Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሃገረ ሆላንድ መበል 25ዓመት ማዓልቲ ነጻነት ብድምቀት ኣብዒሎም ።

ብዕለት 22-05-2016 ፣ ኣብ ትሕቲ “ጥርናፌና ዋሕስ ዓወትና እዩ “ ዝብል ጭርሖ ፣ ዓበይትን ፣ መንእሰያትን ፣ ገዳይም ተቓለስትን ፣ ምሁራት ሰብ ሞያን ፣ ኤርትራውያን ካብ ዝተፋላለየ ከተማታት ሆላንድ ዝተኻፈልዎ ፣ ናይ 25 ዓመት መዓልቲ

ብዕለት 22-05-2016 ፣ ኣብ ትሕቲ “ጥርናፌና ዋሕስ ዓወትና እዩ ዝብል ጭርሖ ፣ ዓበይትን ፣ መንእሰያትን ፣ ገዳይም ተቓለስትን ፣ ምሁራት ሰብ ሞያን ፣ ኤርትራውያን ካብ ዝተፋላለየ ከተማታት ሆላንድ ዝተኻፈልዎ ፣ ናይ 25 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ብድምቀት ከቢሩ ውዒሉ።
እዚ በዓል ብዝክረ ሰማእታት ኤርትራ ድሕሪ ምጅማር ፣ ሙሁራትን ሙኩራት ሰብ ሞያን ፣ ኣብዘን ዝስዕባ ክልተ ነጥብታት ዘተኮረ ኣስተምህሮን ምኽርን ገለጻን ኣቕሪቦም።

  1. መሬትና ካብ ናይ ባዕዲ መግዛእቲ በደም ፣ ኣቦታትናንን ፣ ኣዴታትናን ፣ ኣሓትናን፣ ኣሕዋትናን ነጻ ስለ ዝወጸ ፣ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ።
  2. ህዝብና ከኣ ኣብ ነጻ መሬቱ ፣ መሰሉ ተገፊፉ ፣ ብዘይ ሕግን ስርዓትን ይግዛእን ፣ ይሳቐን ስለ ዘሎ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ትጠርኒፉ ንመሰሉን ፣ ናብርኡ ናብ ንቡር ንምምላስን ክቃለስ ኣለዎ።

ብተወሳኺ ደማ ፣ ነዚ በዓል ዘንጸባርቕ መደረን ፣ ግጥምታትን ውን ካብ ህዝቢ ቀሪቡ።  እቶም ህቡባት መንእሰያት ሙዚቅኛታት ተጻወቲ “ፍቅሪ ባንድ” ድማ ነዚ በዓል ብዘንጸባርቕ ዜማታትን ባህላዊ ምዝንጋዕን ንህዝቢ ከዘናግዕዎ ውዒሎም።

መንእሰያት ድማ እዚ ቃልሲ እዚ ብዘይካ ተጠርኒፍካ ፣ ብካልእ መገዲ ክትፈትሖ ከምዘይከኣል ብምርዳእ ፣ ሎሚውን  ኣቲ ተጀሚሩ ዘሎ ተጠርኒፍካ ምስራሕን ምቅላስን ፣ ከደልድልዎን ፣ ከማዕብልዎን ማዃኖም ንህዝቢ ገሊጾም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT