Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ዝኸበረ ትሕቲ ዕድመ ተጻዋታይ ኮይኑ ምስ ጀርመናዊት ክለብ Borussia Dortmund ናይ ነዊሕ እዋን ውዕል ተፈራሪሙ።

ረያል ማድሪድ ብእትርከበን ዓበይቲ ክለባት ኤውሮጳ ከይተረፈ ክድለ ዝጸንሐሐ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣለክሳንደር ኢሳቕ’፣ ዝኸበረ ትሕቲ ዕድመ ተጻዋታይ ኮይኑ፣ ነታ ክጻወተላ ዝጸንሐ ሽወደናዊት ጋንታ AIK ገዲፉ ምስ ጀርመናዊት ክለብ Borussia Dortmund ብ

ረያል ማድሪድ ብእትርከበን ዓበይቲ ክለባት ኤውሮጳ ከይተረፈ ክድለ ዝጸንሐሐ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣለክሳንደር ኢሳቕ’፣ ዝኸበረ ትሕቲ ዕድመ ተጻዋታይ ኮይኑ፣ ነታ ክጻወተላ ዝጸንሐ ሽወደናዊት ጋንታ AIK ገዲፉ ምስ ጀርመናዊት ክለብ Borussia Dortmund ብ 10 ሚልዮን ይሮ ናይ ነዊሕ እዋን ውዕል ከም ዝተፈራረመ ካብ sky sports ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቲ ‘ሓድሽ ኢብራሂሞቪች’ እናተባህለ ክድነቕ ዝጸንሐ ወዲ 17 ዓመት ኣለክሳንደር ኢሳቕ፣ ነቲ ካብ ረያል ማድሪድ ዝቐረበሉ ጻውዒት ገዲፉ ናብታ ናእሽቱ ተዋወቲ ብምሕብሓብ ዝተወርየት ጀርመናዊት ክለብ ዶርማንድ ምኻዱ ኣውንታዊ ምርጫ ምዃኑ ክኢላታት ኩዕሶ እግሪ ኣመልኪቶም።

ዳይረክተር ስፖርት Borussia Dortmund Michael Zorc “ኢሳቕ፣ ብዙሓት ዓበቲ ክለባት ኤውሮጳ ሃሪፈናኦ ዝጸንሓ ልዑል ክእለት ዘለዎ ኣጥቅዓይ እዩ። ን Dortmund ምምራጹ ድማ ሓጎስ ይስምዓና” ክብል ንዕቑር ክእለቱ ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ።

ኣለክሳንደር ኢሳቕ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 24 ጸወታታት ሽወደናዊት ክለብ AIK ተሰሊፉ 10 ጎላት ከመዝግብ ከሎ፣ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ምስ ስሎቫኪያ ኣብ ገበረቶ ግጥም ሸቶ ብምምዝጋ ኣብ ዝሓለፈ 105 ዓመት ንፈለማ ጎል ዘመዝገበ ዝነኣሰ ሽወደናዊ ትሕቲ ዕድመ ኮይኑ ‘ሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • hidat January 28, 2017

    ALEKSANDER ISSAK HABEN HAGER AGOKA VIVA…..XEBUK MIGIMAR ZEWEDEY. KEMAKA YIBZIHU……

Post a Reply to hidat Cancel Reply