጌና ዘይሕለል ፕሮፓጋንዳ የካይድ ኣሎ። ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ምስሊ ኤርትራ ከም ህዝባዊ ራእይ ንምምሳል፡ ነቲ ራእይ ናብቲ ቅኑዕ ተምሳሉ ኣብ ክንዲ ምቕያር፡ ነቲ ናይቲ ህዝቢ ኣእምሮ ኪቕይሮ ምፍታኑ፡ ሓደን ቀንድን ገበን ናይዚ ዘሎ ስርዓት እዩ።

ገለ ሰባት ነቲ ዘቕርቦ ጽሑፋት ብምንባብ፡ ግርም፡ ግን ሽግር ኤርትራ እንታይ እዩ መፍትሔኡ ብምባል መልሲ ዚጽበዩ ዘለዉ ኾይኑ ይስምዓኒ። እምበኣር ገለ ንሕቶታቶም ዘዕግብ ፍታሕ ንምቕራብ ክፍትን እየ፤

መጀመርያ፡ ሓሳብ ብኻልእ መተካእታ ሓሳብ እዩ ኪዳኸም ዚኽእል። ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡ እቲ ሓሳባት ኣብዘን ዝሓለፋ 55 ዓመታት ናብ ውድብን ትካልን ስልጣንን ብምልዋጡን ሱር ብምስዳዱን፡ ክትቅይሮ ምፍታን ብዙሕ ጻዕሪ ዚሓትት እዩ። ግን ቅድሚ ኹሉ፡ እቲ ሓሳባት ከመይ ኢሉ ነቒሉ ከመይ ኢሉኸ ናይ ምዝንባዕ ባህርያት ፈጢሩ፡ ነዚኸ ብኸመይ መገዲ ክንቃለሶ ንኽእል ንዚብል ሕቶ ምምላሽ ኣገዳሲ ይመስለኒ።

ቀዳማይ፣ ሓሳባት ኪነቕሉ ኸለዉ መብዛሕትኡ ግዜ ዳርጋ ንጹሃት እዮም። እቲ ንሳቶም ዚእምትዎ ራእይውን ብወገኑ ንጹህን ዘይተበከለን እዩ። ኣብዚ ግን እቲ ናይቶም መንቀልቲ ሓሳብን ቀረጽቲ ራእይን ድሕረባይታ ኪጽናዕ ይግባእ። ሓሳባትን ራእይንሲ ነይሩዎም ግን እንታይ እዩ ነይሩ እቲ እዋናዊ መበገሲኦም? ካልእ ኣጀንዳ ነይሩዎም ዲዩ? ስሱዕን ንኡስቡርዣዊ ባህርያቶም ነቲ ሓሳባቶምን ራእዮምን በሪዙዎ ኪኸውን ይኽእልዶ? ነዚ ምስ ኣረጋገጽካ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ መጽናዕቲ እተመርኮሰ ድሕረባይታኦም ምፍታሽ፡ ብድሕሪኡ ነቲ እተረኽበ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ምቅላሕ ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ።

ሓድሓደ ግዜ፡ ናይ ሓደ ንጥፈት ወይ ምንቅስቓስ መወዳእታኡ ግጉይ ኮይኑ ክትረኽቦ ከሎኻ፡ ግጉይ ከም ዝኸውን ዝገበሮ ንምፍላጥ ንድሕሪት ተመሊስካ ምምርማር ኣድላዪ እዩ። ኣበይ እዩ እቲ ጌጋ ተፈጺሙ? ኢልካ ምሕታት ግቡእ እዩ።

ቆርበት ተባላሽያ፡ ኣብ ምንታያ? ኣብ ምንፋሓ፡ ኣይፋልን ኣይ ኣብ ምንፋሓን፡ ኣብ ምጥባሓ፡ ዚብል ብሂል ኣሎ። ከመይ እዩ ነይሩ “ኣጠባብሓ” ኤርትራ? መን እዩ ነቲ “ቆርበት” ነዃላት ወይ ቀዳዳት ከም ዚበዝሖ ገይሩዎ?

