Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ፡ ምግንፋልን ምዝሕታልን ሃገራውነት (The Rise and Fall of Eritrean Nationalism)

ኤርትራ፡ ምግንፋልን ምዝሕታልን ሃገራውነት (The Rise and Fall of Eritrean Nationalism) ብ ኣማኑኤል ሳህለ ዓደይ ዓደይ፡ ሽባኻይ ሽባኻይ፡ ገዲፈክን ከይደ ንበረኻይ

ኤርትራ፡ ምግንፋልን ምዝሕታልን ሃገራውነት

(The Rise and Fall of Eritrean Nationalism)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ዓደይ ዓደይ፡ ሽባኻይ ሽባኻይ፡ ገዲፈክን ከይደ ንበረኻይ…..። ዓደየ ሸዊት ለምለም፡….ንሳዶ ትጥለም… ይብሃል ነይሩ። ከምኡውን፡ ሰስኑ፡ ሴፍን ዋልታን ኩኑ፡ ዝዓድና ከይኣትዎ ጓና….። ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ፡ በዓል መንዮም ዝጠለሙ…..። ከምዚኣቶም ዝመሰሉን ካልኦት ሃገራዊ ፍቕሪ ዚቕስቕሱን ደርፍታትን መዝሙራትን ጭርሖታትን፡ ድሕሪ ነዊሕን ስቓይ ዝመልኦን ዘመን፡ ኣብ ሜዳ፡ ዓወት ንሓፋሽ! ብዚብል ብድሆ ተዛዚሞም እዮም።

ስምዒት ኤርትራዊ ሃገራውነት፡ በቲ ብ 1988 እተኻየደን ኣብ ኣፍሪቃ መወዳድርቲ ዘይብሉን ምድምሳስ ናደው ዘኸተለን ኵናት ኣፍዓበት እዩ ኣብ ጥርዙ ዝበጽሐ። ኣብቲ ግዜቲ መን ከም ኤርትራዊ! ኩሉ ይከኣሎ! እንተ ተባህለስ ምግናን ኣይከውንን። ህዝቢ ኤርትራ ንዘበናት ብባዕዳውያን ገዛእቲ ኪርገጽ ምስ ጸንሐ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ሰራዊቱን ኣጽዋሩን ዚምካሕ ዝነበረ ጸላኢ ኪድምስሶ ኸሎ፡ ናይ ዘበናት ቁስሉ ሓውዩሉ ማለት እዩ።

ይኹንምበር፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት ካብ ጥንቲ ዝነበረ ኣይኮነን። ንኣብነት፡ ቅድሚ ምምጻእ ጣልያን ወይ ምፍጣር ጀዮግራፍያዊትን ፖለቲካዊትን ኤርትራ፡ ሓደ ወዲ ከበሳ ወይ ወዲ ቖላ ናይ ሃገራውነት ስምዒት ምናልባት እንተ ነበሮ፡ ኣብታ እተወልደላ ዓዱ ወይ ኣብ ዓሌቱ እተመስረተ እንተ ዘይኮይኑ፡ ምሉእ ሃገራዊ ስምዒት ኪህሉዎ ዚኽእል ኣይነበረን። ባሕረምድራዊ  ወይ መረብምላሻዊ እየ ኪብል  እውን ዚኽእል ኣይነበረን።

ኣብ ሃገር ጣልያን ከይተረፈ፡ ኣብቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ዚካየደሉ ዝነበረ ዘመን (1860ታት)፡ ገለ ክፋላት ህዝቢ ጣልያን፡ ናጽነት ዚደልዩ ኣይመስሉን እዮም ነይሮም። ነቲ ሓርነታዊ ኵናት ራሕሪሖምዎ ንዓዶም ዚምለሱ ዝነበሩ እውን ብዙሓት እዮም ነይሮም። ምኽንያቱ ድማ፡ ካብቲ ሃጸያውነት ግዝኣት ሮማ ዝፈረሰሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ሃገር ጣልያን ኣብ እተፈላለያ ኣውራጃታት ተመቓቒላ እያ እትነብር ነይራ። ስለዚ ሽሕኳ፡ ብ1871 ሃገር ጣልያን ነጻነታ ኣረጋጊጻ እንተ ተሰርሐት፡ ኢጣልያውነት ወይ ኢጣልያዊ ሃገራውነት ግን ገና ይስራሕ እዩ ነይሩ ኪብሃል ይከኣል። እተወድአውን ኣይመስልን።

ኣብዚ ኣጋጣምዚ ግን፡ ጥዑይን ዘይጥዑይን ሃገራውነት ከም ዘሎ ድማ ክንግንዘብ ይግባእ። ጥዑይ ሃገራውነት፡ ናይ ልዕልናን ናይ ምውራርን ዕላማ የብሉን። እቲ መሪሕነት ይኹን ወይ እቲ ህዝቢ፡ ከምቲ ንሃገሩ ዚፈትዋን ዘኽብራን፡ ንኻልኦት ሃገራት እውን ይፈቱን የኽብርን እዩ። ዘይጥዑይ ሃገራውነት ግን ኣብ ጃህራን ፈኸራን፡ ኣብ ደረት ዘይብሉ ናይ ልዕልና ስምዒትን እተሰረተ እዩ። ከም ኣብነት ድማ፡ እታ ቅድሚ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንነብሳ ከም ጽሩይ ዓሌት ገይራ እትወስዳ ዝነበረትን ልዕሊ ኩለን ሃገራት ከም ዝኾነት እትሓልም ዝነበረትን ጀርመን፡ እታ ንዓለም ብርሃን ሮማዊ ስልጣኔ ክትህብ እትሓልም ዝነበረት ሃገር ጣልያን፡ ከምኡውን እታ ንጉስና ካብ ጸሓይ እዩ መጺኡ ብምባል ንነብሳ ከም ፍልይቲ ሃገር ገይራ ትወስዳ ዝነበረት ጃፓን፡ ኪጥቀሳ ይኽእላ። እዚኣተን ሰለስቲአን፡ ንዓለም ሓዊ ኣእትየን፡ ንነብሰን ድማ ጎዲአን እየን። ውጽኢት ዕንደራአን፡ ውርደትን ዕንወትን ምዃኑ ምስ ተረድአን ድማ፡ ናብ ልበን ተመሊሰን ምስ ጎረባብተን ተሳንየን ብሰላም ይነብራ ኣሎዋ።

ብሓፈሻ ኪረአ ከሎ፡ ሃገራውነት ኣብ ወድሰብ ኪኽሰት ዝኸኣለ፡ ሃገራት ኪፍጠራ ምስ ጀመራ እዩ። ቅድሚኡ ግን፡ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም፡ ኣብ ትሕቲ ጭቆና ዝመልኦ ግዝኣት (empire) ኮይኑ ይመሓደር ብምንባሩ (ንኣብነት፡ ግዝኣት ባቢሎን፡ ግዝኣት ፋርስ፡ ግዝኣት ሮማ፡ ግዝኣት ኦቶማን ወዘተ)፡ እቲ ናይቶም ጭቁናት ህዝቢ ሃገራውን ሓርነታውን ስምዒታት ኣብ ገለ ወገናት ይለዓል ነይሩ እዩ። ብፍላይ ድማ እቲ ግዝኣት ኪፈርስ ኸሎ፡ እተፈላለየ ህዝቢ ክልላቱ ብምሕላው ዓሌታዊ ወይ ሃይማኖታዊ ስምዒታቱ ይገልጽ ነይሩ እዩ። ገሊኡ ይድቆስ፡ገሊኡ ድማ ይሽፍት ነይሩ።

ብኣንጻሩ፡ ተኣማንነት (loyalty) ወይ ምእዙዝነት፡ ንስምዒት ሃገራውነት ከህስሶ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ 1940ታት ምስ ጣልያን ክንቅጽል ኣሎና ዚብሉ ብሮ ኢጣልያ ዚብል ስም ዝነበሮም ዜጋታት ኤርትራ ነይሮም እዮም። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ብ 1776 ኣመሪካ ናጽነታ ክትእውጅ ከላ፡ ካናዳ ግን ነቲ ምስ ሃገር እንግሊዝ ዝነበራ ምትእስሳር ከተቋርጾ ኣይደለየትን። ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ ክፋል ሃገር ጣልያን ዝኾነት ሲቺልያ፡ ኣብ 1940ታት፡ ባህላን ታሪኻን ራሕሪሓ ምስ ኣመሪካ ክትሓብር ተደጋጋሚ ፈተነ ትገብር ከም ዝነበረት ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ክንምልከቶ ንኽእል ኢና። ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘሎና ግን፡ ናይ ካናዳ ተግባር፡ ናይ ተኣማንነት ጉዳይ ኪኸውን ከሎ፣ ናይ ሲቺልያ ግን፡ ኣብቲ ካብ ምስ ስድራቤትካ እናተሳቐኻ ምንባርስ፡ ምስ ጓና ብሰላም ምንባር ይሓይሽ ዚብል ኣተሓሳስባ እተመርኮሰ ይመስል።

ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ኣፍሪቃ፡ ሃገራውነት ኪምዕብል ዝኸኣለ ብሰንኪ ኮሎኒያሊዝም እዩ። ይኹንምበር፡ ከም ሓቅስ መብዛሕትኡ ኣርቲፊሻል እዩ ነይሩ፡ ከመይሲ ብሱሩ ምንም ርክባት ዘይብሎም ህዝብታት ኣኻኺብካ፡ ዶባት ሰናኒዕካ፡ ስም ኣጠሚቕካ፡ ሕብራዊት ባንዴራ ኣንበልቢልካ፡ ብኣንጸባረቕቲ ቃላት እተኾሓሓለ ቅኔያዊ መዝሙር ኣቀናቢርካ፡ ብሓይሊ፡ ሃገራዊ ስምዒት ይሃልኹም ክትብሎም ከሎኻ፡ ንግዜኡስ ይሰምዑኻ ይኾኑ እዮም፡ ግን ብኣእምሮኦም ደኣብምበር፡ ብልቦም ከም ዘይሓበሩ ክትፈልጥ ይግባእ። ኣብ መንጎ እቶም ምሳኻ ኾይኖም ሃገራዊ መዝሙር ዚዝምሩ ዜጋታት ድማ፡ መዓልቶም ዚጽበዩ ባእታታት ከም ዘለዉ ክትግንዘብ ይግባእ።

ኤርትራዊ ሃገራውነት ብመጠን ናይቲ ተኸታታሊ መግዛእታዊ ዘመናት ጭቆና እዩ እናዓበየ መጺኡ። በዚ መሰረትዚ፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት ዳርጋ ግብረመልሳዊ እዩ ነይሩ ወይውን እዩ ኪብሃል ይከኣል። ኣብ ግዜ ጣልያን ኪፍጠር ጀሚሩ፡ ኣብ ግዜ እንግሊዝ ፖለቲካዊ ባህርያትን ቅርጽታትን ሒዙ፡ ብግዜ ፈደረሽን ማእከላውነት ሒዙ፣ ብግዜ መግዛእቲ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ፡ ናብ ሃገራዊ ቃልሲ ተሳጊሩ፣ ብግዜ ደርጊ ኣብ ጥርዙ ብምብጻሕ ብናጽነትን መንግስታዊ ስርዓትን ተደምዲሙ። ይኹንምበር፡ ኪቕጽል ኣይከኣለን። ብእተፈላለየ ውሽጣዊውን ወጻእን ረቛሒታት ድማ እናዘሓለን እናኣንቆልቆለን ዚኸይድ ዘሎ ይመስል።

ናይዚ ምንቍልቋልዚ ቀንዲ ጠንቂ፡ ህግደፍን ፖሊሲታቱን ኪኸውን ከሎ፡ ስዒቡ ድማ እቲ ንኹሉ ሃገራት ዚትንክፍ ዘሎ ናይ ልኡላውነት ሕቶን፡ ግሎባላዊ ንግድን ስደትን ግሎባላዊ ባህልን (planetary culture) እዩ። እቲ ቐዳማይ፡ ፖለቲካዊ ምስልቻው ኪፈጥር ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ሸለልትነትን ንኣይ ይጥዓመኒ ዚብል ባህርያትን ኣምጺኡ።

ብቐዳምነት ደረጃ፡ ሃገራውነት፡ ብውሑስ ዶባትን፡ ብናይ ሓባር ተመክሮን (shared experience) ናይ ርሑቕን ቀረባን ናይ ሓባር ታሪኽን፡ ብናይ ሓባራውንን ብሩህን ራኢን፡ በቲ ንህዝቡ ዚሓሊ ማእከላውን ኣሳታፍን መንግስትን ወዘተ ኪዓብን ኪድልድልን ከሎ፣ ብሰነፍ መንግስትን ግጉይ ፖሊሲታትን፡ ብኣዕናውን ንዕምሪ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ንምንዋሕ ተባሂሉ ዚካየድ ከንቱ ኵናትን ዘስዕቦ ቁጠባዊ ዕንወትን ስደትን ድማ የንቆልቍል። ኣብዚ ግን፡ ሃገራውነት ፈጺሙ ዚጠፍኣሉ ኩነታት ኪፍጠር ከም ዚኽእል እውን ክንርስዕ ኣይግባእን። ንሃገራውነተን ብዶላር ዚሸጣ ሃገራት ከም ዘለዋ ንምርካብ ብዙሕ ምድላይ ዘድልዮ ኣይኮነን።

ብኻልኣይ ደረጃ፡ ኣብዚ ብሓያላን ሃገራትን ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ልኡላውነት ሃገራት ዚገሃሰሉ ዘሎ ዘመን፡ ብተወሳኺ ድማ ኣብዚ ግሎባላዊ ንግድን ግሎባላዊ ባህልን ክብርታትን ነቲ ሃገራዊ ቁጠባን ባህልን ክብርታትን ዓብሊሉሉ ዘሎ ዘመን፡ እቲ በዚ ዚፍጠር ኩነታት ነቲ ስምዒት ሃገራውነት ኣብ መላእ ዓለም ከም ዚዝሕትል ገይሩዎ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ብምኽንያት ብዝሒ መራኸቢ መሳርሒታትን፡ ናይ መጎዓዝያ መሳለጥያታትን፡ ናይ ሃብታማት ሃገራት ምኽፋት ዶባትን ምቕባል ስደተኛታትን፡ እቲ መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ዝነበሮም ርሱን ፍቕሪ ኣብታ እትቕበሎምን እተዐንግሎምን ሃገር ምስ ኣተዉ፡ ቀስ እናበለ ይዝሕልን ይቕህምን ኣሎ። መንእሰያት፡ ነቲ ኣብ ባዕዲ ሃገር ዚረኽቡዎ መሰላትን ቁጠባዊ ረብሓታትን ምስቲ ኣብ ሃገሮም ከለዉ ዘሕለፉዎ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ሕሰምን ከወዳድሩዎ ኣብ ዚጅምሩሉ እዋን፡ ናይ መንግስቶም ጽልኣት ኪወርሶም ይኽእል እዩ። እዚ ጽልኣትዚ ሽሕኳ ንስምዒት ሃገራውነቶም ቀልጢፉ ዘይጸልዎ እንተ ኾነ፡ ኣብቶም ደቆም ዚህሉዎ ሳዕቤን ግን ብቐሊሉ ዚረአ ኣይኮነን። ቖልዑ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃገርን ዘሎ ፍልልይ ብቐሊሉ ኪግንዘቡዎ ኣይክእሉን እዮም።

ስምዒት ሃገራውነት ብሓደ ግዜ ዚፍጠር ወይ ብሓደ ግዜ ዚጠፍእ ተርእዮ ኣይኮነን፡ ግን ካብ ሃገርካ ምርሓቕን፡ ምስቲ ዘሎኻሉ ኣከባቢ ምሕዋስን፡ ቀስ እናበለ ነቲ ባህልኻን ልምድኻን ስለ ዘህስሶ፡ ንስምዒታትካ ድማ ብኡ መጠን ከቕህሞ ይኽእል እዩ።

እስራኤላውያን ካብ ሃገሮም ምስ ተሰጎጉ፡ ከም ጀርመናውያን ወይ ከም ሩስያውያን ኮይኖም እዮም ንዘመናት ኣብ ሃገር ጓና ዚቕመጡ ዝነበሩ። ገለ ውሑዳት እንተ ዘይኮይኖም ድማ፡ ሃገራዊ ስምዒቶም ኣጥፊኦም እዮም ነይሮም። ደሓር ግን፡ ስቓይን ግፍዕን ነቲ ራህዋን ተስፋን እናዓብለሎ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ንታሪኾምን ንመበቆሎምን ኪዝክሩዎ ጀሚሮም፡ ከድሕኖም ዚኽእል እንኮ ሓይሊ ድማ፡ ሃገራዊ ስምዒት ምዃኑ ተገንዚቦም።

ኣብ ሃገርካ ዚጓነፈካ ስቓይን ሕሰምን ከምኡውን ኣብ ሃገር ጓና ዘጋጥመካ ራህዋን ጣዕምን ምቾትን፡ ክልቲኡ ንሃገራዊ ስምዒትካ ከህስሶ ይኽእል እዩ። እቲ ቐዳማይ ነቲ መሪሕነትን ንትካላቱን ከም እትጸልእ ብምግባር ነቲ ርሱን ሃገራዊ ፍቕሪ ብገለ ሸነኻቱ ከቕህሞ ኸሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ልብኻ ሓድሽ ኣማራጺ ሃገር ብምፍጣር፡ ነቲ ናብቲ ራሕሪሕካዮ ዝመጻእካ ሃገር ዘሎካ ናይ ምምላስ ባህጊ ከዳኽሞ ይኽእል እዩ። እዚ ተርእዮዚ፡ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ዚረአ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ፈጺሙ የልቦን ግን ኪብሃል ኣይከኣልን

ስምዒት ሃገራውነት ንውሕስነት ሃገር መሰረት እዩ። ሃገራውነት እንተ ዘይህሉ ነይሩ፡ ወድሰብ ምእንቲ ዓዱን ሃገሩን ህዝቡን ናጽነቱን ኣይምሞተን። ስለዚ፡ ኤርትራውያን ኩልና፡ ሃይማኖትን ኣውራጃን ቀቢላን ብዘየገድስ፡ ንሃገርና ቀዳምነት ክንህባ ይግባእ። ከምቲ ኣብ 50ታት ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ማሕበራት ፍቕሪ ሃገር (ሽዑኳ ፍቕሪ ሃገር ካልእ ትርጉም እዩ ነይሩዎ) ኣብዚ ግዜውን ኣብ ወጻኢ እንቕመጥ ኤርትራውያን፡ ማሕበራት ፍቕሪ ሃገር ምምስራት ኣገዳሲ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብዚ የማናይውያን ዚዕብብሉ ዘለዉን ወድሰብ ድማ ካብ ሞትን ስቓይን ዕንወትን ንኸምልጥ ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለማት ዚውሕዘሉ ዘሎ ዘመን፡ ከምኡውን መንእሰያት ኣንፈቶም ዚስሕቱሉ ዘለዉ እዋን፣ ሓድነትና ኣደልዲልና፡ ስምዒት ሃገራውነትና ኣሓዲስና፡ ናብታ ሃብታምን ብቐደማ ንኹሉ ሰብ ሓቚፋን ኣዓንጊላን እትነብር ዝነበረት ሃገርና ክንሓስብ ይግበኣና።

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Hagos May 12, 2018

    ዝዝከር ጥቕስታት፥
    “…. ይኹንምበር፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት ካብ ጥንቲ ዝነበረ ኣይኮነን። ንኣብነት፡ ቅድሚ ምምጻእ ጣልያን ወይ ምፍጣር ጀዮግራፍያዊትን ፖለቲካዊትን ኤርትራ፡ ሓደ ወዲ ከበሳ ወይ ወዲ ቖላ ናይ ሃገራውነት ስምዒት ምናልባት እንተ ነበሮ፡ ኣብታ እተወልደላ ዓዱ ወይ ኣብ ዓሌቱ እተመስረተ እንተ ዘይኮይኑ፡ ምሉእ ሃገራዊ ስምዒት ኪህሉዎ ዚኽእል ኣይነበረን።” ….
    “….. ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ኣፍሪቃ፡ ሃገራውነት ኪምዕብል ዝኸኣለ ብሰንኪ ኮሎኒያሊዝም እዩ። ይኹንምበር፡ ከም ሓቅስ መብዛሕትኡ ኣርቲፊሻል እዩ ነይሩ፡”

    • Hagos May 12, 2018

      ኣገናዕ ሃብሮም ፤
      ርኢኻ ዘረባን ዓሚቑን ምህሮ ምስ ሓቦን ልቦናን ሎሚ ኣምጺእካያ። ከምዚ ዓይነት ጽሑፋት እዩ እምባታት ነቕነቕ ዘብል። ርኢኻ ፡ ሓሳባት ካብ ተወንጫፊ-ሚሳይላት ይሕይል። ሕብረት-ሶብየት ብኣህጉር-ዘለል ሚሳይላት ኣይተሳዕረትን ፤ እንታይ ደኣ ብሱር በተኽ ሓሳባት እምበር።
      ካለኣይ ፤ ፖለቲካዊ መስገደል ኤርትራ ፡ ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን ፤ ብምእላይ ስርዓት ህግደፍ ውን ኣየብቅዕን ፤ እኳ ደኣ ካብዚ ናይ ሕጂ ሶማልን የመንን ዘለወኦ ክገዲድ ይኽል እዩ። ስለዚ ነቲ ሃብታም ኣእምሮኻ ብዘይፍርሃት በርብሮ ፤ እቶም ናይ ሎሚ ወለዶ ዋርሳይ ጥራይ ዘይኮነስ ፤ እቶም ኣብ ካለኣይ ደረጃን ኣብ ዩኒቨርሲትን ተምሃሮኻን መማህርትኻን ዝነበርና ድማ ገና ካባኻ ክንመሃር ኢና።

  • k.tewolde May 12, 2018

    ” ዘይጥዑይ ሃገራውነት ግን ኣብ ጃህራን ፈኸራን፡ ኣብ ደረት ዘይብሉ ናይ ልዕልና ስምዒትን እተሰረተ እዩ። ” …..this is the version of HGDEF’s nationalism and it was displayed with the aggression towards its neighbors over its power tenure and can be heard in the voice of grandeur of its party leader,the only difference is,he doesn’t have the military prowess like the Himmler to expand his empire,imagine that! The good nationalism which glued Eritreans together and brought them the fruit of liberation is being killed by HGDEF”S bad one which was replaced by a cult,that is why I say the tyrant will paint himself to the corner because he is committing political suicide by destroying the very tool he uses to persuade his base,”nationalism”. Yep,the youth is moving on discovering new venues and better opportunities elsewhere like I did few decades ago,and my home is becoming a distant memory,the pure,pristine Eritrean nationalism that was delicately cultivated and planted in the psych of the gallant fighters who gave us everything they got went under with them like the shroud which covered their bodies.The Eritrean good nationalism has been under assault for sometime now from different directions. Thanks Mr.Sahle

    • Bajet May 12, 2018

      Wedi Amate Komarit/hooker – Wedi Hirkam, barbaric evil Islamic ELF mendef whore mouth, we are well aware that you have nothing else to do in your boring and lonely life in your savage ELF crippled beggars wheel chair, but why are you fucking on assenna 24/7 hallucinating nonsense and boring us to death with your diQala foot soldier evil mercenary comments, what’s your fucking evil agenda and what are you supposedly fighting for, an evil Islamic/Arabic Eritrea with a diQala savage Arabic flag and barbarian Arab’s Sha’ria law and evil hijabs???? ROT in your diQala Islam HELL.

  • ሃይለ May 12, 2018

    ኦ ኣቶ ኣማኒኤል ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ መንእሰያት ኤርትራ ድማ ይሳዓቡካን ይተኩኡካን ኣሜን

  • Godaif May 12, 2018

    መምህር ኣማኑኤል:
    ኣርእስቲ ሃገራውነት ብተደጋጋሚ ንዘተ ክቀርብ ዝግበኦ ኣርእስቲ እዩ። ኣብዚ ክጥቀሱ ዝግበኦም ብዙሓት ጉዳያት ግና ኣይተንከፍካዮምን። ዓሰርተ ጊዜ ብዛዕባ ስርዓት ህግደፍ ድማ ምሕንጣጥን ምትያብን መፍትሒ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍካ ብዛዕባ “ሃይማኖት” ኣልዒልካ ትንክፍ ጥራይ ኣቢልካ ፡ ከየብሰልካ ገድፍካዮ ፡ ኣብዚ ውን ተመሳሳሊ ኩነታት ተዓዚበ ኣለኹ።
    ንምዃኑ ኣብየናይ ክፍለ ዓለም እዮም ፡ “ላህመታዊ ምሁራን” ኢና ዝብሉ ፡ ነቲ መበቆላዊ መንነቶም ፡ ታሪኾም ፤ ኣባሓጎታቶም ፡ ውርሻኦም ንዕቕ ኣቢሎም ፡ ቋንቋታቶም ከም ትግረ ትግርኛ ፈንፊኖም ፡ መጸሓፍቶም ኣንዲዶም ፡ እትረብሕ ሃገርን ፡ ነባሪ ሃገራውነትን ዝመስረቱ? እስከ ሓንቲ ኣብነት ሃገር ንቐለዓም ውን ትኹን ከም ኣብነት ንገረኒ?
    ኣብ ከምዚ ኣዝዩ መሰረታዊ ጉዳያት እቲ ህቡብን ደፋርን ጸሓፍን ፈላስፋን ኣቶ ዮሴፍ ገብረሂወት (YG) ብዙሕን ብሱልን ጽሑፋት ስለ ዘቕረበ ፡ ብዙሓት ከም መወከሲ ይጥቀሙሉ እዮም እሞ ፡ ንጽሑፋቱ ሃሰስ በሎ።

    • Sol May 13, 2018

      ጎዳይፍ
      መስክነይቲ ኤርትራ ኣይተዓደለትን ደቃ ገሊኦም ከሓድቲ መንነቶም ገሊኦም ተሓለቅቲ ናይ ውልቀ መላኺ ኮይኖም ዕምሩ ከናውሑ ንህዝቢ ብወገን፣ ብኣውራጃ፣ ብሃይማኖት ክመቃቅሉ ላሕ ይብሉ።

POST A COMMENT