Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን፡ ኣብ ክንዲ ፈታሕቲ ጸገማትና፡ ሓላለኽቲ ጉዳያትና ክንከውን የብልናን

ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ብሰሪ’ቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልካዊ ስርዓትን ድኽነትን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ስደተኛታት ኮይኖም ከርፋሕ ናብራ የሕልፉ ኣለዉ። ካብኡ ናብኡ፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊብያ፡ እስራኤል፡ ደቡብ ሱዳንን፡ ጁቡቲ ዘለዉ ኤርትራውያን፡

ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ብሰሪ’ቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልካዊ ስርዓትን ድኽነትን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ስደተኛታት ኮይኖም ከርፋሕ ናብራ የሕልፉ ኣለዉ። ካብኡ ናብኡ፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊብያ፡ እስራኤል፡ ደቡብ ሱዳንን፡ ጁቡቲ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ እቲ ኣህጉራዊ ሕግታት ዘፍቅዶ ንስደተኛ ዝግባእ መሰላትን ውሕስነትን ከም መንበሪ ፍቃድ፡ ዕድላት ስራሕ፡ እኹል ናይ ጥዕና፡ መግብን መጽለልን ሕሩማት’ዮም። ከምሳዕቤኑ ድማ፡ ንኸይጥረዙን ከይእሰሩን ተሓቢኦም ብሽቁርርታን ፍርሕን ተነጺሎም ክነብሩ ይግደዱ ኣለዉ። ዕድለኛታት እንተኾይኖም፡ ትሑት ዋጋ ዝኽፈሎን ንህይወቶም ሓደገኛ ኣብ ዝኾነ ስራሕን ካብ ምልማን ክድሕኑ ይለፍዑ። ኣብ ርእሲኡ፡ ብኣስራሕቶም ይከላበቱ፡ ውዕለቶም ኣይክፈሉን፡ ኣሕዋትና ደቂ ኣንስትዮ ክብረ ንጽህንአን ይድፈር፡፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘጋጥም ዘሎ ሕሰም ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብርግጽ ኤርትራውያን፡ ፈታሕቲ ሰብኣዊ ክብርና፡ መሰረታዊ ጸገማትናን ጉዳያትናን ንሕናን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን እምበር፡ ናብ ስደት ምምራሕን ንማሕበረሰብ ዓለም ጥርዓን ብምቅራብን መሰልና ከምዘይረጋገጽ ኣይንስሕቶን ኢና። እዚ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ኣብ ስደት ዘሎና ኤርትራውያን፡ ኣህጉራዊ ሕግታትን ናይታ ንነብረላ ሃገር ሕግን ተጠቂምና ንመሰልና ክንጣበቅ ግቡእና’ዩ። ንወጽዓናን ንመሰልናን ድምጽና ከነስምዕ ግን እኹል ኣፍልጦን ስጡም ሓድነትን ክህልወና ኣለዎ። ኣብ ዘይቤትካ ወይ ኣብ ትሕቲ ሰብ ትቅመጥ እንተሊኻ፡ ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ዓዶም ግደፈሎም ስለዝኾነ፡ ምግንዛብን ምፍላጥን መሰልን ሓላፍነትን ስደተኛታትን ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቁባን ናይ ዘለኻዮ ሃገርን ከባብን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ብሕጊ ምምእዛዝን ምስራሕን ንሰባት ካብ ካልኦት ፍጡራት ዝፈልዮም እንኮ ረቋሒ’ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ከም ስደተኛ ኮይንካ ናብ ዝኾነ ሃገር እንተመጺኻ፡ ዝተወሰነ መሰላት ወይ ሓለፋታት ይወሃበካ፡ ከምኡ’ውን ዝተወሰነ ሓላፍነትን ግዴታን ከተማልእ ኣለካ።

እቲ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሃገር፡ ንኤርትራውያን ዘጋጥም ዘሎ ጸገማትን ሕግታትን መሰላትን ናይ ተቀበልቲ ስደተኛታት ሓደ’ኳ እንተዘይኮነ ንሕና ክንፈልጦን ክንትግብሮን ዝግብኣና ሓፈሻዊ ነጥብታት ግን ኣሎ። ብሰንኪ ንቁጽ ይነድድ ርሑስ ከምዝብሃል፡ ዝበዛሕና ኣብ ስደት እንርከብ ኤርትራውያን ብሕግታት ናይቲ እንነብረሉ ሃገር ተማእዚዝና ንነብርን ክሓልፈልናን ስድራቤትና ንምሕጋዝን ሓርኮትኮት ንብል’ኳ እንተኾና፡ ገለ ገለ ኤርትራውያን ግን ካብ ዘይምርዳእ ወይ ብዘይሓላፍነታዊ ኣገባብ፡ ሕግታት ይጥሕሱን ዘይንቡርን ዘይቅቡልን ጠባያት የዘውትሩን። ገለ ካብቲ ኣብ ስደት ዘለና ኤርትራውያን ዘውቅሰና ዘይእሩም ጠባያት ድማ ስኽራን፡ እምባጓሮ፡ ስርቂ፡ ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ከይከፈልካ ክትሳፈር ምፍታንን ስደተኛ ወይ ሓታቲ ዕቁባ ዘለዎ ግዴታ ዘይምምላእን ምጥቃስ ይከኣል። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ፈጸምቱ ይእሰሩ፡ ብገንዘብ ይቅጽዑን ናይ ስደተኛ መሰሎም ይንፈጉን። ብዙሕ ውረድ ደይብ ሰጊርና፡ ኣሽሓት ገንዘብ ከፊልና፡ ስድራቤትና ኣብ ዕዳ ኣእቲና፡ ካብ ንፈትዋ ዓድና ምስዳድናን ካብ ስድራቤትና ምፍልላይናን ክይኣክል፡ ኣብ ዓዲ ጓና ዘይእሩም ጠባያት ምዝውታርን ብሕጊ ዘይምቅያድን ድማ ክልተ ሞት’ዩ።

“ኣብ መበቆል ዓደይ ከይእሰርን ከይቅተልን ህይወተይ ይሰግእ’የ ወይ ብድኽነትን ስእነት ናጽነትን ኣብ ኤርትራ ክነብርን ህይወተይ ክመርሕን ኣይክእልን’የ” ኢልካ፡ መሰል ስደተኛን ፖለቲካ ዑቁባን ሓቲትካ ከተብቅዕ፡ ተመሊስካ ናብታ ንድሕነተይ ይሰግእ’የ ትብላ ሃገር ክትገይሽ እንከለኻ፡ ዕሽነትን ብህይወትካ ምጥላዕን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ንኤርትራውያን ሓተቲ ዑቁባ ንምዕንቃፍ ዕድሎም ንምስባርን፡ ብመደብ፡ ሃሱሳቱ ፖለቲካዊ ዑቁባ ክሓቱን ተመኹልዮም ናብ ኤርትራ ክመላለሱን ኣብ መራኸቢ ብዙሓኑ ከምዘውደኽድኹን ይገብር ስለዘሎ፡ ኤርትራውያን ዘቅርብዎ ሕቶ ፖለቲካ ዕቁባ ከምዘይእመንን ተቀባልነት ከምዘይረክብን ይኸውን ኣሎ። እቲ ንህይወትካ ዘስግኣካ ስርዓትን ኩነታትን ከይተቀየረ ወይ ከይተመሓየሸ ትገይሽ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተህተፍተፍን ምስ መንግስቲ ወግዓዊ ርክባት ተካይድ እንተኾይንካ፡ ኣብ ሃገርካ ዘፍርሓካ ነገር ከምዘየለ ብገዛእ ርእስኻ ትኣምን ኣለኻ ማለት ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣቀዲምካ ዘቅረብካየ ቃል ተፍርሶ ኣለኻ ማለት’ዩ። ብተገራጫዊ ስጉምትኻ ኣብ መጻወድያ ምጽራይን ጉዳይካ ምጉታትን ትኣቱ ኣለኻ። ኣብዚ ዓለም ብምዕቡል ስነ-ኪነት ናብ ከብዲ ኢድ ሰብ ተቀይራትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ብቀትሪ ተጓዓዝ ብለይቲ፡ ብነፋሪት እቶ ብእግሪ፡ ካብ ሰብ መዚ ኢመግረሽንን ጸጥታን ክትሕባእ ምሕሳብ የዋህነት’ዩ። ኣብ ሓደ ቦታ መንነትካ እንተሂብካ ኣብ ኮምፒተር ከምዝተሓዝን ናብ ካልኦት መሻረኽቲ ሃገራት ከምዝዝርጋሕን ምርዳእ የድሊ። ፈቲኽን’ዶ ንጉስ ትምርቃ ከምዝብሃል ትሕዛዝ ከተኽብርን ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ነገር ከይትፍጽምን ክትጥንቀቅ ኣለካ። ምኽንያቱ ሕግታት ናይታ ትነብረላን መሰል ክትረክብ ሓቲትካላን ዘለኻ ሃገር እንተጢሒስካ ከም ሳዕቤኑ፡ ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድካን ንኽትጸንሕ ዝተዋህበካ መሰልን ክትስእኖ ትኽእል ኢኻ።