ካልኣይ፣ እቲ ህዝባዊ ራእይ ከመይ ወይ እንታይ እዩ ነይሩ ኢልካ ምምርማር። ምስዚ ሕጂ ከም ውዱእ ራእይ ዚቐርበልና ዘሎ ስእሊ ኤርትራ ይሳነ ድዩ? እንታይ እዩ ከም ዘይሳነ ዚገብሮ? ነዚውን ብመጽናዕቲ እተሰነየ ጽሑፋትን ኣስተምህሮታትን ከም ዚውሃብ ምግባር።

ሳልሳይ፣ እቲ ህዝባዊ ራእይ ምስቲ ውድባዊ ራእይ ዘይሳነ ምዃኑ ዚፈልጥ ስርዓት፡ ነቲ ህዝቢ ንምትላል ብዙሕ ብልሃት እዩ ዚጥቀም፡ ሓደ ካብኡ ድማ ሰለይትን ወይጦታትን ካድረታትን ከም ኣብነት ኪጥቀሱ ይኽእሉ። እዚኣቶም ናታቶም ሓሳባት የብሎምን፡ ነቲ እተባህሎም እዮም ኪልፍልፉ ዚውዕሉ። ነዚኣቶም ንምቅላስ፡ ብፖለቲካ ዝበሰሉ፡ ደሞክራሲ እንታይ ማለት ምዃኑ ብክልሰሓሳብን ብተመክሮን ዚፈልጡ፡ ስምዒት ዘይኮነስ ስነሞገት ዚጥቀሙ፡ ከእምኑ ዚኽእሉ ናይ ለውጢ ካድረታት ምምዳብ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ስራሕዚ ጥርናፈን ሓይልን ንምሃብ፡ ትካላውን ውድባውን ቅርጺ ምሃቡ ግድን እዩ። እተወደበ ሓይሊ ጥራይ እዩ ኪዕወት ዚኽእል።

ራብዓይ፣ እቲ ስርዓት ኣብ ኩሉ ንጥፈታቱ ብሓይሊ ገንዘብ እዩ ዚቃለስ። እዚ ገንዝብዚ መብዛሕትኡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ወይ ብምፍርራህ እዩ ዚረኽቦ፡ ስለዚ ነዚ ዘይነጽፍ ናይ ስርቂ ዒላ ከም ዚነጽፍ ንምግባር ቀጻሊ ጻዕሪ ምክያድ ኣድላዪ እዩ። ወይ ድማ እቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ገንዘብ ዚረኽበሉ ምንጭታት ሃሰው ኪብል ኣለዎ። ገንዘብ ዘይብሉ ተቓዋሚ ሓይሊ፡ ቀሃሚ እዩ።

ሓምሳይ፣ ናይቲ ስርዓት መዓልታውን መደባውን ገበናት ኣብ ዓለም ከም ዚቃልሑ ምግባርን፡ ንተጣበቕቲ ፍትሒ ድማ ምሕባርን። ነቲ ናይቲ ስርዓት ሓቀኛ ስእሊ ኣብ ዓለም ምቅላሕ ማለት፡ ነቲ እቲ ስርዓት ዝምክሓሉ ዓወታት ዋጋ ከም ዘይብሉን፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቡን፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓለም እናተናዕቀ ከም ዚኸይድ ስለ ዚገብሮን፡ ንዕምሩ ከሕጽሮ ይኽእል እዩ።

እዚ ከም መፍትሔ እተጠቕሰ ነጥብታት፡ ኪሰርሕ ከይሰርሕ እቲ ህዝቢ እዩ ዝውስኖ። ድሌትን ራእይን ክሳዕ ዘሎ፡ ዓወት ኣሎ። ተስፋ ምቝራጽን ግዲ ዘይምህላውን ኪነግስ ከሎ ግን ምናልባት እቲ ስርዓት ኤክስፓይር ገይሩ ወይ ድማ ብኽብደት ገበናቱን ፍሽለቱን ተሸኒፉ ንውሽጢ ረማዕ ኢሉ ክሳዕ ዝወድቕ ምጽባይ እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ የልቦን።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • Berhe Tensea February 28, 2016

    Yet another excellent article, and thank you very much.

  • k.tewolde February 28, 2016

    Cleverly written,the package they delivered was not the much anticipated package by the customer, yet they continue to shove that wrong package down the throat of the bewildered customer to the point of asphyxiation.Thanks Memhir.

  • Adal February 29, 2016

    ብጣዕሚ ብሉጽ ስነ ሓሳብ ቀጽሎ።

  • Barek Tesfit February 29, 2016

    It is again a wakeup reminder.where do get good ideas.
    PEOPLEhave always aquired new and workable ideas,yet we Eritreans lack the will to change ideas into practical moves for changing our situation.The present precarious situation calls every able citizen to bring ideas and those who are able to implement ideas into practice are lagging behind.It is obvious that not every body is equipped with excellent ideas,but equally not every one is gifted into moving the stones further to clear the way for change.
    We have organized our selves in the past but we were not able to persue our organizational skills further to be able to upgrade it,however we are still trying hard to pass it to the younger generation but with a minimum results.I think good and realistic ideas are scarce nowadays and we are yarning for more tangible ideas.
    So Amanuel continue with your writing and God knowsone day they will be applied to make changes.

