Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ፡ ኣብ እትቕየር ዘላ ዓለም – ብ ኣማኑኤል ሳህለ

  ብዛዕባ ኤርትራ ዚሓስብን ብዛዕባ ኩነታታ ዚግደስን ሰብ፡ ኩሉ ግዜ ካብ ክትዕን ትንተናን፡ ሓበሬታ ካብ ምሃብን ካብ ምውሳድን ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን። ብዛዕባ ኤርትራ ክንደይ ተዘሪቡ፡ ተተንቲኑ፡ ተጻሒፉ፡ ክንደይ ፈላጣት ሓሳባት ወፍዮም፡ ክንደይ ደናቑር ድማ ሓሳባት ጸዪቖምን መሪዞምን።

 

ብዛዕባ ኤርትራ ዚሓስብን ብዛዕባ ኩነታታ ዚግደስን ሰብ፡ ኩሉ ግዜ ካብ ክትዕን ትንተናን፡ ሓበሬታ ካብ ምሃብን ካብ ምውሳድን ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን። ብዛዕባ ኤርትራ ክንደይ ተዘሪቡ፡ ተተንቲኑ፡ ተጻሒፉ፡ ክንደይ ፈላጣት ሓሳባት ወፍዮም፡ ክንደይ ደናቑር ድማ ሓሳባት ጸዪቖምን መሪዞምን። ረዘንትን መስተውዓልትን ተቓወምቲ፡ ምስ ዓዋናትን ተድግታትን ዕሱባት ተኻቲዖም። ምስቲ ንጸሊም ጻዕዳ እዩ ኢሉ ዚማጎት ሰብ ምክታዕ ፍረ የብሉን። ነቲ ንሓቂ ዘይኮነስ ንገዛእ ርእሱ ኪከላኸል ዚፍትን ሰብ ከተረድእ ምፍታን ግዜን ጉልበትን ምብኻን እዩ። ኣብ ዘመነ ድንቁርና፡ እቲ በዓል ድፉን ኣእምሮ እውን ፖለቲካዊ ፈላስፋ ኪኸውን እዩ ዚደሊ። ዕሱባት፡ ኩሉ ንምግባርን ንምፍላጥን ክእለት ዘለዎም እዩ ዚመስሎም።

ወድሰብ ድላዩ ኪዛረብ መሰል ኣለዎ፡ ግን ከምቲ ገለ ጸሓፍቲ ዚብሉዎ፡ ሓሳባት ወይ ርእይቶ ምሃብ መሰል እኳ እንተ ኾነ፡ ሓቂ ምህላው ግን  መሰል ኣይኮነን። ሓቅስ ናይዚ ወይ ናይቲ ዘይኮነትስ፡ ብቕኑዕን ብሳየንሳዊ ወይ ሎጂካዊ ምርምርን ግምገማን እያ እትብጻሕን እትጥረን።

ዝኾነኾይኑ፡ ነዚ ዚቕጽል ጽሑፍ መቕረብየይ ቀንዲ ምኽንያት፡ ነዛ እትልወጥ ዘላ ዓለም ከም ባይታ ብምውሳድ፡ ብዛዕባ እታ ኩሉ ግዜ እንካትዓላን እንግምግማን ኤርትራ፡ ብዓቕመይ ሓሳባተይን ርእይቶይን ንኣንበብቲ ከካፍል ስለ ዝደለኹ እዩ።

ካብቲ ኤርትራ ናጽነታ ዝረኸበትሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ እዚ ሕጂ ዘለናዮ ግዜ፡ ዓለምና ኣብ ኩነታት ክሊማን ኣብ ቁጠባን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን፡ ኣብ ሚዛን ዞባዊ ሓይሊ፡ ኣብ ርእዮተዓለማውን ማሕበረሰብኣውን ኣቃውማን ብቐሊሉ ኪርአ ዘይክእል ለውጢ ገይራ ኣላ። እዚ ድማ ኣብዚ ጽሑፍዚ ቀጺልና ከም እንርእዮ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዕዞ ኤርትራ ርኡይ ጽልዋ ይገብር ኣሎ።

