Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ “ወዲ ዓሊ ኣብ ዓመቱ!” ንምዝካር ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ከካብ ቦትኡ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይገልጽ!

እቲ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገረ-ኤርትራ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት ነቲ  ዓሚ ጥሪ ኣብ ፎርቶ ኣስመራ ብጀጋኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ወዲ ዓልን ብጾቱ ንዝተወለዐ ሽግ ሓርነት ንምድማቕን ንዕላማን መትከልን ጀጋኑና ንምጉልባትን ዝተወደበ  እዩ። ደለይቲ ለውጢ

እቲ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገረ-ኤርትራ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት ነቲ  ዓሚ ጥሪ ኣብ ፎርቶ ኣስመራ ብጀጋኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ወዲ ዓልን ብጾቱ ንዝተወለዐ ሽግ ሓርነት ንምድማቕን ንዕላማን መትከልን ጀጋኑና ንምጉልባትን ዝተወደበ  እዩ።

ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲታት እቲ ሕድሪ ሰማእታቶም ዝረገጸ ስርዓት ብሙቛም ሕቶ ወዲ ዓልን ብጾቱን ሕቶ ህዝብን ሰራዊትን ብሙዃኑ ስርዓት ኢሳይያስ ቁዋም ኪትግብርን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ኪፈትሕን ሰብኣዊ መሰላት ከኽብርን ዝጠልብ ጭርሖታቶም ከንጎድጉዱዎ ውዒሎም።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኤምባሲታት ኤርትራ ዝረከቡ ተለኣኣኽቲ ምልኪ በቲ ዓሚ ጥሪ ዝተራእየ፡ ኣብ ውሽጢ ኤምባሲታት  ኣቲኻ ሕቶታት ህዝቢ ናይ ምቕራብ  ስጉምቲ ተሰናቢዶም ተሓቢኦም ኪስእሉን ናብ መሳርዕ ደለይቲ ለውጢ ዝተጸምበሩ ሃገራውያን ኪጸናጸኑ ከምዝወዓሉ ዝበጽሓና ጸብጻባት ይሕብር።

ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ነበርቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ብወገኖም ወዲ-ዓሊ ኣብ ዓመቱ ንምዝካር ልክዕ ኣብታ ሽግ ሓርነት ዘምበልበለላ ሰዓትን ዕለትን ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣብ ለንደን ተረኺቦም፡ ” ወዲ ዓልን ብጾቱን ዝወደቕሉ ዕላማ ኪንቅጽሎ ኢና! ጅግና እንተሞተ ዕላማ ኣይመውትን እዩ! ሕቶ ወዲ ዓልን ብጾቱን ሕቶና እዩ! እሱራትና ይፈትሑ!! ዝብል ጭርሖታቶም ከቃልሑ ውዒሎም።

መዓልቲ ስራሕን ወቕቲ ዛሕልን ቀዝሕን እውን እንተነበረ፡ ብዙሓት ኣብ ቃልሲ ሓርነት ብጀግነንት ዝሰንከሉ ተጋደልቲ ከይተረፉ ነቲ መብጽዓ ሰማእታት ዝጠለመ ስርዓት ንምቅዋም፡ መብጽዓ ሰማእታትና ይከበር! ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!! ዝብል ጭርሖታቶም ኣልዒሎም ነቲ ብስንክልናኦምን መስዋእቲ  ብጾቶምን ኣብ ዝተረኽበት ናጽነት ብምልኪ ህዝቢ ዝድህኽ ዘሎ ስርዓት ኪኹንኑዎ ውዒሎም።

ኣወሃሃዲ ኮሚተ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ እታ ወዲ ዓልን ብጾቱን  ኣብ ፎርቶ ዝተወልዑዋ ሽግ ኣብ ልቢ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ እትነድድ ድሮ ዓመት ከምዝገበረትን፡ ወዲ ዓሊ ብኽብሪ እንተሓልፈ ንሱን ብጾቱን ዘልዓልዎ ዕላማን መትከልን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጢ ተተኺሉ ከምዘሎ ብምሕባር “ሽግ ወዲ ዓሊ ምስኡ ዝተቐብረት ዝመስሎም ምልክን መላኽን፡ ባና እታ ሽግ ገና ኣብ መላእ ሃገር ይረአ ከምዘሎ ኪፈልጡ ይግባእ።” ኢሉ።

ቀጺሉ እቲ መደረ፡ ሃገራዊ ናጽነትና እናተተኻኽአ ብዝተኸፍለ መስዋእቲከምዝተረጋገጸ ፣ ጽባሕ ከኣ ቅድምን ድሕርን ወዲ ዓሊ ብዝኸፈልናዮን እንኸፍሎ መስዋቲ እታ እንደልያ ዘሎና ሓራ ኤርትራ ህያው ከምእትኸውን ብምሕባር ” ነታ ጅግናኣን ግርማኣን ዝሃበትና ስድራቤት ወዲ ዓሊ ኪንሕብሕባ” ይግባእ ኪብል  ስድራ ወዲ ዓልን  ኩሎም ሰማእታትናን ኣብ ዝባንና ከምዘሎ  ኣዘኻኺሩ። ኣብ መወዳእታ መደርኡ መለኽቲ ጀጋኑ ኪቐትሉን ከሕቅቑን ይኽእሉ እዮም። ዕላማን መትከልን ግን ከቶ ኪቐትሉን ኪሞቚሑን ከምዘይክእሉ ኣረዲኡ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እውን ሓፍትና ኤልሳ ጭሩም ብዛዕባ እቲ ዓሚ እዚ እዋን ኣብ ፎርቶ ዘጋጠመ ኩነታት ካብ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ዝረኸበቶ ሓበሬታ ንሰልፈኛታት ኣካፊላ።

ኣብ መወዳእታ ሰልፈኛታት እዛ ብህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝተረኽበት  ናጽነትና ናጽነት መላእ ህዝቢ ንኺገብሩዋ ቃል ብምእታው ሰልፎም ዛዚሞም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • bilen January 25, 2014

    kuburat ahwat!!!!!
    “wedi Ali nebsu wesidu” zbele eti Ganin Isaias iyu, ab gudgad tehabiU zkeneye dea abey koyu riEwo????? kabtom teleAEkhtu geru aktilwo key akl dma yhsu ezi hasawi!!!!! aktileyo kbl emo beyenay meAnTU?????? Sheytan kab zfter jemiru meas haki tezaribu yfelT????

    wedi Ali ab lbi kulu Eritrawi nmewaeltnebr alaekhan ktnebr ikha!!!!
    bselam Eref!

  • selamawit January 25, 2014

    tesfalidet, be patient. especially since web 2.0. it is childsplay to get you and to call you for account every minute. but now es just collect you charges!

  • halengi January 25, 2014

    himam alekum wediali kitiblu kenikum higi kea sina sina nisku ab sina kitfu zegebakum

POST A COMMENT