  • Mekhalif February 29, 2016

    ሓው ኣማኑኤል ሳህለ,

    እታ ብበጊዕ ተመሲላ ዘላ ኤርትራ,እቲ ዓረባዊ ካራ እንተዘይጠብሓ,እቲ ናይ ደቂ ባንዳ ኣፍ እንተዘይነፍሓ… ምስ ወላዲት ሃገራ ከም ብልጽቲ ውላድ ኮይና ትነብር ዝነበረት ክፍለ ሃገር እያ።ገለ ኣባጊዕ ከይተነፍሓን ከይተጠብሓን ጸባ ኣዲኤን እናጠቦባ ክነብራ ዝተፈጥራ እየን።

    ምስ ልዑል ክብረተይ
    ሓውካ _
    መኻልፍ፣ሜላዊ ምዝላቕ

    • AHMED SALEH !!! February 29, 2016

      Mekhalif
      The mother you tried to call was mother in law of Eritrea brought by
      foreign white race colonizers with a knife on hand in case her adopted
      children behaved out of control to use for self protection . After
      she slaughtered some of them , she paid her life in retaliation .
      History recorded witnesses account where nobody can erase facts from
      taken place events .
      Because H.E. Emperor Issayas failed your expectation no need to blame
      the people of Eritrea . Betrayal mentality background learned from
      dubious ideas influenced by his secret party doctrine played negative
      role at certain group who held hostages in that old box .
      Hawna Amanuel Sahle and others deserve highly respected recognition to
      fight against the cancer for cure that contaminated minds .

    • Nyala March 1, 2016

      Haw Mekhalif,

      What a great observation and comment you made kubur haw.
      Your sense of humour is also very admirable. You are truly
      second to brother Amanuel Sahle that is a very good teacher (Memhir) indeed.

      Kubur haw and memhir Amanuel, please continue with your educational and eye opener articles.

    • ogbai March 1, 2016

      መካልፍ፡ እምበር ምካልፍዶ ክብለካ፡ እታ ጋል እትብላ ኣቕመ ሄዋን ምስ በጽሔት እኮ አንተዘይተምርዓወትን አንተዘይወለደትን ከብረትንስ፡ እንታይ እዩ ትርጉም ምፍጣራ፡፡ ዋላስ ዕይት ላሓኩት ኮይና ኢካ ክትንበር ደሊካያ። እንተኮንስ ሓደ ሕሱም ስብኣይ ተመርዕያስ ዕድል ኣይገበረትን ዘዝወለደቶም ራሕሪሖማ ክኸዱ ምራይና እዩ ዝሕዝንን ዘተሓሳስብ ክቡር ሓው፡ ተኾርሚያ ዘይነበረትስ ኣይዘረባን።

  • negusse February 29, 2016

    ሐው መምህር አማኒኤል ፤

    ኩሉ ጊዜ ተቕርቦ መሀርን ተስፉ ዝህብን ብሱል ጽሑፍካ የድንቖ።
    ናይ ሕጂ ድማ ብሐቒ ዝስርሕን አባ ባይታ ብተግባር ዝርአ ዘሎ ህግደፍን ጸማማት ሰዓብቶምን ዓለም ኒዕቓቶምን ጥርሖም ወጽዮምሉ ዘሎ ጊዜ እዩ።ተሪፉ ዘሎ ከሰጋግር ዝክእል ጥርኑፉን ውዱቡን ምድላው እዩ።

    ተሪፉ ዘሎ ጥርኑፍን ውዱቡን

  • murad ali February 29, 2016

    Great article.

  • Teclay March 1, 2016

    እታ ናተይ comment ሳንሱር ገርኩም ፣ውዳሰ ዘይሙዃና ምስ ፈለጥኩም ዶ ጉሒፍኩማ ፣ድሓን ርእይቶይስ ጉሓፍዎ፣ ካልእ ናይ media (face book ,pal talk)) ማዕከናት ይውንጨፋ ስለ ዘለዋ ፣ንስኻትኩም ከም irrelevant ከይትኾኑ።እዚ ሓልዮት እዩ።

  • Ahmed Abdela March 1, 2016

    መምህር አማኑኤል ጽሑፋትካ መግቢ እዮም:

  • geza kenisha March 1, 2016

    I still have ur articles fr. hadas Eritra, how I loved them. waza mis kumneger.
    Now it seems u r serious writing ur articles, add some waza (qemem) plz so as to make it funny and educating.
    Just great ideas u put in this article, I second them.

POST A COMMENT