መብዛሕትና ኣብ ስደት ዘለና ኤርትራውያን ብኸፈር ጸገማት ተሰኪምና ስለዝመጻናን ዝወለድናዮን ደቅናን ብዘይጠዋሪ ዝሓደግናዮም ወለድና ክንሕግዝ ስለዘሎና፡ ለይትን መዓልትን ክንሰርሕ እምበር ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክንሳተፍ ቀዳምነት ኣይንህቦን ኢና። ዋላ ክንምሃር እንተደለና’ውን ብዙሕ ዕዳን ሓላፍነት ስድራን ስለዘለናን ዓቅሚ ስለዝሓጽረናን፡ ባህግና ይቁጸ።  ይኹን እምበር፡ ድሌት፡ ግዜና ብግቡእ እንተተጠቂምናሉን እንተተጸሚምናን፡ እቲ ነብስና ናይ ምምዕባል ክእለትን ሞያን ምጥራይ ዕድላት ብሓጺን ዝተረገጠን ዘይክኣልን ኣይኮነን። ብፍላይ እቲ ብተዛማዲ ብዙሕ ወጣጢ ዘይብሉን ንኡስ ዝዕድሚኡን ዜጋ፡ ትምህርቲ ንመጻኢ ዕድላትን ምምሕያሽ ናብራን ማዕጾ ዘርሑ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዋላ ብውሑድ ሰዓታት(part-time) ክሳተፍ ክሓስበሉ ዘለዎ ጉዳይ’ዩ። ካብ ሳዕሳዕካ ተቆጻጸ ስለዝኾነ፡ ኣብ ስደት እቲ ዘሎ ዕድላት ክንጥቀመሉ ኣሎና። ንኣብነት ኣብ ካናዳን ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳን ክመሃር ዝደሊ ሰብ የተባብዓን ዕድላት ይህባን ኢየን። ኣብ ርእሲኡ መጣየሲ፡ መትከል እግርን ስራሕ ክሳብ ትጅምርን ዝወሃብ ከም ጥረ ገንዘብ፡ መንበሪ ገዛ፡ ኣገልግሎት ተለፎን ካልእን ሓገዛት ኣሎ። እቲ ዝግበር ደገፋት ግን ንብዙሓት ዜጋታትና፡ “ሰሪሕካን መንግስቲ ዝህበካ ሓገዝን ሓደ ስለዝኾነን እቶት እንተለካ ካብ መንግስቲ ዝወሃብ ደገፍ ስለዘቋርጽን” ብምባል ክሰርሑ ዘይመርጹን ጥዕናን ጉልበትን እንከለዎም ኣብ ተመጽዋነት ክነብሩ ዝደልዩ ኣለዉ። ምርጫ ዘይምስራሕ ናይ ገለ ኤርትራውያንን መንግስታት ዝህብኦ ዝተፈላለየ ሓገዛትን ቅኑዕ ድዩ ግጉይ መጽናዕቲ ዘድልዮ’ዩ። ቀዳሞት፡ “ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ሰፍኢ/ሳእኒ ይበሊ” ክብሉ እንከለው ብዘይ መንቀሊ ኣይኮኑን። ኣብ ዓለም ተጸባያይ ምዃን እቲ ዝኸፍአ ህይወት’ዩ። ብስእነት ዓይነ-ብርኪ፡ ብሕማም ምድናስ እንተተሰኒፍካ፡ ምርጫ ስለዘይብልካ ጽግዕተኛ መንግስቲ ወይ ቤተሰብ ትኸውን፡፡ ምሉእ ጥዕና እንተድኣ ሃልዩካ ግን፡ ነብስኻ ንምኽኣልን ካብ ተጸባይነት ንምድሓንን፡ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክትሳተፍን ኣበርቲዕካ ክትሰርሕን ወርቃዊ ግዜኻ ኣብ ቁምነገር ከተውዕሎን ኣለካ። ብዝከኣል መጠን ምቅሳም ፍልጠትን ሞያን ሓደ ካብ ቀዳምነታትካ ክኸውን ይግባእ። ትምህርቲ እንተለካ ሕማቅ ሞት ኣይትመውትን ኢኻ። ንፍልጠትካ ዝወስደልካ ኣካል የለን ምኽንያቱ ናይ ብሕትኻ ሃብቲ’ዩ።

