Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ አብ ኩናት የመን ክትዕሰብ

ወልቀ መላኺ ኢሳያስ አፍወርቂ ብ 29 ሚያዝያ 2015 ዕለት ዝገበሮ ዕውደት ናብ ሱዕድያ ብወገን ህግደፍ ሚስጥራዊ ንክኸውን ተሓሲቡ፤ በቲ ስርዓት ብዝውነና መራኸቢ ብዙሓን ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዕውደት ንሱዕድያ ንህዝቢ አይተሓበረን። እንተኸነ ግን መራኸቢ ብዙሓን

ወልቀ መላኺ ኢሳያስ አፍወርቂ ብ 29 ሚያዝያ 2015 ዕለት ዝገበሮ ዕውደት ናብ ሱዕድያ ብወገን ህግደፍ ሚስጥራዊ ንክኸውን ተሓሲቡ፤ በቲ ስርዓት ብዝውነና መራኸቢ ብዙሓን ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዕውደት ንሱዕድያ ንህዝቢ አይተሓበረን። እንተኸነ ግን መራኸቢ ብዙሓን ካብ ሱዕድያ ነቲ ዕውደት ኣቃዕንኦ። በዚ ድማ ናይ ህግደፍ ደገፍቲ ምኻነን ዝፍለጣ ዊብሳይታት እቲ ዕላማን ውሽጣዊ ትሕዝቶ ናይቲ ጉዳይ ከይፈለጣ፤ ነቲ ዕውደት ከም ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ጊረን ከም ልሙድ ክውድሳ ተራእየን።

እቲ ግልጽነተ ዘየብሉ ስርዓት ህግደፍ፤ አብቲ ዝካየድ ዘሎ ኩናት የመን፤ ከምኡ ድማ ሱዕድያ ተካይዱ ዘላ ናይ ነፍርቲ ደብዳብ፤ አግረኛ ሰራዊት ካልኦት ሃገራት ክተእትውን ክተዋስእ ሱዕድያ ተገብሮ ዘላ ናቱ መቐጸልታ ንስርዓት ህግደፍ’ውን አብዚ ኩናት ንኽሳተፍ፤ ብኣምሳይኡ ድማ ጉንዖ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንኽረክብ ድሕሪ ማዕጾ ምይይጥ ምግባሮም ሓበሬታታት አሎ። ከም ዝፍለጥ አብ ዝሓለፈ ዓመት ኢሳያስ ዕውደት ንኽገብር ንሱዕድያ ብመንገዲ ወጻኢ ጉዳያቱ ሓቲቱ፤ ሕትኡ መልሲ ስለዘይረኸበ ናብታ አንጻር ሱዕድያ ኢያ ትብሃል ሃገር ኢራን ዕውደት ጊሩ ምንባሩ ድዝከር ኢዩ። እቲ ኣቃልቦ ጎረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ክረክብ ሓረደግ ዝብል ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፤ አብ ዝኾነ ጸይቂ ተግባራት ንኽዕሰብ አብ ቀረባ ከምዘሎ የመላኽት አሎ።

ምስ መንግስቲ ሱዕድያ ኢሳያስ ናይ ሓባር ስምምዓት አብ ወፍርን ካልእ ዓውድን ተሰማሚዕና ክብል ገሊጹ አሎ። ኢሳያስ አብዚ ዕውደት ንወራሲ ዓራት ንጉስ ሱዕድያ ሳልማን ቤን አብዱል ዓዚዝ ኣል ሱድን ናይ ምክልኻል ሚኒስተርን ከምዝተራኸበ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕውደት ጊሩ ድማ ንኤርትራ ተመሊሱ። እንተኸነ ብዛዕባ ዕውደቱ ብክልቲኡ ሸነኽ ዝርዝር ሓበሬታ ክውሃብ ኣይክአለን፤ ሱዕድያ ሕጅ አብ ኩናት ተጸሚዳ አብ ዘላትሉ ግዜ ምስ ህግደፍ ናይ ልምዓት ዘተ ትገብረሉ ምኽንያት የለን። እንተኸነ ቅድሚ ኢሳያስ ሱዕድያ ምምጽኡ፤ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ናብ ሱዕድያ ብመንግስቲ ሱዕድያ ዝተዓደመ መራሒ ሲኒጋል ፕሬዝደንት ሳለስ፤ ነቲ ብመንግስቲ ሱዕድያ ዝቐረበሉ ናብ ኩናት የመን አጋር ሰራዊት ንኽእትው፤ ብኣንጻሩ ብሚሊዮናት ሓገዝ ንኽረክብ ዝቐረበሉ ሕቶ ተቐቢሉ 2100 ወተሃደራት ንኽእትው ስምምዕ ከቲሙ። አብ ሰኒጋል ሓያል ናይ ህዝቢ ቁጥዓ ፈጢሩ አሎ። ተቓወምቲ ፓርቲታት ነቲ መንግስቲ ናብ ዕሱብ ተቐይሩ ክብሉ ይቃወሙ አለው፤ አንጻር ግብረ ሸበራ ዝቃወም እንተኾይኑ አብ ጎረቤትና ናይጀርያ ንዘሎ በኩ ሓራም ዘይወግእ፤ ዕሱብነት ኢዩ ክብሉ ተቓውምኦም ይገልጽ አለው። መራሒ ሲኒጋል ግን ‘ነቲ ቅዱስ ቦታ’ ክንከላኽል ኢና ክብል ገሊጹ። መንግስቲ ሱዕድያ ድማ ብዙሕ ወፍሪ አብ ሲኒጋል ክገብር ኢዩ ኢሉ። እቲ ሕቶ ድማ መጀመርያ ወፍሪ ዲዩ ክግበር፤ ወይስ አብቲ ረስኒ ኩናት የመን አጋር ተዋጋኢ ሰራዊታ ምእታው ኢዩ። እቲ ምርጫ ንዕኦም መግዳፍ ኢዩ።

እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይተገልጸ ናይ ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ዕውደት ናብ ሱዕድያ፤ ብስቱር ክትሓዘሉ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ፍሉጥ እካ እንተዘይኮነ፤ ብድሕሪ ማዕጾ ዝተገብረ ምስምማዕ ግን ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃስይ ክኽውን ከምዝኽእል ምስክርነት ዝሓትት አይኮነን። ኢሳያስ ነቲ ብወፍሪ ባርነት ሒዝዎ ዘሎ ሰራዊት፤ አብዚ ኩናት ክጸምዶ ምስ ዝፍትን፤ ነቲ ድሮ ሃሰያ ዘብጽሓሉ ቁጠባ ሃገር አብ ርእሲ ምርማሱ፤ ህይወት ንጽሃት ኤርትራውያን ክወስድ ምኻኑ ፍሉጥ ኢዩ። ቅድሚ ሕጅ ሰራዊት ኤርትራ አብ ኩናት ኮንጎ፤ ሱዳን፤ ሶማልን፤ ህግደፍ ብዘገበሮ ውሽጢ ውሽጢ ስምምዕ ሓያሎ ኤርትራውያን ከምዝሞቱ ዝፍለጥ ኢዩ። ነዚ ሕጅ ዝግበር ዘሎ ውዲት ድማ ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራውያን ብንቕሓት ክከታተልዎን ክምክትዎን የድሊ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Natnael May 9, 2015

    ” …ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ዕውደት ናብ ሱዕድያ ብድሕሪ ማዕጾ ዝተገብረ ምስምማዕ ነቲ ብወፍሪ ባርነት ሒዝዎ ዘሎ ሰራዊት ህይወት ንጽሃት ኤርትራውያን ክወስድ ምኻኑ ፍሉጥ ኢዩ። ቅድሚ ሕጅ ሰራዊት ኤርትራ አብ ኩናት ኮንጎ፤ ሱዳን፤ ሶማልን፤ ህግደፍ ብዘገበሮ ውሽጢ ውሽጢ ስምምዕ ሓያሎ ኤርትራውያን ከምዝሞቱ ዝፍለጥ ኢዩ። ነዚ ሕጅ ዝግበር ዘሎ ውዲት ድማ ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራውያን ብንቕሓት ክከታተልዎን ክምክትዎን የድሊ። …”

    DIA is dancing upon the endless enslaved Eritrean youth while his children are kept save in Asmara!

    Dear DIA !
    please send first your kids [now in comfort] to the battle fields in Yemen or let them flee through SINAI or Libya and then you will feel how the pure Eritreans percieve the harm you are inflicting upon them.

    • Suleiman Salim May 9, 2015

      “ከም መንግስቲ መጠን ንኣኡን ንምሕደራኡን ዘዋጽኦ (ዝሰማምዖ) እንተ ረኺቡ፡ ከምዚ ዝገለጽኩሞ ክገብር ይኽእል’ዩ። ” — Mesinas

  • Mesinas May 9, 2015

    ኣነ ዝገርመኒ’ኮ ናትና ነገር’ዩ! ዝኾነ ደላዪ ፍትሒ፡ ከምዚ’ሉ ክሓስብ ወይ ድማ ክዛረብ ከሎስ ድንግርግር’ዩ ዝብለኒ! ከምዚ ክትብል እንተ ኴንካ እኮ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሎ ኢልካ ምስ እትሓስብን እትእምንን ጥራይ እዩ! ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ከምዘየለ ከኣ ብዘይካ እቲ ሰራዊትን ኣጽዋርን ወኒኑ ዝዓንተረ ኣካል ኩሉ፡ መንግስቲ ዝመስሎ የዋህ እንተዘይኮይኑ እቲ እንታይነትን መንነትን መንግስቲ ዝፈልጥን ዝርዳእን ሰብስ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንሰብ ከም እንስሳ ዝጓሲ ኣዝዩ ሰነፍ ጓሳ፡ ኣፉ መሊኡ መንግስቲ ክብሎ ኣይክእልን’ዩ!

    ኣብ ኤርትራ ናይ ብሓቂ መንግስቲ እንተ ደኣ ኣልዩ ኮይኑ፡ ከም መንግስቲ መጠን ንኣኡን ንምሕደራኡን ዘዋጽኦ (ዝሰማምዖ) እንተ ረኺቡ፡ ከምዚ ዝገለጽኩሞ ክገብር ይኽእል’ዩ። ንሰራዊቱ ብወግዒ ደሞዞም ቈጺሩ ናብቲ ሓገዝ ዘድልዮ ሃገር ክሰዶምውን ይኽእል’ዩ! እዚ ኣካል ዲፕሎማሲ ስለ ዝኾነ ኣይላእን’ዩ! ምስ ሰደዶም ከኣ ዝኾነ ይኹን መስዋእቲ ምስ ዘጋጥሞም፡ ክብሮምን ስድራኦምን ከውሕስ ናይ ግድን’ዩ! ኣብ ኤርትራ ግን ከምዚ ዝብሃል ነገር የለን! ምኽንያቱ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ሓደ ብደስ ዝበሎ መገዲ እንስሳታት ጓሲዩ ናብ መሮር ዘውፍርን ዝዘርዕን ሰነፍን ትዕቢተኛን ጓሳ’ምበር ንህዝብን ሃገርን ዝሓልን ዝሰርሕን መንግስቲ ዝብሃል ኣካል ስለ ዘየለ!

    እዞም ‘ብሕቡእ ሕጂ ናብ ኲናት የመን ንኽሸጦም ምስ ሱዕዱያ ተሰማሚዑሎም ኣሎ’ ዚብሃል ዘሎ መሳኪን ኤርትራውያን ከኣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዛየር፣ ኣብ ሶማልን ጫድን ዝገበሮ፡ ብስውር ሰዲዱ ከሕቕቖም’ዩ! ንስድራ ቤቶም ድማ ኣብ ባህ ዝበሎ ግዜ ‘ንሃገሮም ተሰዊኦም!’ ኢሉ ኣርዲኡ፡ ወርሓዊ ተመጽወትቲ 500 ናቕፋ ክገብሮም’ዩ። ንመላኺ መን ዝዝሓቶ ኣሎዎድ’ዩ!? ዋላ ሓደ!

    • Suleiman Salim May 9, 2015

      “ከም መንግስቲ መጠን ንኣኡን ንምሕደራኡን ዘዋጽኦ (ዝሰማምዖ) እንተ ረኺቡ፡ ከምዚ ዝገለጽኩሞ ክገብር ይኽእል’ዩ። ”

      ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ዝገበረቶ ምትእትታው ከም ኣብነት ዲኻ ተዛኻኽረና ዘሎኻ ? ኩልና ከም ንዝክሮ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ክትጽመድ እንኮላ ነዚ ንስኻ ዘቕረብካዮ ምኽንያት ኢያ ጠቒሳ። ኣብ እቲ ጊዜ እቲ ኢትዮጵያ ንኣሜሪካ እምቢ ክትብል ኣይከኣለትን።

  • mahta May 9, 2015

    Nsa eya eta haki Mesinas . Shifta nay hager ember mengsty zbhal yeblan. Nsu ente keelu medenagoyi baeta kfetr nay gdn eu.Dkam gn nay ezi anxaru zqawom zelo hzbn serawit eu . Abkndi nkdmo gulu gzie kkdmena ynebr alo. Ewae Wxue hzbi.

  • Bilenay May 9, 2015

    HAKI KINIZAREB NIYEMEN KEYDU ZIWAGAE SERAWIT AYKONEN ADU ZIKELAKEL IWOIN YELEN. BISENKI GIFAWI SIRAT 80% ADU GEDIFU TESEDIDU IYU HGDF INTEZIKONELU NAY KALIOT KEDAMI KOYNU ABZEYFELTO ADI NIMENISEY ERITREA KETFIO DILUW IYU GIN AYTEREKBEN.

  • rezen May 9, 2015

    “ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዕውደት ንሱዕድያ ንህዝቢ አይተሓበረን።” etc etc etc

    It has ALWAYS been Issayas’ demeaning attitude towards the Eritrean people. At one time a reporter asked him about the shortage of gas etc adding ‘the people wanted to know about the Assab Refinery’. Issayas sneered at the question and said ብዝዕባ በርበረን ኮመደረን ይሕሰቡ እምበር ብዛዕባ’ዚ እንታይ…..he brushed off the reporter. Needles to say, there was no bleep from ANYONE OF US (if you remember!) Some of us had the means of getting tanks of gas, any time, at our convenience, delivered at our household [if you know what I mean! wink, wink, wink…..
    Now, it is upon us ALL and we are screaming at each other and insulting Issayas to our hearts’ content on the air from safe and far distance.

    Issayas’ intensity of hatred towards the Eritrean people is obvious. It has been demonstrated time after time …….. It is only the intensity of the application of that hatred that varies from time to time to fit the occasion of the day. But, the end result has always been the same. I am really getting tired OF MYSELF for repeating the same thing over, and over, and over, and …….I am not blaming anyone, but definitely I am getting to dislike MYSELF! Perhaps I should stop commenting on the seemingly cursed land, baptised as “Eritrea”. THE END

  • 24 ጉንበት May 9, 2015

    JIGNNET EMBER HASOT AYNATUN EYU WAN DLEYELA

  • magen May 9, 2015

    We have been talking about the dictator Isias because of our weakness he becomes a hero he always says to his cabinet ministers we are deki alulu eritreans have to pee like a woman there’s no eritrea he claims himself like a woman .this is fact .the only solution is assassinated someone of his right hand .we have been talking about democracy for 25 yrs isias is still laughing on us .shame on us

    • Aida May 10, 2015

      Magen? you are right we only talk kkkkkk 25 yrs we don’t have a man

  • hamasanay May 10, 2015

    Selamat btsot kab ab zezitamena koina bzuhn wuhudn nizareb nay hawaru ftah zeyndeli

  • ኣርዓዶም May 10, 2015

    ራኢ ዘ ኣርዓዶም

    መጻኢ ኤርትራን ተቓውሞን ከመይ ኮን ክኸውን ኢዩ ?

    ህግደፍ ሓድሽ መንነት ወረቐት ምዕዳሉ
    ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሱዑድን የመንን ኢድ ምትእትታው ምጅማሩ
    ህግደፍን ንድፊ-ሓድሽ ቕዋምን ኤርትራ
    ደምበ ተቓውሞ

    መጻኢ ኤርትራን ተቓውሞን ከመይ ኮን ክኸውን ኢዩ፣
    ከም ዝፍለጥ ኤርትራ ሃገርና ብውልቓዊ ዋንነት ካብ ትምራሕ እንሆ ኣስታት 25 ዓመታት ረጊጹ፡ ደምበ ተቓውሞ ብኣንጻሩ ልዕሊ 10 ገይሩ ኣሎ። ህዝብና መነባብሮን ጸቕጥን ስለዝበርትዖ ልዕሊ 1 ሚሊዮን ዝኸውን ኣብ ስደትን ጎረባብቲ ሃገራትን ኣሎ። ህግደፍ እቲ ኹሉ ሕማቕ ነገር ዒፍ ስለዝበሎ ክሳብ ገዛ ምፍራስ በጺሑስ፡ ተቓዋሚ ኣካል ስኢኑ ክሳብ ሕጂ ከም ድላዩ ይገብር ኣሎ።

    ሎሚ ግን ክፉእ ስለዝተወድኦ ናብ ጽቡቕ ዘምርሕ ዛዕባታት ኢዩ ዝዕለል ዘሎ። በዚ መንጽር ደገፍቲ ህግደፍ፡ ኣፍልቦም ነፊሖም፡ ምሳና ተዘይተመሊስክን ክንረ አአ ኢና ኣብ ምባል በጺሖም ኣለው። ምናልባት እታ ትጋባረ ቕዋም ባዕሉ ህግደፍ ብዝጥዕሞ ዝነደፋ፣ ተቐባልነት እንተረኺባ፡ ካብ ኩሉ ዝገበሮ ገበናቱ ሓራ ትገብሮ ዶ ትብሉ። ህዝቢ ጃጃዊ እንድሕሪ ኮይኑ፡ ግድን ኢዩ ዝተባህሎ ክርዕም። ደምበ ተቓውሞ ኸ እንታይ ክገብር ኢዩ ሽዑ ! ከም`ዛ ኢልናያ ዘለና ዶ ኢድና ኣጣሚርና ስቕ ንብልስ ወይ ብተግባር ንቓለስ፡ ናይ ግዜ ነገር ኢዩ።

    ህግደፍ ኣብ ጎዳይ ሱዑድ ዓረብ ኢድ ምትእትታው ምጅማር።
    እቲ ንዕቐት ህዝቢ መቸም ሰማይ ዓሪግዎም እንድዩ፡ ህግደፍ ሕጂ ድማ፡ የሕዋትና ዘሕልፍዎ ዘለዉ መግዛእቲ ህግደፍ ከይ ኣክል፡ ኣብ መሬት ዓዲ ኣማቶም እሞ ድማ ነቶም ዝቐትሉናን ዝጨውዩናን ዝዕምጹናን የዕራብ ክሕግዙ እንድሕሪ ናብ ኩናት ዓረብ ኣትዮም፡ ምናልባሽ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ኣብ ኣህዛብ ቐይሕ ባሕሪ ብፍላይ ከጋጥም ዝኽእል ብዙሕ ነገራት ይርኣየኒ ኢዩ። የመን ጎሬበትና ብፍላይ እቶም ሁቲ ዝብሃሉ ኣብ ቐይሕ ባሕሪ ከባቢ ሓኒሽ ኢዮም ዝነብሩ ይብልዎም፡ ስለዚ ስቕያት ህዝቢ ኤርትራ ክኾኑ ይኽእሉ፡ ኣይበሎ እምበር፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ የመን ተተላኢኹ፡ ኣብ ኤርትራ ከጋጥም ዝኽእል ብዙሕ ነገር ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ተጋደልቲ፡ ነዚ ናብ ኩናት የመን ምትእትታው ብትሪ ክቓወምዎ ኣለዎም። ኩናት መሪሩ ናብ ስዑድ ኢዶም ተሂቦም ክ ኣ፡ ባዕላ ስዑዲ ወይ ንህግደፍ ከተረክቦም ኢያ ወይ ባዕላ ከም`ዚ ናይ ትማሊ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም 4 ሰባት ብሴፍ ዝቐተለቶም፡ ክትቐትሎም ትኽእል። ከም ዝፍለጥ ትማሊ 9 ቐዳም፡ ኣብ ዜና ከም ዝተጋወሐ፡ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም 4 ሰባት፡ ስዑዲ ዓረብ ብሴፍ ክሳዶም ቖሪጻቶም ኣላ።

    ንድፊ ቕዋም ህግደፍ

    እዚ ንድፊ ኢልካ ዝዝረብ ዘሎ ናይ ህግደፍ ቕዋም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣይምልከቶን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ልዕሊ ምልዮን ተመዛቢሉ ብዙሕ ድማ ነቲ ስርዓት ርእሱ ዝኽኣለ ተቓውሞ ስለዘልዓለ፡ ህግደፍ ዝነደፎ ንድፊ ቕቡል ኣይኮነን። ግን ከ ግድን ተቐበልዎ ተይሉ፡ ንሱ ኣብ መሬት ኤርትራ ብምህላዉ፡ እንታይ ከጋጥም ይኽእል ግን ብዙሕ ክብሃል ይክኣል ኢዩ። ምናልባሽ እቲ ለውጢ ከም ዝመስለኒ ብተቃወምቲ ኢዩ ዝመጽእ፡ እዚ ድማ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ቖልዓ ሰበይቲ ርዒዱ ክገብሮ ዝኽእል ሓይሊ ስለዘየለ፡ እቲ ህዝቢ መብዛሕት ኡ በቲ ስርዓት ተቖሪኑ ስለዝኾነ፡ ባዕሉ ንኽትንስእ ክኸብዶ ኢዩ።

    ደምበ ተቓውሞ
    ህግደፍ፡ ብዝለ ኣኾም ብዙሓት ንደምበ ተቓውሞ ክርምስዎ ጸኒሖም ኢዮም። ሎሚ ግን ከም ኡ ዘይኮነ ኩሉ መን ብመን ንፋለጥ ስለዝኾና፡ እተን ደኺመን ዘልዋ ተቓወምቲ ኣብኣን ናይ ህግደፍ ስለዘሎ ይኸውን። ከም ኡ ድማ ጎሬበትና ኢትዮጵያ ንጽባቐና ትሰርሕ ኣላ ዝብል ግምት የብለይን። ምኽንያቱ ሓንቲ ድኽምቲ ወይ ጭቑንቲ ኤርትራ ክርእዩ ስለዝደልዩ ኮይኑ ይስምዓኒ እምበር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ተቓወምቲ ድ ኣ ብዙሓት እንዴን፡ ስለምንታይ ተኸልኪለን ይገርም ኢዩ።

  • Tekle Haile May 10, 2015

    መራሒ ኤርትራን ሓላፊ ህግደፍን ፡ ንሱ እዩ ንጉስ ፡ መላኺ ፡ ጨፍላቒ፡ አሳሪ ፡ ገባሪ ሓዳጊ፡ ተወደበ ወተሃደራዊ ወይ ሲቪላዊ ሓይሊ ስለዘየሎ፡ ንኹሉ ስልጣን ገቢቱ ሒዙ ሕጂ ድማ ንዝወረዶም ኤርትራውያን ንገንዘብ ክብል አብ ሓዊ መጋርያ ክጠብሶም ይሻባሸብ አሎ ፡ እንተ ሞቱ አይደቁን ፡ እንተ ደልዩ ንደቁ ናብ ሓዊ ይስደድ ። አምባ ገነን እዩ፡ ንዑኡ ዘድልዮ ዝና ገንዘብ ወርቂ ከምቲ ናይ ቀደሙ ገንዘብ ናባይ አምጽእዎ ክብል አብ ቪደኦ አሜሪካ ብዙሓት ሪኢናዮ ። ኤርትራውያን በገባብ ንሃገሮም እንተተሰውኡ ክብሪ አለዎ መሬት አቦታቶም እዩ ፡አብ ዓዲ ሃገር ምማት እንታይ አምጽኦ? ብገንዘብ አይንሽየጥ ኣይንልወጥ ንመን ክሕሾ ንንጉስ ንፈርዖን ? አብ ዓለም ዘለና ኤርትራውያን ዓገብ ንበል ሞት ስንክልና ቅዝፈት ይአክል፡ ዝውክለና መንግስቲ ንኽህልወና ብሓባር ንቃለስ ፡ አብ ኤርትራ ንሺሙ ፓርላማ ኔሩ ሕጂኸ ? ነቶም ይከአሎ፡ ዋርሳይ ፡ አገልግሎት ኢሉ ዝሰየሞም ኤርትራውያን ሃያ ተላዓሉ ኢሉ ናብ የመን ንኩናት ብዘይ ድልየቶም ክሰዶም እዩ ብሒም ዝበለ ድማ ብጥይት ክጠፍእ እዩ ብሓባር ድማ ኩሉ ነገር ክንር ኢና ። ዓገብ ንበል ማይ ከመጸ መጽለሊ ንድለ ሓዘና ይኽለና አይነስኸሉ ዓገብ ዓገብ ። ናይ 1998- 2000 ኩናት መላኺ አይንረስዕ ዓቢ ትምህርቲ እዩ ሀገርና ባዲማ ተሪፋ አየክል አየክል ። ኤርትራውያን አብ ኩናት ምጥባስ ንዝና ኢልካ ቀደም ሓሊፉ ደጊም ዝና መራሒ ምሬት ዘቢጣ እያ ። ቃሲ ይውለድ ይዓቢ ይጉብዝ ይአርግ ይጉሓፍ ንጉስ ድማ አብ መጨረሻ አብ ጉሓፍ ፡ ክብረት ቀደም ኔሩ ሰብ ብገርሃ፡ ሎሚ ክብረት የለን ህዝቢ ስለዝተጠልመ ።

POST A COMMENT