Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እምቢ ንምልኪ ብምባል ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ቨትዝላር (Wetzlar) ጀርመን ተኻይዱ

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 15 ግንቦት 2016  ነቲ ብህግደፍ ኣብ ከተማ ቨትዝላር (Wetzlar) ካብ ከተማ ጊሰን (Giessen)  ንምዕራብ ኣስታት 16 ኪሎሜተር  ርሒቓ እትርከብ ከተማ ዝተጸወዐ ናይ ክሕደትን ጥልመትን  ጽምብል ካብ 250 ብዘይውሕዱ ኤርትራውያንን ፈተውትን   ብመደረን

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 15 ግንቦት 2016  ነቲ ብህግደፍ ኣብ ከተማ ቨትዝላር (Wetzlar) ካብ ከተማ ጊሰን (Giessen)  ንምዕራብ ኣስታት 16 ኪሎሜተር  ርሒቓ እትርከብ ከተማ ዝተጸወዐ ናይ ክሕደትን ጥልመትን  ጽምብል ካብ 250 ብዘይውሕዱ ኤርትራውያንን ፈተውትን   ብመደረን ግጥሚን ዝተሰነየ ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማ ዊ ሰልፊ ተኻይዱ::

እብቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብተባዓት መንእሰያትን ዓበይቲ ሽማግለታትን  ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዪን ጥራይ ዘይኮነ ዓበይቲ ሰበስልጣናታትን  ተወከልቲ ህዝቢ ጀርመናውያን ፈተውቲ ኤርትራኣንኮላይ ዝተዓጀበ  ነደለይቲ ፍትሒ ጸባ ዘስትየ ንደገፍቲ  ህግደፍ ርእሶም ዘድነነ  ዘሐብን ዕለት ነይሩ:: :

ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ምስ ስደተኛታት ዝተሓጋገዙ  ናይ ካቶሊካዊትን ፕሮቲስታን ቤተክርስትያንትን  ካልኦት ዘይ ሃይማኖታውይን ማሕበራት ነቲ ብህግደፍ ዝተዳለወ ባዓል ኮኒኖምን ስደተኛት ኤርትራውያን ንከይሳተፍ ተማሕጺኖም። ብተወሳኺ ናይቲ ከተማ ከንቲባ እቲ ባዓል ብህግደፍ ዝተዳልወ ሙኻኑ ኣፍልጦ ከምዘይ ነበሮን  ብምግላጽ ቅሬቱኡ ገሊጹ። ኣብ መጻኢ ንተንኮላ ህግደፍ ብንትግሃት ክከታተሎ ሙኻኑ  ገሊጹ። ህግደፍ ነቲ መደብ ንምክያድ ነቲ ኣዳራሽ ብምድንጋር ከምዝሓዙዎ ውን ተቓሊዑ ኣሎ።

ኣብ ክሊ እቲ ብህግደፋውያን ዝተዳለወ ናይ ዳንኬራ  ጽምብል ወይጦታት ህግደፍ ብጋዜጠኛታት ዝተብረሎም ቃለ መሕተት ን መሰረታዊ  ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ብምቁንጻብ ናይ ቁጠባ ጸገም ሙኻኑ ከይ ሓነኹ ገሊጾም:: ብተወሳኺ ድማ ነቲ ብጋዜጠኛታት ዝቐረበሎም  ዓመታዊ ልዕሊ 35 000 ዝግመቱ ኤርትውን ስደተኛታት   ናብ ኣውሮጻ  ዝውሕዙሉ ምኽንያት ተሓቲቶም ዝሃቡዎ መልሲ፣ 60 ሚኣታዊት ካብቶ ስደተኛት ኢትዮጽያዋን ኢዮም ብምባል በቲ ዝበለየ ሓሶቶም ንልቦናን ትዕዝብቲን ዓለም ክደፍኑ ፈቲኖም:: ወይጦታት ህግደፍ ሓሶቶም ብምቕጻል  ኤርትራ ኣብ መስርሕ ዲሞክራሲ እትርከብ ሃገር‘ያ ክብሉ  ከይሓፈሩ ዳንኬሮኦም ክድስቑ ተሚዖም።

እዚ ብጭፍራ ህግደፍ ዝኸይድ ናይ ፕሮፖጋንዳን ሓሶትን መናፍሕ ንርትራውያን ኣይኮነን ንካልእ ተዓዛቢ ዝደናግር እኳ ኣንተዘይኮነ ኤርትራውያን ስደተኛታ ነዚ ጉዳይ ክነቕሑሉን። ነቶም ኣብ ኣውሮጵ ኣትዮም መንበሪ ፍቓድ ክዋሃቦም ተበዲላን ክብሉ ጸኒሖም ንናይ ህግደፍ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ፈፈሪሞም ንዓዲ ዝማላለሱ ዝኑባት ኤርትራውያን ክነቕሑሎምን ኣብ ምቅላዕም ብዕትበት ሒዞም ተራኦም ንክጻወቱ ንጽውዕ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Amanuel May 19, 2016

    He will stop violating u especially if u go to the churchs, sit and beg him laudly minte mariam bejaka maharena iseyas abona entelkumo.

  • Berhe Tensea May 19, 2016

    Excellent job, keep up the good work for standing up for your right.

  • k.tewolde May 19, 2016

    Keep harassing and exposing them,be the silhouette they cannot ignore, the days of dipping your hands in two plates is over, especially those who have a fresh memory of the corpses of their brothers sisters who they left behind scattered in the Sahara desert being shredded by vultures.

  • Hidat May 20, 2016

    AB BEAL NAXINET ERITREA ZEIAMIN WEYANAY IMBER TEKAWAMAY KIKEWIN BIKAT YEBELUN AYKONEN KEA.

  • Ezra Girmatsion May 20, 2016

    The only language pfdj ENDA ISAYAS understands is use of force .Give it to them by all means necessary kemti nai gizie kalsi nai jebha belih sophisticated fedain tetekemu.nihna dima neta ebai geza kenishan anchwa sime zana kisab temelketelei nibl ye’erifna mallet zebet.Agazen 7 kernu + 1 .

Post a Reply to Hidat Cancel Reply