Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን – ኣማኑኤል ሳህለ

  ኣብቲ ፈለማ ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ሓርነት ኤርትራ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻእን ዝዕዘቦም ዝነበርኩ ኤርትራውያን፡ ፖለቲካውን ርእዮተዓለማውን ፍልልያት ዳርጋ ኣይነበሮምን ኪብሃል ይከኣል። ኣብዚ ጽሑፍዚ፡ ኤርትራውያን ኪብሃል ከሎ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘይኮነስ ንመብዛሕትኡን፡ ብፍላይ ድማ ነቲ

 

ኣብቲ ፈለማ ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ሓርነት ኤርትራ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻእን ዝዕዘቦም ዝነበርኩ ኤርትራውያን፡ ፖለቲካውን ርእዮተዓለማውን ፍልልያት ዳርጋ ኣይነበሮምን ኪብሃል ይከኣል። ኣብዚ ጽሑፍዚ፡ ኤርትራውያን ኪብሃል ከሎ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘይኮነስ ንመብዛሕትኡን፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዚነጥፍ ዝነበረን ዘሎን ዜጋ ይጥርንፍ።

 

ኣብቲ ዘመነ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኤርትራዊ ብዛዕባ ናጽነት ሃገሩ ጥራይ እዩ ዚዓጦ ወይ ዚዓጅቦ ዝነበረ። ክንድዚ ጦርሰራዊት ተኾስቲረን፡ ተጋደልቲ ክንድዚ ጸላኢ ማሪኾም፡ ናጽነት ቀሪባ እያ፡ ወዘተ ዚብላ ቓላት፡ ኩሉ ግዜ ኤርትራውያን ምስ ዚእከቡ ዚጥቀሙለን መኽፈት-ኣፍ እየን ነይረን። ከምዚ ዝበለ ዘረባታት ድማ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻእን ብብዝሒ ይቃላሕ ነይሩ።

 

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኤርትራውያን ከይተረፉ፡ ዳርጋ ብምሉኦም ናይ ናጽነት ደርፍታት ይሰምዑን፡ ኣብ ፈቐዶ ባራት ኣትዮም ድማ ኣስምዑና ይብሉን ነይሮም። ሓንቲ ካብተን ዝዝክረን ደርፍታት ድማ፡ እዚ ገዛና ዓቢ ህድሞ፡ ትዃን ቍንጭን መሊኡዎ እትብል እያ። እተን ናይ ሳታየ ኣውቶቡሳት እውን ብወገነን፡ ሽገይ ሃቡኒ እትብል ናይ ተወልደ ረዳ ደርፊ እናደረፋ እየን ንኣዲስ ኣበባ ዝኣትዋ ዝነበራ። ግን ሓደ ዘይተረደኣኒ ነገር እንተ ነበረ፡ እቶም ኣብቲ እዋንቲ ዝነበሩ ገዛእቲ መደብ ኢትዮጵያውያን፡ ስቕ ኢሎም ይርእዩና ምንባሮም እዩ። ንዒቖምና ዲዮም? ቀሊልናዮም ዲና? ምናልባት። ደሓር ግን ምስ ተሳዕሩ፡ ተመሊሶም ኪሓስቡ ጀሚሮም። ክልተ ግዜ ኣዛሪብናዮም ማለት እዩ።

 

ኣብቲ እዋንቲ፡ ናብ ወጻኢ ሃገር እመላለስ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝነበረ ናብ ሃገርን፡ ናብ ተቓለስትን ናብ ህዝብን ዝቐንዐ ዓሚቝ ፍቕሪ እዕዘቦ ነይረ። ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገር ኪራኸቡ ኸለዉ፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኪጋብዝን ኪዕድምን ኣይጻገቡን እዮም ነይሮም።

 

ሽዑ ከምዚ ሎሚ ህግደፍ ኣይነበሩን። ዘራጊ ስለ ዘይነበረ ድማ ጽሩይ ማይ ይስተ ነይሩ። ይኹንምበር፡ ህግደፍነት ኣብቲ ናይቲ መሪሕነት ኣእምሮ ከም ትልሚ ነይሩ እዩ። ሽዑ፡ ሳዋ እውን ኣይነበረን፡ ኣብ ኣእምሮ መሪሕነት ግን ከም ድቂ ኾይኑ ይድኰን ነይሩ እዩ። ጀብሃ ሻዕብያ ዚብል ፍልልይ ኣይተጀመረን፡ እንተ ጀመረውን ኣብቲ ህዝቢ ክሳዕ ክንድዚ ዘይምርድዳእ ኣይፈጠረን። ትምክሕቲ መሪሕነት ሻዕብያ ግን፡ ነቲ ፖለቲካዊ መናፍቕ ኢሉ ዝፈረዶ ኤርትራዊ ውድብ፡ ኣብ ሜዳ ኪንቀሳቕስን ሰዓብቲ ከጥርን ምርኣይ ኪወሓጠሉ ኣይከኣለን። ምሳና ሆየ ዘይበለ፡ ካባና ይፈለ ዚብል ኣተሓሳስባ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እዩ ጀሚሩዎ።

 

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚነብሩ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን፡ ሉቸ ክትመጽእ ከላ እልል ዚብሉ፡ ምስ እትኸይድ ግን ስለምንታይ ከይዳ ኢሎም ኪጥይቑን ኪካትዑን ዘይክእሉ ሰባት እዮም። ገዛውቶም ኪፈርስ ከሎ ስቕ ኢሎም ይርእዩ። ባህሎምን ሃይማኖቶምን ኪነዓቕ ኸሎ ድማ ንምቅዋም ይፈርሁ። ከምዚ ዝገበሮም ድማ እቲ ስርዓት እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚቕመጡ ኤርትራውያን፡ ነቲ ደሞክራሲ ዚብል ኣምር፡ ከም ታሪኽ ጥራይ እዮም ዚፈልጡዎ፡ ኪስርሓሉ ስለ ዘይረኣዩ።

 

ኣብ ኤርትራ፡ ማሕበራት ከተቕውም ምፍታን፡ ብህይወትካ ከም ምጽዋት እዩ። ንግፍዒ ዓገብ ምባል ድማ ዕምርኻ ምሕጻር እዩ። ነቲ ስርዓት ምንቃፍ፡ ዕሽነት፣ ምእዳም ድማ ቀልቢ ዘይምህላው እዩ። ሽሕኳ ነቶም ቀዳሞት ጸላእትና ክልተ ግዜ ኣዛሪብናዮም እንተ ኾንና፡ እዞም ዳሕረዎት ጸላእቲ ግን ክልተ ግዜ ከዛርቡና ኢዮም ኢልና ሓሲብና ኣይንፈልጥን።

 

ኣብ ኣእምሮ ናይቲ ስርዓት፡ መሰል ደቅሰብ ዚብል ኣምር፡ ከም ያታን ጽውጽዋይን ኮይኑ ስለ ዚረአ፡ ብዛዕባኡ ካብ ምጽሓፍ ብዛዕባ ዝንግባባ ምጽሓፍ ከም ዚምረጽ ኮይኑ ኣሎ። ኣነ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ክሰርሕ ከሎኹ፡ እቲ ክፍሊ ሳንሱር፡ ንቪደዮታት ፍቕርን ጾታዊ ርክባትን ብዘይ ገለ ጸገማት ከሕልፎ ኸሎ፡ ነቲ ብዛዕባ ማሕበራዊ ሕቶታት ዘልዕል ፊልምታት ግን፡ ይነጽጎ ወይ ይሕዞ ነይሩ።

 

በዚ ምኽንያትዚ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ፡ ንትርጉም መንግስቲ፡ ንትርጉም ሰብኣዊ መሰላት፡ ንትርጉም ደሞክራስን ፍትሕን፡ ንትርጉም መሰል ምግላጽ ሓሳባት፡ ምናልባት ኣብ መጻሕፍቲ ረኺቡ ዘንብቦ እንተ ዘይኮይኑ፡ ከም ኣብ ተግባር ኪትርጎም ዚኽእል ኮይኑ ዚስምዖ ኣይመስለንን።  ከምቲ ኣብ ደብረቢዘን ሰበይቲ ከይትኣቱ ክልክልቲ ዝኾነት፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ደሞክራሲ ከይትኣቱ ክልክልቲ እያ።

 

ከምዚ ዝበለ ስርዓት፡ ነቲ ህዝቢ፡ ግጉይ ናይ ነብሱን ናይ ዓለምን ስእሊ ከም ዚሕዝ ገይሩዎ። ጭቆና ንደሞክራሲ ተኪኡዎ። ምርጫ ድማ ኣብ ክንዲ ብኢድ ብእግሪ ኾይኑ፥ ማለት ክልተ ኣእጋርካ ተጠቒምካ፡ ናብታ ዝመረጽካያ ጎረቤት ሃገር ምስጋር፡ ብኡ ኣቢልካ ድማ ዕድለይ ኢልካ ንቕድሜኻ ምኹብላል ኮይኑ።

 

ሽሕኳ ዶብ ሰጊርካ ናብ ጎረቤት ሃገር ምእታው፡ ካብቲ ናይቲ ስርዓት ኣካላዊ ሞቑሕ ዘላቕቐካ እንተ ኾነ፡ ካብቲ ናይቲ ስርዓት ስነልቦናዊ ሞቕሕ ግን ከገላግለካ ኣይክእልን። መብዛሕትኡ ኤርትራዊ፡ ዶብ ብምስጋር ኣብቲ ዝደልዮ ሃገር ኪበጽሕ ክሎ፡ ምስኡ ተሓንጊጡዎ ዚኣቱ ከቢድ ካብቲ ስርዓት ዝሸመቶ ስነልቦናውን ኣእምሮኣውን ሕማማትን ጸገማትን ስምብራትን ኣሎ። ምናልባት፡ መብዛሕትኡ ዶብ ዝሰግር ኤርትራዊ ብገለ ሸነኻቱስ ዳርጋ ስንኩል ኮይኑ እዩ ናብቲ ባዕዳዊ ሃገር ዚኣቱ እንተ በልና፡ ምግናን ኣይከውንን። ብምቕጥቃጥን ብመግረፍትን ዚኽሰት ኣካላዊ ስንክልና፡ ብጭቆናን ብግፍዕን ዚመጽእ ኣእምሮኣዊ ስንክልና።

 

እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ እቲ ስንኩል ኢልና እንጽውዖ ዘሎና ግዳይ ህግደፍ፡ ንነብሱ ከም ጥዑይ ገይሩ ምውሳዱ እዩ፡ ከመይሲ ብፍልስፍና ህግደፍ፡ እቶም ስንኩላት ዚብሃሉ፡ እቶም ካብቲ ሞቑሑ ተላቒቖም ዶብ ዚሰግሩ ኤርትራውያን ዘይኮኑስ፡ እቶም ኣብቲ ጎረቤት ሃገር ዚቕበሉዎም ባዕዳውያን ህዝብን ፖለቲካዊ ኣቃውማኦምን መትከላቶምን እዩ። በዚ እተላዕለ፡ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ኣብታ እተቐበለቶ ሃገር ኮይኑ እዩ ነቲ ዘሰንከሎ ስርዓት ምውዳስ ዚቕጽል። ነቲ ኻብቲ ስርዓት ዝሰነቖ ግጉይ ኣተሓሳስባን ግጉይ ስእሊ እንታይነቱን፡ ንብዙሕ ዓመታት እዩ ሒዙዎ ዚጎዓዝ።

 

ኣብዚ ኣጋጣምዚ፡ ሓደ ብጻየይ ዘዘንተወለይ ሓጻር ፍጻመ ከዘንቱ እፈቱ። ሓንቲ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ዝዓዳ ንእሽቶ ኤርትራዊት፡ ዶብ ሰጊራ ናብ ኢትዮጵያ ትኣቱ። እቶም ኣብቲ መዓስከር እተቐበሉዋ ኣሕሉቕ በቲ ንእስነታ ተገሪሞም፡ ምናልባት ስድራኣ ከመርዕዉዋ ምስ ደለዩ ሃዲማ ዝመጸት ከይትኸውን ብማለት ነቲ ንቡር ጥያቔታት የቕርቡላ። ንሳ ዕድሜኣ 14 ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣመጻጽኣኣ ክትገልጽ ከላ ግን ከምዚ ዚስዕብ ትብል፥ ካብ መርዓ ኣይኮንኩን ሃዲመ፡ ክሰግር እየ ደለየ። እቶም ኣሕሉቕ ድማ፡ ብኸመይ ደኣ እቶም ወትሃደራት ኢትዮጵያ ደው ዘየበሉኺ፡ ብምባል ይውከሱዋ። እቲ መልሳ ከምዚ ዚስዕብ እዩ ነይሩ፥ ረሳሕ ክዳን ተኸዲነ፡ ዓጋመ መሲለ እየ ተሳጊረ፡ ስለዚ ገለ ኣይበሉንን!! እቲ ዝሃበቶ መልሲ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣሕሉቕ ኣዚዩ ኣተሓሳሲቡዎም። ትምህርቲ ህግደፋውያን፡ እንተ ዘይቀተለስ፡ የዕነኒ።

 

እቲ ኤርትራዊ፡ ኸምዚ ዝበለን ኻልእ እተፈላለየ መገድታትን ብልሓታትን ተጠቒሙ ኣብ ጎረቤት ሃገር ወይ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ምስ ኣተወ፡ ዕቝባ ድማ ምስ  ሓተተ፡ እቲ ኣካላቱ ኣብ ባዕዲ ሃገር፡ ኣእምሮኡ ግን ኣብ ውሽጢ ሃገር እዩ።

 

ሽሕኳ ኤርትራዊ ምዃኑ ዘረጋግጸሉ መገዲ፡ ብቐዳምነት እቲ ዚሕዞ ታሴራ ወይ ወረቐት መንነት እንተ ኾነ፡ ካብኡ ቀጺሉ ግን፡ ንኢትዮጵያን ንኢትዮጵያውያን ምጽላእን ምንእኣስን ከም ቀንዲ መረጋገጺ ኤርትራውነቱ ገይሩ እዩ ዚወስዶ። ነዚ ድማ ብእተፈላለየ ጸርፍታትን ዘለፋን ኣሽካዕላልን ይገልጾ። ቀጺሉ ነቶም ኣባላት ተቓወምቲ ደምበን ንሰዓብቶምን ደገፍቶምን ምንሻውን ምጽላምን፡ ሓደ ካብቲ ንኤርትራዊ መንነንቱ ፍጹም ንምግባር ከማልኦ ዘለዎ ነጥብታት ገይሩ እዩ ዚቘጽሮ። ካብዚ ስዒቡ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ከሎ ንነብሱን ዓቕምታቱን ዚልምከት ዘጥረዮ ግጉይ ስእሊ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ንነብሱ ከም ፈላጥን ጥበበኛን ገይሩ ይወስዳ። መን ከም ኤርትራዊ፡ ዚብል ሕማም ይድግሶ። ብሓይሊ፡ ብፍልጠት፡ ብመልክዕ፡ ብጥበብ ወዘተ፡ ዚወዳደሮ ከም ዘየልቦ ገይሩ ድማ ንነብሱ ከዐሽዋ ይነብር።