ኣብ’ዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ዝልገስ ሓገዛት፡ ሕግታት ስደትን መንበሪ ፍቃድን ናይ ዝኾነት ሃገር ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክቅየር ስለዝኽእል፡ ዜግነት ኣለኒ ወይ ደገፋት መንግስቲ ኣለኒ ኢልካ ኣራጢጥካ ትቀስነሉ እዋን ኣይኮነን። ካብ መሬት ዓደ’ቦኻን ጤሳኻን ሓግሒጉ ዘውጽኣካ የለን። ኣብ ስደት ግን ነባሪ ሕጊ የለን ብፍላይ ድማ ሕግታት ትጥሕስን ዘይንቡር ኣካይዳ ትፍጽም እንተኾይንካ። ሎሚ፡ ብዙሓት ሃገራት ብስግኣት ጸጥታን ቁጠባዊ ቅልውላውን፡ ኣብ ሕግታተን ዘተኣታትዎኦ ዘለዋ ለውጥታት ካብ ቅድሚ ዓይንና ስውር ኣይኮነን። ምናልባት እቲ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ተኣታትዩ ዘሎ ጽዩፍን ግዕዙይን ኣሰራርሓ፡ ጉቦን ሰበይ ሰብካን፡ ኣብ ስደት ክንደግሞን ቀምሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ ዝዓይነቱ ምስምስን ሽጣራን ከነቅርብ እንተኾይናን፡ ዝጎድኣና’ምበር ዘርብሓና ምርጫ ኣይኮነን። ንምንታይሲ፡ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ፡ ዘይእሩም ጠባያትን ካብ ተጸባይነት ንምድሓን ቅሩብነት ዘይምርኣይን ንጉዳይና ዝሓላልኾ’ምበር መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ኣይኮነን። እቲ ብሃገራት ዝወሃበና ግዝያዊ ደገፋታትን ሓለፋታትን እግርና ክሳብ ንተክልን ንውሱን እዋንን ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። እንተኾነ ኣብ ስደት ከምዘለና ከይረሳዕና፡ ሎሚ ካብ መንግስቲ ንረኽቦ ዘለና ሓገዛትን ረብሓታትን ገደብ ከምዘለዎ ምርዳእ የድሊ። ብኣጠቃላሊ፡ መዓልታዊ ንጥፈታትናን ኣከያይዳናን፡ ጸገማትና ንምፍታሕን መሰላትና ንምሕላውን እምበር፡ ንጉዳያትና ዝሓላልኽ ክኸውን የብሉን።

                     ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 7 ጥሪ 2018

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Tesfom January 8, 2018

    ጽላል ብጣዕሚ ጽቡቕ መልእኽቲ። እቲ ቐንዲ ከም ስደተኛታት ኤርትራውያን ሕግታት ናይተን ስደተኛታት ዘዕቑባ ሃገራት ሕግታተን ከም ዝቕየር እዩ። ኤረፓ ዘለኹም ብሕልፊ ውሕስነት ከምዘይብሉ ክረኣየና ክኽእል ኣለዎ። ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ብዝሒ ስደኛታት ኣብ ኤሮጳ ሑሉፋት ሃገራውያን ኣንጻር ስደተኛታት ኣቕዋም ዘለውም ብኣዝዩ ኣስጋኢ ብዝኾነ መገዲ ዕብየት እናምጽኡ ይኸዱ ኣለዉ። ኣብ ስልጣን ብዝወጹ ድማ እንታይ ከም ዝገብሩ ንስደተኛታት ንማንም ብሩህ እዩ መስለኒ። ኣብዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ኮነ ካልእ ዓልየት ንምጥራዝ ኤሮጳውያን ኣብ ምስርሑ ይርከቡ። ገለ እሙናት ምንጭታት ከምዝሕብርዎ ህግደፍ ምስተሓተተ ስደተኛታት ንኽቕበል ካብ ዩሪፕያን ዩንየን ህግደፍ ገለ ካብቲ ቕድመ ኩነት ዘቕረቦ ከምዚ ኔሩ።” ክንድዚ ዝኣኽሉ ገበነኛታት ንኤርትራ ዝበደሉ ኣብ ኤሮጳ ይነብሩ ኣለዉ። ነዚኦም እንተ ኣረኪብኩምና ስደተኛታ ዜጋታትና ዘይንቕበለሉ ምኽንያት የለን።” ይሩፕያን ዩንየን ብኡ ንብኡ ነጺገሞ ይብሉ እቶም ምንጭታት። ስለዚ እዞም ሑሉፋት ሃገራዉያን ኣብ ስልጣን እንተመጺኦም ነቲ ጠለብ ይነጽግዎዶ?

  • k.tewolde January 9, 2018

    An advice we can all incorporate into our daily lives.You work hard,no excuses!,play by the rule,speak the truth,give a lending hand to your struggling fellowman….and keep faith on your Creator,you will be fine. Tsilal keep feeding us the good stuff. Thanks again.

    • k.tewolde January 9, 2018

      In other words don’t wear the HGDEF culture like a tuxedo and try to strut on the western runaway expecting to win.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply