Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ብዛዕባ ምጥራር ዶብን ምምላስ ባድመ ናብ ዋናታታ ክንዛረብ ኢሰያስ ንኤርትራ ብምልእታ ሸይጡ ድሮ ዓሰብን ባጽዕን ንኢትዮጵያ ከረክበን ጀሚሩ ኣሎ

ኤርትራውያን ብዛዕባ ምጥራር ዶብን ምምላስ ባድመ ናብ ዋናታታ ክንዛረብ ኢሰያስ ንኤርትራ ብምልእታ ሸይጡ ድሮ ዓሰብን ባጽዕን ንኢትዮጵያ ከረክበን ጀሚሩ ኣሎ ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ብትዕቢትን ዕሽነትን መራሒና ከይፈተና ዝኣተናዮ ናይ ዶብ ውግእ ልኡላውነትና ከንኽብር ደም ርሂጽና፣ ብኣሽሓት

ኤርትራውያን ብዛዕባ ምጥራር ዶብን ምምላስ ባድመ ናብ ዋናታታ ክንዛረብ ኢሰያስ ንኤርትራ ብምልእታ ሸይጡ ድሮ ዓሰብን ባጽዕን ንኢትዮጵያ ከረክበን ጀሚሩ ኣሎ

ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ብትዕቢትን ዕሽነትን መራሒና ከይፈተና ዝኣተናዮ ናይ ዶብ ውግእ ልኡላውነትና ከንኽብር ደም ርሂጽና፣ ብኣሽሓት ሰንኪልናን ተሰዊእናን። እቲ ብዙሕ ውርደትን ሕስረትን ድማ ውዕል ኣልጀርስ ተፈሪሙ ውግእ ዓሪፉ ጉዳዩ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ውሳኔ ምስ ተዋህበ ንልዕሊ 17 ዓመታት “ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ካብ ባድመ ክስሕብ፣ ዶብ ብመሰረት ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ይጠረር” ፍጹም ዘይንቕነቕ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ሓንቲ ኣጀንዳ ጥራይ ሒዝና ንዓኣ ጥራይ ነኺስና ጸኒሕና።

ምስ ምምጻእ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድማ “ ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ ኩነት ከነተግብር ኢና” ምስ በለ ኣብ ሕጺር ጊዜ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ልዑላዊ መሬትና ወጺኡ መስርሕ ምምልካት ዶብ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ኣካል ካርቶግራፊ ተሓጊዙ ምስ ተጠረረ ናብ ንቡር ህይወት ክንምለስ። ሕረስ ሓረስታይ፣ ንገድ ነጋዳይ  ዝብል ኣዋጅ ክእወጀልናን እቶም ንዓመታት ኣብ በረኻን ሃሩርን ብዘይ ማሃያ ብሓርበኝነት ንሃገሮም ከገልግሉ ዝጸንሑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናብ ቤቶም ተመሊሶም ንቡር ህይወት ክጅምሩ፣ ብዘይ ሸለብ ገለብ ብዘይ ስግኣት ግፋ ወፊሮም ክኣትዉ፣ ክወልዱ ክዝምዱ ኢዮም ኢልና ብተስፋ ኢና ተቐቢልናዮ። ብዓቢኡ ድማ እቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተወንዚፉ ዝጸንሐ ዘቤታዊ ፖሊቲካዊ ጉዳይና ከም ብሓድሽ ኣበራቢርና ማዕረ ተሳታፍነት ኣብ ጸጋታትን ዕድላትን ዘረጋግጽ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክንተክል። ካብ ግዝኣት ምልኪ ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት፣ ካብ ጭቅናን መርገጽትን ናብ ሓርነት (ህዝቢ ብሓርነት መራሕቱ ዝመርጸሉ ስርዓት)፣ ካብ ግዝኣተ ሓይልን ጎነጽን ጉልበትን ናብ ግዝኣተ ሕጊ ክንሰጋገር ተጸቢና።

ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽ መታን መሰጋገሪ ፍትሒ ክትከልን ፍትሓዊ ስርዓት ንምትካል ዝሕግዙ መሰል ዜጋታት ዘኽብሩን ዲሞክራሲ ንምምዕባል ኣበርክቶ ዝገብሩ ፍትሒ ትካላት ከነቕውም። ሰላምን ዕርቅን ሕድገትን ይቕሬታን ምሕረትን ንምርግጋጽ ሓቅን ፍትሕን ምሩኩስ ዝገብር ንሓድሕዱ ተተፋኒኑ፣ ንሓድሕዱ ተቃራሒኑ ዝነበረ ወገን፣ ዝኾረየ፣ ዝተቐየመ ህዝቢ ዝጸንሐ ህዝቢ ተሳንዩ ክነብር ዕድል ክኽፈት። ብዘይ ሕጊን ፍትሕን ስቓይን ማእሰርትን ዝረኸቡ ወገናት ጸሓይ ዝርእዩሉን ዝከሓሱሉን ጊዜ ክመጻልና ግዲ እዩ ኢልና ተመኒና። ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ኢልና ዘለና ኤርትራውያን ንዓድና ክንምለስ ብሂግና።

ቅድም ቀዳድም ግና መታን ኣብ ዳግማይ ጸገም፣ ዳግማይ ውግእ፣ ዳግማይ ሞት ከይንኣቱ እቲ ንዕስራ ዓመታት ውሕስነትና ኢልና ዝተጸበናዮ ዶብ ክሕንጸጽ ስራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ክስሕብ ባድመ ክንርከባ ተጸቢና። እንተኾነ እቲ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ዓንገረር ዝበልናሉ ኣደዳ ከርተትን ውርደትን ስደትን ዝገበረና እቲ ቀንዲ ጭብጥናን ድጊ ነገርናን ምምልካት ዶብ ሸለል ክበሃል ምስ ረኣና ኩልና ኤርትራውያን ደገፍትና ተቓወምትና ኣብ ሕቶ ሃገራውነትን ልዑላውነትን ዝፈላሊ ስለዘይብልና ካብ ጻት ንጻት ዶብና ክሕንጸጽ ብሓደ ድምጺ ጠሊብና።

እንተኾነ ውልቀ-መላኺ ናብ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ምስ ከደ ኣብይ ኣሕመድ እንታይ ሻብኡ ንባድመ ከየረከበ “ ኣነን ኢሱን ክንድመር ከለና ንዓሰብ ክንማቐላ ኢና” ኢሉ ናብቲ ደምና ዘፍሰስናሉ ኣዕጽምትና ዝኸስከስናሉ ወደብና ተማጣጢሩ። ክላ እዚ ድኣ መጸበቕ ዘረባን ነቶም ዓሰብ እንዳበሉ ብዘይ ምቁራጽ ንዓመታት ዓንገረር ዝበሉ ምሁራትን ጋዜጠኛታትን ኣምሓራ ከዐሹ ኢሉ ዝተዛረቦ ኢዩ ዝኸውን ኢልና ዕሽሽ ክበሃል  ዘለዎ ዘረባ ኢዩ ኢልና ክትዕና ከይወዳእና ያኢ ‘ታሻብኡ ተማቒሉ ካብ ዓሰብ ብጽሒቱ ወሲዱስ ዋና ባሕርን ወደብን ኮይኑስ፣ ኤርትራ ወይ ናይ ኤርትራ ወከልቲ ዘይብሉ ኣብይ ንበይኑ ምስ ምስ ኢማራት ዓረብ መስመር ምዝርጋሕ ሻምብቖ ነዳዲ ካብ ዓሰብ ንኣዲስ ኣበባ ዋና መሬት ኮይንስ ተፋራሪሙ።

ኣብቲ ብዕለት 24 መጋቢት 2019 ነቲ ብቤት ጽሕፈቱ ዝተዳለወ ናይ ዘተ መኣዲ ክዓጹ ከሎ ንጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ክምልስ ብኣሽሙር ንሱዳን ከምዚ ኢሉ ጠቒሱ “ንኣብነት ምስ ሱዳን ሰላማዊ ዝምድና ኢዩ ዘለና እንተኾነ ግና ንልዕሊ 20 ዓመት ዘይተፈትሐ ናይ ዶብ ጸገም ኣሎና” ኢሉ። እዚ ናይ ኣሽሙር ዘረባ ንዓና ኤርትራውያን ዝቐንዐ ንለባም ኣምተሉ ዝዓይነቱ ዘረባ ከይንብሎ ዳርጋ ሕጂ ውን ጉዳይ ዶብ ኣብ ዝመጽእ 20 ዓመት’ውን መዕለቢ እንተረኺቡ ኢዩ ዝዓይነቱ ገይሩ ብምድርጓሕ ምምልካት ዶባ ቅበጽዎ ዝቃንኡ ዘረባ ኣስሚዑና።

ገና ክትዕና ሓደ መልክዕ ከይሓዘን ሽዑን ሽዑን ድማ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓይሊ ባዕሪ ክምስርት ምዃኑ ኣውጁ። ኣብቲ ግጥም ዳዊት ምስ ጎልያድ፣ ኣብቲ ግጥም ጻጸ ምስ ሓርማዝ ውልዶ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ በተን ክንዲ ጻጸ ዝኾና ፈጣናት ጃላቡ ነተን ክንዲ ሓራምዝ ዝኾና ዓርሞሸሽ መራክብ ኩናት ኢትዮጵያ ደምሲሱ ገማግም ባሕሩን ወደባቱን ብቐይሕ ደሙን ብምስዋእቱን ሓራ ካብ ዘውጽአን ን27 ዓመታት ኣስቂጦም ዝነበሩ ሕጂ ያኢ ኤርትራውያን ፋሕ-ፋሕ ኢሎም ሓይሊ ባሕሪ ክንምስርት ኢና ኢሎም። ክላ ንኣፎም ኢዮም ኢልና ስቕ ከይብል፣ እንታይ ሻብኦም ኣብ ገደምን ዳህላክን ከምዝተራእዩ ኣስደሚሙና። ሕሉፍ ሓሊፎም ነቲ ቅድሚ 29 ዓመት ፈንቂልና ዝደርበናዮ ቀይሕ ብጫ ቀጠልያ ባንዴርኦም ኣብ ገርግሱም መጺኦም “ቀይ-ባህር  የኢትዮጵያ የተፈጥሮ ወሰን ነው” ኢሎም ክተኽልዎ ፈቲኖም።

ንሕና ‘ዶብና ይተሓንጠጥ፣ ቅዋምና ይተግበር፣ እሱራትና ይፈትሑ፣’ ኢልና  ዶብና ክፍለጠልናን ባድመና ክትምለሰልና ናብ ንቡር ክንምለስ ሃረር እንዳበልና ኸለና ብደቡብ መሬትና ክመልሱልና እንዳጸበና ኸለና ድሓን ኣለና እንዳበልና ኸለና፣ ኣዘንጊዖሙና፣ ብሰሜን ተሞኽልዮም ኣብ ባጽዕ ተራእዮም።

ቅንይ ኢልና፣ ዘይንሰምዖ የብልናን። ኣብይ ኣሕመድ እንቕዓ ሻዲኑ ብዘይብኣና፣ ብዘይ ወከልቲ ስርዓት ኢሰያስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ጣልያን ብዛዕባ’ቲ መሪር መስዋእቲ ኸፊልና፣ ንጸቢብ ስጋለት ቀጣን ሬሳና ብሓዊ ተቓጺሉ ቁንጣሮ ታንክታት ምስ ኣማኢት ታንክታት ገጢምና ዝሓዝናያ ባጽዕ ብሰላሕ መላሕ፣ ያኢ ዋናታቱ ኾይኖም ባቡር ምድሪ ከስርሑ ተዋዓዓሎም። ንጽባሒቱ ኣብ ዳቮስ ስዊዘርላንድ ከይዶም “ድሕሪ ሕጂ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ጅቡትን ሰለስተ ሰራዊት ዘይኮነ ሓደ ሰራዊት፣ ሰለስተ ኤምባሲ ዘይኮነ ሓደ ኤምባሲ ክህልወን እዩ ድልየትና” ኢሉ ብዛዕባ’ቲ ዝሕለን ዘሎ ሚስጢር ደርጉሕልና።

ኣይቀነየን ፕረዚደንት ክልል ኦሮሞ ኤቦ ለማ መገርሳ ባሕሪ ዘይብልና ስለምታይ ሓይሊ ባሕሪ ይህልወና ኢሎም ምስ ሓተትዎ፣ ፍሽኽ እንዳበላ “መን ይፈልጥ ኣብ ሓጺር ጊዜ ባሕሪ ይህልወና ይኸውን” ኢሉ መሊሱ።

ዶክተር ኣብይ ነቶም ንሕና ከይተዛራረብናሉ ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክትቅብል ኣይነበረካን ዝበሉ ኣባላት ፖርላማ(ተወከልቲ ህዝቢ) ክምልስ ከሎ “ዓሰብ ንኤርትራ ክትወሃብ ከላ መዓስ ተሓቲትና” ኢሉ መሊሹ። ብኣመላኻኽታ ኣብይ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ከላስ ወያነ ኢዮም ንኤርትራ ኣሕሊፎም ሂቦማ ዝበሃል ናይ ብዙሓት ትምኽሕተኛታት ኣምሓራ ጽውጽዋይ ከም ሓቂ ከም ዝተቐበሎ እዩ ዘርእየካ። ብድሕሪኡ ውን ኣብ ኣሜሪካ ብዓይነ-ስዉር ጋዜጠኛ ቴድሮስ ጸጋየ “ዓሰስ ብታሪኽ፣ ብሕጊ ብተፈጥሮ ናይ ኢትዮጵያ ኢያ፣ ንስኻ ከም ዶክተር ኣብይ ከም መራሒ ኢትዮጵያ ውልቃዊ ርእይቶኻ እንታይ እዩ” ተባሂሉ ተሓቲቱ “ዓሰብ ናይ ኤርትራ ኢያ ኢሉ ክንዲ ንጹር መልሲ ዝህብ ነቲ ሕቶ ከይመለሸ ሸፋፊኑ ሓሊፍዎ። ብኣንጻሩ እቲ ኩልሻዕ ንወቕሶ መለስ ዜናዊ ኣብ ጉዳይ ዓሰብን ልዑላውነት ኤርትራን ዘየማትእ ንጹር መርገጺ እዩ ነይርዎ። እዛ ሕቶ እዚኣ ከምዘላታ ሓደ ጋዜጠኛ ንመለስ ዜናዊ ከምዚ ዝስዕብ ሓቲትዎ ነይሩ “ንዓሰብ ወደብ ዝምልከት ብሰላማዊ መንገዲ ንምምላስ ተፈጥሮኣዊን ሕጋዊን መንገዲ ኣሎ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ፣ ብሓቂ መንገዲ ኣሎ ድዩ፣ እንተሎ’ኸ ኢሂወደግ ኣብዚ ጉዳይዚ ስለምንታይ ግልጺ መትከል ዘይሕዝ” ኤርትራ  ልኡላዊት ሃገር ምዃና  ንጹር ቃላት ዓሰብ ናይ ኤርትራ ግዝኣት ምዃና ብኸምዚ ዝስዕብ ብዘየወላውል ቃላት ገሊጹ ነይሩ፡ https://www.youtube.com/watch?v=lTyS9bPHr9I

“ ተፈጥሮኣዊን ሕጋዊን ማለት እንታይ ማለት ሙዃኑ ንዓይ ሕጋዊ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ግልጺ እዩ፣ ተፈጥሮኣዊ ማለት ግን እንታይ ማለት ምዃኑ ንዓይ ግሉጽ ኣይኮነን። ብመንጽር ሕጊ ክርአ ኸሎ ንኣጠቓቕማ ወደብ ዝምልከት ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ኣሎ። እዚ ዓለም-ለኸ ሕጊ ዝብሎ “ወደብ ዘይብለይ ሃገራት ካብተን ወደብ ዘለወን ሃገራት ናይ ወደብ ኣገልግሎት መሰል ይህልወን ኢዩ ዝብል። ወደብ ዘይብለን ሃገራት ናይ ካልእ ሃገር ወደብ ክወስዳ ይኽእላ ኢየን ዝብል ዓለም ለኸ ሕጊ የለን። ይህሉ ይኸውን ኢልካ ምግማት’ውን መሃይምነት እዩ። ምኽንያቱ ዓለም-ለኸ ሕጊ ኣብ ምቕባል ሉኡላውነት ካልእ ሃገር ዝተመስረተ እዩ። ናይ ሃገራት ልዑላውነት ብምጥሓስ ሓንቲ ሃገር ናይ ካልእ ሃገር ወደብ ክወስድ ይኽእል ኢዩ ዝብል ነገር ኣብ ዓለም-ለኸ ሕጊ ክሰፍር ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ብመንጸር ሕጊ ወደብ ምውሳድ ይከኣል’ዩ ዝብል ሕጊ የለን። ስለዚ ናይ እንዳማትና ወደብ ንምውሳድ መደብ የብልና። ዓለም ለኸ ሕጊ ብዝፈቐደልና መሰረት ግና ካብ ወደባት ጎረባብቲ ሃገራት  ዝሓሸ ኣገልግሎት ብዝሓሸ ዋጋን፣ ብዝሓሸ ጽሬትን ኣገልግሎት ክንረክብ ክንሰርሓሉ ኢና።” ኢሉ እቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ዓሰብ ናይ እንዳማቱ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ብጋህዲ ገሊጹ።

“ይትረፍ ኢትዮጵያ ክትበታተን ነቶም ዝኸዱ እውን ክንመልሶም ኢና” ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ መራሕቲ ተቃወምቲ ሰልፍታት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ዘቕረቦ መደረ።

‘መን ይፈልጥ ኣብ መጻኢ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወና ይኽእል ይኸውን” ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ለማ መገርሳ ብምኽንያት 7 ዓመት ጽምብል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ኣዳማ(ናዝሬት) “ባሕሪ ዘይብልናስ ስለምንታይ ኢና ሓይሊ ባሕሪ ንምስርት ዘለና” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ዝሃቦ መልሲ።

ኣብይ ኣሕመድን እቶም ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዝነበሩ ኣርበኛች ግንባር ይኹን ግንቦት ሰባት ኣብ ፕሮግራሞም ኤርትራ ከም ኣካል ኢትዮጵያ እምበር ነብሳ ዝኸኣለት ሉኡላዊት ሃገር ምዃና ፍጹም ዘይኣምኑን ተኺኢሎም ንኤርትራ ብሙልኣ ተዘይኪኢሎም ድማ ንዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ከምልሱ ዝጽዕሩን ሓደ ኣጀንዳ ኢዩ ዘለዎም። ተኺኢሎም ህዝቢ ኤርትራ ከይፈለጠ ምስ ኢሰያስ ብዝገብርዎ ሚስጢራዊ ስምምዕ ዞባዊ ቁጠባዊን ፖሊቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ውህደት ሓደ ናይ ቁጠባ ዞባ፣ ሓደ ሰራዊት፣ ሓደ ኤምባሲ ብምምስራት ብሰላሕ መላሕ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምሕዋስ። ህዝቢ ኤርትራ ደፋፊኡ ተቓዋሚኡ ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ሰላሕ መላሕ ነቒሑ ዕላምኦም ክሳኻዓሎም እንተይኪኢሉ ድማ ብሓገዝ ኢሰያስ መሳርዕ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ተባታተነ ብኽህልዎም ዝኽእል ጸብለልታ ሰራዊት ንመሬትናን ልዑላውነታን ብሓይሊ ክጥቕልሉ ኣንፈቶም ኣነጺሮም ኣለዉ። እቲ ንቑሕ ህዝቢ ኤርትራ እታ ዑፍ ቅድሚ ምንፋራ ናበይ ኣንፈት ክትነፍር ምዃና ድሮ ቆብ ኣቢሉስ ጥርናፊኡን ተቓውምኡን ኣስሚሩ ነቲ ናብዚ ኹሉ ጸገም ዘውርደና ዘሎ ውልቀ መላኺ ኣልዩ ሃገሩ ንኽርከብ ኣብ ምምራሽ ይርከብ ኣሎ።

ፓትሪስ ሉምምባ ብዛዕባቲ ጸዓዱ ካብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስጓጎም መልክዕ ቀይሮም ብምስምስ ንግዲን ወፍሪን ኣህጉራዊን ምትሕግጋዝን ረዲኤትን ንኣፍሪቃ ኣብ ኢድ-ኣዙር መግዛእቲ ከእትውዋ ምስ ረኣየ “ብማዕጾ ዝተባረረ መግዝእቲ ብሕጓ ሰላሕ ኢሉ ክኣቱ ክፍቀደሉ ኣይግባእን” ዝበሎ ንዓና ንኤርትራውያን ድማ እቲ ዘይክፈል ከፊልና ስዕርና ዝሰጎግናዮ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብስም ሰላምን ሓዲሽ ምሕዝነትን ኣብ ገማግም ባሕርና ክምለስ ከሎ ዘየሰክፍ ኣይኮነን። ሃገርና ኤርትራ ረኺብና ከይንስእና ዘስግእ ጊዜ ኢና ዘለና ምኽንያቱ ሓንቲ ሃገር ኣብ መሬታ ንናይ ወጻኢ ሓይሊ ወተሃደራዊ መደበር ኣንተፈቒዳ ብድልየታ ልኡላውነታ ኣሕሊፋ ከምዝሃበት እዩ ዘቑጽራ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዘን ዘለዋ ፖለቲካዊያን ሓይልታት ትምክሕታዊያን ዓባይ ኢትዮጵያ እዮም። እቲ ብዶክተር ኣብይ ዝምራሕ ናይ ኦሮሞ ውድብ(ኦዴፓ) ንኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ብምቁጽጻር ረብሕኡ ከኽብር መታን ንግዚኡ ጸቢብ ኦሮሚያዊ ኣጀንድኡ ወንዚፉ ምስቶም ናይ ኣምሓራ ትምክሕተኛታት ሓደ ልሳን ሓደ ልቢ ኾይኖም ኣለዉ። ከም ግንቦት ሸውዓተ፣ ሰማያዊ ፖርቲ፣ ኣንድነትን መድረኽን ዝኣመልሰላ ሰልፍታት ብሃገራውነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዘይቅበል ኣብ ፕሮግራሞም ብዘይ ሕብእብእን ብንጹርን እንተኺኢለን ብምልእታ ኤርትራ እንተዘይኪኢለን ድማ ንዓሰብ ብሰላማዊ ይኹን ብጎንጽን ሓይልን ካብ ክልቲኡ ብሓዲኡ ዝሰለጠ ምስ ኢትይጵያ ክጥቕልሉ እዩ ዕላምኦም። ኣብዚ ጊዜ’ዚ እታ ናይ ግንቦት ሸውዓተ ልሳን ዝኾነት ቴለቪዥን ኢሳት እታ ናይ ዶክተር ኣብይ ኢቢሲ ኣብ ሓደ ቃና ኢየን ዘለዋ። እታ ብዶክተር ኣብይ ትምራሕ ኦዴፓ እተን ብናጽነትን ልዑላውነት ኤርትራ ዘይኣምና ድማ ኸምኡ ሓደ ቃና ዝዝምራሉ ዘለዋ ጊዜ እዩ። እቲ ብልሳኑ ኤርትራዊ ብደሙን ዓሌቱን ስምዒቱን ኢትዮጵያዊ ኢሰያስ ድማ ከምቲ ሓደ ዓይነት ክንቲት ዘለወን ኣዕዋፍ ዝበሃል ምስቶም ናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዘይኣምኑ ሓቢሩ ይጓዓዝ ኣሎ።

እቲ ዘሕዝን ግና መሻኪን ደቂ ኤርትራ ንሳቶም ንባድመ ከቋሙቱ ኤርትራ ሃገሮም ብዓባያ ብዓሰብ ባጽዕን ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ክትወድቕ ምጅማራ ከምቲ ባዕሎም ኣምሓሩ ዝምስልዎ “የቆጡን ኣወርድ ብላ የብብትዋን ጣለች” ዝበሃል ጉዳዩ “ኣተርፍ ባይ ኣጉዳይ” ኮይኑና ይርከብ።

 

ወዲ መሬት

ካብ ዳንዴረ ገነት

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Danilo March 26, 2019

    ኣይከሰርናን ኩሉ ንብረትና ኣምሊስና ( ቃል እሰያስ ኣፈ-ወርቅ ) በቲ ሓደ ፡እቲ መላለሱ/ ጥርኡ እንዳዘረገ በቃ ተድምረናል / ተካፍለናል ( ቃል ኣፈ-ጨለ ዶክቶር ኣቢይ ) በቲ ኻልእ፡ መን ከሲቡ መን’ከ ከሲሩ ንጹር እዩ።እሰያስ ኣይ ከሰርናን ምባሉ ከም ኢቲዮጲያዊ መጠን ሓቁ እዩ።እቲ ዕሸላዊ ሩጭያ ክበቦው ኣተራምሶው ፖለቲካ ብበተ-መቅደስ ዓዲ ሃሎ ኣኽሊል ዝሰቀለ ፡ቡጹእ ወቁዱስ ግዚኣተ ኢትዮጲያ ጋህዲ ኣብ ዝኾነሉ እዋን መን ከሲቡ መንከ ከሲሩ ንምፍላጥ ዓይንና ጨም-ጭም ፡እንተዘይ ኮይኑ ኣእዛን ዘለዎ እዝኑ ይኾርክዕ።ብሓጺሩ ፡ዝጽሓፍን ዝዝረብን ምርኣይን ምስማዕን ምምማይን ምግንዛብን ካብ ዝያዳ ክሳራ እቲ እንኮ !ድፋዕና ይኹን።

  • k.tewolde March 26, 2019

    Wedi meriet, the implementation of what the two amigos under the watchful eyes of the amir signed in Jeddah has been underway before the ink dried,we are aware, no need for the details,it is the icing on the cake,however the cake has been baking for over half of a century,it seems the time has finally come for the tyrant and his confidants to have their cake and eat it too if we let them, again!!.

  • Aba thimmer March 26, 2019

    Eritrean spring is finally coming. Fear is tackled ready for action. Nowadays, despite some intimidation people seem to speak loud ,more vigilant than ever , angry and furious. Sources tell in side.

  • Hagherawi March 26, 2019

    ኣንቱም ደቂ ሃገረይ ፥ እስከ ቁሩብ ንሕሰብ ፥

    1) መንግስቲ እትዮጵያ ፥ ናይ ምሕንጻጽ ዉሳኔ ከምዘለዎ ተቀቢልናዮ እዩ ዝበለ።
    ዘዶንጊዮ ዘሎ እሰያስ እዩ። ካብ ዉሽጣዊ ለዉጢ ክሃድም ክብል ውግእ ኣዊጁ ፥ ሕጂውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ፣ ካብ ዉሽጣዊ ጸቅጢ ክሓድም እሉ ፥ ዶብ ከይተመልከተ ክተርፍ ወሲኑ ኣሎ ።
    2) ናይ እትዮጵያ ጥቅሚ ፥ ኤሪትራ ብዝምልከት ፥ ኣብ ድኽመታ እዩ ። እሰያስ ምእንቲ ነብሱ ፥ ወይ ውን ታሪኻዊ ተልእኾኡ ፥ ኤሪትራ ኣብ ምድኻም እዪ። ብሰንኩ ፥
    ሕዝባ ደኺዩ ፥ ደቃ ተፈላሊዮም ፥ መንእሰያታ ባህሪሮም ፣ ሽማግለታታ ብጓሂ በሊዮም ፥ ዝሞቱ ቀብሪ ሲእኖም ፣ ህሉዋት ሙዉታት መሲሎም ።
    ናይ እትዪጵያ ናይ ዜና ማዕከናት ፥ ፉሉይ ምስጋና ይግቦኦም ። እሰያስ ፥ ንክፍሊ ዘመን ኣብ ዝቀራረብ ፖሊቲካዊ ስርሑ ፥ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተሓቢኡ ፥ ክብሎን ክገብሮን ዝጸነሐ ክሕደት ፥ ኣብ ሓጺር ጊዜ ኣብ ደገ ከም ዝስማዕ ገይም።
    ንሶም ብምስጢር እንተ ዝሕዝዎ ኣይምፈለጥናን።
    እንዳ ኣሞገስናዮ ምተሸጥና ።
    3) እምበኣር ፣ እቲ ኩነታት እዚ እዪ ዝመስል።
    ንሕና ፥ ከም ህዝቢ ኣብ ምሃላዉን ዘይምህላውን ፥ ኣብ ዝውስን ሓደገኛን ወሳንን መድረኽ በጺሕና።
    ሓቢርና ፥ ብሓደ ድምጺ ፥ ብሓደ ቅልጽም ፥ “ይኣክል” ዘይኮነስ ፥ “ንእለዮ” እንተበልና ፥ ቀጻልነትና ኣረጋግጽና።
    ተፋላሊና ፥ ቀዳምነትና ዘንጊዕና ፥ ብቀሚሽ ተሓንኲልና ፣ ካን ቀንዲ ጉዳይና እንተ ቦኺርና ፥ ጠፋእና ።

    እቲ ምርጫ ናትና እዪ።

    ሞጎስን ዝኽርን ንሱዉኣትና።
    ክብርቲ ኤሪትራና ንዘልኣለም ነጻ ትንበር።

    • Fisahaye March 26, 2019

      You said arrogantly, ‘HIZIBA DEKHIYU’, where and when has ever been rich the people of Eritrea?
      You don’t really know or represent the people of Eritrea, you may be mixing with the Saudis!

  • T Abraha March 27, 2019

    The key question for all Eritreans now is (we know where we want to go) how and how soon do we want to go there?

Post a Reply to Danilo Cancel Reply