 

እዚ ብዛዕባ ነብስኻን ብዛዕባ ካልእ ዓለምን ኣብ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ዚጥረ ግጉይ ወይ ጥምዙዝ ስእልዚ፡ ኣብቲ ናይቶም ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዚቕመጡ ናይ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ባህርያትን ተግባራትን ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዚገብር ኩሉ ዚፈልጦ ሓቂ እዩ። እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ነቲ ኣብ ሃገሩ ንኺረኽቦ ከም ሕልሚ ዝኾነ መሰላት ደቅሰብ ብምጽብጻብ፡ ካብቲ ዘዕቈቦ መንግስቲ፡ መሰላቱን ሓለፋታቱን ኪሓትት ድሕር ኣይብልን፡ ነቶም ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ኤርትራ ዚሓቁ ዘለዉ ኣሕዋቱ ሓራ ንምውጻእ ግን፡ ተቓውሞ ዘይምርኣይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስቲ ገፋዒ ስርዓት ኮይኑውን ይነጥፍ እዩ።

 

እዚ ኸይኣክል፡ ኣብ መብዛሕትኦም ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ዚረአ ናይ ምፍልላይ ባህርያት፡ ተስፋ ዘቝርጽ እዩ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣውራጃን፡ ቀቢላን፡ ሃይማኖትን፡ ፖለቲካዊ ዝንባሌን፡ ዘተኮረ እዩ። ገሊኣቶም ድማ ኣብ ድሑር ሃይማኖታዊ ሕልሚ ተኣሊኾም፡ ኣድሓርን ሕልና ዘዕርብን ድኹምን ትምህርቲ ኪዝርግሑ ይረኣዩ። ናይ ባዕዲ ሃገራት ኣጀንዳታት ዘጣጥሑ ድማ ውሑዳት ኣይኮኑን።

 

ከምዚ ምስ ተጓነፈካ፡ ንበዓል ወዲ ዓሊን ንበዓል ሓጂ ሙሳን ትዝክር። ከምዚኣቶምስ ኣብ ወጻኢ ድማ እንተ ዚፍጠሩ ትብል። ከምኡውን ዝኽሪ በዓል ድሩዕ ንመንፈስካ ይቕስቅሶ።ብሓቂ፡ ድሩዕን ብጾቱን ንኣና ኪብሉ እዮም ተሰዊኦም።

 

ንሃይለ ድሩዕ፡ ሓደ ንግሆ፡ ቅድሚ ምእሳሩ፡ ኣብ ጥቓ ገዝኡ ብጃማ ገይሩ ደው ኢሉ ኸሎ ረኺበዮ፡ ቅሩብ ድማ ኣዕሊለዮ። ምስ ሃይለ ድሩዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኢና ንፋለጥ። ንቕሩብ ግዜ ኣብኡ ስለ ዝነበረ። ተጋደልቲ ምስ ኣተዉ እቲ ኣብ ቤትጽሕፈቱ ከይደ ዝረኸብኩዎ ቀዳማይ ብጻይ ተጋዳላይ ንሱ እዩ ነይሩ። ከም ተዋዛይን ምቕሉልን፡ ከም ምሒር ደፋርን፡ ከም ሓደ መከራን ጸገማትን ቅጭጭ ዘይብሎ ሰብን እየ ዝፈልጦ።

 

ነተን ቅድሚ ኣብ ኢድ ገፋዕትን ጠለምትን ምውዳቑ ኣብ መንጎ ዕላልና ዘውሰአን ቃላት ኩሉ ግዜ እዝክረን፤ ንሕና ክንስዋእ ኢና፡ ኣይተርፈናን እዩ፡ ነዚ ኸኣ ተቐሪብናሉ ኢና፡ ግን እዚ ህዝቢ ቀስ ኢሉ እዩ ዚርድኣና፡ ከመይሲ ፖለቲካል ኤንድ ካልችራል ኢነርሻ ኣለዎ (ነቲ ዘጥረዮ ፖለቲካውን ባህላውን ኣረኣእያ ንኺልውጦ ግዜ ኪወስደሉ እዩ፡ ማለቱ እዩ)።

ብድሕሪኡ ኣይረኣኹዎን። ግን ኩሉ ግዜ ነተን ዝበለን ቃላት እዝክረን።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • Ghirmay April 4, 2018

    Amanuel Sahle is one of our unique philosopher and sociologist that will never give up for truth and teach us all the best and most.
    Keep it up!!!

  • Hagos April 4, 2018

    ክብረት ይሃበልና፤
    ክዝከራ ዝግበኤን ጥቕስታት፥

    “ሽሕኳ ዶብ ሰጊርካ ናብ ጎረቤት ሃገር ምእታው፡ ካብቲ ናይቲ ስርዓት ኣካላዊ ሞቑሕ ዘላቕቐካ እንተ ኾነ፡ ካብቲ ናይቲ ስርዓት ስነልቦናዊ ሞቕሕ ግን ከገላግለካ ኣይክእልን። መብዛሕትኡ ኤርትራዊ፡ ዶብ ብምስጋር ኣብቲ ዝደልዮ ሃገር ኪበጽሕ ክሎ፡ ምስኡ ተሓንጊጡዎ ዚኣቱ ከቢድ ካብቲ ስርዓት ዝሸመቶ ስነልቦናውን ኣእምሮኣውን ሕማማትን ጸገማትን ስምብራትን ኣሎ። ምናልባት፡ መብዛሕትኡ ዶብ ዝሰግር ኤርትራዊ ብገለ ሸነኻቱስ ዳርጋ ስንኩል ኮይኑ እዩ ናብቲ ባዕዳዊ ሃገር ዚኣቱ እንተ በልና፡ ምግናን ኣይከውንን። ብምቕጥቃጥን ብመግረፍትን ዚኽሰት ኣካላዊ ስንክልና፡ ብጭቆናን ብግፍዕን ዚመጽእ ኣእምሮኣዊ ስንክልና።”

  • Hagos April 4, 2018

    ተወሳኺት ፤ እስከ ቁሩብ ንሕሰበላ። እንታይ ዝብል ዘሎ?

    “እዚ ኸይኣክል፡ ኣብ መብዛሕትኦም ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ዚረአ ናይ ምፍልላይ ባህርያት፡ ተስፋ ዘቝርጽ እዩ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣውራጃን፡ ቀቢላን፡ ሃይማኖትን፡ ፖለቲካዊ ዝንባሌን፡ ዘተኮረ እዩ። ገሊኣቶም ድማ ኣብ ድሑር ሃይማኖታዊ ሕልሚ ተኣሊኾም፡ ኣድሓርን ሕልና ዘዕርብን ድኹምን ትምህርቲ ኪዝርግሑ ይረኣዩ። ናይ ባዕዲ ሃገራት ኣጀንዳታት ዘጣጥሑ ድማ ውሑዳት ኣይኮኑን።”

    • k.tewolde April 4, 2018

      Hagos,you copied and pasted portions of the article,What is the point? We can read and understand tgrigna just in case. however,lets see if you can interpret this one,”ትምክሕቲ መሪሕነት ሻዕብያ ግን፡ ነቲ ፖለቲካዊ መናፍቕ ኢሉ ዝፈረዶ ኤርትራዊ ውድብ፡ ኣብ ሜዳ ኪንቀሳቕስን ሰዓብቲ ከጥርን ምርኣይ ኪወሓጠሉ ኣይከኣለን። ምሳና ሆየ ዘይበለ፡ ካባና ይፈለ ዚብል ኣተሓሳስባ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እዩ ጀሚሩዎ”

