Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ እስራኤል፣ ናብቶም ኣብ ሆሎት ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ ልዕሊ 3 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምብጻሕ ናይ ምንዝጋዕን ኣስተምህሮን መደባት ኣቕሪቦም።

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ እስራኤል፣ ብፍላይ ድማ ኣባላት ምደፍኤን ምጥርናፍ ህዝባዊ ማዕበልን፣ ትማሊ 22 ጥሪ፣ ናይ ሙዚቃ ባንድ ኣኸቲሎም ካብ ቴልኣቪቭ ንኽልተ ሰዓታት ናብቶም ኣብ ሆሎት ዝብሃል ክፉት ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ ልዕሊ 3 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ እስራኤል፣ ብፍላይ ድማ ኣባላት ምደፍኤን ምጥርናፍ ህዝባዊ ማዕበልን፣ ትማሊ 22 ጥሪ፣ ናይ ሙዚቃ ባንድ ኣኸቲሎም ካብ ቴልኣቪቭ ንኽልተ ሰዓታት ናብቶም ኣብ ሆሎት ዝብሃል ክፉት ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ ልዕሊ 3 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምብጻሕ ናይ ምንዝጋዕን ኣስተምህሮን መደባት ኣቕሪቦም።

ኣሰናዳእቲ ናይቶ መደብ ነቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝኸፈቱሉ ኣጋጣሚ፣ ወትሩ ብሕልና ምስኣቶም ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ከምዘለዉ ብምግላጽ ሞራላዊ ደገፍን ምትብባዕን ገይሮምሎም፣ ሽግሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓተ ምሕደራ ብምቕያር ጥራይ መሰረታዊ ፍታሕ ክርከብ ከምዝኽእል ብምጥቃስ ከኣ ሓባራዊ ቃልሶም ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምሕያል ይንቀሳቐሱ ከምዘለው ኣአጋጊጾምሎም።

እቶም ኣብ ሆሎት ተኣሲሮም ዘለዉ 3300 ኤርትራውያን ብዘይካ ስደተኛታት ምዃኖም ካልእ ገበን ዘይብሎም ውጹዓት ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ ኣሰናዳእቲ፣ እቲ ናይ ማእሰርቲ ኩነታት ንዝኾነ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤርትራዊ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ከጋጥሞ ከምዝኽእል ብምግላጽ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ኤርትራውያን ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ጉዳይ ኣቓልቦ ከገብሩሉ ምስ ድምጺ ኣሰና ብቴለፎን ኣብ ዝገበሩዎ ዝርርብ ተማሕጺኖም።

ክቡራት ሰማዕትና ንሃዋህ ናይቲ ኣጋጣሚ ዘንጸባርቕ መደብ ኣብ ቀጻሊ ከነቕርበልኩም ኢና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • AHMED SALEH !!! January 24, 2016

    3000 Eritrean refugees ab biyet maeserti stay indefinitely until Issayas regime had gone away for good . Bad choice my brothers/sisters to step in uninvited at racist people house . Sudan or Ethiopian refugee camps were better regardless economic hardships , at least you feel close to home .

POST A COMMENT