Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ: ቀጻሊ እትበርስ ዘላ ሃገር

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ስሳታት እዩ መስለኒ: ኣልኣሚን: ዓባይ ኣባሻውል ሎሚ ክደርፈላ: ፈጺማ ብኹላ ከይፈረሰት ከላ: እትብል ደርፊ ደሪፉ። ሓቁ እዩ: ከመይሲ ኣባሻውል ማለት ኣስመራ ማለት እዩ ነይሩ። ምፍራስ ኣባሻውል ድማ ከም ምፍራስ ኣሰመራ እዩ ዚቝጸር ነይሩ።

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ስሳታት እዩ መስለኒ: ኣልኣሚን: ዓባይ ኣባሻውል ሎሚ ክደርፈላ: ፈጺማ ብኹላ ከይፈረሰት ከላ: እትብል ደርፊ ደሪፉ። ሓቁ እዩ: ከመይሲ ኣባሻውል ማለት ኣስመራ ማለት እዩ ነይሩ። ምፍራስ ኣባሻውል ድማ ከም ምፍራስ ኣሰመራ እዩ ዚቝጸር ነይሩ። ኮምብሽታቶ ክኔኡን ሕዛእቲ ጣልያን ኪኸውን ከሎ: ወዲዓዲ ግን ኣብ ኣባሻውል እዩ ዚውለድን ዚዓብን ዝነበረ: ካብ ኣባሻውል ከኣዩ ሬሳኡ ዚወጽእ ዝነበረ።

ጣልያን ግን ነዚ ከም ዓቢ ነገር ኣይቆጸሩዎን። ንኣባሻውል: መብራህቲ ወይ ሊቺ ኣብ 60ታት እዩ ኣትዩዎ። ማለት: ኣርብዓ ዓመታት ድሕሪ ናይ ጣልያን ምስዓርን ካብ ኤርትራ ቀስ እናበልካ ምውጻእን!! ስለዚ ኸኣ እዩ: ጽሃይቱ ከምዚ ኢላ ኣብ ስሳታት ዝደረፈት፤ ኣባሻውል ዝባን ጨርሒ: ተወሊዓ ወርሒ……..ኣማስያኡ ሊቺ ተተኺላ ማለታ እዩ። ናይ ባዕዳዊ ገዛኢ ንዕቀት መወዳእታ የብሉን።

ካብ ኩሉ ዘገርም ግን: ጣልያንሲ ባዕዳዊ ብምዃኑ ዝበደለ እንተ በደለ ኣየስደምምካን: ከመይሲ ጸላኢ ናትካ ሕማቕ እምበር ጽቡቕ ክርኢ ኣይደልን። እቲ ካባኻ ዝወጸን ንኣኻ ኪሓልን ንሜዳ ዝወጸ መሪሕነት ኪጻወተልካ ከሎ እዩ ዘጕህየካ። ዓወት ንሓፋሽ ከም ዘይተባህለ: እቲ መሪሕነት ነዚ ጭርሖዚ ከም መሸቀጢ ብምግባር: ነታ ኣባሻውል እትብሃል ናይ ጭቁናት ክፍለከተማ ይትረፍስ ከሐድሳ: ሰፈር ጨራሩ ኾይናቶ ክርእያ እውን ኣይደለየን። እትው ምስ በለ ድማ ነቶም ሰብ ገንዘብ ኣብ ኢዱ ንምእታው እንዳ ኮረያ ሰሪሑ። ሓፋሽ ደኣ ኣበይ ድዮም ዚቕመጡ? እዚ ተግባርዚ ብደም ስዉኣት ከም ምጽዋት ኢዩ ኪቝጸር ዚግባእ: ከመይሲ ንሓፋሽ ምሕላይ ሓደ ካብቲ ሕድሪ ስዉኣት ስለ ዝኾነ።