  • Kidane April 4, 2018

    ክቡር ሓው ተወልደ: ብዙሕ ግዜ ርእይቶታካ የንብቦ እየ።መብዛሕትኡ ግዜ ነታ መብዛሕትኹም ተጋደልቲ ተሓኤ ነበር ፈውሲ ክትረኽቡላ ዘይከኣልኩም ሕማም ድሓር በጨቕ ምባል ኣይተብኩርን ኢኻ።ሓጎስ ነቲ ብቐሊሉ ዘይርከብ ትምህርቲ መምህር ኣማኑኤል ብግቡእ ተረዲኡ ንሕሰብ ይብል ኣሎ ንስኻ ግን ከየስተውዓልካ ንሓንቲ ምልእቲ ሓሳባት ቆንጪልካ ክትጥቀመላ ፈቲንካ።ሓው ተወልደ ህድእ ኢልካ’ሞ ሕሰብ: ንኣብነት ሓጎስ ብ1981 ወዲ 3 ዓመት ህጻን እንተ ነይሩ ብዛዕባ እቲ (ኩልና ኤርትራውያን ብስም ነቢይ ዝጽዋዕ ሰይጣን ዝተዓሸናዮ) ጸሊም ታሪኽ ውግእ ሕድሕድ ክፈልጥ ኣይክእልን እዩ።ንሓጎስ እቲ ጸሊም ታሪኽ ናይ ቅድሚ 40 ዓመታት ክመሃሮ ዘለዎ ታሪኽ’ምበር ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ንስኻን ብጾትካን ፍለጡልና ስለትብሉ ከም ዛዕባ ክመያየጠሉ ቅቡል ኣይኮነን።እዚ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ስለዝመለኸኩም ከኣ’ዩ ንሓንቲ ውድብ ናብ ልዕሊ 30 መቓቒልኩም ንናይ ትማሊ ጅግንነታዊ ታሪኽኩም በሊዝኩም ንህዝቢ ተስፋ ኣቑሪጽኩም ህዝቢ እንዳጸነተን ሃገር እንዳበረሰትን ዕጅብ ኣይበለኩምን።ንኣስታት 40 ዓመታት ተቓዊምኩም ግን ህይወት ሓደ ኤርትራዊ ከተድሕኑ ኣይከኣልኩምን።እቲ ዝዓበየ ሕማቕ ታሪኽ ግን ንህዝቢ እናመቓቐልኩም ከይጥርነፍ ተስፋ ከተቑርጽዎ ምኽኣልኩምን ናብ ጸላኢኹም ክንዲ ምቁማት ነንሕድሕድኩም ክትመናጨቱ ህይወትኩም ገንዘብኩምን ሓዳርኩምን ኣብ ሓጸልጸል ባኺኑ።ናይ መምህር ኣማኑኤል ትምህርቲ ብዕትበት ተኸታተሎ’ሞ ምናልባት ኣይፍለጥን ንተጋደልቲ ተሓኤ ነበር ጥራይ ዘይኮነስ ነሕዋትኩም ተጋደልቲ ህግ’ውን: ንዑ ደኣ ናይ ቀደም ዘቃተለና ይኣክል እዚ ሰይጣን ባህ ከይብሎ ንተሓቓቖፍ ዝብል ልቦና እንተ ኣሕደርካ።ክቡር ሓው ተወልደ ታሪኽ ከም ታሪኽ ንዓቅቦ ከይንደግሞ ግን ብእዋናዊ ጉዳይ ንመያየጥ።እዚ ዘልዓልካዮ ርእይቶ ነቲ ዝሰሓግ ዘሎ ህዝብና ምሳሕን ድራርን ኣይኮኖን እዩ።ምስ ኣኽብሮት እዚ ወደሓንካ።

    • k.tewolde April 4, 2018

      Dear Kidane,it sounds like a knee jerk reaction to me with all due respect,the question was directed to Hagos ,and you have no clue how old he is and what is in his mind and you chose to answer for him anyway. You didn’t stop there,you continued to attack the opposition particularly former ELF liberation fighters as the cause of the Eritrean people’s current demise.From where did all this come from?? I quote a line from ex president Obama,.”come on man!!”. And where do you fit in this political theater? isn’t this kind of discourse that Mr. Sahle is trying to warn us? “ተጋደልቲ ተሓኤ ነበር ፈውሲ ክትረኽቡላ ዘይከኣልኩም ሕማም ድሓር በጨቕ ምባል ኣይተብኩርን ኢኻ።” come on man!!How long you been waiting to say this?

  • Robiel Gebrehiwet April 4, 2018

    Zekberka Memher Amanuel,
    THANK YOU. I always enjoy and learn from your articles and I usually invite my friends to read them. Please keep writing.

  • Danilo April 4, 2018

    ኩቡር ኪዳነ፡ሕንኩሊቢቶ ኣይትፍጠር።ብዘዕባ ድኽመትን ኣኽላስነትን ትሓኤ ዝዓጠጠካ ትመስል።ወይውን ተማርር ዘለካ ትመስል።የኹን’ምበር ናይዚ’ኹሉ ታኼላ መን ሙኹዋኑ ንዓኻ’ውን ከመይ ዘይስቆረካ?በል፡ሕዘለይ’በል ሓው ኪዳነ።

    K.tewolde, ካብቶም ዘይብዳዕ ፡ዘይጻረፍ፡መኽልስ ወሃቢ ርእይቶን መሃርን’ድኣምበር ንተሓኤ ዝሕለቅ ወይ ኣባል ኮይኑ ዘይኾነ ንኽትፈልጥ ጸረ-ወጽዓ ሙኻኑ ብኸምዚ ዘለኻ ሩጡብ ኣጸሓሕፋ ከምትርድኣኒ ስለ ዚኣመንኩ’ድኣምበር ዝምልከቶ ክምልሰልካ ይኽእል ኢዩ።ግን ሓደራ! ንርእይቶኻን ርእይቶይን ኣብ ድባብ ቃልሲ ከም መኢኣረምታ ጥራሕ ንውሰዶ ምበልኩ።

