Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ፡ ሓንቲ ሃገር ክልተ መዓልቲ ናጽነት

መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍላ ህያብ ስውኣት ስለዝኾነት፡ ሓንቲ ካብተን ፍሉያትን ክቡራትን በዓላት ሃገርና ክትከውን ግቡእ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ እታ ን30 ዓመታት ዝበሃጋ ሓቀኛ ናጽነት ኣንተዝጭብጣ፡ “ቅሰኑ ስዉኣትና፡ ሳላኹምም ጽሩይ ኣየር ናጽነት ከነተንፍስ፡ ኮሪዕና ክንነብርን

መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍላ ህያብ ስውኣት ስለዝኾነት፡ ሓንቲ ካብተን ፍሉያትን ክቡራትን በዓላት ሃገርና ክትከውን ግቡእ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ እታ ን30 ዓመታት ዝበሃጋ ሓቀኛ ናጽነት ኣንተዝጭብጣ፡ “ቅሰኑ ስዉኣትና፡ ሳላኹምም ጽሩይ ኣየር ናጽነት ከነተንፍስ፡ ኮሪዕና ክንነብርን ኣብ ዓለም ግቡእ ቦታና ክንሕዝን በቂዕና” ኢሉ ልዑል ምስጋናኡን ኣኽብሮቱን ንስዉኣትን ንህሉዋትን ሰብ ውዕለት ምገለጸን መስተማቀረን ነይሩ። ስርዓት ህግደፍ ዓመት መጸ፡ መዓልቲ ናጽነት ክጽምብሎ እንከሎ፡ ማይ ዘይጠዓመ ጭርሖታትን ዝቀያየር ግን ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ፋይዳ ዘየምጽእ መደረታት የቅርብ። ህግደፍ በዚ ንነዊሕ ዓመታት ክለማመደሉን ክደጋግሞን ዝጸንሐ ቅዲ’ዚ፡ ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፡ ሓደን ንጹርን’ዩ። ብቀንዱ፡ ህግደፍ ዘዳልዎ በዓላት፡ ህዝባዊ ሰረትን ደገፍን ከምዘለዎ ንምምሳልን ንምእማንን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ንመዓልቲ ናጽነቱ ከኽብር እንከሎ፡ ፍርቂ ጉድኑ ብሓዘንን ብጓሂን ዝቆሰለ’ዩ። ምኽንያቱ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ተሓይሮምን ካብ ስድራቤቶምን ሕብረተሰብን ተንጺሎም ማእለያ ዘይብሉ ስቃይ ዘሕልፉ ዘለዉ ፍንጫሕ መሰንገልኡ ባርነት እምበር ናጽነት ስለዘይብሎም። እቶም ኣብ መላእ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ልብያን ኡጋንዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ስደት ተበታቲኖም ዘለዉ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ትውልዲ ዓዶም ክብረት ስለዝሰኣኑ፡ ኣብ ስደት ናብ ለማኖ ተቀይሮም፡ ዘኽቲሞም፡ ብስእነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ማእሰርትን ጽምዋን እናተሳቀዩ እንከለዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነታ ስማዊት ናጽነት፡ ረድዩ ከበሮን እምብልታን ሒዙ ክስዕስዓላን ክዕልለላን ኣይክእልን’ዩ።

እቲ ኣብ ተዛማዲ ሰብኣዊ መሰል ዝኽበረሉን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝወሃበሉን ክፋላት ዓለም ዝነብር ኤርትራዊ ስደተኛ’’ውን፡ ንመዓልቲ ናጽነቱ ብምሉእ ልቡን ደስታን ኣየብዕላን’ዩ። ብሰሪ ናይ ህግደፍ ምፍልላይ ተንኮላትን ስንፍና ኤርትራውን፡ ገሊኡ ኣብቲ ወከልቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዘዳልውዎ ዳንከኢራን ናይ ለማጫት መደረን ካብ ምስታፍ ተሓሲሙ፡ እናኣስተማሰለ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ክብል ይመርጽ። ካልኦት ዜጋታት ድማ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ምጋሽ ከይክልከሉ፡ ደቆም ካብ ሃገሮምን ባህሎምን ክይንጸሉ ክብሉን፡ “ኣብ ምውሓስ ናጽነት ቅንጣብ ኣበርክቶ ዘይነበሮም ደቂ ገዛ ክኾኑ፡ ንሕና ልዑል እጃም ዝገበርና ጓኖት ክንከውን ኣይግብኣናን” ኢሎም ይሳተፉን ነቲ ዘበንያ ግርምቢጥስ ማይ ንዓቀብ ዝብሃል ምስላ ይስዕርዎን። እቶም ፍልስፍና ህግደፍ ኣብ ደሞም ዝኣተወ፡ “ህግደፍ ወይ ሞት” ኢሎም ኣብ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ዘዳልዎ ውራያት፡ ባረኽትን መጣቃዕትን ውልቀሰባት ድማ፡ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ስለዝኾኑ፡ ልዕሊ ዝኾነ ኤርትራዊ ንነብሶም እሙናትን ጽሩያት ሃገራውያን’ዮም ዝቆጽርዋ። ነታ ስውኣትና ብዘይ ፍልልይ ክብርቲ ህይወቶም ዝተበጀዉላን ኣብ ሓንቲ ጉድጓድ ዝተቀብሩን ናጽነት፡ ደገፍትን ተቃወምትን ህግደፍ ተባሂልና ንሓንቲ ሃገር፡ ክልተ መዓልቲ ናጽነት ክንጽምብልን ክልተ ባንዴራ ከነምበልብልን ድርብ ሓዘን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ቂምተኛን ሓተላን ምዃኑ ስለዝግንዘብ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ንተቃወምቲ ዝብሎም ዜጋታት ኣግሊሉን ተሓቢኡን’ዩ መዓልቲ ናጽነትን ካልእ በዓላትን ዝፍጽሞ። ዝኣተኻዮ መብጽዓ ጠሊምካ፡ ሰብኣዊ መሰል ረጊጽካ፡ ህዝቢ ከይወከለካን ብዘይቅዋምን ንዓመታት ኣብ ስልጣን ተኾዲጭካ፡ ብዘይ ተሓታትነት ንብረት ህዝብን ሃገርን ኣናዘረኻን፡ ብዛዕባ ፍቅሪ ሃገርን ህዝብን ምጭዳርን ምምሓልን ድማ ነቶም ዝተሰውኡ ድቃስ ምኽላእን ንብዓት ሓርገጽን’ዩ። መሬት ኤርትራ ካብ ህላወ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ስለዝኾነ፡ ኤርትራ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃናን ባንዴራኣ ኣብ ህንጻ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስለዘምበልበለትን መግለጺ ናጽነት ኣይኮነን። ትርጉም ሓቀኛ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዝረኽቦ እፎይታ፡ ክብረትን ፍትሕን’ዩ።

ከምቲ፡ “ምስ ሓያል ውሽማ ኣዴኻ ተሰማሚዕካ ሕደር” ዝብሃል፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘሎ ህዝብና፡ መዓልቲ ናጽነት ንምኽባር ፈትዩ ጸሊኡ ህግደፍ ዝበሎ ክፍጽም ይግደድ’ዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣከባብራ መዓልቲ ናጽነት፡ ከምቲ ብመራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ህግደፍ ብዘቁጸልጽል ቃላት ዝምደረሉ ኣይኮነን። ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝብና፡ እቲ ካብ ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ ብመቁነን ዝዕደሎ ቁሩብ ቁራቦ ጨወ በርበረን ዘይምሉእ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ከየቋርጾን መንቀሳቀሲ ወረቀት ክይስእንን ስለዝፈርሕ’ዩ፡፡ ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣብ ገጠራትን ሓውሲ ከተማታትን ዝቅመጥ ድኻ ኤርትራዊ፡ ዝሕረስ መሬትን መስርሒ ገዛ ጤሳን ከይሕደግን ኣብ ኣዒንቲ ትካላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ኣትዩ ብዘይ ወዓሎ ከይእሰር ስለዝርዕድን’ዩ። ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ንኽትእሰር ጉድለት ምፍጻም ኣየድልየካን’ዩ፡ ንምንታይሲ ኣብ ዝኾነ ግዜን ብዘይሕቶን ርእይቶ ክትዳጎን ጸገም የለን። ህዝቢ ወኒ ዘይብሉ ኣብ ጎደናታትን ወጺኡ ክስዕስዕ፡ ዳሳት ሰሪሑ እኽለማይ ከዳሉን ኣለዎ። እቶም ብኻድራት ህግደፍ ተሓርዮም ኣብ ማዕከናት ዜና ጸጽብቁ ዝግዕሩ ሰባት ድማ ዕሽራትን ምስ ዕድሚኦም ዘይመጣጠን ንእሽቶ ሓንጎል ዘለዎምን’ዮም። እቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምፍልላይ ብስርዓት ህግደፍ ዝጥጃእ ሰራም ተንኮል፡ ኤርትራውያን ክንነቅሓሉን ጸገምናን ራህዋናን ሓቢርና ክንቋደስን’ዩ ዝግብኣና። ኤርትራውያን ደቂ ሓንቲ መሬት፡ ኣሕዋትናን ወለድናን ሓቢሮም ዝተቀብሩላ ሃገር፡ ሓንቲ መዓልቲ ናጽነት ክንጽምብል እምበር መፍቶ መርዛም ሽርሕታት ስርዓት ህግደፍ ክንከፋፈልን ክልተ መዓልቲ ናጽነት ከነኽብርን ከብቅዕ ይግባእ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 19 ግንቦት 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde May 20, 2018

    We just have to cast the spell of HGDEF,throw it away,as far as we can,even if we have to fast for few days,do it,purge the curse from your system,detox from the poison which has been sipping in your body for years,meditate,do whatever it takes….then take a glance at the radiance of the original Eritrean emerging in the mirror,you will feel yourself allover again, a unique person the way you were born,nothing added nothing taken away,then go out and celebrate your liberation- = your own personal liberation.

POST A COMMENT