Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ትማልን ሎምን – 8 መጋቢት

ህዝባዊ ሰራዊት ንግንባር ናቕፋ ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመት ብርቱዕ ውግእ ብለካቲት 1988 ኣፍሪስዎ:: ሽዑ ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ተመራመርቲ ታሪኽን ናብ ኤርትራ ኣትዮም:: ሓደ ካብኦም ውሩይ ደራስን ተመራማሪ ታሪኽን እንግሊዛዊ ባዚል ዳቪድሰን ነቲ ዓወት ምስቲ ቬትናማውያን ኣብ

ህዝባዊ ሰራዊት ንግንባር ናቕፋ ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመት ብርቱዕ ውግእ ብለካቲት 1988 ኣፍሪስዎ:: ሽዑ ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ተመራመርቲ ታሪኽን ናብ ኤርትራ ኣትዮም:: ሓደ ካብኦም ውሩይ ደራስን ተመራማሪ ታሪኽን እንግሊዛዊ ባዚል ዳቪድሰን ነቲ ዓወት ምስቲ ቬትናማውያን ኣብ ልዕሊ ገዛእቶም ፈረንሳውያን ዘመዝገብዎ ዓቢ ዓወት ብምምስሳል ዳግማይ ዴን ቤን ፉ ሰምይዎ::ብሓቂ ድማ ነቲ ንቬትናማውያን ናብ ዛዛሚ ዓወት ዘስገሮም ዴን ቤንፉን ግንባር ናቕፋ ድማ ንኤርትራውያን ናብ ልዳትዓወት  ኣብጺሕዎምስ ትንቢት ባዚል ዳቪድሰን ሰሚሩ:: ትንቢቱ ኣብኡ ዝተደረተ ግን ኣይነበረን:: እቲ ህዱእ ኣዘራርብኡን ትኩር ኣጠማምቱኡን ክኔው እቲ ሽዑ ዝተመዝገበ ወተሃደራዊ ዓወት ዝጥምት ነይሩ::

ዳቪድሰን ናብቲ ብሰንሰለታዊ እምባታት ዝተማእከለ ደጀን ህዝባዊ ግንባር: ሽዑ መጺኡ ነቲ ኣካይዳ ብምዕዛብ ይኹን ናይ ካልኦት ሃገራት ተመኩሮ ብምግንዛብ: ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዲሞክራሲያዊን ማዕርነት ዝሰፈናን ሃገር ከምዘይትኸውን ብደውና ኣብ ዝገብርናዮ ዕላል ኣሚቱልና:: ባዚል ዳቪድሰን መጀመርያ ዘልዓላ ሕቶ ንደቀንስትዮ ትምልከት ነበረት::

ንሱ ንሓንቲ ካብተን ኣብኡ ዝነበራ ደቀንስትዮ: መጻኢ ዕድል ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ከመይ ይመስለኪ ብምባል ብትሕትና ሓተታ:: ከም ናይ ቲ እዋን ተጋደልቲ ንሳ ድማ ደቀንስትዮ ህዝባዊ ግንባር ኣብቲ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተባሕተ ዝበሃለሉ ዓውድታት ይሳተፋ ስለዘለዋ ኣብ ናጻ ኤርትራ ማዕርነተን ርጉጽ ከምዝኾነ ገለጸትሉ:: ኣስዒባ ድማ ደቀንስትዮ ኣብ ዓውድ ኩናት መራሕቲ ኣብ ኢደ ስርሓት: ሕክምና: ካልእን ሞያታት ካብ ደቂ ተባዕትዮ ከምዘይሰንፋን ኣብ ጽንኩር ናይ ኩናት እዋን ዘመዝገብኦ ዓውት ካብ ኢደን ዝምንጥለን ፍጡር ከምዘየልቦ ዘርዘረት::

ባዚል ዳቪድሰን ብትዕግስት ሰሚዑ ብህድኣት ርእይቶኡ ኣፍሰሰ:: ንሱ ኣብ ሞዛምቢክ ግንባር ፍረሊሞ ኣንጻር ፖርቱጋላውያን ኣብ 70ታት ዘካየዶ ቃልሲ ዘከረ:: ፍረሊሞ ኣብ ቃልሲ ብዙሓት ተዋጋእቲ ደቀንስትዮ ነይረንኦ ብዙሓትእውን ንናጽነት መስዋእቲ ከፊለን: እንተኾነ ደቀንስትዮ ሞዛምቢክ ድሕሪ ናጽነት ኣብታ ዝነበራኣ ውሻጠ ተመሊሰን በለ:: ኣቶም ነቲ ዘረባኡ ዝሰማዕና ሰባት እንተላይ እታ ብጸይቲ ንሕና ፍሉያት ኢና ኣብ ዝብል ሓጹር ተኸዊልና  ነቲ ዘረባኡ ግዲ ኣይገበርናሉን ጥራይ ዘይኮነስ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ናጽነት ተኣምር ከምዝሰርሓ ጌርና ከነአምኖ ፈተና:: ንሱ ውህሉል ተመክሮ ዝሰነቐ: ብትምህርቲን ብዕድመን ዝበሰለ ሰብ ብምንባሩ ነቲ ዘረባ ፊት ንፊት ክቃወም ኣይደለየን ገጹ ግን ንርእዮ ዝብል ምልክት ነበሮ::

ዳቪድሰን ብደቀንስትዮ ዝጀመረ ዕላሉ ኣብ መራሕቲ ናይቶም  ኣንጻር ፖርቱጋል ዝተቓለሱ መራሕቲ ምንቅስቃስ ሓርነት ጊኒቢሳው ኣድሃበ:: ሕጂ እውን ከም ኣሚልካር ካብራል ዝኣመሰሉ መራሕትን ጀመርትን እቲ ቃልሲ በቶም ስልጣን ዝደልዩ መቓልስቶም ምቕታሎም ኣዝዩ ከምዝጎሃየ ኣዕሊሉና:: ብዘይካዚ እቶም ምስ ካብራል ሰውራ ዝጀመሩ ብዙሓት ከምዝተኣስሩን ከም ዝተቐትሉን ብምዝካር  ኣብ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተራእየ ተመክሮ ኣብ ኤርትራ እውን ክድገም ከምዝክኣል ኣንፈተልና::

ነዚ ዘረባኡ እውን በቲ ልሙድ ፍሉያት ኢና ዝብል ክታበት  ወገናዮ::

ዳቪድሰን  ደቀንስትዮ ሞዛምቢክ ንናጽነት ተቓሊሰን ናብ ውሻጠ ብምምላሰን ዘይኢደን ብምርካበን ሓዚኑ:: ንሱ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ከምዝዓረፈ ሰሚዐ: ብሂወት እንተዝህሉ ሃለዋት ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ብኸመይ ኮን ምገለጾ::

ኣዴታት ኤርትራ ንናጽነት ሃገር ብምሉእ ዓቕመን ተወፍየን;; ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ብስውር ተወዲበን ምስጢር ጸላኢ ፈርፊረን ንውድብ ኣሕሊፈን:: ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከዲመን ዘጥረየኦ ማል ንሰውራ ኣወፍየን:: ክቡር ማህጸነን ዝፈረዮ ውላድ መሪቐን ኣፋንየን::  ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፈን ግንባረን ንጥይት:ጉልበተንን ዓቅመንን ኣብ ምስሳን ሰውራ ወፍየን;;

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብኤለትሪክ ሓዊን ተመርሚረን ማህጸነን ብብልሒ ቆርበተን ብማይ ውዑይ ሸሊቖን ሂወተን ሓሊፉ::

ኤርትራውያን ተጋደልቲ ናጽነት ምስ ተረኽበ ከምዓለመን ክኸብራ ወሊደን ዘሚደን ቅሱን ናብራ ክመርሓ ነይርወን;;

እታ ደቂ ሞዛምቢክ ዝረኸባኣ መባእታ መሰል ማለት ኣብ ውሻጠ ተመሊሰን ደቀን ክናብያን ብሰላም ክነብራን ኣይከኣላን:: ኤርትራ ኢሳያስ ጉጅለኡን ኣብ ዘጻወድዎ መፈንጠራ ተቐርቂራ ብፖለቲካ:ባህሊ: ቁጠባ ተረሚሳ ትልኽ ትብል ኣላ:: ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ጥፍሽና ድማ እተን ሂወተን ዝወፈያ ደቀንስትዮ ኮይነን ኣለዋ:: ስድራቤት ብግዱድ ዕስክርና ተበቲና ትበልዖ ስኢና:: ንመሰሉ ዘተንፈሰ: ኣውያት ኣብ ዘይስምዓሉ ትሕቲ መሬት ሰፊሩ::ዕድሉ ዘጸበቐሉ ባሕርን ምድረበዳን ሰጊሩ ሃገር ባዕድ ዓሊቡ:: ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ዶባት ከም ኢራብ ተሃዲኖም:: ክብረ ንጽህና ጎራዙት ኤርትራ ብጽዩቓት ኣዘዝቲ ሰራዊት ተደፊሩ::ኣብ ምድረ በዳ ሲናን ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያን ደቀንስትዮ ኤርትራ ዘሕለፍኦ ጸበባ ዝተጻወረኦ ግፍዕን ሕልና ንዘለዎ ሰብ ዘደቅስ ኣይኮነን::

8 መጋቢት ብክልተ ኣንጻር ጫፋት ትዝከር ኣላ:: ጽንዓትን ተወፋይነን ሓርበኛታት ደቀንስትዮ በቲ ሓደ: በቲ ካልእ ድማ ጥልመት ኢሳያስን ጉጅለኡን ኣብ ልዕሊ እዘን ሂወተን ዘወፈያ ደቀንስትዮን ስድራቤተንን ዝወርድ ዘሎ ዓለም ዝሰከሓሉ ግፍዕታትን::

ዳቪድሰን ቅድሚ 25 ዓመት ብዛዕባ መሰል ደቂኣንስትዮ ሞዛምቢክ ዝረኣዮ ኣብ ኤርትራ ብዝኸፍአ ደረጃኡ ተፈጺሙ:: ንመራሕቲ ምንቅስቓስ ሓርነት ጊኒ ቢሳው ንኣሚልካር ካብራልን ብጾቱን ዘጋጠመ ጥልመት: ኣብ ህዝባዊ ግንባር ድማ ነቶም ብወተሃደራውን ፖለቲካውን ኣመራርሓኦም ቅያ ዝሰርሑ ሓርበኛታት በጺሕዎም::በዚ ሒዛቶ ዘላ መንገዲ እንተቐጺላ ኤርትራ ናበይ ከም እተብል ኩሉ ዜጋ ከስተንትንን ዕዩ ገዛኡ ክሰርሕን ካብ ተመራማሪ ታሪኽ ባዚል ዳቪድሰን ትምህርቲ ክቐስም ዝግባእ ይመስለኒ::

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Zufana A. March 8, 2015

    For development to take root in Eritrea women’s role should be recognized and they have to be given their share over all the responsibilities and properties. These days the regime and non government organizations are trying to help women get recognition from society which they are part of, what is however more surprising is that most women themselves do not realize that they are prevented from owning what they deserve massive recognition and appreciation.
    Our beautiful and kind women spend their time in productive activities, which directly benefit their families and society in economic. Women also play important roles to help their family in particular and their community in general. Indeed, and in short, “Equality for women is progress for all”.

    Zufana Abraham

  • Teclay March 8, 2015

    8 መጋቢት

    በዚ አጋጣሚ ነተን ክሳብ ሎሚ ዘእውየለን ዘይረኸባ 35,000 ፣ብ ለይቲ ፣ብ ሓይሊ ተገፊፈን ፣ ስማ እወን ብልክዕ ሰሚዐንኦ ዘይፈልጣ ሃገር ብሂል መፅረጊ ፈንጂን ካልእ አደራዕን ዝኾና ደቂ ሐገረሰብ አሓትና ፣ነተን ብ ሂወት ዘለዋ አኽእሎ ይሃብክን ፣ ነተን ዚሞታ ዲማ መንግስተ ሰማይ የዋርስክን ይብል።

    Mr.Degol Dirar

    Mr. Degol let me ask you from your article: You said that Mr.Basil Davidson had informed you about the past experiences in African revolutions .So,let us say you were naive till then.What about after that day: did you learn from that white man ? did you start to entertain that there would be dictatorship in Bahre Negash after the civil war.?

    Ps. what is the difference between the battle of Nakfa and the battle of Gura and Gundet ?

POST A COMMENT