Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እስራኤል መሰል ስደተኛታት ናይ ምኽባር ግዴታ ኣለዋ፣

እስራኤል መሰል ስደተኛታት ናይ ምኽባር ግዴታ ኣለዋ፣ ምኽንያቱ ንሕጊ ጀነቫ ኮንቨንሽን ናይ 1951 ዝፈረመት ሃገር’ያ። እስራኤል ንመሰል ሓተቲ ዑቕባ ተቐቢላ፣ (Asylum seeker Rights) ንኩሉ ሰብኣዊ መሰል ስደተኛታት (Human Rights to the Status of Refugee) ከተውሕስ ግዴታ ኣለዋ።

እስራኤል መሰል ስደተኛታት ናይ ምኽባር ግዴታ ኣለዋ፣

ምኽንያቱ ንሕጊ ጀነቫ ኮንቨንሽን ናይ 1951 ዝፈረመት ሃገር’ያ።

እስራኤል ንመሰል ሓተቲ ዑቕባ ተቐቢላ፣ (Asylum seeker Rights) ንኩሉ ሰብኣዊ መሰል ስደተኛታት (Human Rights to the Status of Refugee) ከተውሕስ ግዴታ ኣለዋ። ምኽንያቱ እስራኤል ብውዕል ጀነቫ ኮንቨንሽን ናይ 28-July-1951 ዝጽዋዕ ኣህጉራዊ ሕጊ ተጠቃሚት ስለዝነበረት ፈራሚትሉ’ያ። እስራኤል ድሕሪ 2ይ ኩናት ዓለም ካብ ውዕል ጀነቫ እንታይ ነይሩ ጠቕማ? ስለምንታይ’ከ ሕጂ ብኣንጻሩ ንመሰል ሓተቲ ዑቕባ ትነጽግ ኣብ ክንዲ ግዴታ ትስከም? … ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ሕጋዊ መልሲ ንምርካብ፣ ንመሰረትን ንድሕረ-ባይታ ውዕል ጀነቭን ጠቕሚ ዓለም ብሓፈሻ፣ ጠቕሚ ኣስራኤል ብፍላይ ብምትእስሳር ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ምርኣይ ኣገዳሲ ይመስለኒ።

ምኽንያቱ ኣብ እስራኤል ዘዛርብ ዘሎ ጉዳይ፣ ብጀካቲ መሰረታዊ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል ብዓቐኑ’ውን ብዙሕ’ዩ። ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ከምዝገልጾ፣ United Nations High Commission for Refugees UNHCR  ብዝሒ ስደተኛታት ኣፍሪቓውያን ብድምር ሓምሳን ሰለስተን ሺሕ (53, 000) ይብል። ካብዚኦም ደቒ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከቡዎ ብዝሒ ዜጋታትና ከኣ ኣስታት ሰላሳን ሽዱሽተን ሺሕ (36, 000) ከምዝበጽሑ ይገልጽዎ።

ብፓርላማ እስራኤል ዝተወሰነ ጉጉይ ፖሊሲ ምግሃስ መሰል ስደተኛታት ኣፍሪቓውያን ብሓደ ወገን፣ ብኣንጻሩ ኣህጉራዊ ሕጊ ውዕል ጀነቫ ከምዝእዝዞ ናይ ስደተኛ መሰል ንምኽባር ዝገብርዎ ዘለዉ ተባዕ ናይ መሰል ቓልሲ በቲ ካልእ ወገን ኣዛሚድና፣ ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባን ናይ ስደተኛ ኣገባቡን ክኸብር ዝግብኦ“ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል ” ምኻኑ ዘከራኽር ክኸውን ኣይግብኦን። ምኽንያቱ ብመሰረት ጀነቫ ኮንቨንሽን  ከምዝእዝዞ፣ ጉዳይ ስደተኛታት ቕቡልን ሕጋውን ምኽንያታት ኣለዎ።

መሰረትን ድሕረ ባይታ ጀነቫ ኮንቨንሽን 1951 ተጠቓምነት እስራኤልን፦

እዚ ኣህጉራዊ ሕጊ ንኽንደፍን ክጸድቕን ዝደረኹ ውድዓውያን ምኽንያታት ነይሮም። 2ይ ኩናት ዓለምን ኣብ ሰብኣዊ መሰልን ክብሪታቱን ዝተራእየ ጭካነ፣ ህልቒት ሚልዮናት ኣህዛብ ብሓፈሻ፣ ናይ እስራኤላውያን ዓሌታዊ ግፍዒ ብፍላይ’ዩ”። ቑጠባዊ ዕንወት ከቢድ ነይሩ። ስደትን ማሕበራዊ ምዝንባልን ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናት ሳዕቤናት ነይርዎ። ኣብ ሞራላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዝገደፎ በሰላን ስምብራቱን …… ወዘተ’ዩ ገለ ካብቲ ምኽንያታት ነይሮም።  ስለዚ ኣብ መሰረትን ድሕረ ባይታ ውዕል ጀነቫ፣ ኣብ ዓሙቕን ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ከይኣተኹ፣ ኣብቶም ኣገደስቲ ጥራይ ኣተኩረ ክገልጽ ክፍትን’የ።

ኣብ ታሪኽ ደቒ ሰባት እዛ ንነብረላ ፕላነት ናይ ረብሓ ዓለም ስለዝኾነት፣ ንክልትኣዊ bilateral ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሃገራት ናይ ሓባር ረብሓ ንምርግጋጽ ብስምምዕን ምክብባርን ብሽርክነትን ክስራሕ ሰላምን ርግኣትን ኣህዛብ የውሕስ። ጎደና ልምዓትን ደሞክራስያዊ ምምሕዳርን የማዕብል። ህዝቢ ካብ ጥምየት ድኽነትን ድንቑርናን የውጽእ። እዚ ብጸቕጥን ናይ ምዕብላል ስምዒትን ኣትሓሳስባን ዝመጽእ ኣይኮነን። ባንጻሩ ኣብ ናጻ ድሌትን ማዕረ መሰል ምክብባር ልኡላውነት ዝተሰረተ፣ ብኣህጉራዊ ሕግን መትከላቱን ዝቕየድ፣ ተሓታትነት ዘለዎ ኣህጉራዊ ውዕላትን ምትሕግጋዝን ክካየድ ቕዱስ ተግባር ክኸውን ይግብኦ ነይሩ።

እንተኾነ ግና ኣብ ዓለምና ብገለ ክኸብር፣ ብገለ ከኣ ክገሃስ ናብ ኩናትን ዕንወትን ከምርሕ ተራእዩ። ገለ ካብቶም መሰረታውያን ጠንቕታት ውግእ/ ኩናት/ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዝፍጠሩ ሽግራትን ዘይምቕዳውን፣ ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፣ ብኣንጻሩ ረብሓታትካ ዝያዳ ካልኦት ንምርግጋጽ፣ ወይ ዓብላሊ ጥሙሓትካን ኣትሕሳስባኻን ከተርዊ፣ ሓላፍነት ዝጎደሎ ጉጉይን ጎነጻውን ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት ስለዝኽተሉ፣ ሳዕቤናቱ ኩሉ ግዜ ናብ ኩናትን ጎነጽን የምርሕ’ሞ ኣብ ህዝብን ሃገርን ዓቢ ዕንወት የስዕብ። ኩናት ዝወስዶ ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር፣ ዋላ ዝዕወትን ዝሰዓርን ወገናት እንተለዉ፣ ብዝሕን ዓይነትን ክሳራ ናይቲ ሓደ ወገን ዋላ ፍልልይ እንተለዎ፣ ንኹሎም ተዋጋእቲ ሃገራት ስለዝሃሲ ካብ ኩናት ትረብሕ ሃገር የላን። ዝኾነ ኩናት ስለዘይቕጽል ድሕሪ ከቢድ ዕንወት ዘይሩ ዘይሩ ናብ መኣዲ ዘተ ኣትዩ ሰላማውን ሕጋዊ ኣገባብን ምሓዙ ድማ ኣይተርፎን’ዩ። ስለዚ ብውግእ ሰላም ኣህዛብ ምዝራግ ረብሓ ካብ ዘይሃለዎ፣ ስለምንታይ ቕድሚ ኩናትን ዕንወቱን ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ዘይፍታሕ? ኣብ ዓለምና ጌና ካብ ዘይተመለሹ ናይ ደቒ ሰባት ዓበይቲ ጸገማትን ዘይሓላፍነታዊ ባህርያትን እዮም።

ምኽንያቱ ዋጋ ውግእ ሰብኣዊ ክሳራ ዜጋታትካ ልዕሊ ኩሉ ይስራዕ። ቑጠባዊ ዕንወት ውግእ ኩሉ መዳያት ምዕባሌ ሃገራት ናብራ ህዝብን ይጸሉ። ስደትን ማሕበራዊ ምዝንባል ይፈጥር። ኣብ ጉዕዞ ስደት ተላጋቢ ሕማም፣ ጥምየት ዝስተ ጽሩይ፣ ድኻምን ሕጽረት መግቢ የጋጥም’ዩ ብፍላይ ኣብ ህጻናት። ልዕሊ ኩሉ ዝኸበደ ጉድኣቱ እቲ ሞራላውን ስነ-ኣእምሮኣውን መዳያቱ ዝገድፎ በሰላ መምዘኒ ይኹን መዓቐኒ የብሉን። ዓለምና ካብ ናይ ሓጺር ግዜ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝዓበየ ውግኣት፣ ማለት ቐዳማይ ኩናት ዓለም 1914- 1918፣ ካልኣይ ኩናት ዓለም ካብ 1939 ክሳብ 1945 ብድምሩ 10 ዓመታት ተኻይዱ። እቲ ውግእ ዘመናዊ ኣጽዋርን ተክኖሎጅን ዝተሓወሶ ስለዝነበረ ብኩናት ዝተፈጥሩ ዕንወት ዓለምና ብዙሕ ተማሂሩ’ዩ። ስለዚ ዓለምና ካብ ክልቲኡ ኩናት ዓለም ውጽኢቱ ዕንወት ምኻኑ ተማሂሩ ማለት ግና ኩናት ኣብቒዑ ፍጹም ሰላም ቕሳነትን ኣህዛብ ተረጋጊጹ ኣሎ ማለት ከምዘይኮነ ኩልና ንግዘቦ’ዩ።

ምኽንያቱ 2ይ ኩናት ዓለም ካብ 1939 ጀሚሩ ክሳብ* 1945 ንሽዱሽተ ዓመታት ከቢድን ኣዕናውን ኩናት ተኻይዱ። ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ጸብጻባት መዛግብቲ ታሪኽ ከምዝሕብርዎ፣ ኣብ 2ይ ኩናት ዓለም ዝነበረ ክሳራ፣ ብዝሒ ምዉትት ካብ ሓምሳ ክሳብ ሰብዓ ሚልዮን (50 -70, 000)  ሰራዊትን ዝበዝሑ ሲቪል ህዝቢ ዝርከቡዎም ሞይቶም።  ……. ቑሱላት ይግለጹ። እቶም መጽናዕታዊ ጸብጻባት በብኩርንዑ ፍልልያት ኣለዎ። 100%  ሓቐኛ ኣሃዝ ንምርካቡ ኣጸጋሚ ምኻኑ እቶም ዘጽንዑ ባዕሎም ይገልጹ። ኣብ መብዛሕትኡ ዓውደ መጽናዕቲ ግና፣ ዝሞቱ ካብ ሓሙሳን ሓሙሽተን ሚልዮን (55, 000, 000) ንላዕሊ ከምዝጽጋዕ ናይ ብዙሓት መጽናዕቲ ተመሳሳሊ’ዩ።

ብኩናት ዘጋጠሙ ኩሉ ዓይነት ዕንወትን ምዝንባልን ተገምጊሙ፣ ቐይዲ ኩናትን ተሓታትነትን ዘረጋግጽ፣ ኩናት ተሪፉ ሰብኣዊ መሰል ዘኽብር ሰላም ቕሳነትን ዘስፍን’ዩ ተባሂሉ ዝተኣመነሉ’ዩ ጀነቫ ኮንቨንሽን። ንሱ ንሓድሕዳዊ ምኽብባርን ምትሕግጋዝን ከረጋግጽ ምስ ሕጋዊ ናይ ኣፈጻጽማ ኣገባቡ ዘውሕሱ ዓናቕጽ ኣህጉራዊ ውዕላትን ስምምዓትን በብጊዚኡ ተፈሪሞም። ነዚ ዘተግብር ካብ ቕድሚኡ ዝነበሩ ኣህጉራዊ ትካላት ዝተፈልየ መልክዕ ከምዝሕዝ ኮይኑ ድማ ተሃኒጹ። ጠንቒ ኩናትን ተሓተቲ ሰባትን ኣብ ፍርዲ ንምቕራብ ኣህጉራዊ መጋባያታት ….. ወዘተ ዓለማዊ ትካላት ተመስሪቱ። ቕድሚኡ ዝነበሩ ኣህጉራዊ ውዕላት ገለ ተሰሪዞም፣ ገለ ብሓዲሽ መልክዖም ተመሓይሾም ጸዲቖም ኣብ ግብሪ ከምዝውዕሉ ተገይሩ።

