Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ፡ 25 ዓመት ኣብ ትሕቲ ጭቆና ስርዓት ህግደፍ

ክቡራት ኣንበብቲ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ናጽነት (ንሽሙ ናጽነት) ኣነውን ከም ህዝበይ የኽብሮን ይኾርዓሉን ኢየ። ምኽንያቱ ቀያሕትን ጸለምትን ጀጋኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስለ ዝኸፈልናሉ። እንተ ኾነ ግን ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተ ዘኪርናዮ “ነዚ ድዩ ነይሩ እቲ ዓላማ?

ክቡራት ኣንበብቲ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ናጽነት (ንሽሙ ናጽነት) ኣነውን ከም ህዝበይ የኽብሮን ይኾርዓሉን ኢየ። ምኽንያቱ ቀያሕትን ጸለምትን ጀጋኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስለ ዝኸፈልናሉ። እንተ ኾነ ግን ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተ ዘኪርናዮ “ነዚ ድዩ ነይሩ እቲ ዓላማ? ንሓንቲ ባንወደራን መላኺ ስርዓትን ንምቛም ዲዩ ነይሩ? “ባዕዳዊ ገዛኢ ይውጻኣልና’ምበር ወላ ሓደ ዲክታተር ወዲ-ሃገር ይግዛኣና” ዝብል ዲዩ ነይሩ መበገሲ ሰውራ ኤርትራ? ኣይኮነን።ንዛንታን ንቕያን ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ከሉ መስዋእትነት ከፊልካ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ተኺልካ፤ ህዝቢ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኡ ቅሳነትን ራህዋን ዘለዎ ሂወት ንምሕላፍ ኢዩ።እሞ ኣብዚ 25 ዓመት ማለት ርብዒ ክፍለ ዘመን ኣብ ኤርትራ ዝተረኽበ ምዕባሌታት እስከ ሓቢርና ንርኣዮ?

1.ፖለቲካዊ ምዕባሌ

ብመሰረቱ ህዝባዊ ግንባር ፍጥር ክብል ከሎ፡ ቀንዲ ዓላማኡ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣጥፊእካ፤ ሜዳ ኤርትራ ተቘጻጺርካ፡ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ንምብሓት ኢዩ ነይሩ። እዚ ድማ ሓደ ናይ ፖለቲካ ስትራተጂ ኣውጺኡ፡ንሕናን ዓላማናን ነዲፉ፡ ብተግባር ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ኣውጺኡዋ።ትንቢት ኢሳያስ  ኣብ ግብሪ ውዒሉ። ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ዝተፈጥሩ ምንቅስቓሳት፡ መንካዕ፤ የሚን ወ.ዘ.ተ. እናጥፍኤ ውልቀሰባት እናቐንጸለ፡ ኣስመራ ኣተወ። መጀመርያ ስጉምቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ንግስተ ሳባ ስታድዮም አቶ ኢሳያስ ህዝቢ ኣኪቡ ምልክነት ኣወጀ። “ብዜካና ካሊእ ሰልፊ ኣይነፍቅድን” በለ።ካብዚ ንድሓር ክቕድም ህዝባዊ ግንባር ክድሕር ህግደፍ፡ ሓደ ምልካዊ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነስ ሓደ መላኺ መራሒ ዘሕምቖ ስርዓት ነገሰ።ስለ ዝኾነ ድማ ኣይኮነን ፍትሕን ደሞክራስን ከተግብር፡ ካብ ጉጅለታት ይኹን ካብ ውልቀ-ሰባት ዝምንጩዉ ሓደስቲ ሓሳባት ዘይጻወር ስርዓት ኮነ። ናይ ምዝራብ፤ ምጽሓፍ፤ ምእካብ መሰላት ዘየፍቅድ ስርዓት ኢዩ። እዚ ን25 ዓመት ክገዝእ እንከሎ ንሽሙ ከማን ቅዋም የብሉን።

