Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ኣብ ቅልውላው – ህጹጽ ብድሆን ስሙር ተግባራትናን – ቀዳማይ ክፋል

ቀዳማይ ክፋል ኤርትራ  ኣብ  ቅልውላው   - ህጹጽ  ብድሆን ስሙር  ተግባራትናን ድምጽና                                                           መጻኢና   ኣብ   ኢድና! መእተዊ ውርሻታትና፣ ዲሞክራሲን ኤርትራዊ ተመኩሮን ቀንዲ ሽግራትና፣ ኢሳያስ አፈወርቂን ዘውዳዊ ትውልዱን ጸይቀ-እምነቱን ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ገበነይና በላዕሰብ ካብ ሱሩን ጉንዱን ምእላይ ምልክነት ሓጺርካ ንምድምሳስ ዘድሊ ሰፊሕ ስምረት ኣድላይነት ዕጡቕ

ቀዳማይ ክፋል

ኤርትራ  ኣብ  ቅልውላው   – ህጹጽ  ብድሆን ስሙር  ተግባራትናን

ድምጽና

                                                          መጻኢና   ኣብ   ኢድና!

መእተዊ

  1. ውርሻታትና፣ ዲሞክራሲን ኤርትራዊ ተመኩሮን
  2. ቀንዲ ሽግራትና፣ ኢሳያስ አፈወርቂን ዘውዳዊ ትውልዱን ጸይቀ-እምነቱን
  3. ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ገበነይና በላዕሰብ ካብ ሱሩን ጉንዱን ምእላይ
  4. ምልክነት ሓጺርካ ንምድምሳስ ዘድሊ ሰፊሕ ስምረት
  5. ኣድላይነት ዕጡቕ ክንፊ
  6. ካበይ ንበገስ፣ ብኸመይከ ንስራሕ
  7. ኣገባባት ውደባ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ንፖለቲካዊ ተግባር
  8. ቀጥታዊ ዕማማትን፣ ህዝባዊ ውክልና ዘለዎ መሪሕነት ህዝባዊ ቃልሲ

መደምደምታ፣ ጉዕዞ ዓወትና ናብ ሃገርና/ኣስመራ፣ ክሳብ ክንደይ ጽንኩር ይኸውን?

ዝተሓደሰ ተልእኾና፣  ብዘይውልውል!!! ተልእኾና፣ ኩሉ ኣብ ኢድና ዘሎን ዝህሉን ዕውት ኣገባባት፣ እንተላይ ዕጡቕ ሓይሊ ብምጥቃም፣ ንምልክን ኩሉ ምልካዊ መሓውራትን ብምልጋስ፣ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ምህናጽ እዩ። ናይ ሽፍታዊ ውልቀምልካዊ መሕብኢታትን ባዓትታን ምልካዊ መሓውራትን ኣብ ዓዲ-ሃሎ ይኹን ካልእ ቦታታት ምድምሳስ።  ነዚ ንምትግባር ቀዳማይ ስጉምቲ ናይ መላእ ዜጋታት ደለይቲ ፍትሒ ቦታዊ ኤርትራዊ ባይቶትን፣ ህዝባዊ ሃገራዊ ባይቶን ምቛም።  ህዝባዊ ሃገራዊ ባይቶ ብቕዓት ዘለዎ፣ ንህዝባዊ ሃገራዊ ባይቶ ተሓታቲ ዝኾነ ፈጻሚ ኣካልን ናይ ክኢላታት ካቢነን የቕውም።  ብዋና ፈጻሚ መራሒ ዝምእከል ፈጻሚ ኣካል፣ ንህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ንፍትሒ ብክብ ዝበል ደረጃ ብምምራሕ፣  ምሉእ ቅቡልነትን መዝነትን ዘሎዎ ዕላዊ ወኪል ህዝቢ ኤርትራ ይኸውን።

መእተዊ፣

ድምጽና፣ ብትኩረት ክጥመቱ ዝግበኦም ዓበይቲ ሕቶታት –  ምዕባሌታት ከባቢናን ሃገርናን ጎቢጦምና ድዮም? ብኻልእ ኣበሃህላ፣ ናይ ሃገርናን መጻኢኣን ጉዕዞ ኣብ ምምእዛን ኣዚን ደንጒና ዶ የለናን? ነዚ ንምባል ዝደረኹ ሓሙሽተ ጉዳያት/ተረኽቦታት፣

  • ኤውሮጳዊ ሕብረት 200 ሚሊዮን ዩሮ ንዲክታቶር ምሃቡን፣ እቲ ስርዓት ሓዲስ ሂወት ክዘርእ ምፍታኑ፣
  • ዲክታቶር ካብ ከበባ ንምውጻእ ምስ ኣብ ዞናና ተፈጢሩ ዘሎ እስላማዊ ምሕዝነት ( ብስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ዝተወደብ) ኣንጻር የመናዊ ሑቲ ምጽንባሩ፣
  • ምዕራባዊ ቀይሕ ባሕሪ ብኣዕራብ ናይ ምጉባጥ ኣኽእሎታትን፣ ሸሪዓዊ ሕጊ ኣብቲ ዞና ናይ ምጽዓን ሓደጋን – ንሓበሻ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዘጠንቅቕ – ብሄርሞን ኮሀን ዝተጻሕፈ መገሊጺ፣
  • ስርዓት ኢትዮጵያን ስርዓት ኤርትራን  ዘለዎም ዘይርጉእ ኩነታት፣
  • “ ስዑዲ ዓረብን ባይቶ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ናብ ኤርትራ ዝገብርዎ ዘለዉ ምስፍሕፋሕን ጂኦ-ፖለቲካዊ ትርጉሙ ንኢትዮጲያን” ዘርእስቱ ኣብ ግሎባል መጽናዕቲ, ሕዳር 18, 2015፣ ብ ኣንድሪው ኮሪብሮ ዝተጻሕፈ ዓንቀጽ።

 

ሓደ ውርሒ ይገብር፣ ምልካዊ ስርዓትን ኢሳያስን ኣብ ኣፍ ጉድጓድ ምንባሮም ዘርኢ ምልካታት ኔሩ።  ሕጂ እቲ ኩነታት ዝቕየር ዘሎ ይመስል። ኢስያስ ዳግም ሂወት ክመልስ ፈንጠርጠር ይብል ኣሎ። እታ ትቑርመም ዝነበረት – ሸነቡ እኳ ክትዓቢ ጀሚራ። ብዘይጥርጥር፣ ምዕባሌታት ከባቢናን ሃገርናን፣ ካባና ንላዕሊ ንሂሮም ይኸዱ ኣለዉ።   ይኹን እምበር፣ ክንከስሮ ዘይግበአና መስኮተ-ዕድላት ህያው እዮም ዘለዉ። ብህጹጽ፣ ተግባራዊ ስጉምቲ ምስ ዘይንወስድ፣ ኩነታት ብምልኣት ክቕየርን፣  ጻዕርታትና ፍረ-ኣልቦ ክኾኑ ስለ ዝኽእሉ – ሃየ ብህጹጽ ኣብ ኣብ ተግባር ንእቶ።

  1. ውርሻታትና፣ ዲሞክራሲን ኤርትራዊ ተመኩሮን

ናይ ባዕልና – ነብሰ ግምታትናን ኣተሓሳስባናን፣ ትጽቢታትናን ተግባራትናን፣ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ክንገብሮ እንኽእልን ዘይንኽእልን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት፣ ናይ ስነ-ኣእሙሮና መሰረታት ንጹር ተረድኦ ክህልወና ይግባእ። ኣብ እዚ ሕጡብ እዚ ነዚ ዓቢ ኣርእስቲ ክንትንትኖ ዝከኣል እኳ እንተዘይኮነ፣ ከም መበገሲ ሓጺር ጽማቕ ክነቕርብ ኢና።  ብተለምዶ፣ ኤርትራ ብዙሕ ዝተፈላለየ ኤትኒካዊ፣ ቋንቋዊ፣ ማሕበራዊ፣ባህላዊን ፖለቲካዊን ጸጋታት ዘለዎ ሕብረተሰብ ኣለዋ። ኣብ ከበሳታትን ሓውሲ ከበሳታትን ኤርትራ፣ ሕጊ እንዳባን ህዝባዊ ባይቶታን ኣብ ምምሕዳር ናይ ህዝቢ ኣገዳሲ ገደ ይጻወቱ ኔሮም። ወላኳ ካብ ርሑቕ ብራእስታትን ነጋውስን ዝምደቡ ምስሌነታት እንተነብሩ። ኣብ ምዕራባዊ ኤርትራ ክሳብ ምምጻእ መግዛእቲ ጥልያን መስፍናዊ ናይ ተዋፋሮ ኩነታት ኔሩ። ብተወሳኺ፣ ኤርትራ ናይ ተሃላለኽቲ ሓይልታትን ሰዓብቶምን ዓውደ ኩናት ብምናባራ፣ ንነዊሕ እዋን ሰላምን ርግኣትን ኣይነበራን።

ካብዚ ዝተላዕለ፣  ንዘጋጥም ወረራታትን ዝምታን ክከላኸል ዝኽእል – ሓያል – ተደላይነቱ ዕዙዝ ነበረ። ስለዝኾነ ድማ – ሰብኣይ በዓል-ስረ – ኣብ እቲ ሕብረተሰብ ልዕሊ – እቲ ፈላጥን ለባምን ዝበሃል ሰብ ዝዓበይ ዝና ነበሮ። ምናልባት ካብዚ ዝነቐል ይኸውን – “ለይቲ ዝደረቶም” ዝበሃሉ ፣ ቅድሚ 500 ዓመት ህዝቢ ኣርባዕተ-ኣስመራ ካብ ሸፋቱን፣ ዘመቲን ጨወይትን ንምክልኻል ዝቖሙ ሓለውቲ፣ ዝለዓለ ክብሪን ዝናን ይወሃቦም ኔሩ። ናይ ባህታ ሰገነይቲ፣  ራእሲ ወልደሚካኤል ስለሙን፣ ወዘተ ዝናን ታሪኽን’ውን ኔሩ።  እዚ ንሓያላት-ዘኽብር ኩነታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዝነበረ ጭቆናን፣ ጨካን ምዝመዛን መግዛእትን ንምምካት ዝመጸ እዩ። ብሓጺሩ፣  ሓያል ናይ ምኽባርን ናይ ምግናንን ባህሊ ተፈጢሩ።  ብእመነትና፣ እዚ ባህሊ እዚ፣ ኢሳያስ ኣብ ኤርትራዊ መድረኽ ብዓማጺን ድሃኺን መንገዲ ብኸመይ ከም ዝመጸን፣ ብኸመይ ስዓብቲ ከጥሪን ተመለኽቲ ክፍጥርን፣ ዘይግበኦ ጅግንነት ክለብስን ከም ዝኸኣለ ንምርዳእ ክሕግዘና ይኽእል እዩ። ህዝቢ ሓያል ተኸላኻሊ – ኣድሓኒ የደልዩ እዩ። ኢስያስ በቲ ጨካንን ባርባራዊ  ውዲታቱን ንተወዳደርቱ ናይ ምቕታልን ምስዋርን ተግባራቱ ንብዙሓት ኣብ መጻወድይኡ ከእቱ ምኽእሉ፣ ነቲ ሓያል ዝጠልብ ኩነታት ክምዝምዞ ክኢሉ።

ይኹን እምበር፣  ናይ ኢስያስ ሓያልነትን፣ ጅግንነትን ሓቂ ዘይብሉ ናይ ሓሶት ማእለማ እዩ። ኢስያስ ብባህርያቱ ሳዲስቲክ ናርሲሲስት፣ ፍርሒ ዝወለዶ ኣብ ክቱር ጽልኢን ጭካነን ዝነብርን፣ ናይ ስልጣን ይግበኣኒን ሓለፋን ልዕሊ ኩሉ ዝስሞዖ፣ ስልጣኑ ንምርግጋጽ ከኣ ኩሉ ክፋኣት ክፍጽም ድሕር ዘይብል፣ ደረት ዘይብሉ ስስዐን፣ ትንኩሉናን፣ ጭካነን ዘለዎ ሰብ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ፣ ዝጠስጠሰ ብልሽው-ሰራቕን ዓማጽን ስለዝኾነ፣ ነቲ ኣብ ባጽዕ ዝርከብ ፓላስ ናብ ናይ ግብረ-ስጋ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ መሳኪን መንእሰያት ኤርትራውያን ዝፍጽመሉ መደበር ቀይርዎ። እዚ እዩ እቲ ህዝቢ ኣደናጊሩ፣ ሓያል ተኸላኻሊ-ህዝቢ መሲሉ ዝረአ። ናይ ሓሶትን ምትላልን  ነቢ ዝኾነ ሰብ፣ ነታ ብዓቢ መስዋእትን መሪር ቃልስን ክውን ዝኾነትን፣ ነታ ዓቢ ትጽቢት ተጌሩላ ዝነበረት ሃገር ናብ ሲኦል ብምቕያር፣ ነቲ ተቓላሳይን ጻዕራምን ህዝቢ ከምበርክኽ ህርድግ ዝብል ሰብ እዩ።  ብዘይጥርጥር፣ ናይ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን  – ቀዳማይ ጸላኢ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ ተመኩሩኡ ክመሃርን፣ ብኢስያስን መጋበርያታቱ ካብ ዝኾኑ ገበነይናታት ዝጻወድ ውዲታትን ተንኮላትን ክኣምኖ ይኹን ክቕበሎ ኣይግባእን።  ምሉእ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ኢድ ህዝቢ ክኣቱን፣ ህዝቢ ኤርትራ ወሳኒ ተርኡ ክጻወትን ይግባእ።  እዚ መሰረታዊ ኣረኣእያ እዚ ከእ እዩ ካብ  መድረኽን ካልኦት ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝጻዓን ፖለቲክ ዝኽተሉ ሰልፍታትን ዝፈልየና።   ሕጋዊን ቅቡልን ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣሎና።  ፖለቲካዊ መራሕቲ፣ ካብ ላዕሊ ምስ ዝጸዓኑን፣ መዝነቶም ካብ ህዝቢ ዝመንጨወ ምስ ዘይከውንን ሕጋዊ ቅቡልነት የብሎምን።  እት ጽኑዕ ናይ ፍትሒ ተቓላሲ – እማኒኤል ኢያሱ ናይ ኣሰና ዳት ኮም፣ ህዝቢ ዝማእከሉ ዲሞክራሲን ምስግጋር ስልጣን ናብ ህዝብን ዘካይዶ ምልዕዓል ሞጎስናን ናእዳናን ነቕርብ። ብኢደወነኖም መራሕቲ ዝኾኑን፣ ዘይቅርዑይ ሕሉፍ ፖለቲካዊ ተመኩሮኦም ዘይኣረሙ ኣካላት  ምጥንቃቕን፣ብግሉጽነትን ተሓታትነትን ኣብ መስርሕ ህዝባዊ ቃልሲ ክኣትው ይግባእ።

መራሕቲ ብህዝቢ ንሓደ ግዜ ምስ ተመርጹ፣ ከም ድላዮም ጌሮም ክመርሑ ዘይኮነ፣ እቲ ህዝቢ ብመሰረት ዝሃቦም ናይ ስራሕ መዝነትን ሓላፍነትን ክቆጻጸሮምን፣ ነቶም ዘይኣፍረይቲ ክኣ ካብ መዝነቶም ከውርዶም ስልጣኑ ኣብ ኢዱ ክኸውን ይግባእ። እንተዘይኮነ፣ ካብ ምልኪ ናብ ምልኪ ምስግጋር እዩ ዝኸውን። ደቂ ሰባት ድኹማት እዮም። ዲሞክራስያዊ ናይ ቁጽጽርን ግምገማን ኣገባባት ምስ ዘይህሉ፣ ናይ ስልጣን ብዕልግናን ብልሽውናን ክፍጠርን፣ ብልሹዋት መራሕቲ  ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝቢ ከቢድ ሓደጋ የውርዱ። ከምቲ ቪ. ለኒን ዝብሎ” እምነት ጽብቕ’ዩ፣ ምቁጽጻር ግን ዝበለጸ እዩ” ። ምቁጽጻር ዘይብሎም መራሕቲ ከውርድዎ ዝኽእሉ ሓደጋታት መወዳእት የብሉን። ዓቢ ስዕረትን፣ ነጻነትካ ምስኣንን፣ ህልቀት ናይ ኣማኢት/ሚልዮናት ሰባት፣ ድሕረትን ውድቀትን ክስዕቡ ይኽእሉ። ከም ኣብነት፣ ሂትለር ናይ ጀርመን፣ ስታሊን ናይ ሶቭየት፣ ፖልፖት ናይ ካምቦድያ ከም ዝሰኸሩ ኣህለቕቲ ክጥቀስ ይከኣል። እዞም ዝተጠቕሱ ምስ ኩሉ ሽግሮም፣ ንሕብረተሰቦም ብሓለፋ ዝርኢ ጥሙሓት ኔሩዎም። እዚ ኣብ ደምበ ህዝቢ ዝዓበየ ዲክታቶር – ጻላኢ ቁ. 1 – ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ጽቡቕ ዝበሃል ሕልናታት ኣለዎ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። በዚ ኣካይድኡ፣ ቀንዲ ተልእኾኡ ንኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ምድሃኽን ምድምሳስን እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣብ ዝቐረባ እዋን ኣብ ቪየና ኣውስትርያ፣ የማነ ገብራኣብ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፣ “ ዓቐን ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ኣስታት 3 ሚልዮን እዩ”  ኢሉ፣ ከምቲ ብዕሊ ዝበሃል 6 ሚሊዮን ኣይኮነን።  ናይ እቲ  3 ሚልዮን ክህሉ ዝነበሮ ተሓታቲ ኢስያስ ኣፈወርቂ እዩ። ብመንገድና ዝገበርናዮ መጽናዕቲ፣ ዓቐን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ እንግሊዝ ፣ መግዛእቲ ኢትዮጲያን ኣብ ግዜ ረፈረንዶምን ከምኡ’ውን ህግደፍ ብምስጢር ዘካየዶም ናይ ህዝቢ ቆጸራን፣ ዘሰንብድ ውጽኢት ረኺብናሉ።  ኣብ ትሕቲ እዚ ኣረሜናዊ ሽፍታዊ ጉጅለ፣ ኤርትራ ዓቢ ጉድኣት ወሪድዋ እሎ።

  1. ማእከል ጸገማትና፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ዘውዳዊ ትውልዱን ጸይቀ-እምነቱን

ነዊሕ እዋን ይገብር፣ ዳርጋ ኩሉ ማርክሳዊ ወይ ሓውሲ ማርካሳዊ ኔሩ ክበሃል ይከኣል። ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ፣ ናይ ፖለቲካዊ ለውጢ ቀንዲ ወሰንቲ፣ ቁጠባውን ማሕበራዊ ሓይልታት እዮም ዝብል እምነት እዩ ኔሩ። ኣብ ታሪኽ ውልቀሰባት ትሑት ግድ እዩ ኔሩዎም።  እንተኾነ፣ ምስ ምምጻእ ፖለቲካዊ-ሳይኮሎጂ ኣብ ዝቐረባ እዋናት፣  ውልቀሰባት ታሪኽ ናይ ምቕያር ሓይሊ ክህልዎም ከም ዝኽእልን፣ ካብ’ቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ናብ ካልእ መኣዝን ከም ዝኸይድ ክግብሩ ከም ዝኽእሉ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ከኣ ንሱ እዩ። ሃገርና፣  ሓሶትን ምድንጋርን ዝፍሪኦም፣ ዓቢ  ዓሎቕን ጠቐረን ዝዕጥቆም፣   ውዲተይናታት፣ በላዕቲ ጉቦ፣ ናይ ምድሃል፣ ምጭዋይ፣ ምቕታልን ተዃሉ፣ ኣብ ዝምታን ስርቅን ሃገራዊ ማዕከናት ዝተዋፈሩ፣ ኣብ ዕግርግርን ውግእን ዝነብሩን፣ ካብ ሕጊ ንምህዳምን ቅዋምን ሕጋውነትን ዘጥፍኡ፣ ስልጣኖም ንምንዋሕ ንህዝብ ብሓፈሻ ንመንእሰይ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ኣብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝስሙ ባርነት  ንነዊሕ ዓመታት ጅሆ ዝሕዙ እከይ ኣእዳው ወዲቓ። ኩሉ እዚ ዝተጠቕሰ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻዕነ ኣደራዕ፣ ኣብ ሓንጎል ናይ ሓደ ጸረ-ሃገርን ጸረ-ህዝብን ዝኾነ  ጋኔን  ሰብ እዩ ተበጊሱ ( ጸላኢ ቁ 1)።

ኣብ ሳይኮተራፒ፣ ናይ ሓደ ሕሙም ጉዳይ ንምምርማር ፣ ናይቲ ሕሙም ስድራቤታዊ ተሪኽ ብምውሳድ ገለ ጠቓሚ ኣንፈት ናይቲ ሽግር ንምርካብ እዩ ዝፈተን። ስለዚ ከኣ፣ ስድራቤታዊ ታሪኽ ናይ እዚ ኣዝዩ ሓደገይና ዝኾነ ሕሙም ክንምርምር ተገዲድና። ድክታቶር ፣ ብልዑል ጥንቃቐን ብዙሕ መንገድታትን፣ ውልቃዊን ስድራቤታዊን ታሪኹ ካብ ህዝቢን ዓለምን ክሓብእ ጸኒሑን ኣሎን።  ህዝቢ ኤርትራ ብውሑድ ብምንታይ ጸፍዒ ከም ዝተውቕዐ ንምግላህ ፣ድሕሪ ኣገዳሲ መጽናዕቲ ዝረኸብናዮ ሕቡእ ሚስጢራት ናይ ዲክታቶር፣ ኣምበኣር እነሆ።

እዚ መጽናዕቲ እዚ ኣብ ገለ ኣገደስቲ ንሕትመት ዝበጽሐ ሰነዳት፣ ሓደ ካብኡ ብኢትዮጵያዊ ምሁር ዶር ደጃዝማች ዘውደ ገብረስላሴ፣ (ናይ ሃጸይ ዮውሃንስ 4ይ ወዲ ውዱ ዝወለዶ) ዝተዳለውን፣ ናይ ኢሳያስ ናይ ቀድም ጎረባብትን፣ ኣዕሩኽን ድማ ይርከብዎም። ኣብ ሜዳ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፣  ኢሳያስ ወዲ ጀነራላት ምዃኑ ዝፍክረሉ ግዝያት ኔሩ እዩ።  እንተኾነ፣ እቶም ዝፍክረሎም ጀነራላት ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ዘይኮኑስ፣ ካብ ኤርትራ ደቡብ እዮም ኔሮም። ንዝቐርቦም መሳርሕቱ ብዛዕባ ኤርትራ ዝበሎ ኣቋናጻቢ  ቃላት፣ ንኤርትራን እቲ ከም መድሓኒኡ ዝኣመኖን ዝርካቡ ጸንቂቑ ዝሃቦ ህዝባን ከም ዘየኽብርን፣ ንነብሱ ከም ኣካል ናይ ኤርትራ ከም ዘይርእያን እዩ ዘመልክት።

ናብ ዝርዝር ናይቲ ዲክታቶር ንነዊሕ ክሓብኦ ዝጸንሐ ንምእታው፣ ነቲ ኣብ ሂወቱ ምሉእ ንህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም ጭካኔ ንምስቓይ ዝተጠቕመሉ ድሕረ-ባይታ እስከ ንርአ።

ኣቦሓጎ ኣብኡ፣ ራእሲ ሓጎስ ምራጭ ናይ ተምቤን፣ ንሃጸይ ዮውሃንስ 4ይ ( ቅድሚ ምንጋሶም ደጃች ካሳ ምራጭ) ሓዎም እዮም። ራእሲ ሓጎስ፣ ውዲተይና ዘየተኣማምኑ ዝይርጉእ ሰብ ምንባሮምን ምስ ሓዎም ደጃዝማች ካሳ ምራጭ ድሒሮም ሃጸይ ዮውሃንስ 4ይ ዝኾኑ፣ ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘይነበሮምን ይንገረሎም።  ካሳ ምርጭ  ኣንጻር ሃጸይ ቴድሮስ ተላዒልካ ብዝብል ክሲ ተኣሲሮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፣  ሓጎስ ሓዎም ዋሕስ ኮይኖም ንኸፍትሕዎም ፍቓደይና ኣይነበሩን።  ድሕሪ ምንጋስ ሃጸይ ዮውሃንስ 4ይ ንጥልያን ካብ ኤርትራ ንምብራር ኣብ ዝሰርሑሉ ዝነበሩ እዋን፣  ራእሲ ሓጎስ ምስ ጥልያን ኣብ ኤርትራን ምስ እንግሊዝ ኣብ ሱዳንን ምስጢራዊ ውዲታት ይኣልሙ ኔሮም፣ ክሳብ ሞት ሓዎም ድማ ከም ዝቐጸልዎ ይንገር።   ራእሲ ሓጎስ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሃጸይ ዮውሃንስ ተፈታዊ ዝነበሩ ራእሲ ኣሉላ ዓቢ ቅንኢ ኔሩዎም። ራእስ ኣሉላ ንውዲታት ራእሲ ሓጎስ ይከታቱሉን ይፈልጡን ብምንባሮም ነቲ ኣብ መንጎ ራእሲ ሓጎስን ራእሲ ኣሉላን ዝነበረ ህልኽ ኣጋዲድዎ።

ድሕሪ ሞት ሃጸይ ዮውሃንስ 4ይ ኣብ መተማ፣ ወላኳ ስድራ ቤት ናይቶም ዝሞቱ ይግባኣና እንተበሉ፣ ምኒሊክ 2ይ ነጊሱ።  ራእሲ ሓጎስን ካልኦት ናይ ትግራይ መሳፍንቲ ሕርቃን ኔሩዎም። ድሕሪ ውግእ ዓድዋ ኣብ 1896፣ ራእሲ ሞኮነን ናይ ትግራይ ገዛኢ ኮይኖም። እቶም ሓዲሽ ናይ ትግራይ ገዛኢ ምስ ጥልያን ከምቲ ናይ ራእሲ ሓጎስ ምስጢራዊ ዝምድና ነይርዎም።  ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ዝነበሩ መሳፍንቲ ኣንጻር ጥልያን ተሪር መርገጽ ዝነበሮም ራእሲ ኣሉላ እዮም ። ኣብ እቲ ኩነታት እቲ፣ ራእሲ ሓጎስ ካብ ዝነበሮም ሓላፍነት ናይ ሽረ ገዛኢ ይወርዱ፣ ብራእሲ ኣሉላ ከእ ይትክኡ።  እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝነበረ ግጭት ናብ ቃልዕ ወጺኡ፣ ብ ጥሪ 19 1897 ኣብ ሽረ ኩናት ይገጥሙ። ኣብቲ ኩናት ራእሲ ሓጎስ ይሰዓሩን ኣብኡ ይሞቱን።  ራእሲ ኣሉላ ከኣ ከቢድ ቆሲሎም ብምንባሮም ድሕሪ 2 ወርሒ ይሞቱ።

ራእሲ ሓጎስ በቲ ዝነበረ ኩነታት ስግኣታት ስለዝነበሮም፣ ንእንኮ ወዶም ደጃዝማች ኣብራሃ ሓጎስ ከይቀትሉሎም ፣ በቲ ምስ ጥልያን ዝነበሮም ርክብ ተጠቒሞም፣ ንወዶም ናብ ኤርትራ ክቕመጥ  ቅድሚ ኩናት ሽረ፣  ንደጃች ኣብራሃ ምስ በዓልቲ ቤቶምን ብርክት ዝበሉ ዓሳክሮምን ንኤርትራ ኣሳገርዎም።  ኣብራሃ ምስ  በዓልቲ ቤቶም ኣብ መበል 22 ዓመት ዕድሚኦም ካብ ትግራይ ሃዲሞም ኣብ ኤርትራ ኣተዉ። ዝተፈላለዩ ደረስቲ፣ ናይ ኣተሃዳድምኦም ጉዕዞ፣ ማለት  ክሳብ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝበጽሑ ዝሓለፍዎ ቦታታትን፣ ኣብ ጾሎት ከም ዝሰፈሩን ብዝርዝር ኣቕሪቦሞ ኣለዉ።

ኣብራሃ ሓጎስ ክልተ ኣወዳት ማለት ኣፈወርቂ ኣብራሃን ደጃች ሰሎሞን ኣብራሃን ወሊዶም። ኣፈወርቂ ኣብራሃ ኣቦ ናይ እዚ ንኤርትራ ሓኒቑ ዝገዝእ ዘሎ ዲክታቶር እዮም።     ምሉእ ስም ናይ ጸላኢ   ቁ. 1   እመበኣር       –       ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብራሃ ሓጎስ ምርጭ እዩ።   ኣቶ ኣፈወርቂ ንወ/ሮ ኣዳነች በርሀ (ጓለን ንወ/ሮ መድህን በራድ ሓብቶም ንፊተውራሪ ኪዳነ መሰለ ዓድዋ) ተመርዕዮም ንኢሳያስን ካልኦትን ወሊዶም።

ብቀዳምነት፣  እዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮ ዘሎ ሓጺር ትውልዲ ዲክታቶር ምሉእ እዩ ማለት ኣይኮነን። እዚ እቲ ክሳብ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና እዩ። ብናይ ታሪኽ ክኢላታት ተወሳኺ መጽናዕቲ ተጌሩ ብዕምቆት ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ ይመስለና። ብዙሕ ዘይፈለጥናዮን ክንግምቶ ዘይንኽእልን ዝተሓብአ ጉድ ኣሎ። ኩሉ ግዚኡ ሓልዩ ክወጽእ እዩ።  ንሕጂ፣ እቲ ሕመረት ናይቲ ዛንታ ተረኺቡ ኣሎ፣ በዚ ከኣ፣ ነቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ጸገም ብግቡእ ክንርድኦን፣ ንተጻዒኑና ዘሎ ሕሱም ምልክን መሓውራቱን ንምልጋስ ዘብቅዕ ስትራተጂን ሜላታትን ክንቅይስ ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

ካልኣይ፣ ብዝለዓለ ክነነጽሮ እንደሊ ጉዳይ እንትልዩ፣  ኢስያስ ምስ ትግራይ  ዘለዎ ናይ ትውልዲ ዝምድና ኣይኮናን ነልዕል ዘለና። ኢስያስ  ትውልደ-ተምበን ይኹን፣ ትውልደ-ቲምቡኩቱ  ዘገድስ ኣይኮነን። ብርግጽ፣ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ትወለደ-ትግራይ/ኣምሓራ ወይ ትውለድ-ሱዳን/የመን/ስዑድያ ዘለዎ እዩ።  ስለዚ ከኣ፣ ንኢስያስ ኣፈወርቂ ትውለደ-ትግራይ ይኹን ካብ ካልእ ቦታታት ብምዃኑ ክንከሶ ኣይንኽእልን።  ነዚ ብዝምልከት “መን እዩ ኤርትራዊ “ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፍናዮ ዓንቀጽ ኣብ ኣሰና ዳት ኮም ክትነቡ ንምሕጸን።

ናይ ኢስያስ ትውልዲ ካብ ትግራይ ምዃኑ ዘይኮነስ፣  ምስ ዘውዳዊ/ንጉሳዊ ቤተሰብ ዘለዎ ዝምድና ኣብ ኣእምሮኡ ዝፈጠሮ ሕማም – መለኮታዊ ናይ ምግዛእ መሰል ከምዘለዎ ዝኣምን፣ ኩሉ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ድማ ፈትዩ/ጸሊኡ ክእዘዞ ግዱድ እዩ ዝብል እምነቱ እዩ። ወላኳ ብዕሊ እንተዘይተኣወጅ፣ ድሮ ናይ ኤርትራ ንጉስ ኮይኑ ኣሎ።  ኣዋጃቱን መግለጺታቱን፣ ካብ ክቱር ግርህና ብግቡእ ክንርድኦ ኣይከኣልናን።  ክሳብ ዕለት ሞቱ ስልጣን ከረክብ ድሌት የብሉን፣ ምስ ሞተ ንኽወርሶ ንወዱ ኣብርሃ(ም) ይኾሓሕሎ ኣሎ።  ወዲ ራእሲ ሓጎስ፣ ኣቦ ናይ እታ ኣብ ጸሎት/ኤርትራ ዝቖመት ንግስነት መስራቲ ስም ምዝካር ኣኻሊ እዩ። እንተ ግርህና ኤርትራውያን ግን፣ 2 ተደሞሮ 2 ኣርባዕተ ክንብል ኣይከኣልናን።

ምኣስ እዚ ጥራሕ፣ እዚ ንነብሱ ኣብ ቦታ መሲሕ ዘቐመጠ፣ ህውታትያ፣ ወላ ንኢትዮጲያ ውን ወሲኹ፣ ነቲ ዝነበር ናይ ቤተሰቡ ንግስነት ክመለስ ካብ ምሕሳብን ካብ ምትግባርን ኣይዓረፈን።  ወላኳ ክትሓስቦ ዘደንጹ እንተመሰለ፣ ድሕሪ ነጸነት ኤርትራ ኣብ ተስዓታት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ላዕለዋይ ኢድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ብዛዕባ ኮንፈደረሽንን ክኒኡ ዝኸይድ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዝግበር ሓድነትን ይዛረብ ኔሩ።  ብዛዕባ መጻኢ ሓድነት ምስ ኢትዮጲያ ( ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ) ብምስጢር ንሞላ ኣስገዶምን ጉጅልኡን ከምኡውን ነቶም ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዘለዉ ናይ ኢትዮጲያ ተቓወምቲ ከም ግንቦት  7 ይነግሮም ኔሩ እዩ።  እዚ ኩሉ ምስቲ ኣብ ኣእምሩኡ ተጸፍዩ ዘሎ ሕማም ናይ መለኮታዊ ናይ ምግዛእ መሰል ዝተተሓሓዘ እዩ።   ናይ መላእ ኢትዮጲያ ገዛኢ ንምዃን ዝሓልም ብምዃኑ፣ ንህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ኣብ ዘይምልከቶምን ዘይናቶምን ናይ ሕንሕነ ረጽሚ ምስ ኢትዮጲያ ነቚቱዎም ይርከብ።

 

ይቕጽል…

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • ertra n ertrawyan January 21, 2016

    እቲ ዘገርም ኢሳይያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብኮንፈደረሽን ክትሓብር ኢያ ሕጂ ብ ንእስ ዝበለ ፎርሙላ (በብቁሩብ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይርድኦ ማለቱ ኢዩ) እምበር በቲ ዓቢ ፎርሙላ (ምጽምባር ምስ ኢትዮጵያ ማለቱ ኢዩ) ኣይጅምርን ኢየ፣ ኣነ ከረጋግጾ ዝደሊ ግና ብቁጠባውን ጸጥታውን ዝጀመረ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ ፖለቲካዊ ምትሕንፋጽ ክዛዘም ኢዩ ኢሉ ንጋዜጠንጃታት መግለጲ ክህብ ከሎ እንታይ ይገብሩ ኔሮም እቶም ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ናይ ህግድፍ። ህግደፍ ሃናናት!!!!

  • Kidane Beraki January 21, 2016

    It is about time you wrote it in a language the majority of your audience can understand. Please note that there will be people who will feel that the message was written only for the “elite” or educated. Try not alienate far too many. I hope you will be able to translate it to Arabic too. As you correctly stated it time has been against us resulting in the perishing of too many precious lives. Therefore, please come out in the open and start the process asap. Let’s not waste time squabbling like the egotistic and power hungry “wudib/partly leaders.

    • Yohannes January 21, 2016

      Hi Kidane
      Although, it was imposed on us by the united nation; Arabic is not our language. Arabic should be confined to the mosque.
      ከምዞም ማሕበር ወደስቲ ኣይትኹን።

      • Hagherawi January 23, 2016

        Yohannes, as long as we have people like you, Iseyas will be replaced by another dictator.

  • nhber January 21, 2016

    Let talk about now and what we should do to solve the current situation and safeguard Eritrea from HGDEF type tyranny.

  • Said Saleh January 21, 2016

    Annen kulu saa zigermeni neger intelo, Eritrea bilieli 60% kab hizba muslim iyom. Gin Eritrea wala kab tom astat 40% amenti christian hizba izi haqi ayqibeluon imo, hansa mis moslem hagerat tehababira, adi shariaa kitkewin iya indabelka mizitab wey mitsihaf gega iyu. SHARIA hji ab gizie Hgdf win alo yisrahalu alo ab commawi beit firdi mufti wey awqaf. Ni abnet sb kem fitih, wrshan kalien. Silezi please kab tarikn kuwnnetn tebegisna rietona nihab. Sinitn hadinetin izi hizbi keynihasi.wadehanka

  • Berhe January 21, 2016

    ኣነ ኩነታት ኤርትራ በቀረባ ዝከታተል ኢትዮጵያዊ እየ:: ቀንዲ ምኽንያት ምክትታለይ ድማ ኤርትራ ጎረቤት ሃገር ስለዝኾነት ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ፍጻመታት ንኤርትራ ክጸልዉዋ ዝኽእሉ: ኣብ ኤርትራ ዝካየዱ ፍጻመታት ነዓናውን ክጸልዉና ስለ ዝኽእሉ እዩ:: ጉዳይ ኤርትራ ጉዳይ ኤርትራውያን ከምዝኾነ እኣምንየ: ስለዚ ድማ እየ ብዙሓት ብዛዕባ ኤርትራ ዝዝግባ መርበብ ሓበሬታታት ዝከታተል እኳ እንተኾንኩ ብዛዕባ ዘንበብኩዎ ዝሰማዕክኡዎ ርእይቶ ካብ ምሃብ ግን ተቆጢበ ዝጸናሕኩ:: እዚ እምነተይ ንዝመጽእውን ክቅጽል እዩ::
    ሎሚ ግን ንሓንቲ ጊዜ እኳ እንተኾነት ክሳብ ሎሚ ኣኽቢረዮ ዝጸናሕኩ ሕገይ ጥሒስ ርእይቶ ክህበሉ ኩነታት ስለ ተፈጥረ ነዛ ሓጻር ርእይቶ ክህብ ናይ ግድን ኮይኑ ረኺበዮ::
    ኣብዛ ጽሑፍ ዚኣ “ማእከል ጸገማትና፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ዘውዳዊ ትውልዱን ጸይቀ-እምነቱን” ኣብ ትብል ክፋል ዝቀረበ ሓበሬታ ኣነ ካብ ዝፈልጦ ሓቂ ኣዝዩ ዝረሐቀ ኮይኑ እዩ ረኺበዮ:: ርግጽ እዩ ሹም ተምቤን ምርጫ (ምራጭ ኣየኮነን) ወልደ ኪዳን ሓጎስ ዝበሃሉ ውላድ ነይሮምዎም:: በዕድመ ካብ ካሣ (ሃጸይ ዮሐንስ) ይዓብዩ ኔሮም:: ከምቲ ዝበሃል ካብ ንእሽቶ ሓወይ ሽመት ኣይቅበልን ስለ ዝበሉ ኣይኮነን ራእስነት፡ ግራዝማችነትኳ ኣይነበሮምን:: ልጅ እንዳተባህሉ እዮም ዕድኦም ዝወድእዎ:: ብሓጺሩ ራእሲ ሐጎስ ዝብሃሉ ሓው ሃጸይ ዮሓንስ ወይ ወዲ ሹምተምቤን ምርጫ ኣይነበሩን::
    ሐድ ሓደ ሰባት ኣባ ጉባ እንዳበሉ ይሓዩሞም ከም ዝነበሩ ይንገር:: ኣባ ጉባ ካብቶም ትሽዓተ ቅዱሳን ዝበሃሉ ኣብ መበል 5ይ ክፍለ ካብ ንዑስ እስያ መጺኦም ዝነበሩ ከም እኒ ኣቡነ ኣረጋዊ: ኣባ ገሪማ ስመሰሉ ገዳምውያን ሐደ ከለዉ ቶም ብጾቶም ቤተ ክርስቲያን ከሠርሑ ከለው ንሶም ግን መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ኣብ ጎልጎል ዘካይዱ ዝነበሩ ሎሚውን ዓመታዊ በዓለ ንግሦም ኣብታ ንሶም ዘገልግሉላ ዝነበሩ ጎልጎል ዝኽበር እዮም:: ልጅ ሐጎስ ሓዎም ንጉሥ ካልኦት ኣሕዋቶም ደገዝማቲታትን ገዛእቲን ክኾኑ ከለዉ ንሶም ግን መጸውዒ ማዕርግ ዘመሓዳድርዎ ግዝኣት ኣይነበሮምን ከምቶም ካብ ብጾቶም ተፈልዮም ገዳም ዘሰረቱ ኣባ ጉባ::

    ልጅ ሐጎስ ብንእስነቶም እዮም ሞይቶም:: በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ በተሃ ዝተባህላ ጓል ጸለምቲ እየን: ካብአን ወ/ሮ ኣበራሽ ሓጎስ ዝበሃላ እንኮ ጓል ወሊዶም:: ካብ ክሊእቲ ሰበይቲ ዝውለዳ ወ/ሮ ደስታ ሓጎስ ዝበሃላ ነይረን ካልእ ውላድ ከይወሰኹ እዮም ሞይቶም:: ወ/ሮ ኣበራሽ ሽዱሽተ ክወልዳ ከለዋ ብጀካ ሓንቲ ኣብ ሰራየ ዝኣተዋን ምስ ስድራ ኢሳያስ ፍልጦ ይኹን ዘይብለን: ኩሎም ካብ ትግራይ ኣይወጹን::

    ቅድም ክብል ከም ዝጠቀስኩዎ ልጅ ሓጎስ ብንእስነቶምዮም ሞይቶም:: ኣብ ኲናት መተማውን ጓሎም ወ/ሮ ኣበራሽ እምበር ንሶም ኣይተሳተፉን:: ኣቀዲሞም
    ሞይቶም ስለዝነበሩ:: ሃጸይ ዮሐንስ ምስ ሞቱ ንደጊያት ኣብርሃ ወዶም ንኤርትራ ኣህዲሞምዎም ዝተባህለ ካብቲ ኣነን ዓበይቲ ትግራይን ንፈልጦ ታሪኽ ልጅ ሐጎስ ምርጫ ዘይቃዶ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ሓቂውን ዝረሓቀ እዮ:: ከመይ ቅድም ቀዳድም ልጅ ሓጎስ ብጀካ ክልተ አዋልድ ካሊእ ውላድ ስለ ዘይነበሮም: ካልኣይ ድማ እቶም ኣብርሃ ዝተባህሉ ሰብኣይ ናብ ኤርትራ ሃዲሞም ዝተባህሉሉ ጊዜ ልጅ ሐጎስ ካብ ዝሞቱ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ስለ ዝነበረ:: ስለዚ ፕረሲደንት ኢሳያስ ናይ ተምቤን ዘርኢ ክህልዎም ይኽእል እዩ ወዲ ሓጎስ ምርጫ ግን ኣይኮኑን::
    ኣብ መወዳእታ ኣነ ናይዛ ርእይቶ ኣቅራቢ: ካብ ዘርኢ ሐጎስ ምርጫ: ወድ ወደን ንወ/ሮ አበራሽ ሐጎስ እየ:: ኣዝማደይ ከኣ ኣራጢጠ እየ ዝፈልጥ
    ርሑስ ጥምቀት

    • Dr Dawit Tsegai, Our Voice January 22, 2016

      Dear Berhe,

      Thank you for your interesting comment. Actually, our account of the link between Isaias Afwerki and royalty is mainly based on the two books, one in Amharic and the other in Tirgigna, we mentioned in the article (Please refer to the English version of our earlier article as well). There are also other publications that confirm what we said.

      There is persistent report of the existence of Ras Hagos – the brother of Emperor Yohannes IV, and that he died in battle against Ras Alula Aba Nega.

      The question is, therefore, are there two Hagoses ie, Ras Hagos and Lij Hagos?

      We are glad that you seem to recognize the fact that we have no problem with Isaias Afwerki having decent from Tigray just as many other Eritreans. But, his link with royalty seems to have been an important factor in his sense of entitlement to power and his general mind set. Therefore, the public should be aware of it.

      With regards.

      • Dr Dawit Tsegai, Our Voice January 23, 2016

        Dear Berhe,
        Further to my comment above, may be the easiest way to settle the controversy you have raised is to simply answer the question: “Who killed Ras Alula Ababa Nega?” You will then find that indeed, he was wounded in a battle with Ras Hagos Mircha in Western Tigray and died two months later of his wounds. Ras Hagos died on the same day of the battle. Therefore, as we said, Ras Hagos Mirach (the brother of Emperor Yohannes IV) did exist until Abraha fled to Eritrea, and that this happened soon after the Battle of Adoa. Please do not rely merely on the story told by your family elders. Our evidence is based on multiple sources from recorded Ethiopian history. You probably need to do further research, Sir!
        With due regards.

      • Berhe January 24, 2016

        Thank you Dr. Dawit
        I called Tembien and was able talk to a couple of surviving elders.
        There was indeed a person called Ras Hagos. This was the same person that fought against Ras Alula and was killed in the process. The elders added Ras Hagos was captured during the battle and was killed by a nephew of Ras Alula, who was there while his uncle, Ras Alula lay dying of his wound. In revenge.

        Ras Hagos is the son of Shum tembien Engda, of Ambera, Qola Tembien.

        Lij Hagos Miritcha is the Son of Shum tembien Miritcha of DogA Tembien. The elders also told me Lij Hagos died young. He died so young, he was not around when his brother became King.

        If President Isayas is indeed the descendant of Ras Hagos. It must be Ras Hagos Engda who was the only Ras Hagos from Tembien, at that time and who was around after Metema to wage a war against Alula.

        Thank You

      • Natnael January 25, 2016

        @Dr Dawit Tzegai,

        You mean “…Therefore, the public should be aware of it (DIA)…” ! Why at all ? The dictator has got the reputation as a King through killing innocent citzens, but not through his ancestory from the royal family of Hailesellasie “Mo a anbesa ze im negede yihuda” or Yohannes IV. Therefore taking the dictator so important should neither be our aim nor should we give any attention ! He is just a simple killer like every bandit or outlaws, no more no less !

        • Dr Dawit Tsegai January 25, 2016

          Dear Natnael,
          Thank you for your comment. As you said, the man is a merciless killer, and even one of the most notorious criminals in modern history, like Pol Pot. He has finished off an entire population more or less!!!!!! What we have tried to do is explain, partly, why this has come about. We need to understand that Isaias Afwerki has a deformed mind (sadistic narcissism, no less) – and this is linked to his family’s background of lost royal glory and a desperate attempt to resuscitate it at the terrible expense of the Eritrean people
          In short, this should not be ignored.

          With regards.

          • Simon G. January 25, 2016

            It is always good to know where is from? This is a first thing that should happen, long long time ago.
            He has been labeling great fighters as Non-Eritreans through his 03 branch, for character assassination. Hey, even companies run a background check before offering a simple job. Why not giving him his own taste? In his case is though it is real. He is an outsider, just like Hitler was. Maybe this evilness is in his genes.

  • k.tewolde January 21, 2016

    Fantastic! Just like Kidane said in his post, let the message resonate across every rank and file of Eritrean people,let it have a broader appeal,even if we have to write it in our seven or eight ethnic dialects,if we have the resource.Guaranteed!we will have results.That’s what it took for us to reintroduce our liberation fighters back in to southern Dankalia in mid 1970’s to recapture the hearts of Afar Eritreans that was left heavy because of the “SIDOHA ELA” players which one of them was the tyrant-we started speaking like them.Like the Afari saying goes,”DAGO MIEE”,good news.

    • k.tewolde January 21, 2016

      Remembering those heroes and heroins who fell in that infernal heat of the Denakil depressions doing their innovative work,eternal glory.I will never forget them.

  • Kidane Beraki January 22, 2016

    If we demand our rights and sing democracy then we have respect others’ rights too. It is a two way street. If it is the Yohannes involved in the process who responded to my opinion please check your inbox. If it is not, I won’t dignify your wrong opinion with a response except to tell you to wake up and catch up. We MUST strive to accommodate not alienate each and every Eritrean to get rid of the sadistic dictator.

  • fetsum abraham January 22, 2016

    Good effort by the Voice writing in tigrigna as well which is not easy to do. God bless u for zis but i have no problem wiz any content of z message because z group has already taught its uncertainity about their reaserch through in z material.

  • Emaga January 23, 2016

    Eseyas Afewerki is 100% is from tgray that is way hi did bad things in Eritrea.hi is not from us we have to distroy him by any means.

  • negash January 23, 2016

    I am Eritrean living in Ethiopia for about 60 years. I have worked in several parts of Ethiopia. I have a friend from Temben who has some linkage to the royal family of Atsie Yohannes has confirmed the fact regarding Issaias. What the other Ethiopian says is a bit confused.

POST A COMMENT