ኣባሻውል ግን ስለምንታይ እያ ክትፈርስ ተደልያ ነይራ? መታን ክትሕደስን ህዝባ ድማ ኪምሽኦን። ይኹንምበር: እቲ ኣብኣ ዝዓበየ ሰብ: ክትፈርስ ከላ: ታሪኹን ልምዱን ዝኽሩን ምስኡ ኪጠፍእ ስለ ዝነበሮ: ደስ ከይብሎ ይኽእል ነይሩ እዩ። ዝኾነኾይኑ: ንኽዕረ ተባሂሉ ዚፈርስ ብዙሕ ኣየዛርብን: ንኺፈርስ ተባሂሉ ዚፈርስ እዩ ዘጒህየካ።

ደጊም: ናብቲ ጉዳይና ክንኣቱሞ ብዛዕባ ሓንቲ እትፈርስ ዘላ ዓባይ ሃገር ክንዛረብ: ንሳ ድማ ኤርትራ እያ። ኣብዚ ግዜዚ እቲ ከምቲ ኣልኣሚን …ዓባይ ኣባሻውል ሎሚ ክደርፈላ ፈጺማ ብኹላ ከይፈረሰት ከላ እናበለ ንኣባሻውል ዝደረፈላ: ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንኤርትራ …ዓባይ ኤርትራ ሎሚ ክደርፈላ: ፈጺማ ብኹላ ከይፈረሰት ከላ እናበለ ኪደርፈላ እዋኑ ዝበጽሐ ይመስለኒ። ግን ከኣ እዋኑ እዋን ደርፊ ኣይኮነን። ከምኡውን ናይቲ ምፍራስ ወይ ምብራስ ቀዳማይ ዕማም እተደምደመ ይመስል።

እቲ ቄሳር ኔሮ እተባህለ ሃጸይ መንግስቲ ሮማ: ከተማ ሮማ እናነደደት ከላ በገናኡ ኣውጺኡ ደሪፉላ ይብሃል። ከተማ ሮማ ትነድድ: ንሱ ድማ ይደርፍ። ኣብዚ ግዜዚ ኤርትራ እናፈረሰት ከላ ኪደርፈላ ዝደሊ: እቲ ውልቀመላኺ ጥራይ እዩ።

ዓድና ከይተፈለጠና ትበርስ እያ ዘላ። እታ ኣብ ልቢ ህዝብን ኣብ ልቢ ውፉይ ተጋዳላይን ዝነበረት ኤርትራ ኣይተሰርሐትን: እታ ዝነበረት ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ክትወድቕ ንርእያ ኣሎና።

እምበኣር እስከ ንዝሓለፈ ዘመንን ነዚ ዘመንን ብምምልካት ሓሙሽተ ምስልታት ኤርትራ ኣብ ኣእምሮና ንቕረጽ።

  1. ቅድሚ ባዕዳዊ (ኢጣልያዊ) መግዛእቲ ዝነበረት ኤርትራ

ኣብቲ ግዜቲ ኤርትራ ብኻልእ ስም እትፍለጥን: ህዝባን ኣውራጃታታን ድማ ብድኹም ፊውዳላዊ ምትእስሳር ዝቖመን: መዐንደሪ ወረርትን መሳፍንትን እያ ነይራ።

  1. ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረት ኤርትራ

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ዝነበረትሉ ዘመን: እቲ ህዝቢ ኪሓብርን ናይ ሃገራውነት ስምዒት ድማ ብመጠኑ ከኻዕብትን ጀሚሩ። ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ተቐላቒሉ። ኣንጻር ጭቆና ደው ምባል ተራእዩ። ኤርትራ ድማ ከም ሃገር ክትቍጸር ዝነበራ ዕድላት እናወሰኸ ከይዱ።

  1. ኣብ ግዜ ናጽነት ዝነበረት ኤርትራ

ኣብቲ ግዜቲ: እቲ ናይ ሃገራውነት ስምዒት: ናይ ኤርትራውነት መንፈስ ፈጢሩ: ህዝቢ ድማ መንነቱ ኣደልዲሉ: ሃገሩ ንኽትስልጥንን ንኽትምዕብልን ድማ ተሃንጢዩ: ራእይ ፈጢሩ: ተስፋኡ ሰማይ ዓሪጉ: ንኽብሪ እታ ናጻ ዝኾነት ኤርትራ ድማ ብጉልበቱን ብኣእምሮኡን ኩሉ ዘለዎ ኪውፊ ወሲኑ።

  1. ሕጂ ዘላ ኤርትራ

ብድሕርዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘይሓሰቦ ድቦላ: ነታ ዘፍቅራን ላዕሊ ኪሰቕላን ዝሓሰበ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ክትፈርስ ከላ ክርእይ ተገዲዱ። ራእዩ ጸልሚቱ: ተስፋኡ ቅሂሙ: ናይ ኤርትራውነት መንፈሱ ደኺሙ….