ድሕሪ ኩሉ ዕንወት ኩናት፣ መራሕቲ ይኹኑ ፓርላማ ገለ ሃገራት፣ ንግርጭት ብግቡእ ዝፈትሑ መሰላት ዘኽብሩ ይርኣዩ። ኣብ ገለ ከኣ ዘዕንዉ መሰላት ዝግህሱ ስለዝርኤ እቲ ሓደ ወገን ብዝፈጥሮ ጸገም ናብ ውግእ ዘምርሑ ሳዕቤናቱ ዝተጋህዱ ኣማኢት ታሪኽ ውግኣት ተራእዩ። ብግልባጡ ከኣ ሰላምን ቕሳነትን ኣህዛብ ክረጋጽን ክወሓስን፣ ኣህጉራዊ ትካላት ቖይሙ ሃገራት ዝቕየዳሉ ኣህጉራዊ ሕጊ፣ ውዕላትን ስምምዓት የጸድቑ። ገለ ይመሓየሹ፣ ገለ ይኸብሩ ገለ ይጠሓሱ።

ስለዚ ድሕሪ 2ይ ኩናት ዓለምን ከቢድ ዕንወቱን ተገምጊሙ ዝጸደቐ ኣህጉራዊ ሕጊ ጀነቫ ኮንቨንሽን Geneva Convention 1951 ንመሰል ስደተኛታት ዘኽብር 56 ዓንቕጽ ዘለዎ ብንጹር ዝሰፈረ ኣህጉራዊ ሕጊ ጥራይ ዘይኮነ፣  ዝከታተልን ዘተግብርን ፍሉይ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን UNHCR ኣለዎ። ቐዋሚ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ስዊዘርላንድ ጀነቫ’ዩ ። ኣሽሓት ቐዋሚ ሰራሕተኛታት ኣለዎ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከኣ ጨናፍር ቤት ጽሕፈታት ዘለዎ ኮይኑ ተሃኒጹ።

እስራኤላውያን ኣብ 2ይ ኩናት ዓለም ቐዳሞት ታርጌትን ግዳያትን ነይሮም። ምኽንያቱ ጀርመናዊ መራሒ ኣዶልፍ ሂትለር Adolf Hitler (Nazi) ብመበቖልን ዓሌታዊ ኣድልዎን ኣትሓሳስብኡ ካብ ጽልኣት ተበጊሱ፣ ንኣይሁዳውያን ኣብ ማእሰርትን መዓስከራት ዳጉኑ ንብረቶ ዘሚቱ ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ብጃምላ ቐቲሉዎም። ንገሊኦም ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ኣኪቡ ብጋዝ ዓቢሱ ቐቲሉዎም። ንገለ’ውን ኣብ ፎርኖታት ሓዊ ከም ስጋ እንስሳ ጠቢሱዎም። ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ዝጽግዑ (6, 000, 000) ኣይሁዳውያን ከምዝጠፍኡ ዝምስክሩ ናይ ታሪኽ ምርምር ሰነዳትን ሓወልትታን ኣለዉ።

ስለዚ ኣሁጉራዊ ሕጊ ጀነቫ ኮንቨንሽን Geneva Convention ድሕሪ ዕንወት 2ይ ኩናት ዓለም ዝተፈረመ ውዕል’ዩ። እዚ ሕግ’ዚ ንመሰል ስደተኛታት ዝከላኸል’ዩ። ስለዚ እስራኤላውያን እንታይ ረብሓ ነይሩዎ መልሲ ምርካብ ኣገዳሲ’ዩ። ውዕል ጀነቫ  ንእስራኤላውያን  ከም ኣብ ግዜ ሂትለር ብመበቖሎም ብዓሌታው ኣድልዎ ከይግፍዑ ዝከላኸል ኣህጉራዊ ሕጊ’ዩ። ንእስራኤላውያን ኣብ ኤውሮጳን ዓለምን ናይ ምንባር ሰብኣዊ መሰላቶም ክብሪታቱን ዘውሕስ’ዩ። ከይስጎጉ ኣብ መዓስከራት ከይዳጎኑ ከይእሰሩ ዝከላከል’ዩ ነይሩ። ናይ ምንቕስቓስ ናጽነቶም ዝሕሉ፣ ንብረቶም ከይዝመት ዘውሕስ’ዩ ነይሩ ጀነቫ ኮንቭንሽን ብኣጠቓላሊ።

እስራኤል ካብ ጀነቫ ኮንቨንሽን ተጠቐምቲ ስለዝነበሩ፣ ኣንጻር በደልን ግፍዕን ደው ክብሉ፣ ሰብኣዊ መሰል ከኽብሩ፣ ንዝገሃስ መሰል ዝያዳ ክጣበቑ ዲዩ ዝግብኦም? ወይስ ነቲ ዝሓለፍዎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላቶም፣ ሕሰምን ህልቒትን ግፍዕን ረሲዖም፣ ግዜ ስለዝተቐየረ ሕጂ መሰል ኣፍሪቓውያን ስደተኛታት ክግህስዎ? ሕልናውን ሕጋውን መልሲ የድልዮ።

ዘይፍትሓዊ ውሳኔ ፓርላም እስራኤል ኣንጻር ስልዃ ብጸጥታ ጉልባብ ገይሩ ወሲኑ ሕጊ እማመ ኣቕሪቡ። ንድፊ ዘይፍትሓዊ ሕጊ ብቤት-ፍርዲ ክሳብ ዝጸድቕ፣ ኣፍሪቓውያን ስደተኛታት ኣብ ክፉት ማሰርቲ መዓስከር ዝብሉዎ ከጽንሑ ወሲኑ ድሮ ገለ ኣብ መዓስከራት ወሲዱዎም ኣሎ። ቤት ፍርዲ ንውሳኔ ፓርላም ኣንተኣጽዲቑዎ ከኣ ዕድል ኣፍሪቓውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክመልሱ ….. ወዘተ ዝብል’ዩ። እዚ ተግባር’ዚ ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ውዕል ጀነቫ ዝጻረር፣ ንስደተኛታት ናይ ዑቕባ ሕቶ ሰብኣዊ መሰላት ስለዝግህስ፣ ሰብ ብሕልና ተቓዉሞና ከነስምዕ ንመሰሎም ክንጣበቕ ግዴታና’ዩ።

ጀነቫ ኮንቨንሽን 28- July- 1951 ፕሮቶኮል 1967 ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታት። 56 ገጻት’ዩ።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፣ ኣድማሳዊ ዲክለረሽን ንሰብኣዊ መሰላት Universal Declaration on Human Rights ሰላሳ (30) ዓናቕጽ ዘለዎ፣ ንክብሪ ሰብኣዊ መሰል ዘውሕስ፣ ብዙሓት ሃገራት ፈሪመናሉ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1948 ጸዲቑ። ካብኡ ዓንቐጽ 14, “ ንመሰል ሓተቲ ዑቕባ ይምልከት”። Asylum seeker Rights.

ጀነቫ ኮንቨንሽን 28- July- 1951 ን“ኣድማሳዊ ዲክለረሽን መሰረት ገይሩ፣ መሰል ሓተቲ ዑቕባን መሰል ስደተኛታትን ኣብ ዝነብርሉ ሃገራት ብዝርዝር ኣብ ዓናቕጹ ኣስፊሩዎ። ምስዚ ዝዛመድ ፕሮቶኮል 1967 ዝበሃል ከኣ ድሒሩ ንኣሽቱ ምምሕያሽ ስለዝተገበረሉ፣ ኣብ ገበሩ ከም ተወሳኺ ሓረግ ኮይኑ ከምዝጸሓፍ ተገይሩ። Convention and Protocol Relating to the Status of Refugees ይብል። ኣብ ፓስፖርትን ይኹን ካልእ ሕጋዊ መጸውዒ ግና Geneva Convention 28-July-1951 እዩ ዝውቱር። ስለዚ ናይ ጀነቫ ኮንቨንሽን ገለ ዓናቕጽ ከምዝእዝዞ፦

ዓንቐጽ- 1/ ንኡስ ዓንቐጽ 2/ ወይ ዓንቐጽ 1/ 2/ “ ስደተኛ”

ስደተኛ ዝበሃል ሓደ ሰብ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ኣብ ሃገሩ ንምንባር ዘይክእል’ዩ፦ ከይቕተል ፍርሒ/ ስግኣት/ ሒዝዎ፣ ካብ ሃገሩ ወጺኡ ብድሌቱ ናብ ካልእ ሃገር ዝኣተወ ሰብ ይምልከት።  እቲ ሰብ ካብ ዘስግኦ ምኽንያታት፣ ብሕብሪ ቕርበቱ/ ዓሌት/ Race ወይ ብሃይማኖቱ Religion ወይ ብዜግነቱ Nationality, ወይ ብናይ ፍሉይ ጉጅለ ኣባልነቱ፣  Membership of a particular Group ፣ ወይ ብፖለቲካዊ ርእይቶኡ Poletical Opinion ምኽንያታት ስግኣት ሒዝዎ ንሃገሩ ክምለስ ዘይክእል ሰብ፣ ወይ ብድሌቱ ንሃገሩ ክምለስ ፍቓደኛ ምስዘይከውን፣ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ኣብ ኣትዩዎ ዘሎ ሃገር መሰል ዑቕባ ምስዝሓትት፣ እታ ሃገር “ መሰል ስደተኛ ” ከተኽብረሉ ይግባእ ይብል። (ብጽማቑ)

ተወዓዓልቲ/ ፈረምቲ/ ሃገራት፣ ኣብ ጀነቫ ኮንቨንሽን ሰፊሩ ዘሎ መሰላት ከኽብራ ግዴታ ክስከማ ይእዝዝ። ስደተኛ ብወገኑ መሰላቱ ኸኸብር ጥራይ ዘይኮነ ንሱ’ውን ተመሊሱ መሰል ሕጊ ከኽብር ግዴታ ይስከም። ምኽንያቱ ሕጊ ብመሰልን ግዴታን ስለዝግለጽ። ሓደ ካብ ሕጊ ጀነቫ ዝኾነ ስደተኛ ካብ ሃገሩ ወጺኡ ናብ ካልእ ሃገር ኣትዩ ዑቕባ ምስዝሓትት፣ ንዑቕባ ዝሓተተላ ሃገር ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብምእታዉ ከመዘየቕጽዖ ብንጹር ይገልጽ።

ዓንቐጽ 26 “ ናይ ምንቕስቃስ ናጽነት” ስደተኛ ኣብ ክሊ ዝነብረሉ ሃገር፣ ንሱ ንዝቕመጠሉ ቦታ ክመርጽ የፍቕድ። ኣብ ዝነብረሉ ክሊ ኣብ ድላዩ ናይ ምንቕስቓስ ናጽነት መሰሉ ክኸብር ከምዝግብኦ ይእዝዝ።

ዓንቐጽ32፣ “ ምስጓጉ”, ዓንቐጽ 33, ሕጋዊ ስደተኛ ንኸይስጎግ ወይ ንሃገሩ ብዘይድሌቱ ንኸይምለስ ይእዝዝ። ክልቲኡ ዓናቕጽ ንመሰል ስደተኛ ዝከላከል ተዛማዲ ስለዝኾነ ብጽማቑ ክግለጽ ይከኣል።

ዝኾነት ፈራሚት/ ተወዓዓሊት/ ሃገር፣ ንስደተኛ ብዘይድሌቱ ከትመልስ ኣየፍቕድን። ስደተኛ ንሃገሩ ዝገደፈሉ ምኽንያት ኣብ ሂወቱ ስግኣት ዝፈጥሩ ናጽነቱ ዝግህሱ እንተኽይኖም፣ ከም ብፖለቲካዊ፣ ብዓሌታዊ፣ ብመንነቱ፣ ብኣባል ናይ ገለ ፍሉይ ማሕባራዊ ጉጅለ ምኻኑ፣ ብሃይማኖታዊ እምነቱ ዝተፈጥሩ ናይ ሂወት ስግኣት ምስዝህልዎ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ክሰጉዎ ወይ ብዘይድሌቱ ንሃገሩ ክመልስዎ ከምዘይግባእ ብንጹር ይእዝዝ።

ንጸጥታ ሃገርን ንተዓቑቦሙሉ ዘለዉ ህዝቢ / ሕብረተ-ሰብ/ ኣስጋኢ ዝኾነ ዓበይትን ፍሉይን ገበን ዝፈጸመ ዋላ እንተኾነ፣ ብጸጥታውን ምምሕዳራውን ትእዛዝ ክስጎግ ፈጺሙ ብሕጊ ኣየፍቕድን። ብሕጋዊ መሰርሕ ቤት- ፍርዲ ክውሰን ይግባእ ይብል። እቲ ስደተኛ ከኣ ንመሰሉ ክከላኸል ዘስጎጎሉ ምኽንያት ክፈልጥ፣ ነብሱ ናይ ምክልኻል መሰሉ ከቢሩ ብሕጊ ከረድእ፣ ይግባይ ክብል መሰል ከምዘለዎ ይእዝዝ። ዝኾነት ፈራሚት ሃገር ኣብ ሕጊ ዝሰፈረ ናይ ምኽባር ግዴታ ከመዘለዋ ብንጹር ይእዝዝ ጀነቫ ኮንቨንሽን።  ስደተኛ ከኣ ክረኽቦ ዘለዎ መሰል ጥራይ ዘይኮነ፣ ንሰላም ጸጥታን ዝነብረሉ ህዝብን ሃገር ከኽብር፣ ንሕጉ ክምእዘዝ ግዴታ የሰክም። ስለዚ ካብ እዉጅ ሕጊ፣ ስደተኛ መሰል ሓታቲ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንሱ ከኽብሮን ክቕየደሉን ዘለዎ ግዴትኡ ምፍጻም ንመሰል ሕጊ ሃገር ምኽባር ግድነት’ዩ። ምኽንያቱ ሕጊ ብመሰልን ግዴታን ስለዝግለጽ።

ኣብ እስራኤል ዘለዉ ስደተኛታት ዜጋታትና ይኹን ኣፍሪቓውያን፣ (ከም ደቒ ሱዳን፣ ዳርፉር ይኹን ደቡብ ሱዳን.. ወዘተ) ብመሰረት ውዕል ጀነቫ ዓንቐጽ 1/ 2/ ዓንቐጽ 31, ዓንቐጽ 33 ዝእዝዞ፣ ቕቡልን ሕጋዊ ምኽንያት ስለዘለዎ፣ @ ዑቕባ ክሓቱ ይኹኑ ናይ ስደተኛ መሰሎም ከቢሩ፣ ሕጋዊ ቕጥዕታቱ ኣማሊኡ ዘውሕስ፣ ንሃገሮም ንኸይምለሱ ዝከልክል ሕጊ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ዑቅባ ዝሓተትሉ ክቕመጡ ብንጹር ይገልጽ ጀነቫ ኮንቨንሽን። ብተወሳኪ ነዚ ውዕል’ዚ ዝፈረማ ሃገራት ነቲ መሰላት ከኽብራ ግዴታ የሰክመን።

ስለዚ ስደተኛታት( ዜጋታትና+ ኣፍሪቓውያን) ሕጋዊ ምኽንያታት ስለዘለዎም፣ እስራኤል ከም ፈራሚት ሃገር ንኣህጉራዊ ሕጊ ጀነቫ ኮንቨንሽን  ኣኽቢራ ሓተቲ ዕቕባ ተቐቢላ፣ ናይ ስደተኛታት ኩሉ ሕጋዊ መሰል ከተጋግጽን ከተውሕስን ኣህጉራዊ ግዴታ ከምዘለዋ ይገልጽ። ሕጊ ኩሉ ግዜ “ብመሰልን ግዴታን’ዩ” ዝግለጽ። እንታይ’ዩ ሕጋዊ ምኽንያት ስደተኛታት?

ኤርትራውያን ዜጋታትና ብውሑዱ ናይ ሂወት ስግኣታት ዝኾና ሕጋውያን ምኽንያታት ዘማልኡ እዮም።

ስርዓት ኤርትራ ብቕዋምን ስርዓተ ሕግን ስለዘይመሓደር፣ ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ዘኽብርን ዝከላኸልን፣ ሂወት ውሕስና ዝህብ ሕጊ የለን። ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ዜጋታት ከምዝገሃስ ኩሉ ዓለም ዝምስክሮ’ዩ። ናይ ምንቕስቓስ ናጽነት መሰል የለን። ንመንግስቲ ክትነቕፍ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ክትገብር፣ ፖለቲካዊ ፍልልይካ ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ መሰል የለን። ናይ ፖለቲካዊ ፍልልይካ እንተገሊጽካ ብውሑዱ ህላዌኻ ዘይረጋገጸሉን ማእሰርቲ ከምዘጋጥም፣ ኣብ ፍትሓዊ ፍርዳዊ ኣካላት ቐሪብካ ናይ ምክልኻል ሕጋዊ መሰልካ ይኹን ናይ ጠበቓ መሰል ከምዘየለ ጭቡጥ መርትዓታት ዘለዎ ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ።

ነዚ ሓቕ’ዚ ዘረጋግጽ፣ ብፖለቲካዊ መግለጽን ምጽላምን ዘይኮነ፣ ብክብሪ ሰብኣዊ መሰል ብሕጋዊ መዳይ ተዛሚዱ ዝርኤ ህያውም ምስክርነት ንምጥቃስ፦ ናይ ቢትወደድ ኣብራሃ ልዕሊ 20 ዓመታት ተኣሲሩ። ናይ ጉጅለ 15 ምስኡ ዝተኣሳሰር ናይ ኣሽሓት ተጋደልትን ሲቪልን ልዕሊ 12 ዓመታት ተኣሲሮም ኣለዉ። ( ካብኦም ተጋደልትን መንእሰያትን ጋዜጠኛታት ይርከቡዎ) ብምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነቶም ካብ ምስልምናን ክርስትናን ዝተኣስሩ ብዙሓት’ዮም። ምስ ስርሒት ፎርቶ ጥሪ 21 ዝተኣስሰር ኣማኢት ተኣሲሮም ኣለዉ። ካብ ሱዳን ዝተጨውዩ በግዚኡ ብምኽንያት ስግር ዶብን ካልእን ምኽንያታት ምስተኣስሩ ደሃይ ዘይብሎም ብዙሓት’ዮም። ኩሎም እሱራት ብኣኽባር ሕጊ ተኸሲሶም ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ቕሉዕ መጋብኣያ ኣይቐረቡን። ናይ ምክልኻልን ናይ ተበቓን መሰል ኣይተፈቕደሎምን። ስለዚ ዝኮነ ሰብ ክሳብ ብናጻ ቤት ፍርዲ ገበነና ምኻኑ ዝረጋገጽ ንጹህ’ዩ ዝብል ሕጊ። ገበነኛታ ምኻኖም ብፖለቲካውን ፕሮፕጋንዳውን ኣገላልጻ ሰሚዕና። ብህጋዊ ኣገባብ ግና ኣይተፈጸመን ኣይተሰምዔን ኣይተራኣየን።

ብጸጥታውን ፕሮፖጋንዳውን ምኽንያት ዜጋታት ኣብ ኤርትራ ብዘይስግኣት ናጻ ናይ ምንቕስቓስ መሰል ድሩት’ዩ ብጸጥታዊ ቑጽጽርን ብጸቢብ ወትሃደራዊ ዲሲፕሊንን ዝኸይድ’ዩ። ካብ ኤርትራ ብሕጋዊ መንገዲ ብቪሳ ንምውጻእ ንገለ ሓለፋ ዘለዎም ይፍቐድ፣ ንገለ ዘይደልይዎ ከኣ ይኽልከል ንኹሉ ማዕረ ኣይኮነን። መሰል ብዝሒ ሰልፍታት ስለየፍቐድ፣ ናጻ ፖለቲካዊ ርእይቶ ክትህብ ኣመራርሓ ኤርትራ ክትነቕፍ ኣይካልን ኣይፍቐድን። ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ርእይቶ ወኒንካ ተቓውሞ ከተቕርብ ተጸዋርነትን ደሞክራስያዊ ልዝብ ኣፈታትሓ ግርጭትን ስለዘየለ፣ ብጸጥታውን ብጎነጻዊ ኣገባብ ይፍታሕ። ንሱ ድማ ቕኑዕ ኣምሲልካ ንምቕራብ ጉድለቶም ንምሽፋን፣ ህዝቢ ከይቓወም ከም ዝበደሉ ገበን ከምዝፈጸሙ ክቕበሎ፣ ፖለቲካዊ ጸለመ ዘለዎ ጸጥታውን ፕሮፖጋንዳውን ወፍርን ዘመተን የካይድሉ። ናጻ ሚድያን ስለዘየለ፣ ናይ ምዝራብን ናጻ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል ይኹን ሰላማ ሰልፊ ናይ ምክያድ መሰል የለን። ብጀአካ ሓንቲ ቲቪ ሓንቲ ሓንቲ ወግዓዊት ጋዜጣ ስርዓት ኤርትራ ካልእ የለን። ዝነበራ ተዓጽየን ኣባላተን ገለ ተኣሲሮም ገለ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ወጺኦኦም።

ኣብ ሰራዊት ገደብ ዘይብሉ ኣገልግሎት ዝምዝመዝ ጉልበት’ዩ። ( ጉልበትን ስርዓተ ደሞዝን ዘይዛመድ) ብተሪር ዲሲፕሊን ዝተሓዝ ናጽነቱ ዝተገፈ ዝእሰር ዝርሸን’ዩ። ከም ዝኾነ ዜጋ ካብ ሃገሩ ናብ ዝደለዮ ሃገር ብሕጋዊ መንገዲ ክኣቱን ክወጽን ንገለ ዝፍቐደሉ ንገለ ዘይፍቐደሉ ዝኽልከለሉ ማዕረ ዘይኮነ፣ ንገለ ሓለፋ ዘለዎ በበይኑ ዘይምዕሩይ መሰላ’ዩ’።

ብሚስጥራዊ ናይ ጸጥታ ኣባላት ካብ ሱዳን ተጨውዮም ኤርትራ ኣትዮም ዝተኣስሩ ደሃይ ዘይብሎም ብዙሓት ኣለዉ። ዝእሰርን ደሃይ ዘይርከቦን’ዩ። ካብ ግብጺ ይኹን ሊብያ ተጠሪዞም ኤርትራ ዝ8ኣተዉ፣ ገለ ደጊሞም ንደገ ዝወጹ ገለ ከኣ ጌና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተረፉ ኣለዉ። ስለዚ ንኩሉ ምግሃስ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዝከላከል ሕጊ የለን ፍርዳዊ ትካልን የለን። ምኽንያቱ ናጻ ፍርዳዊ ኣካል ናጽነቱ ተገፊፉ ሕጋዊ ስልጣኑ ለሚሱ’ዩ።

ስለዚ ናይ’ዚ ውዕል’ዚ ፈራሚትን ኣባል ዝኾነት ሃገር፣ ወይ ሃገራት ነቲ ኣብ ሕጊ ዝሰፈረ፣ መን የኽብሮ? መን’ከ ንሰብኣዊ መሰላት ይገፍፍ ይግህሶ ዝብል ሕቶ ልዕልና ሕጊ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዘሎ ፍልልይ ናይ ተግባር ጥራይ’ዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝሰፈረ መሰል ምስዝጠሓስ፣ መሰልካ ከተረጋግጽ ምጥባቕ ብሕልና ይኹን ብሞራል ቕቡልን ባህርያውን’ዩ። ስለዝኮነ ንዝተጋህሰ መሰልካ ንምምላስ ትገብሮ ተቓዉሞ፣ ተስምዖ ኣውያትን ተቕርቦ ጥርዓንን ከኣ ሕጋዊ ይገብሮ ።

ኣብ መደምደምታ፦ ስደተኛታት ኣፍሪቓውያን ብሓባር ኮይኖም፣ ንዝተጋህሰ መሰሎም ንምኽባር ዘካይድዎ ዘለዉ በዳሂ ቓልሲ ስለዝኾነ ኣዝዩ ምዕቡልን ሕጋውን’ዩ። ብኣወዳድብኡ ሓያል፣ ብብዝሒ ተሳተፍቲ ብሓፈሻ ሓዲሽ ተርእዮ’ዩ። ተራ ደቒ ኣንስትዮን ብፍላይ ኣብነታዊ’ዩ። ሓደ ካብ ዘሓጉስ ኣብነታዊ ተግባር ስደተኛታት ከኣ፣ ሞት ኣሪያል ሻሮን ኣዛሚዶም፣ ምስ ህዝቢ እስራኤል ናይ ሓዘን ተኻፈልቲ ምኻኖም ከረጋግጹ ንግዚኡ ሰላማዊ ሰልፊ ጠጠው ኣቢሎሙዎ። እዚ ቕዱስ ተግባር መግለጺ ብስለቶምን ሓላፍነታዊ ተግባሮም’ዩ ዝብል ዕግበት ኣለኒ።

ተራን ተሳታፍነትን ደቒ ኣንስትዮ ትብዓተን ኣመስኪረን ዘሓጉስ እዩ። በቲ ሓደ መዳይ ግና ዘሕዝን’ዩ፦ ምኽንያቱ ንብዓተን ለውሃተን ርኢኻ፣ ገሊኤን ዝወለዳ ንደቐን ብጉቡእ ከዓንግላ ዘይምኽኣለን ዝፈጥሮ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ደሚርካ ብጣዕሚ ተንካፍን ዘሕዝንን’ዩ። ብወገነይ ብዜጋታትና ይኹን ካልኦት ኣፍሪቓውያን ስደተኛታት ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ መሰል ቓልሲ ብጣዕሚ ዘሓብን’ዩ ኢለ ጽኑዕ እምነተይ ደጊመ ከስምረሉ ይፈቱ። ንተባዕ ቓልሶም፣ ንብስለቶምን ምስ ካልኦት ብምውህሃድ ብኣወዳድብኦም ደሚርካ፣ ንኹልና ዝምህር ኣብነታዊ ተግባር’ዩ በዚ ኣጋጣሚ ብሓቒ ከመስግኖም ይፈቱ።

ተራ ደለይቲ ፍትሒ፦ ንሕና ኣብ ውሑስ ደሞክራስያዊ ሃገራት ስለዘለና፣ ዜጋታትና+ ኣፍሪቓውያን ብፍላይ ከም ናትና ጽቡቕ ዕድልን ውሑስ ሰላማዊ ናብራን ከስተማቕሩ ከነተባብዕም ይግብኣና። ንግህሰት መሰሎም ክንጣበቕ፣ ንዓለምና ድምጽና ኣውያትና ንምስማዕ ሞራላውን ደገፍና ክንህቦም ሓልፍነትና’ዩ። ምኽንያቱ ከም ደለይቲ ፍትሒ ከም ልሙድ ከነካይዶ ዝጸናሕና ቕዱስ ተግባራት፣ ሕጂ’ውን ዝያዳ ናህሪ ክንውስኸሉ ከነሓይሎ፣ ሕልናውን ሃገራውን ግዴታ ኣለና። ድሮ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ተወዲቡ ምህላዉ ዘሓጉስ ስለዝኾነ፣ ሃየ ዓገብ ንበል ነድምቖ ፉሕ- ፉሕ ነብሎ።

ኣብ መስርሕ ቓልሲ፣ ንፍሉይ ኩነታት ተገንዚብካ ንምቹእ ግዜ Momentum ክትምዝምዞ ምፍታን ብስለትን ተዓጻጸፍነት ስለዝኾነ የዕውተካ’ዩ። ስለዚ ዝርኤ ዘሎ ጻዕርን ተበግሶን ኣመስጊነ፣ ኣብቲ ውዕዉዕ ግዜ ሰላማዊ ሰልፊ ስደተናት ኣብ እስራኤል ኣዛሚድና፣ ብማዕረ ናቱ እንተንገብሮ ዝያዳ ጸቕጢ ምፈጠረ መድምዔ ነይሩ ኢለ ይግምት። ብዝኾነ ክምብል በለ’ምበር ኣይተኻዕወን ከምዝበሃል፣ ድሒርና ምግባሩ ከኣ ጽቡቕን ኣተባባዕን’ዩ። ዝያዳ ዕዉት ንምግባሩ፣ ብስራሕን ናይ ናብራ ጉዳይ ጸገም ዋላ እንተሎ፣ ብዝተኻኣለ መጠን ናይ ስራሕ ፍቓድ ዕረፍቲ ንረኽበሉ መንገዲ ጽዒርና፣ ቑጽርና ክበዝሕ ተሳትፍነትና ክዓቢ፣ ጸቕጥና ክሕይል ብብዝሒ መጺና ድምጽና ብዓውታ ከነቓልሕ ኣገዳሲ’ዩ። ስለዚ ከከም ዝጥዕመና ኣገባብ ንሳተፈሉ ተኽእሎ ምድህሳሱ ከምዘድሊ ንእግረ መንገደይ ከዘኻኽር ዕግበተይ ክገልጽ ይፈቱ። የቐንየለይ!

ዜጋታትና ኣብ እስራኤል ኣጆኹም! ኣብ ጎንኹም ኣለና ግዜ ንኹሉ’ዩ ዝቕይር።

ደቒ ኣንስትዮና በርትዓ ከም ወትሩ ታሪኽክን ኣይትትሓለላ።

ጸሓፊ፦ ብሪ. ጀነራል ተኸስተ ሃይለ-

ካብ ሽወደን ስትኮልም። ተለፎን + 46 762 719 129 Sunday, 19 January, 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Gura January 18, 2014

    ብሪ. ጀነራል ተኸስተ ሃይለ- ይብል “ኣብ መስርሕ ቓልሲ፣ ንፍሉይ ኩነታት ተገንዚብካ ንምቹእ ግዜ Momentum ክትምዝምዞ ምፍታን ብስለትን ተዓጻጸፍነት ስለዝኾነ የዕውተካ’ዩ። ”

    To all Eritreans in Israel. As B. General Tekeste alluded the momentum is on your side. I urge you to use every opportunity. Here is a new opportunity knocking on your door: The Canadian Prime Minister will conduct a state visit to Israel and the West Bank with in 24 hours. He is a very good and close friend of PM Benjamin Netanyahu. Both are Right wing conservatives.

    The Eritreans in Israel need to organize a major peaceful demonstration in front of the Canadian Embassy in Israel and the Israeli government house in Telaviv. There is high possibility that Canada can take few thousand refugees provided that you can show that you are well mannered, disciplined, hard working, upright, law abiding, non violent and responsible people.

    You need to plead and beg the Canadian government in all your communications, avoid any boisterous and bombastic (t’Ebit and gura) communication. Show to the PM that you are people in need of refuge and that you deserve protection.
    Above all, you need to bring and carry as many Canadian flags and as many Israeli flags with you. Your placards mefekr laud-speaker slogans should include English and Hebrew words such as:

    Canada: we need home

    Canada: we need help

    Canada: we love you

    Canada: please stretch your hands to Eritreans

    Canada cares about refugees

    May God bless Canada

    May Canada and Israel live for ever

    Canada is a land of Justice

    Canada is a land of peace

    Canada: we stand with you

    This should very diplomatic. This should be a major charming offense. Do not expect responses right away. Governments everywhere work slowly.

    Canada will help you, if you can show that you are a worthy and peaceful people.

    You have only 24 hours to organize, hurry up.

    Good luck

    קנדה: אנחנו צריכים בית

    קנדה: אנו זקוקים לעזרה

    קנדה: אנחנו אוהבים אותך

    קנדה: אנא למתוח את הידיים שלך לאריתראים

    קנדה אכפת פליטים

    מי ייתן ואלוהים יברך את קנדה

    ייתכן שקנדה וישראל יחיו לנצח

    קנדה היא ארץ של המשפטים

    קנדה היא ארץ של שלום

    קנדה: אנו עומדים איתך

    • Gura January 18, 2014

      Stephen Harper Leaves For Middle East Today

      CP | By Lee-Anne Goodman, The Canadian Press Posted: 01/18/2014

      OTTAWA – Prime Minister Stephen Harper and a sizable entourage left Saturday for the Middle East on a six-day trip that will include a visit to Israel, the West Bank and Jordan.

      Harper will address Israel’s parliament, the Knesset, on Monday, making history as the first Canadian prime minister to do so. It will be the prime minister’s first visit to Israel since winning power in 2006.

      Spokesman Jason MacDonald says Harper will promote commercial relations, as well as peace and security in the region, when he meets Israeli leaders and, later in the week, the King of Jordan.

      Harper is a passionate supporter of Israel and is expected to receive a glowing reception from Israeli leaders …

      http://www.huffingtonpost.ca/2014/01/18/stephen-harper-middle-east_n_4621877.html

      ——

  • Tamrat Tamrat January 19, 2014

    What could have been the fates of eritreans if they were part of the ethiopian federal system in the name of the killil of the Northern nation nationalities in the beginning of 1990s? Was it not the reason that the elits of eri went to war that is to oppose the annulation of the federal system where only eritreans enjoied in the king’s time? Why did eritreans do not want us when we all of us have federal system? Why not Eritrea now has its own federal system to realse at least to release the stress where the many ethnic Groups treated like opposition parties?

    I think at least eritreans wont end up like now where they can demonstrate all over the world (even in Ethiopia) except in the killil of the Northern nation nationalities. Eritreans have demonstrated in Germany, Britain, France, Switherland, Netherland, Malta, Italia, Ethiopia, Sudan, Egypt, Saudi, Israel, Canada, Usa, Norway, Sweeden, Egypt, South Africa,Australia,etc. This shows that Eritrea changed itself to a stateless country by their free will.

  • Abdu Mrhari January 19, 2014

    FREEDOMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMM!

    WE NEED FREEDOOOOOOOOOOOMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMMM

  • Shlomo January 19, 2014

    Leave Israel alone. Thank you !

    • selamawit January 20, 2014

      shlomo (again:
      1.most of them are not in israel voluntary. tehy were hostages of sinai bedounies which released them an the israeli border.
      2. they can not go “home” because jail, torture, death by killing through the eritrean regime would await them. (it is almost the same sitauation like that of your ancestors fleeing holocoust)
      3. israel has the standards that it have because of help from the worlds community. it also has accepted the human right conventions and has to do its duties relating to the regugees

      BUT YOU CAN SOLVE THE “PROBLEM”:
      put your energy in helping to overthrow the regime of eritrea and tens of thousands of refugees can immidiatley leave israel!

    • Khalighe January 21, 2014

      Shlomo, the Jews who lived in Eritrea were treated like friends and family members by neighbors and all those who knew them.
      Eritrea was one of the few places in the world where Jews had business, enjoyed life and nobody looked at them as being different from ordinary Eritreans. Despite that you are showing so much intolerance …

      • Rahayta January 21, 2014

        and how did the Arabs treat Eritreans after the Eritreans treating the savage Arabs as “friends”?

        http://www.youtube.com/watch?v=mDPoRpqalHI

        =======

        • ahmed saleh January 24, 2014

          High Rahayta nay assenna Nefahito changing your costume to fool readers . You also got me once though long time ago .

  • Kombishtato January 19, 2014

    Eritrean Forces Board Ship in Red Sea, Not Pirates: Officials

    Contributor: Natnael A / January 19, 2014

    Eritrean forces board ship in Red Sea, not pirates: officials
    NAIROBI Sun Jan 19, 2014

    (Reuters) – Eritrean forces have boarded a merchant vessel that was in their territorial waters in an incident the crew initially reported as a pirate attack, maritime officials said on Sunday.

    It was not immediately clear why the forces boarded the ship, the MV Marzooqah, and it was not immediately possible to contact authorities in Eritrea.

    The container vessel had sent out a distress signal late on Saturday indicating that they were coming under attack by pirates.

    Reuters data showed the vessel change direction sharply but also showed it moving towards the Eritrean coast early on Sunday, not the Gulf of Aden – the site of most pirate attacks and where one official had said the ship was headed.

    “We assess this is an operation by the Eritrean forces, who went on board the vessel,” said Lieutenant Commander Jacqueline Sherriff, spokeswoman for the European Union Naval Force Somalia (EU NAVFOR) whose operational region is further south.

    “We believe the vessel is now in the hands of the Eritrean forces,” she said, adding the incident had initially appeared on a system used for piracy alerts. “The crew has reported they thought they were being attacked.”

    She said the latest information on the Eritrean role had been obtained from the UK Maritime Trade Operation (UKMTO), which had spoken to Marzooqah’s captain. UKMTO is based in Dubai and run by Britain’s Royal Navy.

    Andrew Mwangura, secretary general of the Seafarers Union of Kenya, also said the 2,196 deadweight tonne vessel had been boarded by Eritrean forces, basing his information on regional coastguard reports. He had initially reported it was a pirate attack.

    The number of attacks by Somali pirates dropped sharply in 2013. There were 176 confirmed piracy attacks in the region in 2011 and 36 in 2012, but this fell to just seven attacks in 2013 while no ships in that year were successfully seized.

    EU NAVFOR, which has been deployed to patrol a region that includes the Gulf of Aden and Indian Ocean areas, has said the threat of piracy remains.

    “Because the conditions in Somalia have not changed significantly or to any great extent … we have been saying there is no room for complacency,” Sherriff said.

    Experts say the past two years or so of relative stability in Somalia after 20 years of chaos and war have offered a chance to tackle the problem of pirate gangs operating from Somali territory but say limited progress has been made.

    (Additional reporting by Richard Lough; Writing by Edmund Blair; Editing by Pravin Char)

    • ahmed saleh January 20, 2014

      Bring a substantial proof to accuse Eritrea on this pirates operation in Eritrea . For sure we oppose and
      resist the regime of Eritrea but we will not hand them over to outsiders of secretive agenda . At the end
      of the day it is our country and our land but foreign unclear intervention is out of the table . Learn from
      Somalia to end up like soccer play victim of foreigners influenced politics . No way JOSE said an AMERICAN !

  • L.T January 20, 2014

    The highest that is in Picture is Tegaru,who previously had they stole our ID to exploit to seamr Eritrea beautful’s name.This projrct started as idea 8 years ago by Haleka Tesegay Berhe of Tigria and though it would be nice having them and for me they can come to the west and that they will work as a caregiver to an old home or working in the kitchen and earn some money and that way they can help their poor family in Tigria or they would go to school and can be carpentry and do the right itself.

    • selamawit January 20, 2014

      l.t. gutless liar, here you are again.
      it is so boring what you are writing…

      “weyane”, “agame”, “tegaru” – bla, bla, bla.
      everybody with healthy mind, rejecting your sadist master gets this names from you and your co-workers. but you are saying this to the absulte majority of eritreans. so all eritreans are “weyane”, “agame”, “tegaru”…?

      p.s. you really have a identitycrises: if you knew who you are and what you are, you wouldn’t try to tell others who they are. i would andvice you to make a therapy.

Post a Reply to L.T Cancel Reply