  1. ቁጠባዊ ምዕባሌ

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ማእከላይ ደርቢ ክፍጠር ኣይደልን። ምኽንያቱ እዚ ደርቢ’ዚ እንተ ዓብዩ ፖለቲካዊ ስልጣን ክምንዝዕ ዝኽእል ደርቢ ኢዩ። ስለ ዝኾነ ኣይኮነን ወጻእተኛ ኢንቨስተርሰ ክዕድም እቶም ዝነበሩ ውሑዳት ኤርትራውያን ሰብ ሃብቲ እውን ኣብ ሃገሮም ምስራሕ ከሊእዎም ኣብ ፈቖዶ ኡጋንዳን፡ኣንጎላን ደቡብ ሱዳንን ወ.ዘ.ተ. ቁጠባ ዓዲሃገር ከማዕብሉ ዝረኣዩ ዘለው። እታ ዘላ ናይ ሃገር ቁጠባ ባዕሉ ኢዩ ግቢትዋ።ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ “ብድኽነት ኣይተ ጠቕዐን” ዝብል ሰብ እንተ-ሊዩ ሓሳዊ ኢዩ።  ዘገርም ኢዩ። ካሊእ ይተረፍ  እቲ ህዝቢ ከም ዓለሙ ካብ ወጻኢ ረዲኤት ከይረክብ ኣጉል ባዶ ጉራ “ብነብስና ኢና እንሓድር” ዝብል  ሓሳብ ተጠቒሙ ህዝቢ ብድኽነት ሓለንጊ ይቕጻዕ ኣሎ።እዚ ኢዩ እምበኣር ናይ 25 ዓመት ምዕባሌ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቁጠባዊ ሸነኻቱ።

  1. 3. ሕብረተ-ሰብኣዊ ምዕባሌ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራዊ ስደተኛ ዘይብላ ናይ ሓንቲ ምዕራባዊት ሃገር ቁሸት ኣላ ማለት ብርግጽ ዘሸግር ኢዩ።ኤርትራ  ብብዝሒ ስደተኛታት ናይ ሱርያ ካልኣይቲ ምዃና ዘይካሓድ ሓቂ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ስደት ባህሊ’ዶ ኣለዎ ኢዩ? ዝኾነ ሰብ ዝፈትዋ ሃገሩ ሓዲጉ ኣብ ፈቖዶ ምድረ-በዳን ባሕርን ክወድቐ’ዶ ይመርጽ ኢዩ? ብፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ ምኽንያት (ንዓይ ከሉ ሓደ ኢዩ ካብ ጭቆና ስለ ዝብገስ) ህዝቢ ኤርትራ ካብ ብግዜ ሃይለ-ስላሴን ደርግን፡ ብግዜ ህግደፍ’ዶ ዝስደድ ኣይበዝሕን? ሓደ ሕብረ-ተሰብ ናይ ሓደ ሃገር ብሞተን ስደትን ምስ ጸነተ መፍትሒኡ እንታይ ኢዩ? ነዚ ስርዓት’ዚ ኢና እነጣቓዓሉ? ናጽነትና ጨውዩ ኣብ ድኽነትን ስደትን ስለ ዘሳጠሐና?

ሀ) ትምህርቲ

እቲ ኣዝዩ ዘስግእ ናይ ትምህርቲ ጉዳይ ኢዩ። ብርግጽ ሓቂ ክንዛረብ እንተ ኮይና ሎሚ ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እታ ናይ ቀደም ዝነበረት ሓንቲ ዩኒቨርስቲ ተዓጽያ፡ ሳዋ-ማዋ እናተባህለ፡ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብግቡእ ዝመሃር መንእሰይ የለን። ኣብ ክንዲ ኣብ ሓደ ናይ መጽናዕትን ስነ-ፍልጠትን ማእከል፡ ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ ማዓስከር ካብ ሓንጎሎም ምሕጻብ ሓሊፉ መንእሰያት ንሃገር ዝጠቅም እንታይ ክቐስሙ ይኽእሉ? መንእሰይ ኤርትራ’ኸ ይስደድ እንደዩ ዘሎ? ሓደ ሃገር ብዘይካ ዝተማህረ መንእሰይ ቀጻልነት ኣለዎ’ዶ?

ለ) ክንክን ጥዕና

ኩሉ ዝምስክሮ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ኣይኮነን ሓደስቲ ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ክህነጻስ እተን ዝነበራ ከማን ዝኣክል መድሓኒታትን መሳሪሒታትን የብለንን። እዚ ሓሶት እንተ ኮይኑ ዓዲ በጺሕኩም ዝተመለስኩም መስክሩ።ብግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ከማን ኤርትራውያን ሕሙማት ንሱዳን ከይዶም ክሕከሙ ኣይረኣናን። እዚ ክብል እንከሎኹ ባዕዳዊ መግዛእቲ መሪጸ ኣይኮንኩን።ግን ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ቃልሲ ፍረኡ ካብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝሓሸ ኩኾነለይ ኢሉ ዝሃቀኖ ዘይኮነሉ ምዃ ንምግላጽ ኢዩ። ነዚ ኩነታት’ዚ ኢዩ ብፈላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ በርከት ዝበሉ ኣሓትን ኣሕዋትን “ናይ 25 ዓመታት ምዕባሌ” እናበሉ ዝሕበንሉ ዘለው።

መበል 25 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ዝዝክሮ። ስርዓት ህግደፍ ዘብዕሎ ብሓሶትን  ብዳንከራን ብፕሮፓጋንዳን ክኸውን እንከሎ፡ ተቓወምቲ ግን ብዳንኬራን ጉዋይላን ዘይኮነስ፡ ስዋኣትና ብምዝካርን(እንኮላይ ብኢድ ስርዓት ህግደፍ ዝተስውኡ) ከምኡውን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብኸመይ ከም ዝሕይል ብምምይያጥን ኢዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን  ኣብዚ ዕለት’ዚ ማዕረ-ማዕረኡ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ን25 ዓመት ከምዘየሓለፍ  ከም ዝተሳቐየን ይሳቐ ከምዘሎን ንምግላጽ ኢዩ።ብጣዕሚ ዘገርም ኢዩ።ስርዓት ህግደፍ ኣዝዩ ጨካን ኢዩ።ቅድም ህዝባዊ ግንባር ካብ ሳሕል ጀሚሩ ንጹሃን ሃገራውያን እናቐንጸለ ኢዩ መጽዩ። ካብ ብዙሓት ውሑዳት ንምጥቃስ፡ መንካዕ፤የሚን፤ በርከት ዝበሉ ውልቀ-ሰባት ወ.ዘ.ተ. ደሓር ኣስመራ ምስ ኣተወ ኣካለ-ስንኩላን፤ እሱራት ዓዲ ኣበይቶ፤ ትማሊ ኣብ ኣሰመራ ካብ ወተሃደራዊ ዕስክርና ክሃደሙ ዝተረሸኑ፤መላእ ሃገር ናብ ሓንቲ ዓባይ ቤት-ማእሰርቲ ካንሸሎ ዝለወጠ ስርዓት  ኢዩ። ኮታ ብሓጺሩ ኣብ ዓለም ተወዳዳሪ ዘይብሉ ጸረ-ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ኢዩ። ስለ ዝኮነ ኢዩ ድማ ሰባት ነዚ ስርዓት’ዚ ምስ ስርዓት ሰሜን ኮርያ ዘነጻጽርዎ።

እሞ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓለም ዝመስከረሉ ጸረ-ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ስጋብ ሎሚ ዕድመ ከውህብዎ ዝኸኣሉ ምኽንያታት እንታይ ኢዮም? እዚ ሕቶ’ዚ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስማዓኒ።ቅድሚ ሕጅውን ነዚ ሕቶ’ዚ ኣልዒለ ዝጠቐስኩዎ ይመስለኒ።  ጂውን ካብቲ ብዙሕ ምኽንያታት ገለ ቁሩብ እንተ ጠቐስኩ ሕማቕ ኣይኮነን።

  1. ህዝቢ ኤርትራ ቱር ድሌት ናጽነት ስለ ዝነበሮ

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ውሉድ-ወለዶ ብነዊሕ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ  ተሳቒዩ ኢዩ። ነዊሕ ብረታዊ ቃልሲ ኣካይዱ። ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሉ ኢዩ ነዚ ናጽነት’ዚ ኣምጺእዎ። ሽሕኳ እቲ ዓላማ ናይቲ ቃልሲ ከምዚ እንተ ዘይነበረ፡ ብዙሓት ነዛ ናጽነት እዚኣ ካብ ኢዶም ከይትጠፍኦም ዘይፈርሑ የለውን ማለት ኣይኮነን።ስርዓት ህግደፍ ስልጣኑ ንምንዋሕ “ወያኔ ልዕላውነትካ ክወስዶ ኢያ” እና በለ ወግሐ ጸብሐ ስለ ዝግዕር ነዚ ዘይሰምዑ ገርሂ ልቦም የለውን ክንብል እውን ኣይንኽእልን። ነዚ ኣተሓሳስባን ስሚዒትን ክብሉ ንጭቆና ህግደፍ ይጻወርዎ።

  1. ፍርሒ

ከምቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ኮሚሽን ጸሓፊት ዝበለቶ፡ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ፍርሒ ኢዩ (fear rules in Ertrea)፡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍርሒ ኢዩ ዝግዛእ ዘሎ። በዘይካ ምቕታልን ምእሳርን ካሊእ ስራሕ ዘይበሉ ሰርዓት ብሂወተይ  ሪኤ አይፈልጥን።ህዝቢ ከም ህዝቢ መጠን ንሓደ መላኺ ስርዓት ክቱር ፍርሒ ክሓድሮ እንከሎ ሕማቕ ኢዩ።

ምስ’ዚ ኣታሓሒዘ ብዛዕባ ፍርሒ ዝምልከት ሓንቲ ዋዛ ምስ ቁምነገር ታሪኽ ክነግረኩም።

ኣብ ሓደ ሃገር ከም ኣቶ ኢሳያስ ዝበለ ሓደ ጨካን ንጉስ ነበረ። እቶም ጉዙኣቱ ሓረስቶት ነበሩ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ድማ እዚ ንጉስ ሓደ ሓርማዝ ነበሮ። እቲ ሓርማዝ ናይቶም ገባሮ ኣዝርእቲ ብኣፉን ብእግሩን የዕንዎ ነበረ። ካብቲ ዘራእቶም ከውጽእዎ እኳ መሰል ኣይነበሮምን። ኮይኑ ግን ሓደ ግዜ ምስ መረሮም፡ናብቲ ንጉስ ቀሪቦም ኣብየት ክብሉ ተሰማምዑ። መኸሩ ድማ። በብሓደ ከየጥቅዖም፡ ብሓደ ድምጺ ክቐርቡ ወሰኑ። ሓደ ደፋር ካብኦም “በሉ ኣነ ኣብቲ ቅድሚ ንጉስ ምስ ቀረብና፡ ‘እዚ ሓርማዝ’ዚ’ ክብለኩም ንስኻትኩም ከኣ ‘ጐይታይ ኣጥፊኡና ፍትሒ ሃቡና’ በሉ” በሎም።ንሳቶም ድማ ተሰማምዑ። እንተኾነ ግና ተሰሪዖም ኣብቲ ቅድሚ ንጉስ ምስ በጽሑ። እቲ ደፋር ሰብኣይ ከም ስምምዖም “እዚ ሓርማዝ’ዚ” በለ ደጋጊሙ። ካብቶም ብጾቱ ግን መልሲ ስኣነ።ንጉስ ትቐብል ኣቢሉ፡ “እንታይ’ደኻ’ሞ ጌሩካ ሓርማዘይ?”  ምስ በሎ።

“ዋእ! ጐይታይ በይኑ ኮይኑ’ሞ ካልኣይ ግበርሉ ማለተይ ኢየ” በሎ’ሞ እቲ ንጉስ ድማ “ንሱስ ሓቅኹም ካብ ጽባሕ ካልኣይ ክገብረሉ ኢየ” ። በለ። ይበሃል። ስለዚ ከሉ ግዜ ሓድነት እንተሊዩ፡ ዓወት ኣሎ። ብፍላይ ዲክታተራት  ሓድነት ህዝቢ ጸላኢኦም ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኢዩ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ፖሊሲ ዝጥቀሙ።

  1. ሓሶት (ፕሮፓጋንዳ)

ኣብ ዓለም ከም ስርዓት ህግደፍ ሓሳዊ ሰርዓት የለን። ተሳዒሩ እንከሎ ሲዒረ ዝብል፡ ተሃሪሙ እንከሎ ሃሪመ ዝብል ሕፍረት ዘይብሉ ስርዓት ኢዩ። እዚ ስርዓት’ዚ ኮነ ኢሉ ዝተወደበ ድሑር ናይ ሓሶት ትካል ኣለዎ። 03፡ ዘይዕላዊ ገዛ ንገዛ ሓሶት ዝዝረግሕ ሓደ ካብቶም ካልኦት ኢዩ።ቲቪ-ኤረ ኣደታት ኣስመራ ቲቪ-ሓሳዊት ኢለን ይጽውዓኣ። ካብ ባዶ ተበጊሰን ኣይኮናን። ህግደፋውያን ናይ ሓሶት ፕሮፓጋነዳ ክዝርግሑ ከለው ኩሕል ኣቢሎም ኢዮም ዘቕርቡ መታን ሓቂ ክመስል። ውሽጡ ግን ባዶ ኢዩ። ሓንቲ ነገር፡ እዚ ስርዓት’ዚ ጸቡቚ ጌሩ ዝሰርሓላ ከኣ ጓይላ ኢያ። ንኣብነት ነዛ መበልቲ 25 መዓልቲ ናጽነት ካብ ውሽጢ ሓሊፎም ካብ ወጻኢ ሙዚቀኛታት የምጽኡ ኣለው። ምስ ባሀሊ ኤርትራ ዘይኸይድ ካብ ላቲን ኣሜሪካ ከይተረፈ እዚ ዘይባሃል ወጻኢ የውጽኡ ኣለው። እዚ ኩሉ ንፕሮፓጋንዳ ኢዩ። ብልጭ-ልጭ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ግዜ’ዚ ዘድልዮ፡ ባኒ፤ጽሩይ ማይ፤ መድሃኒት፡ መብራህቲ ወ.ዘ፣ተ፣ ኢዩ።እዚ ኩሉ ዘይዓቕምኻ ንሓንቲ መዓልቲ ንኽትረአ ዝግበር ገልጠምጠም ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ኢዩ።

  1. ድኽመት ተቓወምቲ ሓይልታት

ድኽመት ተቓወምቲ ሓይልታት ብፍላይ ከኣ ድኽመት ፖለቲካዊ ውድባት ንህዝቢ ኤርትራ ጐዲእዎ ኢዩ ክበሃል ይከኣል።ካብ 1 ስጋብ 3 ዝጠቐስክዎም ምኽንያታት ሰይሩ ዝቃለስ ተቓዋሚ  እንተ ዝነብር፡ ስርዓት ህግደፍ ኣይኮነን ን25 ዓመትስ ን25 ኣዋርሕ እውን ኣይምጸንሐን። ሓቂ ክንዛረብ እንተ ኮይኑ፡ ስርዓት ህግደፍ ብሓይሉ ዘይኮነስ ብድኽመት ተቐወምቲ ውድባት ኢዩ ዝነብር ዘሎ።ኣቱም ስባት ዘገርም ኢዩ’ኮ። ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ክንዲ ኣንጻር ህግደፍ፡ ኣንጻር ነንሕድሕዶም ኢዮም ዝቃለሱ ዘለው። ብርግጽ ንኽትገልጾ ዘሕፍር ኢዩ። ንሓደ ዓላማ ዝተሰለፉ ውድባት፡ ካብ 30 ዓመት ንላዕሊ ተመኩሮ ዘለዎም፡ ሓቢሮም ክዝትዩ ዘይምኽኣሎም ዘገርም ኢዩ።

ጥርናፈ ተቓወምቲ ሓይልታት ወሳኒ ኢዩ።እዚ ከይተማልአ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጭቆና ስርዓት ህግደፍ ክድሕን ኣይኽእልን። ድሕሪት ተመሊሰ ምስ ዝዝክር፡ ኣዝዩ ሓዝን ይስማዓኒ። ጉባኤ ኣዋሳ 600 ጉባኤኛታት ወከልቲ፡ ካብ ሙሉእ ዓለም ዝተሳተፍዎ ነይሩ። ዘይካሓድ ኢዩ፡ 60% ካብ ህዝብን ሲቪላዊ ማሕበራትን ዝተወከሉ ኢዮም ዝነበሩ። ሓቂ ክንዛረብ እንተ ኮይኑ ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ገለ ውድባት ዘይኸውን ኣጀንዳ ኣምጺኦም ከም ዘይሰርሕ ጌሮምዎ።

ብዛዕባ ድኽመት ፖለቲካዊ ውድባት ብዙሕ ተዘሪቡን ተጻሒፉን ኢዩ።ሕጂውን ድሑር ዝምባሌታቶም ሓዲጎም ህዝቢ ዝጠልቦ እንረተዘይተኸቲሎም ምስ ህዝቢ ከብድን ሕቖን ኮንካ ምጉዓዝ ዋጋ የብሉን። ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ግን ተስፋ ከይቆረጸ ነንሕድሕዱ ክዋዳደብን ብማሕበራት ክጣራነፍን ዝድገፍ ኢዩ።ከምዝመስለኒ’ውን ከይዱ ከይዱ ነቲ ደኺሙ ዘሎ ባይቶ ዝድግፍ ኢዩ።ግን ከኣ እተን ዝተፈላለያ ማሕበራት ንሓደ ዓላማ ስለ ዝኾና ክተኣሳሰራ ኣለወን። ንኣብነት ኣብ ኤውረጳ ዘለዋ ህዝባውያን ማሕበራት ሓደ ናይ ሓባር መደብ ከውጽኣ አለወን። ከምኡ ከኣ ምስተን ካልኦት ከም ድምጽና ዝበላ ማሕበራት ክትኣሳሰራ ኣለወን፡ ኣብ መጨረሻ ድማ ሓደ ሓያል ማሕበር ብሓያል መሪሕነት ዝምራሕ ሕጂ ግዜኡ ኮይኑ ይስማዓኒ። ከምቲ ሓደ ክልተ ውድባት ዝብላኦ ዘይኮነስ፡ኣብዚ ዘሎናዮ ምዕቡል ዘበን ግደ ሲቪካውያን ማሕበራት ግዙፍ ኢዩ ።

 

ዝኽርን ክብርን ንኹሎም ስዋኣትና

ኣድሓኖም  ፍተዊ

19-05-2016

Comment: a.fitiwi1993@kpnmail.nl

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Azaria May 23, 2016

    Ahmed you need a check up,if not shut your mouth.in what measurement is may 24 the independence day?for the devilish leader and his junta it could be but for the majority of the people is the black day.what is the benefit of being an Eritrean,it only a curse,i hate you Africans,useless society.

    • AHMED SALEH !!! May 23, 2016

      By the way in the last 25 yrs how many time used to celebrate that
      day now suddenly it became for HGDF only . Principled people don’t
      give up without a fight . Again it represents the legacy of those
      fallen heroes . Issayas excuses works for his admirers with great
      expectation to find themselves betrayed and call foul . Learn to
      have clear principled stand or yourself need to shut up and leave
      the task for nationalists that can make difference .
      I hate grown up men with nothing to contribute except whining day
      and night .

  • Berhane Abraha May 23, 2016

    One of the greatest writers and thinker
    Keep doing the good job you started
    A long while ago

  • Azaria May 25, 2016

    Anta Ahmed melamedi English gerkayo guday hager,mejemerta eni beal is was n atsriom kabu guday hager nilazeb,nisika abzi English kisab tilamed wedi medhin berad hager yenu.bel fito tsila b federation mis adea Ethiopia kititsmber eya komu eyu nhzbi ertra zihisho ente zeykoynu b kemaka wedi kemaka kirdadat kinribrsh aykonan,kab wedi medhin berads mengustu hailemariam mehashena.ezi wedihanka

Post a Reply to AHMED SALEH !!! Cancel Reply