  1. ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ፈታው ሃገሩን ተቓላስን ዝነበረት ኤርትራ

እዛ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ኤርትራ ካብ ልብና ክንሓካ ተፈሪዱና እዩ። ግን ከምቲ ሓደ ገዛ ወላ እንተ ኣፍረስካዮ: እቲ ብሉ ፕሪንት (ስእላዊ ውጥን) ግን ተዓቂቡ ዚነብር: ስእሊ ናይታ መጻኢት ኤርትራ ድማ ካብ ልቢ ደቃ ዝሓኮ ምንም ሓይሊ የልቦን።

ኣየነይቲ ኤርትራ ብምባል ንዚሓትት ሰብ: ከምዚ ዚስዕብ መልሲ ይውሃቦ፤

  1. እታ ብባሕራን ብጨዋን ብዓሳታታን ማዕድናታን ብወደባታን ክትምካሕ ዝነበራ ኤርትራ
  2. እታ ብታሪኻን ብጻዕረኛን ተባላሓትን: ዘይልምንን ዘይስደድን ህዝባ ክትኮርዕ ዝነበራ ኤርትራ
  3. እታ በቲ ጋሻ ተቐባላይ ዝኾነን ኣብ ወጻኢ ዝደናገጽን ዝተሓጋገዝን ህዝባ ክትሕበን ዝነበራ ኤርትራ
  4. እታ ኣብ 50 ታት ካብ ኣፍሪቃ ብቑጠባ 2ይ ደረጃ ብምሓዝ ብቕልጣፈ ምዕባለኣ ኣብነት ክትከውን ዝነበራ ኤርትራ
  5. እታ ዘይትድፈርን ዘይትንብርከኽን ዘይናታ ዘይትደልን ምስ ጎረባብታ ብሰላም ክትነብር ዝነበራ ኤርትራ
  6. እታ በቲ ንኹሉ ተጻዊሩን ሃይማኖትን ዓሌትን ከይፈለየ ድማ ንነዊሕ ዘመናት እተጓዕዘ ህዝቢ ብምጥራያ ክትነኣድ ዝነበራ ኤርትራ
  7. እታ ብማዕቀብን ዓለምለኻዊ ፍተሻን ክትዋረድ ዘይነበራ ኤርትራ
  8. እታ ብመራሕታ ክትግፋዕን ክትሳቐን ኢላ ሓሲባ ዘይትፈልጥ ኤርትራ
  9. እታ ደቃ ካብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ኣኪባ ክትሓቍፍ ዝነበራ ኤርትራ
  10. እታ ደቃ ኣምሂራን ኣኽቢራን ኰስኲሳን ኣብ ዓለም ክትዝርግሖም ዝነበራ ኤርትራ
  11. እታ ናይ ምስራቕ ኣፍሪቃ ማእከል ኢንዱስትርን ልምዓትን ክትከውን ዝነበራ ኤርትራ
  12. እታ ብደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ተመስኪሩላ ህዝብታት ናብኣ ኪውሕዙ እንጽበያ ዝነበርና ኤርትራ

ሓደ እዋን: ሓደ ሰብኣይ ለይቲ ምድሪ ናብ እንዳ ዓርኩ ኳሕኳሕ የብል። እቲ ብጻዩ ካብ ንእዲ ተንሲኡ: ደሓን ዲኻ ደኣ! ብምባል ይውከሶ። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ኣብ ገጹ ናይ ጓሂ ምልክት እናርኣየ: ኣይ ገብረማርያም መሲሉኒ ንወልደማርያም እንድየ ቀቲለዮ: ይብሎ። እቲ ብጻዩ ድማ: ዋእ:  እንታይ ትብል ወደይ: ነቲ ሓደ ብኣፍካ: ነቲ ሓደ ድማ ብኢድካ: እንታይ ገዲፍካ: ብምባል ይምልሸሉ።

ውልቀመላኺና: ንኤርትራ ከፍርስ እተመዘዘ ናይዚ ዘመንዚ ፍሉይ ልኡኽ እዩ። ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ: ንህዝባን ንባህላን ንቑጠባዊ ኣቃውማኣን ንታሪኻን ኮታስ ብኹሉ መዳያታ ጽቡቕ ገይሩ ኣዕኒዩዋ እዩ።

ሓደ እዋን እቲ ውልቀመላኺ ካብ ስልጣኑ ምስ ኣልግሰ: ንሱውን ነቲ ኪጓነፎ ዘለዎ ህዝባዊ ቍጠዓ ከም ንቡር ብምውሳድ: ናብ ሓደ ዝኣምኖ ግን ከኣ ብዙሕ ዘይደፍሮ መማኽርቱ ከይዱ ከምዚ ይብል ይኸውን፤ ኣንታ ዓርከይ: ንሕድሪ ስውኣት ዝቐተልኩ መሲሉኒስ ንኤርትራ እምበር ቀቲለያ። እቲ ብጻዩ ድማ ከምዚ ብምባል ይምለሸሉ፤ ነቲ ብኣፍካ: ነቲ ብኢድካ እንታይ ገዲፍካ።

ከምቲ ንሓደ ሰብ ብስጋውን  ብመንፈሳውን መገዲ ክትቀትሎ እትኽእል: ንሓንቲ ሃገር ድማ ብስጋን ብነፍስን ክትቀትላ ትኽእል ኢኻ። ብስጋ ኪብሃል ከሎ: ነቲ ትሕተቅርጻን ከተማታታን ወዘተ. ተፍርሶ ንህዝባ ከም ዝስደድን ከም ዝፈናቐልን ትገብሮ ማለት እዩ። ብመንፈስ ወይ ብነፍሳዊ መገዲ ክትቀትላ ከሎኻ ከኣ: ነቲ ጭዋ ባህላን ወግዓን ታሪኻን ያታኣን ልምዳን ወዘተ. ተፍርሶ ማለት እዩ።

ኤርትራ ግን ብኽልቲኡ ፈሪሳ ወይ ሞይታ እያ። ይኹንምበር ካብቲ ቀዳማይ ሞት ቀልጢፋ ክትትንስእ ክትክእል ከላ: ካብቲ ካልኣይ ሞት: ማለት ናይ ባህላን ታሪኻን ወዘተ. ሞት ንኽትንስእ ግን ነዊሕ ግዜ ኪወስደላ እዩ።

ስለዚ ነዊሕን እተሓላለኸን ኣድካምን ናይ ዳግመምህናጽን ናይ ምብርባርን ዕዮ ኪህልወና ከም ዝኾነ ክንርስዕ ኣይግባእን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • bazit_2 August 31, 2015

    ዝኸበርካ መምህር ኣማኒኤል
    ስለቲ መሃርን ገላጽን ጽሑፋትካ ምስጋና ይብጻሕካ ቀጽሎ
    ድማ ይብለካ፡፡
    ብዛዕባቲ ዝበልካዮ ውልቀ መላኽን መጋበርያታቱን ሃገርን ህዝብን ዝፍርሱን ዘለዉ ከምቲ ምሳለ ኣቦዋት ሕማቕ ንፉዕ
    እንተ ወለደ ተቐሊቱ ንፉዕ ሕማቕ እንተ ወለደ ተዘሚቱ ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሕማቓትን ጠላማትን
    ስለ ዝወለደ ተዘሚቱ ኣሎ ንሕጂ በቲ ኻልእ ግን ከማኻን ንዓኻን ዝመስሉ ምሁራትን ግዱሳት ውፉያት
    ስለ ዘለውዎ ዝነበረ ታሪኹን ባህሉን ክብረቱን ከምዝምለሰሉ ዘጠራጥር ኣይኮነን ከምቲ ዝበልካዮ ግን
    ሓያል ጻዕሪ ከድልየና ኢዩ፡፡መሃሪ ጽሑፋትካ ግን ደጊመ እንዳኣመስገንኩ ቀጽሎ እብል፡፡

  • asmeret August 31, 2015

    ኣቱም ጸማማት ህዝቢ ስምዑ እስከ ተማሃሩ በጃኩም “ምድጊጋም ንኣድጊ ውን ይምህር” ይብሉ ዓረብ አስኻትኩም ግን ካብ ኣድጊ ትገዱ አንታይ አዩ ወሪድኩም አዚ ጽሑፍ ናይ መምህር እንታይ ከተውጽእሉ ኢኹም ደሊኹም ቁጽሪ ሓደ ክልተ እንዳበልኩም ጫሌዳ ተውጽእሉ ፈላለይቲ ኤርትራ ደቃ ዘይኮኑስ ወጻእተኛታት እዮም ናብኣ ዝስደዱ ኔሮም
    ህንዲ፣ ኣምሃሩ፣ ተጋሩ፣ ሶማል፣ ኢታልያውያን፣ የመናውያን፣ ግብጻውያን ገለ ኣነ ካብ ዝዝክሮም አዮም ::
    ሎሚ ከ እንታዋይ ወጻእተኛ እዩ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ብኣንጻሩ ኮይኑ ንሕና ንከዶም ኣሎና ።
    ባኣል ኣድጊ እስከ በጃኩም ሲቅ አልኩም ተማሃሩ አሱ ውን ነዚ ፈሊጡ ይደጋግመልኩም ኣሎ።
    ኤርትራዊ ዳኣ ከመይ ድዩ ነይሩ ንኤርትራዊ ኣምተሉ ኣበይ ከይሲሕቶ እዩ ዝባሃል ነይሩ ሎሚ ግን ዓያሹ በዚሕኩም ደርጓሓሎም ኣበይ ከይፈልጡዎ ኮይኑ።ምሕረት ካብ ፈጣሪ እዩ እሞ ምሕረት ………..

  • TSELOT August 31, 2015

    Dear Amanuel

    I believe that your articles will be our best references of our ‘past’ grievances during the downfall of the killer regime and in the coming new Eritrea, how a big teacher!

  • ጀጋንው ይዘከርው። August 31, 2015

    ናይ ግድን ኢያ ክትመውት ኢዛ ሃገር መንግስቲይ ኢየ ዝብል ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዳ፡ ብጀካ ኣምስው ክፈልው ዝወለድክሞ 11 ክፍሊይ ኣብሲህኩም ኣረክብው ብኩቦን ኢኩም ትበልው ኣይትዛረብው ኣይትህሰብው ኣይትታኣከብው ኣነ ብዝፍከድኩልኩም ኣምልክው ከይትንግድው ገዛ ከይትሰርህው ከይትሃርስው ተሃሪስክም ካ ንኣይ ወዘተ ኢንዳበለ ከቲልዎ ኢዮ። ነቲይ ባህልና ሳዋ ካብዝምህዝ ካ ዘረባ የብልን።

  • BERHE September 1, 2015

    Mr amanuel you are good writer but wrong idea,the government of Eritrea is Defending
    a war declared By Weyane “no war no peace”inorder to defeat the sprit of Eritrea
    reverse the freedom.I know you are smart,but emotional.If Eritrea did not own red Sea we will not have any problem.

    • Simon G. September 1, 2015

      ስድራኻ በርሀ ምስ በሉኻ ነገር ተውዲኡ። ተደፊንካ ምስ ረኣዩኻ: ተተመሰለሎም ‘ዮም።

  • Aman September 1, 2015

    everything falling apart,teenagers are migrating human resources is wealth of a country that is irreplaceable tragedy.

  • BERHE September 2, 2015

    Mr SAM G,we paid 100s thousand of sisters,brothers,sons,daughters beloved mothers and fathers to to get our freedom,if we have to do it again we will.”NEVER KNEEL DAWN ERITREA”

    • ጀጋንው ይዘከርው። September 2, 2015

      BERHE,
      ኩሩብ ተዘባሪካትካ ኣላ ህሰበላ ምክንያትው ክላ ኣበይ ኢሞ ክርዳካ ገዲፈዎ ኣለክው።

Post a Reply to TSELOT Cancel Reply