Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ: ፍሉይ መንግስታዊ ተርእዮ

ኤርትራ: ፍሉይ መንግስታዊ ተርእዮ ኣማኑኤል ሳህለ ሓደ ባምብልቢ ዚብሃል ዝነፍር ሓሰኻ ኣሎ። እንተ ዘይተጋግየ ሕንዚዝ እዩ ዚብሃል መስለኒ። ብመሰረት ሕጊ ኣየሮዳይናሚክስ: ወይ ከኣ ናይ በረራ ሳየንስ:  ሕንዚዝ ኪነፍር ኣይግብኦን እዩ ዚብሉ ሊቃውንቲ ኣለዉ። ስለምንታይ እንተ በልካዮም: እቲ

ኤርትራ: ፍሉይ መንግስታዊ ተርእዮ

ኣማኑኤል ሳህለ

ሓደ ባምብልቢ ዚብሃል ዝነፍር ሓሰኻ ኣሎ። እንተ ዘይተጋግየ ሕንዚዝ እዩ ዚብሃል መስለኒ። ብመሰረት ሕጊ ኣየሮዳይናሚክስ: ወይ ከኣ ናይ በረራ ሳየንስ:  ሕንዚዝ ኪነፍር ኣይግብኦን እዩ ዚብሉ ሊቃውንቲ ኣለዉ። ስለምንታይ እንተ በልካዮም: እቲ ቅርጹን ኣኽናፉን ክብደቱን ኣብ ግምት ኣእቲኻ  ምስ እትቕምሮ: ኪነፍር ኣይፍቀደሉን እዩ ይብሉኻ። ግን ከኣ ይነፍር እዩ። ስለምንታይ ደኣዩሞ ዚነፍር?

ከምኡውን ብገለ ሳየንሰኛታት: ካንጋሩ እትብሃል እንስሳ ክትህሉ ኣይግባኣን እዩ ይብሃል: ከመይሲ እቲ መግባ ንኽትምእርር ብእናናሳዕ ዝላ ወይ ምዝላል እተጥፍኦ ጸዓት ካብቲ በሊዓ እትረኽቦ ጸዓት ይበዝሕ: ስለዚ ብስነፍጥረታዊ መገዲ ክትህሉ ኣይነበራን ይብሉ? እሞኸ ደኣ ከመይ ኢላ እያ እትነብር ዘላ?

ነቲ ሕንዚዝ ኪነፍር ዚገብሮ: ነታ ካንጋሩ ከኣ ክትነብር ዚገብራ ሓደ ምስጢር ኣሎ። ንሱ ኸኣ ሳየንሰኛታት ጸኒሖም ዝረኸቡዎ: ኣብቲ ቀመር (calculation) ኪኣቱ ዝነበሮ ግን ከኣ ዘይኣተወ ረቛሒ እዩ።

ብመሰረትንቡርን ኣህጉራውን ናይ ቁጠባን ምሕደራን ፖለቲካውን ማሕበረሰብኣውን ሕግን ኣቃውማን: መንግስቲ ኤርትራ ኪህሉ ኣይነበሮን። ግን ከኣ ኣሎ።

ሓደ ዓመታዊ ባጀት ዘይብሉ: ሳየንሳዊ ኣገባብ ምሕድራ ዘይጥቀም: ቀዋሚ ወትሃደር ዘይመስረተ: ፍሉጥ ናይ ውሽጥን ወጻእን ፖሊሲታት ዘየዘውትር: ንቡር ናይ ባንክ ኣሰራርሓ ዘይጥቀም: ህዝቡ ንወጻኢ ኪውሕዝ ዚውዕል: ቅዋም ዘየጽደቐ: ስማዊ ሚኒስተራት ዚሸይም : ዓለም ዚፈልጦ ዩኒቨርሲቲ ዘይብሉ: ንምሉእ ህዝቢ ዘዐስክር:  ሲቪካዊ ትካላት ዘይፈቅድ: ኣምባሳደራቱ ከም ካድረታት ዚቝጸሩ: ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኪብኣስ ዚውዕል: ከመይ ኢሉ እዩ ህላዌ ረኺቡ ዘሎ?

ኣብዚ ጉዳይዚ ናይ ፖለቲካ ምሁራት ዓቢ ኣተኩሮ ኪገብሩ ይግባኦም: ከመይሲ: መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ኪመሃሩዎን ኪምህሩዎን ዚውዕሉ ዓይነታት መንግስቲ ብፍጹም ዚራኸብ ኣይኮነን። ብርቂ ብምዃኑ: ንዶክቶረይት መዓርግ መውሰዲ ዓቢ ዕድል እዩ።

ግን ከኣ ክሳዕ ዶክቶረይት ንምውሳድ ዘብጽሕ ምስጢር ዘለዎ ኣይመስለንን። እቲ ምስጢር ቀሊል እዩ። ንሱ ኸኣ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ናይ ጸጥታ ኣውታራት ምውናን እዩ።

እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ሕንዚዝ: ብሕጊ ኣየሮዳይናሚክስ ኪነፍር ዘይግባኦ እኳ እንተ ኾነ: ነዚ ጸገማትዚ ንምዕራይ ግን ፍሉይ ሜላታት ይጥቀም እዩ። ንሱ ነቲ ኣኽናፉ ከም ድላዩ ይጠዋውዮን ይገላብጦን እዩ። እዚ ኣብ ካልኦት ዚነፍሩ ሓሳኹ ዘየልቦ ፍሉይ ሜላ ኸኣዩ ንሕንዚዝ ከም ዚነፍር ዚገብሮ።

ብተመሳሳሊ መገዲ:  እታ ካንጋሩውን ደጋጊምካ ብምዝላል ብዙሕ ጸዓት ከተጥፍእ እኳ እንተ ነበራ:  ኣብቲ መራኽቦ ናይ ኣእጋራ ኣዕጽምቲ ግን ከም ባለስትራ/ስፕሪንግ ኾይኑ ዘንጥራ ኣካል ኣሎ። ስለዚ ከምቲ ብዘይ ባለስትራ ከተጥፍኦ ዝነበራ ጸዓት:  ነቲ ባለስትራኣ ብምጥቃም ብዙሕ ጸዓት ኣይተጥፍእን እያ። እቶም ፖጎ ስቲክ እንታይ ማለት ምዃኑ እትፈልጡ:  ነዚ ብልሃትዚ ንኽትርድኡዎ ቀሊል እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ልዕሊ ዕስራ ዓመት ከም ፍሉይን ብርቅን መንግስቲ ኾይኑ ኪጎዓዝ ዝኸኣለ: ሓድሓደ ሜላታት ብምጥቃም እዩ። ካብቲ ህልውናኡ ንምዕቃብ ዚገብሮ ብልሃት ገለ ንምጥቃስ፤

  1. ብናይ መራኸቢ ብዙሃን ኣውታራት ጌርካ ግጉይ ስእሊ ኤርትራ ምቕራብ
  2. ዘይተኣደነ ገንዘብን ናውትን ኣብ ስለላን ጸጥታን ፕሮፓጋንዳን ምጥፋእ
  3. ሳዋ ፈጢርካ ኣእምሮ መንእሰያት ምብልሻውን ከም ዘይሓስቡ ምግባርን
  4. ህዝቢ ነቲ ገበናት መንግስቲ ከየስተብህለሉን ከይሓስበሉን ብማለት ኣብ ልቢ ሰብ ኩሉ ግዜ ራዕዲ ምፍጣር
  5. ንዘይተማህሩን ዘይበሰሉን ኪመዝኑ ዘይክእሉን ዜጋታት ትዅረትንሓለፋታትን ምሃብ
  6. ህዝቢ ከይሓብር ኩሉ ግዜ ዚፈላሊ ኣተሓሳስባን ባህልን ከም ዚሰፍን ምግባር
  7. ዘይሕጋዊ ናይ ኣታዊታት ሜላታት ምጥቃም: ከም ኣብነት 2 ካብ ሚእቲ: ናይ ሰባት ንግድን ካልእን።
  8. ኣብ ከባቢኻ ርግኣት ከም ዘይሰፍን ምግባር።

ብመጀመርታ ግን ንምንታይ እዩ እዚ መንግስትዚ ከም ዚፍጠር ኮይኑ? እንታይ እዩኸ ብርቂ ወይ ጊንጢ ከም ዚኸውን ገይሩዎ?

ነዚ ሕቶዚ ክልተ መልስታት ኪወሃቦ ይኽእል።

  1. ንድሕሪት ተመሊስና ነቲ ኣመጻጽኣ ናይቲ ውድብን መሪሕነቱም ምስ እንርእይ ከምዚ ንዕዘብ፤ እቲ ናይቲ ውድብ መሪሕነት በቶም ብባህርያቶም ኣብ ጭቁን ህዝቢ ሓልዮት ኪህሉዎም ዘይክእል ንኡሳን ቡርዣ እተመስረተ ኾይኑ: ነቲ ኣብቲ እዋንቲ ዝነበረ ዘይደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ሃዋህው እዩ ዘንጸባርቕ ነይሩ። እቲ መሪሕነት: ናይ ስልጣን ምኽዕባትን ንኻልኦት ውድባት ንምጥፋእን እምበር ናይ መጻኢት ኤርትራን ህዝባን ብሩህ ራእይ ኣይነበሮን። ንኸምስል ግን ነቲ ዓወት ንሓፋሽ ዚብል ጭርሖታት ከም መሸቀጢ ተጠቒሙሉ።

ኣብ ልዕሊዚ: እቲ ዝቐለለ ዓይነት ምምሕዳር: ደሞክራሲ ዘይኮነስ ውልቀመላኽነት ስለ ዝኾነ: እቲ መሪሕነት ነቲ ውድብ ከም ድላዩ ንኺመርሖን ንኺጠዋውዮን ኢደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ካብ ምጥቃም ሓሊፍካ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ከምዚ ባህርያት ዝነበሮ መሪሕነት: ካብ መጀመርታውን ኣህጉራዊ ምትእስሳሩ ኣብ ጎንጽን ቅርሕንትን እተመስረተ እዩ ነይሩ። በይኑ ኪግብሮ ዝነበሮ ኣጀንዳ ስለ ዝነበሮ: ህዝቢ ዓለም ኪነቕፎን ዓገብ ኪብሎም ይደሊ ኣይነበረን። ካብ ጥንቲ እዩ ብሕትውና ዝመረጸ።

  1. ኣብዚ ዓለምና ርግኣት ስኢናትሉ ዘላ ዘመን: ኣብዚ ኣብ መንጎ ደሞክራስን ጭቆናን ፍልልይ ተሳኢኑሉ ዘሎ እዋን: ኣብዚ ናይ ጥቅሚ እምበር ናይ ህዝቢ ሓልዮት ካልኣይ ደረጃ ሒዙሉ ዘሎ ወቕቲ: ከምቲ ሕንዚዝ ኪነፍር ዘይግባኦ ኸሎ ግን ዝነፍር: ኪህሉዋ ዘይግበአን መንግስታት ድማ ይነብራ ኣለዋ። በተን ብርቅታት መንግስታት ብዙሕ ሜላታት ኣብ ተግባር ኪውዕል ከሎ: በተን ዓገብ ኪብላ ዚግባአን ዝነበረ ናይ ዓለምና መንግስታት ግን ድርብ-መዐቀኒታት (double standard) ይረአ ኣሎ። ኣብቲ ድርብ-መዐቅኒ ሰፊኑሉ ዘሎ ዓለም: ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብርቂ ዝኾና መንግስታት ኪነብራ ይፍቀደለን እዩ።

ኣብ ርእስዚ: እቲ ንዓለም ጸገም ኮይኑዋ ዘሎ ኣተሓሳስባ እቲ ፖሊቲካዊ ተዛማድነት ዚብል ኣምር እዩ (political relativism)። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ነቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ዘይቅቡል ዓይነት ምሕደራ ሊቸንሳ ይህቦ ኣሎ ማለትዩ። ነቲ ፋሉል ዝኾነ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ምዅናን: ጸገማቱን ራእዩን እናጸብጸብካ: ሸለል ምባል። ኣብ ክንዲ ነቲ ጨቋኒ መንግስቲ ከም ዚለግስ ምግባር: ረብሓታት ዚርከቦ እንተ ኾይኑ ሃሰስ ምባልን ጥቕምኻ ስለ  ዚትንከፍ ከይተቐይሞ ምፍታንን።

ንኹሉ ነገራት ብተዛማድነት እንተ ርኢኻዮሞ: በዓል ሰሜን ኮረያውን በቲ ዝሓለፈ ታሪኸንን ዘለወን ናይ ወጻእን ውሽጣውን ጸገማት ኪነብራ ይፍቀደለን እዩ። በዓል ኣልባንያውን ብርቂ ዝኾነ ምሕደራአን ሒዘን ንብዙሕ ዘመናት ተጓዒዘን እየን።

ኣብዛ ብድርብ-መዐቀንን ፖለቲካዊ ተዛማድነትን እትምራሕ ዘላ ዓለምና እምበኣር: ኩሉ ዓይነት መንግስታት ህላዌኡ ከረጋግጽ ይኽእል እዩ። ወላ ኤርትራ!

ምዕራባውያን ሃገራት ግን: ኣብ ክንዲ ነቲ ድርብ-መዐቀንን ፖለቲካዊ ተዛማድነትን ደርብየን ፋሉል መንግስታት ንኸይዕምብባ ዝከኣለን ጻዕሪ ዝገብራ: ስደተኛታት ኪቕበላ ይውዕላ ኣለዋ።

ይኹንምበር: ስደተኛታት ምቕባል ጽቡቕ እኳ እንተ ኾነ: ዘላቒ ፍታሕ ንምምጻእ ግን እኹል ኣይኮነን።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Semere September 9, 2015

    Well articulated writting.

  • k.tewolde September 9, 2015

    I concur Emanuel, HGDEF is like a super bug , it mutates , it is hard to kill , it morphs itself time and time again using its people like a spore. That is why it survived for this long . If we can penetrate the spore with accuracy and precision , we can deliver the final and lethal dose once and for all. Thanks again for your priceless contribution.

    • Fisehaye September 9, 2015

      Amanuel you are great Eritrean
      Keep it up brothet.
      Do not hear the Hgdefists.

  • Ytbarek.S September 9, 2015

    If DIA keeps refusing to get out of office soon then a bounty may technically be placed on his head (by whom is another question). I last heard that DIA has been learning how to dodge bullets. But nowadays, it is not only America but even the Woyanes have drones pointing at their enemies the ISIS and Isaais the big and the old devil. DIA and his regime’s days are numbered and that’s why they paniking like hell.

  • Sherer September 9, 2015

    Ybel tsihuf memhir Amanuel.

  • ተወልደመድኅን September 9, 2015

    ዝኸበርካ ኣማኑኤል ሳህለ።
    መንግስቲ ኤርትራ ክህሉ ኣይግበኦን ኢልካ ምስ ኣብነቱ ኣቕሪብካ።ናይ ፖለቲካ ምሁራት ዓቢ ኣተኩሮ ኪገብሩ ይግባኦም’ውን ኢልካ ።ክልቲኡ ሓቂ’ዩ።
    እዚ መንግስቲ’ዚ ክህሉ ዘኽኣሎ፡ሳላ ድንቁርናን ድሕረትን’ዩ።እዚ ዝሓገዞም ፍሉያት ባእታታት ንገሊኣ ብ ረብሓ ገሊኣ ብፍርሒ ሒዞማ።
    መብዛሕተን ድሑራት ተባሂለን ዝጽዋዓ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ምሁራት ሲኢነን ኣይኮናን ኣብ ድኽነት፡ኣብ ድንቁርና፡ፍትሒ ሲኢኖም ዜጋታተን ግደ ስደት ዝኾኑ ዘለው ወይ ብመለኽቲ ዝጽቐታ ዘለዋ፡
    1–እቶም ናብ መለኽትን ገበትን ጽግዕ ዝበሉ ምሁራት ረብሓኦኦም ኣብ ምሕላይ ስለዘድሃቡ’ዩ።ንሳቶም ካብ ድኽንት ስለዝወጹ እንድሕሪ ካብቲ ትእዛዝ መለኽትን ገበትን ፍንትት እንተኢሎም ናብታ ድኽነቶም ወይ ስደት ክምለሱ’ዮም።ስለዚ ኣብ ገሊኡ ተኣዘዝቲ።ኣብ ገሊኡ ነቲ ዝተረፎም ጽቡቕ ምእንቲ ክበጽሑ ዋና ናይ ክፋእን መቕዘፍትን ዝኾኑ ስረሐት የሳልጡ፡የማኽሩ፡ይሕንጽጹ።
    2– ምሁራት ኣብዝተፈላለየ ዓምዲ ትምህርቱ ዝተማህሩ’ዮም።ኣብ ሃገርና ፖለቲካል ሳይንስ ዚተማህሩ ውሑዳት’ዮም።የለውን ክበሃል የካኣል።እንተለው ከኣ እቲ ዝበጽሕዎ ትምህርቲ፡ኤውሮፓያን ፈላስፋታት ዝ ተወለድሉን ዝሞቱሉን ዝበሉዎን ካብ ምጽናዕ ኣብ ባይታ ውጺኢት ክህልዎ ዘይክእል’ዩ።መብዛሕቶም ዝበ ልዑሉ ትምህርቲ’ዮም ተማሂሮም።ስለዚ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ዝግደስ ክህሉ ኢልካ ዘይሕሰብ’ዩ።
    ነዘን ክልተ ጉዳይ ኣብነት ዝኾነና፡
    ዓንደብርሃን ወልደጊርጊስ እንተወሰድና ምሁር ኮይኑ ዋና ናይ ኢሳያስ ኣሳሳይ ኮይኑ ኮሎ’ዩ ሰባት ዝቕንጸሉን ኣብ ሸናጭሮ ሳሕል ዝሳቐዩ ዚነበሩ።
    ግን ከነጭራሹ በላሕቲ ምሁራት የለውን ኣይበልኩን።
    ይቕጽል፡

  • ተወልደመድኅን September 9, 2015

    ምሁራት ሎሚ ዝበልዑሉ’ዮም ዘናድዩ።ምሁር ግን ነቲ ሕማቕ ዘበሎ ከልግስ፡ንዘይፈለጠ ከፍልጥ ሞራላዊ ዝተሓወሶ ሃላፍነት ኣለዎ።ካብ ገጠራት ኤርትራን ሓረስቶት ኤርትራ ተወሊዶም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝብጽሑ ብዙሓት ኣለው።ንሳቶም ግን ኣብ ዓዶም ኣብታ ዝተወለዱላ ዓዲ ምእንቲ ናይ ሕይወት ምቅይያር ክመጽእ ዝሰርሐ ምሁር የለን።ኩሎም ኣብ ኢትዮጵያ፡ሓሊፎም ኣብ ወጻኢ፡ሕሉፍ ሓሊፎም ኣብተን ናይ ግበረሰናይ ዝበሃላ ትካላት ተቆጺሮም ዝብልጸሉ ከናድዩ ብድንቁርና ተሳቕዩ ግደ መግዛእቲ ህግደፍ ኮይኑ ዘሎ ሓንቲ ኣይገበርሉን።ብሰንኩ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ካብ 60ታት ንነጀው ዝኾነ ምቅይያር ኣይተራእየን።ናይ ምቅይያር ዋና መሰረት መንግስቲ ጥራይ ኣይኮነን፡ትምህርቲ ዝረከቡ ኣብታ ዓዶም ገለ ይተኽሉ፡ገለ ከኣ ንዑኡ ስዒቦም ካልእ ይሰርሑ በዚ መሰረታዊ ህንጸት ይጅምር።
    3….መብዛሕቱ ምሁር ዝተወሃቦ ሸምዲዱ፡ኣብ ሕቶን መልስ ዘዕግብ ነጥቢ ኣምጺኡ ዶክተር፡ፕሮፈሰር ክበሃል ይኽእል’ዩ።ኣብዚ ግን እዚ ወረቐት’ዚ ሒዙ ተባሂሉ ቅልጡፍ ምዕባለ ከምጽእ ዘይክእል’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ዝሓዙዎ ወረቐት፡ናይ ብስለቶም መፈለጥታ ኣይኮነን።ናይ ምሽምዳድ መፈለጥታ’ዩ።ንፉዕ ሰብ ሸምዲዱ ሚኢቲ ካብ ሚኢቲ ዘምጽእ ኣይኮነን።ሸምዲዱ ዘምጸኦ ከኣ ኢንተለጀንት ኣየብሎን። ኢንተለጀንት ዘብሎ ኣብ ዘጋጥም ጸገም ንጡፍ ተዋሳኢ ኮይኑ መፍትሕ ከናዲ ዝኽእልን 360 ግራዲ ነገራት ክግምግም ዝኽእል’ዩ።ስለዚ ኩሎም ምሁራት ናይቲ ዝተመሃሩዎ ዓይነት ትምህርቲ ፈንጣሕትን ሰራሕትን ኣይኮኑን።
    ይቕረታ ነቶም ብህዝቦም ዝግደሱ ምሁራት፡ንዐኦም ዝትንክፍ ኣይኮነን እዚ ጽሑፍ’ዚ

    • Simon G. September 9, 2015

      ካብ ምህሮስ ኣእምሮ! ካብ ምሁር ደንቆሮ ኣድሕነና!

  • awget September 10, 2015

    I read some of your articles that you post,And that is not your articles you just copy it from editorial columns.All you add is Eritrean government.please try to write your own if you can that can give us a sense.thank you brother amanuel.

    • ጀጋንው ይዘከርው። September 11, 2015

      awget,
      ኩላትና ኣይኮናን ከምዚይ ናትካ ኣርቲክል ነንብብ ሙሁር ወገን ካ ፍልተቱን ትዝብትን ዘንበቦን ተካፈለና ኢንታይ ሰገም ኣለዎ?ወዮ ረኪብና። ናይ ኤርትራ ነገር ካ ብህጂይ ክሳሃፍ ኢዮ ኢንበር “editorial columns” ክከውን ኣይክልን ኢዮ።

    • stefanos temolso September 9, 2016

      Who are u to tell this great man as such? First of all use your real name and then you can criticize other people.

Post a Reply to Fisehaye Cancel Reply