  • Kidane April 5, 2018

    ክቡር ሓው ተወልደ: (ናይ “ዳኒሎ” ትሕዝቶ ስለዘይብሉ-blind support-ኣይምልሰሉን: ኣብ ሕድሕድና ከኣ ዘራይ ኣየድልን)መልሲ ዝሃብካ መሲሉካ’ምበር ነቲ ዝበልኩዎ ኢኻ ኣረጋጊጽካዮ።ከም’ታ ቀዳመይቲ ከርሲ ናይ’ቲ ጽሑፍ ከየስተውዓልካ ብ”knee jerk reaction” መሊስካ።ደጊመ ከብርሃልካ በቲ ቅድሚ 12 ዓመታት ንመራሕቲ ውድባት ዘቕረብኩዎ ምሕጽንታ።ኣቐዲመ ግን: መንነት ሓጎስ ይኹን ኣተሓሳስብኡ ምፍላጥ ምስ’ቲ ዘቕረቦ ጽሑፍ ዘራኽብ የብሉን።ንናይ መምህር ጽሑፍ ግን ብግቡእ ተረዲኡዎ ንሕሰብ ኢሉና።ስለ’ዚ እቲ ብዛዕባ ሓጎስ ዝጸሓፍካዮ ኣድላይነት የብሉን: out of context. መምህር ኣማኑኤል ከም ወትሩ ኣተሓሳስባና ከነማዕብል ጭብጥታት ብምቕራብ ኣተሓሳስባና ከነማዕብልን ኣተሓሳስባ ናይ’ቲ ስጋ ለበስ ሰይጣን ንክንርዳእ እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ምስጓግ ተሓኤ ካብ ሜዳ ከም ኣብነት ኣቕሪቦምልና።ንስኻ ብታኽዋኽ ነቲ ከርሰ ጽሑፍ ገዲፍካ ናብ’ታ ልምድቲን ዘይትፍወስን ሕማም ጎይኻ ክትጥቀመላ ስለ ዝፈተንካ ርእይቶይ ሂበካ።እቲ ደጊምካ ዝጸሓፍካዮ ንህዝቢ ዘድከመ ስለዝኾነ ብዛዕባ እዋናዊ ጉዳይ ንክትሓስብ ሓቢረካ።ኣዝዩ ዘሕዝን ይኹን’ምበር ካልእ’ውን ስለንበሃል ኣየገርመንን እዩ።ድራር እንተ ዝኾነካ ኮይኑ እታ ደርፍኹም ክደርፈልካ “ህግ ምስ ወያነ ኮይና ካብ ሜዳ ኤርትራ ኣውጺኣትኩም”።ደርፍኹም ቀይሩ ዘብለና ዘሎ ናብ’ቲ ናይ ሓጎስ ክመልሰካ።ብ1981 ጅብሃን ሻዕብያን ዘይርድኦ ዝነበረ ወዲ/ጓል 10 ዓመት ሎሚ ወዲ 50 ዓመት ኮይኑ’ሎ።ብድሕሪ 1981 ዝተወልዱ ከኣ ደቀ’ርብዓ ኮይኖም ማለት’ዩ።ብስታቲስቲክስ ዝተሰነየ ጭብጢ’ኳ እንተ ዘይብልና ዝብፕዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ ክልል ዕደመ ዘሎ ከይኮነ ኣይተርፍን።እቲ ዘስተውዕል ንመብዛሕትኦም ተጋደልቲ ተሓኤ ነበር ወሲኽካ: ዳርጋ 90% ብዛዕባ እዋናዊ ጉዳይ’ምበር ብዛዕባ ጀብሃ ሻዕብያ ክካታዕ ኣይደልን እዩ።እታ ጀብሃ ከኣ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ከም ዝኾነት ተረዳእ’ሞ ውድባት ቅድሚ ህዝብን ሃገርን ምምላኽ ክተርፍ ንቃለስ።ስለ’ዚ እየ እምበር ንነዊሕ ግዜ ኩሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ከኣ እዚ ሓዲሽ ወለዶ ዘስተማቕሮ ደርፊ ቀይሩ ዝብል ዘለኹ።ልዕሊ 50 ዓመታት ዝተቓለሱ ናይ ትማሊ ተቓሊሶም ዘቃለሱ ጀጋኑ ተጋደልቲ መራሕቲ እድባት ኣለው።እንተኮነ ግን ናይ ፖለቲካ ብስለት ስለዘየለ እነሆ ህዝቢ ይጸንት ሃገር ትጠፍእ ኣላ።እቲ ሓቂ ንሱ ስለዝኾነ ናብ’ቲ ልሙድ ዘራፍ እንተ’ምራሕኩም ዝቕየር ነገር የለን።ብሕጽር ዝበለ:: ዝበልኩም በሉ ነቶም ናይ ህግ ተጋደልቲ ነበር ወሲኽካ: ምስ መምስ ብጾትኩም ክትሰርሑ ካብ ዘይከኣልኩም: ክሳብ ሎሚ ህዝቢ ከተመሓድሩ ከም ዘይትኽእሉ ተረጋጊጹ እዩ።ኣብ’ዚ ጸልማት እዋን ሕድገታት ክገብሩን ክሰማምዑን ንዘይከኣሉ መራሕቲ ውድባት ምኽሪ ክልግሱሉ እናተማሕጸነ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ መንእሰይ ብሓዲሽ ቅዲ ተላዒሉ መራሕቱ ክመርጽ ኣለዎ።

    • Simon G. April 5, 2018

      ኪዳነ:
      ኣነ ‘ኳ ሓጎስ ኢኻ በሃላይ ‘የ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ ተኻላይ ኢኻ ኢለየ ዝኣምን። ከምኡ ድማ ሺላን። ተዘይኮንካ ግን ይቕሬታ።
      ——————————————————————-
      ሕራይ ነዚ ኹሉ ተቓላሳይ ጨራሪምካዮ ‘ሞ ንስኻ ከኒ ምስ መን ኢኻ?

