Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኦስሎ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ን25 ዓመታት እዚ ዘይበሃል በድላትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ወሪዱዎ ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ ህሞት፡ ህግደፍን መሓውራቶም ዝኾና ማሕበራትን ኣብ ኦስሎ፡ ሃገረ-ኖርወይ፡ ብሩራዊ ኢዮቤል ናጽነት ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ ዳንኬራን ሳዕስዒትን ንምግባርን ብስዉር

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ን25 ዓመታት እዚ ዘይበሃል በድላትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ወሪዱዎ ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ ህሞት፡ ህግደፍን መሓውራቶም ዝኾና ማሕበራትን ኣብ ኦስሎ፡ ሃገረ-ኖርወይ፡ ብሩራዊ ኢዮቤል ናጽነት ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ ዳንኬራን ሳዕስዒትን ንምግባርን ብስዉር ንነዊሕ ጊዜ ተዳልዮም ሸበድበድ ክብሉ ቀንዮም።

ከተማ ኦስሎ፡ ከም ካልኦት ከተማታት ኤውሮጳ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ይቕመጥዋ። ኣብዛ ኸተማ’ዚኣ ካብ ግዜ ናጽነት ጀሚሩ ብቑጽሮም ይኹን ብህግደፋውነቶም ዝተኣማመኑ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ህግደፍ ስለ ዝጸንሑ፡ ኣፍልቦም ገቲሮም ደስ ኣብ ዝበሎም ኣዳራሻት በዓላትን ሰሚናራትን የካይዱ ኔሮም ኢዮም። ካብ 2012 ንነጀው ግን ቁጽሪ ደለይቲ ፍትሒ እናሰሰነ ሓይሊ-ሚዛን’ውን እናተቐየረ ስለ ዝመጽአ፡ ኣባላት ህግደፍ እዚ ዘይበሃል ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኦም፡ ኩሉ ዝገብርዎ ንጥፈታት ብስቱር ጥራይ ኮይኑ። ደለይቲ ፍትሒ ከኣ «ጭራ ካብ ሓዝካ ኣይትግደፍ» ብምባል፡ ኣብ ዘዝኸድዎ ኣዳራሻት እናሰዓቡ ንኣባላት ህግደፍ  ኣብ ምሕፋርን «ዓገብ» ኣብ ምባልን ብዙሕ ጻዕሪታት ክገብሩ ጸኒሖም። ናይዚ መቐጸልታ፡ ህግደፍን ተደናገጽቶምን ዕለት 14.05.16 ብሩራዊ ኢዮቤል ከም ዝገብሩ ምስ ተፈልጠ፡ ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ቅጽበታዊ ምውድዳብ ብምግባር ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም፡ ክዳውንቶም ኣጸቢቖም ሸነን እናበሉ ይኣትዉ ንዝነበሩ ሕልና-ኣልቦ ደገፍቲ ህግደፍ፡ «ንሕና ምስ ህዝብና፡ ንስኻትኩም ከኣ ምስ ዲክታቶር» ምስ በሉዎም፡ ኣራእሶም ኣድኒኖም ናብ ኣዳራሽ ክኣትዉ ተራእዮም።

ህግደፍ ናይ ኩዕሶ-እግሪ መጻወቲ ኣዳራሽ እኳ እንተተኻረዩ፡ ዝኣትዉ ዝነበሩ ዕዱማት ብቑጽሪ ውሑዳት፡ ብዓይነት’ውን ቆልዓ-ሰበይቲ ጥራይ ኢዮም ኔሮም። እቶም ዝኣተዉ ኣጋይሽ ከኣ ኣዳራሽ ውሒጡዎም ከም ዝነበረ ኢና ተዓዚብና። ደለይቲ ፍትሒ ብዕሙር ድምጺ «ህዝቢ ኤርትራ 25 ዓመት ኣብ ትሕቲ ባረነት» እናበሉ ብብርቱዕ ድምጺ ክጭድሩን ክንድሩን ከለዉ፡ ብርክት ዝበሉ ቆልዑ ተኣኪቦም ካብ ውሽጢ ኣዳራሽ ብመሳኹቲ ብኣድናቖት ይጥምቱና ነበሩ። እዚኣቶም እንታይ ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ ኢሎም ነንወለዶም ከም ዘዋጥርዎም’ውን ፍሉጥ ኢዩ። እዚ ፈታኒ ሕቶ’ዚ ከኣ ነቶም ሕልና ዘለዎም ወለዲ ሰጋእ ዘብል ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን።

ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ሚንስተር ስደተኛታት ኖርወይ፡ ሲልቨ ሊስትሃውግ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ኖርወይ መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምርካቦም፡ ተጠውዮም ጨፍሊቑና ናብ ዝበሉዎ ስርዓት ይኸዱ ስለ ዘለዉ፡ ምክትታል ክንገብር ኢና ስለ ዝበለት፡ ንብዙሓት መንእሰያት ዘፍርህ መግለጺ ኮይኑ’ሎ። ምስ ህግደፍ ዝደናገጹ ዘለዉ መንእሰያት ከኣ ናይ ደለይቲ ፍትሕ ምትእኽኻብ ኣብ ዘለዎ ቦታ ካብ ምምጻእ ኣብ ገገዝኦም ምትራፍ ኢዮም ዝመርጹ። በዚ መንጽር ክረአ ከሎ’ምበኣር፡ ኢዮቤለ ህግደፍ ካብ ጠቕሙ ክሳራኡ ዝዓቢ ከም ዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን።

ክላሰካምፐን (The Class Struggle) ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ጸጋማዊ ክንፊ ኣረኣእያ ዘለዎ ጋዜጣ ኖርወይ፡ ኣብቲ ናይ ዕለት 14.05.216 ዓምዲዳቱ፡ ሽዱሽተ ገጻት ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራን ብዛዕባ’ቲ ንምሸቱ ተሓሲቡ ዝነበረ ናይ 25 ኢዮቤልን ብስፍሓት ገሊጹ። ኤርትራ ወላ’ኳ ብህዝባዊ ግንባር ነጻ እንተወጸት፡ ኣብ ትሕቲ እዞም ነጻ ኣውጺእና በሃልቲ፡ ማለት ዲክታቶር ኢሰያስን ህግደፍን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እታ ሃገር ን25 ዓመት፡ እዚ ዘይበሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክፍጽሙ ከም ዝጸንሑን ዘለዉን ተገሊጹ። ዝተፈላለየ መዐቀኒታት ብምቕራብ ከኣ ኤርትራ እዚ ዝስዕብ ደራጃ ሒዛ ትርከብ ይብል እቲ ጋዜጣ፡

  • ናይ ሕቡራት ሃገራት ደረጃ-ምዕባለ፡ ኤርትራ መበል 186 ካብ 188 ሃገራት ሒዛ ከም ዘላ፡
  • ብFreedom House ዝፍለጥ ዓለም ለኻዊ ነጻ ተሓላቒ ዲሞክራሲን ናጽነት ሰባትን ከኣ ኤርትራ፡ «ጨርሻ ዘይነጻ ሃገር» ድሕሪ ምባል፡ ብመንጽር መራኸቢ ብዙሓን፡ ኣብ ዓለም ካብተን 4 ዝኸፍኣ ሃገራት ተባሂላ ትፍለጥ፡
  • ገደብ ዘይብሎም ጋዜጠኛታት ከኣ ንኤርትራ ካብ 180 ሃገራት እታ ዝኸፍአትን ጭራን ከም ዝገልጹዋ፡
  • ግሉጽነትን ምጥፍፋእን ዝከታተል ዓለም-ለኻዊ ማሕበር (transparency international) ከኣ ኤርትራ መበል 154 ካብ 168 ሃገራት ከምዝሰርዓ፡
  • ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጨካን ስርዓት፡ ኣብ ኖርወይ ክሳዕ ሕጂ ዳርጋ ኩላቶም ዑቕባ ከም ዝረኽቡ ዝብልን ካልእ ሰፊሕ ሓበሬታን የቃልሕ።

ናይ ኖርወይ ሃገራዊ ቲቪ-ካናል (NRK) እውን፡ ጋዜጠኛ ብኣካል ተረኺቡ ንደለይቲ ፍትሕን ንደገፍቲ ህግደፍን ቃለ-ማሕተት ድሕሪ ምክያድ፡ ደገፍቲ ስርዓት ኤርትራ ሃገራዊ ናጽነት ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ ዓቢ ኣዳራሽ፡ ቁጽሮም ብርክት ዝበለ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ከኣ ኣብ ኣፍደገ ኮይኖም፡ ፍትሒ ከይነገሰ በዓል ናጽነት ምብዓል ኣየማዕርግን’ዩ ይብሉ ኣለዉ ብምባል ኣቃሊሑ።

ገረዝጊሄር ጴጥሮስ፡ ኦስሎ 15.05.2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! May 17, 2016

    Hidat
    Hito mesel hizbikha , hito hagherawi heghn sereatn nikikhebr
    intetikales fetaw xubuk tmnit nehwatka ms tebehalka neyrka .
    Mes HGDF moudukhdakha kabtom netom mes EPLF ziteghadelu ab
    hade Ketemearariyom kolekha zeshek zeykones zegherm iyu .
    ZEHAFR DIMU WELDEMARIAM SHIMU zibeluwo nihade defar kemakha iyu

POST A COMMENT