ይኹንምበር፡ እቲ ኣብቲ ህዝቢ ዓብን ብተዛማዲ ድማ ኣሉታውን ጽልዋ ዝገበረ ፍጻመስ፡ እቲ ናይ ህግደፋውያን፡ ዘይተጸበናዮ ጥልመታዊ ባህርይ እዩ። እዚ ድማ ከም እቲ ናይዚ ዘመንዚ ዓቢ ቊርጸተ-ተስፋ (The great disappointment of the century) ተባሂሉ ኪስመ ይኽእል። ፖለቲካውን ሰብኣውን ናጽነት ኪረክብ ኢሉ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት እተቓለሰን ተስፋ ዝገበረን ህዝቢ፡ ኣብ መወዳእታ መሬት ጥራይ ሒዙን ኣብ ገዛእ መሬቱ ድማ ከም ግዙእ ኮይኑን ኪተርፍ ከሎ፡ ተስፋ ኪቖርጽ ባህርያዊ እዩ። እዚ ኩነታትዚ ድማ ኣብ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ምስልቻው (political fatigue) ከም ዝፈጠረ ንኹሉ ዘስተውዕል ሰብ ግሁድ እዩ። ንሓድሓደ ኣብ ወጻኢ እትረኽቦም ዑቕባ ዝሓተቱ ተቓለስቲ-ነበር፡ ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ኩነታት ኣልዒልካ ከተዛረቦም ከሎኻ፡ ግደፉናንዶ ሰሪሕና ደቅና ከነዕቢ፡ ብምባል ይምልሹ። ሓቃቶም እዮም። ሃገር ግን ንመን ኢናሞ ክንገድፈሉ? ንመን ኢናኸ ከነረክባ? ከምቲ እቶም ሰብሕድሪ ዝጠለሙዋ ዲና ክንጠልማ?

ዝኾነኾይኑ፡ ናብ ቀንዲ ኣርእስትና ንምምላስ፡ እትቕየር ዘላ ዓለም ክንብል ከሎና፡ ብሓፈሻ ንኸባቢናን ንዞባናን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንኣህጉራዊ ኩነታትን ይምልከት። ካብዚ ቀጺሉ ብፍላይ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዘተኮረ ተክኖሎጂያዊ ምዕባለን፡ ኣህጉራዊ ስግኣትን፡ ምዝንባል ሚዛን ሓይልን፡ ጥሩፍነትን፡ ዓውለማዊ ሙቐትን (global warming) ፖለቲካዊ ምስልቻውን ገለ ካብቶም ዓቢ ጽልዋታት ዚገብሩ ዘለዉ ተርእዮታት እዮም። እዚኣቶም ድማ ቅድሚ ናጽነት ዘይነበሩ ኣብ ግዜና እተቐልቀሉ ሓደስቲ ክስተታት እዮም።

  1. ፖለቲካዊ ምስልቻው

ፖለቲካዊ ምስልቻው ኣብ ኩሉ ዓለም ዝሰፈነ ይመስል። ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ህዝቢ ዓለም ሓያሎ ስርዓታት ኪምስረቱን ብዘይ ፍረ ኪወድቁን ስለ ዝረኣየ እዩ። ኮሙኒዝም ንሰብዓ ዓመታት ንሰብ ኣእሚኑ ኣሕሊሙ ተስፋ ሂቡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ደሓን ኩኑ ከይበለ በዚ ወጺኡ ከይተባህለ ጠፊኡ። ካፒታሊዝምውን ናይ ገዛእ ርእሱ ሕዱር ሕማማት ስለ ዘለዎ ኣብ ጎደና ውድቀቱ ዚጎዓዝ ዘሎ እዩ ዚመስል። ኣብ ዓለም ዚርከባ መብዛሕትአን ተቓወምቲ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ብዙሕ ዘልምዓ ዘለዋ ኣይመስላን፡ እቲ ዘካይዳኦ ብረታዊ ቃልሲውን ብሰንኪ ድሮንን (drone) ካልእ ኤለክትሮናዊ ናይ ውግእ መሳርያታትን ኣብ ሲቪላውያንን መፍረይቲ ትካላትን ዘይተኣደነ ጥፍኣት የስዕብ ስለ ዘሎ፡ እቲ ክሳራ ካብቲ ረብሓ እናዛየደ ዚኸይድ ዘሎ ይመስል። ብተወሳኺውን ብሰንኪ ኤለክትሮኒካዊ መራኸቢ (ኢንተርነት፡ ፈይስቡክ፡ ዩትዩብ፡ ፓል ቶክ ወዘተ.)፡ ኣብ ፖለቲካዊ መርገጽን መትከልን እተሰረተ ምፍልላይን ምስሕሓብን ኣብ ሃይማኖትን ብሄርን እተመስረተ ናይ ጉጅለታት ምፍጣርን ምፍንጭጫልን ኩነታት እናዛየደ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ድማ ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ ፖለቲካዊ ምስልቻው ፈጢሩ ኣሎ።

ቆላሕታና ናብ ሃገርናን ህዝብናን ምስ እንገብር፡ እቲ ፖለቲካዊ ምስልቻው ዚብሃል ተርእዮ ኣብ መስርሕን ምዕባለን ተቓውሞ ሓይልታትን ውድባትን ዓቢ ጽልዋ ይገብር ከም ዘሎ ንርኢ። መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ኣተኩሮኦም ኣብታ እትመጽእ ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ዋኒንን ገይሮምዎ ኣለዉ። ገሊኦም ድማ ኣብ ከንቱ ሕልምን ራእይን ተኣሊኾም ካብቲ ጭቡጥን ዚተሓዝን ነገራት ይሃድሙ ኣለዉ። ኣዚ ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዓቢ ብስራት እዩ። ዘይሰማማዕን ዝሓልምን ህዝቢ፡ ግዳይ ጨቋኒ ስርዓት ኮይኑ እዩ ዚተርፍ!

  1. ኤለክትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሃን (ኢንተርነት፡ ፈይስቡክ፡ ዩትዩብ፡ ፓልቶክ ወዘተ.)

ቃላት ወይ ሓሳባት ካብ ብረታዊ መሳርያታት ዝያዳ ሓይልን ጽልዋን ኣለዎም። ቅድሚ ምምስራት ኤርትራዊ ምንቅስቓሳት ሓርነት፡ ኢንተርነትን መካይድቱን ነይሩ እንተ ዚኸውን ሓርነት ኤርትራ ምደንጎየዶ ወይስ ምቐልጠፈ ነይሩ? ወይስ ምንም ለውጢ ኣይምገበረን ነይሩ? ዚብል ሕቶ ኪለዓል ቅቡል እዩ። ንኣይ ከም ዝመስለኒ፡ ኢንተርነትን መካይድቱን ኣብ ጕዕዞ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ፡ ኣሉታውን ኣወንታውን ጽልዋታት ኪህሉዎ ይኽእል ነይሩ እብል፡ ግን ኣየናይ ከም ዚዛይድ ክግምት ኣይክእልን። ይኹንምበር፡ ኣብቲ ሰውራን ኣቃውማኡን ለውጢ ምገበረ ነይሩ። ምናልባትውን እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ካልእ መልክዕ ለቢሱ ምረኣናዮ ኔርና እብል።

ንድሕሪት ገዲፍና ንቕድሚት ምስ እንምልከት ግን፡ ናይ ኢንተርነት ምህላው፡ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ዚገብሮ ዘሎ ጽልዋ ብቐሊሉ ዚረአ ኣይኮነን። እቲ ጽልዋታት ግን ብሓደ ወገኑ ኣሉታዊ ብምዃኑ ኣብ መንጎ ተቓለስትን ተቓወምትን ናይ ምስብሳብ (polarization) ኩነታት ኪፈጥር ከሎ፡ ብኻልእ ወገኑ ድማ ንኹሉ ዘሳትፍ ደሞክራስያዊ መድረኽ ከፊቱ ኣሎ። እዚ ኩነትዚ ኣብ ሜዳ ስለ ዘይነበረ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ስግኣት ፈጢሩሉ ኣሎ። ግን ከኣ፡ ኢንተርነት ብኡ መጠን ፍልልያት ይፈጥር ስለ ዘሎ፥ እቲ ስርዓት፡ መዓልቲ እኳ እንተ ባህረረ፡ ለይቲ ግን ደቂሱ እዩ ዝሓድር ዘሎ።

ብኣተሓሳስባን ኣመለኻኽታን እንተ ረኣናዮውን፡ እዚ መራኸቢ ብዙሃንዚ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምዕባለ ዓቢ ኣሉታዊ ተራ ይጻወት ኣሎ። ብሞባይልን ብኢንተርነትን ዝተሓላለፍ ግጉይ ሓበሬታ ወይ ፈይክ ኒውስ ንሰባት የደናግሮም ኣሎ። ወድሰብ ንኣእምሮኡ ብትምዩን ዜናታትን ሓበሬታን ኪመልኦ እንተ ደኣ ጀሚሩ፡ እቲ ኣብቲ ህዝቢ፡ ካብኡ ቀጺሉ ድማ ኣብቲ ናይታ ሃገር ፖለቲካዊ ጥዕና ዚህሉዎ ጽልዋ ኣዚዩ ዓቢ እዩ።

  1. ኣብ ስግኣት እተመስረተ ፖለቲካውን እምነታውን ጥሩፍነት

ኩሉ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዚነብር ሰብ፡ ህሉውን መጻእን ህይወቱ ኣብቲ መንግስቲ እዩ ዘንብሮ። ብኡ ተስፋ ገይሩ ድማ መዓልታዊ ህይወቱ የካይድ። ይኹንምበር፡ በቲ መንግስትን ትካላቱን ኣካይዳኡን ውሕስነት ምስ ዘይረክብ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ኣብ ልዕለ-ተፈጥሮ (supernatural) ኣብ እተሰረተ ኣምነት ወይ ሕልሚ እዩ ዚእለኽ። እዚ፡ ካብ ጥንቲ ዝነበረን ንሓዋሩ ዚቕጽልን ናይ ወድሰብ ባህርይ እዩ። ወድሰብ ከም ቀዳምነት ዚወስዶ ምርጫ፡ ብታሕቲ ይኹን ብላዕሊ፡ ውሕስነት ህይወቱ እዩ። ኣብዚ ድማ እቲ ጭቡጥ ምድራዊ ህይወቱን ዚኣምኖ መንፈሳዊ ህይወቱን ኣብ ኣተሓሳስባኡ ዓቢ ተራ እዩ ዚጻወት። በቲ ቐዳማይ ምስ ዚዓግብ፡ ኣብቲ ካልኣይ ዘለዎ ኣረኣእያ ይፈኩስ። በቲ ቐዳማይ ተስፋ ምስ ዚቖርጽ ድማ፡ ኣብቲ ካልኣይ ይእለኽ። ይኹንምበር፡ ኣብቲ ኻልኣይ ዚእለኸሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ንመንፈሳዊ ዕቤት ዘይኮነስ፡ ነቲ ብፖለቲካ ዝሰኣኖ ውሕስነት ንምምላስ እዩ።

እዚ ኣብ ኩሉ ሰብን ኣብ ኩሉ ባህልታትን ኣሎ። እቲ መንፈሳዊ ብምባል ተጠቒሱ ዘሎ ኣምር፡ ርእዮተዓለም፡ ማለት ፖለቲካዊ ፍልስፍና እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ (ከም ኣናርኪዝም፡ ኒሂሊዝም፡ ኮሙኒዝም፡ ማኦይዝም፡ ለኒኒዝም፡ ሊበራል ደሞክራሲ፡ ወዘተ.)። ከም መንፈሳዊ ወይ ልዕለ-ተፈጥሮኣዊ ኾይኑ ኪመጽእ ከሎ ድማ፡ እተፈላለየ ስሩዕን ዘይስሩዕን ሃይማኖት፡ ትሕተ-ሃይማኖትን፡ መናፍቓን ወዘተ. ይጥርንፍ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ እምነት ጕዕዞ፡ ገለ ናይቲ ሃይማኖት ወይ እምነት ኣባላት፡ ነቲ እምነቶም በቲ ዝመስሎም መገዲ ቅርጺ ብምሃብን ትርጉም ብምልባስን ኣብ ስጋውን ፖለቲካውን ረብሓታቶም የውዕሉዎ እዮም። ከምዚ ብምግባር፡ ሰዓብቲ ይምልምሉ።ሰዓብቶም ብስነመጎታውን ሳየንሳውን መገዲ ንኸይሓስቡን ጠንጢኖምዎም ከይከዱን ብምስጋእ ድማ ነቲ እምነት ቃል ብቓል ኪሰዓብ ከም ዘሎዎ ይሰብኩን የእምኑን። እዚ ድማ ብሃይማኖት ወይ ብርእዮተዓለም መዳይ ኪረአ ከሎ ፋንዳመንታሊዝም ወይ ጥሩፍነት ይብሃል። ጥሩፍነት ብኹሉ መዳዩ ኣድሓርን ኣዕናውን እዩ። ኣብ ዝኾነ እምነትን ርእዮተዓለምን ኣትዩ ድማ ናይ ጥፍኣት መገዲ እዩ ዘጣጥሕ። ናይ ጥፍኣት መገዲ ሕልሞም ዝኾነ ባእታታት ድማ ነዚ ሜላዚ ብዓቢ ወኒ እዮም ኣብ ግብሪ ዘውዕሉዎ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተታት ዓመታት፡ እቲ ናይ ጥሩፍነት መንፈስ ብኹሉ መዳዩ ኣብ ወድሰብ ዝሰረጸ ይመስል ኣሎ። እዚ ድማ ነተን ናይ ብሄርን ሃይማኖትን ብዙሕነት ዚኽተላ ሃገራት፡ ዓቢ ፈተና ኮይኑወን ኣሎ። ንእዋናዊትን ንመጻኢትን ኤርትራ ድማ ተሪር ብድሆ እዩ።

  1. ምዝንባል ሚዛን ሓይሊ

ናይ ኣመሪካ ኣህጉራዊ ልዕልና እናደኸመ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። ኣመሪካ፡ ምናልባት ብተክኖሎጅን ብናይ ውግእ ኣጽዋርን ጸብለልታ ተርኢ እኳ እንተላ፡ እቲ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ቀላጽማ ግን ከምቲ ቅድሚ 40-50 ዓመታት ዝነበሮ ጥንካረ የብሉን። ብኣንጻሩ፡ ቻይና ነቲ ምስ ኣመሪካ ዝነበረ ልዕልና ትወርሶ ዘላ ትመስል። በዚ ምኽንያትዚ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ቀኒዑ ዝነበረ ናይ ኣመሪካ ትዅረት፡ ገጹ ናብተን ኣብ ገማግም ፓሲፊክ ዚርከባ ሃገራት ኣዚሩ ኣሎ። ምስዚ እተተሓሓዘ፡ ግን ከኣ ኣንጻራዊ ዚመስል ተርእዮ፡ እቲ ናይ ጥንቲ ናይ ኣመሪካ ብሕታውነት (isolationism) ከም ስትራተጅያዊ ኣማራጺ ኾይኑ ምቕልቃሉ እዩ። እዞም እተጠቕሱ ሓደስቲ ምዕባለታት ብሓፈሻ ኣብዚ ዞባና ሓድሽ ጽልዋታት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ኤርትራ ብቐጥታ ወይ ብተዛዋሪ መገዲ ናይ ሳዕቤናቶም ረባሒት ወይ ግዳይ ክትከውን ተኽእሎ ኣሎ።

  1. ዓውለማዊ መንነት (global identity)

ብሰንኪ ተለቪዥንን ሞባይልን ኢንተርነትን ቪደዮን ዩትዩብን ከምኡውን እተፈላለዩ ናይ መራኸቢ ብዙሃንን ናይ ቅልጡፍ መጎዓዝያታት ብልሓታትን፡ ናይ ወድሰብ ቀጻሊ ስደትን፡ ኣብዛ ዓለምና ግሎባዊ መንነት ዚቕልቀል ዘሎ ይመስል። እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መንእሰይን ኣብ ሞንጎልያ ወይ ቦሊቭያ ዘሎ መንእሰይን ክልቲኦም ዳርጋ ተመሳሳሊ መንእሰያዊ ባህሊ እናሓዙ ይመጽኡ ኣለዉ። ኣብዚ ግዜዚ፡ ኣብ ሽወደን እትርከብ ጓል ምስታ ኣብ ጀርመን ወይ ኣብ ቺሊ ወይ ኣብ ካናዳ እትርከብ ጓል፡ ብኣካዳድና ኮነ ብናይ ጸጒሪ ኣሰራርሓ ዳርጋ ብዙሕ ፍልልይ የብላን።

እሞ እዚ ዓውለማዊ ባህልዚ ከምዚ እንተ ደኣ ቀጺሉ ነቲ ሃገራዊ መንነት የህስሶ ደኾን ይኸውን? ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራውያን ከመይ ኮን ይኸውን? ዘተሓሳስብ ጉዳይ ዲዩኸ? ናይዚ መልሲ ናብቶም ብናይ ማሕበራዊ ሳየንስ ትምህርቲ ዘለዎም እገድፎ፡ ይኹንምበር፡ ብናተይ ርእይቶ፡ ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ዓውለማዊ መንነት ንሃገራዊ መንነት ብኣሉታዊ መገዲ ኪጸልዎ ከም ዝኽእል ጥርጥር የብለይን።

  1. ዓውለማዊ ሙቐት (global warming)

ሽሕኳ ዓውለማዊ ሙቐት ኣብ ናይ ሓንቲ ሃገር ፖለቲካውን ማሕበራውን ምዕባለ ቀጥታውን ቅልጡፍን ጽልዋ እንተ ዘይብሉ፡ እቲ ንሱ ዘልዕሎ ናይ ድርቅን ጥሜትን ሕማምን ጸገማት ግን፡ ውዒሉ ሓዲሩ ናይ ህዝብታት ምፍንቓላት ከስዕብ ስለ ዚኽእል፡ ኤርትራ ሃገርና ድማ ኣብቲ ተነቃፊ ዝኾነ ጀዮግራፍያዊ ከባቢ ስለ እትርከብ፡ ገለ ጸገማት ኪፈጥረላ ይኽእል እዩ። ከምዚ መበልየይ፡ እቲ ዓውለማዊ ሙቐት ኣብዚ እዋንዚ እናገደደ ይኸይድ ብምህላዉ እዩ። ገለ ሊቃውንቲ ከም ዚብሉዎ፡ እቲ ብድሕሪ ሕጂ ዚለዓል ውግእ፡ ብሰበብ መሬት ዘይኮነስ ብሰበብ ማይ እዩ ስለ ዚብሉ፡ ኣብዚ ዞባና ድማ ናይ ማይ ሕቶ ዓቢ ኣተኩሮ ይወሃቦ ስለ ዘሎ፡ ኤርትራ ካብዚ ናይ ማይ ፖለቲካ ከተምልጥ ከም ዘይትኽእል ስለ ዝገመትኩ እዩ።

ኩሉ ዘመን ነናቱ ሕማም ኣለዎ፡ እቲ መድሃኒት ወይ ፈውሲ ድማ ከከምቲ ዘመንን ከከምቲ ሕማምን ኪፈላለ ግድን እዩ። ናይ ሎምዘመን ሕማም ብናይ ዝሓለፈ ዘመን ፈውሲ ጌርካ ኣይሓውን። ኣብ ግዜና ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ሕማም በቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ ኣፋውስ ጌርካ ኪሕከም ኣይክእልን።

ዓለም ቀልጢፋ ትለዋወጥ ስለ ዘላ፡ እቲ ከባብያውን ዞባውን ኩነታት ድማ ምስኣ ስለ ዚለዋወጥ፡ ተጊህና ክንሕሉን ጸገማት ኣለሊና ድማ ፈውሲ ክንእዝዝን ጥራይ እዩ ዘሎና።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Soyra December 16, 2017

    “እቲ በዓል ድፉን ኣእምሮ እውን ፖለቲካዊ ፈላስፋ ኪኸውን እዩ ዚደሊ። ዕሱባት፡ ኩሉ ንምግባርን ንምፍላጥን ክእለት ዘለዎም እዩ ዚመስሎም።”

    This is a well reasoned article. Could this be the reason we hated our own so much that some of us burned and rejected our own languages, history, culture and identity to became a fake others?

  • k.tewolde December 16, 2017

    A unique perspective for those of us who are shrouded with cobwebs of the past,thanks Mr.sahle.I will take the occasion to quote the winner of the state of Alabama senate seat Doug Jones,’…..this campaign was all about human dignity and decency…’ something which is grossly missing in our homeland.The Eritrean people deserve better than this decadence.

  • Denden December 17, 2017

    ኣማኒኤል! ኤርትራ መቸም ከምትርዶኦ መግዛኢቲ ሃደሽደሽ ኣቢላ ብገዛእ ቕልጺማ ኢያ ናፅነታ ዓቲራ ስለዚ ድማ እታ ” ኤርትራ ናጽነታ ዝረኸበትሉ” “ኤርትራ ናፅነታ ካብ ዝዓተረትሉ” ኢንተትብላ ቅኑዕ ምኾነት- ፍልልይ ስለዘለዎ።

  • Habte Ghebre December 17, 2017

    ሓው ኣማኑኤል፡ ኢሂን ሚሂና ንምህብታም እንተ ሓገዘት ብማለት፡ ነዛ ትስዕብ ሕቶይ መልሲ ክትህበላ ይዕድመካ። ንሳ ድማ፡ ንምዃኑ ህግደፍ ከም ወድብ ኣሎድ’ዩ? ብዙሓት መንግስቲ ዝቃወሙ ይኹኑ ዝነቕፉ፡ ነታ ቃል ክጥቀሙላ ይዕዘብ’ሞ ይገርመኒ። ህግደፍ ኣብ 1994 ተመስሪቱ፡ ኣብ 2001 ድማ ከም ውድብ ንጥፈቱ ተገቲኡ። ካብ ዝምስረት ናይ ልዕሊ 23 ዓመት ተመክሮኡ ክግምግም ጉባኤ ዘየካይድን፡ ክልተ-ሲሶ ኣባላት ሽማግሌኡን ፓለቲካዊ ቤት ጽሕፈቱን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ንጥፈት
    ንዘይርከቡን ውድብ፡ ኣየናይ ናይ ህላዊ መለክዒ ተጠቒምና ኢና ክም ህልው ቆጺርና ወትሩ ንነቕፎን ንቃወሞን ዘሎና? ብርግጽ፡ ውሑዳት ግን ከኣ ወሳኒ ተራ ዝነበሮም ዘለዎምን ኣባላቱ ኣለዉ፡ ከም ውድብ ግን እንድዒ? ይግረምካ፡ ከም ውድብ ንጥፈቱ ኣብ ሃገር ምግትኡ፡ ኣብ መስርሕ ህንጸት ዜግነት ዘማእከለት ሃገር ክም ጽቡቕ ኣጋጣሚ’የ ዝቖጽሮ። ምኽንያቱ፡ ንዓና ንኤርትራውያን፡ ኣባላትና ዘይኣባላትና፡ ህግደፍና ዘይህግደፍና፡ ኣብ ህንጸት ሃገርና ብማዕረ ክንዋሳእ ምቹዕ ዕድል ስለ ዝፈጥረልና።

    • amanuel sahle December 18, 2017

      Thank you for the oabservation. I have used the term hgdef rather loosely to mean those who are, more or less policiy makers, or to put it bluntly, the Boss himself!

Post a Reply to amanuel sahle Cancel Reply