  • Kidane April 5, 2018

    ክቡር ሓው ስምኦን ገ.: ብስመይ እምበር ካልእ ተጠቒመ ኣይፈልጥን።ብዙሕ ከኣ ኣይጽሕፍን እየ።ዝኾነ መንነተይ ከረጋግጽ ዝደሊ ምሉእ ሓበረታ ክህብ ቅሩብ እየ።ርእይቶ ናይ ምሃብ ምሉእ መሰል ኣለኒ።ናይ መምህር ኣማኑኤል ጽሑፋት ስለዝምስጠኒ ይከታተል እየ።ተወልደ ነቲ መስተውዓሊ ሓጎስ ዘቕረበሉ ብድዔን ካብ ኣርእስቲ ወጻእን ግቡእ እንተ ነይሩ ባዕልኻ ፍረድ።ኣብ’ቲ ዘቕረብኩዎ ርእይቶታት ጌጋታት እንተረኺብካሉ ክትእርመኒ እንተትፍትን ምተመሃርኩ ነይረ።ይኸውን ኢልካ ኣስማት ምዝርዛር እንታይ የርብሕ?እቲ ናይ ተቓላሳይ ምጭርራም ዝበልካዮን ናተይ እጃም ኣብ ቃልሲን ግን ኣድላይነት ስለዘይብሉን ህዝቢ ርእይቶ ንከይህብ መፈራርሒ ስለዝኾነን ኣይምልሶን እየ።ንሓበረታ ክኾነካ ግን ንዝኾነ ጽሑፍ ክትነቅፍን ክትንእድን ክትቃወምን ክትእርምን ካብ ሕመረት ወይ መስርሕ ናይ ዲሞራሲያዊ ናጽነት ከም ዝኾነ ተረዲእካ ንርእስኻን ንህዝብን ኣረድእ።እዚ ንካትዓሉ ዘለና ኣርእስቲ ትርጉም የብሉን’ሞ ናብ’ቲ ኣስተምህሮ ናይ መምህር ኣማኑኤል ተመሊስና ኣተሓሳስባና እንተ ኣማዕቢልና ንዝኾነ ጸገም ፍታሕ ምርካብ ኣየሸግረናን እዩ።እዚ ማለት ብዘይ ስክፍታ ኣካይዳና ብፍላይ ናይ ቃልስና ገምጋም ክንገብር ክንክእል ኢና።ብስምዒት ዘይኮነ ብክውንነትን ብጭብጢን ቃልስና እንተ ገምጊምና ተወልደ’ውን ክቕበሎ ክግደድ እዩ።ክሳብ ሎሚ ዝሓፈስናዮም ዓወታት ስለዘየለው እቲ ስጋ ለበስ ሰይጣን ቀሲኑ ህዝብና ይጸንት ሃገር ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣላ።እዚ ሓቂ ኣይኮነን ኢልካ ብመርትዖ ክትሙግት ብቕዓት እንተለኩም ክእረምን ክመሃርን ቅሩብ እየ።

  • Socrates April 5, 2018

    Ato Hagos and Ato Kidane, you two gentlemen should be praised for your great observations and valid comments.
    You both tried admirably to grasp and translate the magnificent article of our respected teacher/memhir Amanuel S.
    Kibur haw Kidane, you shouldn’t be wasting your valuable time and energy arguing or trying to teach dumb and stubborn hooligans. These are severely damaged and messed up ELF zombies that can’t be ever repaired or humanize/civilized.

    • Simon G. April 5, 2018

      When was your baptism Socrates?
      Your are born again and again and again….so many new names 🙂
      We have your footprints and can’t escape from them, Shilan 🙂

  • Kidane April 5, 2018

    Dear Socrates, I am glad you understood the contents of the article. However, the harsh wordsvare inappropriate to say the least. We need need each other at this trying more than ever. Moreove, regardless of our differences, we should never forget that we are one family. Correcting one another has been and will continue to be the cornerstone of our survival.

    • k.tewolde April 5, 2018

      “we should never forget that we are one family. Correcting one another has been and will continue to be the cornerstone of our survival.” I agree 100%,however since I knew Hagos from his previous posts,I was challenging him with the quotation from Mr.Sahle’s article,if you are him,this discussion is over, if not,I am not here to exonerate ELF or disseminate its organizational principles like Danilo said,I speak for myself,the views and opinions are solely mine,you should challenge me instead of a liberation organization of yesteryear EPLF included. I might step back every now and then for references but I am always looking forward, cast the demons of the past which is still haunting us with cryptic smirk in adi halo and his entourage, and my favorite song is “One Love!” not “ህግ ምስ ወያነ ኮይና ካብ ሜዳ ኤርትራ ኣውጺኣትኩም”። Lets get to know each other.

POST A COMMENT