Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ፡ ስእነት ቀላሳይ እምበር ጸገም ክኢላን ለባምን ሰብ የብላን

ብውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝምወልን ስልጣኑ ንምንዋሕን ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ንምኽራርን መርዛም ሓበሬታ ኣብ ዘተኣናግደሉን መርበብ ሓበሬታ ፓልቶክ፡ ምሁር ስነ ቁጠባ ዶክተር በርሀ ሃብተገርግስ፡ ኣስተምህሮ ክህብ ምስተዓደመ፡ ኣብ ክንዲ ንስርዓት ህግደፍ ዝምጉስን ክውንነት ዝሓብእን፡ ንብልሹው

ብውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝምወልን ስልጣኑ ንምንዋሕን ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ንምኽራርን መርዛም ሓበሬታ ኣብ ዘተኣናግደሉን መርበብ ሓበሬታ ፓልቶክ፡ ምሁር ስነ ቁጠባ ዶክተር በርሀ ሃብተገርግስ፡ ኣስተምህሮ ክህብ ምስተዓደመ፡ ኣብ ክንዲ ንስርዓት ህግደፍ ዝምጉስን ክውንነት ዝሓብእን፡ ንብልሹው ምምሕዳርን ቁጠባዊ ድሕረትን እቲ ስርዓት ምስ ኣቃልዐን ምስነቀፈን፡ ደለይቲ ፍትሒ ንመግለጺ ዶክተር በርሀ “ከማኻ ይብዝሑ” ኢሎም ብኣዎንታ ጠሚቶሞ። ብኣንጻሩ፡ ብፖለቲካ ህግደፍ ዝተታለሉን ንሕና ኢና ዋናታት ሃገር ዝብሉን ድማ፡ ሓቂ ንምውሓጣ ስለዝመረረቶምን ጸላዕላዕ ስለዝበለቶምን፡ ንዶክተር በርሀ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሃቦ መግለጺ መኣረምታን መብርህን ክገብረሉን ወጪጮምን ዘሊፎምን። ብየማነ ማንኪ ዝህንደስን ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝባረኽን ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክውንነትን ቅልውላውን ከይርዓመን ንምውጋዱ ቅሩብነት ከየርኣየን፡ “እቲ ብዶክተር በርሀ ሃብተገርስ ዝተዋህበ መግለጺ ዋላ’ኳ ግዚኡ ዘይሓለወን ንምቁጽጻሩ ከቢድ እንተኾነን፡ ሓደስቲ ኣተሓሳስባታት ኣብ ምምንጫውን ምትእትታውን፡ ህዝቢ ኣብ ምብርባርን ኣገዳስነት ስለዘለዎ ክንኣድን ክኸብርን እምበር ክጽረፍ ኣይግብኦን” ብምባል ነቀፌታን ናእዳን ዝተፈራረቆ መግለጺ ሂቡ። ወረጃን ዝተመርጸ ቃላት ትግርኛን ዝተጠቅመ ካድር ስርዓት ህግደፍ ኣስቢቡ፡ ኣበርክቶን ተራን ዶክቶር በርሀ ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን ብምዝርዛር፡ ነቶም ስርዓት ህግደፍ ንኽህሉን ስቃይ ህዝብና ክናዋሕን ምስ ውልቀ መላኺ ህግደፍ ወደኽደኽ ዝብሉ ዘለዉ ጎሓላሉ፡ ከምኒ ሶፍያ ተስፋማርያም፡ ጊደዎን ኣባይ፡ ኤልያስ ኣማረን ጆንን ኣስማት ብምጥቃስ፡ ንሳቶም ውፉያት፡ ዓበይቲ ምሁራትን ሃገራውያንን ምዃኖም ወዲሱ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ ዶክቶር በርሀ ቅድምን ድሕርን ናጽነት፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስ ሰውሩኡን ህዝቡን  ወጊኑ ብሞያኡ ንኡድ ኣበርክቶ ዝፈጸመ ዜጋ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ንዓመታት ካብ ኣፍ ህዝቢ ኤርትራ መንጢሉ፡ ንፈተውቲ ነብሶምን ሕልና ኣልቦን ብምግዛእ፡ ንጸሊም ጻዕዳ ኢሎም ብፖለቲካዊ ጉዳያት ስርዓት ህግደፍ ሰልጢኖም፡ ኣብ ዝተፈላለየ መርበብ ሓበሬታ ዝተዋፈሩን ብብርዒ ስም ተጠቂሞም ንደለይቲ ፍትሒ ዘኽፉኡን ዝዝንጥሉን ንነብሶም ፈተውቲ ሃገር ዝቆጽርዋ ማሓዮታት ኣለውዎ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት፡ “ፍትሒ ይንገስ ሃገር ካብ ጎደና ጥፍኣት ትድሓን” ኢሎም ንስርዓት ህግደፍ ዝመከቱን ሃገራዊ ሓላፍነት ተሰሚዕዎም ግቡኦም ዝፈጸሙን ኣማኢት ዜጋታት፡ ግዳይ ሞት፡ ማሰርቲ፡ ስደትን ምድስካልን ኮይኖም ክንሶም፡ ሕጂ ባህርያት ህግደፍ ከይተቀየረን፡ ብዓውታ፡ ንቁጠባዊ ፖሊሲታትን ግዕዙይ ምምሕዳርን ስርዓት ህግደፍ ንዝነቀፈ ዶክቶር በርሀ፡ “ድሓን ንጻወሮን ነኽብሮን” ዝብል ሽሓጢ መግለጺ ክህብን ከቀባጥርን እንከሎ፡ ዘረጋግጾ ሓደ ቁምነገር ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ድሕሪ’ቲ ግሉጽነት ዝጎደሎ መስርሕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ምኽታሙ፡  ሃንቀውታን ተስፋን ህዝቢ ኤርትራ ዘህሰሰ ኩነታትን ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ለውጢ ከይተራእየ፡ መዓርን ጸባን ይፈስስ ከምዘሎ ኣብ ዘደናግረሉ ዘሎ እዋንን፡ ኣብ መንጎ ደገፍቱ ስንባደ፡ ዘይምቅዳውን ምጉዳል እምነትን ስለዝተፈጠረን፡ ነቶም ሓደ ክልተ ምሁራት ኢና ዝብሉ ግን ድማ ሞራላዊ ሓላፍነቶም ዘንጊዖም ኣንጻር ህዝቦም ደው ብምባል ኣፈኛታት ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ምሁራት፡ ኣሰር ዶክቶር በርሀ ከይስዕቡን ህዝብና ሓቂ ከይፈልጥ ንምዕፋንን ስለዝሓለነ’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብባህርያቱ ጸላኢ ሰብ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ንምሁራት፡ ክኢላታትን ኣመንጨውቲ ሃነጽቲ ሓሳባትን ንዝኾኑ ኤርትራውያን ብምድቋስን ብምድሃልን፡ ንሕብረተሰቦም ዘለዎም ሞያኦምን ክእለቶምን ከየካፍሉ፡ ኣደዳ ማእሰርትን ስደትን ገይሩዎም ኢዩ። ብዓይኒ ስርዓት ህግደፍ፡ መምዘኒ ሃገራውነትን ወይ ብቅዓትን ክእለትን፡ መምርሒታት እሺ ኢሉ ዝቅበልን ቃላት መላኺ ኢሳያስ ዝደግምን ዝንእድን’ዩ። ብቋንቋ ስርዓት ህግደፍ፡ ብቅንዕናን ዝናር ሓቂ ተዓጢቅካን ንህዝብኻን ሃገርካን ምግልጋል ክድዓትን ክድምናን’ዩ ዝቁጸር።

ተራን ኣበርክቶን ኤርትራውያን፡ ሞያውያንን ምሁራትን፡ ግን ምስዞም ሓደ ክልተ ዝባኖም ቀሊዖም ወይ እናተመሻኸኑ ንስርዓት ህግደፍ ዝሕብሕቡ ዘለዉ መጣቃዕቲ ክደባለቅ የብሉን። ኤርትራውያን ምሁራትን ሰብ ሞያን ሰብ ጸጋን፡ ኣብ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ምዕባለን ቅየሳን ሃገርና፡ ዝነበሮም ዘለዎምን ንኡድ እጃም፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ኣይኮነን። ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣሽሓት ሊቃውንቲ ምቹእ ናብራን ዕድላት ትምህርትን ረጥሪጦም ተጋዲሎም፡ ኣብ ግንባራት ተሰዊኦም፡ ምሂሮምን፡ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያታትን መድረኻትን ኣምባሳደራት ኮይኖም በጃ ህዝቦም ተጣቢቆምን ንእከይ ተግባራት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣቃሊዖምን። ድሕሪ ናጽነት’ውን ብኩናት ዝዓነወት ሃገሮም ንምህናጽ፡ መነባብሮ ህዝቦም ንምምሕያሽን ሕድሪ ስውኣት ንምፍጻምን፡ ካብ ስደት ጠቅሊሎም ናብ ሃገሮም ዝኣተዉ፡ ናጻ ናይ ጉልበት ኣገልግሎትን ገንዘባውን ንዋታውን ወፈያ ዘበርከቱን ብዙሓት’ዮም። ብርግጽ፡ ምሁራትን ሰብ ሞያን ሃገርና፡ ምቹእ ባይታን ዕድላትን እንተዝፍጠረሎም፡ ቅያ ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ዘማትእ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ዝተኸተሎን ገና ዝቅጽሎ ዘሎን ዓንቃፊ ቁጠባውን ፖለቲካውን ፖሊሲ፡ እቲ ኣብ ሃገሩ ርእሰማሉ ከዋፍርን ሃገራዊ ግቡኡ ክፍጽምን ድሌትን ልዑል መንፈስን ዝነበሮ ዜጋ፡ ተስፋ ቆሪጹ ዳግማይ ናብ ስደት ተመሊሱን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ክነብር ተገዲዱን። ብርእይቶይ ኣብዚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ልኡላውነቱን፡ ከም ውልቃዊ ንብረቱን ብኢደ ዋኒኑን፡ ሓንሳብ ናብ ስዑድያን ኢማራትን ጸኒሑ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ክሸጦን ንብረቱ ክዘምቶን ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ምሁራት ኤርትራ፡ ብመጠን ትጽቢት ህዝብና፡ ስሙርን ዘድምዕን ኣበርክቶ ኣለዎም ክበሃል ኣይከኣልን’ዩ። ከምቲ ኣፈኛ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ፓልቶክ፡ ንሶፍያ ተስፋማርያም፡ ጊደዎን ኣባይን ኤልያስ ኣማረን፡ ጫማ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ይልሕሱ ስለዘለዉን ዓስቢ ጥልመቶምን፡ “ውፉያትን ዓበይቲ መምሃራንን” ዝብል መዓርግ ዝረኽቡ እንተኾይኖም፡ ትምህርቶምን ተወፋይነቶም ኣብ ጥቃና ኣይቅረብ፡ ይተረፈና።

ብዘይካ’ዞም ቃንዛ ህዝብና ጉሒፎም “ሃገር ትውንጨፍ ኣላ፡ ኤርትራ ደሴት ሰላምን ኣብነት ኣፍሪቃን’ያ፡ ህዝባዊ ግንባር’ጥራሕ’ዩ ሃገር ከማሓድር ብቅዓት ዘለዎ” እናበሉ ሰሚናራት ዘካይዱን ዝጽሕፉን ረሲዓንን ዕሽር ሕብረተሰብን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንግዳዊ ትካሎም፡ መንበሪ ኣባይቶም ዝገዝእዎ ብርክታትን (ቦንድ)፡ ልዕሊ ቃንዛን ስደትን ጥሜትን ህዝቢ ኤርትራ ስለዘገድሶም፡ ምስቲ መንደዓት ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ተለማሊሞም ክነብሩ ዝመረጹ ኣለዉ። “ብልዒ ሓላፊ ስም ተራፊ” ከምዝብሃል፡ ብስርዓት ህግደፍ ዝትኮብ ገንዘብን ግዝያዊ ሓለፋን፡ ስምናን ሞያናን ከነመራስሕ እንከለና ክልተ ሞት’ዩ። ዘይተማህረን ዓለም ዘይርኣየን ክደናገርን ንነገራት ብዝግባእ ክመዝን ክጽግሞን እንከሎ ሸለል ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ካብቲ መን ከማይን ፈላጥን’የ ኢሉ ዝምካሕን ሕብረተሰብ ዘምሃሮን ኣካል፡ ሕልናኡን ሞያኡን ዘየፍቅደሉ እከይ፡ ክፍጽምን መሻርኽቲ ደም ሰብ ዝመጽዩ ክኸውንን ግን ድርብ ገበን’ዩ። ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ኩልና ኤትራውያን ብሓፈሻ፡ ምሁራትን ሰብ ተሞኩሮን ድማ ብፍላይ ድሕነት ህዝብና ሃገርናን መጻኢ ወለዶናን ኣብ ምርግጋጽን ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ሓቢርና ንሰርሓሉ መድረኽ’ዩ። ኣብ ወጻኢ፡ ዓዲ ዲሞክራስን ሓሳብካ ብናጻ ንኽትገልጽ ዕድላት ኣብ ዘለዎን ሕብረተሰብ እንነብር ሰብ ሞያን ቀለም ዝቆጸርናን፡ ንነብስና ከምቶም፡ ከይጽሕፉ ኣእዳዎም ዝተኣስሩ፡ ከይዛረቡ መልሓሶም ዝተቆለፈ፡ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ስርዓት ህግደፍ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንቆጽራ ኣይግብኣናን።

ምናልባት ስርዓት ህግደፍ ተቃሊሱ ናጽነት ኤርትራ ዘጓናጸፈ ውድብ ስለዝኾነ፡ ዝሓሸ ትካላዊ ኣሰራርሓ ስለዘተኣታተወን ኣብ ውሽጡ ብኤርትራ ዝቁርቆሩ ዜጋታት ስለዘለዉዎን ኣብ ክንዲ ሓድሽ እምነ መሰረት ኣንጺፍካ ሀ ኢልካ ሓድሽ ቤት ትምስረት፡ ግዜን ገንዘብን ተባኽን ድኻማቱ ኣሊኻ ምስ ገፈሉ ከምዝቅጽልን ጽገናዊ ለውጥታት ምትእትታውን ዝምነዩን ወገናት ኣለው። ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ክምለስን፡ “ናተይ ሓሳብ ጥራይ ይሰማዕ” ዝብል ቀይናን ኣጠማምታ ከማዕብልን ንህዝቢ ኤርትራ ከድምን ካብ ቀዳምነታቱ’ዩ። ምናልባት ብሽጣራን ህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋርን፡ ጸቅጢ ማሕብረሰብ ዓለም ንምህዳእን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝየገድሶን መሰረታዊ ፍታሕ ዘየምጽእሉን ጽገናዊ ለውጥታት ክገብርን ዘይትግበር መብጽዓታት ክኣቱን ይኽእል’ዩ። ወይ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ መታን ምርጋጽ ክጥዕሞ፡ ከምቲ “ዶብና ኣይተሓንጸጸን፡ ብወያነ ተጎቢጡ ዘሎ መሬትና ከይተመልሰን” ብምባል ኣብ ባይታ ዘየለ ናይ ቀምሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ ምስምስ ክፈጥር ጸገም የብሉን። ኣብ 1991፡ ህዝባዊ ግንባር  ዝብል ተቀይሩ ግዝያዊ መንግስቲ ምስተባህለ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ክሳብ ረፈረንዶም ዝካየድ ን4 ዓመታት ብግዝያውነት ጥራሕ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ጥራሕ’ዩ ነይሩ። ካብኡ ንድሓር ዘሎ ግዜ ግን ሕጋውነት ዘይብሉ ስርዓት ስለዝኾነ፡ ወካሊ ህዝቢ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ስርዓት ህግደፍ ብኢደ ዋኒኑ ኣብ ልጣን ዝደየበ ጠላም ጉጅለ ስለዝኾነ፡ ካብ ሱሩ ክብርቆ ኣብ ቦታኡ ድማ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ክህሉ ኣለዎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ኣፋፌት ጥፍኣትን ዝምታ ሃገርን ዘድሕኖ፡ ክብሩን መንነቱን ዝሕልወሉን ዝማጎተሉን፡ ሰላምን ቅሳነትን ዘንግሰሉን፡ ቀላሳይን ደፋር መራሕን’ዩ ስኢኑ ዘሎ’ምበር፡ ጸገም ዝተማህረን ክሰርሕ ዝኽእል ህርኩት ሰብን፡ ከምኡ’ውን ድኽነት ባህርያዊ ሃብቲ የብሉን። እዚ ንህዝብና፡ ብስርዓት ህግደፍ ተሓሪምዎ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላት ድማ ምሁራትን ኣብ እዋን ሰውራ ናይ መሪሕነት ተራ ዝነበረኩምን፡ ንተንኮላት ስርዓት ህግደፍ ዝምክት ሜላ ቃልሲ ክህልወኩም፡ ሞያዊ ግዴታኹም ከተረጋግጹ፡ ንህዝብና ተስፋ ክትህብዎ፡ ካብ ስቅታን እንታይ ገደሰንን ክትናገፉን፡ እቲ ኣብ ስደት ዝነብዕ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝሳቀ፡ ዘኽቲሙ ዘሎ ህጻን፡ ጠዋሪ ዘይብሉ ወላዲ ይሓተኩም ኣሉ። ኣብ ክንዲ ከም ደቂ ዛግራ ተበታቲንኩም ትነብሑን ንስርዓት ህግደፍ ትቃወሙን፡ ሓደ ዕላማን ኢድን ኮይንኩም ህዝብኹም ጓስዩን ንመንእሰይ ወለዶ መልምሉን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 10 ሕዳር 2108

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT